Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ እትርከብ ቤትምህርቲ ኣል ዲያዓ ኣብ ምምሕዳራ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ነቲ ምትእትታው ብትብዓት ዝተቓወሙ ሽማግለታት እታ ቤትምህርቲ ሓጂ ሙሳን ብጾቶምን

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ እትርከብ ቤትምህርቲ ኣል ዲያዓ ኣብ ምምሕዳራ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ነቲ ምትእትታው ብትብዓት ዝተቓወሙ ሽማግለታት እታ ቤትምህርቲ ሓጂ ሙሳን ብጾቶምን ድማ ክኣስር ተረኺቡ። ነዚ ብምቕዋም ኣሽሓት ምእመናን እስልምና ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገበሩ፡ ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ድማ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብወተሃደራዊ ሓይሊን ብጥይትን ክብትኖ ከምዝፈተነ፡ ካብ ኣስመራ ብቪድዮ ዝተሰነየ ዝተቃልሐ ሓበሬታ ተኸታቲልናዮ ኣሎና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት’ውን  ምስዚ ዝመሳሰል፡ ኣካየድቲ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤትምህርቲ ሰሚናርዮ፡ ኣባ ጳውሎስ ሃይለን እናቴ ትንስአን ንናይቲ ስርዓት ኣብቲ ቤትምህቲ ምትእትታው ብምቅዋሞም ከምዝኣሰሮም ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ዜና ከም ዝተቓልሐ ዝዝከር እዩ።

እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ንዓመታት ስርዓት ህግደፍ  ንኹሉ ሲቪላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሕይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንገዲ ናይ ስለያን ጸጥታን መሓውራቱ ገይሩ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ቀጻሊ ፈተነ እዩ።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንእሽተይ በጨቕታ ናይቲ ብኹሉ ኩነታት ተዓፊኑ መተንፈሲ ስኢኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ብመጀመርታ ነቶም ክጋጥሞም ንዝኽእል ማእሰርትን መጭወይትን እንዳፈለጡ፡ የግዳስ ንማሕበረኮሞም ንምጥባቕን፡ ንስለ ሓቒን፡ ብዘይ ነግፈረግ ደው ንዝበሉ ሓጂ ሙሳ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ይግብኦም። ነቶም ናይ ሓጂ ሙሳ ማእሰርቲ ብምቕዋም፡  ክፍትሑ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደቡን ዝተሳተፉን’ውን ብተመሳሳሊ ዕዙዝ ሞጎስ ይግብኦም።

ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ነዚ ተቓውሞ ናይ ምስልምና ጥሩፍነት ጌሩ ከቕርቦ ምዃኑ፡ ዋላሓንቲ ዘጠራጥር የለን። እንተኽኢሉ ድማ ንሕዝቢ ፈላልዩ ንምግዛእ፡ ነቲ ሓጂ ሙሳ ዝበልዎ ዘረባ ጠውዩ ክጥቀመሉ ምዃኑ፡ ኣቐዲምና ክንግንዘቦን ክነቅሓሉን ዘሎና እዩ። እቲ ሓቂ ግና እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንጣር ነድሪ ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተዓብዒቡ ዘሎ፡ ካብ ዓለም ዝኸፍአን መግለጺን መወዳድርትን ዘይርከቦ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይሙቁራጽ ክፍጸም ዝጸነሔን ዘሎን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ። ሰለዚ እዚ ንኹሉ ዓፈናዊ መሓውር ስርዓት ህግደፍ ጥሒሱ ወጽዩ ዘሎ ድምጺ፡ ወካሊ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላማይ ይኹን ክስታናይ እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክድግፎ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ምልዕዓል ንምቕሃም ተመዚዝኩም ዘሎኹም ኩሉኹም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፡ መሓውራት ስለያ፡ ፖሊስን ተራ ኣባላት ምክልኻል ሓይልታትን፡ እዚ ተጨቚኑ ዘሎ ህዝቢ ህዝብኹም፡ ሓውኹም ሓፍትኹም ካብ ብርኩ ዝወጻእኩም ወላዲኹምን ምዃኑ ኣስተውዒልኩም፡ ኣብ ጎድኑ ደው ክትብሉ፡ ሃገራዊን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለኩም ከነዘካኽረኩም ንደሊ። የግዳስ እንተስ ብፍርሒ፡ ወይ’ውን ብግዚያዊ ረብሓ ይኹን ስልጣን ተታሊልኩም ንህዝብኹም ኣብ ምግፋዕን፡ ምእሳርን፡ ምቕታልን ምስትርከቡ ግና፡ ከምቲ ምስላ ኣበው “ዓሻስ ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቦኽራ ደገ ትወጽእ” ዝብለና እዛ ግናይ እዋን ክትሓልፍ ምዃና፡ ናብ ብርሃን ዘይወጽእ ገበን ድማ ከምዘይሎ ተገንዚብኩም ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝብኹም ትገብርዎ ግፍዒ፡ ተኣዚዝና ኢና ጌርናዮ ብምባል ካብ ተሓታትነን ከተምልጡ ከምዘይኮንኩም ከነተሓሳስበኩም ንደሊ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

2 ሕዳር 2017

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Amba November 3, 2017

    እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ጸገም ኤርትራ ብዙሕ ተጋራጫዊ ዝኾነ ክጭበጥ ዘይክእል ሕልማታት ናይ ገድሊ እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ ስጋብ እዚ እዋን እዚ ሓደ ዓይነት ራእይ ዘይተረኽበ። ጀብሃን ሻዕብያን ከምዚ ስለዝኾና በብሓደ ቅሂመን ሓቒቐን። እቲ ሓደ – “ጸላእትና ኣምሓራ ትግራይ ዓጋመ እዮም” ይብል። እቲ ሓደ ድማ “ፈተውትና ሃገራት ዓረብ ኣስላም እዮም ፤ ንሕና ውን ዓረብ ኢና “ይብል። “እዚ ቅኑዕ እዚ ጌጋ” – ኣይበልኩን። ኣነ ዝበልኩ – እቲ ሕልምታት ተጋራጫዊ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ሃውቲቱ ፤ ንኸንቱ።
    ኣብዚ እቲ ሓደ ዝጭበጥ ዕላማ ዘይብሉ ብሄረ ትግርኛ ጥራይ እዩ ፤ ንናይ ሕልሚ ያኢ – ደሞክራሲ ፍትሒ ማዕርነት ኩሉ ሃይማኖት – ከስፍን። እስልምና ጽኑዕ እዩ። ንቑርኣን ሸሪዓ ከም ሕጊ ፣ ስርዓት ፣ ቁዋም ፣ ደምቢ ፣ መገዲ ህይወት ይርእዮ፤ ስለዚ ፈታዊ ጸላኢ ኣነጺሮም ይፈልጡ። ብሄረ ትግርኛ ግና ኣብ ናይ ሓሶት እንጀራ ይንብር ፣ ነቲ ኣብ ዓድዋ ፣ ዓዲግራት ፣ ጎንደር ዘሎ – ከም ጸላኢ ይርእዮ። ኣስላም ግና ብመሰረት ቁርኣን ነቲ ጀበሊ ቤጃ በደዊን ዋሃቢ ሱዑዲ – ከም ሓዉ ወዲ ሃገሩ ብቕንዕና ይርእዮ። ኣብዚ እቲ ደንቆሮ ዓሻ ብሄረ ትግርኛ ጥራይ እዩ።

POST A COMMENT