Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – እዋናዊ መጸዋዕታ ኣሰና ንኹሉ ኤርትራዊ

ህዝቢ ኤርትራ፣ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ መግዛእቲ ብምሕምሻሽ ናጽነት መሬቱ ካብ ዘረጋግጽ 23 ዓመታት ኮይኑ ‘ሎ።  እዚ ዓቢ ዓወት’ዚ ንዘንት እለት ብኽብሪ ክዝከር ዝግብኦ ዓቢ ቁምነገር ‘ ኳ እንተኾነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ መብጽዓ ጀጋኑ ኤርትራ ብምጥላም፣

ህዝቢ ኤርትራ፣ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ መግዛእቲ ብምሕምሻሽ ናጽነት መሬቱ ካብ ዘረጋግጽ 23 ዓመታት ኮይኑ ‘ሎ።  እዚ ዓቢ ዓወት’ዚ ንዘንት እለት ብኽብሪ ክዝከር ዝግብኦ ዓቢ ቁምነገር ‘ ኳ እንተኾነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ መብጽዓ ጀጋኑ ኤርትራ ብምጥላም፣ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነትን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ብምዕምጻጽ፣ ናብ ሕሱም ባርነት መሊሱዎ  ይርከብ።

ናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ናጽነት ፣ እቶም ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ኣብ ሓደ እዋን ዝተቐዝፉ 367 ኤትራውያን ግቡእ ቀብሪ ኣብ ዘይረኸቡሉ፣ ስድራቤቶም ሬሳ ደቆም ስኢኖም ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ዘለዉሉ፣ ኣብ ርእሲ ‘ዚ ኣብዚ ቕንያት ‘ዚ፣  ሞት ኤርትራውያን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዕለታዊ ኣርእስተ ዜና ዓለም ኮይኑ ንመንፈስ ኤርትራውያን ኣጨኒቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ትዝከር ምህላዋ ፍሉይነታ ንኹሉ ኤርትራዊ ግሁድ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ እቲ ሞትን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓጦ፣ ‘ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ’ ዝጭርሖኡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፣ እቶም ብሰንኪ ንሕስያ ዘይብሉ ዓመጹ ፈቐዳ ጎረባቲ ሃገራት ተዘርዮም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን እናተዋረዱን እናተሳቐዩን፣ ሬሳታቶም ኣብ ሑጻ ምድረበዳ ሰሃራ እናተደፍነ ፣ ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ተዘቝቑ እናወጽአ ከሎ፣ በቲ ዝጠለሞ ናጽነት ኣመኽንዩ፣ ፍሽለቱ ንምሽፋን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ፈንጠዝያን ዳንኬራን ከካይድ ተዳልዩ ‘ሎ።

ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ እምብኣር፣ እንተሓመቐ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዘዋደዶ ብዓል ካብ ምስታፍ ነብሱ ብምግታእ ክዅንኖ፣ በንጻሩ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣገባብ ክዝክሮ፣ እንተነፍዐ ከኣ ኣብቲ ንክዉንነት ሃገርና ብዘንጸባርቕ ትሕዝቶን ቅጥዕን ዝካየድ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጽምብላት ናጽነት ብምስታፍ ነቲ ገበነኛ ስርዓት ክቐጽዖን ከቃልዖን ይግባእ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብዘይካ ‘ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ህዝቢ ቀሲቡ ዝገብሮ ጽምብላት፣ ሓያለ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ብምውፋር፣ ንስደተኛታት መንእሰያት፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ናይቶም ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ኣብ መንገዲ ገዲፎሞም ዝኣተዉ ግዳያት ከሳዕስዖም ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ስለዚ፣ ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራ ብሕልፊ ንቕሓቶም ክብል ብምባል ነብሶም ካብ ስሕታን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣድሒኖም ሕልናኦም ከቕስኑ ከምዘለዎም ከስተብህሉ ኣለዎም።

እቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ ዝተረኽበ ናጽነት ወትሩ ብኽብሪ ክዝከር ኣለዎ፣ እቲ መብጽዓ ናጽነት ዝጠለመ፣ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረቐ ሽፍታ ስርዓት ግን ኣቦ ዳስ ናጽነት ክኸውን ክፍቀደሉ ኣይግባእን። እቲ ኣብ ነጻ መሬቱ ሓርነት ዝተሓረመ ህዝቢ ኤርትራ፣ ልቡ ብቕሑሩ ልቢ በዳሊኡ ከዐግስ፣ ነቲ ገበነኛ ከቶ ከምእዘዞ የብሉን። ኩሉ ኣብ ቦትኡ፣ ኩሉ ኣብ ግዚኡ እዩ መልክዕ ዘለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣሰና ፋውንዴሽን

15 ግንቦት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
74 COMMENTS
  • rahwa May 15, 2014

    “እቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ ዝተረኽበ ናጽነት ወትሩ ብኽብሪ ክዝከር ኣለዎ፣ እቲ መብጽዓ ናጽነት ዝጠለመ፣ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረቐ ሽፍታ ስርዓት ግን ኣቦ ዳስ ናጽነት ክኸውን ክፍቀደሉ ኣይግባእን። እቲ ኣብ ነጻ መሬቱ ሓርነት ዝተሓረመ ህዝቢ ኤርትራ፣ ልቡ ብቕሑሩ ልቢ በዳሊኡ ከዐግስ፣ ነቲ ገበነኛ ከቶ ከምእዘዞ የብሉን። ኩሉ ኣብ ቦትኡ፣ ኩሉ ኣብ ግዚኡ እዩ መልክዕ ዘለዎ።”
    well said Wedi hizbi amanuel eyasu! timely and important message to all Eritreans wherever they may be. our hearts go to our people who is suffering under eseyas’s oppression, to Eritrean prisoners of conscience in eseyas’s prisons, to all those Eritreans fleeing eseyas’s dictatorship en mass and suffering immensely along the way, to our war disabled veterans. the day we stand together we will certainly make the promise of our martyrs a reality my brothers and sisters. don’t despair.

  • wedi seb May 15, 2014

    That is the wright way to do. Do not forget that tomorrow is not far. He or she will be accountable. For any wrongdoing today,

  • wedi seb May 15, 2014

    What do we lern from TV Eri? Zero. It is true Thy produced number less singers. If sick you die or if u have money you go yo Sudan to try our chance . If thy sick the fly to europ where the best treatment thy can get.

  • THE NOBLE TEACHER May 15, 2014

    ህግደፍ ኣብ ኣደራሻት ሲነማ ኦዲዮንን ኤክስፖን ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን፡ ዕለት 9-10/05/2014፡ ሰሚናራት ኣካይዶም።
    ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሎም ሕቶታት ግን እዞም ዝስዕቡ ኢዮም ነይሮም፡-

    ንምንታይ ኢዩ ቅዋም ዘይትግበር? ክሳብ መዓስ ኢና ኣብ ኵናት ስለ ዘሎና ክንብል?

    ዘይስራሕካ ምስራሕ ሳዕሪሩ፡ ንሕና ንፈልጦ ዝኣስር ፖሊስን ቤትፍርድን’ዩ፡ ኣብዚ ሃገር ግን ምክልኻል ይኣስር፡ ገለ ናይ ትካላት ሓለፍቲ ይኣስሩ። ምክልኻል፡ ዶብ ናይ ምክልኻልዶ ኣይኮነን ስርሑ?

    ንሰብ ከም ኣቕሓ ትገላብጡዎ ኣሎኹም፡

    ብልሹውና ሳዕሪሩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብሓለፍቲ፡ ኣዝዩ በዚሑ።

    ካብ ገድሊ ምስ ኣቶና ኣብ ገዛውቲ ኣቲና፡ ውጹ ኢልኩም ኣውጺእኩምና፡ ንገሊኦም ሓዲግኩሞም፡ ከምኡ’ውን ወጊንኩሙሎም።

    ንውሑዳት ፈተውትኹም ገዝውቲ ሂብኩም፡ ንዝተረፍና ግን ዘይትግበር መብጽዓ ኣብ ልዕሊ መብጽዓ ጥራይ ኮንና ተሪፍና።

    እዞም ባይቶ ትብሃሉ ኣይተድልዩናን ኢኹም፡ ህግደፍ ዝብሃል ክንሰምዕ ከሎና ይሕመና’ሎ። ንህዝባዊ ግንባር ናፊቕና።

    ኣብቲ ዝተወገነልና ገዛውቲ ንሕና ኣሎና፡ ደቅና ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ተደሪቦሙና። እቶም ዝቕጽሉ ደቂደቅና’ውን ኣብዛ ሓንቲ ገዛ ክድረቡና ምዃኖም ዝተፈልጠ ነገር’ዩ።

    መን’ዩ ዘደስክል ዘሎ? ብዙሓት ምስ ክእለቶም ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ኮለል ክብሉ ይውዕሉ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ኣደዳ ኣረቂ ኮይኖምን ሓንጎሎም ከም ዝዘናበልን ኮይኑ። ዝደስከሉ ማእለያ የብሎምን: ዝደስከሉ ንምንታይ መሃያ ይወሃቦም

    ናይ መንእሰያትና ጉዳይ ኣዝዩ ዘገርምን ዘስካሕክሕን ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣሜሪካ፡ UNHCR: CIA ኮነ ኢትዮጵያ ከካብ ገዛና መመሽቶም ኣይወሰዱልናን፡ ከፊኡዎም ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ብዘይ ደሞዝ፡ ብዘይ ትምህርቲ፡ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልሎት ኢዩ እቲ ንፈልጦ ጠንቂ። ደቂና ኣብ ገዛና ይርእዩና’ሞ መደቀሲ ንስእነሎም፡ መግቢ ኣይንረኽበሎምን። ምስ ተሰከፉ ሃጽ ኢሎም ይኸዱ ኣለዉ።

    ንስኹም ኣብ ረጕድ ናይ ስፖንጅ ፍርናሽ ደቂስኩም ንውሽጢ ትጠልቁ ኣሎኹም። ደቅና ጥራይ ኣይኮኑን ዝኸዱ ዘለዉ፡ ንሕና’ውን ክንከይድ ኣቝሑትናን ደቅናን ኣዳሊና ኣሎና።

    ደቀንስትዮ፡ ከም ኩሉ ወዲ ተባዕታይ፡ ነዛ ሃገር ከነምጽእ ተረጋሪግና፡ ተኻሒድና፡ ክሓድትና ከኣ ንስኹም ኢኹም።

    ኣቱም ክሓድያን!!! ወያነ ቀዲሞሙኹም፡ ብቝጠባ፡ ብፖለቲካ፡ ብምሕደራ፡ ብህንጸት፡ ብልምዓት፡ ድሕሪት ተሪፍኩም። ምስ ወያነ ክትወዳደሩ ኣይከኣልኩምን። ኣብ ወያነ ጓል-ኣንስተይቲ ጀነራል ኣላ፡ ንሕና ከኣ ተኻሒድና። (ወዲ ካሳ ትፈልጥዮ ዘይብልኪ ኣይትዛረቢ ኢሉ ክድህላ ፈቲኑ)።

    ስኒ ምንካስ- ስኒ ምንካስ ክትብሉ፡ ሕጂ፡ ኣስናና ኩሉ ወጺኡ።

    ክንዲ ጎቦ ትኸውን ንስኻ ሚኒስተር’ሲ፡ ዝበልኩሞ ኩሉ ናብ ላዕሊ ከሕልፎ’የ ትብለና? ባዕልኻ ዘይትምልሶ

    መንእሰያትና ንዓኹም ፈሪሖም ናብቶም ጸላኣትና ኢልኩም ዝመሃርኩምና ክዕቆቡ ይኸዱ ኣለዉ። ብጣዕሚ ዘሕፍር’ዩ።

    ህንጻታት ከይህነጽ ጠጠው ኣቢልኩሞ፡ ፋብሪካታት ዓጺኹም ኣፍሪስኩሞ፡ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኹም፡ emport-export ዓጺኹም፡ መንእሰያት እግሮም ናብ ዝመርሖም ክኸዱ ናይ ግድን’ዩ። ነዛ ሃገር ከምዚ ትገብሩዎ ዘሎኹም እንተ ዘይተዕንዉዋኔርኩም፡ ብኣንጻሩ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት መንእሰያትናብ ኤርትራ ምመጹ ነይሮም።

    ንመን ሒዝኩም ኢኹም መኸተ-መኸተ ትብሉ፡ ብዘይ መንእሰያት? ካን ደናቝር ዲኹም ጌርኩምና?

    ናብራ ኣዝዩ ከቢዱና፡ ዋጋታት ሰማይ ተሰቒሉ፡ ክንነብር ኣይከኣልናን። መሃያና፡ ምስዚ ዘሎ ኩነታት ፈጺሙ ኣይከይድን’ዩ። (እዛ ሕቶ’ዚኣ ምስ ተሓተተት፡ ኣነ’ውን ንባዕለይ ንመሃያይ ዝምልከት ክሓትት ኢየ፡ ምንባር ኣይከኣልኩን ኢሉ።)

    ኣብቲ ናይ ካቢነ ትገብሩዎ ኣኼባ ብኣናን ብዛዕባ ሃገርናን’ዶ ኣይኮንኩምን ትዛረቡ? ስለምንታይ ዘረባኹም ዘይተስምዑና? ኣፍኩም ከፊትኩም ክትስሕቁን ኣእዳውኩም ከተወሳውሱን፡ ክትጽሕፉን ጥራይ ንርኢ። ስለምንታይ ኩሉ ነገር ምስጢር ዝኸውን? ኣብ ዝግበር ናይ ካቢነ ኣኼባታትዝወጽእ መግለጺ ንዓመታት ዝተደጋገመ ቆሪጽካ ኣጥብቕ (cut and paste) ኢዩ።

    • THE NOBLE TEACHER May 15, 2014

      Clarification to the above comment/copy&paste

      እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኣኼባ ናይ ኣስመራ ተስፋ ስለ ዝ ሃበኒ ኢየ ለጢፈዮ።ምብንም እኳ እቲ ሱር ናይቲ ጸገም ሽፍታዊ ገድሊ ይኹን እምበር፣እቲ ንደቁ ካብ ትሕቲ ዓራት ኵሰዱ ከለዉ ስቕ ዝበለ ህዝቢ ምእንቲ ደቁ ምዕዝምዛሙ ተሓጕሰ፣ምኽንያቱ ኣነ እቲ መንእሰይ ህድ ኣት ረኺቡ ተማሂሩን ወፊሩን ክ ኣቱ እዩ፣ከርምቲ ብግዜ ኮሎኒ ኢትዮጵያ ዝነበረ።ህዝቢ ምስ ነቕሔ ድማ እቶም ተጋደልቲ ዝብሃሉ እውን ስራሕ ሽፍታ እዩ ኔሩ ስርሖም፣ ሸፋቱ እዮም ኮታ ኔሮም ኢሉ ብኣእምሮ ክበርሃሉ ተስፋ እገብር።

  • hmm May 15, 2014

    I hope all Eritreans including those who usually attend PFDJ parties will listen to brother Amanuel this time. Let us send a clear message to PFDJ and the old bastard in Asmara that we are no longer intimidated by their threat and scare tactics. Let us sing fear is broken song together. Let us stand with all the young Eritreans who rejected PFDJ by voting with their foot. Let us stand with those who perished in Lampadusa and elsewhere in Egypt. Let us show PFDJ we too are abandoning him just like our brothers and sisters did when they risk their life to leave Eritrea. Let us teach him and his mafia party a lesson and hit him hard where it hurts, his pocket book.

  • FITHI May 15, 2014

    Not to participate at any celebration
    sponsored by HGDF send the message
    of expression on our sociopolitical mishandling .
    LEKHBETBET must stop.

  • kibrom May 15, 2014

    ahahahaha… ashikana meshiko amnuel meshkin nhzbi eritrea entay giber eka tiblo zeleka kemznatey kedim nweyanen leaktu temaezez dika tblo zeleka nezi harbegna hizbi kemakan hadekilte seabtikan nkebdu kibil tariku zeyshete aytidkem duhul meleak

  • kibrom May 15, 2014

    ahahahaha… ashikana meshiko amnuel meshkin nhzbi eritrea entay giber eka tiblo zeleka kemznatey kedim nweyanen leaktu temaezez dika tblo zeleka nezi harbegna hizbi kemakan hadekilte seabtikan nkebdu kibil tariku zeyshete aytidkem duhul meleak

  • Tesfu Kidane May 16, 2014

    KBROM DO ILOMKA KBRKA TQENTET. ENTEKONE AQMKA MEBERKETKA KAB’U BELE NETI HLNKA KEIRI ZFTIN ZELO AMANUEL MZNTAL ENTAY AMXI’O? XMAM HADE DERFI KEM ZBHAL WEYANE KITBLU MERET KIARBEKUM IYU. HALEQAKUM ISAYAS HADE GZIE ENTAY ILU? AREB AMELOM IYU, WELA WEDOM AB GENERAL ENTE TEREFE ISRAEL IYA ATRIFATO KIBLU IYOM, ILU NEYRU. HJI DMA NSKAN GOYTOTKAN WEYANE! WEYANE KITBLU WEYANE AB WERHI KIBEXHU IYOM. MEQELE NIASMERA HADIGATA KEYDA ALA , KID RIAYA. ETOM AGAME TBLOM ZNEBERKA LOMI NIAKA IYOM AGAME KIBLUKA.

  • Yesef May 16, 2014

    I feel extremely sorry when I see these young people have to go through this. As an Ethiopian brother who had experiences in Eritrea, it crushes me everyday that dreams are dying there, young people are hope and helpless. Terrible!!!!!! stay strong brothers and sisters, things will be better.

    • THE NOBLE TEACHER May 16, 2014

      Brother Yesef ,

      To start with there was no dream ,it was always Arab conseived nightmare.
      1)Out of ten palaces the nine belonged to Eritrean province origin
      2)In Ethiopia ,our motherland ,WE WERE THE JOSEPHS of Jacobs’ children.Yes, I feel sad too .We the slave minded fathers gave the same4 crappy inheritance to our children !!!

      If you asre Ethiopian you do not hate your ppl ,nomatter where they live.
      GBU

1 2 3 5

POST A COMMENT