Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉባኤ ኣህባይ ካብ መንጉዳን ከባቢኡን።

ኣህባይ ኣህባይ እካ እንተኾኑ ሎሚ ሎሚ እዋን ግን ነዚ ስም እዚ ክጻብእዎ ዝጀመሩ ይመስሉ። ካብዚ ዝተላዓለ ከኣ እዩ መስለኒ  ኣብቲ  ጸሊም ኣኻውሕ ናይ እቲ ሳዕራም ጎቦ መንጉዳ ንምእካብ ሓሳብ ዘንቀዱ።ኣኼብኦም ኣብቲ ዝሑል ናይ ክራማት እዋን

ኣህባይ ኣህባይ እካ እንተኾኑ ሎሚ ሎሚ እዋን ግን ነዚ ስም እዚ ክጻብእዎ ዝጀመሩ ይመስሉ። ካብዚ ዝተላዓለ ከኣ እዩ መስለኒ  ኣብቲ  ጸሊም ኣኻውሕ ናይ እቲ ሳዕራም ጎቦ መንጉዳ ንምእካብ ሓሳብ ዘንቀዱ።ኣኼብኦም ኣብቲ ዝሑል ናይ ክራማት እዋን እዩ ዝነበረ።መሬት ጠልን ሃምን ምስ ኮነ ንብለኩም፤ ጉጅለ ኣህባይ ደስታ ንደስታ ብምኻን ኣብ እቲ ንዓመታት ዝወነንዎ ምድረ ምድረ ሽከቲ ምኻኑ ዝፍለጥ ደናጉላ መንጉዳ እናተሰራሰሩ ናብ ውራይ ባይቶኦም ንምጽንባር ንምብራቕ ኣቢሎም ተጋዓዙ።ኣብ እዚ ተሓጋጎስ ዝነበሮ ጉዕዞ እዚ፤ ኩሉ ዘረብኦም ብዛዕባ  ምቕያር ስም ጥራሕ እዩ ዝነበረ።በቃ ኣህባይ ተባሂልካ ምጽዋዕ ከብቅዕ ኣለዎ በለ እቲ ትዕንን ትዕንን እናበለ ጭፍርኡ ዝመርሕ ዝነበረ ህበይ። ከምእዚ ኢሎም ጫሕጫሕ እናበሉ እናቐጸሉ ይብለኩም፤  ኩለንትና እቲ ጋውና ዝዕዘብ ዝነበረ ካልእ ህበይ ከኣ ህበይ ደኣ እሞ ዋላ ንሕና እንተገደፍናያ መን ክጽዋዓላ እዩ፤ ደሓር ሕስብ እንዶ  ዝዓርከይ በለ ኣብ መንጉ እቲ ኣጻድፍ የዕርፍ ኣቢሉ፤ ንሕና ኣህባይ ዘይተባሃልናስ መን እዩ  በዚ መለክዒ ክፉኣት ክጽዋዕ ፤ ናይ ኩፋኣት ዝበሃሉ ናይ መጨረሽታ ጸርፊ እካ ህበይ እያ፤ ስለዚ ስቕ ኢልካ እዩ እዚ ጉባኤ እዚ፤ ግዜና ብገሊኡ መሻሉ ኣቢልና ወፊርና ዝምታ ኣካይድናሉ እንተንኸውን ከመይ ነይሩ መስለካ በሎ ብጎቦ ዓይኑ እናጠመተን ከም ብግስ እናበለን።

ካን ወራር ክብሉኻ ከለዉስ እንካ ትበላላሕ ኢኻ፤ በልስኪ ንዓናይ ውቃበ ዘለዎ ሓው ክብል ተዋዘዮ ሞ መሊሶም ናብ እቲ ብቕድሚኦም ዝነበረ ጭፍራ ከርክቡ በቲ ጸድፊ ሓጸልጸል እናበሉ ጎየዩ። ግን ዋላ ድኣ ክንድኡ ይጉየዩ እምበር  ከርክቡስ ኣይከኣሉን።መሳኪን ኣህባይ ምስ ሓደ ጸሓይ በርቂ ዘማልአ ሕልሚ ንጎዓዝ ኣሎና ክብሉ  ብሓሳብ ተውሒጦም ኣብቲ ኣጻድፍ ግን ከኣ ናይ ኣህባይ ሜዳ ይውንጨፉ ኣለዉ።  ነቲ ብሃታሃታ ረጊጾም ዘንከራርውዎ ዝነበሩ ደናጉላ ፍጹም ኣቓልቦ ኣይነበሮምን። ሃመምን ቀልቦምን  ብኸመይ ካብቲ ንዓመታት ዝተጸውዕሉ ስም ተገላጊሎም ይነብሩ  ጥራሕ ነበረ።

ብትሕቲኦም መንገዲ መንደፈራ ዝጎዓዛ መኻይን ይሓልፋ ብምንባረን ጉዳይካ ኣወንዚፍካ  ኣብቲ ጽርግያ ለምን ለምን  ኣለዓዓላሎም። ግን  ካብ እታ ጭፍራ ምስ ዝተርፉ ርፍራፍ  በሊዖም  ብበትሪ ከይብልዑ ካብ ምስጋእ ውን ዓዲ ኣይወዓሉን። ናጽነት ዘይብልና ጭፍራ፤ መዋእልና ተሓናጊርና ክንከይድ ብኸምዚ ደኣ ዝዓርከይ ኣህባይ እምበር መን  ዶ ክንበሃል ይግባእ እዩ።ካብ ሕግን ባህልን  ኣቦታት ጎዋኑ ዝወረስናዮ ናትና መንነትና እዩ በለ ዕትብ ኢሉ እቲ በጽሒ ህበይ ቀስ ኢሉ እናሓኾረ።

ምናልባት ደኣ ስምና እንተላይ ባህልን ልምድን ኣህባይ ኣፍሪሳ ካልእ ክንወርስ ተሓሲቡ ከይከውን በሎ እቲ ሓድ ደድሕሪኡ እናሰዓበ።

ከምዚ እንተኾይኑ ዝብላዕ ሓሳባት እዩ በለ ግምጥል ኢሉ እቲ ዘህድም ገጽ ዝውንን ህበይ።

ዓርከይ ሰብ ከይሰምዓካ ዝብላዕ ሓሳባት የለን።

ኣየ ነገረ ህበይ ኣብ ዓለም እቲ ዝብላዕ ነገር ብዝብላዕ ሓሳባት እዩ ዝመጽእ።ነዛ ንእሽቶ ሓሳባት ዘይብልና  ህበይ ተባሂልካ ምጽዋዕ ክተርፈልና ምባል እንታይ እዩ ነገሩ፤ ግን ደሓን ንርኢ።

ዓርከይ ኩሉ ዝተሓሰበ ማለት ተወዲኡ ማለት ከም ዘይኮነ እባ ኣይትረስዕ በሎ  ተወራዝዩ ንማለት። ብውሽጡ ግን ብፍልጠት ጉዕጽጽ ኣቢልዎ ምንባሩ ትሳቕዮ ነበረት።ንዓይን ወደኸማይን ናይ ኣቑጽልቲ ሸምጣጦ ሒዝካ ኣህባይ ኣይንጽዋዕን  በለ ሞ ወይ ጉድ ክብል ከኣ ካዕበት ኣስተንፈሰ።ዳሓር ኣብቲ ዝፍቶ ዝሑል ንፋስ ዝነፍሶ ጫፍ እቲ እምኒ ብምኻን ክልተ ኢዱ ሽምጡ ደጊፉ፤ ምጾታት ኣኺሉ ከይ ከውን፤ ዘበነ ኣምላኽን ኣማልኽትን፤ ንጉስን ነጋውስትን ከም ዝነበረን ዘሎን ሰማዕና እምበር ዘበነ ኣህባይ ሲ እንድዒ  ንምጾታት ከይ ከውን። ምኻን…..

ወጊፍኪ ዲኺ ነብሲ ክብል  ቁሊሕ በሎ እቲ ካልኣዩ።

እንታይ ደኣ ናይ ሓራይፍ ቃላት ተጠቂምኪ ነብሲ ክብል  በቲ ሙድ መለሰሉ።

በዚ ክድይባ ከለዋ ዝደርበያልና ቃላት እዩ ዝዓርከይ።ቃላት ይድርብያ ቃላት ግን ኣይሰምዓን።ምኻን  ጨነውቲ ስጋ፤ ቃላት እዮም ሰባት እዝኒ ንዘለዎ ብጾት እዮም፤ ህይወት ኣለዎም፤ ይፋረዩ  ይወልዱ ይዝምዱ፤ እቲ ቃላት ግን ሓሪፍ ወይ ሑብ ሙብ ክኸውን የብሉን፤ እዚ ምስ ቅራፍ ባናና ኣብ ጎደና ዝተደርበየ ቃላት እዩ። ምኻን እቶም ሰባት ውን ካብ ወለዶምን መቕርቦምን ጎደናታት ዝያዳ ይፈልጦም፤ ፍልጠቶም ከኣ ፍልጠት ኣንጎሎታት ኣስመራ ዝዓርከይ።ካልእ ደኣ ከይድርብያ ወያላት ክብል መለሰሉ ክነጥር እናተዳለወ።

ክብረት ናይ ሰባት ንሓሉ ።ዘይጠቅም እንተኾይኑ  ቃላቶም ንገድፈሎም ክብል ውን መለሰሉ።ከይደንጉዩ ከኣ ጽርግያ መንጉዳ ንምብታኽ ናብቲ ቅጥራን ተጸንበሩ።ሃንደበት  ተለማማዶ ሳይክል ህሩግ ስለ ዝበሉ ግን  ናይ ነገረ ኮማንዶ ብምግባር በቲ ቢንቶ ሃተፉ።ድሕሪኡ ዝሰዓበ እንተነይሩ ውን በቲ ናይ ታህሰስ ቆጣቁጥ ጣሕሸምሸም እናበሉ ምውንጫፍ ነበረ።

ቅድሚኦም ዝሓለፉ ኣብ ሓደ ጸግዒ ጎቦ ለም ኢሎም   እንከለዉ ኣማዕደዉ።ብስኽፍታን ብሃትሃታን ከኣ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ተሓወሱ።ኣብቲ ቦታ ድምጺ ዓብሊሉ ነበረ።ነገረ ዕዳጋ ክመስል በብወገን ዕላል ተታሓዘ።እቶም ንነዊሕ ዓመታት ብዋንነት ኣኻውሕ  ዝተቖራቖሱ ኣህባይ ኣብ ከምቲ ዝበለ ልቦና ምብጽሖም ሕጉሳት ነበሩ።

ኣታ ዓርከይ ከመይ ደኣሉ ርእስና ዘይበጽሖ መቐይሮ በጺሕና፤ ዝወረዶ ሰናጭሮ መንጉዳ ንዓመታት ዝረበሽናዮ  ሰኣን ከምዚኣ ኢልካ ምእካብ እያ ክብል ብምግራም ኢዱ ኣብ ምንጋግኡ ኣተርኢሱ ንኹሉ ነገር ተኸታተለ እቲ ውዑይ ንእሽቶ ህበይ።

ዓርከይ ዘይሓሰብናዮ ኢልካ ኣይትገረም፤ ምኽንያቱ  እዞም ገዘፍቲ ርእሲ ኣያታትና  እንተዘይ ሓሰብዎ ፤ ኣነን ንስኻን  ኣብ ከብዲ ኣዴና ኮሎና ኣትሒዝና ባእስን ዕግርግርን  እናማዕደና ዝዓበና ክነዐሪ ኣይትጸበ። ሕመቕና ኣይኮነን ሕመቕ ኣያታትን ኣቦታትን እዩ። ለባማት ዝወሓድዎ ዘርኢ ክብል ውን ኣማረረ።

ምኽንያቱ ነገረ ህበይ ነገረ ጨረምረም ኣይ ብጉልቲ ብርስቲ ንዓመታት ኣጀንዳ ብዘይብሉ ዕግርግር ደም ተናቲዕም ዮም።ሕግን ሕንክን ዝበሃል ነገር ኣይነበሮምን።ሰናጩሮ መንጉዳ ግን ጸዋራት ኢዮም፤ እቶም ንዑቓት ኣህባይ ከውደኽድኽሎም ከለዉ ጸዋራት ነይሮም።

ሽዑ እቶም ንኣሽቱ ኣህባይ ፤ ካብ ሕቕፊ ኣደታቶም እናወረዱ  ካብን ናብን የዕገርግሩ ነበሩ። ሓንሳብ ሓንሳብ ከኣ በቲ ናይ ታህሰስ ቆጣቁጥ ኣተሓባባእ ይጻወቱ።ቅዱስ መዓልቲ ክገብረሎም ከኣ ትትምነ። መን ይፈልጥ እዚ ናይ ኣህባይ ስምምዕ እዚ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ይስሕብ ይኸውን።ምኽንያቱ ዓበይቲ ነገራት ኣብ ተበግሶ እምበር ኣብ ዓይነትን ደረጃን መአከቢ ቦታ ኣይድረትን።እንተኾነ ከኣ መንጉዳ እዚ ምዕሩግ እምባ ኣህባይ እዚ ኣብ ዝፍቶ ክራማት እቲ ናብ እቲ ዝፍቶ ቀይሕ ዝመሬቱ መረታን፤ ናብ እቲ  ጎላጉል ጽልማ ዝምዕደዎ ጋዕናን ጎቦ እንዳኣሉ።ኣህባይ ክብርሆም እንከሎ ኣብቲ ዝባን እቲ ጎቦ ብምውጻእ ብዛዕባ እቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከቡ ኣህባይ ብኢዶም እናመልከቱ ኣንፈት ይሕብሩ። ኮይኑ ግን ናፍቖት ናፍቖት ናይ ዝረሓቑ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ ሲ ናፍቖት ህበይ ናፍቖትና ኣይግበሮ ዘብል እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዝረሓቑ እንተዝቐርቡ ውን ዕግርግር ዓዘዘ ምኾነ ነይሩ።ምኽንያቱ ብልምድን ባህልን ህበይ ሰላም ምስፋን ማለት ገለ ነገር ከምዝጎደለካ ጎቦ ልብኻ ምሕዳር እዩ።ስለዚ ባእሶም  እንተላይ ዕግበት እዩ።ዝለዚ ነጻነት ኣህባይ መገዲ ሕማቕ ጥራይ እዩ ዝነበረ።እንሀልኩም ከኣ ጥፍኣት ዕግበት ኮይኑ ኣህባይ ይነባበርሉ ኣለዉ።

ስማዕ እስኪ በለ ዓርኪ እቲ ህበይ ድሕሪ ነዊሕ ሓሳብ ፤ ርኣየን እሞ እዘን ኣደታትና ከምዚ ዝኣመሰለ ባዓቲ ዝመስል ገጽ ፤ ከርፋጭ ኣፍንጫ እናወነንካ ዶ ህበይ ኣይንጽዋዕን ይበሃል እዩ።ክሳዱ ናብኡ ኣጋዕጽጽ ኣቢሉ ከኣ ክውንነት ይጠሓስ ኣሎ፤ ብሓቂ እየ ዝብለካ ክውንነት ይጣሓስ ኣሎ ክብል ኣሕሸኹሾኸ።

በየናይ ኣገባብ ኢና ስምና ክንቅይር እባ ንስማዕ።ብመልክዕ ተኾይኑ ናይ መን ገጽ ሒዝና ክንዛወር ኢና ዝበሃል ሕቶ ክለዓል እዩ፤ ብስራሕን  ኣገልግሎትን እንተኾይኑ ከኣ፤ ንሕና ኣህባይ ዘርአ መደንገል ደኣ እንታይ ኣበርክቶ ኣሎና፤ ድው ይበሉ ሓረስቶት እዚ ከባቢ ደቆምን ደቂ ጎዋኑን ከየዳለዉ ዝቕልቡ ዘለዉ ።

ሓቅኻ ንሱስ እወ የሰስኖም ኢሉ ክቕጽል ዝሓሰቦ ናይ ቶም ጎዋኑ ምውጫጭ ኣመንጎዎ። ኩሎም እቶም ዘውደኽድኹ ዝነበሩ ንኣሽቱ ኣህባይ ከኣ ኣብ ኣደታቶም ኣቢሎም ብምኻድ  በዝን በትን ተሓንገሩ።

ሽዑ ዝኸበርኩም ዘርአ ኣህባይ ዘርአ መንጉዳን ከባቢኣን ፤ ዘርአ በዓትን መጽነቲ ጉልትን ክብል ጀመረ። ከም ዝፍለጥ ነነዊሕ ዓመታት  ኣህባይ እናተባሃልና ተጸዊዕና ኢና።ቀደም ዘበን እካ ሓቅን ቅቡሉን እንተነበረ ብሕጂ ኣህባይ ክንጽዋዕ ግን ርትዓዊ ኣይኮነን፤ ብሕግን መርትዖን ውን ጢው ጢው ክንበሃሃለሉ ኢና።ምኽንያቱ ዘመተ እዩ፤ ንሕና ኣብ ኣገባብን ምርድዳእን እንኣምን ንሕና ፤ ንሕና ኣብ መኣዲ ዘተ እንኣምን ንሕና እንታይ እዩ ኣህባይ ዘጸዋዓና፤ ክብሪ ዘለዎ ስም ንደሊ ኣሎና። ብታሪኽ ተገዝኡ ዝብል ኣበሃህላ ክቕየር ኣለዎ ንዓይ የሐመኒ እዩ ክብል ርእሱ ኣነቓነቐ እሞ ኩሉ እቲ እኩብ ጉጅለ ህበይ ተሸቑረረ።

እቲ በዓል ፋረ ህበይ እቲ ልክዕ ከም በዓል ቆለ ይንፍርፈር እዩ ነይሩ።ናይ ነገር ሕርቃን ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ታህሰስ ተኽሊ መሓወ እሞ፤ ስምዑ ዘበነ ክብርን ራህዋን ኣህባይ ክመጽእ ትሰማምዑ ዲኹም ክብል ቀው ኢሉ ጠመቶም።ህ ውውውው ሁውውው ክብሉ መለስሉ።ብቃንቃ ኣህባይ ይበልዎ መላኢኽቲ  ጽቡቕ ሓሳብ እዩ ዘስምዕ ቃና እዩ።

ግን  ሕቶ ኣላትኒ ብምባል ተንስአ ሓደ ህበይ ኣብ ሕቶን ርእይቶን ምስ ተሰጋገሩ። ኣህባይ እትብል ስም ንሕና እንተገደፍናያስ መን ክጽዋዓላ እዩ፤ ኣነ ብሓቂ ታሪኽ ውን ክድርበ የብሉን በሃላይ እየ።ኣህባይ ኮይና እንድሕር  ኣመስኪርና ስምና ብዘየገድስ ክንዕወት ኢና።

ስምዓኒ ስምና ታሪኽ ኮይኑ ክተርፍ ኣይንድርብዮን ኢና፤ ሕጂ ብግብሪ ንስምና ዝስከሙ ኣካላት ተረኺቦም ኣለዉ፤ ስለዚ ስምና ንዓታቶም ክንልግሰሎም  መልክዕን ኣገባብን ኣለዎ።ምኽንያቱ ንሳቶም በዚ ስምና ጥራሕ እዮም ክጽውዑ ዘለዎም።

መን ዮም ንሳቶም ክብል ብምግራም ሓተተ።

ንሳቶም ደኣ ዝዓርከይ እቶም ንዓመታት ብሓራይፍ  ዘላደዩና ደቂ ሰባት እዮም።ዝዓርከይ ምስ እቲ ዘለዎም ግርማ  ኣህባይ ክጽውዑ ስኽፍክፍ ዘብል  እካ እንተኾነ፤ እቶም ሰባት እቲኣቶም ግን ብመልክዕን ኣምስሎን እካ ኣብ ዓዲ ሰባት እንተሃለዉ፤ ብግብሪ  ግን ኣብ መሬትና መጺኦም ዝወረሱና ስለዝኾኑ፤ እንተላይ ስምና ክንሓድገሎም ይግባእ ተባሂሉ ኣሎ ዝዓርከይ በለ እቲ መርኣዪ ዘይብሉ ህበይ በዝን በትን እናሓኸኸ።

ክላ በለ  እዛ ሃገር ደኣ ዓዲ ኣህባይ ኮይና ትብለና ኣለኻ ክብል ክልተ ኣእዳዉ ኣብ ርእሱ ብምስቃል ብስምዒት ብክልተ እግሩ ጥራሕ ደው ብምባል ተሰራሰረ።እንተኾነ  ዋላ ድኣ ኣኼባ ኣህባይ ይንበር  እምበር፤ ጸጥታ ክሕሎ ስለ ዝነበሮ ግን ኣብ ጎኑ ዝነበሩ ኣህባይ ካብቲ ነቲ ጀላዕ ከናፍሩ እናወዛወዘ ዝሰራሰሮ ዝነበረ ናይ ኣድናቖት ስርስር ኣዝሓልዎ።እቲ ናይ እቶም መጣሙጥ ኣህባይ ኣኼባ ከኣ ቀጸለ።

ኣብ እቲ ኣኼባ ከኣ ሓድሽ ተስፋ ተንጸባረቐ።እቶም ዝበዝሑ ኣህባይ ልዕሊ ሰባት ክጽውዑ ተስፋ እካ እንተተሰምዖም፤ ገለ ልበንኦም ዘይተዘረገ ወራዙት ኣህባይ ግን ኣህባይ ፍጹም ልዕሊ ሰባት ከም ዘይኮኑ ብምሕሳብ በቶም  ንግብረ ኣህባይን ስም ኣህባይን ክወርሱ ዝወሰኑ  ህዝቢ እታ ሃገር ግን ደንገጹ። ንህበይ ግን ኩሉ ግዜ ህላወ ህዝቢ ከም ዘገድሶ ይርድኡ እዮም።እንተወሓደ እቲ መስቀል ብራቕ ዝቃደስዎ መሻሉ ዝርከብ ሰባት ምስ ዝህልዉ ጥራሕ እዩ። ሕጂ ግን ሰባት ንኣህባይ ብኣምሳለ-ግብሪ ወሪሶም ስለ ዝኾኑ  ከም ኣህባይ ጎጉሩቦም ሒዞም  ጫቑጭቕ እናበሉ ክነብሩ እዮም ዝረኣይዎም ዘለዉ።እቲ ጽቡቕ ከይ ርከብ ዝብል ቅዋመ ኣህባይ ክወርሱ ንዝረኣዮ ክንደይ ዘስካሕክሕ ነገር እዩ።ግን እቶም ህበይ ክቕየሩ ዝበሃሉ ዘለዉ ውን ሕማቕ ክናፍቑ ይኾኑ እሞ ጽቡቕ ጥራሕ ዘፍርሆም ይኾኑ።ከምዚ ተኾይኖም ልክዕ ከም ዝሓለፈ ናብራ ኣህባይ  ምንባር ዕግበት ተባሂሉ ይሓልፍ።ስለዚ ንዕኦም ጽቡቕ ዝበሃል ኣብ ባሕሪ ዘጥሕለሎም እዩ ዘድልዮም።ኣየ ነገረ ኣምላኽ እዚስ ፍጥረት ድዩ ኣፈጣጥራ።ፍጥረት ኣይኮነን ሰብ ሰብ መሲሉ እዩ ዝፍጠር።ኣፈጣጥራ ክኽውን ኣለዎ።ልክዕ ኣፈጣጥራ እዩ፤ ምኽንያቱ ፍጥረት ናብ ዓለም እትላለየሉ መለለዪ ክኸውን እንከሎ፤ ኣፈጣጥራ ግን እቲ ጉዕዞ እዩ።ምናልባት ኣህባይ ውን ወራዙት ነይሮም ይኾኑ።ዳሓር ግን ኣብ ዝተናውሐ ጨረምረም እናፍቀሩን እናፈኾሱን ተባላሽያቶም ትኸውን።

ብዙሕ ክትዕ ተኻየደ።ኣብ መወዳእታ  ሓደ ብዕድመ ነቀይ ነቀይ ዝበለ ህበይ ተንስአ እሞ፤ ኩቡራት ኣሕዋት፤ ግብርና ስምናን ዝውክሉ ሰባት ምርካብ ብዙሕ ከሐጉሰና የብሉን፤ ንዓና ዓዲ ዝሃንጹ፤ ሕዛእትና ዝኽልሉ ሰባት እዮም ዘድልዩና እምበር፤ ስቕሊሎም ወኻርያ ዘየህድም ድምጺ ድምጺ ኣህባይ ዘዳምጹ  ኣየድሉዩናን ፤ ስለዚ  ሰብ የለን ማለት ስደትና ተኣዊጁ ማለት ይመስለኒ ክብል በቲ መላጥ መዓኮሩ ኮፍ በለ።

ሓንቲ ብክልተ ጎና  መጻጹ ዝመስሉ ዋጭል ሓቒፋ ዝነበረት ህበይ ብወገና፤ እዚ ዝተዘርበ ዘረባ ሰሚዕና ኣሎና ኩቡራት ኣህባይ መታዓብይቲ ፤ ኣነ ስደት ዘዋጽእ ኮይኑ ኣይስማዓንን፤ ከመይ ተበልኩም እዞም ንግብርና ዝወረሱ ኣህባይ ቀዲሞምና ኣብቲ ጶጳ ዶ ሚካ ስለዘለዉስ ቦታ የብልናን በለት እሞ ኩሎም ኣጉረምረሙ።

ንሰማማዕ ኣሕዋት ኢውሮጳን ኣመሪካን ንማለታ እያ በለ ኣካያዲ እቲ ጉባኤ ኣብታ ተሰቒላታ ዝነበረት እምኒ ድይብ ኢሉ።ዳሓር ክትቅጽል ምልክት ሂብዋ ወረደ።

ዳሓር ቀባሕባሕ እናበለት ማለተይስ ክንዛተየሉ ኢለ እየ ከም ሕፍር ኢላ ካብቲ መድረኽ ወረደት።

እቲ ጸይቂ ህበይ ኣብ ክንዲ ኣብ ቃላታ ኣብቲ መጎልበቢ ዘይነበሮ ሕፍረታ ከድህብ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ብውሽጡ ብስጋዊ ድሌት እናተሓመሰ፤ ኣህባይ ካብ በልናዮም ብኸመይ ኣብቲ ዓዲ ሰባት እቲ ክበጽሑ ኪኢሎም ክብል ሓተተ።ሕፍረቱ ንቕድሚት ኣቢላ ቀኒዓ ነበረት እተን ወራዙ ኣህባይ ከኣ ብጎቦ ዓይነን እናጠመታ ምስናይ ድልየቱ ጽዩቕ ክብላ ይሓምይኦ።

ነታ ሕቶ ሓደ ካብ እቶም ኣብ ማእከል ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ኣካየድቲ ኣኼባ ክምልሳ ብምሕሳብ ፤ህድእ ንበል የሕዋት እዞም ንግብርና ዝተክኡ ወረስቲ ኣህባይ ብእግሮም እዮም ናብቲ ቦታ በጺሖም።እቲ ሓቀኛ ሰብ ግን ብርእሱ እዩ ዝዛወር፤ እቲ ናይ ነገር ኣህባይ ከኣ በዚ እዩ ዝጅምር።ንሳቶም እግሮም ባዕሉ እዩ ዝስጉም ነቲ ናብ ግብረ ኣህባይ ንምእታው ዝገበርዎ ጉዕዞ ከኣ ብኮምኡ እዮም ጀሚሮሞ፤ ስለዚ ሰብ ዝበሃል ብርእሱ ክኸይድ ኣለዎ።

ብርእሱ ክሓስብ ኣለዎ ዋላስ ክኸይድ በለ ሓደ ብዘይ ፍቓድ ብምትንሳእ።

ኮፍ እስኪ በል ወጺና እናበልናስ ናብ ነገረ ህበይ ትመልሰና በልዎ ብጾቱ።

ረቢሽና ዶ ጀምዓ፤ መሲባ ክብል ኮፍ በለ።

ልሃጃ ወረስትና ኣይተዳምጽ ኩብር ውላድ በሎ ካብ እቶም መራሕቲ ጉባኤ።እናቐጸለ ሰብ ብርእሱ ክኸድ ኣለዎ፤ እንስሳታት በርባዕተ መሓውሮም ወይ ክልተ እግሮም ይኸዱ።ሓደ ካብ እቶም ብኽልተ እግሮም ዝኸዱ ንኣብነት ዓንዳፍ ኣሎ።ስለዚ ብክልተ እግረይ እየ ዝኸይድ ንዝበለካ ዓንዳፍ በሎ፤ ማለት ክሳብ ናይ ህበይ ታሴራ ዝወሃቦ።

ኩላ እታ ጭፍራ ከኣ ብስሓቕ ትዋሕ በለት።እቶም እኩያን ክልተ ኣህባይ ከኣ እዚ ደኣ ቃላት ሓራይፍ ዶ ከይነበረ ዝዓርከይ በለ ሞ ነቶም ብመንጉዳ ዝመላለሱ ዝነበሩ ተጠቀምቲ እቲ ቃላት እውን ዘከረ፤ ንወድሰብ ግብሩ እምበር መልክዑ ከምዘየበላሽዎ ብምግንዛብ ከኣ፤ በታ መዕመቒት ዝኾነት ገጹ ክብረት ክስምዖ ከም ዝግባእ ተሰወጦ።

እቶም ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ትብልዎም ዘለኹም ንግብርና ዝተክኡ ኣህባይ ንሳቶም ከ ኣህባይ ከም ዝተቐየሩ ይፈልጡ ድዮም፤ እንድሕር ዝፈልጡ ኮይኖም ከ ስለምንታይ ከማና ኣብ መንጉዳን እምብላላሕን፤ ዓርበ-ረቡዕ ኮነ  ተኺሎ መጺኦም ዘይቅመጡ ክብል ሕትኡ ኣቐመጠ።

ዘጊት መንነቶም ኣይፈለጡን ኣለዉ።ክሳብ ሕጂ ብዝተበጽሐ ጸብጻብ ግን ካብ ብዙሓት ሰባት ዝጠርነፋ ማሕበራት ተኣጊዶም ከም ዘለዉ ክብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ።ኣይትሓዙለይ እምበር ህበይ እኮ ኣይርድኦን እዩ፤ ተዋሲኑ ኣብ ሓደ ጤረር ምስ ተወሰነ በይኑ ምእካቡ ተስፋ የምጽኣሉ፤ እታ ዓቕሚ ግን ብድምጽኻ ስናጭሮ ምህዋኽ ኮይና ትተርፍ።ስለዚ እዞም ብግብሪ ናብራ ህበይ ዝነብሩ ሓደስቲ ኣህባይ ነቲ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ዝበጽሐ ጉዳዮም ብምእካብ ዝፈትሕዎ ይመስሎም።ሓሶት ንብል ኣሎና ንሕና ከኣ ምኽንያቱ ህበይ ተኣኪቡ ቃንቃ ህበይ ጥራሕ እዩ ዝዛረብ፤ ስለዚ ብግብሮም ካብ ወረሱና ስምና ውን ክጽውዕሉ ይግባእ ዝብል ክሲ ሕጂ ሕጂ ናብ ማሕበረ ደቂሰባት ብመንገዲ ትሩዚም ኣቢልና ከነብጽሕ ኢና።ማለት በዞም በጻሕቲ ሃገር ማለተይ እየ።

ኣብቶም ደቀባት  ኣህባይ ምስ ከማና ኣህባይ እባ ኢና ንቕመጥ ነይርና ዝብል ሓድሽ ስምዒት ክበጋገስ ንእለት ኮነ።ምኽንያቱ  ህበይ ማለት ነቶም ሕንጉጉ ዝመስል ገጽ ዝውኑኑ ፍጡራት ትራሕ ክውክል ኣለዎም ኢሎም ስሓስቡ ዝነበሩ ጌጋ ኮይኑ እንተላይ እቶም መጸበቕቲ ካምቻ መወናወንቲ  ኣንስትን ኣህባይ ዝጽዋዓሉ መርትዖ ምርካቡ ገረሞም።ምኽንያቱ ንሳቶም እቶም ደቀባት ኣህባይ እዮም፤ ግን ከ ብዘመናውን ምዕቡሉን ኣገባብ ንኹሎም  ዝውክል ኣኼባ ኣካይዶም።እቶም ኣህባይ ምኻኖም ዘይፈለጡ ሰባት ዘለዉ ዝመስሎም ኣካላት ግን ካልኦት ኣህባይ ዘይብሉ ኣኼባ የካይዱ፤ ስለዚ ከኣ ከምቲ ጭፍራ ህበይ ስለ ዝኾኑ ካብ ሰባት ኣህባይ ምባሎም ይቐልል።

ኣብቲ ቦታ ገለ ዕዱማት ከም መፍለስ ኣንቶረ ተወካሊ  ቀናፍዝ ብምንባሮም ምዕቡል ክትዕ እዩ ዝነበረ።ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም መዕጸዊ ንመፍለስ ኣንቶረን  ሓደ ቅንፍዝን  ቦትኡ ብልክዕ ሕጂ ኣይዝክሮን ዕድል ተዋሃበ።

ዝኸበርኩም ደቂ መሬት ኣህባይ ክብሪ ይሃብኩም ነዚ ዕድል እዚ ዝሃብኩምና፤ ኣነ እካ ጽቡቕ እዩ እየ ዝብሎ ምኽንያቱ ትንፋስ ሞሊቕና በዞም  ሰባት ኢና በሃልቲ ቀልቢ ዘይብሎም ነጣንጥ ኣራእስ ሰባት እዚኦም  ኣህባይ ተባሂሎም  ቤት ገርግሽ ወይ ገለ ኣጻድፍ ተረኺብዎም ኪነብሩ ደኣ ክንደይ ጸጋ እንዳኣሉ እ…ህ በለ ሸቃ መፍለስ ጥሪፍ እናበለ።

ከፍርሃካ በለ ሓደ ካብቶም ኣብ ሹቓሹቕ መንጉዳ ተሓቢኡ ዝኸትር ስዲ ህበይ፤ ሎሚስ ከኣ ተሓርዮም ከኩፋኣቶም ደኣ ተዓዲሞም ከይኮኑ ክብል ኣብ ምሕማይ ኣተወ ጌና ሸቃ መፍለስ ብነድሪ እናቐጸለ።

ዓርከይ ሰባት ከምዛ ዘለናያ ኣቑጽልቲ እናሸምጠጣን ክሳብ ኣጽፋረን ዝጎዱም እናፋሕተራ ክቕለባ ይረኣየኒ ኣሎ ዝዓርከይ በለ ሞ ናብ ሰማይ ገጹ ኣንቃዕረረ።

ኣዝመራ ይሃቦም ዝሽምጠጥ ኣቑጽልቲ የጠጥዓሎም፤ ዝፍሕተር ሰራውር ምስ ዝረኽቡ ከኣ ዋላ ጩኻሮ መፍሓሪ ነበርክት ዝዓርከይ በለ እሞ ማይ ክኻፊ ስለ ዝጀመረ  ናብ ምብታን ኣቢሎም ኣንፈቱ።መፍለስ ኣንቶረን ቅንፍዝን ተቐላጢፎም  ናብቲ በዓቲ ኣቢሎም ተጸግዑ።መፍለስ ልክዕ ከምዚ ተኣለ ኣብ ቅድመይ ዘለኻ ዝመስል ፉፍ ፉፍ እናበለ ብቕድሚት ይመርሕ፤ እቲ ወያብ ዝኣስናኑ ቅንፍዝ ከኣ ልክዕ ከምዚ ጸሊም  ቬሎ ዝለበሰ ክመስል  እናሓርነኸ እግሪ እግሩ ተኸተሉ።ደሓር ግን መፍለስ ኣንቶረ ግልብጥ በሎ ሞ ቅንፍዝ ሰገጥ ኢሉ ደው በለ።ብውሽጡ ኣንታ በቲ ቡንታ ስመስል ኣፍንጭኡ ንኽረውረወይ ክፈርደኒ ግዲ እዩ ኢሉ እናሓሰበ፤ ዓርከይ ኣይትሰንብድ ደኺምካ ትመስል፤ ካን ዝፈልሕ ዘሎ ሽሮ ክትመስል ቲኽ-ቲኽ  አልካ በሎ እንቅዓ እናስተንፈሰ።

ኣየ ዓርከይ ኣነ ኸኣ ዓርከይ ልቡ ክትመልቆ ኢላ ከረውረው ኢሉ ለኪሙኒ ክኸይድ እዩ ኢለ ብውሽጠይ እናሓመኹኻ  ክብል ገፍገፍ ኣበለ እሞ፤ ኣጽዋርካ ኣክበልና ዓርከይ ቅንፍዝ ክብል ገጹ ከወለ ሸቃ መፍለስ።

ግዲ የብልካን ሸቃ መፍለሲኖ ክብል መለሰ ሞ ንኺድስኪ በል ንሰጉም ታይ ዝኣመሰለ ጤራውር እዩ ክብል ኣንቃዕሪሩ ኣማዕደወ።

ንኺድ እወ እንታይ ግድኻ ብውሽጥና ክንተሓማመ ጸኒሕና፤ ኣነን ኣያ ሃይለን ሓደ እዩ ሕማምና ክብሉ ይዋዘዩ ሰብ ቀደም ብምባል ናብ ባዓቶም ኣቢሎም ሰጎሙ።

ኣህባይ በብጉርቦም ኣብ እቲ ኣኻውሕ መንጉዳ ኣቢሎም ተሰሊፎም ነበሩ።እቶም ክልተ ኮተተ ኣህባይ ግን ኣብ እቲ ኩሉ ዓይነት ክትረት ዘካይድሉ፤ ዓመቕቲ መንጉዳ እዮም ዘለዉ።

ዓርከይ ሎሚ ከተቕጻዓና ኢካ መስለኒ ንኺድ ክብል ኣቕባሕብሐ ቆጸራ ጭፍራ ከይግበር ብምስጋእ።

ካብ ባህልን ልምድን ኣህባይ ተሓሪርና እናበልና ደኣ ነጻነት ዘይብሉ ድዩ ክብል መለሰሉ እሞ በቲ ኪልዓው ዝበሃል ሓውሲ ቆጥቃጥ ዝመስል ገረብ ተሓቢኡ ነተን ሸናዕ እናበላ ዝስዕባ ዝነበራ ክልተ ጎራዙ ኣህበይ ተኸታተለ።ዳሓር ግምጥል  ኢሉ ንወስን ዶ ዝዓርከይ ክብል ሕቱኽ በሎ ።

ክንከትረን ክብል መለሰሉ።

ያኢ እባ ክንምርቐን  ።ዳሓር ግን ጭርኡ ነስ ነስ እናበለ  ብህድኣት ቀረበን። ክሃድማ ከም ምዕይ እካ እንተበላ ነቲ ካልኣዩ ብዝረኣያ ግን ደው ክብላ ተቐሰባ።

ስምዑ ቅርብ ከይትብሉና ክብላ ጎቦጎቦ በላ እሞ ኣብ ዝነበርዎ ደው በሉ።

ደሓን  ባዕልና ቅድሚ ምሕታትና  ኣብዚ ስንጭሮ እዚ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እንታይ ከም ዝግበር ካብ ንዓና ነዚ ደናጉላ ዘይትሓትኦ፤ ኣይመስለካን ክብል ናብ ዓርኩ ጠመተ ብጎቦ ዓይኑ እናረኣየን።

ምስ ሓራይፍ ተራኺብክን እንታይ ከፊኡክን እዩ።

እውይ ደሓን ክንነግር ኢና፤ ቃላት ኣህባይ ተጠቒምካ ክብላ ተዛረባ።

ኣቲ ዝንገር ድኣ ካልእ ከማን ኣይሰኣን እዩ ክብል መለሰለን እቲ መደናገሪ ህበይ።ኣቦታቱ ብስድነቱ ቁጥሚ ክብሉ እዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም።

ኣብ ጎነን መጺኦም ከኣ ክተናኽፍወን ጀመሩ።እተን ናይ ቀላዓለም ደቓይቕ ምስ ተወድኣ ከኣ ባዕላተ ክጸጋግዕኦም ጀመራ።ቁጥሚ ወዲ ሽቓ- ሽቅ መንጉዳ ኣነፍነፍ ይብል ነበረ።እቲ ዝነበረ ማይ ከይ ዓጀቦ ከኣ ክሳዕ ኣብቲ ኣቑጽልቲ ኣቢላ ትግምሰስ ገበራ።ካብ ናይ ኣህባይ ወጺኦም ናይ ሰባት ክለማመዱ ስለ ዝግብኦም ብከንፈር እዩ ዝስዕም ነይሩ።ዳሕር ግን ንደቓይቕ ምስ ጥፍአት ወዳዲኡ ተጸበያ።

ዳሓን ሕጊ ሕገ ኣህበይ መሲሉካ ኣሎ፤ ኣብ ዓመቑቲ የሕሲምካኒ ክብረት ከሊእካኒ ብምባል ፊቕፊቕ እናበለት በኸየት መስክነይቲ ሰብ ንኽትጽዋዕ ተስፋ ዝነበራ ህበይ።

እንታይ ሽልማት ደሊኺ ካብዚ በዓቲ ዝነቐጹ ኣረነ ኣይሳኣኑን እኮ ዮም፤ ኣጆኺ ዛዕጎል ንዛዕጎል ክገብረኪ እየ፤ ባባ ጋውና ይሙት ብልበይ እየ ክብል  መሓለላ ቅርብ እናበለ።

ዋይ ኣነ ተካሊት ኣነስ ናይ ቨትሪና ወርቀ-ቡሩር ተጸበኹ እምበር ናይ ጉንዲ እምኒ ኣረነ ገይርካ ከተጽርፈኒ።

ኣቲ ሎሚ እኮ ናይ ቨትሪና ተሪፉ ናይ ደናጉላ እዩ ዝድለ ዘሎ።ምኻን ዘበናውነት ኣየናይ ኢልክንኦ በዓል ንስኽን።

ኪድ ክትብል ገጻ ከወለት።

ይትረፈና እንታይ ከ መርኣዪ ሃልዩኪ እዩ ክብል ብልቡ መለሰ።ተታሓሒዞም ከኣ ኣብቲ እምኒ ወጺኦም ተኾየጡ።ዳሓር እቲ ካልኣይ ዓርኩ መጸ እሞ ኣርባዕቲኦም ዕላል ሓዙ።

ስምዑ እስኪ ኣነስ ነዞም ኣብ ጶጳ ዶ ሚካ ዝበልኦም እተን ዓባይ ህበይ እዞም ካብዚ ዝመላለሱ ኣህባይ ድኣ ኣህባይ ቀይሮሞም ከይኮኑ፤ ካብዚ ዝመላለሱ ኣህባይ ከም ዘለዉ እካ ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣይፋሉን ብነብሶም ደኣ ኣህባይ ኮይኖም እምበር ህበይ ዝገብሮም ኣካል የልቦን።ምናልባት ህበይ ንህበይ ኣኼባ ኪገብረሉ ይኽእል እዩ፤ ከምዛ ዝወዓልናያ መለት እዩ።ንሳቶም ብእግሮም ስለ ዝኸዱ እዮም ኣህባይ ኮይኖም።

ክላ ምናልባት ደኣ ጎቦ እንተረኸቡ እሞ ኣብኡ ኣቢሎም ክሓጽርዎም እምበር እዚኦም ደኣ ጭፍራ ብጭፍራ ኮይኖም ከተማታት ክህዉኹ እንድዮም፤ ሕሰቦ እሞ ኣብዝስ እካ ሰናጭሮ መንጉዳ ይሰትረና ነይሩ ኣብኡ ግን ጭፍራታት በዚሐን ከሸግርኦም እየን።

ደሓን ገሊአን ጭፍራ ከኣ ንሓገዝ ወይ ከኣ መባዝሕቲ ተባሂለን ሳሕቲ ዝቕልቀላ እምበር ደቂ ገዛ እየን። ዳሓር ትእዛዝ ምስ ዝወርደን ቀልጢፈን መባዝሕቲ ይኾና።ሓንሳብ ሓንሳብ ሓሰኻ ደምበ እናተባሃላ ይጥቀሳ።

ዋይ ውርደት እሞ ዋላ ከም እተን ካልኦት ኣህባይ  ብነጻነት ኣይውጭጫን ማለት እዩ።

እናበልናካ ብፍርሂ ተካል ናብራ ዝነብራ ጭፍራ ዘይብለን ኣህባይ እየን።ሓንቲ ዝገብርኣ ይብለካ  ማባይል ትበሃል መሳርሒት ኣላ ኣብ ጉንዲ እዝነን ገይረን ይሕስዋ፤ ማለትስ የራስና ማለተይ እየ።እዛ ሞባይል ትበሃል ገና ኣብዚ ምድረ ምድረ ጎዋኑና ዝኾነ መንጉዳ ኣይተኣታተወትን ኣላ፤ ቀስ ብቕስ  መሬት ኪኖ-ሎጂ ንኪሎ-ሎጂ ክትከውን እያ ክብል ብጌጋ ተዛረበ።ግን ደሓን እዮም ሽዑ ዘረባ ይለማመዱ ብምንባሮም ንተስፋ እዩ።እንቃዕ ሽዑ ናብ ህበይነት ገጾም ኣይተዳለዉ እምበር ደሓን እዩ።

ጻላኢና ነብሱ ኣይወክል ኣህባይ ኮንካ ምምራር ፤ዳሓር ከኣ ዘትውስን ህበይ ምኻን ከኣ ከፍአ። እቶም ጭፍራ ኣህባይ ነዘን ኣህባይ እዚአን እንታይ ውዕለት ይገብራለም ማለት ኮን ይኸውን ክብል ቀጸለ መፍለስን ቅንፍዝን ዱብ ዱብ እናበሉ ክወርዱ እናስተብሃለ።

እንታይ ሓለፋ ከይገብራለን ኢኻ ምናልባት  ሓራይፍ እትብል ቃል ይምጉስአን ይኾና።ዳሓር ግን ኩነታት በዓል ሸቃ መፍለስ ስለ ዝዓጠጦ ከማዕድዎም ጀመረ።

ቕንፍዚኖ ወደቦይ ጤዛ ቀስ በል ከረውረው ዝበሃል ነገር ኣሎ ክብል ኣጠንቀቐ ሸቃ መፍለስ  ንቕድሚት እናሰጎመ።

ዓርከይ መራፍእ ፈጢሩ መሓውር የሕጺሩለይ ጎይታ እንታይ እሞ ኪግበር ክብል መለሰ ቅንፍዚኖ ዕንክይክይ እናበለ።

ክሳብ ንሳቶም ናብ እቲ ጥጡሕ ቦታ ዝወርዱ ኣህባይ ዘረብአን ቀጸላ።ብዝኾነ ኮይኑ ዓዲ ብውሽጥን ብደገን የህባይ መሊኣ ማለት እዩ።

ኢሂናይ ደኣ።ከም ዝውረ ዘሎ ገሊኤን ኣህባይ ተሓላቖ ናይ ወድ መድህን በራድ ዝበሃል (ብሳጉኡ እካ  ሙሹጥ ጋውና) ኢሎም ክጽውዕዎ ንሰምዕ ይብለካ፤ ናቱ ኣጫፈርቲ እየን።ናይ ስግአን ኣይውዳእን እዩ ኢሎም ከውሩዩለን ከኣ ንሰምዕ።ክምሕላ ከለዋ ስጋ ፊሊጶስ፤ ስጋ ውጩን ክብላ ምስ መሓላ ቅይር ኣይብላን እየን።እዞም ዝምሕላሎም ሰባት  (እንስሳታት ምባል ኩልኩል እዩ)፤ ኣብዚ ኣከለዶ ሰራየ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢታት ኣረጋውያን ከሐድሱ ከለዉ፤ ኣብ ዘለዋ ሃልየን ብታሕጋስ ዓዲ ይብጽብጻ ይብልወን። ኣረጋውያን  እተን ከባቢታት ንሞት ምስ ገበረሎም ግን ነቲ ዜና ብዙሕ ኣይተገደሳሉን፤ ምኽንያቱ ዘገድስወን እቶም  ዝምሕላሎምን ዝጥሕላሎምን ጀንገራናት እዮም። ንኣብነት ንጀንገራላትና  ማዕቀብ ጽዒምኩምልና ኢለን  ኣብ ምሉእ ዓለም፤ ስእሊ ወዲ መድህን በራድ ስእሊ እቲ (ሙሹጥ ጋውና) ኣብ እንግድዐዐን ገይረን ከዳልኩም እሞ ኣህባይ ስእሊ ናይ ሓደ( ሙሹጥ ጋውና) ኣምጽኤናልና ብምባል  ሰባት ቤትጽሕፈታቶም ረጊጦም።

እውይ ጋሓፍ ተደፊእዎም በለ እቲ ጡብ እታ ጎርዞ ህበይ ዘራስን ዝነበረ ህበይ ፍንው እናበላ።እታ ህበይ ከኣ ፍንትት ኢላ ኮፍ በለት።ኬፍና ሰርክልና ነብሲ ብምባል ብድድ ኢሉ ሰዓባ።

ቅንፍዘ- መፍለስ ድሮ ታሕቲ በጺሖም ነበሩ።እቶም ደቂ ሸቓ ሹቕ መንጉዳ ዝኾኑ ኣህባይ ከኣ ከይፈተዉ ሰዓብዎም።መፍለስ እናንገርገረ ከሎ ቅንፍዝ ግን ደው ኢሉ ይጽበዮ ነበረ።እ..ዋ..ይ ኢሉ ተንስአ ሞ፤ ኣየ ክጥዕም ዓርከይ ቅንፍዝ ገልበጥበጥ በል ክፈኹሰኻ እዩ።

መስተረይ ከበላሹ ንዓድኣ ሕጅስ ኣፋለይን ነዕርፍ እሞ ኣብ ገለ ጽግዕ ክንብል እናበለ ኣህባይ ህሩግ በልዎም፤ ምፍለስ ከም በተግ ክብል፤ ቅንፍዝ ብውሽጡ ለቕላቒ ክብል እናሓመየ ትም በለ።

ካን ነብሪ ኮይኖም እካ ተራኣዩኒ ክብል ተዘሓሓለ።

ነብሪ ኣይኮነን ሰብ ክንከውን ይበሃል ኣሎ ክብል መለሰ እቲ ህዉኽ ህበይ።

ዘይ እሞ ኣብዚ ሃገር ጥራሕ ኢኩም ክብል መለሰ ቅንፍዝ ህድእ ኢሉ።

ዳሕር ኣበይ ክትቅመጡ ትፈትዉ የሕዋት ክብል ሓተተ ከም ቅርብ እናበለ ሸቃ መፍለሲኖ።

ንዓና እካ ኣብ እዚ ዓዲ (ሓሰኻ ደምበ )እናተባህሉ ዝጽውዑ ምቕማጥ ይሕሸና።

ሕመቕ ደኣ ገይለግበኩም ክብል ጽውግውግ እናበለ መለሰ  ሸቃ መፍለስ ካብ ሓልዮት ዝተላዕለ።

ኣታ ሓቁ እዩ (ሓሰኻ ደምበ) ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ፈሊጥካ ዶ ኣለኻ ክብል ተቐበሎ እቲ ካልኣዩ ህበይ፤ እተን ኣብ ደገ ጭፍራ ዘይብለን ኣህባይ እካ ካብዚ ቦታታት ዝኸዳ እየን።

ምኻን ከኣ እዞም ዝጠቐስናዮም ጀንገራላት ውን እኮ እንተኾኑ ንገሊኦም ከፍርሁ እንተድልዮም ካብዘን ሓሰኻ ግዳይ ብምግባር እዮም ራዕዲ ዘስፍኑ።ኣብ ደገ ዘለዋ ኣህባይ ከኣ ብትእዛዝ ናይተን ተሓለቕቲ እዞም ጀንገራላት ንግብሮም ክምርቓ ትንፋሰን ይመልቃ።ስለዚ ሽንተ ምንቲ እየን።ተፈጥርአን ይርሓቕ  ክብል ኣምሪሩ ኣስምዐ።

ኣቤት ንእዝንኻ ዘቃርር ስማዕ፤ የሐው በለ ሸቃ መፍለሲኖ።ግን ዕላል ውንጀላ ክኸውን የብሉን ፤ እተን ንተቓውሞ ኢለን ዝጭበርብራ ኣህባይ ከ ዕላለን ኣበይ ከደ ክብል ብጎቦ ዓይኑ ናይ ቅረታ ምሕጽንታ ኣመልከተ።

ኣየ ኣያ መፍለስ በለ እቲ ህበይ ዝተርፍ የብሉን ክልብለባ እምበር ዕልል ክቕጽል እዩ  ሙድ ዓሚራ ኣላ።

 

ሓውኹም  ብልቡ

ይቕጽል……………………………

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Michael Araya May 1, 2013

    amazingly excellent work and , indeed, an Eritrean Chinua Achebe is born

  • SUICIDE BY INDEPENDENCE May 1, 2013

    ክቡር ደራሲ,

    ¨ዝለዚ ነጻነት ኣህባይ መገዲ ሕማቕ ጥራይ እዩ ዝነበረ።እንሀልኩም ከኣ ጥፍኣት ዕግበት ኮይኑ ኣህባይ ይነባበርሉ ኣለዉ።¨………ንዝበልካዮ፣እቲ ጋውና ኣባላሽይዎ እምበር ቀደም ቅዱስ እዩ ኔሩ ዕላማና ይብሉ___ህዝበ-ኣህባይ።
    ምንም እኳ ኣብ ሜዳ ከለዉ እውን ኣህባይ እንተነበሩ ቀንዲ ዕላምኦም ¨ህዝበ ኣህባይ¨ ዝብል ሓድሽ መንነት ንምፍጣር ስለ ዝነበረ፣ምስቶም ካልኦት ኣህባይ መታን ከይዳናገሩ ሓደራኻ በቲ ናይ ሓድሽ መንነቶም ህዝበ ኣህባይ ኢልካ ጸውዓዮም።
    ንሰብ ቀቲልካ ምድርባይ እውን ኣይሓመቑን ¨መኻልፍ¨ ስለ ዘጋጠሞም እዮም።ዳሕራይ ኣህባይ ናይ ዓድና ስለ ዝኾኑ___ላዛኛን ስፓገቲን እምበር ባናናን ፉልን ኣይበልዑን ´ዮም።

POST A COMMENT