Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዳይ ዶብን ውዲት ኢሳይያስን፡ ኣስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ!

ጉዳይ ዶብን ውዲት ኢሳይያስን፡ 09,11,2018፡ ኣስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ! ከምቲ ልሙድ ወዮ ኣብ ማእገርና ዝተኾየጠ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ’ውን በቲ ከምዘደናግረሉ ዝኣምኖ ፖለቲካዊ ህው ተታኡ፡ ንትርጉምን ኣተሓሕዛን ዶብ ትማልን ሎምን ዝሃቦ ዝላደናሉ ኣተረጓጉማ ኣልዒሉ ከኹድደሉን፡ ንጽባሕ ወጢን ዎ ዘሎ

ጉዳይ ዶብን ውዲት ኢሳይያስን፡ 09,11,2018፡

ኣስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ!

ከምቲ ልሙድ ወዮ ኣብ ማእገርና ዝተኾየጠ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ’ውን በቲ ከምዘደናግረሉ ዝኣምኖ ፖለቲካዊ ህው ተታኡ፡ ንትርጉምን ኣተሓሕዛን ዶብ ትማልን ሎምን ዝሃቦ ዝላደናሉ ኣተረጓጉማ ኣልዒሉ ከኹድደሉን፡ ንጽባሕ ወጢን ዎ ዘሎ ውዲታዊ ውጥንን ሰሚዕካዮ ኣለኻ። ዝገበረ እንተገበረ ግና ትርጉምን ኣገዳስነትን ዶብ ሰናኒዑ ገበነኛነቱ ክሸፋፍ ን ተኽእሎ ከምዘይብሉ ኣይትጠራጠር።

ንምዝኽኻር ዝኣክል ኣብ ናይ ትማሊ 03 ሕዳር 2018 ድሕሪ ትዕግስትኻ ዝጽንቅቕ ኮለል-መለል ካብ ዝሃቦ ቃለ-መሕት ቱ ዝቐንጨብኩዎ ይብል ንሱ፦

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል (ሳልሳይ መድረኽ ይሰሚዮ ንሱ) ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ተፈቲኑ ስለዝፈሸለ ዓለም ናብ ካልእ ዝ ሓደሰ መድረኽ ትኣቱ ምህላዋ ጠቒሱ ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ተረኽቦ ኣብ ብዓለሙ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ም     ዝራብ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ገሊጹ ንከእምን ጥራይ ዘይኮ ነ ሃገርና ዝተባህለቶ ክትቅበል እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራ ጺ መዋጽኦ ከምዘይብላ ደስዂሩ ዓሪፉ።

ለካ’ታ ናይ “ንደመር”’ ምስጢር’ሲ ገበናቱ ክሓብኣላ’ዩ ተጓ ይዩላ!

ካብቲ ዝኸፍአ ንዕሱብነቱ ዘጋለጸ ትንተና ከምቀደሙ ባዕ ሉ ሰፍ ዘይብል ዓርሞሾሽ ጸላኢ ኣቐሚጡ ባዕሉ ድማ ፈታ ሒ ሽግርና ክኸውን ምፍታኑ’ዩ። ይብል ንሱ ኣብዚ ዘመነ-ፖለቲካዊ ዕብለላ ሃገረ ኣመሪካ ዘለናሉ እዋን ጉዳይ ዶብ ምል ዓሉ ትርጉም ስለዘይብሉ ክሳብ ግዚኡ ዝኣክል ከምኡ ኢሉ ብውንዙፉ ክጸንሕ ኢዩ ክምዕደና ዝተሰምዐ።

ክንሓቶ ሕጂ ንኣቶ ኢሳይያስ፦

“ስማዕ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣመሪካ ሎሚ፡ ኣብዛ ንስኻ ትለፋለፈላ ዘለኻ እዋን ኣብ ዶባታ ዘሎ ኣተሓሕዛኣ ኣይርዳኣካን ዲዩ ዘሎ?” እንተዘይተሰቚርካ ድማ እንሆ ሓቀኛን ጭቡጥን መርትዖ ክንፍንወልካ ንኽእል ኢና’ሞ ክትስዕበና ንዕድሞ። እንተ ኾነስ ክንደየናይ ድኣ ገዛኻ ከይትህሉ! እወ ጉዳይ ህዝብና ከይዓጠጠካ ክትክድም ፈቐዶኡ ምቱስታስ እንዲዩ ስራሕካ።

ተዓዘብቲ፡ ነቲ ኣደናጋሪ ሓሳባት ኢሳይያስ ከነቕልበሉስ ንሱ ካብንጉሆኡ ሃገርነት ኤርትራ ስለዘይዓላማኡ ነገር ዶብ ከም ግመ ክምስሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓድሽ ትእዛዝ ምስዘነቦ ግና ምስኩለን ከባቢና ከምዘፋለሰና መሪር ተሞኩሮና ኢዩ። እቲ ኣውራ ፖለቲካዊ ህልኪ ኢሳይያስ ኣብዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ መዋእል፡ እታ ሓያል ሓደ ዓለማዊ ስርዓት ዝኾነት ኣመሪካ ብጉዳይ ዶባት ክትኳሻሕ እናወዓለት ንሱ ግና ከም ትኪ ከምትቖጽሮ ከምስሎ ኢዩ ፈቲኑ’ሞ “ኣይፋልካን ኢሱ” በሉለይ ገለ እንተተመሰለልኩም።

ኣብዚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ካርታ ከምትዕዘቡዎ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብምኽንያት ናይ’ቶም ካብ ሙሉእ ዓለም ብሜክሲኮ ሰን ጢቖም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘሻቐሎ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ትራም፡ ሃገሩ ምስ ሜክሲኮ ዘለዋ ዶቡ ከውሕስ ዝዓለመ ቀጻሊ ውዕላት ክገብር ክስማዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንሆ ሎሚ’ቲ ካብ ጫፍ ቴክሳስ ክሳብ ኣ ሪዞና ዘሎ ዶብ ብመንደቕን ናይ ኳሬንቲ ሓጹርን ክሕጸር ናብ ዝብል ውዕላት ከምተበጽሐ ንሰምዕ ኣለና። እቲ ሓጹር ብ ሰብ ዝሪኦ ኣብ ልዕሊ መሬት ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ንናይ ሓለዋ ኬላታት ዝሰግር ናይ ትሕቲ-መሬት ጎዳጉዲ ዝስንጥቕ ጥበባት ስለዘለዎ፡ በተረጓጉማኦም ዶብ ማለት ኣብ ጠፈር፣ ኣብ ማይ፣ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት፣ ክሳብ ድማ ኣብቲ “ሓደ ህዝቢ ኢና” ካብ ዝብል ናይ ሕውነት ስምዒት ንዝፍጠር ናይ ምጽንባር ባህጊ ደረት ክህልዎ ዝዓለመ ሓጹር ከምዝ ዝርጋሕ ተገሊጹ ኣሎ።

ንነገሩ ብዛዕባ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዶባዊ ወጥሪ ብምስማዕ “ህዝቢ ሜክሲኮ ምስ ኣመሪካ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒልኩምዶ ትፈልጡ” ከምኡ እንተሓቲትኩም ብዓቕመይ ንሕቶኹም ብክልተ መልክዕ ክምልሶ እኽእል። በቲ ሓደ ጉዳይ ቁጠባዊ ረብሓ ስለዘሎ ህዝቢ ሜክሲኮ ከምቲ ንሃገሩ መመሓላለፊ ዝጥቀመላ ዘሎ ህዝቢ ዓለም ስራሕ ንምእላሽ ናብ ኣመሪካ ይዘሩቕ ብምህላዉ ኣመሪካ ብሜክሲካዊያን ስደተኛታት ኣዕለቕሊቓ። እሞ ወያ ሓያል ሓድሽ ዓለ ማዊ ስርዓት’ኳ ዶባ ትሕንጽጽን ትሕሉን ዘላስ ንሕናኸ ክሳዕ መዓስ ብረጽሚ ባድሚ ክንጥበስ ክጉሰ ተደልዩ?

እቲ ንእግረ-መገደይን ብኣውራኡን ግና መብዛሕትኡ ኣብ ሰለስቲኡ ግዝኣታት ኣመሪካ ዘሎ ህዝቢ መበቆሉ ሜክሲካዊ ክ ንሱ፡ ብምኽንያት ሃገራዊ ዶብ ኣብ ክልተኡ ሃገራት ከምተኸፍለ ምፍላጡ ጽቡቕ እመስለኒ። ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ኣላስ ካ ዘሎ ህዝቢ መበቆሉ ሩሲያዊ ወይ ካናዳዊ ክንሱ ኣብ መሬት ግዝኣት ኣመሪካ ብምህላዉ ኣመሪካዊ ይብሉዎ። እዚ ማ ለት ሓደ ህዝቢ ኣብክልተ-ሰለስተ ሃገራት ከምተኸፍለ ዘረድእ ህሉዊ ሓቂ ብምዃኑ እቲ ህዝቢ ንቕጥዒ ዜግነት ብዘይጎድ እ ኣብ ኩሉ ሂወታዊ ዝምድናታቱ ብዘይደረት’ኳ እንተተራኸበ ግናኸ ሃገራዊ ዶብ ፍጹም ኣይጠሓስን።

ብዝኾነ ፕረሲደንት ኣመሪካ፡ ዘይከምቲ ብምሻጥ ሃገር እናሸቀጠ ሃገር ዝሸይጥ ኣቶ ኢሳይያስ ሃገራዊ ክብርን ዶባዊ ጸጥ ታን ከውሕስ ምስ መዳውብቲ ሃገሩ መዓልታዊ ሓደስቲ ሕግታት ከመሓላልፍን ክወዓዓልን ንሪኦ ኣለና። ከምዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ’ውን እቲ ኣብ ቴክሳስ፣ ኒው ሜክሲኮ፣ ኣሪዞናን ካልእ ግዝኣታት ኣመሪካን ተኸፋፊሉ ዘሎ ህዝቢ ሜክሲካዊ’ ኳ እንተኾነ ትራም ግና መሬታዊ ትሕዞ ሃገሩ ብከምዚ ናይ ኢሳይያስ ኣይተዋደየሉን። ከምኡ ድማ ንሃገራዊ ክብሪ ዝዓለ መ ኣወሃህባ ዜግነት ኣጽኒዑ ሒዝዎ እንሆ። ንምጥቃሱ ዝኣክል ኣመሪካዊ ዜግነት ንምዕቃብ እቲ ብስም “ኣብ ኣመሪካ ስ ለዝተወልደ” ክዋሃብ ዝጸንሐ ‘ዘይቅኑዕ’ ኣተዓዳድላ ዜግነት ብወግዒ ከምዝሰረዞ ይቃላሕ ኣሎ።

ንምሕጻሩ ሃገርነትን ናጽነታዊ መሰልን ብዘይዶብ ስለዘይጸንዕ ሃገራዊ ዕርዲ ዶብ ኣብ ጠፈር፣ ዶብ ኣብ ልዕሊ መሬት፣ ዶብ ኣብ ትሕቲ መሬትን ከምኡ ድማ ዶብ ኣብ ኣተዓዳድላ ዜግነትን ክጸንዕ ከምዝግባእ ንምዝኽኻር ኢለ’የ።

በንጻሩ ወዮ ለባም መሰል ዕሱብን ሃገራዊነት ዘይተዓደሎን መራሒኸ እንታይ ዪገብር ከምዘሎ ሰብን እዝግን እናረኣዮ ከ ምቀደሙ ከደናግር እንተኾይኑ’ቲ ፈተነኡ፡ ባዶነቱ ንማንም ሰብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑሉ ስለዘሎ ደጊም ማንም ዝደና ገረሉ ይኹን ዝድግፎ ዜጋና ስለዘይርከብ “ቅበጽን ተኣደብን” ክብሎ ምደለኹ። እንተዘይተኣደበን ቀበጸን ግና እምባ ጋር ናይ’ቲ ኣብ ትሕቲ ኮበርታኡ ዝረኣዮ ትርኢት ዘብረሶ ሰብና ስለዘይምሕር ንዘይምርኣዩ ኣይንምህለልን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ! ብወገነይ ንዓኻ ነቲ ኩሉ ትፈልጥን ኩሉ ዝካኣለካን ክምዕድን ክምህርን ብምዕላም ብዛዕባ ትር ጉም ዶብን ናጽነትን ኣስፊሐ ክሕንጥጥ ኣገዳስነት የብሉን። ከፍእም ስለዝተገደድኩ ንምፍኣም ጥራይ ግና፡ “ናጽነት” እን ተኢልናስ ደረት ዘይብሉ ናጽነትን ደሞክራስን ከምዘየለ ካብቲ ዓሚቑ ልቦናኻ ባዕልኻ ትፈልጦ። ብተፈጥሮ ይኹን ኣብ ብዓለሙ ዝኸነ ይኹን ሰብኣዊ፣ ደሚክራሲያዊ፣ ማሕበራዊ ይኹን ካልእ መሰል ብዘይቀይዲ፣ ብዘይደረት፣ ኣይጉናዕን። ብተወሳኺ መሰል ብዘይጉቡእን ሕግን ከምዘይዋሃብ፡ ከምገለ ሓደ ቅልጽሙ ዝሓበጠ በዓል ግዜ እንተፈለለ ድማ ከም ጸ ላኢ ይውገዝን ክሳብ’ውን ብውሳነ ህዝቡ ተፈሪዱ ከምዝውገድ ንፈልጦ ሓቂ ምዃኑ ምጥቃሱ ጥራይ ኣገዳሲ እመስለኒ።

ዝኾነ ዝሕተት መሰል፡ ማለት ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሰብኣውን ካልእን ብዘይጥርጥር ንምልኣተ ናጽነት ኢዩ። ኩሉ ዜጋ ድማ ነቲ ብተፈጥሮኡ ዝተዋህቦ ሰብኣዊ መሰል ከይጋሃስ ይቃለሰሉ። ከምኡ ድማ ንፖለቲካዊ መሰል ምቅላስ ልዕሊ ህዝ ቢ ኤርትራ ዝፈልጦ የለን። ፖለቲካዊ መሰል ማለት ድማ “ናጽነት” ኢዩ። ናጽነት ማለት’ውን ኣብታ ውስንቲ ቦታና ክህ ልወና ዝግብኦ ውልቃዊ ዋንነት ዝምልከት ኢዩ። እዚ ማለት ሃገርነት የስምዕ። ዝኾነት ሃገር’ውን ውሱን ዶብ ክህልዋ ግ ድን ኢዩ። ናጽነት ብዘይውሱን ዶብ ኣይናጽነትን። እቲ ውሱን ቦታን መሰልን ምውናን ኢዩ ድማ ናጽነት ዝባሃል።

እዚ ብስም ‘ሕውነት’ ዝፈታትነና ሸፈጥ ናይ ‘ኣሕዋት’ ዕዳጋ ፖለቲካ እምባኣር ካብቲ ኢድና ጠዊዩ ከምዘኾርናዓና ዝመ ስሎ ፈተነ ‘ሕውነታዊ’ ሓድሽ መግዛእቲ’ዩ ዝብገስ። እንተ ንሓቀኛ ትርጉም፡ ናጽነት ኣብ ውሱን ቦታን መሰልን ብዝህሉ ዶብ ኢዩ ዝረጋገጽ። ከምቲ ዘይተደረተ ግራት፡ ዶባቱ ዘይተመልከተ ሃገር’ውን ናጽነቱ ኣየውሕስን ስለዝኾነ።

ካብዚ ኣብነት ክልተ ነገራት ክንማሃር ይግባእ። በቲ ሓደ እቲ ምስቲ ኢቲዮጲያዊ ትግራዋይ ዘለና መበቆላዊ ሓደነት ም ስ’ቲ ብስም ‘ሕውነት’ ዝጉስጉስ ሓድሽ ካርታ ኣግኣዝነት ከምዘይሳነ ክንፈልጥ ይዕድመና። በቲ ካልእ ብስም ሃገራዊ ዶብ ምስ’ ቲ ብመበቆሉ ኣዚዩ ዝቐርበና ህዝብታት ክንራሓሓቕ ከምዘይልብልና የዘኻኽረና። በቲ ሳልሳይን ኣዚዩ ዘገድስን መ ዳዩ ድማ ዶብ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ንዝጉስጉስ ናይ ኢሳይያስ ናይ ጽንተትን ጥሕሰት ልዑላውነትን ፖለቲካ ክንርዕሞ ከምዘይብልና የነጽር። መቸም ሎምስ ኢሳይያስ ካብ ብንጉሆኡ ናህና ዝመስል ዘይናህና ምዃኑ ተጋሊጹ ይኸውን ግዲ!

ስለኡ ደቂ ኤርትራ ደጊም ዶብ ከይተሓንጸጸ ከይተመልከተ ኣዒንትና ዘሰልም ነገር የለን። ምኽንያቱ ናጻ ሃገር ብዘይ ው ሑስ ሃገራዊ ዶባት ልዑላዊ ክብሪ ከምዘይህልዋ ሓንቲ ህርመት ልብና ንኩልና ኣዊጃሃልናን ሰሚዕናያን ኣለና። ንምርግጋ ጹ ኣብዚ ዝሓለፈ ቃለ-መሕትት ኢሳይያስ ዝተዋህበ ሰሌዳ ርኢቶታት እንተቕሊብኩም ልዕሊ 3/4 ካብቲ ዝተዋህበ ድም ጺ ንኢሳይያስ ዝኹንን ብምንባሩ ኢሳይያስ ብዓንተቦኡ’ኳ እንተፈለጦ ሎሚ’ሞ ድማ ኣረጋጊጽዎ እንሆ። እዚ ሰሌዳ ህዝ ብና ንወዮ ወዲ ወርቂ ማህጸን ኣጸቢቑ ስለዝፈለጦ ኣጸቢቑ ድማ ይኹንኖ ምህላዉ’ዩ ዘነጽር። ስዒቡ ዝመጽእ “ኢሳይያ ስ ብከመይ ስልጣን ይገድፍ” ዝብል ዛዕባ ከምዝኸውን ስለዝመስለኒ ባዕለይ ንምምላሱ ብካብ ቅድሙ ብዘለኒ ጎነጻዊ ኣ ፈታትሓ ጽልኢ ፈጢርለይ’ኳ እንተኾነ ሕጂ’ውን ኣይንዓሹ፡ ኢሳይያስ ብጎነጽ ጥራይ ኢዩ ካብ ስልጣኑ ዝእለ። ምናልባሽ እቶም ደድሕሪኡ ዝዓንዉ ሰዓብቱ ትንፋስ ይስኩዑሉ ምሕላዎም ንግዚኡ የተስፍዎ ይህሉ’ምበር መፈጸምታኡስ ካብ ክ ዉንነት ወጻኢ ክንሓስብ ኣይግቡእን። ፈጣሪ እንተተዓሪቕና ድማ በለጸ!

ብልበይ ክብለኩም አእኪቱ ኣይምደለናዮን፡ ግናኸ “ንምንታይ’ዩ ኢሳይያስ ንሃገርና ከምሃገሩ፣ ንህዝብና ከምህዝቡ ገይሩ ዘይገልጽ? ንምንታይከ ንዓና ተጸዊጉ እናጠመተና ኣብ ስግርና ክሳብ ዝትርጋእ ብታሕጓስ ዝፈሻሸኽ?” ክትብሉ ስለዝሰም ዕ ብወገነይ ክሓተኩምሲ እምበርከ ብዝኾነ ዋጋ ክፍሸኸኩም እንተዝፍትን ምሰሓቕኩሞዶ? ኣይትገርሁ፡ ንሕና’ኮ ኣይጸላ እናዮን ወይ ‘ትግራዋይ’ ኢልና ኣይጓነናዮን። ግናኸ ብተፈጥሮኡ ሓዲግ ብምዃኑ እንኮላይ ንትግራይ’ውን ኣይጠቕ ማን!

ደጊም “ኪደልና” ንበሎ ንዕሱብ ኢሳይያስ! ይኣኽል ኢሳይያስ ናብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍካ ተደርገም፡ እንተኣበኻ እንተ ብናይ ያሲር ዓራፋተ-ሳዳት፣ እንተ ከም ሙዓመር ቃዛፊ ወይ ሳዳም ሑሴን ኮነ ቢላዲን ኮታ እታ ብሓንቲኣ ትመጸካስ ትፈልጣ ኢኻ” በሉዎ ንዕሱብ ኢሳይያስ!

ሽዑ ዝሕለቕ የለን’የ ዝብሎ ዘለኹ። ከም’ቲ ናይ’ቶም ሽሕ ዓመት ክነግሱ እናተተምነዩ ሃንደበት በየን ከምዝኣተወት ዘይ ፈለጡዋ ከልቦም ብትመስል ወኻሪያ ዝተበልዑ ጃንሆይ ከምዝብላዕ ማለተይ ኢየ! ሃገርና ኤርትራ ግና ምስ ታሪኽ ኣቶ ኢሳይያስ ከምትነብር ኣይንርስዕን ኣይንኽሕድን’ውን!

እምባኣር ዶብ ውሕስነት ናጽነት፡ ናጽነት ድማ ውሕስነት ሓርነት ብምዃኑ፡ ዳግማይ ናብ ውጥን ዝጠፈሸ ፈተነ ሕውነ ታዊ ሓድሽ መግዛእቲ ንኣትወሉ ምኽንያት የለን። ብኣውራኡ ጉዳይ ዶብ ‘ይጽናሓለይ’ ዘየብል ህጹጽን ዓቃቢ ክብሪ ሃገ ርነትን ህዝብን’ዩ`ሞ ኢሳይያስ መንነታዊ ቅልውላዉ ስዒሩ ህጹጽ ውሳነ ክገብር ዝዕድም እዋን ሕጅን ህጹጽን ምዃኑ ሰ ማዕቲ ንገሩልና።

ኣብ ዝቕጽል ኣርእስተይ የራኽበና!

ወዲ ጥሮታ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT