Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ጋዜጣዊ መግለጺ -  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ! ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት - ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ

ጋዜጣዊ መግለጺ –  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት – ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ በርሚንግሃም፡ ኖቲንግሃም፡ ሸፊልድ፡ ማንቸስተርን ኦክስፎርድን ኣብ ከተማ ለንደን ተኣኻኺቦም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊትን መከናይዝድን፡  ምምሕዳራትን ሚኒስትሪታትን  ብዝተፈላለየ ጽፍሕን ሞያን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡  ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራን ተመኩሮ ዝነበሮም  ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነዚ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ዕላማታት ቃልሲ ሃገር ጨውዩ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቅልዑ ጥራሕ ዘይኮነ  ንምምካቱ እውን  ዓቲቦም ከምዝሰርሑ  ብምርግጋጽ እዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ጋዜጣዊ መግለጺ 

ስም ማሕበር ፡-

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር  ንለውጢ

መንኢዩህዝባዊግንባር፧ኣባላቱኸመንእዮም፧

ህዝባዊ ግንባር፡ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር ናጽነት ዘረጋገጸ፤ ቅዋማዊት ዲሞክራሲያት ሃገር ንምምስራትን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽ ዝተቓለሰ፣ ፍትሕን ርትዕን ንምንጋስ ዝጸዓተ፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ንሓድነትን ማዕርነትን ዝቃለስ መስመር እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሰብ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ መስመር እዩ።  ኩሎም እቶም ነዚ መስመር’ዚ ክውን ኪገብሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ፣ ዝሰንከሉን ዘለዉን ሓፋሽ ውድባት ይኹኑ ተጋደልቲ ከኣ ኣባላቱ ኢዮም።

እዚ ሕጂ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ጠሊሙ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተቓለሰሉ ዕላማታትን መትከላትን ኪሒዱ ንህዝቢ ረጊጹ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ እዚ ነቲ ደቂ ህዝቢ ዝተሰውኡሉ፡ ክቡር ሃገራዊ ዕላማ ጨውዩ፣ ብግዕዙይ ምሕደርኡ ንሃገርና ዝብትንን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ጠላም ስርዓት። ብዝናን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ዝነብር ግን ዕላማን መትከልን ህዝባዊ ግንባር ዝቐበረ ከይሲ እዩ። እዚ ንመላእ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ፣ ንመንእሰያት ብመደብን ፍላጥን ካብ ሃገር ዘንፍጽ ዘሎ መላኺ ስርዓት፣ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ኣብዚ ማሕበር እዚ ዝጠራነፍ ዘሎ፡ ንመስመር ህዝባዊ ግንባር ተኸቲሉ፡ ነቲ ሰማእታትና ዝወደቑሉ ብጉጅለው ምልኪ ዝተጠልመ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ገዝኡ ከሳልጥ፡ ኤርትራ፡ ሕግን ቤት ፍርድን ዘለዋ፡  ግሉጽን ሓቛፍን ስርዓት እትውንን፣ ብግሉጽ ፋይናንስን ባጀትን እትመሓደር፣ ስለስቲኡ መሓውራት ስርዓታ ማለት፡ ሓጋጊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ ብናጻ ምርጫን ድምጺ ህዝብን፡ ስልጣን ዝረክብን ዘረክብን ሓይሊ ንምግባሩ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

 

 

 

ዕላማታት እቲ ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብድምር ሰለስተ ዕላማታት ሒዙ ኢዩ ነቒሉ።

ፖለቲካዊ ዕላማታት

ነቲ ሰማእታትና ኣሚኖም ዝወደቕሉ፡ መላእ ህዝቢ ዘበርከተሉ፡ ብዓመጽ ዝተጨውየ  ፖለቲካዊ ዕላማታት ብምርግጋጽ ውሑስ ዝኾነ ዲሞክራሲዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምምስራት። ንኹሉ ወዲ ሃገር  ዓሌት ሃይማኖት፡ ብሄር ቀቢላ፡ መታሕት ከበሳ ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ናጻን ርትዓውን ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምምስራት። ዜጋታት ብምእነቶም ዝዋስኡሉን ንሃገራዊ ዕላማታት ዝውፈ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምምስራት። ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ፣ ዜጋታት ብምሉእ ናጽነት፡ ብዝመሰሎምን ምስዝመሰሎን ተወዲቦም ኪቃለሱ፣ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ኪገልጹ፡ ኪዛረቡ ኪጽሕፉ፣ ኪኣምኑ ከምልኹ ዘፍቅድ ስርዓት ምትካል።

ማሕበራዊ ዕላማታት

ንዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ውልቃዊ ጸገማት ኣባላት እዚ ማሕበር ንምፍታሕ ሞራላውን ቁጠባውን ምድግጋፍ ምግባር። ብዙሓት ኣባላት እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብዘጋጠሞም መውጋእቲ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም፤ ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠሞም ሃስያን ጥልመትን ግዳይ ዝኾኑ  ክፋል’ቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ሞራላውን ሕልናውን ደገፍ የድልዮም ኢዩ።

ቁጠባዊ ዕላማታት

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ሕጂ ጀሚሩ በብቑሩብ ናይ ምውህላል ዓቕሙ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ንኺሳተፍ መደብ ኣለዎ።  ቁጠባ ሓይልን ሕቖን እዩ፤ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ውዳበ ዜጋታት፡ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ብምዕባይ ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ክውን ዝኸውን ኣሳታፊ ስርዓተ ቁጠባ ኤርትራ ብምውሳእ ንነብሶምን ሃገሮምን ብቑጠባ ከዕብዩ  የተባብዕ።

ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እንታይ እዩ’ኸ ኣገዳስነቱ፧

ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ግዳም ብቓልዕ ኣብ ውሽጢ ከኣ ብምስጢር ነነዊሕ ዝኸደ ተቓውሞታት እኳ እንተጸንሐ እዚ ስርዓት ነዚ ደምበ ተቓውሞ ብዝተፈላልየ መገዲ እናኸፋፈለ ከዳኽሞ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብጭቡጥ ከምእንርእዮ እዚ መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ንኤርትራ ሓማሚሱዋ ኺጠፍእ፣ ብታሕቲ ታሕቲ ብመደብ ንህዝቢ ብጸቢብ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት፣ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከፋፊሉ ነዛ ሃገር ንምብታና ይሰርሕ ስለዘሎ፣ ኣንጻር እዚ አዕናዊ ምክፍፋላት ተቓሊስካ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጽባሕ ዘይበሃሎ እዋን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ዝጠራነፍ ዘሎ ማሕበር ምስቲ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ተሓባቢሩ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምስፋን ኪሰርሕ ኢዩ።

ስቕታን ዓውታን፡ ቃልስን ድቃስን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምርጫን መሰልን ኢዩ። ምግዳል ትማሊ ገበን ኣይነበረን ሎሚ እውን ገበን ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ከኣ ትማል ተጋዲሉ ሎሚ እውን  ኪጋደል ተገዲዱ ኣሎ። ትማል ኣብ በረኻን ጣሻን ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ቤትን ኣደራሽን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኑ ይገብሮ ኣሎ። ትማል ጠበንጃ ዓጢቑ ነይሩ። ሎሚ ድምጺ ዓጢቑ ኣሎ። ኩሉ ዕላምኡ ከኣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ማሕበራት መንእሰያትን ተወሃሂዱ ነቲ ዘይተወድአ ዕዮ ገዛ ደለይቲ ለውጢ ኣሳታፍን ሓቛፍን ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ። ዝኾነ ይኹን ተበግሶታት ቃልሲ ብመትከሉን ዕላማታቱን፡ ብኣረኣያኡን ኣተሕሳስባኡን እምበር፣ ብምስልን ስምን ወደብቱን ጀመርቱን ኪምዘን ኣይግባእን እዩ ኢሉ ስለዝኣምን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ደለይቲ ፍትሒ ኪሰርሕ ቅሩብነቱ የረጋግጽ።

የብሉን።

እንታይ ትጽቢት ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ

እዚ ማሕበር እዚ ከምቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ሕጂ እውን ነቲ ዝተጠልመን ዝተጨውየን ራኢኡ- ራኢ ህዝባዊ ግንባር- ራኢ ብልጽግትን ስልጥንትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምዕዋት ይሰርሕ። ብሓጺሩ ከምቲ ትማል ዝተጋደሎ ሎሚ ኸኣ በብዓቕሙን ክእለቱን ይጋደል። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንክፋእን ተንኮልን እዚ ስርዓት ንምቅላዕ ዓቢ ዘመተን ወፍርን ብምክያድ፣ ነቲ ድሮ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዓለማዊ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ብምኽራርን ኩሉ ካልእ ዝኽእሎ ዘበለ ብምክያድን ዕድመ እዚ መላኺ ስርዓት ንምሕጻር ይጋደል።

ገድሊ ማለት ከኣ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ በረኻን ዓድን ብእትኽእሎ ዓቕሚ ዋጋ ምኽፋል ማለት ኢዩ።  እዞም ሕጂ ዝበጋገሱ ዘለዉ መንእሰያት ኮነ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ገዳይም፡ ኩሎም ምእንቲ ህዝቦም በብዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ተጋደልቲ ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሉ ሃገር ሓራ ስለዝገበረ ብኹሉ ተጋዳላይ እዩ። ንተጋዳላይ ትርጉም ገድሊ ምንጋር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ከም ምውጣይ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ እምበኣር ስም ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት፡ ዝተፈላልየ ኣስማትን ቅጽላትን ዘለውን ማሕበር መንእሰያት፡ ጀብሃ – ሻዕቢያ፡ ኢዋይኤሲ – ኢዋይሲኤ ኩሉ ኣስማት እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ውዳበ ዝሓዘ ኣስማት ብዝበርክቶ ግብራዊ ስራሕ ከኣ ኢዩ ዕድመ መላኺ ዝሓጽርን ዝነውሕን።

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ እምበኣር፡ ማሕበር ድሕነት እምበር  ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ “ርዳእ ርዳእ!” እዋን ከኣ እታ ዝነኣሰት ዓቕሙ እውን ትኹን ኣብ ምቅልጣፍ ለውጢ ከውዕላን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪሰርሕ ሙዃኑን ቃል ይኣቱ።

 

ጻውዒት ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ

  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣
  • ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
  • ንብምሉኡ ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ለውጢ ስቪክ ማሕበራትን
  • ንማሕበራት ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት
  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር

ቀላጽሞም ኣስሚሮም ሰራውር ምልኪ ኪምሕዉ ኪብገሱ ጻውዒቱ የቕርብ። ኹሉኹም እቶም ብራሕቂ ቦታ ኮነ ሕጽረት ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ኪሳተፉ ዘይከኣልኩም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትነብሩ ደለይቲ ለውጢ ተጋደልቲ ኣብዚ ማሕበር እዚ ተጠርኒፍኩም እቲ ህዝብኹም ዘሰከመኩም ሓላፍነት ኪትግብሩ ኸኣ ንጽውዕ።

እዚ ምትእኽኻብ እዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ሓይሊ ከም ጸግዑን እንግድዑኡን እዩ ዝርእዮ። ነዚ ጸግዒ’ዚ፣ ነዚ ጎድኒ’ዚ ኣሚኑ እዩ ከኣ ኣብ ምጽራግ እዚ መላኺ ስርዓት እጃሙ ከበርክት ዝበራበር ዘሎ። ድሮ ኸኣ ብዙሓት ኣባላቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖም ኣለዉ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብምሒር እምነቶም ተታሊሎም ኣሚኖም ኣብ ስልጣን ዘደየቡዎ ሓይሊ፡ ደም ስኒ ኮይኑዎም ክፉኡ እናሰተሩ ኣብ ውሽጦም ኪእርምዎ ፈቲኖም ግን በሊዑዎም። እዞም ሕጂ “ይእከል!” ኢሎም ድምጺ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ማእሰርትን፣ ኣብታ ዓባይ ካርሼሊ – ኤርትራ ብዓባያ ንዝርከብ ህዝቢ ድምጺ ኪኾኑዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ስለዝመረጹ እዩ።

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ

ሰሉስ 19 ሕዳር 2013 – ለንደን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • Letina Habtom November 23, 2013

    Estifanos and the like, we are fed up of your boosting “Tegadalay did this and that” FOR the last 22 years, you think Our Independence achieved without the support and suffrage of the Eritreans. Again you are telling us in the last 22 years it is the Tegadaly who oppose the Dictator, what about your great support to make the devil the second dictator in the world; by alienating the non tegadalay by labeling gebar. Even your children at school are boosting by saying adey tegadalay aboy tegadalai kemaka/kemaki mesiluka mesiluki wedi gebar. As to me for the betterment of Eritrea in its critical time you better join (as to your vocabulary) THE GEBAR.

  • Tekluu Gubtaan November 23, 2013

    ምዕራብ ኤዉሮጳ እናነበራካ ድላይካ ክትዛረብ ክትጽሕፍ ቀሊል ዩ፡ ነገራት ኩዉንነት ከተልበሶም ግን ዘተፈልየ ዩ ። ተጋደልቲ ‘ዚ ከሉ እና ተሓማመሰ ፡ኣሰቂጦም ኔሮም ፡ኣቤት ጨልነት !!። ኣንጻር ወረርተን ፡ወሸጣዊ ተንከለት ኢሰያሰን ዘተሞቑሑ ዝተቐንጹሉ ተጋድሎ የለዉን ተብሉና ኣለኹመ ።እሞ 150000 በብረኹ ዘስተፍሰ ድሕሪ ነጻነት ዛዓጠቐ መንእሰይ ከ ገለ እንታይ ገበረ ኣብ ወሽጢ ኤርትራ ከሎ ማለተይ ‘የ ፧ ክነዮ ኣብ ሰሜን ኣትላነቲክ ተኾይጥካ ፈላሰፋ ፍትሒ ሙዀን፧

    • Ghenet November 23, 2013

      Tekluu!!
      ኣንጻር ወረርተን ፡ወሸጣዊ ተንከለት ኢሰያሰን ዘተሞቑሑ ዝተቐንጹሉ ተጋድሎ የለዉን ተብሉና ኣለኹመ ።??????????

      የለዉን ዝበለ የሎን። ክህልው’ን ኣይከእልን እዩ። አንተኾነ ግን እቶም ክሳብ ሕጂ ኣጽቂጥኩም ዝነበርኩም ተጋደልቲ-ነበር ንምንታይ ኩሉ ግዜ ብድሕሪ ስዋኣትን አሱራትን ትሕብኡ። ንሳቶም ግድኦም ገሮም ናትኩም ተዛረቡ። ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ ዓሻ ኣይኮነን። ክሓትት መሰሉ ምኳኑ ፈሊጡ እዩ። ስለዚ ብቕንዕና ምምላስ እምበር ምሕጫጭን ምሕራቕን ኣይሰርሕን አዩ። እቲ 150000 ዝበልካዮ መንእሰይ ኮነ ስኢልካ ን 22 ዓመታት ተዳሂኹን ተዳሂሉን፣ በብዓይነቱ ሜላታት እንዳ ተጠቐምካ (ብመግቢ፣ ብወተሃደራዊ መቅጻዕቲ፣ ብባርነት፣ ኣብ ኩናት ብምድጓል) ሕልናን ሓይሊን መንእሰይ ተዳኺሙ እዩ። ብመን፧ ኢልካ እንተሓቲትካ መልሱ ብናይ ኢሳያስ ህልሚ ኣተግበርቲ ተጋደልቲ። መን ደኣ፧ ባዕዳዊ ምምሕዳር ኣይነበረን። ብተጋደልቲ ትመሓደር ኤሪትራ እያ ነራ፧ መንእሰይ ስልጣን ዝሃቦ ወይ እንታይ ትደሊ ኢሉ ዝሐተቶ የብሉን በጀካ ተበገስ! ኣብሩኽ! ሕለፍ! ደው በል! ዝብሉ ትእዛዛት ኻልእ እንታይ ይፈልጡ? ስለዚ ኣብ ከንዲ ምቁንጻብ መረረታት ህዝቢ ጽን ኢልካ ምስማዑ ከድልይ አዩ። ተጋዳላይ ፍጹም እዩ ነይሩ ክበሃል ኣይካአልን እዩ። ነዚ መንእሰይ እዚ ንምዕራይ ገና ዐቢ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ። ኣብ ገዛእ ዓዶም በመንቀሳቀሲ እንድዮም ዝዛወሩ እንታይ ኢኻ ከተዛርበና። ንጌጋ ጌጋ ንበሎ መእንቲ ክንመሓየሽን። ክንእረምን።

  • Mesinas November 23, 2013

    ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ እዚ ምትእኽኻብ ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዕላማኡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሳዕ ዚኾነ ‘ክሳዕ ሕጂ ኣበይ ኔርካ?’ ተባሂሉ ክንጸግ ዝግብኦ ኣይመስለንን። ሓደ ነገር ኣሎ ክንርስዖ ዘይብልና። ኩልና ነዞም ናጽነትና ክውን ኣብ ምግባር እጃሞም ዘበርከቱ ተጋደልትን መራሕቶምን ከምዚ ሎሚ እንታይነቶምን ዕላማኦምን ከይፈለጥና ከለና ንድግፎምን ነጣቓዓሎምን ኔርና ኢና። ንሕና መገዶምን ግብሮምን ምስ ፈለጥና ክንቃዎም ከለና ኸኣ እቶም ቅድሜና ዝተቓወሙ ‘ኣበይ ኔርኩም?’ ከምዘይበሉና ንዘክር። እንተኾነ ከም ብዓል ኣቶ መስፍን ሓጐስ ዝኣመሰሉ ምስሉያትን ገበነኛታትን ዝሓቖፈ ማሕበር እንተ ኮይኑ፡ ክንጸግ ጥራይ ዘይኮነስ ንምብታኑውን ክንቃለስ ከም ዘለና’የ ዝኣምን።

  • ghenet November 26, 2013

    Mesinas. Ndimokrasi ksab nqales zelona hzbi khatt meselu eyu. Eti zhtet zelo kea kmls gbuu eyu. Mtsrafn mhraqn ftah aykonen.mhtatn mntsgn bbynu eyu ymesleni

  • dawit Tesfamariam November 28, 2013

    I like it…. keep it

  • yohannes November 28, 2013

    Many people talks so much about the tegagelty neber; the problem is not because they were tegagelty ; these yugs are the right hand of Issayas Afeworki; that is that is the big problem .ppl please woke up.

  • ሶሎመ November 28, 2013

    ተጋደልቲ ሲ ትምበሉ ከምቀደምኩም ናትና ናይ መንሰያት ስመር ጉዳይ ዩ ከመይሲ ከምታ ቀደምኩም ትም ምረጽ ቅድሚሕጂ ዘታለልኩምና ይኣክል !

  • wedi brha December 1, 2013

    Kkkkkk. sey. Sey. Ajokum. anabs.

  • wedi brha December 1, 2013

    Ezom. Ntirnafe. tegadelty. etwawemu. tsegem. Zelekum. Timeslu. emo. Atehasasbakum. fewsu. Enber. ntegadelty. Zagti. Qalsi. Kino. Haxur. Ykid.

  • cobra December 1, 2013

    we should not criticize anyone who is standing against the DIA,it doesnt matter who they are, the only we need is to success our goals-to remove the dictator and to implement the rule of law and justice.

1 4 5 6

Post a Reply to Ghenet Cancel Reply