Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….?

 ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….? ሎሚ እታ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን፡ ንመሰልን ፍትሕን፡ ንስለ ዕቤትን ብልጽግናን ንስለ ሰላምን ቅሳነትን ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ፡ ብመንጽሩ ስዉኣትና ዝገደፉልና ረዚን ሕድሪ መብጽዓና እነሐድሰላ፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ኢልና ማሕላናን ድምጽናን እነቃልሓላ ዕስራ ሰነ

 ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….?

ሎሚ እታ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን፡ ንመሰልን ፍትሕን፡ ንስለ ዕቤትን ብልጽግናን ንስለ ሰላምን ቅሳነትን ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ፡ ብመንጽሩ ስዉኣትና ዝገደፉልና ረዚን ሕድሪ መብጽዓና እነሐድሰላ፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ኢልና ማሕላናን ድምጽናን እነቃልሓላ ዕስራ ሰነ (20 ሰነ) መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኢያ፡፡ መበል ዕሰራን ሰለስተን ዓመት ዝኽሪ እቲ ረዚን መብጽዐ ዝተሰከምናሉ ዕለት፡፡ ግዳ ብሓቂ ዲና ቅሰኑ ሰማእታትና መብጽዓኹም ተግቢርናዮ ፍትሕን ሓርነትን ኣንጊስና፡ ሃገር ናብ ገነት ልምዓት ቀይርናያ፡ ስድራ ስውኣት ተደቢሶም፡ ደቂ ስውኣት ከቢሮም ነቢሮም፡ ህዝቢ ከም መብጽዓኹም ፍትሒ ረኺቡ ዋና ሃገሩ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ካብ ስደትን ከልበትበትን  ኣዕሪፉ ዓዱ ተመሊሱ፡ እታ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገር፡ ዓዲ መዓርን ጸባን ዓዲ ሽሻይን ጽጋብን ቀይርናያ ኢልና ኣፍና መሊእና ንዝምርን ሽምዓ ነብርህን ዘለና…….? ብሓቂ ብዘይ ገለ ሕርኽራኽ ልብና ኣሚኑሉን ተቐቢልዎን መብጽዓን ሕድርን ሰማእታት ኤርትራ ተተግቢሩን ይትግበር ኣሎን ንብል ኣለና……? እንድዒʼኸ ግን ኣይመስለንን፡፡

ኤእ ኣንቱም ተረርቲ ልቢ ፈርኦን የማነ ጸጋምኩም ርኣዩ፡፡ ብሰንኪ ህልኽ በሊሕ ላማ ምውሓጥ ኣይግድን፡፡ መጠረሽታ በብሓደ ሰብ ወሓደ ኮይና ኩልና ኢና ንጠፍእ ዘለና፡፡ ኢሳይያስን ኢቲ ንሱ ዝመርሖ ናይ ደም ጉጅለን ኣሽንካይ ሰማእታት ኤርትራ ክዝክሩን መብጽዖኦም ከኽብሩን ንህልዋት ኢዮም ርእዮ ብርእዮ ዝቐትሉን ዝኣስሩን ብጅምላ ዘሳድዱን ዘለዉ፡፡ እዚ ብደም ምሉእ ነብሱ ዝጠልቀየ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ጉጅለ ኣሽንኳይ ሰላምን ፍትሕን ከንግስ፡ ንሞትን ዕግርግርን ከም ዝተፈጠርና መዋእልና ኣብ ኲናትን ውግእን ከም ንሽመም ኢዮም ገይሮምና፡፡ እዚ መብጽዓ ስውኣትን ህልዋትን ምሉእ ብምሉእ ረጊጹ ዝጠለመ ካሕዳይ ጉጅለ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ከይሰርሕ ሃገር ከየልምዕ ከይወልድ ከይዝምድ ጅሆ ሒዙ ክንህሉን ከይንህሉን ኣብ ምልክት ሕቶ ኢዩ ኣእቲውና ዝርከብ ዘሎ፡፡ እዚ እናኾነ ግን ኤርትራውያን ኣብ ክልተ ኣንጻር ተመዐዳዊ ነገር ረጊጽና ገሌና ነእዊ ደም ንነብዕ፡ ገለ ድማ ኣብ ርእሲ ሬሳ ሳንዱቕ ወገናትና ከበሮ ሒዝና ንጉይል ጉራዴ ሒዝና ንድብልን ንስዕስዕን ኢና ዘለና፡፡ ካልእሲ ይትረፍ እዚ ጨካን ዓማጺ ጉጅለ  ከም ዝብኢ ንገዛእ ስጉኡ ክበልዕ ንሕድሕዱ ክማጃረጥ እውን ንዕዘቦን ነስተብህለሉን ዘለና ኣይንመስልን፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኣብ መጻወቲ ሜዳ ዘይኮነ ኣብ ትሪቡን እውን ከም ተዓዘብቲ  የለናን፡፡ ሓደ የብሉ ክልተ ኩልና ኣርሒቕና ገይሽና ኣለና፡፡ ከመይ ዝዓይነቱ መገሻ ግን….?

ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ ምረአና ……. ???? ስነ ጥበባዊ የውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ድሕሪ እቲ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ  ጸሊም ናይ ጓሂ ስንብራት  ዝገደፈ ኣስካሕካሒ ህልቂት ላምፓዱሳ፡ ሓድነት ኣብ እትብል  ፍትሒ ደሊና ኣብ ዝትሕዝቶኣ ንጽል ደርፉ፡ ጥበብን ውሕልነትን ሓዊሱ ካብ ዝበሎ ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም  ቃላት ስነ – ጥበባዊ ወዲ ትካቦ ሓቅን ርትዕን ኢዩ፡፡ ኣይፋሉን ዝብል እንተሎ ድማ ዋሕስ የግብእ ኢሉ ክማገት እነሆ ሜዳ ፡፡ የግዳስ ገድሊ ጥራይ ኣይኮነትን ገይሻ ዘላ፡፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቢ ይኹን መንእሰይ ወዱን ጓልን መገሽኡን ኣገያይሽኡን ደኣ ይፈላለ እምበር አርሒቑ ገይሹ ኣሎ፡፡

ብርግጽ ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ ዘየብል ግዜ ኣይኮነን፡፡ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ክሳብ ዒፍ ዝብሎ ሰትዩ፡ ብስኽራን ዝዓበደ ሓደ ገበነኛ ሰብኣይን ሒደት ጉጅልኡን ንኹሎም እቶም ጀጋኑ ኢልና ንሕበነሎምን ንኾርዓሎምን ገዳይም ተጋደልቲ ክቐትል፡ ክኣስር፡ ከደስክል፡ ከናሹ ንስንኩላን ተጋደልቲ ሓንቂቕኩም ኢሉ ብተመልከተልይ ክርሽን፡ ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ብምባል ክቐትልን ክኣስርን ከበሳብስን  ታሪኽ ጅግንነትና ክድምስስ፡ እቲ ንስለ ናጽነት ግምባሩ ክህብ ነግ ፈረግ ዘይበለ ተጋዳላይ ርእሱ ኣድኒኑ ኣብ ናይ  ስቕታ ማዕበል ክወሓጥ፡ ገድሊ ገይሻ ጥራይ ዘይኮነት ብስሩ  እውን የላን ዘብል ኣካሒዳ ግዜ ኢዩ፡፡ የግዳስ ግደ ሓቂ ግን ገድሊ ጥራይ ድያ ነዚ ናይ ደም በዓል ዕዳ ዝኾነ ቀታሊ ጉጅለ ክትጋፈጦን ክትኣልዮን ዘለዋ…? ካን ተጋዳላይ ጥራይ ኢዩ ክቃለስን ክስዋእን ዘለዎ…? ስለምንታይ ኣብ ጉዳይና ሓደ ወሃቢ ሓደን ተቐባሊ ንኸውን…? ሃገራዊ ውራይ ክሳብ ዝኾነ ስለምንታይ ኩልና ተዓጣቖ ዘይንኸውን…? ዋናታት ክንስና   ናበይን ኣበይን ኢና ኣርሒቕና ገይሽና ዘለና…?

ኣንቱም ኣሕዋት መገሻና ድኣ ተፈላልዩ እምበር ኩልና ገይሽና ኢና ዘለና፡፡ ገሌና ሩዕና ጠቕሊልና ናብ ዓዲ እንታይ ገደሰኒ ተሰዲድና ኢና፡፡ ገሌና ነብስና ኣብ ከውሊ ኣማዕቂብና ናብ ሃገረ ኣነን ስድራይን ጥራይ ኣይንተንከፍ ዓዲ ስቕታ ግዒዝና ኢና፡፡ ገሌና ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና እናበልና መሰረትና ተሓግሒጉ ነበረያ ነበረ እናኾነ ኣብ ክንዲ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳሚ ናይ ስምረትን ሓድነትን ስጉምቲ ንወስድ ኣብ ዓዲ ህልኽን ቅርሕንትን ተሸኺልና ዕንክሊል ንብል ዘለና ኢና፡፡ ናይቶም ሰብ ቀይሕ ወረቐትʼሞ ኩዱን በኣፈ ስላሰ ክትዛረበሉ ውን ስኽኽ ዘብል ኢዩ፡፡ ኣብ ዓለም ብኣምዑት ደቃ ትጻወት ፍጥርቲ ደርሆ ጥራይ ኢያ፡፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋቶም ዝስዕስዑ ኤርትራውያን ርኢና፡፡

ስለ ዝኾነ ሎሚ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ (20 ሰነ)  ኩሉ ነገር ጥርዚ ኣብ ዝበጻሓሉ፡ ክፍኣትን ጭካነን ምስሊ ስርዓት ህግደፍ ደሚቑ ኣብ ዝወጻሉ፡ ምረት ህዝቢ ኤርትራ ገንፊሉ ኣብ ዝፈሰሰሉ፡ ህዝቢ ብዓውታ ፍትሕን ሰላምን ደሊና ኣብ ዝብለሉ፡ ብመንጽሩ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝተሰማዓሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝብኢ ንገዛእ ስግኡ ክበልዕ ኣብ ዝጀመረሉ ኣዝዩ ተኣፋፍን ዝብርቕርቕ ኣብ ዝበለን ግዜ ኢና ንዝክሮ ዘለና፡፡ ግዳ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ክልተ ዓይነት ዝኽሪ፡፡

ህልዋት እንዳቐተልካ ህዝቢ ብጅምላ ከም ዝስደድ እናገበርካ፡ ሃገር ብሃገራ ናብ ሓንቲ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ቀይርካ፡ ዓሚ ብሰንኪ ምረት ምልኪ ህግደፍ ነብሶም ከድሕኑ ኣደዳ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኖም ኣብ ስደት መርየት ዓዲ ጥልያን ሓመድ ኣዳም ዝለበሱ ኣሕዋትና፡ ገና ዓኖም ከይነጦቖ፡ ስገኦም ከይሟጦገ ንዳንኬራ ቦለኛ  ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ ዝግበር ናይ ይምሰል ሓሶታዊ ዝኽሪ፡፡ በቲ ካልእ ድማ ጳጳሳት ኮተሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓውኻ ሓፍትኻ ኣበይ ኣለዉ…? ኤርትራዊ ነብስኻ ፈትሽ!! ኣብ ርእሲ ሬሳታት ወገናትካ ከበሮ ኣይትደስቕ እክትሽም ኣይትበል!! እንተ ኺኢልካ ብጥፍኣት ወገናትካ ኡይይይ በል!! ፍትሒ ይንገስ ኣድምጽ፡፡ ዕርቀ ሰለም የውርደልና ኢልካ ንኣምላኽካ ለምን ጸልይ፡፡ ዝብል እዋናዊ ዛዕባ ተላዒሉ ደወል ክተት ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ፡ ሰማእታትና ዝተጠልመ ሕድርኹም ክንመልሶ ኢና ዝብል ነድርን ሕራነን ደለይቲ ፍትሒ ብዓውታ ኣብ ዝስማዓሉ ሓቀኛ ዝኽሪ ኢዩ፡፡

ኣብ መጠረሽታ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ባርነት፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ሕድርኹም ተተግቢሩ ኢዩ፡ ክንብል ኣይኮነን ንባዕልና እውን ካብ ማሕዩር ምልኪ ጉጅለ ህግደፍ ክንወጽእ ኣይከኣልናን ዘለና፡፡ ከምቲ ኣብ ዒላ ዝጠሓለ ቅድሚ ተዘከረኒ ኣድሕነኒ ኣምላኸይ ንኽብል፡ ትንፋስ ክሰኵዕ ኣየር ክረክብ ፋሕጠርጠር ዝብል፡ ናትና ነገር ካብኡ ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ባርነት ክንደይ ድራማን ጋዕ ገልጠምን ርእይና ኢና፡፡ ንሕና ድማ ህግደፍ ንዘዳለዎ ሓሶታዊ ትያትሮ ዓጂብናን ኣጣቒዕናን ኢና፡፡ ንኤርትራዊ ስዉእ እንተዝመላለስ ሽሕ ግዜ ተባሂሉ ተዘይምሉ፡፡ ብሓቂ ግን ኤርትራውያን ሰማእታት ነዚ ገጢሙና ዘሎ መዓት ክርእዩ እንተዝምለሱ ብጓሂ ማይ ዘይኮነ ዝረገአ ደም ምነብዑ፡፡ ዕላማ መስዋእቶም ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ከም ጠለ በጊዕ ከብዱ ተቐዲዱ ኮላሊቱን ጸላም ከብዱን ንመሸጣ ክውዕል ኣይነበረን፡፡ ስለ ዝኾነ ሎሚ በቃ ይኣክል ንበል፡፡ ህልዋት ዘይክንስና ኣለና ኣይንበል፡፡ ኣብዚ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ  ዕስራ ሰነ 2014 ንስሓ ኣቲና ኩልና ካብቲ ዝወፈርናዮ መገሻ ንመለስ፡፡

ዝተጠልመ ሕድሪ ሰማእታትና ይመለስ!!

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • special breed June 18, 2014

    YOUNG PEOPLE,

    No disrespect to the author,I am sure he believes in what he wrote..but really put your sissy emotions aside & please think like young men & women ,unlike us your fathers,….
    I am only wiser than 99.6% of people so I could not with 100% certainity be right ,nut I put my feelings aside & call out on BULL CRAP & with all due respect to the young man..this is full of BULL CRAP..I wanted to let it go ,however wqhether young peopole listen like smart Eritreans or close their minds like us ,their parents..I HAVE MORAL O)BLIGATION TO POINT OUT THE BULL CRAP !!!

    Eg.
    I QOUTE BROTHER ARANCHI..ኢሳይያስን ኢቲ ንሱ ዝመርሖ ናይ ደም ጉጅለን ኣሽንካይ ሰማእታት ኤርትራ ክዝክሩን መብጽዖኦም ከኽብሩን ንህልዋት ኢዮም ርእዮ ብርእዮ ዝቐትሉን ዝኣስሩን ብጅምላ ዘሳድዱን ዘለዉ፡፡ እዚ ብደም ምሉእ ነብሱ ዝጠልቀየ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ጉጅለ ኣሽንኳይ ሰላምን ፍትሕን ከንግስ፡ ንሞትን ዕግርግርን ከም ዝተፈጠርና መዋእልና ኣብ ኲናትን ውግእን ከም ንሽመም ኢዮም ገይሮምና፡፡ እዚ መብጽዓ ስውኣትን ህልዋትን ምሉእ ብምሉእ ረጊጹ ዝጠለመ ካሕዳይ ጉጅለ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ከይሰርሕ ሃገር ከየልምዕ ከይወልድ ከይዝምድ ጅሆ ሒዙ ክንህሉን ከይንህሉን ኣብ ምልክት ሕቶ ኢዩ ኣእቲውና ዝርከብ ዘሎ፡ END OF QUOTE
    ደቀይ እቶም ስዉ ኣት ሕድሮም ክዛረቡ ከማን ኣብ ሻዕብያ ኣይፍቀደሎምን እዩ ኔሩ ፣እታ ኢሳያስ ንጥበራ ዝሓንጸጻ ከም ፓፓጋሎ ክደግሙ እንተዘይኮይኖም፣።።ወይሲ እቶም ዝተሰው ኡ ፍልይ ዝበሉ ኔሮም ካብዞም ዘለዉ ተጋደልትና ፧ መን እዩ ንመን ጠሊምዎ ፧ ንሳ እንድያ እታ መምርሒት__ሓረስቶት ምጭዋይ ፣ዝሓተተ ገባር ምእሳር___ወዘተ__ወይሲ እቶም ሃገረሰብ ኣይኮኑን__ኢሳያስ ህጉሬ ቀቲሉ ፤፤ኣዝማሪኖታት ዝምሕር ድዩ መሲሉና ፧Young people are you really more stupid than us to let your inteligence being insulted..IT HAS ALWAYS HAS BEEN LIKE THAT …YOIU DO NOT HAVE TO BELIEVE Me,HOW ABOUT WEDI TEMNEWO ???

    እናኾነ ግን ኤርትራውያን ኣብ ክልተ ኣንጻር ተመዐዳዊ ነገር ረጊጽና ገሌና ነእዊ ደም ንነብዕ፡ ገለ ድማ ኣብ ርእሲ ሬሳ ሳንዱቕ ወገናትና ከበሮ ሒዝና ንጉይል ጉራዴ ሒዝና ንድብልን ንስዕስዕን ኢና ዘለና፡፡ ካልእሲ ይትረፍ እዚ ጨካን ዓማጺ ጉጅለ ከም ዝብኢ ንገዛእ ስጉኡ ክበልዕ ንሕድሕዱ ክማጃረጥ እውን ንዕዘቦን ነስተብህለሉን ዘለና ኣይንመስልን፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኣብ መጻወቲ ሜዳ ዘይኮነ ኣብ ትሪቡን እውን ከም ተዓዘብቲ የለናን፡፡ ሓደ የብሉ ክልተ ኩልና ኣርሒቕና ገይሽና ኣለና፡፡ ከመይ ዝዓይነቱ መገሻ ግን….?

    Young people I have advice for this young man’s article..IT IS THE GEDLI THAT DANCE ON THE CORPSE OF THEIR COMRADES,,,WHO BEAT DRUMS & BEING ENTERTAINED BY LIVE MUSIC WHEN POSSIBLE..LITERALLY !!!
    Or the death of our hagereseb people & ELF tegadelti inferior to the ones martyred under Isaias’s GEDLI ???
    I AM NOT TRYING TO GET PERSONAL…BUT, IF YOUNG PEOPLE COULD NOT DIFFERENTIATE BULLCRAP THEN OUR PEOPLE HAVE NO HOPE; LITERALLY !!!

    Another Quote…ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ክሳብ ዒፍ ዝብሎ ሰትዩ፡ ብስኽራን ዝዓበደ ሓደ ገበነኛ ሰብኣይን ሒደት ጉጅልኡን ንኹሎም እቶም ጀጋኑ ኢልና ንሕበነሎምን ንኾርዓሎምን ገዳይም ተጋደልቲ ክቐትል፡ ክኣስር፡ ከደስክል፡ ከናሹ ንስንኩላን ተጋደልቲ ሓንቂቕኩም ኢሉ ብተመልከተልይ ክርሽን፡ ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ብምባል ክቐትልን ክኣስርን ከበሳብስን ታሪኽ ጅግንነትና ክድምስስ፡ እቲ ንስለ ናጽነት ግምባሩ ክህብ ነግ ፈረግ ዘይበለ ተጋዳላይ ርእሱ ኣድኒኑ ኣብ ናይ ስቕታ ማዕበል ክወሓጥ፡ ገድሊ ገይሻ ጥራይ ዘይኮነት ብስሩ እውን የላን ዘብል ኣካሒዳ ግዜ ኢዩ፡፡ የግዳስ ግደ ሓቂ ግን ገድሊ ጥራይ ድያ ነዚ ናይ ደም በዓል ዕዳ ዝኾነ ቀታሊ ጉጅለ ክትጋፈጦን ክትኣልዮን ዘለዋ…?

    Last paragraph..ካን ተጋዳላይ ጥራይ ኢዩ ክቃለስን ክስዋእን ዘለዎ…? ስለምንታይ ኣብ ጉዳይና ሓደ ወሃቢ ሓደን ተቐባሊ ንኸውን…? ሃገራዊ ውራይ ክሳብ ዝኾነ ስለምንታይ ኩልና ተዓጣቖ ዘይንኸውን…? ዋናታት ክንስና ናበይን ኣበይን ኢና ኣርሒቕና ገይሽና ዘለና…? THE END OF QUOTE

    እቲ ገድሊ ጉዳይ ህዝቢ ካብ ዘይከውን ጊዜ ሓሊፍዎ እዩ።ንሕና ውጹልና ዝበልናዮም ተጋደልቲ የለዉን።ሓራ ከነውጽ ኣኩም ኢሎም ወጺ ኦም ዝበዝሑ ተገዲዶም፣ እንታይ እዩ እቲ ምስዋእ ግዴና ዝገብሮ..!!

    Young people think for your selves ..forget the emotion & my brother died for this so I have to embrace it..I am sure our brothers had good intention…but TRYING TO COLLECT GOLD FROM A TOILET WILL ONLY EARN US SHIT !!!
    EVEN IF WE CALL OUR TOILET BISHA !!!

    YOUNG PEOPLE FORGET WHAT I SAY ,BUT THINK BEYOND EMOTION !!
    THE BEST NATIONALISM IS CHALLENGING YOUR PEOPLE !!!

  • Statestic June 19, 2014

    Kelshine suwiat tehangitka, Gebar Denbar Keytizareb Endabelka,Teref Dergi aytebahlen di u hizbi እቲ ገድሊ ጉዳይ ህዝቢ ካብ ዘይከውን ጊዜ ሓሊፍዎ እዩ.
    Good, bad, and Ugly are all from gedly.

    Aranchi, yes as special breed said it, you r TRYING TO COLLECT GOLD FROM A TOILET that WILL ONLY EARN US SHIT !!!

    • SPECIAL BREED June 20, 2014

      Respected Statestic,

      Thank you for taking to heart what I put in anger, I am tired of my people believing in fantasyland & calling nonesense death martyrdom !!!

  • Teclay June 19, 2014

    ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

    The writer said ” ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….? ”

    Sorry Mic!In which planet do you Live ?

    I think Isaias was right when he said “go to the moon! ” This writer seems just arrived from the moon.I have to consider moving there.

    The writer is proud even he posted his photo .And you the readers, what can you say abut this nonsense article ?
    It seems he is in love with Ghedli but missed it.Brother which Ghedli have you missed? the chaotic Jebha Arabic one or the communist like cruel one man Shaebia Ghedli ? Sorry but are you blind ? the Ghedli is every where , how you could not see it? Every thing what was in small Sahel is now in the whole Eritrea .I wounder which part do you missed from Ghedli? the prison,the war ,the disaster. Answer the following questions :
    -Have you ever heard about Suria Addis?
    -Have you ever heard about MENKAI and YEMIN ?
    -Have you heard Tefay Temnewo`s and Yemane T/Girghish`s narration ?
    -Had you been in Eritreas countryside During Ghedli time ?
    -Have you ever heard about the forcefully round ups of KEBESSA women in their middle of their honeymoons?
    -Have you heard the hero Dejen`s interview? or you just for get it?

    Brother if you miss one of the above and many others you do not need to worry go to Eritrea Ghedli is there.

    please before you write think on it carefully !

  • rahwa June 19, 2014

    Well done Aranchi! you are right geysha’la mber tetihlu gedli, mrana mesela kitihlu. ezom tesfay do men do bzbelo ngedli zimeznuwa kea neta natu zereba slezmerexu kalie kisemu aydelyun iyom. keep it up Mike!

  • rahwa June 19, 2014

    teclay you need to listen to Dejen Ande Hishel’s interview properly. he spoke the truth. did he say gedli was bad? don’t lie eseyas’s messenger teclay.

    • Teclay June 19, 2014

      Aye Rahwa

      Sister Rahwa you look emotional so i do not want to debate with you . misti tefiiki zelo Ghedli yerakibki inteyleki dima MERGHEM IYU ,,,ab mintayey wiilki iza haftey.

      • ahmed saleh June 19, 2014

        The person who used pen name
        Teclay has a reputation to be anti-
        Ghedli and anti-Eritrea sovereignty
        eager to degrade our history .

        • Tsehaye June 20, 2014

          selam Teclay,

          I would not blame Aranshi for his glorification of the brutal ghedli. Looking at his avatar, he does not look to me he is generation ghedli. He was probably a little boy at the time of independence and grew up under PFDJ’s one-man reign or a city boy who never had first-hand experience what ghedli was really about. I consider him a victim of PFDJ’s cruel indoctrination. We had seen ghedli in the field and its off-shoot, PFdJ, after independence. Nothing has changed: ghedli was as ruthless as the PFDJ mafia that made sure ghedli’s continuity.

          Those who keep romanticizing ghedli are those who had abandoned gheldi in the first place. If ghedli was as good as the heavenly angels as it is often portrayed by the phony romantics, PFDJ would not have been allowed to dehumanize the Eritrean people for 23 years. The archaic ELF was at the mercy of the Arab-wanna-be Islamic extremists as Shaebia was the property of Isaias Afeworki. One more thing about the writer (the cute Aranshi). I laughed so hilariously when I read the statement, ” ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ”. Then I felt sorry for all those kodorn-tselemtn who died during ghedli but don’t seem to deserve the same recognition as their brothers and sisters, the ሕሩያት ቀያሕቲ.

          PS: Please disregard the first post. It was auto-posted before I proof-read it.

      • Tsehaye June 20, 2014

        selam Teclay,

        I would not blame Aranshi for his glorification of the brutal ghedli. Looking at his avatar, he does not look to me is generation ghedli. He was probably a little boy who grew up under PFDJ’s one-man reign or a city boy who had never had first hand experience what ghedli was really. I consider him a victim of PFDJ’s cruel indoctrination. We have ghedli in the field and after independence. Nothing has change: ghedli as ruthless as the PFDJ mafia that made sure its continuity. Those who keep romanticizing the atrocious ghedli are those who had abandoned gheldi in the first place. If ghedli was as good as the heavenly angels, PFDJ would not have allowed have been allowed to dehumanize and the Eritrean people now. The archaic ELF was at the mercy of the Arab-wanna-be Islamic extremists as Shaebia was the property of Isaias Afeworki. One more thing about the writer (the cute Aranshi). I laughed so hilariously when I read the statement, ” ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ”. Then I felt sorry for all those who died kodorn-tselemtn

        • Teclay June 21, 2014

          Tsehaye

          Thanks brother for your feed back .I understand maybe he is a city boy.His tigrigna knowledge is good,i hope he will consider all the comments and come back with a meaningful article.
          About the statements ” ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ” and BILUXAT ZIKEFELNALA Ohh i can not help laughing.I donn`t know why ,such statements are much more laughable when you hear from the so called opposition.By the way my brother was not QEYH ,he was black i don`t know if they consider him SIWUE
          Eritrean case is full of laughing and wounder.Eg the government has certain terminologies and actions eg the above statements plus Agame ,Cia ,Mealti Siwuat etc and actions such as festivals,Bologna , Guaylas etc
          Again i don`t know why,when these statements and actions come the Gov side with full of man power (NISU NIHNA NIHNA NISU ),there is no wounder it looks natural and original,but when you see these things come from the so called oppositions side they look somewhat made in China.

  • g. michael June 19, 2014

    ሚኬል፡
    በሊሕ ረዚን ቃላት ስእሊ ዘሎናዮ ኩነታትና ዝገልጽ ጹሑፍካ እዩ ኣቐሪብካዮ ዘሎኻ ጽሑፍ። ብባዓል ዮሴፍ ገብሪሂወት ኣታሓሳስባን ብጉጉይ ናይ ታሪኽ ሓበረታ ዝሸኸሩ ዉልቀሰባት ከም ዘሎዉና ኣይትረሰዕ።
    ቀጽሎ ድማ፡ ናይ ትግሪኛ ጽርየት ዘሎካ መችም ዘኹርዕ አዩ።

  • Tesfom Habrom June 19, 2014

    ንሓደ እላማ ብዝተፋላለየ መንግዲ ትገልጽዎ ኣሎኹም እዚ ድማ ኣብ ስሚኢት መግለጺኹም ጥራሕ ኢዩ ዝፋላለ ዘሎ፡ እንተድኣ በቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርን ህዝባን ዝፈጽም ዘሎ መዳርግቲ ዘይብሉ ግፍእታት ከም ዘሎ ትኣምንሉ እንተኮይንኩም ቡዙሕ መግለጽ ዝድልዮ ዘሎ ኣይመስለንን፡ እንታይ ድኣ ኩሉ ወዲ ሃገር ሰብ ብምኻኑ ኣብ ልእሊ ህሉው ኩነታት ብዝተፋላለየ መንገዲ ይገልጾ ይኾዉን፡( ስለዚ ህዝቢ ክሰምር እንተድኣ ኮይና ምጽውዋር ክህሉ ኣሎዎ ኣብ እላማኻ ንክትበጽሕ ) ናታትኩም ምንቅቃፍ ግዜ ኹም ኣብ ክትእት ይሃልኽ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ኣብ ክራዳዳኣኩም ዝከእል ባይታ ገይኩም ሃናጺ ዝኮነ ክትኣት ፍጠሩም ግዱስ ወዲ ሃገር ካብ ናታትኩም ክትእ ብሃጎስ ይቅበሎ፡ ነወሕ ብምጽሐፍኩም ዖላማኩም ኣትወቆኦን ኣሎኩም፡ ክቶእኩም ሃናጺ ክኸዉን ኣሎዎ። ተሓበኑ ተዓወቱ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ክብሪን ሞጎስ ንስዉኣትና። ሃገረይ ቅድሚ ኩሉ።

    ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ህልቀት ዘይርድኦ ወዲ ሃገር እንተድኣ ኣሎ ኾይኑ ብደዉ ዝሞተ ኢዩ።

  • belay nega June 19, 2014

    “ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….?”

    ገደል እቶ::እንታይ ስለረባሕናሉ’ዩ?

    • MightyEmbasoyra June 19, 2014

      ኣቶ በላይ:
      ደሓንዶ? ከም ናይ ሎሚ ትተርር መልሲ ርኤልካ ስለ ዘይፈልጥ ‘የ።

  • ERITRAWIT June 20, 2014

    Aranchey hawey,
    2 gedley eu nerew hade n nasnet hade n enwet nsa ka seera. dem hzbna bkentew aykeyden eu hayley Amlak kolo.
    Selam belom nkulom yehwatna nay behakey ka nemesgen tgebrwo zelekum Ajokum.

  • robelbereketab@gmail.com June 22, 2014

    Men kbleka aranshi jigna.
    kemakan kem amanuel eyasun zamesel nhaki zsyefu.
    tsehafti sesnu tray eye zbl. kemzi natka tshuf
    geyru zemneni lbey ztnkfeni yelen .

    ኣንቱም ኣሕዋት መገሻና ድኣ ተፈላልዩ እምበር ኩልና ገይሽና ኢና ዘለና፡፡ ገሌና ሩዕና ጠቕሊልና ናብ ዓዲ እንታይ ገደሰኒ ተሰዲድና ኢና፡፡ ገሌና ነብስና ኣብ ከውሊ ኣማዕቂብና ናብ ሃገረ ኣነን ስድራይን ጥራይ ኣይንተንከፍ ዓዲ ስቕታ ግዒዝና ኢና፡፡ ገሌና ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና እናበልና መሰረትና ተሓግሒጉ ነበረያ ነበረ እናኾነ ኣብ ክንዲ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳሚ ናይ ስምረትን ሓድነትን ስጉምቲ ንወስድ ኣብ ዓዲ ህልኽን ቅርሕንትን ተሸኺልና ዕንክሊል ንብል ዘለና ኢና፡፡ ናይቶም ሰብ ቀይሕ ወረቐትʼሞ ኩዱን በኣፈ ስላሰ ክትዛረበሉ ውን ስኽኽ ዘብል ኢዩ፡፡ ኣብ ዓለም ብኣምዑት ደቃ ትጻወት ፍጥርቲ ደርሆ ጥራይ ኢያ፡፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋቶም ዝስዕስዑ ኤርትራውያን ርኢና፡፡

POST A COMMENT