Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋሻ ውሕጅ ኮሮና ቫይረስ ክሓልፍ’ዩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግን ጠጠው ኣይንበል

ጋሻ ውሕጅ ኮሮና ቫይረስ ክሓልፍ’ዩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግን ጠጠው ኣይንበል ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዛዕባ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ዘይትዛረብ ሃገር ወይ ማዕከን ዜና ትከሰስ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ዶብ፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ሃብቲ፡ ጾታ ዘይፈሊ ብኣልማማ ንኹሉ

ጋሻ ውሕጅ ኮሮና ቫይረስ ክሓልፍ’ዩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግን ጠጠው ኣይንበል
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዛዕባ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ዘይትዛረብ ሃገር ወይ ማዕከን ዜና
ትከሰስ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ዶብ፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ሃብቲ፡ ጾታ ዘይፈሊ ብኣልማማ ንኹሉ ስለዝለክፍን ስለዝቀዝፍን
ድማ ንኹሉ ንጥፈታት ዓለም ብሒትዎን ኣልሚስዎን ይርከብ። ብጠንቂ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣሽሓት ሰባት ይመቱን
ኣብ ሕክምና ይዕቆቡን፡ ካብ ስድራቤትን ስራሕን ይመዛበሉን ኣለዉ። እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ
ከይከውን ዓቢ ስግኣት ስለዘሎ ከኣ ሰበስልጣን ዝተፈላለያ ሃገራት ንዜጋታቶም፡ “ኣብ ቤትኩም ኮፍ በሉ” ዝብል ጽኑዕ
ትእዛዝ ኣማሓላሊፎም ኣለው። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ትካላትን ኣብያተ ጽሕፈትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ስለዝተዓጽወ
ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎምን ተጸበይቲ መንግስቲ ኮይኖምን። ስድራቤታት ምንጪ ኣታዊ
ስለዘይብለን፡ መግዝኢ ዝብላዕ መግቢ፡ መኽፈሊ ክራይ ገዛን ዕዳን ካልእ ወጻኢታት ከይስእናን; ኣብ ዓቢ ስግኣትን
ጭንቀትን ኣትዮን ኣለዋ።
ሃገራት፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣትዩ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ንምቁጽጻርን በቲ ሕማም ንዝተዳኸመ ቁጠባዊ
ንጥፈታት ንምብርባርን ንተመዛበልቲ ንምሕጋዝን ደገፍ ይህባ ኣለዋ። እቲ በብሃገሩ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ; ካብ ሃገር
ናብ ሃገር ካብ ክፍli ሃገር ናብ ክፍli ሃገር ክፈላለ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ንኮሮና ቫይረስን ንኻልእ ተመሳሳሊ ጽንኩር
ኩነታት ንምብዳህን ከም ኤርትራውያን ክንገብሮ ዝግብኣና መሰረታውን መባእታውን ነጥብታት ምጥቃስ ግን ሓጋዚ
ይመስለኒ።
ቀዳማይ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ዘይሓልፍ ጸገም ስለዘየለ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
ካብ መጠን ንላዕሊ ክንርበሽ፡ ክንጭነቅን ተስፋ ክንቆርጽን የብልናን። ምኽንያቱ ምጭናቅ እንተልዩ፡ እቲ ክንገብሮ
እንኽእል ቀሊል ስጉምቲታት ክንወስዶ ስለዘይንኽእልን ብዘይተደልየ ሕማም ክንስነፍ ዕድል ስለዝኸፍትን፡ ኮሮና ቫይረስ
ናህሩ ወዲኡ ዝሓልፍ ጋሻ ውሕጅ ምዃኑ ተገንዚብና ህድኣት የድሊ። እቲ ክንገብሮ እንኽእልን ዓቅምና ዘፍቅዶን ጥራይ
ኢና ክንገብር ዘለና።
ካልኣይ፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንሰርሓሉ ዝነበርና ትካላት ብምዕጻዉን
ከይንሰርሕ ዓዲ ውዕል ስለዝኾናን፡ ብሰንኪ ስእነት ገንዘብ፡ ቤትና ከይውረስ፡ ዕዳ መኽፈሊ ከይንስእን፡ ሓሚምናን
ጠሚናን ግዳም ሓደር ከይንኸውን፡ ደቅና ካብ ትምህርቲ ከየቋርጹ ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ሻቅሎትን ጸገማትን
ከቢቡና ኣሎ። ብርግጽ እዚ ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ዘቅስን ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ብመንግስቲ ንግዚኡ ዝግበርን
ዝወሃብን ሓገዛት ስለዘሎ፡ ኣብ ከከባቢና ዘሎ ዕድላትን ምንጭታትን ክንፈልጦን ክንጥቀመሉን ኣለና። ንኣብነት
ወርሓዊ ዕዳ ናይ ገዛና ክንከፍል እንተዘይክኢልና፡ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ብዘይ መቅጻዕቲ ዕዳና ክውንዘፈልና ይኽእል ኢዩ።
ካባና ዘድሊ ኣበይ ነምልክት ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ንሕተቶ ቅጥዕታት ብግቡእ ምምላእን ጥራሕ ኢዩ።
ሳልሳይ፡ ምስዚ ዘሎ ቅልውላው ጥዕናን ሕጽረት እቶትን፡ ክኢላታትን ዝምልከቶም ኣካላትን ከይተወከስና
ብታህዋኽን ዓቅሊ ጽበትን ዕሙት ስጉምቲ ካብ ምውሳ ክንቁጠብ ኣለና። ቅድሚ ዝኾነ ውሳኔ ምውሳድና፡ ጥቅሙን
ጉድኣቱን ናይቲ ክንወስዶ ሓሲብና ዘለና ጉዳይ ክልተ ግዜ ክንሓስበሉን ጸገማትና ኣብ ምቅላል ይሕግዙና ኢዮም ምስ
ዝበልናዮም ሰባትን ትካላትን ምምኻር ጉዳኢ ኣይኮነን። ኣብ ኣእምሮና፡ ወትሩ ሓደ ማዕጾ እንተተረጊጡ ካልእ ማዕጾ
ከምዝኽፈት ተስፋ ክንገብር ይግባእ።
ራብዓይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ሞትን ሓጎስን፡ ኣብ እዋን ጸገምን ራህዋን፡ ሓድሕድ ምትሕግጋዝን
ምጽንናዕን ሓደ ካብ ዝበለጸ ክብርታትናን ባህልናን ስለዝኾነ፡ ሕጂ’ውን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት፡ ብሓባር ከም
ሓንቲ ስድራቤት ኮይና ክንደጋገፍ፡ ክንተሓላለን ሓበሬታ ክንለዋወጥን ትጽቢት ይግበረልና።
ሓሙሻይ፡ ኩልና ከምዘይንስሕቶ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ምንቅስቃስናን ምስ ከባቢና ብዘለና ምትእስሳርን
ምውሳእን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክንጥቃዕን ንሕማም ክንቃላዕን ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። እንተኾነ፡ ብቫይረስ
ዝስዕብ ሕማማት ክንከላኸሎን ማህሰይቱ ከነውሕዶን ንኽእል ኢና። ሊቃውንቲ ከምዝገልጽዎ፡ ኣብ ኣካላትና ዘሎ ናይ
ምክልኻልን ምጽዋርን ብቅዓት እንተሓይሉ፡ ነቲ ብግዳም ብጎዳእቲ ነገራት ዝመጸና መጥቃዕቲ፡ ክምክት ይኽእል ኢዩ።
ተጻዋርነት ንምዕባይ ድማ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንበልዖ መግቢ፡ ንሰትዮ ፈሳሲ፡ ንጥቀመሉ ኣቁሑትን መንበሪ
ቤትናን ጽሬት ከነዘውትር፡ ብዝከኣል መጠን፡ ንጥዕናና ጉዳእቲ ዝኾኑ ዓይነታት መግቢ ወጊድና ዝተመጣጠነ መግቢ
ከም ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ዓሳን ክንምገብ፡ ምዋስዋስ ኣካላት፡ ሕጉስ ህይወትን ዕረፍትን ክህልወና ምጽዓር ኣዝዩ
ኣገዳሲ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ምህላውን ሞትን፡ ሕማምን ጥዕናን፡ ጸገምን ራህዋን ሓቢሮም ዝጓዓዙ ኣካል ህይወትና
ስለዝኾኑ፡ ንመጻኢ’ውን ንዝኾነ እንተታትን ዘይንቡር ኩነታትን ብዝከኣለና ድሉዋት ክንከውን ይግባእ። ንኣብነት፡
ሕማም፡ ስንክልና፡ ካብ ስራሕ ምውጻእ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ኣብ ዝኽሰተሉ ንሕማቅ እዋን ገንዘብ ከነቀምጥ፡ ኣቁሑት
ቀዳማይ ረዲኤት ክንሕዝን፡ ንስለ ጥንቃቀ እምበር ሕማቅ ምምናይ ኣይኮነን። ስለምንታይሲ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ
ውሕጅ ጽረግ ስለዝቀልልን ስለዝምረጽን። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ድማ ከም ጋሻ ውሕጅ ምሕላፉ ዘይተርፎ’ኳ እንተኾነ፡
ብሰንኪ ሸለልትነትናን ምርባሽናን ለኪሙና ከይከይድ ግን ኣብቲ ንሱ ኣልደመልዲ ሒዙ ዝሓልፈሉ ሰናጭሮ ጠጠው
ክንብል የብልናን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 25 መጋቢት 2020

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde March 26, 2020

    It is an inspiring, informative and timely article Tsilal,keep up your priceless work and thanks a million for all you do.It is deja vu for some of us,back in the front line again fighting this deadly virus not with AK-47 and RPG’S ,but recycling N-95 masks and improvised face shields,who would have thought,the Lord puts you where he wants you and collects you when he ready. Genuine Eritrawi wherever you are,whatever you going through God has a plan for you,have faith Hizbey,love!

  • Denden March 27, 2020

    ካምፓላ ድዩ ድዩ ሽምኻ?? ከመይ ክንብል የብልካ ከይብለካ ፀርፊ ነውሪ እዩ እንታይ ገሩካ ትጸርፎ ኣለካ ኣክንዲ ፅቡቅ ምኽሪ ዝሀበ ስዲ ኣይትኩን.

Post a Reply to Denden Cancel Reply