Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሮ ናፊቕናኩም፣ ግን ክንምለሰኩም ኢና! (መፋነዊ መደብ ሳትላይት ራድዮ ኣሰና)

ድሮ ናፊቕናኩም፣ ግን ክንምለሰኩም ኢና! ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ ካብ ደቡብ ንምዕራብ ካብ ምዕራብ ንደቡብ ጽርግያ ኣስመራ መንደፈራ ቆሪጽና ክንንቀሳቐስ ከለና ዝርእዮ ዝነበርኩ ድሙቕ ባና ኣስመራ፣ ወትሩ ነታ ኣብ ሳሕል፣

ድሮ ናፊቕናኩም፣ ግን ክንምለሰኩም ኢና!

ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ ካብ ደቡብ ንምዕራብ ካብ ምዕራብ ንደቡብ ጽርግያ ኣስመራ መንደፈራ ቆሪጽና ክንንቀሳቐስ ከለና ዝርእዮ ዝነበርኩ ድሙቕ ባና ኣስመራ፣ ወትሩ ነታ ኣብ ሳሕል፣ ኣብ ሰማያዊ ማልያ ተጻሒፋ ዘንበብኩዋ፣ “ኣስመራ ናፊቕናኪ ግን ክንምለሰኪ ኢና!” እትብል ሓረግ እዝክር ‘ሞ ዕንቅፍተይ ምፍላጥ ክሳብ ዝኣበኒ ኣብ ትዝታዊ ናፍቖት ተሸሚመ ብልበይ ግጥሚ ይጽሕፍ ነበርኩ።

መቸም ኤርትራውያን ብማዕዶ እናናፈቕካ ምንባር ምብላይ ዝኣበየና ኢና እንመስል፣ ገድሊ ብስደት ተበርዩ፣ ኣሽሓት ማይልስ ርሒቕና፣ ናፍቖት ኤርትራ ብዓቢኡ ደጊሱና ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሎሚ ነቲ ቀሊል ግን ትዝታዊ ሓረግ ዘዘኻኸረኒ ዘሎ፣ እዚ ጽባሕ ሎሚ ቀዳም 28 ለካቲት ፍርቂ ለይቲ ዝፍጸም ምቍራጽ ራድዮ ድምጺ ኣሰና ብሳተላይት እዩ። ከም ኣሰናዳእቲ ኣሰና ይኹን ኣበርከቲ ኣሰና፣ እቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለና ናይ ድምጽን እዝንን ርክብ መተካእታ ዓይኒ ኳ ክኸውን ዘይክእል እንተኾነ፣ መደዓዓሲ ዝኸውን ርከብ ምዃን ስለዘይተረፎ ነቲ መደብ ኣብ እነቋርጸሉ ዘለና ኣጋጣሚ መፋነዊ ምግባር ንቡር እዩ።

ወርሒ ለካቲት 2009 ድምጺ ኣሰና ብገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን  ተደጊፋ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዝጀመረትሉ ወርሒ እዩ። ለካቲት 2015 ድማ ብኣጋጣሚ ነቲ ሳላኦም ንሓደ ዓመት ከተሰላስሎ ዝጸንሐት ፈነወ ራድዮ ሳተላይት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ እተቋርጸሉ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ፣ ነቶም ድምጺ ኣሰና ካብ ትጅምር ክሳብ ለይቲ ሎሚ፣ ብወለንታኦም ንተደጋጋሚ ግዜ ኣሽሓት ገንዘብ ብምብርካት ዘዕጠቑና፣ ኣስማቶምን ህርኩትነቶምን በብእዋኑ ዘቃላሕናዮ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ውሑዳትን ርቡሓትን ኣዕሩኽን ደገፍትን ኣሰና ደጋጊምና ብስም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነመስግኖም። ኣንቱም ራድዮ ኣሰና ድምጺ ውጹዓት ምዃና ኣሚንኩም ወግሐ ጸብሐ ገንዘባውን ሞራላውያን ደገፍ ዝገበርኩምልና ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣበርክቶኹም ብመልክዕ ድምጺ ናብ ኣየር ተቓሊሑ፣ ኣብ ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ኤርትራ ደበና ንቕሓት ኣዋህሊሉ ስለዘሎ፣ ሓደ መዓልቲ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክቕየር ብምዃኑ፣ ብሕልናዊ ኣስተዋጽኦኹም ክትሕበኑ ይግባእ። ንሕና ከም ጋንታ ኣሰና ‘ውን ሳላኹም፣ ነጻነትና ሓሊና፣ ከይተወላወልና፣ ነቲ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕሉ ነጻ ሃገራዊ መስመር ኣጽኒዕና፣ ንስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን እናተኸላኸልና፣ ነቲ ንሕልምና ሕልሚ ኤርትራውያን ክሒዱ፣ ብሕታዊ ሰይጣናዊ ሕልሙ ዘግህድ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ብምምካት፣ ስለ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዘይሕለል ጻውዒት ክንገብር ብምኽኣልና ሕቡናት ኢና። ኣሐቢንኩም ስለዘሐበንኩምና ድማ ደጊምና ዮሃናና ይብጻሕኩም ንብል።

እንተስ ጽጉብ ከብዶም ጥሙያት ኣረሲዑ ኣሰሲዑዎም፣ እንተስ ዓዲ ምምልላስ ከይተርፎም፣ ነዞም ካብ ገንዘቦም ሕልናኦም ዝዓቢ ውሑዳት ዘግድዑዎም ኤርትራውያን ሚልዮነራት ከምዘለዉ ‘ውን ኣይዘንጋዕናን። እንተኾነ፣ ሓደ ህዝባዊ ኣገልግሎት፣ ብሰንኪ ኣሽሓት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሚልዮነራት ምትዕንቓፉ፣ ትዕዝብቲ ይኽበዶም ኢልና ብምሕላፍ፣ እዚ ሕጂ ንሃገርና ብጎሮሮኣ ሓኒቑ ሒዙዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብቂዑ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ክሳብ ዝነግስ፣ ክሳብ መወዳእታ፣ እንተ ብሓጺር ማዕበል እንተ ብኣሰና ዳት ኮም ሓኾም ምባሉ ክንቅጽል ምዃና ነረጋግጸልኩም። ምኽንያቱ እቲ ዝኣተናዮ ሕድሪ፣ ካብቲ ዝገጥመና ናእሽቱን ዓበይትን ዕንቅፋታት ዝረዘነ ስለዝኾነ።

ናብቲ ብኣጋጣሚ ምፍናውና ከነመሓላለፎ ደሊና ዘለና ቀንዲ መልእቲ ቅድሚ ምስጋርና፣ ኣብዚ ናይ ናፍቖት ቅንያት ብዛዕባ ዝተመላለሱና ትዝታታት ከነዕልል። ከምቲ ብሓንሳብ ቡን ክሰትያ ዝወዓላ ኣንስቲ ክፋነዋ ኸለዋ ኣብ ኣፍደጊአ ካንሸሎአን መሊሰን ዕላል ዘንውሓ፣ እቲ ናይ ምቍራጽ ዕለትና እናቐረበ ብዝኸደ፣ እቶም ኣብ ራድዮ ክንዛረበሎም ዝሓሰብናዮም ኣርእስታት እናበዝሑ መጺኦም። በብዕለቱ ሓንቲ ኣብ ክንዲ ምግባር 10 ክንሓስብ ስለዝቐነና ድማ እታ ዕለት ህሩግ ኢላትና። ከም ባህርይ ጋዜጣዊ ስራሕ ዘይትሓስቡ ፍጻሜታት ገዛእቲ ብምዃኖም፣ ቀወምቲ  ቀዳምነታት ክህልዉ ኣጸጋሚ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ብመጠኑ ነቶም ዝሓሰብናዮም ጉዳያት ኣብ እዋኑ ዘይፈጸምናሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ካብ ምምርማር ኣይበኾርናን። ኣቢልና ኣቢልና፣ እቲ ቀንዲ ጠንቂ፣ ብውሽጥና ሓደ ዓቢ ነገር ይጎድለና ከምዘሎ ክንርስዕ ዘይምኽኣልና፣ እቲ ኖስታልጃዊ ናፍቖት ኣብ ኣእምሮና እናተመላለሰ ስምዒታዊ ምጕንዳብ ስለዝፈጠረልና ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኣነ ብወገነይ ከም ኣባል ኣሰና፣ ኣብዛ ሓንቲ ዓመት ጥራይ ዝገበርኩዎ ንኡስ ኣበርክቶ፣ ካብቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ናይቲ መላኺ ስርዓት ን 8 ዓመታት ዘካየድኩዎ ጻዕሪ ዝያዳ ሕልናዊ ዕግበት ይህበኒ። እቲ ምንታይ፣ ሽዑ፣ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ብባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሎም ብሕታዊ ጥሙሖም ንምርዋይ ዝመዝመዙዎ ናይ ስርቂ መድረኽ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ሕጂ ግን፣ ነቲ ዝርካቡ ዓቕመይ ሓቅን ርትዕን ንምርካብ ፍሕትሕት ኣብ ምባል ስለዘውዓልኩዎ ዓቢ ዕድል ገይረ እየ ዝቆጽሮ።

ፍቕሪ ሓቅን ፍትሕን ግን ካበይ እየ ረኺበዮ? እዚ ሕቶ’ዚ ሓደ ካብቶም ክመላለሱኒ ዝቐነዩ ‘ሞ ክቕልሞም ግዜ ዘይረኸብኩሎም ናፍቖታዊ ዝኽርታት እዩ። መቸም ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ እንድዩ ‘ዩ እቲ ምንጪ። ዝርዝራት ግን ኣለዎ። ኣብ ሰነዳት ትዝታይ ቅድሚ ኹሉ ካብ ዝመጽኡ ገለ ጸለውቲ ኩነታት፣ እቶም መማህራን ሓቅን እምነትን፣ ኣብነት ትብዓትን መስዋእትን ዝነበሩ ተጋደልቲ በራኺ ገብረስላሰን ቢተወደድ ኣብርሃን እዮም። መማህራነይን መራሕተይን ብዙሓት እዮም፣ ንሎሚ ግን ኣብዚኣቶም ከነተኩር።

ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ዝነበረ ተጋዳላይ በራኺ ንነዊሕ ዓመታት ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ካብ ቁልዕነተይ ክሳብ መምህር ዝኸውን ዝዓበኹሉ ጨንፈር ትምህርቲ እየ ዝፈልጦ። በራኺ ብቕንዕናኡን ሃገራውነቱን፣ ፍቕሪ ህዝቡን ዝልለ ውፉይ ተጋዳላይ እዩ። ካብቲ ፈለማ ዝረኣኹሉ እዋናት ገድሊ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስተር ዜና ዝነበረሉ ግዜ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከኣ ናይ ባህርይ ለውጢ ይረኣኹሉን።

ኣብ 80ታት ኣብ ጀልሃንቲ ዝብሃል ቦታ ኣብ ቤትጽሕፈት በራኺ ተሰቒሉ ዝነበረ ስእሊ፣ ከምቲ ድሕሪ ናጽነት መቃጠርቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ኢሳይያስ ስእሊ ዘይኮነስ ናይ ስዉእ ወዲ ፈንቀል ስእሊ እዩ። ዋላ ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝረኣናዮ ናይ ተጠላለም ግዜ በራኺ ትሕትናኡን ቅንዕናኡ ኣይረሰዐን። ካብቶም ዝተረፉ ሒደት ናይ ብሓቂ ተጋደልቲ ኮይኑ እዩ ሓሊፉዎ። ዝኽሩ ስዉኣት፣ ልቡ ኸኣ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሩሉ፣ ኣነን መተዓብይተይን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኤርትራ ብዓባያ ክትናፍቖ ዝግብኣ ኣብነታዊ ተጋዳላይ ከኣ እዩ።

ብሓቂ፣ እዚ ሕጂ ዝበታተን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ እዛ ትዓኑ ዘላ ሃገረ-ኤርትራ፣ ካብዚ ተራ ናፍቖት’ዚ ሓሊፎም በቲ ምእንቲ ድሕነቶም ዘርኣዮ ትብዓትን ልቦናን ከም ጅግና ክዝክሩዎን ክሽልሙዎን ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎም።

BeraKI Gebresilasieበራኺ ገብረስላሰ፣ ብ 29 ጥሪ 1999፣ ሚኒስተር ዜና ከሎ፣ ነቲ ንግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላም ንምዕራፍ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ናይ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳንን ደገፍ ‘ውን ዝነበሮ እማመ ሰላም ምቕባል፣ “ምስ ምሉእ ሓይልናን ክብርናን፣ ብዘይ ዕንወትን ክሳራን ከዐውተና ይኽእል እዩ” ብምባል፣ ንሰላማዊ ፍታሕ ናይቲ ግጭት ኣመልኪቱ ናብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፎ ርጡብን ረዚንን ደብዳበ ሰማዒ ረኺቡ እንተዝነበር፣ ብዓቕሙ ዕርዲ ናይዚ ሕጂ ንሃገርና ወሪዱዋ ዘሎ ጥፍኣትን ዕንወትን ምኾነ ነይሩ። እቲ “ዘርዕድን ኢድና ዘውህብን የብልናን” ክብል ብብድዐ ዝመለሰሉ ኢሳይያስ፣ ናብ ዝመርሓና ሸለው ዝበለ ገደል ስለዝሰዓብናዮ ግን እንሆ ትንሳኤ ጸጊሙና፣ ኣብ ውሽጢ ብምረት ኣብ ደገ ብናፍቖት፣ ኣብ ደልሃመት ንነበር ኣለና።

ብዓል ስልጣን ክወርድን ክድይብን ንቡር ኳ እንተኾነ፣ በራኺ ካብ ሚኒስተር ናብ ኣምባሳደር ምስ ተቐየረ፣ ኢሳይያስ ዋላ በራኺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ‘ውን፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብኢዱ ሓሊፋ ጠብሎቕሎቕ ካብ ምባል ዝዓግቶ ‘ኳ እንተዘይነበረ፣ “በቲ ሓደ ሓደ ተቓውሞታቱ ከም ድላዩ ክገብር ስለዘይከኣለ ደኾን ይኸውን ኣልዩዎ” ኢለ እግምት ነይረ። ነቲ ለውጢ ከም መግናሕቲ ኢሳይያስ ስለዝረኣኹዎ፣ “ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ነቲ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርካዮ ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝሓኮ ማንም የለን” ክብል ኣብ ካርተሊና ዝጸሓፍኩሉ፣ መልሲ ‘ውን ዘይተጸበኹላ ናይ ደገፍ መልኽእቲ፣ ኣውንታዊ መልሲ ምስ ረኸብኩላ፣ እታ ቅንዕናን ተወፋይነትን መምርህረይ ዘይርሳዕ ምዃኑ ንምትብባዕ ጥራይ ዝጸሓፍኩዋ ደብዳበ፣ ካብቲ ኣነ ዝሓሰብኩዎ ንላዕሊ ዝኸበደ ትርጉም ከምዝነበራ ተገንዘብኩ። ጸኒሐ ግን፣ እታ ቀንዲ ጠንቂ ጥፍኣት በራኺ እዛ ሰላማዊ ፍታሕ እትጽውዕ ተባዕን ታሪኻዊትን ደብዳበ ምዃና ተረዳእኩ። ኣብ ዘበነ ኢሳይያስ፣ ኣብ ሃገርና፣ እቲ ንቡር ስግንጢር ኮይኑ ስለዘሎ፣ ” ‘ሰላም’ ዝበለ፣ ህልቂት ህዝብን ዕንወት ሃገርን ከይመጽእ ዘተሓሳሰበስ ኣብ ክንዲ ዝሽለም ይቕረም!” ኢልካ ምግራም ‘ውን ንቡር ኣይኮነን።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንበራኺ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ምስ ኣለዮ፣ ዕሱባቱን መቃጠርቱን ኣቐሚጡ ገንዘብ ብምፍሳስ፣ ነቲ ትካል ናብ ናይ ምልኪ ፕሮፖጋንዳዊ ማሽን ቀይሩዎ እዩ። እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝተኣታተወ ትሕተ ቅርጻዊ ለውጢ ምዕባለ ኮይኑ ዝረኣዮም ከምዘለዉ ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ዓቐናዊ ምፍቃድ ብሕታዊ ጋዜጣታት፣ ከምኡ ‘ውን፣ ጣቋ ኣመላልሳኡ ብዘየገድስ፣ ኣብቲ ፈለማ እዋናት፣ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ሕቶታት ዝምልሰሉ መድረኽ ከምዝነበረ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ እቲ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ጭቡጥ ኣገልግሎትን ቁምነገርን ዝነበሮ ስርሓት ዜና እቲ ቐደም ዝነበሮ ትሕዝቶ ደኣምበር፣ እቲ ድሒሩ ዝተኣታተወ ‘Serving the Truth’ ዝብል ናይ ሓሶት ፈኸራ ዝተለጠፎ ዘብለጭልጭ ስትድዮ ኣይኮነን።

በራኺ ኣባል ናይቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ጉጅለ 15 ኮይኑ “ምስ ህዝበይ ዝወረደ ይውረደኒ” ኢሉ ምእንቲ እቲ ናይ ለውጢ መትከል ካብ ጀርመን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ገንሽል ናይቲ ጨካን በላዒ ኢሳይያስ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን። ዋላ ነታ እዋን እቲኣ ሓሊፉዋ እንተዝነበር፣ ካብ ሞትን ማእሰርትን ኣይመምለጠን። ምኽንያቱ በራኺ ኣብ ከምዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት ተዛንዩ ክነበር ባህርያቱ ዘፍቅደሉ ሰብ ኣይኮነን።

መቸም ናብ ትዝታ መማህራነይ እንድየ ኣላጊሰ፣ ነቲ ሕጂ ዘዕልለኩም ዘለኹ ዝኽሪ ዘበራበረ ሓደ ተረኽቦ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ኣብዛ ወርሒ ብቲቢ-ኤረ ዝደጋገም ዝነበረ ናይ ሓርነት ባጽዕን ገድልን ሰነዳት ሓሓሊፈ ኣብ ዝረኣኹሉ እዋን ደጊመ ዘስተብሃልኩሉ ትዕዝብቲ እዩ። ኣብቲ “መሬትን ህዝብን በብሓደ ሓራ ምውጻእ” ዝብሃለሉ ዝነበረ እዋን 1977፣ ንኸተማ ከረን ሓራ ንምግባር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ህዝባዊ ሰራዊት፣ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሰ ራድዮ ርክብ ሒዙ ኸሎ እተርኢ ዝነበረት ፊልም መቐስ ኢሳይያስ ቅንጥብ ኣቢላ ከምዝደርበየታ ተዓዚበ። እዚ ጀጋኑን ህዝብን ብብሓደ ከምዝርስዑ ጌርካ ታሪኽ ናይ ምውናን ስልቲ መላኺ ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ግዜ ዘስተብሃልኩሉ ስለዝኾነ፣ በንጻር ባህጊ ኢሳይያስ ንበራኺ ዝያዳ ካብ ምዝካሩ ሓሊፉ ኣየገረመንን። ከምቲ ቅድሚ ብማእሰርቲ ሃለዋቱ ምጥፍኡ ንውልቁ፣ “ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ነቲ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርካዮ ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝሓኮ ማንም የለን” ዝበልኩዎ፣ ሕጂ ‘ውን ቃለይ ንሳ እያ። ታሪኽ ከምዝደለኻዮ ዝኸውን ልኡም ዓውዲ ኣይኮነን። እቲ ታሪኽ ጀጋኑ ክሓክኽ ዝደሊ ዘሎ ስሱዕ ኢስሳያስ፣ ታሪኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳብ ይገብረሉ ከምዘሎ ‘ውን ክግንዘብ ይግባእ።

ኣብ ለካቲት ናብ ዝኽሪ ሓርነት ባጽዕ ኣብ ዝተመለስኩሉ እዋን ትዝ ዝበለኒ ካልእ መምህርን መራሕን፣ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ቤት ትማእሰርቲ ዝበሊ ዘሎ ተባዕ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ እዩ። ኣብ 1990 ባጽዕ ብጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ነጻ ምስወጽአት፣ ኣነን ካልኦት መማህራን ብጾተይን ከቲትና፣ ካብ ዓራርብ ናብ ሩባ ሕዳይ ወሪድና ምስ ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ብምጽንባር ሓደ ሓይሊ ኣቝምና። ቁሩብ መዓልታት ኣብቲ በረኻ ምስ ቀነና ከምዝፈለጥናዮ፣ ዕማምና ነቶም ኣብ ባጽዕ ዝተማረኹ 8 ሽሕ ምሩኻት ሰራዊት ደርግ ካብ ባጽዕ ናብ ሕዳይ ብእግሪ ኣምጺእካ ምሕላዎም እዩ ነይሩ። ቅድሚ ‘ዚ ፍጻሜ ‘ዚ ኸኣ፣ ኣነ ምስ ካልኦት 10 ኣቢሎም ዝኾኑ ብጾት ተሓሪና ቅድመ ምድላዋት ክንገብር ናብ ባጽዕ ተላኣኽና። መደብና ነቶም ምሩኻት ዝኸውን፣ መነባበሪ፣ ድስቲ ኩስኩስቲ፣ ኮበርታን ካልእ ንመዓልታዊ ህይወቶም ዘድሊ መሳርሒታትን ካብቲ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዛሕዛሕ ዝበለ ንብረት ጦርሰራዊት ማእሪርካ ምእካብ እዩ ነይሩ። ባጽዕ እትው ምስ በልና፣ እቲ መራሒ መስርዕና ኮይኑ ተመዲቡ ዝነበረ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ከምታ ዝተኣዘዛ ካብ መንጎ እቶም ተዛሕዚሖም ዝነበሩ ሬሳታት ኮበርታን ድስትን ክነዋልድ ኣዋፊሩና። ዋላ ሓንቲ ከነፍሪ ግን ኣይከኣልናን። ኣሽንባይ ዶ ን 8 ሽሕ ምሩኻት ዝኸውን ነብረት ክንኣሪ እግርና ኣልዒልና ናብቲ ዝተበገስናሉ ቦታ ክንምለስ ‘ውን ጋዶ ኮይኑ። ኣብቲ እዋን’ቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ቁጠባ ዝነበረ ቢተወደድ ኣብ ምሕደራ ባጽዕ ‘ውን ተዋፊሩ ከምዘሎ ስለዝሰማዕኩ ነቲ መራሒ መስርዕ ኣፍሊጠ ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምኻድ ዝመጻእናሉ ዕላማ ሓበርኩዎ። ቢተወደድ ብኡንብኡ ነዞም 8 ሽሕ ምሩኻት ዘድሊ መሳለጥያታት ክህቡና ኣብ ባጽዕ ናብ ዝነበሩ ጨንፈር ቁጠባ ጽሒፉ ምስ ኣፋነወና ኸኣ፣ ኣብ ጎልጎል ተዛሕዚሑ ዝረኸብናዮ መጻሕፍቲ ጦርሰራዊት ኣሪና ኣብ ንባብና ቐነና።

Bitweded_2ቢተወደድ ካብቲ በረኻዊ ግርህነትና ተወፋይነትና ዓጂቡዎ ሞራልና ከይስበር ኢሉ ደኣ ኣየርኣየናን ይኸውን እምበር ብድሕሬናስ ስሓቕ ዝሓደገ ኣይመስለንን። ህዝባዊ ግንባር ወደብ ባጽዕን መዓክሰራት ክፍለጦራት ደርግን ተቖጻጺሩ ክንሱ፣ ከምቲ ኣብ በረኻ ድሕሪ ውግእ ዝግበር ልሙድ ንብረት ናይ ምቕራም ዕማም ክንቅጽል ምፍታንና ምስቲ ግዜ ዘይምስጓምና ዘመልክት እዩ። ነቲ ኣመል በረኻ ብኡንብኡ ኣብ በረኻ ኣይገደፍናዮን። ንዓናስ ቢተወደድ ‘ኳ ኣዘካኺሩና፣ እቲ ንቢተወደድ ዝሓየረ ኢሳይያስ ግን፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ምሕደራ በረኻ ይቕጽል ኣሎ። ሽፍትነት ከተማ ‘ኳ ደኣ ወሲኹሉ!

ቢተወደድ ካብታ ናይ ገድሊ ሳንዱቕ ውጽእ ኢሉ ብናይ ምሕሳብ ክእለቱን ትብዓቱን፣ ማዕሪኡ ኸኣ ብልዑል ናይ ምውዳብ ክእለቱ ዝፍለጥ፣ ንተወፋይነትን ጅግንነትን ብልሒ ዝውሰኸሉ ተጋዳላይ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ክእለት ምሕደራ ስለዝነበሮ ኸኣ ‘ዩ፣ ሰራዊት መሪሑ ኣብ ዝኣተዋ ወደብ ዓሰብ ‘ውን ኣብ ርእሲ መሪሕነት ሰራዊት፣ ከምቲ ናይ ባጽዕ ንዓሰብ ‘ውን ብግዝያውነት ዘካየዳ።

እቲ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ዝነበረ ቢተወደድ፣ ኣብ ፈለማ 80ታት ድሕሪ ምዝላቕ እየ ኣብ ጀልሃንቲ ዝብሃል ቦታ ንፈለማ ርእየዮ። እቶም ካባና ዝዓበዩ ፊተውራሪ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፣ “ተጋዳላይ እናተሰውአ ኣይንመሃርን ኢና፣ ዑቑባት ኣይኮናን” ኢሎም ኣድማ ኣብ ዝገብሩሉን ንሜዳ እናሃደሙ ናብ ተውጋኢ ሰራዊት ክጽንበሩ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝነበሩን ግዜ እዩ ከም ሓላፊ ናብ ቤትምህርቲ ሰውራ ተመዲቡ። ሽዑ ስፖርታዊ ንጥፈታት ኣተኣታትዩ ነቲ ኩነታት ከተሃዳድኦ ድማ ይዝከረኒ።

ኣብ 1983 ንዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ድሕሪ ምውፋርና፣ ሽጉጥን ካላሽንን ዓጢቑ ንመላእ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ብእግሩ እናኾለለ ዝሃበና ሞራልን ምትብባዕን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ንዓመትኡ ካብቲ ፋሕ ኢልናሉ ዝነበርና ዞባታት ኤርትራ ንኽረምታዊ ስልጠና ኣብ ከባቢ ሞልቍ፣ መተመት ዝብሃል ቦታ ምስ ተኣከብና፣ እቲ ዝነበርናሉ ከባቢ ናብ ናይ ኵናት ዞባ ስለዝተቐየረ ገለ ካባና ከቲቶም ምስ ካልኦት ኣሃዱታትን ሓይልታትን ኣብቲ ከቢድ ውግእ ድሕሪ ምስታፎም ማዕረ 10 ኣወዳትን ኣዋልድን መተዓብይትና ኣብ ዕሸል ንእስነቶም ተሰዊኦም። ኣብቲ እዋን ‘ቲ እየን ነፈርቲ ኵናት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ሞልቍ ልዕሊ 40 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ዝቐዘፋ። ድሕሪ እቲ ህውከተኛ ክረምቲ ንሕና ነናብ ዞባና ክንምለስ ቢተወደድ ‘ውን ከም ኣዛዚ ሰራዊት ተመዲቡ ናብ ሓይልታት ናብ ሳሕል ዝኸደሉ ግዜ ስለዝኣኸለ ኣብ ሓደ ጽላል ንብምሉእና ዝገበረልና ናይ መፋነዊ ኣኼባ ኣይርስዖን።

ከም ንቡር ኣብ ኣኼባ ዘረባ ብኾፍካ እዩ ዝውዳእ። ሓፍ በል ምስ ተባሃልካ እትጽበዮ ዝክረ ሰማእታት ጌርካ ብዓወት ንሓፋሽ ምፍናው እዩ። ሽዓ መዓልቲ ግን ኣብ መደምደምታ ናይቲ ኣኼባ ሓፍ ምስ በልና፣ ገና ብወግዒ ዝክረ ሰማእታት ዝብል ምልክት ከይሃበና መቓብር ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝሰኣናዮም መስርዕ ዝኾኑ ብጾትና ገዲፍና ንኸይድ ምህላውና ምስ ነብስና ክንዛረብ ኣብ ዝጀመርናሉ ህሞት፣ ብዘይመስዋእቲ ቃልሲ ክዕወት ከምዘይክእል ኣዘኻኺሩ ኣብ መትከልና ክንጸንዕ ከምዘለና መትኒ ዝትንክፍ ለበዋ ሃበና። ሽዑ ከምቲ ካልእ ግዜ መስዋእቲ ንዓና ናይ ማዕዶ ዕላል ኣይነበረን። እቲ ኣብ ብጾትና ዝረኣናዮ፣ ኣብ ድሕሪ መስመር ኣባና፣ ኣብ ግንባራት ኣብ ቢተወደድን ብጾቱን ክኸውን ከምዝኽእል ብቐረባ ስለዝተገንዘብናዮ፣ እቲ ኣብ ሕድሪ ብጾትና ክህልወና ዝግባእ እምነት ኮነ ከነርእዮ ዝግባእ መትከላዊ ጽንዓት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዕምቆትን ርዝነትን ነይሩዎ። እዚ ኸኣ ‘ዩ ነቲ ትዝታ ብቐሊሉ ከምዘይሃስስ ዝገብሮ።

እቲ ህሞትን ክውንነትን ዝተፈልየ ስለዝነበረ ደኣ ነቲ ናይ ቢተው ማዕዳ ዝያዳ ክብደት ሂቡዎ እምበር፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መትከልን መስዋእትን ለበዋ መውጽኢ ኣፍ ተጋደልቲ እዩ። ፍሉይነት ቢተወደድ ካብ ብዙሓት ሓለፍቲ ግን፣ ከምቲ ኣቐዲመ ‘ውን ዝጠቐስኩዎ፣ ሕዩር ሳንዱቕ ገድሊ ዘይምዃኑ፣ ንኣተሓሳስባኡ ጽመዋ በረኻ ዘይቅይዶ ምዕቡል ተጋዳላይ ምንባሩ እዩ። ኣብቲ ሞትን ሕየትን ብሓንሳብ ዝቀላቐላሉ ዝነበራ ጽንኩር ቦታ፣ ጀነኔተርን ቪድዮን ተኺሉ ኣብቲ እዋን ‘ቲ ኣብ ጥርዚ ሞያኦም ምስ ዝነበሩ ከም ብዓል ማይክል ጃክሰን ዝኣመሰሉ ስነጥበበኛታት ምዕራባዊ ዓለምን ብሉጻት ፊልምታትን ኣላልዩና። ነቲ እግሪ ተጋዳላይ ክትበጽሖ ኣብ እትኽእል መሬት ዝነበረ ህዝቢ ‘ውን ባህላዊ ምርኢት ቀያሕቲ ዕምባባ ከምዝርእዩ ብምግባር ኣነቓቒሑዎ።

ነዚ ከም በራኺ ሓቅን መትከልን ዘዕጠቐ መምህርን መራሕን፣ ከምቲ ንበራኺ ‘ውን ሃገራዊ ውዕለቱ ዘይረሳዕኩዎ፣ ኣብ ቤትማእሰርቲ ኸሎ፣ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ትኹል ዝተባህለ ዓዲ ኣብ ልዕሊ መተዓብይትና ዘጋጠመ ናይ ምምራኽን መስዋእትን ጉድኣት ዘውረደ ኣጋጣሚ “መስርዕ ፊትውራሪ ኣብ ትኹል” ኢለ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝጸሓፍኩዎ ‘ሞ ብድምጺ ሓፋሽ ዝተቓልሐ ተኸታታሊ ዛንታ ስሙን ኣበርክቶኡን ብሓንቲ መስመር ጠቒሰዮ ነይረ። ብ1997 ካብ ቤትማእሰርቲ ንሓጺር እዋን ወጺኡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ፣ እቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ መዛንኡ እንተስ ንኢሳያስ ፈሪሖም እንተስ ረሲዖሞ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ነቲ ኣብ ሸልኡ ኮይኑ ብራድዮ ዝሰምዖ ዛንታ ክሳብ ክንደይ ትርጉም ከምዝሃቦ ተረዲኡኒ። መቸም ንብዙሓት ካብቶም ሽዑ ስቕ ዝበሉ፣ ንርእሶም ዕጫ ቢተወደድ ኣይነሓፎምን። ብዙሓት ተተጎቲቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሓቁ ኣለዉ።

ኣብቲ ቢተወደድ ካብ ቤትማእሰርቲ ወጺኡሉ ዝነበረ ግዜ ብዘየወላውል ዝፈለጥኩዎ ዝዓበየ ሓቂ ግን፣ ብኣንጻር ‘ቲ ኢሳይያስ ብባዶ ሰልስቲኡ ዘዋፈሮ ጸለመታት፣ ቢተወደድ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓሰብ ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ኢሳይያስ ምስ መለስ ኣብ ዝነበሮ ዕርክነት ተመርኵሱ ብኢደ ወነኑ ዝገብሮ ዝነበረ ንኤርትራ ዘየርብሕ ሕድገታትን ጠላዕን ብምቅዋሙ ግዳይ ማእሰርቲ ምዃኑ እዩ።

ኣብ 1997 ኢሳይያስ ንቢተወደድ ካብ ማእሰርቲ ከውጽኦ ዝወሰነሉ ምኽንያት እንተነይሩ ኸኣ፣ ምስ መለስ ተሰሓሒቡ ነገር ይኣልም ስለዝነበረ፣ ንስምዒት ቢተወደድ ክጥቀመሉ ስለዝደለየ እዩ። ቢተወደድ ግን፣ ከምቶም ካልኦት ካብ ቤትማእሰርቲ ወጺኦም ኢሳይያስ ዝሃቦም ሽመት “እሺ ጎይታይ” ኢሎም ተቐቢሎም እሙናት ኣገልግለቲ ዝኾኑ ወዝላቓት ኣይነበረን። “ስለምንታይ ተኣሲረ?” ኢሉ ምስ ኢሳይያስ ስለዝተኸራኸረ፣ ማዕሪኡ ‘ውን ሰብ ዘይዛረበሉ ዝነበረ እዋናዊ ፖለቲካዊ ሕቶታት ከልዕል ስለዝጀመረ፣ ብዓይኒ ኢሳይያስ ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ስለዝበዝሕ እዩ፣  ናብታ ንዓመታት ዝበለየላ ማሕዩር ተመሊሱ። ዝገርም እዩ፣ ብሩራዊ ኢዮብልዮ ሓርነት ባጽዕ፣ ንማሕዩር ቢተወደድ ብሓደ ዓመት ጥራይ እዩ ዝዓብዮ። ካብ ድምጺ ሓርነት ኣትሒዝካ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ‘ውን ብተደጋጋሚ ከምዝተጻሕፈሉን ከምዝተፈነወን እቲ ቢተወደድ ናብ ኢሳይያስ ዘቕርቦ ዝነበረ መጎተን ተቓውሞን ንረብሓን መጻእን ኤርትራን ህዝባን ዘውሕስ ክኸውን ከሎ፣ በንጻሩ ስጉምታት ኢሳይያስ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻባእ ምንባሩ ዘቃልዕ እዩ።

ከም በራኽን ቢተወደድን ምእንቲ ሓቅን መትከልን ደው ዝብሉ ህዝቦም ዘቐድሙ ኣብነታውያን መማህራን ቃልስን ፍትሕን ዝበዝሑዋ ሃገር እንተትህልወና፣ ካብዛ ሕጂ ተቐርሲሳ እንርእያ ዘለና ሃገር ዝተፈልየት ኤርትራ ምሃለወትና ነይራ።

ጽሑፍ ደረትን ኣጋጣምን ስለዘለዎ ደኣ ኣጽቢቢናዮ እምበር፣ ብዙሓት ዝደስከሉን ዝተረመሱን ብዙሓት ኣብነታውያን መማህራን ‘ውን ኣለዉና። ገለ ጽቡቕ ዝመሃሩ፣ ጽቡቕ ግን ንርእሶም ጽቡቕ ዘይገብሩ፣ እዞም ኣብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ዝደምዩ ዘለዉ ለባማት ዝተኸናኸኑዎም፣ እንተኾነ ካብ መልሓስ ኢሳይያስ ዝተቐበሉዎ ውንጀላ ክደግሙ ዝውዕሉ ጽንቃቕ ሕልና ዘይብሎም ከም ብዓል ወዲ ገራህቱ ዝኣመሰሉ መሓዮታት ምልኪ ‘ውን ኣለዉ።

ብዝኾነ፣ ኣሳርን ቀታልን ኢሳይያስ ኳ እንተኾነ፣ ንሕና ከም ሕብረተሰብ ‘ውን ሓራ ኣይኮናን። ነቲ ተወፋይነት ኮነ ነቲ ተሓታትነት ንውሑዳት ደርቢናሎም ክንዛነ ክፍቀደና ኣይክእልልን። ዓገብ ኣብ ክንዲ ምባል ብስቕታ ተዋሒጥና ምህላውና ‘ምብኣር ንርእሱ በደል እዩ።

እዞም ብቓልሶምን ፍርያቶምን ክሽለሙን ክምጎሱን ዝግብኦም ሃገራውያን መማህራን ሓቅን መትከልን፣ ከምኡ ‘ውን ኩሎም ‘ቶም ምስኣቶም ዝሓቁ ዘለዉ በብዓውዶም ብሉጽ ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝገበሩ ከም ብዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ ብርሃነ ገረዝጊሄር፣ ሃይለ ወልደትንሳኤ፣ ኣስቴር ፍስሓጼን፣ ጀርማኖ ናቲ፣ ሓምድ ሕመድ፣ ሳልሕ ኬክያ፣ እስቲፋኖስ ስዩም ዝኣመሰሉ ዝርከቡዎም፣ ውጽኢት ሓደ ወለዶ ኤርትራ ዝኾኑ ጀጋኑ ሃገራውያን ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይብሉ፣ ብጭካኒኡ ዝተፈልጠ ውልቀመላኺ ምስቓዮምን ምሕቃቖምን ንህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘስክም ከቢድ ዕዳ እዩ።

ውድቀት ሃገርና ኤርትራ በብመዓልቱ እናጎልሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ርዝነት ናይቲ ዕዳ ድሮ ይፍለጠና ከምዘሎ ንማንም ዓይኑ ቋሕ ዘበለ ኤርትራዊ ርኡይ እዩ። ከምቲ ሎሚ ንትማሊ ብናፍቖት እንዝክሮ ዘለና፣ ጽባሕ ካብዚ ዝገደደ መጺኡ እዚ ሎሚ ዘለናሉ ክፉእ እዋን ከይተረፈ ትዝ ከይብለና “ይኽደነና” ዘብል ከኣ እዩ። ስለዚ ሃገርና ነብሳ ረኺባ ክትንስእ መታን ክንገብሮ ዝግብኣና ሓደ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ኣሎ። ቅድሚ ኹሉ፣ እቶም ኣብ ዓይኒ ኤርትራ ትራኮማ ኮይኖም ሃገር የዐዊሮም ዘለዉ፣ ኣብ ሕቖ ኤርትራ መንድዓት ኮይኖም ሃገር ጸቒጦም ዘለዉ፣ ማሕለኻ መሓውር ኤርትራ ዝኾኑ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ካብ ስልጣን ብቕጽበት ክእለዩ ኣለዎም። እዚ ፍታሕ ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኢሳይያስ ካብዚ ኣትዩሉ ዘሎ ናይ ዕንደራ ጣሻ ክወጽእ ዝጽበዮ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን ወይ ኣይግባእን እዩ። ምኽንያቱ፣ ቅድሚ ኹሉ፣ ብኣንጻር ናይቶም ብኣብነት ዝጠቐስናዮም መማህራንን መራሕትን፣ እቲ ብውልቃዊ ዕብለላ፣ ሕስድና፣ እኪትን ህልኽን ዝቐርዓነ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን እዩ። ብፍርሒ ይኹን ተስፋ ምቝራጽ ተጀሊሑ እንተልዩ ‘ውን፣ እቲ ዝፈጸሞ ገበናት ዓቐኑ ስለዝሓለፈ መምለሲ ኣይረኣዮን እዩ፣ ዝበኣሰ ፍርሕን ተስፋ ምቝራጽን እዩ ዝውስኸሉ ዘሎ። ስለዚ፣ ነቲ ካብ ቅብጸት ተበጊሱ፣ ንኤርትራ ከቃብጻ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ” እናበለ ዝሕንሕን ዘሎ ኢሳይያስ ካብ “ዘይትፈልጦ መልኣኽስ ትፈልጦ ሸይጣን” እናበልና ሕድገት ክንገብረሉ ኣይግባእን።

ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ስርዓት ንምቍጽጻር ብኣግኡ ብዘንቀዶ ናይ ዕስክርና ፕሮጀክት (Militarization) ኤርትራ ሃገረ-ዓሳክር ኮይና ምህላዋ፣ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መፈልፈሊ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ዝርከቡዎም ሓያለ ዛዕባታት፣ ብድምጺ ኣሰናን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዳት ኮምን ንሓያለ ዓመታት ብዝዘርጋሕናዮም ጽሑፋትን ቃለመጠየቓትን በብእዋኑ ተደጋጊሞም ተጠቒሶም ‘ኳ እንተኾኑ፣ በዚ ኣጋጣሚ ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሎም ዝግብኦ ገለ ሓደስትን ዝጸንሑን ተርእዮታት፣ ገሊኦም ‘ውን ስትራተጂካዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎም ሓደጋታት መጠን ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ከምመዘኻኸሪ ምጥቃሶም ኣድላዪ እዩ።

1ይ – ስደት ከም ንግድ

ኣብተን ቀዳሞት 10 ኣዋርሕ 2014 ካብ ሊብያ ብዘይውሑሳት ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ዓዲ ጥልያን ናይ ዝኣተዉ ቁጽሪ ኤርትራውያን ብዝሒ 34 ሽሕ ከምዝነበረ ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ። እቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ብጃላቡ ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ድሕሪ እቶም ካብታ ብውግእ ሕድሕድ ተሓሚሳ ዘላ ሶርያ ተበጊሶም ዓዲ ጥልያን ዝኣትዉ ሶርያውያን ስደተኛታት ብኻልኣይ ደረጃ ይስርዑ ማለት እዩ። እቶም ብላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት በብግዚኡ ንዝውሃብ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት “ምግናን እዩ” እናበሉ ክኽሕዱዎ ዝጸንሑ፣ ንህልቂትን ውርደትን ኤርትራውያን ኣብ ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ‘ውን ከምዘየሎ ክኽሕዱ፣ ምሕባእ ክጽግሞም ከሎ ድማ “ናይ ኣፍሪቃውያን” እናበሉ ሸፈፍ ኢሎሞ ክሓልፉ ዝጸንሑ ኢሳይያስን ጭፍርኡን፣ ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት እቶም ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተጎብኡ መንግስታት ኤውሮጳ ሻቕሎቶም ብዓውታ ክገልጹ ምስ ጀመሩ፣ “ንሕና እኮ ኢና ቀንዲ ግዳያት፣ እዚ ናይ ምስግጋር ሰብ ሽግር ንዓና እዩ ዝምልከት፣ ናይ ቁጠባ ጸገም እዩ ዘስድዶም ዘሎ፣ ንኤርትራ ገነት እንተጌርናሎም ናብ ኤውሮጳ ዘጠምት የብሎምን፣ ደሃይ ገንዘብ ጥራይ ግበሩ እምበር፣ ነታ ቡምባ ስደት ከነዝሕላ ኢና” እናበሉ ክሽሕጡዎም ይስምዑ ኣለዉ። ኢሳይያስን ኣማኸርቱን፣ ናብ ግብጽን ሊብያን ዝኸይድ ገንዘብ እምበር ካባተን ዝርከብ ገንዘብ ከምዘየልቦ ስለዝፈልጡ፣ ነቶም ኣብተን ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ክሒዶሞም። ሎሚ “ኤውሮጳውያን ተዋጢሮም ስለዘለዉ ኢዶም ክፈትሑልና ይኽእሉ እዮም” ዝብል ተስፋ ስለዘሕደሩ ግን ከምዚ ኢሎም ሕስይስይ ክብሉ ዝረኣዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ካብቲ ንኤርትራውያን ኣብ ውርደት ከቲቱና ዘሎ መሪር ስደት ገንዘባዊ መኽሰብ ክረኽቡሉ ሃተምተም ይብሉ ከምዘለዉ የርኢ። እዚ ብስደት ምንጋድ እዩ። እንተኾነ መጀመርያኦም ‘ውን ኣይኮነን። ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ምስቶም መሰል ዕዮ ደቂ ሰብ ዘየኽብሩ ኣሚራት ውሕስነት ዘይብሉ ኩንትራት እናተፈራረሙ፣ ብሕልፊ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ብምስጋር፣ ብዋጋ ህይወተን ዶላራት ክግሕጡ ጸኒሖም እዮም። ኢሳይያስን ጭፍርኡን ገንዘብ እምበር ክብረት ኤርትራዊ ዜጋ ኣይዓጦምን እዩ። “ይኣክል” ክሳብ ዘይተባህሉ ነዚ ካብቲ ጸሊም ስራሕ ራሻይዳን በደዊንን ዘይፍለ ህይወት ኤርትራውያን ናይ ምንጋድ ኣረሜንነት ክቕጽሉዎ እዮም።

2ይ- ድኽነት ከም መሳርሒ ምልኪ

ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ሓደ ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽ ዝተጠቕሙሉ ስልቲ ህዝቢ ብኣልማማ ከምዝደኪ ምግባር እዩ። ሓረስታይ ከይሓርስ፣ ሸቃላይ ከይሽቅል ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዶም ስለዝሓዙዎ ስድራቤታት ዕለታዊ መነባብሮአን ክመርሓ ኣይከኣላን። ኣብ ኩሉ መዳያት ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝሳተፋ ትካላት ህግደፍ ብምውፋር ንኹሉ ስርሓት ስለዝዓብለሉዎ ኤርትራውያን ነጋዶን ሰብ ሞያን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ፈቐዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሪሮም። ህዝቢ ጽግዕተኛ ድኳናት ህግደፍ ኮይኑ ብኩፖን ከምዝናበር ኮይኑ። ዋላ ኣብቶም ‘ቶም ብደርቂ ዝተጠቕዓሎም ዓመታት ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣህጉራዊ ረዲኤት ከይረክብ ኮኒኖሞ። እቲ ህግደፍ ዘሰራርስሮ ዘሎ ድኽነት ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ጥራይ ኣይኮነን ብድኽነት ዓምጺጹዎም ዘሎ። እቶም ካብቲ ስርዓት ዘምለጡ ዝመስሎም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ‘ውን ብተዘዋዋሪ ግዳያት ምዃን ኣይተረፎምን። ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር ቤተሰቦም ብወርሓዊ ሓዋላ ክናብዩ፣ ከምኡ ‘ውን ነቶም ህግደፍ ካብ ዓዶም ዘንፈጾም ኣሕዋትን ኣሓትን መሰጋገሪ ንነጋዶ ሰብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ክኸፍሉ ጅቡኦም ነዅሉ ስለዘሎ፣ ካብ ሰኪዐት ድኽነት ኢሳይያስ ኣየምለጡን። ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ጽቡቕ ዝናብ ዝተረኽበሉ ዓመት፣ እቶም ዓመት ምሉእ ዝጸዓሩ ሓረስቶት ቀሲኖም እኽሎም ኣብ ክንዲ ዘእትዉ ቀውዒ ምድሪ “ናብ ታዕሊም ትጽውዑ ኣለኹም” እናበለ መዓልቲ መዓልቲ ብቖጸራ ክሃድኖም ምቕውዑ ንርእሱ፣ ሓደ ኣብነት ናይቲ ንህዝቢ ብጥምየት ንምቁጽጻር ዘለዎ ድሑር ፖሊሲ እዩ። ኢሳይያስ፣ “ብኸብዱ ዝተታሕዘ ህዝቢ ኣብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣየቕልብን እዩ” ዝብል ድሑር ሜላ ንምትግባር ዘተኣታተዎ ውጥን ድኽነት እኹል ኮይኑ ስለዘይረኸቦ ኸኣ፣ ነቲ ጥምየት ጸልማት ወሲኹ ንህዝቢ ኤርትራ ጠምበርበር የብሎ ‘ሎ።

3ይ – ምብኻን ጸጋታት ኤርትራን ምስዕራር ብልሽውናን

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ሳላ እቶት ወርቂ ቢሻን ካልኦት ናይ ዕደና ቦታታትን ብርክታት ናይተን ነቲ ስራሕ ዝዓምኦ ዘለዋ ኩባንያታት በብሰዓቱ “ወሪዱ ደይቡ” እናተባህለ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ቢዝነስ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝርአ ‘ኳ እንተኾነ፣ እቲ እጃም ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ገንዘብ ወርቂ ቢሻን ካልኦት ዕደናዊ ስርሓትን መኣትዎኡ ዝፈልጦ የልቦን። ሕጂ ሳላ ቲ ካብ HSBC Bank ዝተረኽበ ምላቝ ሓበሬታ ኣስታት 700 ሚእቲ ሚልዮንዶላር ኣብ ስዊዝ ብምስጢር ተቐሚጡ ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ ፈሊጡ ‘ሎ። እንተኾነ እዚ ኣብ ሓንቲ ባንክ ዝተረኽበ ገንዘብ ጥራይ እዩ። ስለዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ “ገንዘበይ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ግልጽና ክጠልብ ኣለዎ። ኣብ ዓለም፣ ኮነ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮንትሮባንዳን ጸሊም ዕዳጋን ዘጣይስ ስርዓት ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣይተራእየን። ብልሽውና ኸኣ፣ ግልጽና ኣብ ዘይብሉ፣ ኮንትሮባንዳን ጸሊም ዕዳጋን ኣብ ዝሳዕረረሉ ሃገር እዩ ዓዱ።

እዚኣቶም ከም መዘኻኸሪ ንጠቕሶም ዘለና እዮም። ብዘይካ ‘ዚኣቶም ህዝቢ ብዕምቆት ከስተብህለሎም ዝግባእ ካልኦት ኣገደስቲ ተርእዮታት ‘ውን ኣለው።

1ይ – ኢሳይያስ ጸረ ስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን እዩ፣

ኢሳይያስ ስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።  ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዝተረጋገጸሉ ዕለት ዕምሪ መላኺ ምሕደራኡ ከምዝሓጽር ኣጸቢቑ ስለዝርዳእ ሓድነት ኤርትራውያን ክዘርግ ድቃስ ከምዘይብሉ ከነስተውዕል ይግባእ። ስለዚ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ መጻወድያኡ ካብ ምእታው ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እዚ ሓድነት ዝብል ኣምር ምስ ብዙሕነት ህዝብና ዘለዎ ዝምድናን ትርጉሙን ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ስለዝተገልጸ ኣብዚ መናውሒ ክንገብሮ ኣየድልን። እንተኾነ፣ ነታ ሓድነት እትብል ቃል ከም ቃል ጽይንቲ ንምግባራ ጓል መንገድታት እናፈጠርካ ዝግበር ሸንኮለለን ሕልኽልኽን ኣብ ኢድ ኢሳይያስን ዘውድቕ ድኻም እዩ። መፈላለዪታት እናምጻእና፣ ናተይ ናትካ እንተብዚሕና፣ ዋላ እታ ንእሽቶ ናት ዘይብልና ኴንና ክንተርፍ ከምእንኽእል ኣይንዘንግዕ። “እንታይ ገደሰካ፣ እንታይ ገደሰኒ” ዝብሃል ነገር ክህሉ የብሉን። ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራን ዲሞክራስያዊ ለውጥን እዛ ኤርትራ እትብሃል ሃገር እያ ተራኽበና። ንፖለቲካዊ መስገደላ ሓቢርና ጥራይ ክንፈትሖ ከምእንኽእል ከኣ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

2ይ – ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራት እምበር ሓንቲ ሃገር ኣይኮናን።

ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ኢሳት ዓዲሙ ክገብሮ ኣብ ዝቐነየ ዳንኬራ ፕሮፖጋንዳ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ማንም ፖለቲከኛ ከዘንብዖ ዝኽእል ኣይኮነን” እናበለ፣ “ሓደ ኢና” ዝብል ኣመት እናሃበ ክሽሕጥ ከምዝፈተነ ኩሉ ሰሚዑዎ ‘ዩ። እቲ ኣብ ቃለመጠየቑ ንኢትዮጵያውያን ዘስምዖም ፖለቲካዊ ሙዚቃ ምስቲ ጋዜጠኛታት ኢሳት ካብ ኤርትራ ከመሓላልፉዎ ዝተፈቕደሎም ጸብጻባትን ቃንኡን ክርአ ኸሎ ግን፣ ኪኖ ስልታዊ ጸወታ ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ክስትብሃለሉ ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ‘ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣርብዓታት ዘካየዶ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፣ እቲ ድሒሩ ዘካየዶ ደማዊ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት ብመሰረቱ ናይ ሃገራዊ መንነት ቃልሲ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ምልክን ዓመጽን ኣንጊሱ፣ ኤርትራዊ ስምዒት ኣብ ምድኻም ብንጥፈት ዝሰርሕ ዘሎ ኢሳይያስ፣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ካብ ኣእምሮ ኢትዮጵያውያን እናሃሰሰ ብምምጽኡ ኣብ ኣጋ ቅብጸት በጺሑ ዝነበረ ንኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ናይ ምርኣይ ስምዒት የበራብሮ ምህላዉ ድማ ነቲ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ‘ቲ ዝቕልብስ ውዲት እዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ሃገራት ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዝተመስረተ ንቡር ዝምድና ክምስርታ ግቡእን ክጸዓረሉን ዘለዎን እዩ። ኢሳይያስ ይፍተዎ ይጽልኣዮ ሓደ መዓልቲ ከምዝኸውን ከኣ ኣየጠራጥርን። ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ሃገራት ዝምዕብል ዝነበረ ንቡር ዝምድና ምእንቲ ግዝያዊ ውልቃዊ ጥሙሑ ብኵናት መንደቕ ተኺሉ ርክባቶም ዘዘንብዐ ፖለቲከኛ ኢሳይያስ ባዕሉ ክንሱ ከምዚ ክብል ምውርዛዩ፣ ምእንቲ ግዝያዊ ውልቃዊ ስልጣኑ ስልታዊ ተንኮል ምስልሳል እምበር፣ ምእንቲ ህዝብታት ዝግበር ስትራተጂካዊ ዝምድና ከምዘየገድሶ ፍሉጥ እዩ።

እቲ ዝገርም፣ ንህዝቢ ኤርትራ “ወያነ በላዓካ፣ ተወረርካ” ኢሉ ኣብ ጓህሪ ኵናት ዝጠበሶን ክሳብ ሕጂ ዘመሳምሰሉ ዘሎን ኢሳይያስ፣ ኵናት ደው ምስ በለ ብኡ ንብኡ ምስ መለስ ዜናዊ ብምስጢር ክራኸብ ሓኾት ምባሉ እዩ። ሎሚ ቕነ ንኢሳት ናብ ኤርትራ ኣእትዩ ኣንጻር ወያነ ዋጭዋጭ ክብል ኣብ ዝቐነየሉ እዋን ከይተረፈ፣ ብሕጓ ምስ ወያነ ዝራኸቡ ልኡኻት ሰዲዱ ከምዝቐነየ ‘ውን ይንገር።

3ይ – ዕድመ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ምንዋሕ ማለት ምሕጻር ዕድመ ኤርትራ ከም ሃገር እዩ።

እቶም ንኢሳይያስ መሰታ ኤርትራ እናምሰልኩም፣ ንሓደ ሰብ ምስ ሃገር እናኣመዓራረኹም፣ ክንዮኡ ከም ፈጣሪ ኤርትራ ከይተረፈ እናገለጽኩም እትጣበቑሉን እትከላኸሉሉን ዘለኹም ሰበስልጣን ኮነ ወልቀሰባት፣ ንዕድመ ኢሳይያስ ብሓደ መዓልቲ ከተንውሑዎ ከለኹም፣ ካብ ዕድመ ኤርትራ ዓሰርተ መዓልቲ ተጕድሉ ከምዘለኹም ክትዝንግዑዎ ኣይግባእን።

ኣብ ኤርትራ ሕጊ እምበር ሰብ ኣይኮነን ክገዝእ ዘለዎ። ኣብ ሃገርና ስርዓትን ሕግን እንተዝህሉ ነይሩ፣ እቲ በራኺ ብጽሑፍ ዝሃቦ ምኽሪ ሰላማዊ ፍታሕ፣ ብባይቶ ምተዘተየሉ ወይ ኣብ ቤትፍርዲ ምተመጎተሉ ‘ሞ እታ ውጽዕቲ ሃገር ቁስላ ከየሕወየት ኣብቲ ኢሳይያስ ዘጻወዶ ድብያ ኵናት ጥሒላ ምትንሳእ ክሳብ እትስእን ኣይምወደቐትን።

እቲ ዝገርም፣ እቶም ኢሳይያስ ትግባረ ቅዋም ንምብርዓን ኣብ ዝወለዖ ጽሉል ኵናት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ክሃልቁ ብዓይንኹም ዝመራሕኩም ኣዘዝቲ ሰራዊት ሎሚ “ቅዋም ሞይቱ እዩ” ኢሉ ኣብ ኤርትራ ብስርዓትን ሕግን ናይ ምንባር ኣመት ከምዘየለ ብዓውታ ከርድኣኩም ከሎ ኣብ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ተረኺብኩም ምጥቓዕኩም እዩ። ስርሒት ፈንቅልን ገድሊ ኤርትራን ‘ኮ ህዝቢ ኣብ ሕጋዊትን ፍትሓዊትን ሃገር ተመዓራርዩ ዝነበረሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር እዩ ተሰላሲሉ። እታ ዝርካባ ቅዋም ካብ ተነቕለት፣ ንገድሊ ምስዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ዘራኽቦም ናይ መወዳእታ ፈትሊ ከምዝተበትከ ኸ ኣይረኣየኩምን ዲዩ? ውጽኢት ናይቲ ኩሉ ቃልሲ ምልኪ ኢሳይያስ ምንጋስ እንተኾይኑ ደኣ ‘ሞ ፋይዳ መስዋእቲ እንታይ እዩ?

ዕድመ ኢሳይያስ ብዝነውሐ መጠን እምብኣር፣ እቲ ሰብ ብምቕታል ውዲቱ ምስልሳል ዝጀመረ፣ ጸኒሑ ንቕዋም ዝቐተለ ኢሳይያስ፣ ነቲ ድሮ ኣፋሪቑዎ ዘሎ ሃገር ናይ ምቕታል እኪት ተሎ ክፍጽሞ እዩ። እቶም ኣብ ጎኑ ዘለዉ ድማ ሰራዊት ጥፍኣት ኮይኖም እዮም ዝተርፉ።

ሃገር ካብዚ ጥፍኣት ንምድሓን ደኣ’ሞ እንታይ ይገበር?

1ይ – ኣብ ኣፍ ኤርትራውያን ዘሎ መርዚ ስቕታ ቡጭ ክብሃል ኣለዎ።

እቶም ብኣብነት ዝጠቐስናዮም በራኽን ቢተወደድን ብጾቶምን ርእዮም ከምዘይረኣዩ ስቕ እንተዝብሉ ‘ኮ ኢሳይያስ ኣይምነኸኦምን። ክፋእ ኢሳይያስ ከኣ ኣይምተቐልዐን። ንሳቶም ብቕንዕና ድሕሪ ምዝራቦም ንሕና ስለዘጽቀጥና ግን ተገዲዖም። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ሃገር ተገዲዓ። ሓቢሩ ብዓውታ ዓገብ ንዝበለ ህዝቢ ክመልኮ ዝኽእል ስርዓት ይኹን ውልቀመላኺ የልቦን። ኢሳይያስ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ኢሉ እኩይ ሕልናኡ ብዓውታ እናደርጕሐ ኸሎ፣ “ተነቐል” ኢልካ ብሓባር በተግ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምልዓል፣ “እንታይ ገደሰኒ” እናበልካ ተመሊኽካ ምንባር ብዘይካ ጥፍኣት ፋይዳ የብሉን።

2ይ – እዚ ጽንኩር እዋን ሓላፊ፣ ንጽህና ግን ተራፊ እዩ።

ከም ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ብገንዘብ ተዋፊሮም ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝንቀሳቐሱ ሰለይቲ ይኹን ምእንቲ ውልቃዊ ገንዘባዊ ረብሓ ሃነፍነፍ ዝብሉ ተራ ዜጋታት፣ ኣብዚ ክፉእ እዋን ምስ ውሑዳት ካብ ምሕምባጥ፣ ምስቶም ዝበዝሑ ውጹዓት ምስቓይ ከምዝበልጽ ክግንዘቡ ይግባእ። “ንግዚኡ ከም ሻሙ ንሕለፎ” እናበልካ ትንፋስ ሰብ እናሕለፍካ ምንባር ወጊድ ኢሎም ንጹህ ህይወት ክሓርዩ ኣለዎም። ሓንሳብ ሓንሳብ ካብቶም ገበነኛታት ሓሊፍካ፣ ኣብቶም ግዳያት ከይተረፈ ንበዳሊ ናይ ምክልኻል ንሓላዪ ናይ ምውንጃል በጨቕታታት ክትሰምዕ ከለኻ ሕብረሰብና ጌጋን ቅኑዕን ምፍልላይ ክሳብ ዝእገመሉ ደረጃ ተናዊጹ ከምዘሎ ዘመልክት ቀይሕ መብራህቲ በለጭ ክብል ‘ውን ይርአ እዩ ‘ሞ፣ ግዳያት ‘ውን ዓማጺኦምን መድሕኖምን ፈላልዮም ከለልዩ ትኩርነት ክህልዎም የድሊ። ንዘድሓነካን ዝሓለየለየልካን ምንእድን ምምስጋንን ይትረፍካ፣ ብውሑዱ ኣይተጠቃዓዮ። እዚ ጽንኩር እዋን ሓላፊ፣ ንጽህና ግን ተራፊ እዩ። ካብ ንጽህና ዝበልጽ ሓርነት ድማ የልቦን።

ኣብ መወዳእታ፣ በዚ ኢልና በቲ፣ ቀንዲ ኣበሳ ኤርትራ፣ ስልጣን ንምብሓትን ውልቀመላኽነት ንምግንጋስን ብኢሳያስ ዝተኣታተወ ሕጊ ኣልቦነት እዩ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ጥፍኣት ኣብጺሑዋ ዘሎ። ብሓጺሩ ክንርእዮ ከለና፣ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኵናት ኣዊጁ ‘ሎ። እዞም ኩሎም ዝጠቐስናዮም ንሕብረተሰብ ናብ ዓስከር ናይ ምቕያር ፕሮጀክት፣ ስደት፣ ምድኻም ሃገራዊ መንፈስን መንነትን፣ ቀይዲ በተኽነትን ሕጊ ኣልቦነትን፣ ስቕታን ልኡምነትን፣ ፍልልይን ምጽባእ ሓድነትን፣ ንህዝቢ ብድኽነት ምቍጽጻር፣ ብልሽውና፣ ጠንቅን ሳዕቤናትን ውልቀመላኽነት እዮም።  ብሕልፊ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እምብኣር፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ንምምካትን ንምብርዓንን ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ሒዙ ክለዓል ይግባእ። ዕማሙ ካብ ደገ ንዝመጽእ ወራር ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ውሽጢ ንዝፈልሐ ሰበብ ምክልኻል ‘ውን ከምዝኾነ ክዝንግዕ ኣይግባእን። እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው’ዚ ከይተፈትሐ ትንሳኤን ግስጋሰን ኤርትራ ክሰምር ኣይክእልን እዩ።

ንለውጢ ዝዕድም ብሱል ኩነታት ኣብ እዋኑ እንተዘይተጠቒምካሉ ናይ ዕድል ክሳራ እዩ። ንኤርትራ ኸኣ ድሮ ብዙሓት ዕድላት ኣምሊጦማ እዮም። ዓለማውን ዞባውን ኩነታት ብተቐያያሪ ኩነታት ስለዝምእዘዝ፣ ምዝንጋዕና በንጻሩ ንምልኪ ሸለል ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ንምልኪ ዝድግፍ ኩነታት ከይዕድመልና ግዜና ክንጥቀመሉ ኣይግባእ። እዚ ኣሰራት ‘ዚ ድሮ ይገሃድ ስለዘሎ ኸኣ ህጹጽነት የድሊ ‘ሎ። ብዝጠፍአ ዕድል ተስፋ ቆርጽካ ተኾርሚኻ ኣብ ክንዲ ምንባር፣ ካልእ ዕድል ንምፍጣር ኢደይ ኢድካ ምባል የድሊ።

እቲ ስትራተጂ ኣብ መወዳእታ፣ ዕድመ ኢሳይያስ ምሕጻር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምርግጋጽ  ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ርእሲ ኩሎም ቀዳምነታት ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ምሕጻር ክቐንዕ ኣለዎ። እዚ ስጉምቲ ‘ዚ መጀመርያ እምበር መወዳእታ ናይ ለውጢ ኣይኮነን። ይኹንምበር፣ ለውጢ ልዕሊ ምልኪ ከፍርሓና የብሉን። ለውጢ ብሰባት ዝእዘዝ፣ ብሰባት ዝጽብቕ ተርእዮ እዩ። ጽኑዕ መትከል፣ ልዑል ርእሰ ምትእምማን፣ ምእዙዝነት ሕጊ፣ ባህጊ ሰላምን ራህዋን፣ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን እንተልዩና፣ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘይነረጋግጸሉ ምኽንያት ዋላ ሓደ የልቦን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

28 ለካቲት 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • rahwa March 7, 2015

    Assenna to go off air? This is sad! I come back and I hear bad news! I cannot believe this! And someone has been playing dirty games again! Rahwa, why are you trying to create confusion? Who are you? You just go around picking up names like that? What kind of stupid person does that? I appreciate the vote of confidence, my sisters on Assenna! Thank you! Assenna: just like my sisters and brothers on Assenna forum I will do my share. We need Assenna to come back. But please, please watch out for those intruders who are taking up commentators names or nicknames to create confusion. Assenna team, remember we stand by you in this. Your ship is our ship. We cannot let our ship sink!

Post a Reply to Genet-orginal Cancel Reply