Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ንሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ንህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ድማ ብሓፈሻ፡ ሓዲሽ ናይ ሰላም ጩራ ተስፋ ዝሃበ፡ ኢትዮጵያ ንውሳነ ናይ 2002 ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ቅድመ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ንሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ንህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ድማ ብሓፈሻ፡ ሓዲሽ ናይ ሰላም ጩራ ተስፋ ዝሃበ፡ ኢትዮጵያ ንውሳነ ናይ 2002 ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምትቕበሎን ከምተተግብሮን መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ናይ ርሕቁን ቀረባን ዝጠመተ ለባም ውሳነ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክሰፍን ንረብሓ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ። እቲ ኣብ 1998-2000 ዝተገብረ ኣዕናውን ደማውን ናይ ዶብ ኩናትን፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ዝሰዓበ ኣይ ውግእ-ኣይሰላም ኩነታት ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሰዓቦ በሰላን ዕንወትን ማህሰይትን ብኣሃዝ ክንድዚ ኢልካ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ ውግእን ባእሰን ዝሕፈስ ዓወት የለን ብጀካ ዕንወት። ብሰንኪ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝጠመተ ናይ ምትሕብባር ዕድላት’ውን ተኸሲሩ እዩ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን  ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነቲ ብይን ኮምሽን ዶብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝቕበልዎን ከምዘተግብርዎን ዝብል መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይን መንግስቲ ኢትዮጵያን  ደገፉ ይገልጽ። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ግና ዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግብሪ ክትግበር ተስፋ ንገብር። እዚ ተበግሶ ዕዉት ክኸውን ድማ ኩሉ ደላዩ ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣድላዩ ሓገዝን ድፊኢትን ክገብር ንጽውዕ። እቲ መስርሕ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ከይተሓጽረ፡ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ናብ ንቡር ክምለስን፡ ክልቲኡ ህዝብታትን ብጽቡቕ ጉርብትና ተኸባቢሩን ኣብ ቁጠባ፡ ልምዓት፡ ንግዲ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፡ ካልእ መዳይን ክተሓጋገዙ ዘኽእሎም ዝምድና ክማዕብሉ ውዓል ሕደር ዘይብሃሎ ጉዳይ ምዃኑ ነገንዝብ።

ዶብ ክሕንጸጽ ዝሕግዙ ግብራዊ ስጉምትታ ንምውሳድ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦም ከኣ ንምሕጸን፡

  1. ኢትዮጵያ ካብ ኩሉ እቲ ዘሰሓሕብ ሒዛቶ ዘላ ቦታ ሰራዊታ ከተውጽእ፡
  2. ነቲ ኢትዮጵያ ዝገደፈቶ ቦታትት ዓቀብቲ ሰላም ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክቖጻጸርዎ፡
  3. እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዶብ ኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ትግባረ ስራሕ ከም ብሓዲሽ ክጅመር፡
  4. ኣብቲ ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ዘድሊ ምዝርራብ መንግስቲ ኤርትራ ቕርቡነቱ ብግብሪ ከረጋግጽ

 

ሰላም ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን!

ኤምዲሰመ

15 ሰነ 2018

ፕሪቶርያ – ደቡብ ኣፍሪቃ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT