Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ ዋጋታት ኳ ኣዝዩ እንተጎደለ፡ ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ከምዘይተመሓየሸ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣዝዩ `ኳ እንተጎደለ፡ ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ፡ ብገለ መዳዩ `ውን መሊሱ ከምዝኸፍአ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይ`ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ምረት መነባብሮ

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣዝዩ `ኳ እንተጎደለ፡ ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ፡ ብገለ መዳዩ `ውን መሊሱ ከምዝኸፍአ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይ`ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ምረት መነባብሮ ፡ ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ኣጋጢሙ ብምህላዉ እዩ።

እዚ ጸገም`ዚ ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ወርሒ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ካብ ባንክ ከውጽእ ኣቐዲሙ ዘተኣታተዎ፡ ቁጠባዊ እንዶ ዘይብሉ ቀይዲ ዝተኸስተ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ዕዳጋ ዝዘውር ዘሎ ናቕፋ፡ ኣብ ኢድ እቶም ዝያዳ ናጽነት ተዋሂቡዎም ዘሎ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ብፍላይ ድማ ተጋሩ ይኣቱ ብምህላዉ፡ ኤርትራዊ፡ ዋላ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ ሃለኽቲ ምግዛእ ስኢኑ ተጻቢቡ ይሽገር ኣሎ።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዝቐየረሉ እዋን፡ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ናብ ባንክ ንዘረከቡዎ ኤርትራውያን 400 ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ከውጽኡ ክፍቀደሎም ብምእዛዝ ነቲ ዝተረፈ 1.6 ሚልዮን ክዘምቶ ኸሎ፡ ነቶም ትሕቲ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዘረከቡዎ ዜጋታት 200 ሽሕ ጥራይ ከውጽኡ ብምፍቃድ፡ ነቲ ዝተረፈ ቁማር ከምዝበሎም ይፍለጥ።

እዚ መንግስታዊ ዓመጽን ዝምታን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዋሕዲ ናይቲ ኣብ ዕዳጋ ዝዘውር ዘሎ ናቕፋ እጃም ከምዘለዎ ድማ ይጥቀስ።

ብሰንኪ`ዚ ካብ ቁጠባዊ ሕግታት ወጻኢ ብዓመጽን ሓይልን ስርዓት ኢሳይያስ ዝጸነዐ ፖሊሲ፡ ቁጠባ ኤርትራ ዝደኸመ ክንሱ፡ ሓደ ናቕፋ ብኽልተ ብር ይሽረፍ ምህላዉ `ውን ኣብ ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ግደ ካብ ዘለዎም ረቛሕቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ `ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብስርዓት ኢሳይያስ ወሪዱ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝጸንዐ ቀይዲ ንግዳዊ ንጥፈታትን፡ ኤርትራውያን ስድራቤቶም ጠርኒፎም ናብ ኢትዮጵያ ተሰደዶም ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኢትዮጵያ ይብተኑ ከምዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣብያተ ንግዲ፡ በቶም ዝሓሸ ዓቕሚ ገንዘብን ናጽነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ይውረስ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ኩሉ`ቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ እኩይ ፖለቲካዊ ዕላማታቱ ንምውቃዕ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝበታተን ዝገብር ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክርድኦ ካብ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ ይቕጠጠንን ይጸንትን ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ግዝያዊ ጸገም ንምፍታሕ ልቡ ካብ ምጥፋእ ተቖጢቡ፡ ነዚ ኩነታት`ዚ ብንቕሓት ክገጥሞ እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Kalid November 22, 2018

    “ኢሳይያስ እኩይ ፖለቲካዊ ዕላማታቱ ንምውቃዕ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት: ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝበታተን ዝገብር ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክርድኦ ካብ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ ይቕጠጠንን ይጸንትን ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ግዝያዊ ጸገም ንምፍታሕ ልቡ ካብ ምጥፋእ ተቖጢቡ፡ ነዚ ኩነታት`ዚ ብንቕሓት ክገጥሞ …”

    As long as we cannot stand together in solidarity, because of fear, indifference, self-interest or some other parochial reason, we will continue to suffer, seek protection elsewhere or simply run to unknown destinations, ending up being a peopke whose very existence is in danger.
    We need to stop this at any cost.

  • ብርሃነ ተወልደ November 22, 2018

    “……….. በቶም ዝሓሸ ዓቕሚ ገንዘብን ናጽነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ይውረስ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።” መንግሥቲ ኤርትራ ንወጻእተኛታት መንበሪ ፍቃድን ኣብታ ሃገር ነጊዶም ክነብሩ ፈቃድ ንግዲ ምሃብዶ ጀሚሩዩ። እዚ እንተዘይኮይኑ ከመይሎምዮም እቶም ቤት ንግዲ ኤርትራዋያን ክወርሱ ዝኸኣሉ። ግልጺ ስለ ዘይኮነለይ ንምፍላጥ እየ ዝሓትት ዘለኹ

  • Nahon November 22, 2018

    “……….. በቶም ዝሓሸ ዓቕሚ ገንዘብን ናጽነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ይውረስ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።”

    ብርሃነ ተወልደ

    Ethiopians are allowed to do business in Eritrea without any official papers and permit.
    They are crossing the border with lorries full of goods and selling on roads. Higdef has purposely denied Eritreans licenses and every other means they need to do business in their own country. Even a few who go to Ethiopia to bring few things from there are being interrogated by police to show proof the money they used was legal.
    So how do you explain this ?
    Is the so-called government in Asmara working for Eritrea ?
    It’s difficult to deny that they are working to promote Ethiopian interests. What else do you expect from a non-Eritrean president and his crime associates.

    • ብርሃነ ተወልደ November 23, 2018

      “ኤርትራ ዝርከብ ኣብያተ ንግዲ፡ በቶም ዝሓሸ ዓቕሚ ገንዘብን ናጽነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ይውረስ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።” ነቲ ጽሑፍ ኣንቢበዮ እየ። ኣብ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ብዘይካ ሓንቲ ካሊእ ሕቶ የብለይን። ምናልባት ነታ “ኤርትራ ዝርከብ ኣብያተ ንግዲ” እትብል ሓረግ አብቲ ኣቀድም ኣቢለ ዘቅረብኩዎ ስለዘይጠቀስኩዋ እታ ሕቶይ ግልጺ ከይኮነት ተሪፋ ትኸውን ባማለት ንዓአ ወሲኸያ ኣሎኹ። እቲ ካልእ ዝጥቀስካዮ በደላት ከምዘሎ ኾይኑ ‘ከመይ ኢሎም እዮም ኢትዮጵያውያን ንኣብያተ ንግዲ ኤርትራውያን ክወርሱ ዝኸኣሉ? ሓደ ሰብ ኣብ ኤርትራ ንግዳዊ ትካል ክውንን ዝኽእል እንተወሓደ ሕጋዊ ነባሩነት ኤርትራ ክህልዎዶ ኣየድልዮን እዩ? ዝነበረ እቱ ሕቶይ። ሕጂ ግልጺ ከምዝገበርኩዎ ተስፋ እገብር።

  • HantiKulitu November 23, 2018

    ብርሃነ ተወልደ writes rightly above.

    “……….. በቶም ዝሓሸ ዓቕሚ ገንዘብን ናጽነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ይውረስ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።” መንግሥቲ ኤርትራ ንወጻእተኛታት መንበሪ ፍቃድን ኣብታ ሃገር ነጊዶም ክነብሩ ፈቃድ ንግዲ ምሃብዶ ጀሚሩዩ። እዚ እንተዘይኮይኑ ከመይሎምዮም እቶም ቤት ንግዲ ኤርትራዋያን ክወርሱ ዝኸኣሉ። ግልጺ ስለ ዘይኮነለይ ንምፍላጥ እየ ዝሓትት ዘለኹ

POST A COMMENT