Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀጋኑና ወትሩ ምሳኹም ኢና!!

ዝሓለፈ ሰኑይ 21 ጥሪ 2013 ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልና ብታንክታትኩም ተዓጂብኩም ሃንደበት ንሚኒስትሪ ዜና ብምቁጽጻር ንሓላፊ ቲቪ-ኤረ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ብሓይሊ ብረት ብምስግዳድ “ ቅዋም ኪትግበርን ናይ ፖለቲካን ስግረ-ዶባትን እሱራት ኪፍትሑን” ዝጠልብ ጻውዒትኩም … ጻውዒት

ዝሓለፈ ሰኑይ 21 ጥሪ 2013 ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልና ብታንክታትኩም ተዓጂብኩም ሃንደበት ንሚኒስትሪ ዜና ብምቁጽጻር ንሓላፊ ቲቪ-ኤረ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ብሓይሊ ብረት ብምስግዳድ “ ቅዋም ኪትግበርን ናይ ፖለቲካን ስግረ-ዶባትን እሱራት ኪፍትሑን” ዝጠልብ ጻውዒትኩም … ጻውዒት መላእ ህዝቢ ከምዘንበቦ ብማዕከናት ዜና ደምበ ተቓውሞ ምስተቓልሐ፡ እታ ንነዊሕ እዋን ኪንጽበያ ዝጸናሕና ዕለተ -ብድሆን እምቢታን ብምምጽኣ ሓጎስና ደረት ኣይነበሮን።

ዋላኳ ኩሉ ጠለባትኩም ብቲቪ ኤረን ድምጺ ሓፋሽን ብዝግባእ ከይቃላሕ እንተተዓፈነ እተን “ቅዋም ኪትግበርን እሱራት ኪፍትሑን!” ዝብላ ዘቕረቡኩመን ጽማቚ መልእኽትኹም ንኹሉ እቲ ካልእ ሕቶታት ስለዘጠቓልለኦ ድምጺ ውጹዓት ኣብ ምቅላሕ ተዓዊትኩም ኢኹም።

ኣብታ ብስለያዊ ቁጽጽርን ውዳበን ዝጸበበት ሃገረ ምልኪ ኤርትራ እትረፍ ከምቲ ንስኻትኩም ታንክታት ኣሰኒኹም ዝወሰድኩሞ በርቃዊ መጥቃዕቲስ ዑፍ እውን ኪትነፍር እንከላ ኪንቆጻጸራ ንኽእል ኢና እናበለ ዝምካሕ ስርዓት ህግደፍ ነድሪ ደቂ ህዝቢ እንተገንፊሉ መሓውራት ምልኪ ከምዝለምስ ኣመስኪርኩም ኢኹም።

ሓቂ ይሓይሽ ኣብቲ መጀመርታ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮሞ ዝብል ወረ ምስ ሰማዕና” ካልእ ኪተሓዝ ዝግበኦ ንቑጣታት ኪስዕብ እናተጸበና፤ ግን ስለምንታይ ንቕድም ቲቪ-ኤረ ኪትተሓዝ ተመሪጻ ንዝብል ሕቶ ስቕ ኢልና ኪንሰግሮ ኣይከኣልናን። እትረፍ ክንዳኹምን ከማኹምን ዓቕሚ ዘለዎ ወተሃደር፡ ዝኾነ ንእሽቶ ንባብ ዕስክርና ዝርዳእ ሰብ እውን እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ቤት ጽሕፈትን መአዘዝን መላኺ ምቁጽጻር ከምዝመርጽ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ እቲ ብሽርሕን ኪፋእን ዝተኻሕነ መላኺ ሓቂ ዝመስል ድራማ ኣሊሙ፡ ነቶም ብጋህዲ ኪብድሁዎን ኪገጥሙዎን ዝጀመሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዓቕሚ ንዘለዎም ኪገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ንዝበሎም ዜጋታት ንምእሳር ዝተጠቕመሉ ተዋስኦ ከይከውን ሰጊእና ኢና።

ምኽንያቱ ቕድሚ ሕጂ፤ ብጥልመት መላኺና ዝበርዓነ ኣድማ 20 ግንቦት 1993 (ኣድማ ተጋደልቲ)፤ ብሓይሊ ብረት ዝተቖጽየ ናይ ኣካለ-ስንኩላን ተጋደልቲ ተቓውሞ 1994ን፤ ብውዲት ናይ ወያነ ዝተመሰለ ሰላማዊ ምስግጋር መንግስቲ ዝዓደመ ጻውዒት ምሁራን (ጂ-13) 2000፤ ብሓይልን ዓመጽን መላኺን ውሑዳት መሻርኽቱን ዝበርዓነ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ድምጾም ዘስምዑሉ ጠለባት ሕቶ ትግባረ ቅዋምን ምምስራት ዲሞክራሲያዊ መንግስትን መስከረም 2001፤ግዳይ ሞየኦም ኮይኖም ብጸላም ዝተዓፈኑ ጋዜጠኛታት ደለይቲ ፍትሒን መስከረም 2001 ካልእን ብዙሕ መምሃርን መለበምን ኪኸውን ዝኽእል ኣብነታት እናሃለወ ተቐዳዲምኩም ናብቲ መላኺ ዘየድሃብኩም ዝብል ሕቶ’ኳ ይሃሉ እምበር፤ ድምጺን ጠለብን ህዝብኹም፡ “ጠለብ ቅዋምን እሱራት ፖለቲካን!!” ንህዝብን ዓለምን ስለዝኣወጅኩም እቲ ዝፈጸምኩሞ ጀግነንት ዘደንቕ ኢዩ። ብድሕሪ ሕጂ ካብዚ ቁልዒ እዚ ንዝፍተር ባርዕን ሃልሃልታን ከኣ ዓቢ መመሃርን መሞከርን ኢዩ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብደምናን መስዋእትናን ኣብ ዘረጋገጽናያ ናጻ ሃገር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትና ተጋሂሱ ኣደዳ ምልክን ዓፈናን ስለዝኾንና ኢኹም ነዚ መሰላት እዚ ከተረጋግጹ ህይወትኩም በጂኹም ዝተወፈኹም።

ተለኣኣኽቲ መላኺ ሞያኹም ከቆናጽቡን ከነኣእሱን ደገፍትኹም ቅያኹምን ጀግንነትኩምን ከነጉልሕን ከነድንቕን ኣብ ቅልስ ኣሎና። ኣብታ እንፈልጣ ኤርትራና እትረፍ እዚ መዓንጣ ህግደፍ ዝዝርግ በርቃዊ ስርሒት ኣጋጢሙ ንእሽቶ ነገር ተረኺቡ እውን ደሃይ ስለዘይህሉ፡ ንቕያኹም ኣብተን ደሃይኩም ደሃይ ውፉያት  ደለይቲ ለውጢ እነቃልሓለን መርበባት ሓበሬታ ኪንውርቖን ኪንነድቆን ኢና።

እዚ ብምልክን ሓይልን ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ዝጠለብኩሞ ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቖ ቅዋምን ህዝቢ ዝሓቶን ዝጠልቦን ዘሎ ነገራት ከም ምፍታሕ ፖለቲካውያን እሱራት ምምስራት ዲሞክራሲያዊ መንግስትን ምንጋስ ግዝኣተ ሕግን ዝኣመሰለ ብህጹጽ እንተዘይተግቢሩዎ፤ ዊዒሉ ሓዲሩ እቲ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝኣጎድኩሙዎ መጋርያ ለውጢ ናብ ነበልባል እሳት ተቐይሩ ነድርን ቁጠዐን ህዝቢ ኣለዓዒሉ ካብ መንበሩ ኪዓልዎ ሙዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ንስኻትኩም እቶም ልሳን ህዝቢ ኮይንኩም ኣብታ መሰራሒት ፕሮፖጋንዳ ምልኪን መላኽን ዝኾነት ቲቪ-ኤረ ጠለባት ህዝብን ሃገርን ዘቃላሕኩም ምዑታት ደቂ ህዝቢ፡ ኣብ ልቢ ደላይ ለውጢ ንዘልኣለም ኪትህልዉ ኢኹም።

እታ ዝወላዕኩማ ሽግ ለውጢ ዋላኳ ንግዚኡ ብንፋስ ምልኪ ግንብንብ እንተበለት ውዒላ ሓዲራ ኪትበርህን ኪትደምቕን ኢያ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ተራን መኮንናትን ካብ ዝለዓሉ ኪሳብ ዝነኣሱን ሓርበኛ ህዝብናን ነዛ ተወሊዓ ዘላ ንጣር ቑልዒ እምቢታ ኣምበድቢዱን ኣጒሂሩን መጋርያ ሓፋሽ ኪቕይራ ንጽውዕ፤

ንሕና እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም እንርከብ ደለይቲ ለውጢ ወገንካ ወትሩ ኣብ ጎድንኻ ሙዃንና ተበግሶኻን ፈተነኻን ብኽብርን ኣድናቖትን ከም እንዝክሮ ከነረጋግጸልካ ንፈቱ።  ድሮ እኳ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳ ኣመሪካን ደገፍናን ኣድናቖትናን የንጎድጉድ ኣሎ።

ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዜጋታት

ዓወትና ናይ ግድን ኢዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • MEHRETU HABTE aka Yugoslavo Eritrean January 27, 2013

    I Quote,…..”ሓቂ ይሓይሽ ኣብቲ መጀመርታ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮሞ ዝብል ወረ ምስ ሰማዕና” ካልእ ኪተሓዝ ዝግበኦ ንቑጣታት ኪስዕብ እናተጸበና፤ ግን ስለምንታይ ንቕድም ቲቪ-ኤረ ኪትተሓዝ ተመሪጻ ንዝብል ሕቶ ስቕ ኢልና ኪንሰግሮ ኣይከኣልናን። እትረፍ ክንዳኹምን ከማኹምን ዓቕሚ ዘለዎ ወተሃደር፡ ዝኾነ ንእሽቶ ንባብ ዕስክርና ዝርዳእ ሰብ እውን እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ቤት ጽሕፈትን መአዘዝን መላኺ ምቁጽጻር ከምዝመርጽ ርዱእ ኢዩ። “….End of quotation..
    That is the very reason I find it insulting to present the fake coup ,as planned by respwectable heros like Col. Osman…..I think the whole issue was invented by Isaias´s click. I do not think anybody planned anything.It was a puzzle that was connected in a drama manner.I do not buy it ,either partially or totaly ,the game was cooked up by Isaias close advisers.

  • Semhar January 27, 2013

    Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
    You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
    You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
    Let freedom ring in Senhit, Keren!
    Let freedom ring in Denkel, Asseb!
    Let freedom ring in Barka, akurdet!
    Let freedom ring in Sahil Nakfa!
    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
    Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Adikeyih besihala!

    Shighey abbey ala?
    Dekemhare besihala!

    Shighey abbey ala?
    Akeleguzay besihala!

    Shighey abby ala?
    UK besihala!

  • BIRHANE January 28, 2013

    hanti kilae eya terifa ,higidefn korakurun lomiwn alona entebelu diro eti siriat nay mot chena michinaw kab zijimir keniyu allo,silezi kulahna idey idka ilna nezi gifiegna siriat nab mekabir kenewirido hiji eya eta seat.

Post a Reply to BIRHANE Cancel Reply