Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጺ መድረኽ ዘተ!

ብዛዕባ’ዛ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሃንደበት፡ ኣብታ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ እንስሳዊ መንግስቲ ተኣልዩ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ንኽትከል፡ ኣስልን ቋንቋን፣ ወገንን ቀቢላን፣ ሃይማኖትን ጾታን ወዘተ. ከይፈለየት፡ ንኹሉ ብሓባርን ብማዕረን እተአንግድ መርበብና፡ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን፡ ኣሰና ፋውንደሽን ቅልቅል ካብ

ብዛዕባ’ዛ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሃንደበት፡ ኣብታ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ እንስሳዊ መንግስቲ ተኣልዩ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ንኽትከል፡ ኣስልን ቋንቋን፣ ወገንን ቀቢላን፣ ሃይማኖትን ጾታን ወዘተ. ከይፈለየት፡ ንኹሉ ብሓባርን ብማዕረን እተአንግድ መርበብና፡ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን፡ ኣሰና ፋውንደሽን ቅልቅል ካብ እትብል ካልኣይ ወርሓ ቀሪባ ዘላ ራድዮ “ድምጽ መድረኽ ዘተ” ገለ ክንብል። ከምቲ ምስላ ወለድና ዝብሎ “ትንቢት ይመርሕ፡ ልጓም ይገርሕ!” ስለ ዝኾነ ኸኣ ብርግጽ ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ኩልና ኤርትራውያን ኣብ መድረኽ ክንዛተ የድልየና ስለ ዘሎ፡ ብኽፉት ልቢ ምስ ሰናይ ተበግሶ መርሓባ ኢልና ኢና።

ቅድሚ ዝኣገረ ግን ኩልና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ሸለል ኢልና ክንሓልፎ ዘይንኽእልን ክንፈልጦ ዝግብኣናን ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ፋኖ (ቀይዲ በተኽ) ንምእላይ፡ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን፡ ፈታውን ጸላእን ምትሕብባር ከም ዘድልየና ምግንዛብ’ዩ። ምኽንያቱ ሎሚ፡ ልዕሊ’ዚ ነዛ ኣእላፍ ሰማእታት ከፊልናን ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተንከላቢትናን ዝረኸብናያ፡ ንፈትዋ ሃገርና ንምጥፋእ፡ ብህልኽ ዝሰርሕ ዘሎ ጃንዳ ንላዕሊ ጸላኢ ስለ ዘይብልና፡ ብኹሉ ዓቕምና ንእኡ ንምእላይ ጥራይ እዩ ክንቃለስ ዝግብኣና። ካልእ እንተ ሃለወ እውን ብድሕሪ ዕርበት’ዚ ጉጅለ’ዚ፡ ከም ቀደምና፡ ሓድነት ዓጢቕና ክንምክቶ ስለ ንኽእል፡ ሕጂ ጥራይ ነዚ ሓድነት ከይንገብር ከቢድ ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንእለ። በዚ መስረት ከኣ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ንድምጺ መድረኽ ወሲኽካ፡ ብሓባር የአንግደና ኣሎ። እዚ ኸኣ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እንብህጎን እንምነዮን ሰናይ ተግባር እዩ። ሓድነት!

ናይ ሓድነት ዕጥቅና ካብዚ ንላዕሊ ሸጥ ንኽብል ግን ናይ ኩልና ሓያል ጻዕርን ኣበርክቶን ክሓትት’ዩ። ምኽንያቱ፡ እታ እንኮ ኣብዚ እዋን’ዚ ንጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ክንስዕረላ እንኽእል ዘይትዕክስ ኣጽዋርና ንሳ፥ ሓድነት ጥራይ ስለ ዝኾነት። ከም ድሌተይን ባህገይን እንተዝኸውን ኔሩ’ሞ ከምዚ ሕጂ ዘለዋኦ ተተፈናጪለን ዝቃለሳ ቁጽሪ ኣልቦ ማዕከናት ዜና ዘይኮነስ፡ ክልተ ስሙር ግንባር፡ ዝተፈላለዩ ኣካየድቲ ዘለዉወን፡ ዕቱብን ውርጹጽን ፈነወ ዝውዝዓ ማለት ዘዋዓውዓ ፈነወ ራድዮን ሓንቲ ናይ ሓባር፡ ንሓሶታትን ሽርሕን ተለቪዥን ህግደፍ ኤሪ ቲቪ እትምክት ተለቪዥንን ብምምስራት፡ ነዚ ብምልኪ ካብ ኩሉ ምዕባለን ሓበሬታን ተዓፊኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና፡ ምጉስጓስን ምንቃሕን ኣዝዩ ኣድማዕን ውጻኢታውን ምኾነ ኔሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እዚ እንተዘይኮይኑ ኸኣ እዘን ዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ይኹና ፈነወ ራድዮታት፡ ንሓድሕደን እናተመላልኣን እናተደጋገፋን፡ ነዚ ብሃንቀውታ ሓርነት ዝጽበ ዘሎ፡ ዘይኢዱ ዝረኸበ ውጹዕ ህዝቢ፡ ተስፋ ከስንቀኦ’ዩ ዝግባእ ኔሩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እዚ ክንርኢ ኣይከኣልናን። “ኣይትንፍዑ’ምበር ኣይትብዙሑስ ኣይመርገምን!” ዝብሉዎ ከምዚ’ዩ። ሃገራዊ ስምረት እንርእየሉ እዋን ግን ክመጽእ’ዩ።

እታ ብዕለት 15/10/2013 ፈላሚ ፈነወኣ ዝጀመረት ራድዮ መድረኽውን ኣብ ክንዲ ሓድሽ ፈነወ ብሓድሽ ስም ምጅማር፡ ነታ ሰረት ዝጸንሓን ህዝባዊ ሓገዝ ዘድልያን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣደንፊዓ፡ ምሳኣ ብሓባር እንተ ትቕጽል ዝበለጸ ምኾነ ኔሩ በሃላይ እየ። ብተወሳኺ እዛ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዜ ብሃብሮም ጋዜጠኛ ፌበን ሰሎሞንን ምናሴ ተኽላይን እትፍኖ ራድዮ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ፈነወኣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዕንክሊል፡ መገረም ኔት ክልጠፍ ምጅማሩ ዘሻቐሎም ዜጋታት፡ ስክፍታኦም ከውክኡ ኣንቢበ ኣለኹ። እንታይ ዘሰክፍ ኣሎዎም? እዚ ስጉምቲ’ዚ ብኣንጻሩ ከሐጉሶም’ዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ፡ እቶም ጌና ብኣዒንቶም እምበር ብልቦም ክርእዩ ዘይከኣሉ ውሑዳት ግን ከኣ ዓው ዓው በሃልቲ የዋሃት ኣሕዋትና፡ ማዕጾ መርበብ ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ-ኣሰና፡ እንተ ኳሕኩሑ ጎይታኦም መላኺ ህግደፍ ብሕቡእ ማለት፡ ብማይክሮስኮውፕ (ንደቀቕቲ ነገራት ኣጒሊሑ፡ ዘርኢ መሳርሒ) ጌሩ ከይርእዮም ዝብህርሩ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ንመርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ድፍር ኢሎም ክፍትሽዋ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ደወል ሓርነት ናይ ድምጺ መድረኽ ከኣ ኣብኡ ንእግረ መገዶም ክሰምዑዎ ዕድል ስለ ዝረኽቡ፡ ብልቦም ንክሓስቡ ክሕግዞም ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘሎኒ’የ ከሐጉሶም’ዩ ዝግባእ ዝበልኩ። “ኣደይ ማርያም ዝፈርሓስ ብመብረቕ ዚቐትል ወዲ ስለ ዘለወን’ዩ!’ ከም ዝብሃል፡ ደገፍቲ ህግደፍውን ንመላኺ ክንድዚ ዝፈርሑዎ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ብሃንደበት ካብ ቤቶም ጨውዮም ኣብዚኣ ኣተዉ ከይተባህሉ ከሕቕቑዎም ዝኽእሉ፡ ሃገራዊ ጥፍኣት (ሃገራዊ ድሕነት) ዝሰምዩዎም ድምጺ ዘይብሎም መብረቕ ስለ ዘለዉዎ’ዩ።

ብተወሳኺ ኣተኩሮና ኣብ ዘራኢ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘርኢ’ዩ ኪኸውን ዘለዎ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ጠለብ ለውጢ ዝሓዘ መልእኽቲ ድምጺ መድረኽ፡ ዋላውን ብራድዮ ወያነ ይፈኖ ብዘየገድስ ንረብሓና ክሳብ ዝኾነ መርሓባ ጥራይ ኢና ክንብሎ ዘለና። ገበነኛታት ብድሕሪኡ እንተልዮም ከኣ እዛ ሃገር ካብ መንጋጋ ሓርገጽ ምስ ተላቐቐት፡ ከካብ ዘለዉዎ ብሕጊ ተለቒሞም ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ስለ ዝኽእሉ ሕጂ ብዛዕባኦም ምጭናቕ ዘድሊ ኣይመስለንን። ካልእ ከነስተብህለሉ ዘለና ጉዳይ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሕሰምን መከራን ይነብር ስለ ዘሎ፡ ነዚ ብእልበት (ሓሳረ መከራ) ዝንከላበት ዘሎ ህዝቢ’ዚ ከኣ 24 ሰዓታት ጓይላ ዘይኮነስ ንቃልሲን ለውጥን ዘነቓቕሑ ዝተፈላለዩ ሓተታታት፣ ግጥምታት፣ ቃለ መሕትት ኣገደስቲ ሰባት፣ ተመኩሮኦም ኣብ ምሕደራ ምልኪ ዘካፍሉ ውጹዓት፣ ከምኡን ኣነቓቓሕቲ ምጥን ዝበሉ ሰውራዊ ደርፍታት ክቃላሕ ይግባእ። ስለዚ ንኣካየድቲ ራድዮ መድረኽ ሕድሪ ከምቲ ምስላ ወለድና ዝብሎ፥ “ንሓርማዝ ኣይትምከል (ሳዕሪ ኣይትዕጸድ) ንዘይጸግበልካ፡ ንዓሻ ኣይትምከር ንዘይሰምዓካ!” ከይከውን ምኽረይ ደጊመ ሓደራ ክብሎም እፈቱ።

ንኣብነት፥ ኣብ ራድዮ ኤረና ዝፍኖ ሓደ ሓደ መደባት፡ ማለት ከም “መደብ ጠጥዕሙን” “ንጉሰ ዓርከይን” እንተ ወሲድና፡ ብፍላይ እቲ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ዝግብኦ “መደብ ጠጥዕሙ” ብፍጹም ምስ’ዚ ዘለናዮ ኩነታት ዘይዛመድ ጽሑፋት፡ ማለት ቅድመ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዛንታታት ብኣዝዩ ኣሰልቻዊ ኣቀራርባ ከተቃልሕ ክትሰምዓ ከለኻ፡ ወየ ደኣ ብመደባት “መፈስ ጋዜጠኛ፣ ልሳን መንግስትናን መደብ ሸኾርተትን” ስለ ትጸናናዕ ኢኻ’ምበር ሓንሳእ ሓንሳእስ ዳግም ንኸይትሰምዓውን ኢኻ ንምምሓል ትደናደን። (ብዛዓ’ዚ ኣቐዲመ ብሰፊሑ ብዕለት 20/10/2013 ናብ ራድዮ ኤረና ልኢኸዮ ኔረ’የ፡ ዝኾነ ይኹን መልሲ ግን ኣይተዋህቦን።) መደብ “ንጉሰ ዓርከይ” እውን ኣጀማምራኡን ዕላማኡን’ኳ ጽቡቕ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግን ሓይሊ ሚዛን ካብ ሚልዮን ናብ ንጉሰ ስለ ዝዘጠጠ፡ ፍጀት (ናይ ምጉት ተራ) ንጉሰ ሰዓርን ተኣማንን እናኾነ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ምስትብሃል ከም ዘድልዮ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እደሊ። ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ’ዚ ብሰፊሑ በዛ ቀዳመይቲ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያን ዝኾነት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣቢለ ዓለቐይ ክገልጽ ክፍትን’የ። ከምቲ፥ “ሰብ ንሰብ ይሓምዮ፡ ናይ ባዕሉ ስለ ዘይርእዮ!” ዝብሃል ግን ናተይ ጌጋታትን ጉድለታትን ክእርመኒ ዝጽበዮ ሰብውን ክህሉ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽሮ ዝደሊውን ኣሎ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ፡ ንልዕሊ ዕስራን ሓደን ዓመታት ብቐጻሊ፡ ንጽሑፋተይ የቃልሓ ከም ዝነበራን ኣነውን ዘይሕጋዊ ኣባል ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ ከምዝነብርኩን’ዩ። እቲ መንግስቲ ንኽኸውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንንእሽቶይ ስራሑ ከም ዓቢን ተኣምርን እናኣተባባዕናን እናወደስናን ብተስፋ ንጽበዮ ዝነበርና ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) መመሊሱ ከንደልህጽ ምስ ረኣኹዎ ግን ነቀፌታዊ ጽሑፋት ናብ እንዳ ዜና ክልእኽ ጀሚረ። ካድራት ህግደፍ ድማ ነቐፌታን እርማትን ናይ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ስለ ዘይፈቕዱ፡ ጽሑፈይ ናብ ህዝቢ ከይመሓላለፍ ኣጊዶሞ። ‘ስለምንታይ?’ ኢለ ሓቲተ ‘ንመንግስቲ ስለ ዝነቅፍ ኣይመሓላለፍን’ዩ!’ ዝብል ንጹር መልሲ ምስ ተዋህበኒ፡ ኣነውን ካብ ሽዑ ንንየው ጀሚረ፡ ብቐደሙስ “ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር!” ዶ ኣይበሉዎን ብምባል፡ ምስ ስርዓት ደማሒ (መላኺ) ምስራሕ ከንቱ’ዩ! እንታይ ገደሰኒ ዝደክም!’ ኢለ ርክባተይ ምሳእቶም ኣቋሪጸ፡ ትም ኢለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ግዜ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ስለ ዝቐሰበኒ፡ ዳግም ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ደለይቲ ለውጢ ኮይነ ክቃለስ ወሲነስ፡ እኖኹ ከማን ድሮ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ኣበርክቶ እገብር።

‘ጽሑፋት ስነ ጥበበኛ፡ ህዝቢ ጥራይ እዩ ክነቕፎን ክእርሞን ዝግባእ!’ ዝብል ተሪር መርገጺ ስለ ዘሎኒ፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሰንሱር (ነቐፌታ) ኣይፈቅድን’የ። ብምኽንያት ጽሑፋተይ ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሳዕቤንውን ተሓታቲ ኣነ ባዕለይ’ምበር እቲ ናብ ማዕበል ዝዘርገሐ ኣካል ከምዘይኮነ’የ ዝኣምን። ከም ብዓል ራድዮ ኤረና ዝኣመሰላ ፈነወታትውን እዚ ኣምር’ዚ ክግንዘባ ዘሎኒ ትጽቢት ልዑል’ዩ። እታ ራድዮ ብትሕዝቶ ዘይኮነስ ብዓርኪ መሓዛ ጽሑፋት ብምሕራይ፡ ናይ ምዝርጋሕ ባህሪ ስለ ዘሎዋ፡ ካብዚ ሻራዊ ኣካይዳ ክትወጽእን ንኹሉ ብማዕረ ከተአንግድን ዘሎኒ ተስፋውን ልዑል’ዩ። እዚ ኮይኑ እቲ ግን በቲ ዘሎዋ ዝርግሐን ብቕዓት ኣዝዮም ምኩራት ጋዜጠኛታትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐባልነት ስለ ዘሎዋ፡ ክትምጐስን ክትታባባዕን ከም ዝግብኣ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ እውን ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ’ዚን ብዛዕባ’ታ ኩሉ መደባታን ፈነወኣን ኤርትራዊ ኣጀንዳ ክነሱ፡ ብመስከረም ኔትን ካልኦት ጸበብትን ‘ናይ ወያነ’ ተባሂላ እትጓነ ዘላ መርበብ ሓበሬታ ሳሊናን ራድዮ ወጋሕታን ኣስፊሐ ክጽሕፍ ክፍትን’የ። ናይ መገረም ኔት ነገር ግን ነቲ “እቲ ንሱ ዚንዕቀኒ ኣየጉህየንን፡ እንታይ ደኣ ኣነ ከም ዝንዕቆ ዘይፈልጠለይ ምዃኑ’ምበር!’ ዝብሉዎ ምስላ ኣቦው’ዩ ዘዘኻኽረካ። በሉ ደሓን ንሎሚ ናብታ መበገሲት ጽሑፈይ ዝኾነት ራድዮ ድምጺ መድረኽ ክምልሰኩም።

ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ራድዮ መድረኽ መን ኣሎ ኢሉ ዘሻቕሎ ጉዳይ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምቲ ኣካየድቲ መድረኽ ዝብሉዎ ‘ወፍሮም ኣብ ኤርትራ ደሞክርያስያዊ ለውጢ ንምምጻእ’ ክሳብ ዝኾነ፡ ወነንቱ መን ምዃኖም ብዘይምፍላጥና ጥራይ ኣብ ጉዕዞኦም ከነሐንኩሎም ዝግባእ ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ ከምቲ፥ “ሕፍረት ጥንሲስ ክሳዕ ዚደፍእ!” ዝብሉዎ፡ ዘይጽባሕ ንግሆ ኣብዘይሕብኡሉ እዋን ምስ በጽሑ ክንፈልጦም ኢና። ዓቕሊ ጥራይ ንግበር። እቲ ሕጂ ክንገብሮ ዘሎና ጉዳይ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ነዛ ካብ ትፍልም ነዊሕ ግዜ ዘየቑጸረት ፈነወ ራድዮ፡ ብዕሸላ ናይ ትሕዝቶ ድኽነት የጋጥማ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ንምፍታሕ፡ ዓቕምና ዝፈቕዶ ኣበርክቶ ክንገብረላ’የ ዝላቦ። ምኽንያቱ፡ 24 ናይ ፈነወ ሰዓታት እናወነነት፡ ንሓንቲ ሰዓትውን ትኹን ብዘይመመላእታ ሙዚቃ፡ ስሩዕ መደባት ከተቃልሕ ኣይከኣለትን ዘላ። ሳላ ጃንዳ ህግደፍ ሎሚ ዝብሃል መሊኡ’ዩ። ካልእ ይትረፍ ባብ ዩቱብ ኣርሒኻ ብምእታው ከማን ንህዝቢ ዝጠቅም ቁጽሪ ኣልቦ ቁውም ነገራት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዙሕ ኣቐዲሙ ብካልኦት ማዕከናት ዜና ዝተመሓላለፈ ከም ናይ ቃለ መሕተት ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተ/ገርግሽን ደጊምካ ናብ ህዝቢ ምቅልሑ ዝጽላእ ኣይመስለንን። ብዓንዳ ርእሱ ግን ሰሙናዊ መደባት ብምስራዕ፡ መደባትካ ምጽፋፍ’ዩ ዝግባእ እብል። ንኣብነት፥ ሓደ ሰዓት ናትካ መደብ፡ እቲ ካልኣይ ሰዓት ድማ መደብ ካብ ዩቱብ መሚኻ ብምውሳድን ካልእ ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ዝተመሓላለፈ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽታት ብምድጋም፡ ናብ ህዝቢ እንተተቓሊሑ ዝያዳ ኣድማዒ ምኾነ ኔሩ በሃላይ እየ። እምበር ሓንቲ ሓተታን ሓደ ክልተ ግጥምታት ዶክተር ርእሶምን ፈይ ኣቢልካን ዝበዝሐ መደብካ ብሙዚቃ ሸፊንካን ‘ናይ ሎሚ መደብና ኣብዚ ወዲእና ኣለና’ እናበልካ ዝፍኖ መደብ፡ ዝጉስጐስ ወይ ድማ ንቃልሲ ዝለዓዓል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ሙዚቃ ብሙዚቃኡ’ሞ ካብታ ብህግደፍ ፍጹም ተደዊና ዘላ ምጭውቲ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ጻዕዳ ዝፍኖ፡ ደርፍታት ራድዮ ዛራን ኑማን ኣብ ቀረባኡ ኣለዎ። ንእኡ ክሰምዕ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ኣሰናዳእትን ኣካየድትን ራድዮ መድረኽ፡ ሃየ በርትዑ! ህዝቢ ሃንቀው ኢሉ መታን ክጽበየኩም፡ ሰሙናዊን እዋናውን መደባት ስርዑ! እብል።  ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 09-12-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT