Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጽና ዝብሃል ብሞያውያን ኤርትራውያን ዝቖመ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ።

ድምጽና ዝብሃል ብኤርትራውያን ሰብ ሞያ ዝቖመ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ። እቲ ድምጽና፣ ሎሚ 23 ሓምለ 2015፣ ውጥን፣ ንህጹጽ

ድምጽና ዝብሃል ብኤርትራውያን ሰብ ሞያ ዝቖመ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ።

እቲ ድምጽና፣ ሎሚ 23 ሓምለ 2015፣ ውጥን፣ ንህጹጽ ትግባረ፣ ምምስራት ሓድሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና demo.archive.assenna.com ዝዘርግሖ ንድፊ ውጥን ጽማቝ  ተልእኾኡ፣ “ ተልእኾ ዲሞክራስያዊ መሪሕነት፣ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ድምጽና፣ ኣብ ኤርትራ፣ ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍ፣ ተሓታትነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ምምስራት ከም መዳለዊ ኣካል ምዕያይ እዩ።” ድሕሪ ምባል፣ “ ዕላማና ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ብምምጻእ፣ ብዝቐልጠፈ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ እዩ” ይብል።

ኣብ መእተዊ ናይቲ ውጥን፣ እታ ብኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብ ዓረብ፣ ብዝተፈላለየ ዝንባለታት ዘለዎም ኣካላት ዝተኸበበት ሃገርና ኤርትራ፣ ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዛ ዓውደ ኵናት ናይ ዝተፈላለዩ ተኸራኸርቲ ኣተሓሳስባታት ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ብምዃን ሰላምን ምርግጋእን ከምዝተሓረመት ይጠቅስ። ዓሌታዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ዞባውን ፖለቲካውን ብዙሕነታት ነቲ ኩነታት ከምዘተሓላለኾ ድማ የመልክት።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ክድዓትን ምትላልን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብፍላይ፣ ህዝብና ኣብ ሓባራዊ ዕላማታት ዘለዎ እምነትን ተስፋን ኣብኒኑ ተወፋይነቱ ከምዝዳኸም ምግባሩ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገርና እቲ ዝኸፍአ ዕንወት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ እንተላይ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ውድቀትን ድኻም ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሓድነትን ብሓጺሩ ዝዳህሰሰ ንድፊ ውጥን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጥሑሉሉ ዘሎ ደልሃመት ንምውጻእ፣ ፍልልያት ዘወግድ፣ ሓዱሽ መርሓ-ሓሳብ ዝሕመረቱ፣ ትዅረት ዘለዎ ትግባረ ዝጠምሮ ምሕዝነት ሓይልታት ለውጢ ዘእንግድ፣ ሓዱሽ መጀመርታ ከምዘድሊ ‘ውን ኣተሓሳሲቡ።

ነዚ ንምትግባር እቲ ምንቅስቓስ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምእላይ ድርኺት ዝፈጥሩ፣ ሓድነትን ሃገራዊ ዕላማታትን፣ ምኽባር ብዙሕነት፣ ደሞክራስን ሓቛፍነትን፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፣ ግዝኣተ ሕጊ፣ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ፍትሓዊ ምምቕራሕ ጸጋታት፣ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕናን ዓቐናዊ ስርዓተ መልዕሎን፣ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረት ሰላማውን ስትራተጂካውን ምሕዝነት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሕመረቱ ብሱልን ሓያል ኣተሓሳስባታት ብምፍልፋል ክዓይይ ምዃኑ ገሊጹ። ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነግፈረግ ከምዘይብለሉ ዝጠቐሰ ድምጽና፣ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ እቲ ድሮ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ምስናይ ናይ ምምሕያሽ ክትግበር ኣለዎ ዝብል እምነት ዝከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ፈለማ 6 ወርሒ ምህናጽ ናይዚ ምንቅስቓስ ክማላእ ዘለዎ ወሳኒ ዕማም፣ ኣድለይቲ ዕማማት ብዝለዓለ ብቕዓትን ዲስፕሊንን ከሳልጡ ዝኽእሉ ውሑዳት ምሁራትን ክኢላታትን ዝሓቖፈ ኣድማዒ ጉጅለ ምቛም እዩ።

“ምእንቲ ጽቡቕ መጻኢ ኤርትራ ምስ ድምጽና ሓቢሩ ክሰርሕ ዝደሊ ኤርትራ ኢድና ዘርጊሕና ክንቅበሎ ቅሩባት ኢና” ድማ ይብል።

እቲ 14 ገጻት ዘለዎ ንድፊ ውጥን ኣብ መወዳእታ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝወረደ ክሳራ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ንምሕዋዩ ሃቐነ ከምዘለዎ የገንዝብ። ነዚ ሰናይ ጻዕሪ’ዚ ንምዕዋት ናይ መላእ ህዝቢ ደገፍ ከምዘድልዮ ‘ውን ይጽውዕ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ውጥን ‘ዝን፣ እቲ ድምጽና ብ 16 ግንቦት ናይዚ ዓመት ‘ዚ ፣ “ቅልጡፍን ኣድማዕን ፍታሕ ንደልሃመት ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስርቲ ዝዘርግሖ ሰነድን ንምንባብ መርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ተወከሱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Kibrom Tesfu July 23, 2015

    Good job.

  • Kibrom Tesfu July 23, 2015

    ዕውርሲ አንታይ ትደሊ ኢሎሞስ ብርሃን ኢሉ; ሕዝቢ ኤርትራ ዳማ አብ አዝዩ ክትገልጾ ብዘሸግር ኹነታትዩ ዘሎ ኮታስ አብ ( EMERGENCY ) እዩ ዘሎሞ እግዚአብሐር ይሐግዝኩም።

  • Negusse July 23, 2015

    አይትደንጉዩ ሀገር ትፈርስያ ዘላ። ግና ከምቶም ሱቅ ኢሎም ጣቓ ዘረባ ጥራሕ ከይከውን ሕዝቢ ውጽኢት ስራሕ ክርኢ ይደሊ አሎ አምበር ክንደይ ዘይተበሀለን ዘይተዘርበን።

  • asefaw July 23, 2015

    ህዝቢኤረትራ ወገሐ ጸበሐ ብ ሓለንጊ ህግደፍ ካብ ኪግረፍ ማኣልቲ ኣይ ሓጸረን ግን ስቅያቱ ዘቃልለሉ ኣይ ረከበን
    ህጂ ውን ቅልጽምና ኣሕቢርና ምስ እንብገድ ዕድመ ህግደፍ ናይ ደቃይቅ ዩ፡፡ ህጂ ውን ድምጽና ዲምጺ እትይ ውጹዕ ህዝቢ ይስማዕ ዓውት ን ውጹዕ ህዝቢ ኤረትራ ውድቀት ን ህግደፍን ከራኩሩን ዓወትና ናይ ግድን ዩ፡፡

  • ሙለር July 23, 2015

    ዓመት ዓመት ምቅስቃስ ዝተፈላለየ ሽም እንዳሃብካ ካብ ተውጽእ ዘይሻራዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተትነጥፍ ህዝቢ ነቲ ዝደልዮ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣይምተሸገረን፡፡ ብዛዕባ እዘን ዚነበራ ተዛሪብካ ትፈልጥ’ዶ? ሽመን ክትጽውዐን ከማን ኣይትደልን ከመይ ገርካ ሓድነት ከተግብሮም ኢካ ንግዜ ዝግደፍ እዩ፡፡

  • fkadugebreab July 24, 2015

    ኣበይ እዩ ተመስሪቱ?መን ዮም እቶም ሞያውያን?ብወግዒ ንህዝቢ ተነጊሩ ዶ? ወይስ ሓድሽ ዕንክሊል ንምምስራት ዩ።

    • Harmaz July 24, 2015

      Gerimuna koa hijis

      Kidan,Simret,……hiji dima Dmxina suk elka kolel zeywdae engliz kxhfu tekek abilomuna.

      Kalsi kem hixan n hawin xelmatin enda ferahka aykonen

  • Yeni July 24, 2015

    ዘይሓልፈሉ ህዝቢ። ቃልሲ ብናይ ብርዒ ወሓላሉ ከም ፍልሖ ዝጫጭሑ ስም ኣልቦ ሙሁራት ኢና ብሃልቲ?

  • FILMON July 24, 2015

    abet hiji ke enutay sule zutedelye eu kab men zey fulet munkusukas.buzukone amulak nu eritrawin muhrete yewrdelna ember nay mahber do nay wedeb do menkuskas do kulu aselushuna.

  • Amanuel July 24, 2015

    ስላም ዝኸበርካ ሓውና ኣማኑኤል ለውጢ ድኣ እምበር ውድባት በዚሐን ከሳብ ሎሚ እንታይ ገረን

  • Aida July 24, 2015

    We Eritrean we don’t have any brave man now? we have only cowerdes, and talk a LOT kkkk many yearess with out result, and our Eritrean people suffering and dying and the young generation only Escaping like ratss to Europe what are we doing in Europe be man go to fight to field to be freeeeeeeeeeeeee our motherland Eritrea she is crying she need help to be free from the Evil Isias Wadi Medhn Berade, but we don’t do nothing only talk and Escaping like monkeyss,, were is the brave man?

1 2 3

POST A COMMENT