Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሁራን ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን፡ ዓላማኡን ኣተገባብርኡን

ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሁራን ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን፡ ዓላማኡን ኣተገባብርኡን ምንጪ መበገሲ ናይዚ ጽሑፈይ ካብቲ ናይ ጉባኤ ዝወጸ ጸብጻብ ኢዩ ። እዚ ድማ ብብጻይ ኣመሃ ደመኒኮ ብኢመይል ኣቢለ ስለ ዝረኸብክዎ፡ ንአመሃ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ብርግጽ  ብዝርዝር ኮይኑ

ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሁራን ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን፡

ዓላማኡን ኣተገባብርኡን

ምንጪ መበገሲ ናይዚ ጽሑፈይ ካብቲ ናይ ጉባኤ ዝወጸ ጸብጻብ ኢዩ ። እዚ ድማ ብብጻይ ኣመሃ ደመኒኮ ብኢመይል ኣቢለ ስለ ዝረኸብክዎ፡ ንአመሃ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ብርግጽ  ብዝርዝር ኮይኑ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጽሑፍ ንምቕራብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ እዚ ግን ኣብ ርኢይቶይን ትዕዝብተይን ዝተመርኮሰ ጽሑፍ ኢዩ።

እቲ  ቴማ ናይቲ ጉባኤ  ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብዛዕባ መጻኢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮይኑ፡ ብተቓወምቲ ምሁራትን ሰብ ሞያ ኢትዮጵያውያንን ክልተ  ዓበይቲ ኣሜርካውያን ዲፕሎማት መደርትን ኢዩ ተኻይዱ። ናይቲ ጉባኤ መዳለውቲ ድማ ቪዠን  ኢትዮጵያን  እሳትን ኢዮም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኣርባዕተ ክፍልታት መደረ ዝተኸፍለ ነበረ።

እቲ ቀዳማይ  ክፋል ክትዕ (session) ብፕሮፈሰር ገታቸው  በጋሻው ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ግደ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን መራሕቲ ሕብረተሰባኣዊ ማሕበራት (ኮመኒትስ) ኣብ ምህናጽ ህዝቢ-ንህዝቢ ዝምድናታት ዘተኮረ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ዝምድናታት  ናይቲ ክልተ ሃገራት ኣህዛብ ዘደልድል ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ክትዕ ብፕሮፈሰር መንጋ  ነጋሽ ዝተዳለወ  ኮይኑ፡ እቲ ተይማ ናይቲ ክትዕ ድማ ግደን ሳዕቤናቱን ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢዩ። ኣብዚ መደረዚ ተኻፈልቲ ዝነበሩ፡ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሄንን ኣምባሳደር ዳቪድ  ሺን ፕሮፈሰር መስፍን ወልደማርያምን  ነይሮም ።ክልቲኦም ኣምባሳደራት  ፖሊሲ ናይ ሕቡራት መንግሰታት ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ኣብ ጠቕሚ ዝተመርኮሰ ኢዩ ይብሉ ። ብዛዕባ እቲ ጐንጽታት ኢትዮጵያን  ኤርትራን  ዝምልከት ድማ እቲ ብኮምሸን ዝተወሰነ ውሳኔ ዶብ ክትግበር ኣለዎ ይብሉ። ኣምባሳደር ኮሆን ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ቁጠባዊ ማዕቀብ ክልዓል ኣለዎ ይብል። ማዕቀብ ከይልዓል ሃገሩ ሓይሊ ቪቶ ትጥቀም ምህላዋ እውን ይኣምን።

ካብዞም ክልተ ኣመሪካውያን ዲፕሎማት ቀጺሉ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ መደረ ዘቕረበ፡ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ኢዩ። ፕሮፈሰር መስፍን “ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ መራሕቲ እንተላይ ዘሎ ኢህኣደግ፡  ናይ  ወጻኢ ሓያላት  መንግስታት ተኸተልቲ ኢዮም”  ይብሎም። ቀጺሉ  “መንግስቲ ኢሳያስ ግን ንወጻኢ  ሓይልታት ዘይምብርከኽ ቅኑዕ መንግስቲ ኢዩ “  ይብሎ። “ ኤርትራ እትቕጻዕ ዘላ ናይ አመሪካ ዕብለላ ስለ ዘይትቕበል  ኢያ፡ ኣቶ ኢሳያስ ዘኹርዕ መራሒ ኢዩ” አውን ይብሎ። ዘገርም ኢዩ። እዚ ነጥቢ’ዚ ጸኒሐ ክምለሶ ኢየ።

እቲ ሳልሳይ ክፋል መደረ (session) ብፕሮፈሰር መሳይ ከበደ ዝተመርሐ ኮይኑ እቲ ኣርእስቲ ብዛዕባ ዝምድናታት መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢተዮጵያን ዝምልከት ነበረ። እቶም ፓናሊሰትሰ ዳርጋ ኩሎም  ብዛዕባ ናጽነትን ላዕላውነትን ኤርትራ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ይገልጹ። ቅድሚ ሐጂ’ኳ እዚ እምነት’ዚ ዝነበሮም አይመስለንን። ሓደ ካበቶም  ቀንዲ መደርቲ ናይ ደርግ ሚኒሰትር ዝነበረ  ዶ/ር  ካሳ ከበደ፡ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ኣልዒሉ፡ ኣህዛብ ናይዘን ክልተ ሃገራት  ብሓንሳብ ከም ሓደ ህዝቢ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ከም ዝተጓዕዞ ይገልጽ።

እቲ ራብዓይን ናይ መጨረሻን ክፋል መደረ( session) ብኣቶ ንኣምን ዘለቀ  ዝቐረበ ኮይኑ ኣብ መንጎ ውድቡ ግንቦት 7ን ስርዓት ኢሳያስን ዘሎ ዝምድና ዝምልከት ነበረ። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዝመድና ጽቡቑ ኢዩ ይብሎ። “ኤርትራ ናይ ሰላም ሃገር፡ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እተዕቁብ ዘላ ሃገር ኢያ” ይብላ።

ብመሰረቱ ንሰላም ዝዓለመ  ጉባኤ ዝድገፍ ኢዩ። ብፍላይ እቲ  ቀዳማይ ክፋሉ ናኢቲ ጉባኤ ማለት ዝመድናታት ህዝቢ-ንህዝቢ ዝድገፍ ኢዩ። ሕጂ’ውን ብተቓወ ምቲ ሓይልታት ኤርትራን መንግሰቲ ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ከም ዘሎ እፈልጥ ኢየ። ናይዚ ጉባኤ’ዚሽግረይ ግን ካብቲ ኣበጋግስኡን ዓላማኡን ኢዩ። ብፍላይ ኣብተን ዳሕረወት ዝተኻየዳ  ክፍልታት ክትዓት (ሰሸንስ) ጸገማት ዘሎ ኰይኑ ይስማዓኒ። ቅድሚ ናብዚ ዘይሳማማዓሉ ዝርዝር ነጥብታት ምእታወይ ግን ስርዓት ህግደፍን ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግሰትን  ኣሕጽር ኣቢለ ከናጻጽሮ  ክግደድ ኢየ። ብርግጽ እዞም ክልተ ስርዓታት ብጭራሽ ዝመሳሰሉን ዝነጻጸሩን ኣይኮኑን። እንተ ኾነ ግን ኣተሓሳስባን ኣበሃህላን  ከም ናይ  ፕሮፈሰር መስፍን ዝኣመሰለ ክትሰምዕ  ከለኻ ግን ትስምብ ድሞ፡” ዋእ! ኣነ ድየ ካብ ክውንነት ዓዊረ፡ ወይስ ፕሮፈሰር ኢዮም ዓቢዶም?” ትብል ።

ኢህኣዲግ ካብ በረኻ ምስ ኣተወ ገለ 24 ሰልፍታት ኣሳቲፉ ሓደ ግዝያዊ  ምንግሰቲ ፈጢሩ፡ ህዝቢ ክምህርን ከሳትፍን ፈቲኑ ኢዩ። ቀስ-ብቐስ  ኣብ 24 ዓመታት ሓሙሽተ ሃገራዊ ምርጫታት ኣካየዱ ። ልክዕ ኢዩ ነቲ ዝተኻየደ ምርጫታት ገሊና ዘይክንሳማምዓሉ ንኽእል ንኸውን። ግን ዘይካሓድ ግዙፍ ምዕባሌ ኢዩ። ቅዋም (ሕገ-መንግሰቲ) መስሪቱ ብኡ ይምራሕ ኣሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓማታት ዓለም ዝመስከረሉ በዓል ክልተ-ኣሃዝ ቁጠባዊ ዕብይት ኣመሰኪሩ ኢዩ።  ብዘገርም ቅልጣፌ መሰረተ-ልምዓት ዘርጊሑ፡ ናብራ ህዝቢ ከማሓሽ ይቃለስ ኣሎ። ከይዱ- ከይዱ ድኽነትን ድንቁርናን ንኸጥፍእ ይሰርሕ ኣሎ። ማንም ሰብ ዘይኽሕዶ ብዓይኒ ዝረኤ፡ ብኢድ ዝድህሰስ ኣብ ዓውዲ ህዝባዊ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ምዕባሌታት ኣመዝጊቡ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ’ከ? ካብ ሳሕል ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ካሊእ ውድባትን ሰልፈታትን ከየሳትፍ ብዕሊ ኣወጀ። ስጋብ ሕጂ ኣይኮነን ካሊእ ሰልፍታት ክፈቅድ፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ምእካብን ናይ እምነት ናጽነትን ኣይፈቅድን። ፍሉይ ሪኢቶ ዝሃበ ዜጋ ዝእሰረሉን ዝጭወየሉን ስርዓት ኢዩ። ንኣብነት ምስ ኣቶ ኢሳያስ ዕድመ-ልክእ ዝተቓለሱ ሰበስልጣን ርኢቶ ስለ ዘቕረቡ ስጋብ ሕጂ ከም ኣናጹ ኣብ ፈቖዶ ጐዳጉዲ ይሳቐዩ ኣለው። ን24 ዓመት ብዘይ ቅዋም ዝገዝእ ስርዓት። ኤርትራ ካብ ሲርያ ቀጺላ ብስደትን ሽገርን ዝተፈልጠት ሃገር ኢያ። ብሓጺሩ እዞም ኣብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ጉባኤ ዘካይዱ ዓበይቲ ኢትዮጵያውያን  ተቓዋምቲ ምሁራት እታ ካብ ክሊኒካን ኣብያተ-ትምርታን፡ ኣብያተ-ማእርታ ዝበዝሕ ኤርትራ ከይዶም ብኣካል እንተዝሪእዋስ እንታይ ኮን  ምበሉ?

ካበዚ ቀጺለ ናብቲ ዝቐረበ ዝርዝር  ክፋላት መደረታት (session) አሕጽር-ኣሕጸር ኣቢ ለ ዘሎኒ ተቓውመይ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

እቲ ቀዳማይ ክፋል ነቲ ተቛሲሉ ዘሎ ህዝቢ-ንህዝቢ ዝምድናታት ናብቲ ዝነበሮ መምላስ ዝግበር ጻዕሪ ብመትከል ዝድገፍ ኢዩ። እቲ ሕቶ ግን ብኸመየን ምስ መንን? ኢዩ። ምስ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ኮይንካ ንዲሞክራሲ ምቅላስ ዘይስነሞጎታዊ ኢዩ።ምስዚ ኣተሓሒዘ ክጠቕሶ ዝደሊ ሓደ ግዜ ትዝ ይብለኒ፡ ኣረጋዊ በርሀን ኣብርሃም ያየን ኣብ ፓልቶከ(paltalk) ክትዕ ገጢሞም፡ ኣረጋዊ ነብረሃም ያየ ከምዚ በሎ “ምስ ስርዓት ኢሳያስ ተጸጊዕኻ ንህዝቢ ትግራይ ለውጢ ከምጽኣልካ ኢየ ምስ እትበሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣይስዕበካን። ንስርዓት ህግደፍ ስለ ዝፈልጦ።” በሎ። ኣብረሃም ያየ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኤርትራ ከይኑ ይንቀሳቐስ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ኣረጋዊ ሓቁ ኢዩ። ሕጂ ድማ ምስ ስርዓት ህግደፍ ምትሕብባር ዝግበር ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክድግፎ አይኽእልን። ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን ብቐረባ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያስ ብርሑቑ ህዝቢ ዓለም ከይተረፈ ጨካን ዲክታተር ምዃኑ ተፈሊጡ ኢዩ።

እቲ ካልኣይ መደረ ብኣምባሰደር ሀርማን ኮሆንን ኣምባሳደር ዳቪድ ሺን ቀጺሉ ብፕሮፈሰር መስፍን ወልደማርያም ዝቐረበ ኢዩ። ክልቲኦም ኣምባሳደራት፡ እቲ ብኮምሸን ሕቡራት መንግሰታት ዝተወሰነ  ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶብ  ክሕንጸጽ ከም ዘለዎ  የተኩሩ። ብመሰረቱ አዚ ሕቶ’ዚ ከሉ ሰብ ዝድግፎ ኢዩ ። ኢትዮጵያ’ውን ብመትከል ከም ዝተቐበለቶ ዝፍለጥ ኢዩ። እቲ ዘሎ ፍልልይ ኣብ ኣተገባብርኡ ኢዩ።  ንህዝቢ ኤርትራ ብዘምልከት ግን፡ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ሽግር ዶብ ኣይኮነን። ብመሰረቱ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ  ውግእ እውን ብዶብ ምኽንያት ኣይነበረን። ስርዓት ህግደፍ  ኣብናይ ኢትዮጵያ ቁጠባ ኢዱ ኣእቲዩ ክብዝብ ምስ ጀመረ፡ መንግሰቲ ኢትዮጵያ “ይኣክል” ምስ በለቶ፡ ”ነገር ድልይልይ በትሪ ሃሰው-ሰው” ስለ ዝነበረ ኢዩ። ስለዚ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ስእነት ፍትሒ፡ ስእነት መሰል ኢዩ። ምስ ዶብ ዘራኽብ የብሉን። ሽግር ህዘቢ ኤርትራ  ዝፍታሕ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ሓደ ፍትሓውን ዲሞክራሰያውን፡ ከሉ ህዝቢ ብማዕረ ዝነብረላ ስርዓት ምፍጣር ኢዩ። እቲ ዶብ’ውን ከም ሪኢይቶይ  ሽዑ ብቐሊሉ ክሕንጸጽ ይኽእል ኢዩ። ሕጂ ቀዳምነት የብሉን። ሕጂ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ምድሓን ኢዩ። ቀጺሉ ኣምባሳደር ሀርማን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝወረደ ቁጠባዊ ማዕቀብ ብዙሕ ክሽገር ይረኤ። ቅድሚ ሕጅ’ውን እቲ ማዕቀብ ንኽልዓል እዝከረኒ ገለ ጽሑፋት ጺሒፉ ነይሩ።ብዛዕባ እዚ ማዕቀብ ኣብቲ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ተቓውሞ ደንበ፡ ብዙሕ ኢዩ ተጻሒፉን ተዘሪቡን። ብመሰረቱ እቲ ማዕቀብ ነቲ ስርዓት ተዘይ ኮይኑ ነቲ ህዘቢ ዝጐድእ ኣይኮነን። ስርዓት ኢሳያስ ድማ ኣብ ሶማልን ጂቡትን ዝፈጸሞ ገበን ጥራይ ኢዩ ተቐጸዑ። ከም ግቡእ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ህዝባዊ ገበናት ከይዋዓለ-ከይሓደረ ኣብ ቤት-ፍረዲ ዓለም ቀሪቡ ክፍረድ  ነይርዎ።  እሞ  ኣምባሳደር ኮሆን ነዚ ገበናት’ዚ አይርድኦን ማለት ድዩ? ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ነገር ናይ ጥቕሚ ጉዳይ  ኢዩ። ጭብጢ የብለን እምበር ኣምባሳደር ሀርማን ዝተፈልጠ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሎቢሰት ኢዩ ይብሃል። እዚ ግን ብደም ህዝቡ ዝመጽእ ገንዘብ ወንጀል ጥራይ ዘይኮነስ ሓጥያት’ውን ኢዩ። ብዝኾነ እዚ  ሕቶ’ዚ ንኣንበብቲ ንኽትዕ ገዲፈዮ ኣሎኹ።

ካብዚ ቀጺሉ ዘስደምም፡ ናይ ፕሮፈሰር መስፍን ወልደማርያም መደረ ኢዩ። እቲ ካልእ ዝበሎ ኩሉ ገዲፍና፡ “ኢሳያስ ንዕብለላ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘይምብርከኽ፡ ዘኹርዕ ኣፍሪቃዊ  መራሒ ኢዩ” ኢሉዎ። ኣነ ንሓደ ፕሮፈሰር እሞ ከም ፕሮፈሰር መስፍን ዝኣመሰለ፡ ብዙሕ ተሞክሮ ዘሎዎ፡ ንሓደ ዓለም ዝፈለጦ ቅሉዕ ዲክታተር፡ ብማእሰርትን ጭቆናን ህዝቡ ዘስካሕከሐ “ዘኹርዕ ማራሒ” ከምዘይከውን ይጠፍኦ ኢዩ፡ ኣይብልን። ከም ተምሃራዩ ዝነበርኩ መጠን’ውን ከረድኦ አይህቅንን። ሓደ ነገር ግን ከብርሃሉ እደሊ። ንኢሳያስ ካብኡ ንላዕሊ ንፈልጦ። ኢሳያስ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ወይ ሓይልታት ተኻላኻሊ አይኮነን። ኢሳያስ ተዋዳዳሪ ዘይብሉ ብርቱዕ ናይ ስልጣኑ ተኻላኻሊ ኢዩ። ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ዘለዎ መራሒ እውን ኣይኮነን።” ኣቶ ኢሳያ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተኸታሊ ኣይኮነን” ዝበሎውን ሓቂ  ኣይኮነን። ኣሜሪካ ንሳዳም ሑሰን ንምልጋስ ኣብ ዒራቕ  ኵናት ክትጅምር እንከላ፡ ኢሳያስ ተቐላጢፉ ካልኦት ከይቕድምዎ፡ ባዕሉ ኣሜርካ ከይሓተተቶ፡ ንባጽዕ ኤርፖርት ክጥቀምሉ ከምዝሓተቶም ዓለም ዝፈልጦ ኢዩ። ኣሜሪካ ግን ናይሽጡ ጸገማት ከምዘለዎ ተረዲኣ  ውህብትኡ ሸለል በለቶ።ብድሕሪኡ ኣሜሪካ  ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቚ ርክብ ምስ መሰረተት፡ ኢሳያስ ዕብድብ-ብድ ኣትይዎ፡ ወግሔ ጸብሔ “ ምምሕዳር ዋሺንግቶን” ክብል ጀመረ። ስለዚ ኢሳያስ ኣንጻር ኣሜሪካ ሃተፍተፍ ክብል ዝጀመረ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ምስ ተሸነፈ ኢዩ።ትዘይ ኮይኑ፡ ኢሳያስ ብዘይካ ስልጣኑ ካሊእ ስነሓሳብ ዘይብሉ ፍጡር ኢዩ።

እቲ ሳልሳይ ብፕሮፈሰር መሳይ ተዳልዩ ዝቐረበ ናይ ዝተፈላለዩ መደርቲ (ፓናሊሰትሰ)  ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ዝምድናታት ዝምለከት ኢዩ። እንተ ኮነ ግን ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ ምስ ሓደ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኮንካ “ ንዲሞክራሲ ምቅላስ” ውጺቱ ድኻም ኢዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን  ንስርዓት ኢሳያስ ኣጸቢቚ ስለዝፈልጦ ደጋፉ ኣይህብን። ኣብ መጨረሻ ውጽኢቱ ሃላኽ ይኸውን።

እቲ ራብዓይን ናይ መጨረሻን መደረ ብኣቶ ንኣምን ዘለቀ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኣብ ውድቡ ግንቦት 7ን ስርዓት ህግደፍን ዝምድና ዘተኮረ ኢዩ። ኣብዚ መደረ’ዚ ግን ሓንቲ  እተገርምን እተስሕቕን ነጥቢ ረኺበ። ኣቶ ንኣምን  ንስርዓት ህግደፍ ክንእድ እንከሎ፡ ከይሓፈረ “ኤርትራ ሓንቲ ናይ ሰላም ሃገር ኮይና፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝዕቆብላ ሃገር ኢያ።”  በለ። ኣቶ ንኣምን በንጻሩ በሚኢቲታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት  ዝዕቆብላ ሃገር ኢትዮጵያ  ምዃና  ብልቡ እናኣመነ  ግን ክዛረበሉ አይደለየን።

ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ፡ ዓላማ ናይዚ ጉባኤ’ዚ እንታይ ኢዩ? ምስ ስርዓት ህግደፍ ተጸጊዕካ ዓወት ከምዘይርከብ፡ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ኣነ ከምዝመስለኒ ግን  “ጸላኢ ጸላኢኻ፡ ዓርክኻ ኢዩ” ዝብል ሓሳብ ተመርኵሶም “ንኢህኣደግ  ንምድኻም” ተባሂሉ ዝዓለመ ይመስል። ዘገርም  ኢዩ ። “ፖለቲካ ረሳሕ ኢዩ” ክበሃል ሓቂ ኢዩ። እዞም ዓበይቲ ምሁራት ብሰንኪ ዕውር ጽልኢ ናይ ኢህኣዲግ ኣብ ዘየድሊ ምስ ሓደ ዓለም ዝፈንፈኖ ዲከታተራዊ ስርዓት ወዲቖም ክመሓዘው ክትርኢ ዘሕዝን  ኢዩ።

 

ኣድሓኖም  ፍተዊ

27-10=2015

Comment: a.tiwi1993@kpnmail.nl

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Uqubay October 31, 2015

    መስፍን ወልደማርያም፤ ናይ ኮ/ል መንግስቱ መማኸሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ብዙሓት ግፍዕታት ንኽፍፀምዑ ይኹንትኡ ዝሃበ እዩ::
    ዋላ ሓንቲት መዓለቲ ንስልጣንን ንልዕልና ጉጅለ ተረፍ መረፍ ደርጋውያንን እንተዘይኮይኑ ንህዝብን ንሕልንኡን ሓሲቡ ዘይፈልጥ ኣራዊት እዩ::
    መስፍን ንሕወሓትን ኢህወደግን መሰል ዓርሰ ውሳነ ሃገረ ኤርትራ ስለ ዝደገፉ ኣበኪሩ ይቃወምን ይፀልኦም::
    ብርሃኑ ነጋ ድማ ክሳብ ቀረባ ግዘ ኤርትራ እንተስ ብፍትወት እንተስ ብግዲ ናብ ኢያ ክትሕወስ ኣለው ዝብል መርገፂ ኣለዎ ::
    እቲ ዝገርም ነገር እዞም ሰባት እዚኦም ሎሚ ፈትወቲ ህዝቢ ኤራ መሲሎም ሓሶ ክሰብኩ ራይ ኣዝዩ የሕፍር
    ግን ድማ መለለዪ ባህሪ ሕሱራት ደርጋውያን እዩ::

  • Natnael November 1, 2015

    @Oqubay,

    Correct, this is also my opinion!

    “…እቲ ዝገርም ነገር እዞም ሰባት እዚኦም ሎሚ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ መሲሎም ሓሶት ክሰብኩ ኣዝዩ የሕፍር… ” ፣ ግን ድማ መለለዪ ናይዞም ሕሱራትን ተበለጽትን ሰባት እዩ:: እዚ ተበላጺ ጠባያት’ዚ ድማ ፖሊቲካዊ ሽርሙጥና ይበሃል:: ህዝቢ እንተኾነ’ውን ዘይነቕሓሎም ኣይመስለንን !

    Michael Gorbatschow of Russia demanded for successful Transparency & re-structuring (Glasnost & Perestroica) before the soviet union changed to the state we see now! What Eritrea and Ethiopia need now is transparency, honesty and openness to reach the inevitable reconciliation.

    • Yafet amiche November 1, 2015

      Brother Natnael,
      I agree with most of what you said on your comment but on the “What Eritrea and Ethiopia need now is transparency, honesty and openness to reach the inevitable reconciliation”, it is unfortunately Eritrea and Isaias’s regime that is being untrustworthy and not transparent and accountable enough to be taken seriously as a partner for reconciliation.

      Kubur Ato Adhanom,
      Thank you for your timely educational and informative article and please keep it up and God bless you sir. The Ethiopian so called opposition and elites are just extreme opportunists individuals that can’t be trusted nor be taken seriously at all. Thanks again for your positive contributions.

POST A COMMENT