Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶር ተወልደ ተስፋማርያም ( ወዲ ቫካሮ) ኣብ ለንደን ሰፊሕን ውዕዉዕን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብወግዓዊ መግለጺ ብምዅናን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ሃገራዊ ምትእኽኻብ ዝጽውዕ ናይ ሓድነት ኣኼባታት ከሰላስል ዝጸንሐ ገዲም ተቓላሳይን ውፉይ ሃገራውን ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሎሚ ምሸት 12

እቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብወግዓዊ መግለጺ ብምዅናን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ሃገራዊ ምትእኽኻብ ዝጽውዕ ናይ ሓድነት ኣኼባታት ከሰላስል ዝጸንሐ ገዲም ተቓላሳይን ውፉይ ሃገራውን ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሎሚ ምሸት 12 ጥሪ ኣብ ለንደን ሰፊሕን ዕዉትን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝተራእየሉ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ውዕዉዕ ኣኼባ፣ ንብልሹው ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ብኣብነታት ኣሰንዩ ብምቅላዕ፣ እቲ ሕጋውነት ዘይብልይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ብህጹጽ ካብ ስልጣን ክእለ ከምዘለዎ ብዘየማትእ ገሊጹ። ነዚ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ህዝብና ዝበታትን ዘሎ ስርዓት ብህጹጽ ክንኣልየሉ እንኽእል መንገዲ ሃገራዊ ሓደነት ምርግጋጽ ምዃኑ ብምምልካት ከኣ፣ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዊ ስምረት ብምርግጋጽ፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስልጣኑ ናይ ምውዳቕ ዕማሞም ብዘይወዓል ሕደር ከቃንዑዎ ተላብዩ።

London_vacaro_3

እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ብምፍጻም ንህዝቢ ኤርትራ በታቲኑዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብገበን ጸረ ደቂሰብ ተኸሲሱ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርብ ጻዕርታት ክግበር ከምዝግባእ ‘ውን ኣዘኻኺሩ።

እቶም ካብ ለንደን ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝን ዝመጹ ተስታፍቲ፣ ነቲ ወዲ ቫካሮ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንምርጋጽ ወሲዱዎምዝ አሎ ሰናይ ተበግሶ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፉዎን ንምዕዋቱ ከምጽዕሩን ኣረጋጊጾም። መስርሕ ስምረትን ሓድነትን  ኤርትራውያን ኣብ ምቅልጣፍ እትነጥፍ ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ኮሚተ ‘ውን መሪጾም።

London_vacaro_4

ነቲ ኣጋጣሚ ኣብ ጎኑ ፍትሕን ህዝቦምን ደው ኢሎም ድምጻውያን ወዲ ገባርን ሃኒ ምሕረታኣብን እዋናዊ ሃገራዊ ደርፍታ ብምቕራብ ኣማዕሪጎሞ ኣምስዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
43 COMMENTS
  • nayher January 13, 2014

    let us join then to save our nation

  • Tesfagaber Haileab January 13, 2014

    If all the splitted political opposition parties have no effect at all since 1991, I ask my self why the Eritreans make still so many gotherings and dare to say we will get rid of DIA ! So much bla bla,… with NO action in sight brings also NO FRUIT at all – this is the logic!

    To every process there is an EVENT + ACTION. No less no more! But what we see is soooo boring and endless Events with no Action at all. No ideology, roadmap/strategy,… How is a task to be accomplished without plan and deed?

    => Conspiracy greets for those who have not yet recognized it. Blessed are those who do not see, but believe!

    Yerhwo Amlak

  • amanuel January 13, 2014

    what is wrong with us Eritreans, why not addressing the issue in our country, why do you have to attack Wedi Vecaro. He have the right to express his views. what is wrong if Wdedi Vecoar said lets united. What is wrong if Wedi Vacora said our people in Eritrea are suffering.

    If any one believe the current situation in our country Eritrea is good express you views.

  • kalid January 13, 2014

    well done vakaro ….. one true Eritrean who finally released some need to be done in our beloved Eritrea….. keed on on the good job

  • Sara January 13, 2014

    well done

  • Selomon January 13, 2014

    I am proud for the first time when i heard wedi Vacaro speech what intersting speech i can predicted now our road map is bright.Well done wedi Vacaro

  • sammy January 13, 2014

    እቶም ውሕዳት ኣብ ጸርፊ ወይ መንነት ክትንትኑ እትህንደዱ በጃኹም ሕስብ ኣብሉ።ንርእስኹም መሰል ኣብ እትሓትሉ እዋን ገለ ናይ ህግደፍ ጸማም ልቢ ዘለዎ ሓድሽ ሽም ከምዘጠምቀኩም ፍለጡ።ሰብ ብዛዕባ መሰል ወይ ናይ ወገኑ ምእሳር ወይ ብዛዕባ ንብረቱ ክሓትት መሰሉ እዩ።እዚኦም ኩሎም ክኣ በሓባር ሃገራዊ መሰል ክሓቱ እዮም። ሎሚ ግን ኩሉ ውልቃዊ ጸገማት ተደማሚሩ ሃገራዊ ጸገማት ምኻኑ ክንርዳእ ይግባእ።ወዱ ቫካሮ ኻኣ ሓደ ነዚ ሽግር ደረቱ ቀሊዑ ዝቃለስ ጅግና እዩ።

  • mahader January 13, 2014

    viva wedi vacaro smer eritreawi edme dia nimhxar

  • hagerawi January 15, 2014

    wawwwww eritrawian degim habirna hgdef kenetfo ena hbret gn kendi agedasi baeta eyu

POST A COMMENT