Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ጋዜጣዊ መግለጺ -  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ! ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት - ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ

ጋዜጣዊ መግለጺ –  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት – ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ በርሚንግሃም፡ ኖቲንግሃም፡ ሸፊልድ፡ ማንቸስተርን ኦክስፎርድን ኣብ ከተማ ለንደን ተኣኻኺቦም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊትን መከናይዝድን፡  ምምሕዳራትን ሚኒስትሪታትን  ብዝተፈላለየ ጽፍሕን ሞያን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡  ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራን ተመኩሮ ዝነበሮም  ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነዚ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ዕላማታት ቃልሲ ሃገር ጨውዩ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቅልዑ ጥራሕ ዘይኮነ  ንምምካቱ እውን  ዓቲቦም ከምዝሰርሑ  ብምርግጋጽ እዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ጋዜጣዊ መግለጺ 

ስም ማሕበር ፡-

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር  ንለውጢ

መንኢዩህዝባዊግንባር፧ኣባላቱኸመንእዮም፧

ህዝባዊ ግንባር፡ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር ናጽነት ዘረጋገጸ፤ ቅዋማዊት ዲሞክራሲያት ሃገር ንምምስራትን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽ ዝተቓለሰ፣ ፍትሕን ርትዕን ንምንጋስ ዝጸዓተ፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ንሓድነትን ማዕርነትን ዝቃለስ መስመር እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሰብ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ መስመር እዩ።  ኩሎም እቶም ነዚ መስመር’ዚ ክውን ኪገብሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ፣ ዝሰንከሉን ዘለዉን ሓፋሽ ውድባት ይኹኑ ተጋደልቲ ከኣ ኣባላቱ ኢዮም።

እዚ ሕጂ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ጠሊሙ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተቓለሰሉ ዕላማታትን መትከላትን ኪሒዱ ንህዝቢ ረጊጹ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ እዚ ነቲ ደቂ ህዝቢ ዝተሰውኡሉ፡ ክቡር ሃገራዊ ዕላማ ጨውዩ፣ ብግዕዙይ ምሕደርኡ ንሃገርና ዝብትንን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ጠላም ስርዓት። ብዝናን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ዝነብር ግን ዕላማን መትከልን ህዝባዊ ግንባር ዝቐበረ ከይሲ እዩ። እዚ ንመላእ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ፣ ንመንእሰያት ብመደብን ፍላጥን ካብ ሃገር ዘንፍጽ ዘሎ መላኺ ስርዓት፣ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ኣብዚ ማሕበር እዚ ዝጠራነፍ ዘሎ፡ ንመስመር ህዝባዊ ግንባር ተኸቲሉ፡ ነቲ ሰማእታትና ዝወደቑሉ ብጉጅለው ምልኪ ዝተጠልመ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ገዝኡ ከሳልጥ፡ ኤርትራ፡ ሕግን ቤት ፍርድን ዘለዋ፡  ግሉጽን ሓቛፍን ስርዓት እትውንን፣ ብግሉጽ ፋይናንስን ባጀትን እትመሓደር፣ ስለስቲኡ መሓውራት ስርዓታ ማለት፡ ሓጋጊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ ብናጻ ምርጫን ድምጺ ህዝብን፡ ስልጣን ዝረክብን ዘረክብን ሓይሊ ንምግባሩ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

 

 

 

ዕላማታት እቲ ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብድምር ሰለስተ ዕላማታት ሒዙ ኢዩ ነቒሉ።

ፖለቲካዊ ዕላማታት

ነቲ ሰማእታትና ኣሚኖም ዝወደቕሉ፡ መላእ ህዝቢ ዘበርከተሉ፡ ብዓመጽ ዝተጨውየ  ፖለቲካዊ ዕላማታት ብምርግጋጽ ውሑስ ዝኾነ ዲሞክራሲዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምምስራት። ንኹሉ ወዲ ሃገር  ዓሌት ሃይማኖት፡ ብሄር ቀቢላ፡ መታሕት ከበሳ ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ናጻን ርትዓውን ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምምስራት። ዜጋታት ብምእነቶም ዝዋስኡሉን ንሃገራዊ ዕላማታት ዝውፈ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምምስራት። ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ፣ ዜጋታት ብምሉእ ናጽነት፡ ብዝመሰሎምን ምስዝመሰሎን ተወዲቦም ኪቃለሱ፣ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ኪገልጹ፡ ኪዛረቡ ኪጽሕፉ፣ ኪኣምኑ ከምልኹ ዘፍቅድ ስርዓት ምትካል።

ማሕበራዊ ዕላማታት

ንዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ውልቃዊ ጸገማት ኣባላት እዚ ማሕበር ንምፍታሕ ሞራላውን ቁጠባውን ምድግጋፍ ምግባር። ብዙሓት ኣባላት እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብዘጋጠሞም መውጋእቲ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም፤ ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠሞም ሃስያን ጥልመትን ግዳይ ዝኾኑ  ክፋል’ቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ሞራላውን ሕልናውን ደገፍ የድልዮም ኢዩ።

ቁጠባዊ ዕላማታት

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ሕጂ ጀሚሩ በብቑሩብ ናይ ምውህላል ዓቕሙ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ንኺሳተፍ መደብ ኣለዎ።  ቁጠባ ሓይልን ሕቖን እዩ፤ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ውዳበ ዜጋታት፡ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ብምዕባይ ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ክውን ዝኸውን ኣሳታፊ ስርዓተ ቁጠባ ኤርትራ ብምውሳእ ንነብሶምን ሃገሮምን ብቑጠባ ከዕብዩ  የተባብዕ።

ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እንታይ እዩ’ኸ ኣገዳስነቱ፧

ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ግዳም ብቓልዕ ኣብ ውሽጢ ከኣ ብምስጢር ነነዊሕ ዝኸደ ተቓውሞታት እኳ እንተጸንሐ እዚ ስርዓት ነዚ ደምበ ተቓውሞ ብዝተፈላልየ መገዲ እናኸፋፈለ ከዳኽሞ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብጭቡጥ ከምእንርእዮ እዚ መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ንኤርትራ ሓማሚሱዋ ኺጠፍእ፣ ብታሕቲ ታሕቲ ብመደብ ንህዝቢ ብጸቢብ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት፣ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከፋፊሉ ነዛ ሃገር ንምብታና ይሰርሕ ስለዘሎ፣ ኣንጻር እዚ አዕናዊ ምክፍፋላት ተቓሊስካ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጽባሕ ዘይበሃሎ እዋን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ዝጠራነፍ ዘሎ ማሕበር ምስቲ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ተሓባቢሩ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምስፋን ኪሰርሕ ኢዩ።

ስቕታን ዓውታን፡ ቃልስን ድቃስን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምርጫን መሰልን ኢዩ። ምግዳል ትማሊ ገበን ኣይነበረን ሎሚ እውን ገበን ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ከኣ ትማል ተጋዲሉ ሎሚ እውን  ኪጋደል ተገዲዱ ኣሎ። ትማል ኣብ በረኻን ጣሻን ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ቤትን ኣደራሽን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኑ ይገብሮ ኣሎ። ትማል ጠበንጃ ዓጢቑ ነይሩ። ሎሚ ድምጺ ዓጢቑ ኣሎ። ኩሉ ዕላምኡ ከኣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ማሕበራት መንእሰያትን ተወሃሂዱ ነቲ ዘይተወድአ ዕዮ ገዛ ደለይቲ ለውጢ ኣሳታፍን ሓቛፍን ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ። ዝኾነ ይኹን ተበግሶታት ቃልሲ ብመትከሉን ዕላማታቱን፡ ብኣረኣያኡን ኣተሕሳስባኡን እምበር፣ ብምስልን ስምን ወደብቱን ጀመርቱን ኪምዘን ኣይግባእን እዩ ኢሉ ስለዝኣምን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ደለይቲ ፍትሒ ኪሰርሕ ቅሩብነቱ የረጋግጽ።

የብሉን።

እንታይ ትጽቢት ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ

እዚ ማሕበር እዚ ከምቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ሕጂ እውን ነቲ ዝተጠልመን ዝተጨውየን ራኢኡ- ራኢ ህዝባዊ ግንባር- ራኢ ብልጽግትን ስልጥንትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምዕዋት ይሰርሕ። ብሓጺሩ ከምቲ ትማል ዝተጋደሎ ሎሚ ኸኣ በብዓቕሙን ክእለቱን ይጋደል። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንክፋእን ተንኮልን እዚ ስርዓት ንምቅላዕ ዓቢ ዘመተን ወፍርን ብምክያድ፣ ነቲ ድሮ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዓለማዊ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ብምኽራርን ኩሉ ካልእ ዝኽእሎ ዘበለ ብምክያድን ዕድመ እዚ መላኺ ስርዓት ንምሕጻር ይጋደል።

ገድሊ ማለት ከኣ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ በረኻን ዓድን ብእትኽእሎ ዓቕሚ ዋጋ ምኽፋል ማለት ኢዩ።  እዞም ሕጂ ዝበጋገሱ ዘለዉ መንእሰያት ኮነ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ገዳይም፡ ኩሎም ምእንቲ ህዝቦም በብዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ተጋደልቲ ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሉ ሃገር ሓራ ስለዝገበረ ብኹሉ ተጋዳላይ እዩ። ንተጋዳላይ ትርጉም ገድሊ ምንጋር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ከም ምውጣይ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ እምበኣር ስም ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት፡ ዝተፈላልየ ኣስማትን ቅጽላትን ዘለውን ማሕበር መንእሰያት፡ ጀብሃ – ሻዕቢያ፡ ኢዋይኤሲ – ኢዋይሲኤ ኩሉ ኣስማት እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ውዳበ ዝሓዘ ኣስማት ብዝበርክቶ ግብራዊ ስራሕ ከኣ ኢዩ ዕድመ መላኺ ዝሓጽርን ዝነውሕን።

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ እምበኣር፡ ማሕበር ድሕነት እምበር  ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ “ርዳእ ርዳእ!” እዋን ከኣ እታ ዝነኣሰት ዓቕሙ እውን ትኹን ኣብ ምቅልጣፍ ለውጢ ከውዕላን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪሰርሕ ሙዃኑን ቃል ይኣቱ።

 

ጻውዒት ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ

  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣
  • ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
  • ንብምሉኡ ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ለውጢ ስቪክ ማሕበራትን
  • ንማሕበራት ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት
  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር

ቀላጽሞም ኣስሚሮም ሰራውር ምልኪ ኪምሕዉ ኪብገሱ ጻውዒቱ የቕርብ። ኹሉኹም እቶም ብራሕቂ ቦታ ኮነ ሕጽረት ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ኪሳተፉ ዘይከኣልኩም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትነብሩ ደለይቲ ለውጢ ተጋደልቲ ኣብዚ ማሕበር እዚ ተጠርኒፍኩም እቲ ህዝብኹም ዘሰከመኩም ሓላፍነት ኪትግብሩ ኸኣ ንጽውዕ።

እዚ ምትእኽኻብ እዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ሓይሊ ከም ጸግዑን እንግድዑኡን እዩ ዝርእዮ። ነዚ ጸግዒ’ዚ፣ ነዚ ጎድኒ’ዚ ኣሚኑ እዩ ከኣ ኣብ ምጽራግ እዚ መላኺ ስርዓት እጃሙ ከበርክት ዝበራበር ዘሎ። ድሮ ኸኣ ብዙሓት ኣባላቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖም ኣለዉ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብምሒር እምነቶም ተታሊሎም ኣሚኖም ኣብ ስልጣን ዘደየቡዎ ሓይሊ፡ ደም ስኒ ኮይኑዎም ክፉኡ እናሰተሩ ኣብ ውሽጦም ኪእርምዎ ፈቲኖም ግን በሊዑዎም። እዞም ሕጂ “ይእከል!” ኢሎም ድምጺ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ማእሰርትን፣ ኣብታ ዓባይ ካርሼሊ – ኤርትራ ብዓባያ ንዝርከብ ህዝቢ ድምጺ ኪኾኑዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ስለዝመረጹ እዩ።

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ

ሰሉስ 19 ሕዳር 2013 – ለንደን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • Kabbire November 20, 2013

    From most of the comments, one can clearly see that young Eritreans feel allergic to anything Ghedli, be it Shaebia or Jebha.

    Young Eritreans feel that so much human life was paid and many years wasted for nothing. Nothing good had come from the 30 years of struggle and the 22 years so called Netsanet era.

    Professor Tekeste Negash said long ago that the so called “liberation struggle will one day be a burden to Eritrea”. At that time many Eritreans educated and less educated were angry at him but so far Tekeste Negash is right. The whole struggle have resulted into an endless misery where Eritrea is the worst place to live and Eritrean refugee is the most disrespected person living a life of slavery everywhere.
    If there is a person who believes that Eritrean Ghedli is worthy, then I hope it will not take you another 22 years to prove Tekeste Negash wrong.

    In 2007, Tekeste Negash wrote:

    “Eritrea is on the verge of dissolution. Unable to solve its conflict with Ethiopia, either by continued war or by negotiation, the Eritrean government has, according to my reading of the history, chosen the path that would certainly bring it to the dissolution of the country …

    “The tasks facing the Eritrean opposition movements are indeed daunting. Not only do the opposition groups have a lot of work to do in forging a stable ideology, they would have to define a realistic policy as well as put in place a leadership that could save the country form a fate similar to what happened in Somalia since 1991. But for the opposition to play a constructive role, it has to begin quite soon a process of demystification of Eritrea and its inhabitants …”

    Link: http://asmarino.com/en/articles/242-the-dilemma-of-eritrean-identity-and-its-future-trajectories

    • Tesfu Kbrom November 21, 2013

      Whatever a professor may say about Gedli, he can never deny that Tegadelti sacrificed their precious life for the people. They handed over independence to the people, why not can the people defend their right? If the tegadelti say for example, we are tired it is up to you to defend your right, what will the people do? They simple give their right to Isayas, this is not an solated case the Eritrean people were requested by Ra’esi Tessema to have a free Eritrea. But Raesi was named a Rabita (a Moslem) and most Eritreans through the leadership of abune Petros voted for union. So I do not feel surprised if some people try to belittle tegadelti.

    • Selamawit November 21, 2013

      Tegadelti gave us the country. We, as the people of Eritrea, have the duty to protect the country from Internal and external predators. Why are we blaming them? Human being cannot live for ever so it is up to the new generation to defend and democratize the country. At least Tegadeti had unity and clear objectives and they won. What about the new generation like me? We have neither unity not objectives. we are fighting each other for no apparent reason. Some of my generation support the government which forced them to leave their mother, their country, their brothers and sisters. As Obama once said it is hard to look inward than outward.

  • Girmay Abrha November 21, 2013

    this morning i had a discussion with 5-6 Warsai refugee around my locality here in Ethiopia, regarding this association. waw, i found them nervous. ‘abey zneberu yom lakimatat elomni’ i did not expect like that. i tried to tell them the front was hijacked by Isasi. But they gave me a deaf ear.

    my opinion to be posted soon.

    Girmay

  • idriss awate November 21, 2013

    ሓደ ሰብ ኣብ ቅኑዕ መስመር ክመጽእ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ግን ማዓስን ኣበይን ንምንታይን? ዝብሉ ሕቶታት ክላዓሉ ግድን ይኸውን. ምኽንያቱ በርቅን ነጎዳን አንዳረኣየን አንዳሰምዐን ማይ ኣይሂ አንዳ ዘነበ ጽላሉ ሒዙ ብማዕዶ ጽላል ስኢንካ ጀብጂብካ ኩሉ ኣብ ዝባንካ አንዳወረደ ትም ኢሉ ክርእይ ዝጸንሐ ጸሓይ ክትቅልቀል ከላ ጽላል ዝልግሰልካ ሰብ ምስ ምንታይ ትቖጽሮ? ናይ ዜሮ ሰዓት ምስ ቀረበት ነፋሒቶ ዝቕየሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን ፈውሲ ግስም እዩ ዝባሃል እዚ. እቶም ተሓለቕቲ ኮይንኩም ትቐርቡ ዘለኹም ቅድሚ ሕጂ ገድሊ ከይተነፍየን ከይተጸጸየን እቲ ንሓልሞ ናጽነት ስለዘበሰረ ሓንጎፋይ ኢልና ብየዋህነት ብኣወንታዊ ጎድኑ ስለዝተቐበልናዮ ሰኣን ምስትውዓልን ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ሰኣን ምምማይን ሰኣን ግልጺ ኮንካ ሰኣን ምዝራብን ስለዝተጋደለ ንጉስ ዘይተጋደለ ኻኣ ርኹስ ኮይኑ ሓንቲ ጸሓያ ሃገር ንገለ ተሙቖ ንገለ ተድርቖ ኮይኑ እታ ናጽነት ባህጊ ጥራይ ኮይና ተሪፋ. ስለዚ ሕጂውን ንዳግማይ ጌጋ ኣይትተሃንደዱ ሰብ እንተኾነ መከራ ኣለቢምዎ እዩ. ታሪኽ ዳዊት ኣይኮነን እናሻዕ ትደጋግሞ እንታይ ዳኣ ታሪኽ ይሓልፍ ታሪኽ ይውለድ ይዕቀብ ካኣ ኣብ ሓደ ናይ ስነ መጎት ታሪኽ ዕንክሊል ክትብል ኣይንበርን እዩ. ግዜ ውን ኣይጽበየካን እዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ድሕሪ ሓርነት ኤርትራ 22 ዓመታት ክልተ ወለዶ ሓደ ዓይነት ደርፊ ከዚሙ ኣይምተገብአን ዉልዶ እዛ ሃገር ካኣ ብጸጋታትና ብሰላም ብምዕባለ እምበር ብኵናትን ንስደትን ንዓለም ኣይምተላለናያ ኔርና ስለዚ መን እዩ ተጉላባ ክንፈልጥ እንተደለና ቂር ኣይበልኩም.

  • kalsi nfthi November 21, 2013

    Ewe nay bheki eti gza akilu EU lewah eritrawi kbetaten tum belun setun hageru zrsen zmeslom bzuhet eyom gda ayfalun alona kekab zelenayo hagernan hzbnan zeynekbelu mknyat yelon tmali mgdal hatyat ayneberen hji wn hatyat aykkewnn EU eti hatyat edka atamirka mraey eyu ntebegsekum ends adnekku ab adi engliz tray zeukone nab ab alem mlu entezerkum zbeletse EU zbl reyto aleni

  • mike November 21, 2013

    No more TPLF they r all dictators n power corrupted ppl,

  • Tesfu Kbrom November 21, 2013

    What I hate is the generalisation. Only stupid people generalize everyone for the fault of the few. One can blame some tegadelti, some warsay ykealo, some people of a certain area. But never say Eritreans or Ethiopians are like this, or tegadelti or warsay or adi Ekele are such and such. Wise people speak specifically. But finally, let as focus to the issues at hand nor wrangle about side issues. We must know that anyone who has committed a crime will be accountable at the end of the day. But, blaming some people generally using cyber names is fruitless. People with a real consciousness struggle not for a name but for ideas!!

  • Letina Habtom November 21, 2013

    Really mahber tegadelti again. Since the independence you were running to take all the Government posts and you used your evil meda tricks to evade and frustrate the professionals who came from Ethiopia and abroad to serve their country. You created all the mess that our country is in and you are calling now the people whom you bleed, kill, imprisoned and most of them left the country they love and are dispersed in the whole world. My goodness, I don’t believe in you and your organization and I am sure many people will support me. You are organizing your self to take over nay ayakum member ayakum ms kede. God save Eritrea…Amen.

    • Tsehaytu November 23, 2013

      I am one of your STRONG supporters. Nothing to add all is said by you. May GOD BLESS you. Most of the so called Tegadelti let alone to the ordinary people, they are also cancer to their families. They were trying to audit the accounts of their families and become the source of disagreement within the family. I really wonder what is in their mind. If there is Tegadaley in a family, it is for granted that there is a disagreement in the entire family. For your surprise what happened in Keza Kenisha Evangelical church in Asmara, what the so called tegadelti (members of the church) said that except members of the church by family, outsiders should not be allowed to attend. This is the mentality in almost every tegadaley. Selfishness.

  • mike November 21, 2013

    Thax Letina for telling the Truth , God bless Eritrea from those arrogant Tegadelti and CHOGAR DANGA.

  • bashay November 22, 2013

    “ሓባል ሲ መጠመቲኣ ትኳሓል” ኣንታ ኣበይ ድኣ ኔርኩም እዚ ኩሉ ዓመታት? ነጻ ካብ ትገሩ ሃገር ዳርጋ23 ዓመታት፡ መራሕትኩም ካብ ዝሕየሩ 12 ዓመታት ዋእ ኣንቱም ሰባት እታ ተጋዳላይን ገድልን ዝበሃላ ቓላት ሎሚ ጸርፊ ተቀይረን ኢየን ኣብ ኤርትራ፡ ኣይፋልኩምን መልሱሉ ሕጂ ከ እንታይ ኢልኩም ክትሰብኩ ንህዝቢ ዓወት ንሓፋሽ ደመኛ ቃል ኣየድልየኩምን’ዩ። እንተ ገለ ኣባላትኩም ቀደም ነዚ ስርዓት ፈንፊኖሞ ኣንጻሩ ካብ ዝቓለሱ መዋእል ኮይንዎም”ዩ ። ሕጂ ኣቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ዝነበሮም መራሕትኩም ዝነበሩ ፈቲኖም ሓደ ሓያል ተቓውሞ ክተኽሉ ኣንጻር ኢሰይያስ፡ ኮይኑ ኸኣ ህ.ግ እቲ ብሓድነት ዝተቃለሰ ውድብ እናተባህለ ዝዕለለሉ ዝነበረ፡ ብሉል ሕብሪ ኣብ ካላኣይ ዓመት ነጻነት’ዩ ክብለል ተራእዩ። ሰባት ክእሰሩ ስቕ ኢልካ ምዕዛብ፡ ተጋደልቲ ኣንጻር መሪሕነት ኣብ ታሪኾም ንመጀምርያ ግዜ ኣድማ ከካይዱ ብመራሕቶ ዘይምትብብዑ፡ ህ.ግ ብሓያል ጥርናፈ ደኣ’በር ብንቅሓት ሓድነቱ ዘረጋገጸ ውድብ ከም ዘይነብረ ሕጂ ድሕሪ 23ዓመታት ዘይኮነስ ኣብ መጀመርያ ነጻነት’ዩ ተጋሂዱሉ ህዝቢ ሰራቂ ምስ ተባህለ። ብኸመይ መሪሖሙኹም ከም ዝኣተዉ ኣብ ናቅፋ ተሓቢርኩም፡94 ሽዑ’ውን ካላኣይን ናይ መጨረሻን ተሰሪቕኩም። ስለዚ ወግሔ ጸብሔ ኣዋጃት ምውጻእ ንህዝቢ ኣረብሪብዎ’ዩ፡ ፍልይ ዝበለ ኸኣ ስለ ዘይኮነ ኣብ ዘሎ ቓልሲ ኣቲኹም ሕጂ’ውን እጃምኩም ክትገብሩ መድረኽ ይጽውዓኩም፡ ኣርርርርርርርርክብ ስመርርርርርርርርርር ይበሃል ኣሎ።

  • Yohannes November 23, 2013

    As I barrage you with questions and concerns, allow me to repeat what Leti said, with humongous exclamation, REALLY! REALLY!
    Could it be a support group helping them cope with the challenges of life in diaspora? If it is support group, why exclude others and isolate themselves? Could it be an extreme boredom due to the untreated post traumatic stress syndrome? Could it be the classic soldier’s boredom that manifests during a brief peace or ceasefire? Could it be an association/get together of old die-hard clique? Could it be the Stockholm syndrome, still mentally bound to EPLF’s authoritarianism? Could it be a misguided nostalgia of the bad/ugly old days? Could it be a case of “misery loves company”?, could this ignite the old animosity/hostility fueled with irrational deadly games among people of the same nature and nurture thinking and living in a “fish bowl”? Could it be the work of some egotistical person/persons, who lost a sense of purpose and a sense of importance in life, and this will give them not only a sense of belonging, but a position of power and title? Could this trigger in the minds of its members the tragic memories of lost “Comrades” by the enemy, ELF, TPLF and their own “Halewa Sewra”? Could it also trigger the ever-suspicious treatment they endured by their own political cadres and leadership, while they volunteered to sacrifice their lives for their mother land? Would they be guided by the same principles of strictly following the “Don’t ask, don’t discuss, don’t, don’t? Would they still use the words “We the tegadeltis, and the rest of us are called “Gebar”, with a conspicuous superiority attitude, telling us the “Gebar” we are nothing”? As someone mentioned, could they offend non- members, Ex-Shabia Tegadeltis who choose not to join their club, by reflecting their “Mieda” belligerent behavior? Once they join this club/organization, is there anything that prevents them from joining other clubs/organizations with no fear of reprisal. Thanks

POST A COMMENT