Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግብረመልሲ ኣዕሩኽ ኣሰና በይ ኤርያ፣ ካሊፎርንያ፣ ንምስሳን ድምጺ ኣሰና

ዝከበርኩም ድምጺ ኣሰና፡ ዝኸበረ ሰላምታና ብምቕዳም ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነየልኩም። ድምጺ ኣሰና ካብ እትጅምር ኣትሒዛ ሕቖ ህግደፍ ዝመሰሰት ድምጺ ውጹዓት ኮይና ትኸይድ ዘላ ድምጽና እያ። ንሕና ተቐማጦ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ ከኣ ከም ቀደምና ኣብ ጎኒ ድምጺ

ዝከበርኩም ድምጺ ኣሰና፡ ዝኸበረ ሰላምታና ብምቕዳም ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነየልኩም። ድምጺ ኣሰና ካብ እትጅምር ኣትሒዛ ሕቖ ህግደፍ ዝመሰሰት ድምጺ ውጹዓት ኮይና ትኸይድ ዘላ ድምጽና እያ። ንሕና ተቐማጦ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ ከኣ ከም ቀደምና ኣብ ጎኒ ድምጺ ኣሰና ከም ዘለና ክንሕብረኩም ንደሊ። በዚ ምኽንያት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝጸነሔ ናይ ኣባልነት ቁጽሪ ዝያዳ ክብ ብምባል ነዘን ዝተረፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2014 ናይ ኣባልነት ክፍሊት ብሓንሳብ ብምክፋል ብቑልጡፍ ሓገዝና ክንሰደልኩም መዲብና ኣለና። ነዚ መደብ ንምክያድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ወለንተኛታት ኣዕሩኽ ኣሰና ብምግባር ገንዘብ ብምእካብ ክተሓባበሩና እዮም። ነፍሲ ወከፍ ተሓጋጋዚ ወይ ተደናጋጺ ድምጺ ኣሰና ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ኣባልነት ናብ ዝጥዕመኩም ወለንተኛ 30.00 ዶላር ብቁልጡፍ ብምኽፋል ክትተሓጋገዙና ንሓትት። ነዚ ቁዱስ ተግባር ኩለን ከተማታት ክስዕብኦ ንምሕጸን። አብዚ ጸሓይና ኣብ ምብራቓ ድምጺ ኣሰና ኣዚዩ ሓያል ስራሕ ይጺበያ ስለ ዘሎ ሰኣን ገንዘብ ካብ ስርሓ ክትቦክርን ክትተዓናቀፍን ፈጺሙ ዘይግባእ እዩ። ኩላትና በብዘለናዩ እንተወሓደ ሰሰላሳ ዶላር ናይ ኣባልነት ስጋብ መወዳእታ ዓመት ክንከፍል ይግባእ። ወለንተኛታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

 

  1. ኣቶ ጠዓመ – ሳን ሆዘን ከባቢኣን –408-712-0848
  2. ኣቶ መድሃኔ(መዳ) – ኦክላንድን ከባቢኣን – 408-603-7040
  3. ኣቶ መሓሪ(ወዲ ባሻይ) – ሳን ፍራንሲስኮ – 415-902-5737
  4. ኣቶ ዓንደብርሃን – ሳንታ ሮዛ- 707-318-8816

ነዞም ኣብ ላዕሊ ተተቒሶም ዘለው ኣሕዋት ብምድዋል ብቁልጡፍ ኣበርክቶና ክንገብር ብኽብሪ ንሓትት።

 

ምስ ሙሉእ ኣኽብሮት፡

ኣዕሩኽ ኣሰና፡ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Isayas Sium October 21, 2014

    Well done Bay Area…ajokum Assenna misakum alena.

  • wedi fre October 22, 2014

    Bay Area Lions, you are always great and you are always leading for the good of Eritrea!!!!!!

    You are the leaders to SAY ENOUGH to ISEYAS!
    You are one of the first to embrace the change of WEDI VACARO!!
    You are the first to invite any dedicated Eritrean for the Unity of Eritrea!!! And what not!!!

    I am proud to be your brother!!!!!
    Keep it up!!!
    May God Bless you as always!!

  • Marta Afwerki October 22, 2014

    well done Bay Area! keep it up!

POST A COMMENT