Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገድልን ሽፍትነትን በየንን ብኸመይን ይራኸብ…?

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት ኣይነበረን፡፡ ንናጽነት ዝተገብረ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዩ፡፡ እዚ ንናጽነት ዝተገብረ ፍትሓዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ጀመርቱን ቀለስቱን ኮይኖም ፊተ-መሪሕ ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እቲ ቃልሲ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት ኣይነበረን፡፡ ንናጽነት ዝተገብረ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዩ፡፡ እዚ ንናጽነት ዝተገብረ ፍትሓዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ጀመርቱን ቀለስቱን ኮይኖም ፊተ-መሪሕ ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እቲ ቃልሲ ግን ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ቃልሲ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ኣብቲ ንሳላሳ ዓመታት ዝተገብረ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ዓሰርተታት ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊልናሉ፡ ሰንኪልናሉ፡ ከርቲትናሉ፡ ኩሉ እንትናና ወፊናሉ ኢና  ክብል፡ ኣብ ገጻት ፈይስ ቡክ ንእሽቶ ሓንጢጠ ነይረ፡፡ ካብቶም ኣብ መኣዲ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሓደ ኣለና ንብል ድማ፡ ክልተ ኣንጻር ርእይቶታት ክጸሓፍ ተዓዚበ፡፡ ሕጂ ውን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ንኾርዓሉ ብደም ዝተነድቀ ታሪኽና ኢዩ፡፡ ገድልን ሽፍትነትን ብፍጹም ዘራኽብ የብሉን፡፡

እዚ እምነት እዚ ልባዊ እምነተይ ምዃኑ ከስምረሉ ይደሊ፡፡ ነዚ ሓቂ ጎስዩ እንተስ ሰኣን እኹል ኣፍልጦ ስሚዒት ደፊእዎ፡ ሓደው ነዚ ገጽ ክመልስ ክትኮስ ዝተቓረበ ተዓብዒቡ ዘሎ ቁጠዐ ህዝቢ፡ ንማዕበላዊ ተቓውምኡ ፍጹም ንምሕማሱን ምርማሱን ሽርሐ ጉርሒ ቆጺሩ፡ ቶኽላ ክንሱ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ተልእኹኡ ዝፍጽም ዘሎ ምስሉይ፡ ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ንዘለዎ ታርኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክድምስስ ህርድግ ይብል ስለ ዘሎ፡ ሰሚዕካዮ ጥራይ ምሕላፍ ከቢድ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ብዝሰፈሐ ክውስኸሉ፡፡

ኣቐዲመ ግን ነቶም 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል እታ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ካብ ግዱድ ዕስክርና ጨካን መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከምልጡ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብተመልከተለይ ተቐቲሎም ህይወቶም ዝሓለፉ መንእሰያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንእስነቶምን ወጽዖኦምን ይርኣየሎም፡፡ በዚ እኩይ ተግባር ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝሰንበረ ርዱእ ኮይኑ፡ ብፍሉይ ንቤተሰብ ግዳያት ግን ጽንዓት ይሃብኩም፡፡ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባራት ተቓጽዩ ዘይኮነ ርእዮ ብርእዮ፡ ሓንሳብ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝፍጽም እሞ ድማ ኣብ ጸሓይ ቀትሪ፡ ከም ተራ ከታሪ ሽፍታ ክበሃል እንከሎ ኢዩ ከኣ መዓንጣ ከብድኻ ቅርጽ ዘብለካ፡፡ ሽፍታ ካብ እኩብ ሰብ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ኢዩ ዝብርግግ፡፡ ሽፍታ ኮነ ኢሉ ብተመልከተለይ ሰባት ኣይቀትልን ኢዩ፡፡ ሽፍታ ንመላእ ህዝቢ ብፍርሒ ከም ዘንቀጥቅጥን ከም ዝብህርርን ኣይገብርን ኢዩ፡፡ ሽፍታ ደም ክጽየቕን ኣብ ደም ክኣቱን ኣይደልን ኢዩ፡፡ እዚ ኣረሜናዊ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ግን ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሙ ኢዩ፡፡

ናብ መበገሲ ሓሳበይ ክምለስ፡፡ ኣእዛና ሳላ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ  ፓል ቶክ ብዙሕ ክትደግሞ ዘሕፍር ግዕዘይ ምዕዘይ ሰሚዑ ኢዩ፡፡ ኣይሰማዕኩምን ዝብል እንተሎ ክምጉት ይኽእል ኢዩ፡፡ ዝኣኽለካ ተዛሪብካ ማዕበል ህዝቢ ፎእ ምስ በለካ ነቲ ክዑብ እምነትካ ክትኮሓሕል ጋራጅ ኣእቲኻ ከተመዓራርዮ ዝከኣል ኣይመስለንን፡፡ ብእዝነይ ካብ ዝሰማዕኩዎ ገድሊ ኤርትራ ናይ ሸፋቱ ምትእኽኻብ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ ውድብ ኢዩ፡፡ ስዉእ ኣበየናይ ኩርባን እምባን ሓደራ ክብለኒ ሰሚዐዮ፡፡ ሰብ ንነብሱዩ ዝስዋእ  ንዓይ ኣይኮነን፡፡ ምዉታት ኢዮም ብዛዕባ ምውታት ዝሓስቡ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ’ዩ ዘይበለ ደላይ ፍትሒ ኣይኮነን፡፡ ኣረ ብዛዕባ ናጽነትን ረፈረንድምን ውን ሕጋዊ ኣይኮነን ኣለዎ፡፡ ስም ሓደ ካብቶም ነዚ ክዑብ ሓሳባት ዝተፍኡ ሽፍታ’ወ! ዝብል ውን ኢዩ፡፡ እቲ ገፈጥ መፈጥ ኣባሃህላ ብዙሕ ኢዩ፡፡

እታ ዝገረመትኒ ገለ ካብቶም በሃልቲ ደሓን ኣፍለጦ ኣለና ዝብሉ ኢዮም፡፡ ብርግጽ ዘይነዓቕ ኣፍልጦ ውን ኣለዎም፡፡ ስለምንታይ ግን ንገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብተራ ከታርን ዘራፍን ሽፍታ ክግለጽ ደልዮሞ…? ስለምንታይ ንምስሉን ተግባራቱን ዝውክል ረዚን ፖለቲካዊ ቃል ዘየጠመቕዎ…? ስለ ዝጠፈኦም ወይ ውን ተሃዊኾም ዶ ይኾኑ..? ብናተይ ኣመለኻኽታ ኣይመስለንን፡፡ እታ ሱር ዘለዋ ቀንዲ ተኣፋፊት ቃል ከኣ ንሳ ኢያ፡፡ ብቓላት ሃንደስታ መዘዝ ዘለዋ መርዛም ቡቕሊ ኢያ፡፡

ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ መቐጸልታ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ብሃውሪ ወይ ብስሚዒት ዝተወልደ ቃልሲ ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ናብቲ መስዋእትን ስንክልናን ዝሓትት ገድሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝወሓዘን ዝዓሰለን፡፡ ኮይኑ ግን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንናጽነት ዝቃለሱ ሃገራውያን ውድባት እምበር ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኣይነበሩን፡፡ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ክኾኑ ውን ባህሪ ኣወላልደኦም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ግን ኣብ ገድሊ ኤርትራ ዲሞክራስያውያን ባእታታት ኣይነበሩን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡ ኣዝዮም ብዙሓት ንስለ ዲሞክራስያዊ ኣከያይዳ ንምትእትታው ሓቒቖምን ተቐንጺሎምን ኢዮም፡፡

ስለ ዝኾነ ብኽልቲኦም ንዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመርሑ ዝነበሩ ውድባት ክትገልጾ ዝኸብድ ናይ ቅትለት ገበናት ተፈጺሙ ኢዩ፡፡ ብዝገደደ ውን መሬት ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ኢዩ ብዝብል ኢፍትሓዊ ስነ ሓሳብ ኣብ ከቢድ ውግእ ኲናት ሕድሕድ ተኣትዩስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ዝእለዩ ውን ኮይኑ፡፡ ክጠፍእ ዘይግበኦ ህይወት ብሰንኪ ዲሞክራስያዊ ባህሪ ዘይምንባሩ ብሉጻት ኣሓትን ኣሕዋትን ከሲርና ኢና፡፡ እዚ እቲ ናይ መሪር ዝመረረ ዓንዴል ታሪኽና ኢዩ፡፡ ነዚ ዝኽሕድ ኣይነበረን ዝብል እንትርፎ እቲ እናሰመዐ ዝደንቆረ ሓደኳ የልቦን፡፡

እቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ በቶም ኢዲሞክራስያውያን መራሕቱ እናተኣለየ ግን ሰብ ምስ ኩምራ ሓጻውንን ሺሾ ሰራዊት ስርዓት ደርግን ተዋጊኡን ስዒሩን ናጽነት ኤርትራ ክዉን ገይሩ ኢዩ፡፡ነቲ ብመስዋእቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብሓይሊ ብረት ዝተረጋገጸ ናጽነት ንምውሓሱ  ኣብ ቅድሚ ተዓዛብነት ማሕበረሰብ ዓለም ብዘየዳግም ህዝቢ ናጽነት ኣድሚጹ ኢዩ፡፡ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ምዃና መዛዘሚ ናይቲ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ መሪር ቃልሱ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ነዚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝኸፈለሉ ዝተገፋዓሉ ዝተሞቓሓሉ ገድሉ ሽፍትነት’ዩ ነይሩ ክበሃል እንታይ ስለ ዝተደልየ ድኣሉ…?

እታ መርዛም ሱር ዘለዋ ሓሳብ እምበኣር ኣብዚኣ ኢያ ዘላ፡፡ እዛ መዘዝ ዘለዋ መርዛም ቡቕሊ ትፈርዮ ፍረ ድማ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ንለባም ኣምተሉ ኢዩ፡፡ ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት እንተድኣ ነይሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ እንተድኣ ኮይኑ፡ ናጽነት ኤርትራ ውን በዚ ሽፍታ ዝበሃል ዘሎ ውድብ ተቐሊሱ ስለ ዝመጸ ሕጋውነት የብሉን ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ፡፡ ብዙሕ መርትዖታት ካብቶም በሃልቱ ከምጽእ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ቃል ብቓል ዝተዛረብዎ ዝጸሓፍዎ ኩሉ ስኑድ ኢዩ፡፡ ክሳብ ንስዉእ ሽፍታ ኢዩ ዝብል ቃሎም!

እዚ ጉዳይ ቅድሚ ናብ ቅርዓት ምውጽኡ ነዊሕ ግዜ ገይሩ ኣሎ፡ ሓደ ካብዞም በሃልቲ ብተደጋጋሚ ብመገዲ ናይ መሰንጀር ብሕታዊ መልእኽቲ ይሰደለይን ንዘራረብን ነይርና፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ድማ ብተደጋጋሚ የልዕለለይ ነበረ፡፡ ሽፍታኮ ተራ ነገር ኢዩ፡፡ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ዘይብሉ ዝተወደበ ቅርጺ ዘይብሉ፡ ብህዝቢ ዝተፈንፈነ፡ ዘይረሃጸሉ ሃብቲ ውልቀ ሰባት ዝዘርፍ ብዓንደርእሱ ድማ ኣብ ደም ክኣትውን ደም ክጽየቕን ዘይደሊ ብረት ዝዓጠቐ ተራ ሰራቒ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ግን ምስቶም ሞባእ ናጽነት ዝኾኑ ሰማእትን ስንኩላንን ሓዊስካ ኣስታት 200 ሽሕ ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበሮ ውድብ ኢዩ፡፡ ርብዒ ሚልዮን ዝገማገም ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበሮ፡ ንጹር ፖለታካዊ መርሓ ዝነበሮ፤ ንሳላሳ ዓመታት ደማዊ ውግኣት ዝሓለፈ፡ ኣብ ደጀናቱ ካልኦት ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ዘይነበሮም ክሳብ ንኣሽቱ ፋብሪካታት ዝውንን ዝነበረ፡ ኣብ በረኻ እንከሎ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ፡ ወናኒ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ብኮራትን ክፍላተ ሰራዊትን ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበሮ ዓቢ ውድብ ከመይ ቢልካ ኢኻ ሽፍታ ነይሩ ትብለኒ ክብል ይምስለሉ ነይረ፡፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ይከራኸረኒ ነይሩ፡፡ ዘቕርቦም መርትዖታት ግን ዘእምኑ ኣይነበሩን፡፡

ኣብ መጠረሽታ ሓደ መዓልቲ ስማዕ ንህዝባዊ ግንባር ኮነ ነዚ ሕጂ ፍጹም መላኺ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ዝደለኻዮ ንዐኦም ክገልጽ ብዝኽእል ቃል ክትጽወዖምን ክትገልጾምን ትኽእል ኢኻ፡፡ ሓንቲ ዘረጋግጸልካ ግን ሸፋቱ ኣይኮኑን፡፡ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ህግደፍ ሸፋቱ እንተድኣ ኮይኖም ማሕበረሰብ ዓለም ብምልኡ ሽፍታ ኢዩ፡፡ ኣብ መንበር ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ዝኾነ ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኢሂን ሚሂን ዝበሃሃል፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ኣብየ ሃገሩ ወከልቲ ዘለዎ ሽፍታ እንተድኣ ኮይኑ፡ ዓለም ብሙላኣ ሽፍታ ኢያ ክብል ድርቕ ኢለ ይምጉቶ፡፡

ኣስዒበ ነዚ ሕድሪ ስዉኣት ዝረገጸ፡ መብጽዓ ኩልና ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ እንተደሊኻ ባርባርያን፡ ፋሺሽታውያን፡ ዲክታቶራውያን፡ ቶታሊተርያን ማለት ንተግባራቶምን ምስሎምን ክገልጽ ብዝኽእል ፖለቲካዊ መጸውዒ ጸውዓዮም ኣጠምቆም፡፡ ሽፍታ ግን ዝወረደ ተራ ነገር ኢዩ፡፡ ዓለምና ብዙሓት ቀተልቲ ከም ኢሳይያስ ዝጭክኑን ግፍዕታት ዝገበሩን ንኸም ሂትለርን ፓልፖትን ኣጎስቶ ፒኖቸን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ኣአንጊዳ ኢያ፡፡ ግን ሸፋቱ ኣይኮኑን ንዐኦም ዝውክል ኣስማት ኣለዎም፡፡

ካብዚ ብዘይፍለ እዞም ሎሚ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ሰብ ከም ጤለ በጊዕ ዝሓርዱ ዘለዉ ዲዒሽ፡ ኣልቃዒዳ፡ ቦኮሓራም፡ ኣልሸባብ ዓለም ሸፋቱ ዘይኮነ ግብረ ሽበራውያን ፈጠርቲ ራዕዲ ኢላ ኢያ ትጽውዖም ዘላ፡፡ እቲ ምንታይ ዋላ ውን ጉጉይ ይኹን ከረጋግጽዎ ዝደልይዎ ዕላማ ኣለዎም፡፡ ዝተወደበ ሓይልን ኣብ ኣእምሮ ካልኦት ዝጸፈይዎ መርዝን ስለ ዘለዎም፡፡ ብመንጽር እዚ  ተጋዲሉ ንዓርሞሸሽ ሓይሊ ስርዓት ደርግ ስዒሩ ካብ በረኻ ኣትዩ፡ ናጽነቱ ብሓይሉ ኣረጋጊጹ ክንሱ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣብ 1952 ዓ/ም ዝጠለመቶን ጸማም እዝኒ ዝሃበቶን ዓለም ትስመዓዮ፡ ብምባል ኣብ ገድሊ ዝኣመሞ እማመ ረፈረንድም ቃሉ ኣጽኒዑ ዘተግበረስ ራእይ ዘይነበሮ ተራ ሽፍታ’ዩ ግደፈኒ በጃኻ ይብሎ፡፡

ዝመለሰለይ መልሲ ከየሰንበደኒ ኣይተረፈን፡፡ ረጊአ ንኽሓስብን ኣብ መንጎ እቶም ንቃለስ ኣለና ንብል ገለ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ንምሕንፋሽን ንምብታንን ዝተላእኩ ክርዳድ ምህላዎምን ግን ክግንዘብ ኪኢለ ኢየ፡፡ ናብቲ ዝመለሰለይ መልሱ ክመልሰኩም፡፡ “እታ ጌጋ እኮ ኣብ ረፈረንደም ኢያ ተፈጺማ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ እወን ኣይፋልን ዝብላ ጥራይ ኢዩ ቀሪብሉ፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ጉዳይ ፈደረሽን ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዝብል ኣማራጺታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣይቀረበሉን፡፡ ስለዚ እቲ ዝተገብረ ረፈረንደም ሕጋዊ ኣይነበረን” ይብለኒ፡፡ ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ ኢዩ ነገሩ፡፡

ብሓቂ ከምኡ ዓይነት ስንባደ ኣደይ ዓሪፋ  ሃንደበት ምስ ተረዳእኩ ጥራይ ኢየ ሰንቢደ፡፡ ዝገረመኒ ግን እቲ ከምኡ ዝብለኒ ዘሎ ሰብ ዝተማህረን ኣቡኡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ዝኾነ ተቓዋማይ ኢየ ዝብል ኢዩ፡፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈንው ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1952 ብፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ስርዓት ሃይለስላሰ በቲ ዓማጺ ብይን ክቑረን እንከሎ፡ ተገዲዱ እምበር መሪጽዎ ድዩ…? ካብ ምፍላም ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ምምሕዳር ጥልያንን ዝነበረት ኤርትራ ንኣስታት ሱሳ ዓመታት ዝተነጸረ ዶባት ዝነበራ ሃገር ኣይነበረትን ድያ…? ድሕሪ ስዕረት ገዛኢ ኤርትራ ዝነበረ ፋሽሽቲ ጥልያን ኣቦታትናን ኣበሓጎታትና ናጽነት ኢሎም ኣይተቓለሱን ድዮም..?

ሓይሊ ሓያላን ሓይሉና ዓለም ዘርያትና ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነን ዘይነበረን ዓማጺ ብይን ፈደረሽን ወሲናትልና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ግዜ’ቲ እንታዩ ድሌቱ ኣይተሓተተን፡፡ እዚ ዶ ኣይኮነን ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንጅምርን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ክንከፍልን ንሳላሳ ዓመታት ብገድልን መስገደልን ክንሓልፍን ክንሰግርን ዘገደደና፡፡ እታ ሕቶ ሓንቲ ኢያ ኤርትራውነትና ንምርግጋጽ! ስለ ዝኾነ ኢዮም ከኣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዲሞክራስያውያን ውድባት ዘይነበሩ፡፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኤርትራውነትና ንምርግጋጽ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ ኢዩ፡፡ ገድሊ ኤርትራ ንናጽነት እምበር ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዝተገብረ ቃልሲ ኣይነበረን፡፡ ኣይፋሉን ዝብል እንተሎ ብደሆ! ኮይኑ ግን እቶም ገድሊ ብንኡሱ ቶንኮላት ዝቛጸሩ ንጸጋም ገዲፍና ተጋዳላይ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ባህግን ራእይን ነይርዎ ኢዩ፡፡ ክሳብ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት እቲ ውድብ ጉዳይ ረፈረንደም፡ ሕብረሰልፋዊ መንግስትን ካልእን ተጠሊሙ እምበር ኣስፊርዎ ነይሩ ኢዩ፡፡

ስለምንታይ ሕጂ ካልእ ጓል መንገዲ ይለዓልን ይድለን ኣሎ….? ብወገነይ ነዚ መርዛም ብቑሊ ኣቃሊለ ኣይርእዮን ኢየ፡፡ ካበይ ተበጊሱ ንመን መጋበርያን ግዳይን ገይሩ ድማ ብጭብጢ ንርእዮ ኣለና፡፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ዛዕባ ሕጂ ውን ቁሩብ ከሰሓሕበና ምዃኑ ርዱእ ኢዩ፡፡ ድሮ ውን ኣንድነታውያን ዕሱባት ወያነን ካልእን ዝብል ዘሕፍር መልስታት ክጋዋሕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ናተይ ትዕዝብትን ርድኢትን ግን ብኣንጻር እዚ ዝበሃል ዘሎ ኢዩ፡፡ ምናልባት ገለ ኹቱር ጽልኢ ናይቲ ስርዓት ዘለዎም ውሽጣዊ ስሚዒታቶም ደፋፊእዎም ነቲ ሓሳብ ተመሊሱ ዘውርዶ ጉድኣት ከየስተባሃሉ ዘጋውሕዎ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ነዞም ብስሚዒት ዝነፍጹ ግሩሃት ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ከይጸድፉ ምሓዞምን ምምሃሮምን ምምካሮምን ከድሊ ኢዩ፡፡ እንተ እቶም ሽርሒ ህግደፍ ተኣንጒቶም ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክዘርጉ ተባራዒ ፈንጂ ኣብ ማእከል ደምበ ተቓውሞ ዝድርብዩ ዘለዉ ግን ተመዝሒቖም ክወጹን ክልለዩን ኣለዎም፡፡ ገድልን ሽፍትነትን ፍጹም ዘራኽብ ነገር ከም ዘይብሉ ድማ ደጊመ ከርጋግጸሎም እደሊ፡፡

ምግዳል ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ምሕላፍ ናይ ሕልና ጉዳይ ኢዩ፡፡ ዘይምግዳል ብኣንጻሩ ዘተሓታትት ገበን ኣይኮነን፡፡ ስዉእ ንነብሱ እምበር ንዓና በጃ ኮይኑ ኣይተሰወአን ዝብል ዘረባ ግን እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን ነውሪ ነገር ኢዩ፡፡ ሰብ ንውልቀ ነብሱ ኢሉ ብፍጹም ኣይስዋእን ኢዩ፡፡ ድሕሪ መስዋእቲ ድሕሪ ሞት ምንባር ምቁራጽ ኢዩ፡፡ ምንባር ንኸተቋርጽ ብዘይ ዕላማ ክትስዋእ ድማ ብፍጹም ዝሕሰብ  ኣይኮነን፡፡ ስዉኣት ኤርትራ ምንባር ናይ ሓፋሽ ንኽቕጽል ኢዮም ተሰዊኦም፡፡ ንሕና ንኽጥዕመና እንተ ዝስውኡ እዚ  ገጢሙና ዘሎ ሽግር ኣይምገጠመናን፡፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ሃገር ምሃለወትና ዝብል ስሚዒታት ገለ ግሩሃት ዝትንክፍ ረቂቕ ሽርሒ በቶም በሃልቱ ካብ ዝተቓለሐ ኢዩ፡፡ ብሰሪ ሕምቀትካን ኣብ ሕዛእቲ እንታይ ገደሰኒ ምሕባእካን ፍትሒ ስለ ዝሓረመካ ስለ ዘይጠዓመካ ተረካብ ይዓድዮ ንስውእ ክትከስስ፡፡

ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ ኩሉ መላኺ ዓማጺ ክሳብ በትረ-ስልጣኑ ዝጭብጥ ክሳብ ሓይሉ ዘረጋግጽ ኣካል እቲ ህዝብን ቃንዝኡን ኮይኑ ኢዩ ዝቐርብን ዝሰብኽን፡፡ ብጩብጥ ውን ኩሎም መለኽቲ ብማዕበላዊ ደገፍ ህዝብን ዘሰክር ጣቒዕትን ተሰንዮም ኢዮም መንበረ ምልኪ ዝቆጻጸሩ፡፡ ናትና ነገር ውን ከምኡ ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ሰለስተ ሚሊዮን ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ኢዩ ይብል ከም ዝነበረ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ናይ ሎሚ ኢሳይያስ ኣብ 1986 ዓ/ም ኣንጻር ሰለስተ ሓለፋታት ኢሉ ንተጋዳላይ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርካ ነዞም መራሕትኻ ብሕጊ እንተዘይ ሒዝካዮም እንተዘይ ኣቃሊዕካዮም ኣብ ናጽነት ኣብ ፓላሶ ኮይኖም ክሸኑልካ ኢዮም ይብል ከም ዝነበረ ዝርሶዖ ዝህሉ ኣይመስለንን፡፡ ማዕሪኡ ምሉእ ደገፍ ናይ ህዝቢ ከምዚ ሎሚ ኮር ተገልበጥ ከይኮነ ነይርዎ ኢዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ኢሳይያስ ንእምነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዙዩ መብጽዓ ገድልና ጠሊሙ መላኺ ዝኻነ፡፡ መንበረ ምልኪ ንምፍራስን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ድማ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይምልከቶ፡፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ተጋዳላይ ንበይኑ ብፍጹም ተሓታቲ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ተጋዳላይ ውን ንባዕሉ ግዳይ ኢዩ፡፡ ኣብ ናይ በለጽ ሕዛእቲ ተሸጊጥካ ነብስኻ ኣብ ከውሊ ዲያስፖራ ኣማዕቂብካ ተጋዳላይ ካልኣይ ግዜ ክስዋኣልካ ምሕላም ግን ሓጥያት ኢዩ፡፡

ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ብዘይ ቀልዓለም ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ብረት ዓጢቑ ጥራይ ውን ኣይኮነን ናጽነትና ጋህዲ ዝኾነ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ እንትንኡ በብታ ዝኽእላ ዓቕሙ ኣብቲ ፍትሓዊ ንናጽነት ዝተገብረ ገድሊ ኢዱ ሓዊሱ ኢዩ፡፡ ኣበየ ዓዱ ሚሊሻን ብደሆ ሽማግለን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ከበድቲ ሚስጢራት ካብ ከብዲ ጸላኢ ዘውጽኡ፡ ንወሰንቲ ኣካላት ናይ ደርጊ መሓውር ዘልምሱ፡ ኣብ ግዜ ውግኣት ስንቅን ኣጽዋርን ዘቀባብሉ፡ ማዕሪኡ ውጉኣት ናብ ሕክምና ዘመላልሱ፡ ስሚንቶን ሽንትቤትን ፋሕፊሓን ዓንድሕቆ ሰውራ ኤርትራ ገጥ ዘበላ ከም ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ድማ ሒደት ኣብነታት ኢዩ፡፡ ሕጂ ውን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ልክዕ ከምቲ ንናጽነት ዝተገብረ ተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከድሊ ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ተሳትፎ ሓፋሽ ዘይብሉ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ኢየ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዱ ዝሓወሰሉ ህዝባዊ ገድሊ ኢዩ ዝብል ዘለኹ፡፡ ነዚ ታሪኽ እዚ ክትድምስ ድማ ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ እቶም በሃልቲ ውን እዚ ሓቂዚ ይጠፍኦም ኢለ ኣይሓስብን ኢየ፡፡ ንግዚኡ ብረብሓ ተዓሲብካ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ንኸተናውሕ መርዚ ዘፍሪ ቡቕሊ ዘሪእካ ክትሓልፍ ግን ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ብቐንዱ እዚ ተልእኾ እዚ ካብ ውሽጢ እቲ ኣብ ዕርብርብ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ዝተበገሰን ዝተላእከን ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦን ክግንዘቦን ኣለዎ፡፡ ዕላምኡ ደምበ ተቓውሞ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎ፡፡ ክትኮስ ዝቐረበ ማዕበል ሓፋሽ ብፍርሒ ተሓሚሱ ክብርዕን፡፡ ህዝቢ ምስ ደምበ ተቓውሞ ጠሪሹ ክባተኽ፡፡ ኤርትራዊ ርእሱ ኣድኒኑ ንምልኪ ህግደፍ ኣሜን ኢሉ ክቕበል፡፡ ኣስተውዕል ኣንታ ንስሚዒታትካ መዝሚዞም ኣብ መጻወድያኦም ብምእታው መጋበርያ ተልእኾ  ሽርሖም ዝገብርኻ ዘለዉ ግሩህ መንእሰይ!! እዞም ሰባት ልብስኻ ዝለበሱ ሃሱሳት በዓል ደምካ ስርዓት ህግደፍ ኢዮም፡፡ እዞም ሰባት ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣድነትን ዘሕመሞም ኣይኮኑን፡፡

ከም መዛዘሚ ሓሳበይ ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት እንተድኣ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ንናጽነት ዝተገብሩ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ሽፍተነት ኢዮም ነይሮም፡፡ ካልኣይ ኣብዚ ደጊመ ዘነጽሮ ስርዓት ህግደፍ ሽፍታ እንተድኣ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ውን ሽፍታ ኢዩ፡፡ ምስ ሽፍታ ዕላቓታት ዝገብር ንሽፍታ ሚሊዮናት ኣቕራሽ ዝሕግዝ ንባዕሉ ውን ሽፍታ ኢዩ፡፡ እቶም ነዚ ጽያፍ ሓሳብ ዝተፍኡ ዕላመኦም ሓደን ክልተን ዘይብሉ ንጹር ኢዩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ናጽነት ኤርትራ ሕጋዊ ኣይኮነን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከምቲ ክቱር ንዕቀት መራሒ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንምንዓቑን ድኹም ኢኻ ብተራ ሽፍታ ኢኻ ትደዓኽ ዘለኻ ንምባልዩ፡፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻር እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ኢዩ፡፡ እዚ ሕሉፍ ቶታሊተርያን ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ውን ዝረበሸን ዝሓመሰን ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ፡፡ ርሑቕ ከይከድና ጎረባብቲ ሃገራት የመን ሱደን ጁቡቲ ሶማል ኢትዮጵያ ምስክር ናይዚ ሓቂ ኢየን፡፡

ኣብ መጠረሽታ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰል ኩሉ ህዝቢ ዝመንዘዐ ቶታሊተርያን ስርዓት ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት እዚ መብጽዓ ገድልና ዝጠለመን ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኸሰን ከሓዲ ኢዩ፡፡  ነዚ ስርዓት እዚ ሽፍታ ዝብል ቃል ኣይገጥሞን ኣይምጥኖን ውን ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት እዚ ብምሉእ ነብሱ ኣብ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ተዘፊቑ ዘሎ ደመኛን ጸላእን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡

ሚኪኤል እምባየ

Aranchi03@yahoo.com

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • wedi sebera April 12, 2016

    ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ እቶም ነቲ ገድሊ “ሽፍታ” ዝብሉ ዘለው ኢዮም ዕሉላት ሸፋቱ። ንገድሊ ናይ ህዝቢ እንዳጸረፍካ ኣበይ’ዩ ክብጻሕ ዝሕሰብ ዘሎ? እቲ ዝገርም፡ ህግደፍ ታሪኽ ኤርትራውያን ረሚሱ እንዳበልካ፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንምብላል ድግድጊት ምዕጥቕ ኢዩ። ህዝቢ መታን ነዞም ሓተላታት ከለልዮምን ክተፍኦምን ግን ናይ ኩሉ ሓቀኛ ደላዩ ፍትሕን ዲሞክራስን ቃልሲ የድሊ።

  • Tsehaye April 12, 2016

    Dear all,

    The PFDJ mafia (the barbaric shifta) comes in all colors and shapes. It is high time Eritreans start scrutinize and recognize that individuals like the author of the above article are the most dangerous agents of the PFDJ mafia recruited to infiltrate and render the opposition movements useless.

    “ገድልን ሽፍትነትን በየንን ብኸመይን ይራኸብ…?” Very good question, and here is the answer:

    1. both ghedli and shifta are renowned for their barbaric acts although a shifta is a little more benign than the barbaric ghedli

    2. both abuse innocent civilians without bound

    3. both follow the law of the jungle

    4. both have no regards for human lives

    5. both leave behind a trail of mayhem and destruction.

    The list is endless…

  • gebar April 13, 2016

    …….መንእሰያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንእስነቶምን ወጽዖኦምን ይርኣየሎም፡፡ በዚ እኩይ ተግባር ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝሰንበረ ርዱእ ኮይኑ፡ ብፍሉይ ንቤተሰብ ግዳያት ግን ጽንዓት ይሃብኩም፡፡ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባራት ተቓጽዩ ዘይኮነ ርእዮ ብርእዮ፡ ሓንሳብ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝፍጽም እሞ ድማ ኣብ ጸሓይ ቀትሪ፡ ከም ተራ ከታሪ ሽፍታ ክበሃል እንከሎ ኢዩ ከኣ መዓንጣ ከብድኻ ቅርጽ ዘብለካ፡፡ ሽፍታ ካብ እኩብ ሰብ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ኢዩ ዝብርግግ፡፡ ሽፍታ ኮነ ኢሉ ብተመልከተለይ ሰባት ኣይቀትልን ኢዩ፡፡ ሽፍታ ንመላእ ህዝቢ ብፍርሒ ከም ዘንቀጥቅጥን ከም ዝብህርርን ኣይገብርን ኢዩ፡፡ ሽፍታ ደም ክጽየቕን ኣብ ደም ክኣቱን ኣይደልን ኢዩ፡፡ እዚ ኣረሜናዊ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ግን ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሙ ኢዩ፡፡……
    “ምቅንጃው ገድሊ” ዝብልዎ ከምዚ እዩ፡፡ እቲ ምኽንያት ነቲ ኣብ በረኻታት ሳሕል ኣብ ነንሕድሕዶም ዝለመድዎ ጸወታ ኣቃታታል፡ ዘኽፍኣሎም ስለ ዘይመስሎም ኣብ ማእከል ህዝቢ ውን ቀጺሎሞ፡፡…. እዚ ደኣ “ሕሉፍ ሽፍትነት” እምበር፡፡

  • Teclay April 13, 2016

    Ato Aranchi
    It is your right to believe what you have said.i.e,. they were not Shiftas (bandits ),rather freedom fighters and thanks to our freedom fighters,we have an independent Eritrea….that is what you want to say, right ?if yes ,why did you need such a long and boring article ,you could have said it in a comment part as most of us have been doing.
    Anyway ,it is up to you to call them whatever you like .Fact is ,their difference is only in the degree of cruelty and the equipment in their disposal i.e,. the ordinary Shiftas(even the top ones) of the ’50s and after,e.g,.the Mossazghi brothers(W/Ghebriel&Berhe),Hagos Temnewo,Lema ,Wedi Hadera,Idris Awate didn’t own modern guns and Dozers.
    You said,”ሕጂ ውን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ንኾርዓሉ ብደም ዝተነድቀ ታሪኽና ኢዩ፡፡”..ኣቶ ኣራንሺ ብደም ዝተነድቀ ዲኻ ዝበልካ ?ግርም እሞ እኖሆልካ ናይ 25 ብዓል ነጻነት,,፣መናድቕን ጎደናታትን ብደም ኣረጋውያን ዘይኮነስ ፣ብደም መንእሰያት ይልቕለቕ።
    Aranchi enjoy your independence day with Kirar and Kebero and we are going to celebrate our slavery day by lighting a candle.

  • Adal April 13, 2016

    ዝኸበርካ ኣራንሺ ንጹሑፍካ እጹብ ድንቂ ጥራይክብሎ እደሊ። እትምንታይ 360 ዲግሪ ብዝግባእ ስለዝሓሰብካሉ። ስኽፍታይ ግን ንቅሓት መንእሰያትና ኢዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ብ ኣጉል ኣገባብ ዝህነጹ ዘለዉ መንእሰያትና ደርጃ ንቅሓቶም ፈጺሙ ነዚ ጺፍዮ ማሕለኻ እዚ ክፈትሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ምእኩል ምሕደራ ስለዘይብልና ኻኣ እዞም ኣብ ፈቀዶ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና በቶም ብድሕረ መጋረጃ ድዝወሩ ኣብ መንጎና ከምድልየቶም እንዳሓምበጡ ዕግርግር የብልዎ ኣለዉ እሞ በጃኹም እዞም ጽሓፍቲ ካብ ምጽሓፍ ኣይተቃርጹ ኢለ ክምሕጸነካ እድሊ ምኽኒያቱ ሓያለ ጌርካ ጠፊእካና። እምበር ኤርትራ ትብሃል ሃገር ኣይነበረትን ዝብሉ ኸ ገለ ኣይገጠሙኻን?ደም ዘንብዕ ስማዕ ንሰምዕ ኣለና። እዚ መርዛም ሓደገኛ ሓሳብ ናይ መን ምኻኑ እካ ንግማቱ እንተዘይ ኣሸገረና እቶም ናይ ምጽሓፍ ዓቅሚ ዘለኩም ካብ ምጽሓፍን ነቲ ሓቂ ብዝግባእ ካብ ምፍታግን ምትንታንን ዓዲ ኣይትውዓሉ።ኣታ መንእሰይ ካኣ ኣስተውዕል ስቅ ኢልካ ኣብ ሸረኽ ወይ መፈንጠራ ኣይትእቶ ዛግራ ወይ ዝብኢ እካ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ መጻወድያ ይፈልጡ ኢዮም።

  • Mahari April 14, 2016

    dear Micheal Embaye;
    by analogy of your argument you have become one of those HGDEF, that is narrow minded, colonial and Arab oriented, with a distorted self image and thereby you become a radical and over protective of your Eritrea.You have said that, the Eritrean liberation struggle has victimized many democrats, but you are criticizing the gentle man who have different views of the referendum. The options for the referendum were freedom or slavery? it should have been union or independence. “slavery” is a language of Shifta. you wouldn’t find it any where in any referendum before and after Eritrea. I have not heard or encounter any Eritrean with a unionist view but you are claiming you got one and dismiss him as Weyane’s agent. 1953 referendum was debated by Eritreans for and against union/independence and voted in favor of union. but some years later it was sabotaged by the king. The idea of all colonized people should resort to form a nation is an idea generated by colonizers, it is not meant to advance the interest of these very people. It had a hidden agenda behind it – to advance the interest of colonizers.Cameron was colonized partly by french and partly by Britain but they merged to form Cameron. Somalia was partly colonized by Italy and partly by Britain they merged to form Somalia. Canada was partly colonized by Britain and partly by France and they merged to form Canada…etc. So it was natural and wise decision for our forefathers to Merge with Ethiopia in the form of Federation, but the feudal system mentality turned out to be incompatible with the federal arrangement thereby discrediting the decisions made by the unionist movement. You look to imply that Ethiopia and Ethiopians are desperately seeking to unite Eritrea with Ethiopia. you are in your shaebya’s dreaming bed.After separation Ethiopia has developed/changed beyond your imagination. your assumption a thing of the past feudal system. Ethiopia has position it self to develop and develop fast with out any roll played by Eritrea. Ethiopia has nine states and nine presidents and one prime minister. This is a union of nine different states-“economic union”. if Eritrea was there could have been ten presidents and ten states.Eritrea is on its own and making world headlines news for sad stories not because of lack of resource but because of shaebya’s extremist, none realistic, none indigenous and a mix of Colonial, Arab and feudal character that molded its mentality is cruel and satanic and is victimizing every one with out exception.the argument that EPLF was different from HGDEF is misleading. EPLF was hiding in Nakfa beyond public access and HGDEF on the open field being followed by the public.
    Port Tajura that is being develop to serve Amhara and Tigray states is the final nail to economically marginalize Eritrea with in the region.Eritreans in droves are searching a new home in a remote world.
    In this era of globalization no one could guarantee a complete independence. There will be inter dependence of some degree, the world is becoming a small village and Africans as a whole may adapt a one passport policy and free movement of people. But rest assure this is not going to happen in the life time of myself Shabya and Mr. micheal. if Eritreans and Ethiopians will be brought together under one African union pass port then one may ask what was all the 30-years of blood shed and suffering for? The answer is short and simple, have succeeded in discarding the ugliest form of feudal governance from Eritrea and Ethiopia which have opened a new direction for future generation.This is the only viable gain for all the bloodshed and suffering.Not Eritrean independence, not shaebya, not Weyane.

POST A COMMENT