Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገመል ሓሰሪቕካ ጉምብሕጉምሕ፣ ጸወታ ህግደፍ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ

ብ20 ታሕሳስ,2014 ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመጽኡ ተስፋልደት ስምኦን፣ ተመስገን (ባዚጋር)፣ መሓሪ፣ ኣርቡሻ፣ ዳዊት፣ ጆን፣ ሳሚ ብርሃነ ዝርከቡዎም ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዝሓዘት ሓንቲ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ባህላዊ ምሸት ኣካይዳ ነይራ። እዚ መደብ ካብ ካልኦት ልኡኻት

ብ20 ታሕሳስ,2014 ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመጽኡ ተስፋልደት ስምኦን፣ ተመስገን (ባዚጋር)፣ መሓሪ፣ ኣርቡሻ፣ ዳዊት፣ ጆን፣ ሳሚ ብርሃነ ዝርከቡዎም ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዝሓዘት ሓንቲ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ባህላዊ ምሸት ኣካይዳ ነይራ። እዚ መደብ ካብ ካልኦት ልኡኻት ስርዓት ዘዳልዉዎም መደባት ዝፈልዮ ብበረኸት ኣለም ዝተባህለ ሓደ ውልቀ ሰብ (ሳቫና ኢንተርተይንመንት)  ዝተዳለወ መደብ ምዃኑ ስለዝተዋዓዋዓሉ ጥራይ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ንነገራት ገመል ሓቢእካ ጉምብሕጉምብሕ እናገበሮም ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብቲ ምሸት ኣባ ጓይላ ኮይኑ ዝሓደረ እስቲፋኖስ ንጉሰ ዝተባህለ ቆንስል ናይቲ ስርዓት ካብ ካናዳ ተሰጒጉ ድሕሪ ምውጽኡ ሓላው ስጡሕ ኮይኑ ሓሙሻይ ርእሱ ከይሰርሐ ብመልክዕ ዶሞዝን ኣበልን ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ እናበልዐ መሬት ኣይትጽርኒ ዝብላ ዘሎ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ቆምሽጢ ሳቫና ኢንተርተይንመንት ተሓቢኡ ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣምጺኡ ነቲ መደብ ዘካየዶ? እቲ ሓደ ምኽንያት ዓይኒ መንግስቲ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት’ቲ ስርዓት ይዝንብያ ምህላወን ስለዝፈለጠ  ንመንግስቲ ካናዳ ንምድንጋር ኢዩ። ካልኣይ ካኣ ናይ ህግደፍ መደብ ምዃኑ እንተተፈሊጡ ከምዚ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ህዝቢ ምእታው ከይኣብዮም’ሞ ዳስ ከይጽምዎም ኢዩ። እቲ ዳስ ግን ሕልምልም ምባሉ ኣይተረፎን። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣዝዩ ዝሕልሕል ኢሉ ነይሩ ክብሉ ኢዮም ተሰሚዖም።

እስቲፋኖስ ዕቡይ ምስ ተሓባባሪኡ ኣባል ኢሰፓ ዝነበረ ክሳዕ ቀረባ እዋን ንኤርትራ ገጹ ገይሹ ዘይፈልጥ ሎሚ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንኻላኣይ ግዜ ናይ ክሕደት ገበን ብምፍጻም ኒኢሰያስ ስለዝኻሓሶ ነስመራ ገጹ ክኸይድ ፍቓድ ዝረኸበ ተመስገን ትርፈ ስዋኣ ከምዝጣመላ በዓልቲ ውራይ ከውደኽድኹ ዝርኣየ ተዓዛባይ ስርዓት ህግደፍ ክሳዕ ክንደይ ኣማውታ ኣኽፊኡ ከምዘሎ ዩ ክግንዘብ ክኢሉ። ንመንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምምዝማዝን ምብልሻውን ምምናው ኣብይዎም ኣብ ካናዳ ኣብ ኣደራሽ ብዝቐረቡዎ ንማንም ገንዘብ ዊጥ ዘበለ ብዝሸጡዎ ኣልኮላዊ መስተ ክንደይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብስኽራን ተቖማጢዖም ነብሶም ክሳዕ ዘጥፍኡ ኮይኖም። ዓገብ እስቲፋኖስ! ሓደ ሓታቲ እንተትረክብ፣ ብብዙሕ ገበን ምተሓተትካ። ናይ ሎሚ ድሓን ብኸምዚኣ ሓሊፋትልካ ኣላ። ንዝመጽሕ ግን ዒሉ  ማዓኮርካ ሓሉ ምዃና ዘክራ። ከም ክዳን ሜላ እናቐየርካ ህዝቢ ዘጥፋእካዮ ይኣኽለካ።

ኤርትራውያን ካኣ ህግደፍ ብናይ ውልቂ ትካላት እናተሓብአ ስርቂ ጀሚሩ ስለዘሎ ንቕሑሉ።

 

ብ.ተ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • ogbai January 8, 2015

    ንኣንጭዋስ ምስክራ ድንብጥ ከም ዝባሃል፡ ናይዚ መላኺ ስርዓት ዕስለ ኮራኩር ፍጥር ካብ ዝብል ጀሚሩ፡ ዋላካ ምስ ጊዜን ኩነታትን ዘመጹን ዝኸዱን እንተኾኑ፡ ብዘይካኦም ቸቸ ክብለ ዕድሚኡ ከንውሕን ንሓንቲ መዓልቲውን ዕድል ኣይመሃለዎን ነይሩ። ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀንዲ ትንፋሱ፡ ኣናጹ ናይ ደገን ውሽጥን ኮይኖም ዘገልግልዎ ዕስለ ድሕረ ዕስለ ምርካቡ እዩ እቲ ቀንዲ ምስጢር። ንዝዋሃቦም መምርሕታት እንዳተጠቕሙ ህዝቢ ዘደናገሩ ብዙሓት ናይ ኣናጹ ዓናትር ምጥራዩ ኣጥርዩ እዩ። እቲ ቀንዲ ብልጭኡ ከኣ ከም ሳእኒ እግሩ ዝጥቀመሎም በብጊዜኡ ዝቐያይሮም ሽዳ እዮም። ከም እንፈልጦ ሳእኒ ኣብ ፍቐድኡ እትጥቀመሉ ኣዝዩ ተጻዋሪ ኣብ እሾኽ፡ ኣብ ሃሩር፡ ኣብቁሪ፡ ዘገልገል ንብረት እካ እንተኾነ፡ ብኽብሪ ዝተሓዝ ከም ቀሌቤት ናይ ኢድ ይኹን ከም ሽልማት ናይ እዝኒ ክሳድ ወርቂ ክብረት ዘይርክብ ሕሱር ንብረት ምኻኑ እዩ እቲ ዘገረም። እቲ ሕሱም መላኺ ብዙሕ ተጠቒምሎም ከብቕዕ ወረ ንገለስ ነዝሞተ ሬስኦም ኣብ ሃገሮም ንኸይቅበሩ ዋላ እንተኸልከለ ካብዞም ኣናጹ ዋላ ሓደካ ኣፉ ኣይከፍትን ዓገብ ንኽብለ። ስለዚ እዩ ብዝበለየ ሳእኒ ወይውን ድኹማት ፍጥረት ኣናጹ ዝማሳሰለ
    ካብዙያት ሕሱር ከንቱ ኣግልግሎት ይድሕነና እምበር ካልእ እንታይ ክባሃለ
    ክሳብ እቲ ኣርሕኦም ዝድምሰስ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ
    ንበገስ ኩሉ ዝካኣለና ንግበረ ብሕግን ፍትሕን ክንምእኽእለ።

    ስለዚ ኢስያስ ንበይኑ ዘይኮነ ንሃገር ዘጥፍእ ዘሎ ብዝያዳ እቶም ከም ሕሱር ኣሳእን ኮይኖም ክሳዕ ዕለተ እርጋኖም ዕረፍተ ሞቶም ኣሜን እንዳበሉ ዝልኣኽዎ ኣናጹ ውሻጠን ደገን ምኻኖም እዮም።
    በዚ ዝባሃል ዘሎ ከተማ ቶሮንቶ ካብታ ኣናጹ ህግደፍ ዝብዝሕዋ ኮይና ኣላ ማለት እዩ።
    ኣብ ቶሮንቶ ጥራሕ ተወሲነን ከይትርፋ ከኣ በብእዋኑ ናብተን ካልኦት ከተማታት ክስልካውን ተርእየን እየን። ኣብ ገለ ገለ እካ ብዙሕ ፈተነታት እንተኣካየዳ፡ ኣብ መብዛሕትእን ከተማታትስ በተን ሓያላት ደማሙ ሰንቢደን ናብታ ጉድጋደን ዝኾነት ተጸፊዔን ኢየን ተመሊስን ካብ ማዓሙቕ ጎደጉድን እንዳወጻ ጥረ ምረ ከኣኻኽባ ይራያ ኣለዋ።

  • oromay January 8, 2015

    Hmm, what do you expect from the morally debased musicians ,like Dami, who are indentured by will in the political servitude of the corrupt and incompetent tegime!. These are the traitors of the bleeding nation and people. Sellouts and opportunistic parasites donot have any moral obligations/social ethics. The taxi driver is expecting some hand outs for his hireling services.

  • oromay January 8, 2015

    Hahahaha…kikiki., Ogbai. Nezen hzbi zehsra zelewa anatsu tsbuk geyrka gelitskayen aleka. Demamu beti ikey tegbaren sletekoteu, ketfiuwen yimetsu kemzelewu zestebhalet hanti anchiwa, aymselkin waza siseferkin haza kitbil kem waza muskumneger metenkekta habeteta hishuk ilaten ala. Iten jebzarat nazyin nabtyin kebzerzer zibla nay mejemerya tetekaiti kemzkona zeteratir aykonen. Wala iten ab godaguden zihbean iwun aymltan iyen. Tefaena silas ilen ab kebid chinket selem keyebela yihadra kemzelewa demamu terediuwom alo. Are gelianes neti bedelna hidgelna ilen kitsliya misjemera iten ziterefa hiji ayseatun hawhaw inteilna demamu keysemiuna tinfaskn hibia tehahahiln mehbeiyi godagudi yifhira kemzelwa demamu habereta betsihuwim alo. Demamu abzelewao godagudi nmdimdasan seat akilu iyu yiblu alewu.

  • Dawit January 12, 2015

    To the writer:
    I was at the same party you are talking about and all you said was totally a lie. Many Eritreans from PFDJ supporters and oppositions, Ethiopians, and Tigryans were there at the party and it was a full house. The two people you mention were there as the rest of Eritreans enjoying the party as everyone.

    Three weeks after the same party, there was another party (with Osman Abdelrehim) at the very same location and the same people who were serving alcohol at the bar were serving drinks at the Osman Abdelrehim party as well. In both times the bar was leased to an individual Eritrean business man and I didn’t see any minors at the party getting served drinks. If you want to blame, please blame the bar owner.

    Both parties were packed with PFDJ supporters and oppositions, Ethiopian, Tigryans…and everyone had a great time. Everyone were enjoying the holiday with out any politics… please stop lying.

    Please let’s not waste our time on “kolo titiko” when you can spend your time and energy on a relevant issue.

POST A COMMENT