Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድጉዓ ንደቀ’ንስትዮ ኤርትራ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/08/Adetat_Dr_Tsegai.pdf"]  

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • seb August 20, 2014

    Its a sad picture to see.Its heart breaking to see Eritrean look like this in the 21 century. Eritrean must be cursed.

    • tseggai isaac August 20, 2014

      እዚ ጸብጺብካዮ ዘሎኻ ግልጺ፡ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ ምእንቲ ክንብሎ፡ ብተግባር መራሕቲን ውጽኢት ተግባራቶምን ክንመዝኖ ንኽእል። መሪር ፍረ ዝዘርእ ናይ ምቁር ፍር ምህርቲ ኣይሓፍስን እዩ። ተኾርባ ዝዘርኤ ኸኣ ስርናይ ክዓጽድ ክንጽበዮ ኣይግብኣናን። ህርፋን ጻባ ዘሎዎ ጓጉድ ማይ ወድኤ ከም ዝበሎዎ ኣቦታትና፡ ንናጽነት ሃሪፍና፡ ነቲ ምቕሪ ጻባን ላዛ ጠስሚን ጠለትን ዘይብሉ መርዛም ሕንኩሮ ጠምጠም ኢልናዮ። እቲ ዘስዓበልና ሕማም ከኣ እንሆ ይሳቕየና ኣሎ። ህዝባዊ ግንባር ንኤርትራ ሓራ ኣውጺኡዋ። ሓርነት እውን ንምድካም ጸላኢን ኣባይን ዓቢ ግደ ተጻዊቱ ስለ ዝኾነ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ክምዝገብ ዝግብኦ መስዋእቲ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ መስገደል ሓጺን ኮይኑዎ ዘሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ናጽነቱ ዝቐንጠጦ ህግደፍ እዩ። እቶም ኣብ መግለጺኻ ዝተተንተኑ ኣንፍታት ነዚ ፍልልይ ናይ እሙናት ውፉያትን፡ ናይ ግብዝናን፡ ደረቶም ሓንጺጹ ከመልክት ይግባእ። ሽዑ ኢና ናይ ቅንዕናን ግብዝናን ጠባያት መሚና ሐቅነቶም ከብርህ ንኽእል።
      ዽሓን ኣምሲ።

      • Meretse Asmelash August 21, 2014

        ክቡር ድ/ጸጋይ
        እዚ ኣብ ላዕሊ ኣቀሚጥካዮ ዘሎካ ሪእቶ ብቀሊሊ ኣይተረደኣንን ኔሩ። ደጊመ ደጋጊመ ምስ ኣንበብክዎ ግን ሙሉእ ገጹ ናብ ጽሑፈይ ዘተኮረ ምዃኑ በሪሁለይ። ኣብ ዝኮነ ቃልሲ ሓደስቲ ተሰለፍቲ ክጽንበሩ እንከሎዉ ግልጽ ምልጽ፣ ወይ ሙይቕ እንዳበሉ ንሓንቲ ስጉምቲ ዝወስድዋ ክልተ ግዜ ንድሕሪት ቑልሕ እንዳበሉ እዮም። ኣነ ስለ ዝሓለፈ ተባዕ ቃልሲ ንምንኣስ ዝዓለመ ጽሑፍ ዝጸሓፍኩ ኣይመስለንን። የግዳስ ምስ እቲ ቃልሲ ዝነበረ ሽርሕታት ምስ ተሞኹሮይን ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ እከይ ተግባራትን ምስ ኣዚ ሕጂ ዘሎዎ ሃልዋትን ከተኣሳስር ፈቲነ። ናጽነት ህዝቢ ኤረትራ ዝተረክበ’ውን ብህዝቢ ኤርትራ ደኣ’ምበር ብመንፋዓት ውልቀ-ሰብ/ እንኮ መራሒ ከም ዘይትረክበ ግደፍ ቀለም ዝቖጸረ/ ብቀጽሪ ዝኮነ መባኣታዊ ትምህርቲ ቤት ዘይሓለፈ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ፡-

        “እቶም ኣብ መግለጺኻ ዝተተንተኑ ኣንፍታት ነዚ ፍልልይ ናይ እሙናት ውፉያትን፡ ናይ ግብዝናን፡ ደረቶም ሓንጺጹ ከመልክት ይግባእ። ሽዑ ኢና ናይ ቅንዕናን ግብዝናን ጠባያት መሚና ሐቅነቶም ከብርህ ንኽእል”። ዘቀመጥካዮ ሓሳብ ከም ሓደ ምሁር መጠን ነቲ “ይቅጽል” ዝብል ድሕሪ ነጠብጣብ ቀለም ዝሰዓበ ክብደት ክትህቦ ኔሩዃ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ። ቀንዲ መልእክቲ ግጥምካ ከምዝገለጽካዮ ፍርቀ-ፍርቂ ናብ ተረክቦ “ኣደ ኤረትራ” ዘተኮረ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ ግን “ሓውካ ኣበይ ኣሎ’ውን” መልእክቲ ካህናት ካቶሊክ ዘይኮነስ መልእክቲ ናይዝኮነ ደላይ ለውጢ እዩ። ሉስሉስ ቃልሲ የሎን። ወይ መጋረጃ ዘይምቅላዕ፡ እንተቀሊዕካ ግን ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ ደኣ።
        ደሃን ወዓል

        • Tseggai Isaac August 21, 2014

          ክቡር ኣቶ መረጸ ኣስመላሽ፡
          እቲ ዝሃብኩዎ መልሲ፡ ነት ዘቕረብካዮ እርኑብን ምሉእን ጽሑፍካ ዝነቅፍ ወይ ርዝነቱ ዘፍኩስ እይኮነን። ዝነኣድን ዝምስገንን ሓሳባትን ትዕዝብቲን ኢኻ ኣቅሪብካ። እንታይ መለተይ እየ-፡ ብሓፈሻ ኣነ፡ ንስኻ ወይ ከኣ ካልኦት ለባማት ከማኻ ክንጽሕፍ ኮለና፡ እተን ኣብቲ ዕውዲ ውግእን፡ ሞትን መስዋእቲን ዝተሰለፋ ውድባት፡ ዝሃባና ሓድጊን ዘንታን ኣብ ነናቱ ዕርዲ ከነስፍሮ እሞ ሽዑኡ እቲ ቅርጺ ናይ ታሪክ ኤርትራና ምዕሩይ ክኾነልና ማለተይ እይ። ይቕሬታ፡ ነዚ ኣብቲ ጽሑፈይ ስለ ዘየብራህኩዎ፡ ሕጀ ተመሊስ ከንብቦ ኸሎኹ ጽሑፈይ ሓጓፉ ከፍቲ ከም ዝነበሮ ሕጂ ምስ ኣመልከትካልይ ተገንዚባዮ።
          ሓውኻ ጸጋይ ይስሃቅ

          • Meretse Asmelash August 22, 2014

            ዶ/ር ጸጋይ — ሰላም
            መጀምርያ ንጽሑፍካ ተጸጊዖም ንዝተዋፈሩ ሪኢቶታት መልሲ ክትህብ ምፍታንካ ንባዕሉ ዝነኣድ እዩ። ምስኡ’ውን ነቲ ዘይ ምርድዳእ ፈጢሩ ዝነበረ ሃጓፍ ኣለሊካ፡ ስለኡ ዝህብካዮ መልሲ የመስግን። ቀጺለ ነቲ ንቡዙሕ ዓመታት ንድሕሪት ተጓዒዙ ፡ ናብ’ዚ ዘሎናዮ መዋእል ክምለስ ዝፈተነ ሓርጎጽጎጽ ዝመልኦ ሪእቶይ ፡ — ሺሕ’ዃ ዘመናዊ መጓዓዝያ ዝጎደሎ እንተኮነ ፡ ንድኩም ጎድኑ ኣሊካ ፡ – ስለ’ቲ ሓያል ጎድኑ ክብደት ኣሎዎ ክትብል ዘስፈርካዮ እወንታዊ ሚዛን የቀንየለይ።
            ቃልስና (ቃልሲ ውጽዓት) ክንሱ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ዘይከኣለ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ምክንያታት ከማኩም ዝኣመሰሉ ሙሁራን ኣብ ግዜኡ ስለ ዘይተጸንበርኩሞ እዩ ዝብል ደገ ዝወጸ ሕሜታ ጸኒሑና እዩ። ይኩን’ምበር፡ ሎሚ፡- ናትካ ይኩን ናይ ከማካ ዝኣመሰሉ ምሁራን ኣእዳው ክዝርጋሓ ክትርኢ ከለካ ሞራል ዝኮነ ደላይ ፍትሒ ሓፍ ከምዘብል ስለእንርዳእ ብድሓን ምጽኡ ፤ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ ! !

  • Meretse Asmelash August 20, 2014

    ዝከበርካ ዶክተር ጸጋይ ይስሃቅ ግሩም ጽሑፍ። ምስ ጽሑፍካ ብከፊሉ ዝተኣሳሰር ንውሕ ዝበለ ሪኢቶ ከቀርብ ክፍትን እየ።

    ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ ኣብ ጎደና ደለይቲ ፍትሒ ይኹን ኣብ ደምበ ተቃውሞ፡ ከምኡው’ን ብዓቢኡ ኣብተን ኣሎዋና ዝበሃላ መርበብ ሓበሬታ ቀንዲ መዛረቢ ኾይኑ ዘሎ፣ ዝምድና ኣሓትና ደቂ-እንስትዮ ኤረትራውያን ምስ ህግደፍ (ምስ ኢሳያስን ሓወርያቱን’ዩ) ። ቅድሚ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ ክልተ ምባለይ ግን- ዝወሰድክዎ ስጉምቲ እንተ ደኣ ሃልዩ ኣብ ዘይትፈልጦ ጉዳይ ኢድካ ምስዳድ ምስ ቀንጠብጠብ ስለ ዝቑጸር ብዙሕ ዘይምስጓም ዝብል ምክሪ ካብ ነብሰይ ንነብሰይ ለጊሰ ድሕሪ ምእማን ስለዝኾነ ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣልዒለዮ ዘሎኹ ኣርእስቲ እንተ ዘይኾይኑ ኣብ ማእከሉ ንከይእቱ ግዙት እየ።
    ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ኢሳይስ ኣፈወርቂ ይኹን ( ካልእ ውልቀሰብ) ወይ’ውን ፣ ማሕበር (ማሕበራት) ፣ … ወዘተ ምስ ናይ ሃገርና ደቂ ኣንስትዮ ተወሲዱ ዝጸንሐ ጥብቅ ዝበለ ዝምድና ውጽኢቱ ኣብ ናይ ሓባር ጠቅሚ ዘተኮረ ድዩ ኔሩስ ዋላስ ምስ ውልቃዊ ረብሓ? ንምልላይ ብደቂቅ ዝተወስደ መጽናዕቲ ስለዝጎድለና ንግዝይኡ ክንግምት ጥራሕ ኢና ንክእል ይመስለኒ።
    ነዚ ምርኹስ ብምግባር እምበኣር ገለ ካብቶም ዓበይቲ ግምታት (remeber this is only speculation)
    ብቝሊ ጥቡቕ ዝምድና ኢሳያስን ኣሓትን
    1. ኣብ ዎሎ (ዋና ከተማ ደሴ) ምስ ሓውኣብኡ ካብ 10 ይ ክፍሊ እንዳ ተማሃረ እንከሎ (ንመረጋገጺ) “የደራሲው ማስታወሻ” ደራሲ– ጸጋዬ ገብረኣብ
    2. ኣብ’ታ ቀዳማይቲ ዓመት ዪኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ
    3. ኣብቲ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ሃገረ ቻይና ዝጸንሓለን
    4. የሎን ኣብ ግዜ መጨረሻ ሱሳታት’ባ ኣብ ጣብያ ቓኞው ብመንገዲ ተስፋንኪኤል ጆርጆ ምስ መርበብ ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ ዝብሉ ናይ ኮንዶ ኮን (speculation) ጎደናታት ኣሎዉ። ይኩን’ምበር እዚ እከይ ተግባር ካበይ ከም ዝተመሃሮ ብዘይየገድስ ኣብ ባይታ መጀመርያ ፈተንኡ ብተገዳላይ “ስውእ ኣብርሃም ተወልደ” ጀሚሩ ዝብሉ ኣካላት’ን ውሑዳት ኣይኮኑን ። ኮይኑ ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ዝተወስደ መጽናዕትን ውጽኢትን ስለ ዘየሎ፡ ካብ ቲሒም-ቲሒም ሓሊፉካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረበሉ ትክእል ጉዳይ ኣይኮነን።
    ሕጂ ናብቲ ዘበገሰኒ ክምለስ-
    መጀመርያ እቲ ሓይል ጎድኒ ናይ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኤረትራውያን፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝነበረ ተኣምራዊ ስሪሒት ከይተንከፍኹ፡ ኣብቲ ውሕድ ዝበለ ቊጽሪ ዝነበረን ደቂ እንስትዮን ከምኡ’ውን ቀስ ብቀስ ክሳብ “ዕብለላ” ዘመስከረ ስርሒት ክዝክር ይፈቱ። ደቂ ኣንስትዮ ኤረትራውያን ብዝያዳ ዓቢ ጊደን ርኡይ ውጽኢትን ከመስክራ ዝተራኣያ (ብዓቢ ክፍሉ) ድሕሪ 1975 ዓ.ም ኢዩ። እዚ ከግብሮ ዘክኣለ ጉዳይ ብብዝሒ ናብተን ሽዑ ዝነበራ 2 ውድባት ክጽንበራ ስለ ዝጀመራ’ዩ ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝነበረ ሽግራት ንመጽናዕቲ ታሪክ ገዲፍካ፡ ብፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ዘይተኣደነ ሓይሊ ስለ ዝወሓዛ ኮበሮ ሰማይ ዝሃረመትሉ እዋን እዩ ኔሩ። ንሱ ከኣ ህ.ሓ ድሕሪ እቲ መጽፋዕቲ ሓያል ቅልጽም “ዓረምረም” ሕይወት ተጋ. ሳልሕ ጠጠው ለኪሙ ዝደምሰሰ ውግእ ካብ ዓድታትስ ይትረፍ ካብ ጎበታት ከበሳ ኣንቖልቝሎም ንኣክራናት ሳሕል ዕቑባ ሓቲቶምሉ ዝነበረ ግዜ ብምንባሩ፡ ከምእንደገና ሓይሎም ጸጊኖም ናብ ኣክራናት ከበሳ ዝቃላቀልሉ ዕድል ብምርካቦም እዩ። ኣብዚ ግን ሓደ ሓድሽ ተርእዮ ኔሩ። ንሱ ከኣ ንተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ኣዝዩ ዘደንጸወ ነበረ። ኣብ ሓንቲ መስርዕ ሓንቲ ክራር ብምጻሮም ነበረ። እዚ ኾነ ኢልካ ዝተማህዘ ምህዞ ምንባሩ ንምፍላጡ ዳርጋ 3 ዓመት ወሲዱ። መጀመርያ ወዲ ገርሂ ልባ ተጋደላይ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ሳሕል ጽምዋ ስለዝተበልዑ ንመዘናግዒ ዝፈጠርዎ ሜላ’ዩ ኢሉ ወሲድዎ ኔሩ። ጸኒሑ ግን ኣብ ዝባን ከብሳ ምስ ሓኾሩ ኣብ ዝሓደሩሉን ዝወዓልሉን ቦታ ቅድሚ ውግእ ይኹን ድሕሪ ውግእ ጢን-ጢን ኮይኑ ሓዳሮም። ነዚ ብዓይኒ ተቃለስቲ ተ.ሓ.ኤ እዞም ሰባት ንቃልሲ ዝምልከት ኣእምርኦም ይስውሩ ኣሎዉ እንዳበለ ይዋኣት ኢሉ ርእሱ ነቅኒቑ ጥራሕ ይሓልፍ ኔሩ። እቲ ዘገርም ውግእ ኣብ ጉንዲ እዝኖም ውግእ ምስ ጸላኢ ሂር-ሂር እንዳበለ ተበገስ ክሳብ ዘይተባሃሉ ንዕኦም ከምዘይምልከት ገባር ሓውሶም ነቲ ጓይላ ጓይላ ክውስክሉ ይረእዩ ኔሮም ………….. ይቅጽል

  • Meretse Asmelash August 20, 2014

    Correction: please read the author of “yederasiw mastawosha” as Tesfaye Gebreab
    Thnx

  • failed state August 20, 2014

    That is one side of Eritrean women.There is also another ugly side to it though.

  • Meretse Asmelash August 21, 2014

    …….ጓይላ ጓይላ እንዳ ወለደ ከይዱ። ነቲ ጓይላ ኣዝዩ ዘዳመቖ ከኣ ብፍላይ ድሕሪ መፋርቅ 1975-1977 ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ኣስመራ ናብ ገጠር ምድርጎሖም እዩ። እዚ ንባዕሉ ነብሱ ዝከኣለ ኣሉታውን እወንታውን ጽልዋታት ኔርዎ። ገለ ካብቲ ኣሉታዊ ጽልዋታት እንብሎ ኣብ ገጠር ከም “ጽያፍ” ዝቑጸር ኣብ ከተማ ግን ዕሽሽትኡ ዝወደአ ጠባያት እዩ። ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ኣብ ከተማ ኣስመራ ድሕሪ ተጋዳሊት “ሳራ መኮነን” ንደርጊ ኢዳ ምሃባ ንኣስመራ ምምላሳ ዝቛዎሙ ደርፍታትን ፍሉይ ሳዕሳዒትን ተቀልቂሉ። እዚ ሳዕሳዒት እዚ ዝዓበየ ክፍሉ ድንን ኢልካ ናይ ሓደ መቅመጫ ምስ ናይ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ተላሃይቲ ምግጫው እዩ።
    መጀመርያ ክትርእዮ እንከሎካ ብጣዕሚ ኢካ ትሓፍር። እዚ ብሳራ ሞኮነን 2 መልሓሳ ፣ ማርያም ኣስመረይትስ ከመይ ትቀንጥሳ፤ ሳራ ሞኮነንነ እንታይ እዩ ጸገማ? ሻንበል ሲኢናቶስ ኣትያ ንከተማ………ብዝብሉ ዜማታት ተሰንዩ ካብ ከተማ ኣስመራ ናብ ገጠራት ዝሎሓዀ ሓዲሽ ናይ ሳዕሳዒት ቅዲ ነቲ ኣብ ፈቖድኡ ጢን-ጢን ዝብል ዝነበረ ክራር ህዝባዊ ሓይልታት ግርም መዳመቂ ጓይላ ኾይንዎ እዩ። ገለ ገለ ተዓዘብቲ ብፍላይ ነቲ “ተወደብ” ዝብል እግርካ ንየማንን ንጸጋምን ብምግሕታንን ሕቆካ ብምጉባጥን ዝዎለደ ኮቶ ንሱ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ገምጋም ኔርዎም። በዚ ሓድሽ ባህሊ ቀዳሞት ጥቑዓት ግን ደቂ ኣንስትዮ ገጠር እየን ኔረን። ደቂ ኣንስትዮ ገጠራት፡ ካብቲ የማነ ጸጋም ዝጓዓዝ ዝነበረ ህዝቢ ገለ ትርፊ ንክረክባ ካብ’ቲ ብሕቖኤን ተሰኪመን ሽኮርን በርበረን ምንጋድ ሓሊፈን ፎቆዶ ቃራና መንገዲ ቤት/ሻህን ፡ እንዳ ስዋን ከፊተን ስድራ ክዕንግላ ኣብ ዝፈተናሉ ግዜ እቲ ጉዳይ ናብ ዘይሓለሞኦ ወይ ዘይ ኣበገሰን ጉዳይ ክኣትዋ ተገዲደን።
    ካብዚ ሓሊፉ እንዳ ስዋ ናእሽቱ ከተማታት ከም ኣብነት ከተማ “ጸረና” (ጾረና ብልምዲ) ናብ ምሸታዊ ትልሂት (Night Club) ተቀይረን ኔረን። እዚ ብከፊሉ ውጽኢት ክራርን ናይ ሽዑ ሻዕብያን እዩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝከታታተል ዋላ ሓደ ኣይነበረን ዝብል ኣካል እንተሃልዩ መልሱ ኣይዎዓልካን ኣብኡ እዩ። እንተኮነስ እቲ መጽናዕቲ ብሰብ ሞያዶ ተታሒዙ ኔሩ? ውጽኢቱ ከ እንታይ ኔሩ? ዝብሉ ሕቶታት ክልዓሉ ከሎዉ ግን ዝምለሱ መልስታት ኣጽገብቲ ኣይክእሉን ይኮኑ ደኣ’ምበር መጽናዕቲ ተዋፊርሉ ኔሩ።
    ዝኮነ ኾይኑ ናይ “ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበከ” ዝብል ፈሊጥ እንተወሲዳና እዚ ሕጂ ኣብ ፎቆድኡ፡ ኣብ ርእሲ ሬሳ ከይተረፈ ዝግበር ዘሎ ሳዕሳዒትን ፈንጠዝያን መበገሲ ኣሎዎ። ትም ኢሉ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓጥያት ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኢሳይስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብውሑዳት ጀነራላት ኣብ ደገ ግን ብብዝሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ዶው ኢሉ ከም ዘሎ ከነለሊ ይግባኣና። ከም ጉቡእ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ግጥሚ ሕታም ወጺኣ ዘላ ስእሊ ንኹሉ ምወዳኣቶ ኔራ። ኮይኑ በዚ ሎሚ ብዘይካ ድምጺ ኮበሮ ካልእ ድምጺ ዘየለሊ ኣእዛን ሒዝካ ዝግበር የሎን። ኢሰያስ ንኣብ ደገ ዝነብራ ስድራቤታት ብኣደ እታ ስድራ ጌሩ ተቖጻጺርዎ እዩ። ኣብዚ ሓያል ሞራላውን ባህላውን ….. ይሓትት ኣሎ።
    ኢሳያስን ውሑዳት ሰዓብቱን ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ሕልናአን ርህራሄንን ካብ ሓንጎለን ጎልጕሉ ደርብይዎ እዩ። ድሕሪ’ዚ እቲ ጥርሑ ዝተረፈ ሽክና ርእሲ ደስ ዝበሎ መሊእዎ’ዩ። ውጽኢቱ ከኣ ፡ተግባር ወዲ-ሰብ ዝሃደሞ ምስሊ ኮይኑ ተሪፉ። ኣብዚ ሎሚ ግዚ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዞምቢስ ዝብል መጸዋዕታ ኣልጊቦምሎም ኣሎው። ብሕጽር ዝበለ ገለ-ገለ መደርቲ/ተዛረብቲ ንዞምቢስ ኣመልኪቶም ከምዚ ይብሉ፡
    – When any dictator, tyrant, or to some extent even a witch steals the soul of another man, “he/she becomes a zombie.” A zombie is an empty gourd (ሓምሓም) into which you can pour whatever you choose. You make the man or the woman die of emptiness, which in turn you can fill him/her with poison. You can make him a “slave”. Wow!
    ነዚ ኹሉ ክብል ዘልዓለኒ ጉዳይ ግን ክቡር ዶ/ር ጸጋይ ጽሑፍካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ገና ሰሙን ዘይመልአ ናብ ጓይላን ዳንከራን ዘምርሑ ንዝነበሩ ኤረትራውያን ኣይትጋገዩ ፣ ሕልናኩም ኣይትሽጡ፣ ኣሕዋትኩም ኣበይ ኣሎዉ ንዝብል ጸዋዒት ደቂ ኣንስትዮ ኤረትራውያን ዝሃብኦ ግብረ መልሲ ብከፊል ከልዕል ስለ ዝደለኩ እየ። ሳተን ኩለን ደቂ ኣንስትዮ እዃ ክንብል እንተዘይደፈርና ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ካብ ዘርእዮኦ ዝነበራ ነውራም (ጽያፉ ዘይከተተ) ግብረ መልሲ ጸዋዒት ሰላማዊ ሰልፊ እዩ። ሓደ ሓዲኤን ክትርእዮ ዘሕፍር (ክሳብ ምስ መቀመጫይ ተዛረቡ ዝብል ናይ ምውዝዋዝ ኣካላት፣ ገልኤን ጫማ እግረን ኣውጺኤን በዚ ተጸፍዑ ናይ ዝብል ምልክት ምልኣክ፣ ገሊኤን ማእከላይ ኢደን ብምውጽእ ፣ ገሊኤን ጉንቦ ኢደን ንምድሪ ኣርእየን ተረገጹ ዝዓይነቱ መልእክቲ ምሕላፍ ኮታ………
    እዚ ኹሉ ግን ብደቂ ኣንስትዮ ኣስላምን/ክስታነን ዝወሃብ ዝነበረ ግብረ መልሲ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ። በዚ ምክንያት ከኣ እዩ ናይ ብሓቒ እዚኤን ኣእምሮኤን ዝሸጣ ሰብ መሰል (zombies) ክበሃላ መገዲ ዝከፍታ ።
    ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ ግን ጽሑፍካ ናይ ብሓቂ መሳጢ ጥራሕ ዘይኾነስ እዋናዊ’ውን ስለ ዝኮነ ቀጽሎ። እታ ኣብ ላዕሊ ኣንቢርካይ ዘሎካ ስእሊ’ውን እንተኮነ እታ ሓቀና ኣደ ኤረትራ እያሞ ስለኣ ቃልስና ኣይነቛርጽ

  • Simon G. August 24, 2014

    Very nice poem, Metetse!

POST A COMMENT