Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ህግደፍ፡ ገንዘብ ክደሊ’ ከሎ ንኤርትራውያን ኤርትራውያን ኢሉ ይጽውዓና

ጉጅለ ህግደፍ፡ ገንዘብ ክደሊ’ ከሎ ንኤርትራውያን ኤርትራውያን ኢሉ ይጽውዓና ቀዳሞት ክምስሉ እንከለዉ፡ “ኣፍካስ ብልዓሉ እምበር ኣይትበድዓሉ” ይብሉ። ብፍላይ ልዑል ሓላፍነት ተሰኪምካን ጓሳ ህዝቢ እንተኾይንካን ድማ፡ ትሕትና ከተዘውትርን ትርግታን ቃንዛን ናይ እትውክሎ ህዝቢ ክትግንዘብን ኣገዳስን መምዘኒ ብቁዕ

ጉጅለ ህግደፍ፡ ገንዘብ ክደሊ’ ከሎ ንኤርትራውያን ኤርትራውያን ኢሉ ይጽውዓና

ቀዳሞት ክምስሉ እንከለዉ፡ “ኣፍካስ ብልዓሉ እምበር ኣይትበድዓሉ” ይብሉ። ብፍላይ ልዑል ሓላፍነት ተሰኪምካን ጓሳ ህዝቢ እንተኾይንካን ድማ፡ ትሕትና ከተዘውትርን ትርግታን ቃንዛን ናይ እትውክሎ ህዝቢ ክትግንዘብን ኣገዳስን መምዘኒ ብቁዕ መሪሕነትካን ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ መልሓሱ ሕማቅን ኣሽካዕላልን ጥራይ ክዛረበሉ ዝተዓደለ ጥዑም ኣይወጾ ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዕሊ’ቲ ብኣካል ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሰቅቅ ገበን ንህዝቢ ኤርትራ ምዝላፍን ምንእኣስን ልማዱ ኦዩ። ንኣብነት ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ህዝቢ፡ እንተላይ ስንኩላን ኩናት፡ “ካብ መራሒናን መንገስትናን መታን ፍታሕን መብርህን ክንረክብ፡ ሕሰም መነባብሮና ክንገልጽ” ኢሉ ኣብ ኣኼባታት ቅኑዕ ሕቶ ምስኣቅረበ፡ “ሰንበት ሰንበት’ዶ በጊዕ ክንሓርደልኩም ደሊኹም፡ ሓንቂቅኹም፡ ናብ ማይ ዘለዎ ግዓዙ እምበር ማይ ናብ ገዛኹም ኣይመጸኩምን’ዩ” ኢሉ ካብ ሓደ መራሒ ኢየ ዝብል ሰብ ዘይትጽበዮ ኣነዋሪ መልሲ ሂቡ።  ድሒሩ ኣብ ዝስዓበ ዓመታት ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ “ብዘይ ሕቶ ርእይቶ መሰልካ ተሓሪምካ ሰጥ ለበጥ ኢልካ ኣብ ትሕተይ ተገዛእ፡ ኣነ ዝበልኩኻ ጥራይ ፈጽም” ዝብል ካብ ንእሽቶ ቁሸት ክሳብ ዞባ ሰንሰለት ባርባራዊ ኣገዛዝኣ ዘርጊሑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ንመሰሉን ንመሬቱን ረዚን መስዋቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ዓስቢ መስዋእቱን ስቃዩን፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ክብረት፡ ብልጽግናን ፍቅርን ዝድበስን፡ ቀንዲ ሕላገቱ፡ ስደት፡ ሓሳረ መከራ፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜት፡ ሞት፡ ሕማም፡ ሸለብ ገለብን ምስትምሳልን ኮይኑ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ድማ፡ እቲ ንጉሆ ዝበሎ ምሸት ከፍርሶን ክኽሕዶን ዘይእግሞ ቀይዲ በተኽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንመኻዕበቲ ጁባታቱን መናውሒ ስልጣኑን፡ ገንዘብን ንዋትን ክደሊ ኣንከሎ፡ ነቲ ዝጸርፎን ዘናሽዎን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመዓር ዝጥዕም ማራኽን ለመጭን ቃላት ተጠቂሙን ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ተቆርቋሪ ክመስልን፡ “ንሃገርካን መሬትካን ተሰለፍ ተኣንጎት” እናበለ ምውዳሱ ኢዩ። ካብቶም ጉጅለ ህግደፍ ገንዘብ ኣብ ምልማን ደሚቆም ዝተራእዩ ጭርሖታት፡ ኣብ መወዳእታ 80ታት “ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ፡ ኩሉ ድሕሪ ሃገር” ተባሂሉ። ኣብ 1998፡ ኣብ እዋን ኩናት ወያነን ህግደፍን እውን ሃገር ብወያነ ተወሪራን ተደፊራን ተባሂሉ መንእሰያት ንምኽታትን ገንዘብ ንምእካብን ተመሳሳሊ ጎስጓስ ተኻይዱ። እቲ ብስም ሃገርን ህዝብን እናተጨርሐ ዝኽፈል ህይወት፡ ዝውፈ ገንዘብን ንዋትን ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ ህዝባዊ መዓላን ንድሕነት ሃገርን እንተዝኸውን ነይሩ፡ ህዝቢ አርትራ ኣሽምባይ ጥሪቱን ንብረቱን፡ ደሙ ክቅዳሕን ዝፈትዋ ህይወቱ ከወፊ’ውን ድሕር ኣይብልን’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ ዝኸተሞ፡ ስማውን ንመንነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ናይ ጥልመት ስምምዕ ሰላም፡ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ “ኣይከሰርናን፡ ንብረትና መሊስና፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ካብ ሎሚ ንድሓር ዓቢዪ ኣሕመድ ኢኻ መራሒና” ኢሉ ዝሃቦ መግለጺታት፡ ሕሰምን ስደትን ህዝቢ ኤርትራ ክርኢ እምበር፡ ብምዕባለን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ከምዘይብሉ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ከም ግብረመልሲ’ቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝወሰዶ ዓንዳርን ዘይሓላፍነታውን ስጉምቲታት፡ ኣብ ውሽጥን ውጻእን ዝነብር ኤርትራዊ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ስክፍታኡን ተቃውሞኦን ገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ዕድላት ተጠቂሙ፡ “እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ” ኢሉ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰልን ልዕልና ሕግን ክረጋገጽ፡ ህዝቢ ወሳኒ ዕድሉ ክኸውን ብዓውታ ይኣክል ኢሉ። እቲ ብዘይካ ንምውዳስን ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ስማዕ፡ ፍልይ ዝበለ ሓሳብን ተቃውሞን ንምቅባልን ንምስማዕን ዓቅምን ድፍረትን ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ንዝኾነ ርእይቶን ምኽርን፡ ብወያነን ምዕራባውያን ሃገራትን ከምዝተመወለን ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ተንኮል ከምዝተኣልመን ኣምሲሉ “ከድዓትን ዘይሃገራውያንን” ዝብል ስም ኣጠሚቅዎ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጡር ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ መላእ ዓለም የጥቅዕ ስለዘሎ፡ ንሕና ኣብተን ሕጋዊ መንግስቲ ዘለወን፡ ብቁጠባን መሳለጥያን ዝማዕበላ ሃገራት ዘለና ኤርትራውያን ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና  ስለእንሓይሽ ሜትና ዘእውየልና ሓሚምና ዝፍውሰና ኣይንስእንን ኢና። ናይቲ ኣብ መንጎ ሕዱር ኮሮና ቫይረስ ህግደፍን ዓለማዊ ኮሮና ቫይረስን ተቀርቂሩ ሕሱም ህይወት ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና ድቃስ ለይቲ ይኸልኣናን ኣዚና ንሻቀልን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ናይ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መዝሚዙ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ ኤርትራዊ፡ ብግዴታን ብጸቅጥን ብህጹጽ ገንዘብ ከዋጽእ ኣዚዙ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ከምኣመሉ፡ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ገንዘብ ዘይሃበ ኤርትራዊ፡ ፍቃዳትን መሰላትን ከምዘይረክብ ኣብ ምፍራርሕ ከይተሓጽረ፡ “ረፈረንደም ከምዘየድመጸ’ዩ ዝሕሰብ፡ ስሙ ኣብ ጸሊም ታሪኽ መዝገብ ክሰፍር’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ብወለንታ ንውጹዕ ወገኑ ካብ ዘላቶ ክሕግዝ ድሕር ዘይብል ውርዙይ ህዝብና፡ ምስ ገበንን ሃገራዊ መንነትን ዝተኣሳሰር መጠንቀቅታ ሂቡ። እቲ ሓቂ ግን ኤርትራዊ መንነት ውልቀሰባት ዝዕድልዎን ዝኽልክልዎን ኣይኮነን።

ህዝብና፡ ኣብ ግዜ ሕሰምን ራህዋን ሓድሕድ ምትሕግጋዝ፡ ሓደ ካብ ዘሐብን ባህሊ ስለዘለዎ፡ ካብ ጠላምን ሓላፍነት ህዝቢ ዘይስከምን ጉጅለ ህግደፍ መምርሒ ይኹን ለበዋ ኣይደልን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ልቦናን ኣስሓኮን ስለዘለዎ፡ ወገኑን ጎረቤቱን እናተጸገመን ጾሙ እናሓደረን ጸማም እዝኒ ስለዘይህቦ፡ ካብ ዘላቶ ንወገኑ ከካፍል ወትሩ ድሉው ኢዩ። ስክፍታ ኤርትራዊ ዝህቦ ገንዘብ ከይተጨርመ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ዕላማ ክውዕል’ዩ ዝደሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ብወለታ፡ ካብ ደሞዙ ተቆሪጹ፡ ብድሌቱን ካብ ዘይብሉን ጨቆቕ ኢሉን ብጉልበቱን ንብረቱን፡ ንስድራ ስውኣት፡ ንኣካለ ስንክላን፡ ንምክልኻል ሃገር፡ መሕወይ ግብርን ንኻልእ ተመሳሳሊ መዓላን ኢሉ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ኦዩ። እንተኾነ፡ ሕሉፍ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ከምዘረጋግጾ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ካብ ህዝቢ ዝተለገሰ፡ ካብ ኩዕታ ወርቂ ዝርከብ ሚልዮናት ዶላርን ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከብ እቶት ገንዘብን ንብረትን ሰሪቁ፡ ንጹሃት ዜጋታትና ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ዝጭወይሉን ዝሕየሩልን ኣብያተ ማእሰርቲ ንምህናጽ፡ ህዝብና ንምስላይን ንምጭዋይን ስለያዊ ንጥፈታት ከካይደሉ ስለዝተራእየን ብደወይ ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ስለዝኾነን፡ ገንዘቡን ንብረቱን ንጉጅለ ህግደፍ ክህብ ኣይመርጽን’ዩ። ስለምታይ’ሲ እዋኑ፡ ነብስኻ ካብ ኮሮና ቫይረስ ገንዘብካ ካብ ህግደፍ ምውሻብ ስለዘዋጽእ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻልን ንምፍዋስን ወገኑ ንምሕጋዝ ብኽልተ መንገዲ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ይነጥፍ ኣሎ። እቲ ሓደ ሓገዝ፡ ምስ ህግደፍ ብዝደናገጹን ገለ ገለ ረብሓ ዘለዎምን ኤርትራውያን ብቀጥታ እንተብግዲ እንተብፍቶት ንጉጅለ ህግደፍ ክህቡ ዝመረጹ’ዮም። እንተኾነ፡ ንኮሮና ቫይረስ ኢልካ ብጥረ ገንዘብ ይኹን ብዓይነት ንጉጅለ ህግደፍ ምሃብ ማለት ‘ንዝብኢ ስጋ ሓሉ” ምባል ስለዝኾነ፡ ግዳያት ኣይረኽብዎን ኢዮም። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብህላወና ዝጉሂ ብጥፍኣትና ዝሕጎስ ግናይ ዓሌትን ጽኪ ሕብረተሰብን ስለዝኾነ። እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ድማ፡ ብኹሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግዱሳት ዜጋታትን፡ ዝዋጻእ ገንዘብ ይኹን ንብረት ብቀጥታ ናብ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ክበጽሕ ኣለዎ ዝብል’ዩ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ግን ዕድል ዘይህብ ስለዝኾነ፡ ቅልጡፍን ውሁድን ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ። ጉጅለ ህግደፍ ግን ከም ልማዱ፡ “ብዘይካ ኣነ ዝምእክሎን ዝቆጻጸሮን ካልእ ጎድናዊ ደገፍ ኣይቅበልን ዝብል ደረቅን ዓሻን መርገጺ ክወስድ ዝለዝኽእልን ብሓባር ናይ ምስራሕ ልቦና  ስለዘይብሉ፡ ዕንቅፋት ከጋጥም ይኽእል’ዩ። ስለዚ ምንቅስቃስ ደለይቲ ፍትሒ፡ ካልኦት ግዱሳትን ግብረሰናይ ማሕበራትን ካልእ ኣማራጺ ረኺቦም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህልቂት ከድሕንዎ ኣለዎም።

ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሎ ህዝብና፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ኣብ ቤቱ ክጸንሕ ጽኑዕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ስለዘሎ፡ እቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ስድራቤት ቅድሚ ብኮሮና ቫይረስ ብጥሜት፡ ብጽምእን ብሕማምን ኣብ ገዝኡ ከምዝመውትን ከምዝሳቀን ፍሉጥ’ዩ። ጉጅለ ህግድፍ፡ ነቲ ኣብ ገዛ ንመዓልታት ከይወጽእ ወሺብዎ ዘሎ ህዝቢ ዝኾነ ቀረብን ፍታሕን ኣይገበረሉን። በዚ ዘሎ ኩነታት ድማ ህዝብና ኣብ ዓቢ ቁጠባዉ ቅልውላዉ ኣትዩ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ውትህድርናን መደበር ተዓሊም ሳዋን ዝነብር ህዝብና’ውን ዓቢ ኣደራዕ ኣለዎ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን፡ እቲ ኣብ ሃገራት ሊብያ፡ ሱዳን ኢትዮጵያ፡ እሰራኤል፡ ኡጋንዳን ካልእ ከባብን ዘሎ ዋናን ተጣባቅን ዘይብሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ኢዩ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ “ጸጊቦም እንታይ ክገብሩ ንሊብያ ከይዶም፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እምበር ኤርትራውያን ኣይኮኑን” ኢሉ ንዜጋታቱ ስለዝኽሓደ፡ ኣብ ባሕሪ ይጥሓሉ ብነጋዶ ሰብ ይተሓርዱ ፋዕራን ድንጋጸን ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ገንዘብ ክደሊ እንከሎ ጥራይ ኢዩ ንኤርትራውያን ኤርትራውያን ኢሉ ዝጽውዓናን ዝውደሰናን፡፡ ብ2 ሚያዝያ 2020፡ “ብሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ጥሙር ህዝባዊ ኤርትራዊ መኸተ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ዋዕላ  ብተለፎን (Teleconference) ንኣብ ማእከላይ ምዕራብን ደቡብን ኣመሪካ ዝነብር ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝምልከት መደብ ስራሕን ሓበሬታን ክህበና ስለዝኾነ ክትሳተፍ ተዓዲምካ ኣለኻ” ዝብል መልእኽቲ ካብ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን  ናብ ተለፎነይ ዕድመ ምስተላእከለይ፡ “ንዓመታት ብወይጦን ከዳዕን ዝፍለጥ ዝነበርኩ ሳላ ኮሮና ቫይረስ ኤርትራዊ ምዃነይ ተኣሚኑለይ” ኢለ ተገሪመ።፡ እንተኾነ፡ ነቲ “ንኮሮና ቫይረስ ዝኸውን ገንዘብ ኣዋጽኡ” ዝብል  መግለጺ ከምዘለዎ ክትጎስሞ እምበር፡ ፍልይ ዝበለን ተቃውሞን ርእይቶ ይኹን ሕቶ ንዘቅረበ ተሳታፊ ብተሪር ቃላት ምውርዛይን ምፍርራሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ መስመር ተለፎን ተበቲኹ ካብቲ ዋዕላ ከምዝወጽእ ይግበር ነይሩ። ቀንዲ ዕላማ ኣብ ዋዕላ ተለፎን ምስታፈይ፡ ቅጥፈት ጉጅለ ህግደፍ ንምቅላዕን ብጉልባብ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይበጽሖን ንምሕባር ስለዝነበረ፡ ዕድለይ ክርኢ ኢለ ዝመደብኩዎ ሕቶ ክድርጉሕ ምስጀመርኩ “ሰሚዕናካ ኣለና” ትብል ተራር መግናሕትን ብቀጥታ ካብቲ ዋዕላ ከባረርን ሓደ ኮይነ። ዝተጸበኹዎ ስለዘጋጠመኒ፡ “ለካስ ህግደፍ ገንዘበይ ክምንጥሉ እምበር ኤርትራውነተይ ኣሚኖም ኣይኮኑን ዓዲሞሙኒ” በልኩ ብልበይ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 5 ሚያዝያ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Tragedy April 6, 2020

    እዚ እዋንዚ ግን ከምቲ ወያነ ነቲ ተምሓድሮ ዝነበረት ባድመ ገዲፋቶ ብምውጻእ ዝወረረትና እሞ ደገፍትና ይኹን ተቓወምትና 400 ሚልዮን ዶላር ኣዋጺእና ነቲ ወራራ እኣውጽእኒ እግረይ ኢላ ከም ትሃድም ዝገበርናያ እሞ ክብረትና ዘምለስና , ንኮሮና ቫይረስ እውን ተቓዋሚ ከይበልና ደጋፊ ሚልዮናት ኣዋጺእና ነባርረሉ ጊዜ እየ ፠ እዋኑ ገንዘበይ ንህግደፍ ኣይህብንየ ዝብሃለሉ እዋን ኣይኮነን, ምኽንያቱ ወያነን ኮሮናን ሕገ መንግስቲ ኸይነውጽእና ምዕብልናና ከይንቕጽልን ዘታራርፉና ዘለዉ ሓይልታት እዮም

  • Woldegabriel April 6, 2020

    You are really a tragedy!

  • Gtachew Ammanuel TeKle April 9, 2020

    ዓሻስ ድሓን ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ ኣሎ። ትራጀዲ ከኣ ኣብዚ ግዜዚ ዘይለበምካስ ምዓስ ኢኻ? ? ? ? ? ?