Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግርጉራት አዛበእ

አዛበእ ዓድና እምብዛ ገርጊሮም ወግሐ ጸብሐ ዝⷅሩ ሕብሮም ሓሶት ክዛረቡ ምንም ዘየሕፍሮም ግርጉራት አዛበእ እከይ ግብሮም ናይ ቀደም አዛበእ ይዘምቱ ብለይቲ ናይ ሎሚ ግን ዋላ ብመዓልቲ ጨሪሶመን ንከብቲ ዕባራ ስብሕቲ መስኪናይ ዓኻይ ጥሪቱ ምሰአነ አደዳ ጥሜትን ሰእነትን ኮነ ግርግርቲ ዝቢኢ ምስ ክልተ ደቃ ናብ ደንበ አተወት

አዛበእ ዓድና እምብዛ ገርጊሮም

ወግሐ ጸብሐ ዝⷅሩ ሕብሮም

ሓሶት ክዛረቡ ምንም ዘየሕፍሮም

ግርጉራት አዛበእ እከይ ግብሮም

ናይ ቀደም አዛበእ ይዘምቱ ብለይቲ

ናይ ሎሚ ግን ዋላ ብመዓልቲ

ጨሪሶመን ንከብቲ

ዕባራ ስብሕቲ

መስኪናይ ዓኻይ ጥሪቱ ምሰአነ

አደዳ ጥሜትን ሰእነትን ኮነ

ግርግርቲ ዝቢኢ ምስ ክልተ ደቃ

ናብ ደንበ አተወት ማዕጾ ፈንቂቃ

ንዝደቀሳ እንሣሳ ኧእቲዋ ፋሕ ብትን

ሓደ ሰብ አይነበረን ከድሕነን ዝፍትን

ወይከ አኽላባት ዝነብሑ

አስናን አዛበእ ስለ ዝፈርሑ

ከምዚ’ላ ዝቢኢ ሓንቲ ላም አውዲቃ

ምስ ሽላን መጅሪጣን አስማቶም ደቃ

በይና ክትበለዕ ጸሓይ በሪቃ

ዋላ ንደቃውን ቅንጣብ ስጋ ከየጫነወት

ንውልቃ ክትበለዕ ሓደረት

መረት ምስ ወግሐ ክትሃድም ፈተነት

ከብዳ ስለ ዝኸበዳ ምስጋም ሳአነት

አድሕነኒ ሽላ ኢላ ጸወዐት ንወዳ

ራዕድን ፍርሕን አትዩዋ አብ ከብዳ

በይኑ ዝበለዕ በይኑ ዳአ ይርከባ

እንታይ ኧእተወኒ አብ ናትኪ ጸበባ

በል አድሕነኒ ወደይ መጅሪጣ

እንታይ ዶ ሂብክኒ ኢኺ ዘይትርፊ መዓንጣ

በይነን ዝሓየኻ አስናን በይነን ይዘበጣ

ከምዘይ ሕግዛውን ብሕርቃን አፍለጣ

ጌጋአ ሸዑ ተፈለጣ

ቁጡዕ ህዝቢ ግን ተተሓሓዛ

ብፋስ ብጎዞሞ ባአፍራዛ

ዝበላዓቶ ስጋ ከየሕቀቀት

ተሃሪማ ራዕ ኢላ ወደቀት

ክልተ ደቃውን ናብ ጉድጓድ ከይተሸርቡ

ፈጣን ህዝቢ ዘላዓፎም አርኪቡ

ንጉርጉራት አዛበእ ካብ ሓቂ ዝሓለፉ

ህዝቢ ብሓድነት ተሰሊፉ

ከባርሮም ናብ ገደል ይጽደፉ

ህዝብና እፎይ ክብል ኧዕሪፉ

ሓንሳብ ንሓዋሩ እንኮ አፉ

ውድቀት ንውልቀ ረብሑኡ ዝጸዕር

ዓቅሊ ጽበት ፋሕተርተር ዝገዕር

ዓወት ንደለይ ፍትሒ

ድምጺ ውጿዓት መቃልሒ

ካብ ደላይ ለውጢ ጆርጆ ሃብተ

ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea August 26, 2016

    Excellent piece of writing thank you very much, keepup the good work.

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply