Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ፍጻሜ ስርሒት ፎርቶ ብዘይግሉጽ ምኽንያት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ ዓሪፉ።

ደድሕሪ ‘ቲ ኣብ ጥሪ 21 2013 ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ዝተሰውኣሉ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ ማእሰርቲ ሓደ ካብ ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ

ደድሕሪ ‘ቲ ኣብ ጥሪ 21 2013 ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ዝተሰውኣሉ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ ማእሰርቲ ሓደ ካብ ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክሳቐ ዝጸንሐ ገዲም ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ድሕሪ ምዕራፉ  ብ8 ጥሪ ጥሪ ኣብ ዓዱ ዓዲ ተኽላይ ከምዝተቐብረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓለፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንቤተሰብ ናይቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ኢዶም ዝዓረፈ ተጋዳላይ ኣሮን ኣብ ፕላትስቲክ ጠቕሊሎም ብዘይ መግለጺ ምስ ኣረከቡዎም፣ መርድእ ዝበጽሖም ቤተሰብን መጋድልቱን ፈለጥቱን ከምቲ ልሙድ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዝቕበር መሲሉዎም ናብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ኳ እንተገስገሱ፣ ኣብ ዓዱ እምበር ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ምቕባር ከምዘይምልከቶ በቲ ስርዓት ዝተገልጸሉ ቀባራይ ናብ ዓዲ ተኽላይ ክጓዓዝ ከምዝተገደደ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣሮን ምስ ምሉኣት ቤተሰቡ እንተላይ ስዉእ ተጋዳላይ ኣቡኡን ኣዴኡን ብምሉኦም ኣሕዋቱን ብ 1977 ናብ ሳሕል ዝወረደ ተጋዳላይ ‘ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ጨካን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ባህ ስለዘይበሎ ግን፣ ነታ ናይ ተጋደልቲ ስድራቤት፣ እቲ ንዝኾነ ተጋዳላይ ዝግበረሉ ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ‘ኳ ተነፊጉዋ።

ኣብቲ ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ ዝተሓየረሉ እዋን፣ ጽባሕ ስርሒት ፎርቶ ብጅምላ ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝርከቡዎም ሓያለ ተጋደልቲ ደሃይ ዘይብሎም ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ይሓቁ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • michael tedla January 11, 2016

    ዝግርም እዩ ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ ዕጫ ኩሎም ቶም በዚ ሉኡኽ ህይለስላሰ ወዲ ቴንቤን ረሳሕ ኣእምሮ ክንደይ ዘይተገልጸ ክወጽእ ዳኣ ይኸውን ውዲ በርራድ ክርንኩሪት ታኣሲሩ ኣብ ፍርዲ ሓገረ አሪትራ ፍርዲ ትግዛእ ሃገር ሹዑ ኩል ብዘይ ሓደ ተረፍ ኩሉ አከይ ግብሪ ክግለጽ እዩ ሞ እዞም ንህዝቦም ኣሕሊፎም ዝህቡ ዘለዉ መላኽዕቲ ንሶምውን ብሓላፍነት ወይ ኣካላት በደል ኮይኖም ፍርዶም ክርኽቡ እቲ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። ንስድራ ኣሮን ታደሰ ጽንዕት ይሃብ ንጅግና ተጋዳልይ ኣሮን ካኣ መግስተ ሰማይ የዋርሶ።

  • Norway 11 January 11, 2016

    I can say this familiy is lucky coz they can pay their final tribute to our hero Aron.There are thousands of Aron’s compatriot who were behiend bars like him and no one knows where they are thrown after perishing by the brutal junta.May god R.I.P Aron and my condelences to the family and all Eritreans.

  • Yemane January 11, 2016

    ኣሮን ታደሰ ገዲም ተጋዳላይ ህግ ኣዩ። ንኡስ ዕድሚኡ ንህዝቢ ሃገርን ካብ ኣደራዕ መግዛእቲ ንኽላቐ ምስ ኩሎም ስድራቤት ኣብኡን ኣዲኡ ንሳሕል ዝወረዱ ስድራ ቤት ተጋደልቲ ኢዮም፡፡ ኣሮን ነቲ ከብድ መስዋእቲ ዘተረኸበት ሃገር ሕድሪ ስዋኣትና ተጠሊሙ ንዓንዳርነት ስርዓት ኢሰያስን ጉጅልኡን ፎእ ኢሉ ንፍትሒ ሰለ ዝደለየ ተቓዉምኡ ብምርአይ ዋላዉን ኣንተዘተዓወቱ ወዲ ዓሊን ብጸቱን ብጠላምት እንተፈሸለ 21 ጥሪ 2013 ብዓቢ ሓበን፡ ብጅግንነት ስዉኣትና ንዝክሮም ኣብ መዝገብ ታሪክ ተቓዉም ስርሒት ፎርቶ ዝዐበየ ብዱሆዩ ህግደፍዩ፡፡ ኣሮን ታደሰ ኣብ መቓብር ሓርበኛ ክዓርፍ ፍቓድ ግፍዓዉያን ኣየድልዮንይ፡ ኣሮን ዝሕበነሉ ዝኾርዓሉ ዓዲ ኣቦሓጎታቱ መግለጺ መንነቲ ዝኾነ ዓዲ ተኽላይ ብምቕባሩ ነቶም ዓዲ ዘይብሎም ጉሓላሉ ወይልኦም። ንስድራ ቤት ኣሮን ጽንዓት ይሃቦም፡ ንሞስዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ።

    • semere January 11, 2016

      xubuk tezaribka naybhaki.gizie ynewuh ember hanti mealti hzbi Eritrea naxa kikewun

  • ደንሽሊ January 11, 2016

    ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ። እታ ብምልእታ ንሃገር ዝተወፈየት ስድራ እዚ ክትፍደ ዘገርም ኢዩ። እዛ ስድራቤት ንሶፍያ፡ንቢንያም፡ብዓቢኡ ከኣ ኣቦኦም3ስውኣት ዝኸፈለት ስድራ ኢያ። ጽንዓት ይሃብ።

  • Kamal Abdu January 11, 2016

    Rip brother Aron.

  • Berhe Tensea January 11, 2016

    RIP Fighter,
    The mafia regime has a policy of liquidation. Any body that was involved or who knows secrets such as the Forto event must be killed or jailed for life.
    The mafia security agents even treat people as some kind merchandise and, hey can leave you in police prisons and forget about for months and can finish you for good in minutes notice by their superior.
    How many have died by injections, staged car accidents, poison, and other methods?
    The Tembein dominated regime in Eritrea, has killed thousands of innocents and who paid dearly for the country, and we must know that this will continue as long as the Don is alive.
    My sympathy to his family

  • David January 11, 2016

    Rest in peace our beloved brother.

  • Suleiman Salim January 11, 2016

    R.I.P

  • te0esgen January 11, 2016

    zehzun iyu rip amak ab genetu yuzkrka.

  • Zenato January 11, 2016

    I am not sure what to say, if this is real, there is ongoing problem on the system , public have turns to animal , in the hand of Eritrean regime , in civilized society , i am wondering how some people are standing behind the regime , while doing this. There will be a time to pay for this , no one is above the law . one thing the man is getting too old, might not stay long, but we need his stay alive to pay for what he have done. with out killing him, we should keep him in Zoo as kind of Animal. but because of him, no need to fight each other , this tragedy have been touch every family in Eritrea , some day we can unite for the common goal.

POST A COMMENT