Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ እዲያት እንታይ ይእለም?

ድሕሪ እዲያት እንታይ ይእለም? 25,12,2018፡ ክብርቲ ሓብቲ ጋዜጠኛን ደራሲትን ኤደን ኢያ፡ ካብቲ ዘቕረብኪዮ ዛዕባ ተበጊሰ ቁንጣሮ ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ ፌስቡክ ሰቒለዮ ምንባረይ እናዘኻኸርኩ፡ ንእሽቶ ወሲኸ ከቕርቦ ብዝኣተኹዎ ቃል’ውን ከፊላዊ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ከስዕቦ ሓሲበ ዘስፈልኩዎ ኣርእስቲ እንሆ። እቶም

ድሕሪ እዲያት እንታይ ይእለም? 25,12,2018፡

ክብርቲ ሓብቲ ጋዜጠኛን ደራሲትን ኤደን ኢያ፡

ካብቲ ዘቕረብኪዮ ዛዕባ ተበጊሰ ቁንጣሮ ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ ፌስቡክ ሰቒለዮ ምንባረይ እናዘኻኸርኩ፡ ንእሽቶ ወሲኸ ከቕርቦ ብዝኣተኹዎ ቃል’ውን ከፊላዊ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ከስዕቦ ሓሲበ ዘስፈልኩዎ ኣርእስቲ እንሆ። እቶም ናይ ሽዑ መዛ ትይትኺ ኮኑ ካልኦት ተገደስቲ ድማ ነዊሓ እንተመሲላቶም “boring” ኢሎም ኣዒንቶም ሸቂጦም ኣይሰግሩዋን ግዲ!

ከምቲ ዝበልኩኺ ሽዑ ከምልማደይ ሃሰሰስ ክብል’የ ዘቕረብኪዮ መደብ በጋጣሚ ረኺበኪ። ኣይደንጎየን ከኣ ራዲዮ ስኒ ትና ሰሊጡ ኣራኺብና። እሞ ወያ ከም ትምህርቲ ዘይሓሰብኪያ ናይ ዘተ ወ ግዕኺ ንዓይግና ሓንቲ ካብተን ኣዚየ ዝተመሰጥኩላ መደብ ኣስተምህሮ ብምዃ ና ሰሚዐያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጥፍሒ ፖለቲካዊ ጌጻ-ጌጸይ ዓቂበያ ከምዘለኹ’ ውን ክጠቕሰልኪ እፈቱ። ምኽንያት’ውን ኣለኒ ክዕቅባ ዝደረኸኒ።

እታ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ኣገዳስነቱ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልክን ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበት ኣስተምህሮ፡ ናብቲ ቀንዲ ሕመረት ዓላማ ፖለቲካዊ ህላወና ብምትኳራ እዋናውነታን፡ ብኣውራኡ ንናይ ለውጢ ሓይልታት ዘጓንፈና ዘሎ ዕ ንቅፋታትን ዝድህስስ ትሕዝቶ ስለዝረኸብኩላን’የ ምሒር ተገዲሰላን ጸገምና ን ደቅና ከምመምሃሪት ከተዘንቱ ዓቂበያን።

ኣብዚ ቆፎ ኣራእስና ብጓንጓኡ “ካልእድኣ እንተለካ’ምበር እዚ ድኣ ንፈልጦ እ ንዲና፣ እዚኸ መን ኮይኑ’ዩ . . .፡ ኣበይከ ጸኒሑ’ ዩ . . .” ዝበርከቱ ጎናይ መድረኽ፡ ከም ክልሰ-ሓሳብ፡ “እንታይ’ዩ ሃገራ ውነትን ሕሉፍነቱን፣ እንታይ’ዩኸ ዘይሃገራውነትን ትሕተ-ሃገራውነቱን? ኢልካ ብዛዕባኡ ምሕሳብን ምክታዕን፡ ከምቲ ረድኢ “ዘርኢ ክርዳድ” ክብል ዝጸሓፎ፡ ብርግጽ ወፈራ ጻህያይ ኢሳይያስ ዝዘርኦ ዘርኢ ክርዳድ ኮይኑ ከምተሰማዓኒ’ውን ክውስኸሉ። ከመይሲ ኢሳይያስ ኣብ ድንቁርናና ጥራይ ከምዝነብር ተረዲኡ ክደፍነና ጥራይ’ዩ ዝጋደል። እንተኾነስ ኣብዛ ቀላል መሰል ኣርእስቲ ኣብ ትዕዝብቲ ሃገራዊያን ኣትዩን ተቓሊዑን  ከምዘሎ ኣነ’ውን ካብ ዕላልኩም ተዓዚበዮ ኣለኹ።

ብዙሓት ሰባት ኢሳይያስ ትግራዋይ ስለዝኾነ ከምዝኸድዓና ይጠቕሱ። ገሊኦም’ውን ካብ ‘ሕሉፍ ሃገራውነቱ’ ዝነቐለ መ ላኺ (ዲክታቶራዊ) ባህሪያት ስለዝሰርንቖ ልዕሊ ቁምነገሩ ሃገርን ህዝባን ይጎድእ ከምዘሎ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ ምሒር ህርፋን ስልጣን ስለዘለዎ፡ ንህዝቢ ብመጠኑ’ውን ካብ ኩሉ ዓይነት ቁሩብ-ቁራቦ መሰል እንተከፊቱ መታን ከይውገን ብም ስግኡ ከምዝዕምጽ፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ድማ ኩሎም መራሕቲ ከምዝገብሩዎ ጥራይ ዘይኮነ ብቀንዱ ብእምነቶም ይኹኑ ብብ ላዕ ካብኡ ዝሓይሽ ከምዘየለ እናድመቑ ሸለል ክባሃል ዝጣበቑ ኣይውሑዳትን። ግናኸ እዛ ዘቕረብኪያ ናይ ዘተ መኣዲ ም ስጢር ኢሳይያስ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክንፈልጦን ክንምክቶን ትሕግዝ ኮይና ከምተሰምዐትኒ’ውን ክውስኸላ።

ሓደ ዕጉስን መስተውዓልን መንእሰይ ኣሸበሸብ ኮይኑስ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞና ዘጓንፈና ትሕትን ሕሉፍን ባልዕ ሃገራውነት እን ተወደቕናስ ኣየናዩ ከምዝኸፍእ ሓቲትኪ፡ ዕንወት ብኩሉ መልክዑ ዕንወት ጥራይ ምዃኑ’ውን ገሊጽኪ። ኣብ ምዕጻው መ ደብኪድማ ኢሳይያስ መን? ንዝብል ሕቶ ክትምልሲዮ ስለዝነበረኪ ብድፍረትን ንጹር መልክዑን፡ ሕሉፍ ሃገራዊ ዝመስል ዘይሃገራዊ ምዃኑ ተብቲብኪዮ። ካብ ብዓንተቦኡ ብመንነቱ ኮነ ብዝኾነ መንቅብ ኣብ ዘይተኸሰሉ እዋን ከይቃ ላዕ ክብል በልማማ ህዝቢ ከብርስ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ እንሆ ርዖዑ ጠቕሊሉ ንደቡቡ ክነጉድ ብኣዒንትና ርኢናዮ።

“ሓባል በሊያ ከይትቕድመኪ” ካብ ዝብል በለጽ ዕሱብን ዕሱባቱን ቀቀዲሞም ንዓና ንሓተቲ መሰል ብትሕተሃገርነትን  ከ ዳምነት ናይ ኢቲዮ-ኣመሪካ ክውንጅሉና ምጽንሖም’ውን ኣብቲ ዘተኹም ዳህሲስኩሞ ኣለኹም። እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ኢሳይ ያስ ብዓንተቦኡ’ውን ዕሱብ’ምበር ንናጽነት ኤርትራን ህዝባን ከምዘይወፈረ ዝፈልጥ ዘበለ ጽባሕ ምስ ውድቀቱ ግብሩ ስለ ዝፈልጣ ብዛዕባኡ እንታይ ከምዝባሃል ኣጋኒኑ ፈሊጥዎ ኣሎ።። እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝጸበቐ ኣማሲያኡስ እዚ ሓድሽ ወሎዶ’ ውን ዓላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ተልእኾ ኢሳይያስን በበይኑ ምንባሩ ዝፈልጠሉ መድረኽ ምብጻሕናን ዜጋታት ንኩሉ ነቐዝ ትሕተ-ሃገርነት ሰጊርኩም ብሓባር ክትዛተዩ ምርኣይሲ ክንደይከ ይጽብቕ!

ድሕሪ እድያት እንታይ ይእለም? ዝብል ምስላና ዝተጠቐምኩሉ ምኽንያት ድሮ ተረዲእኪዮ ኣለኺ። ወለድና ንሓደ ው ዱእ ነገር ከም መዕጸዊ ዝጥቀሙሉ ጥቕሲ ኢዩ። ንሳቶም ንዝሰማምዑሉ ብምሙጓስ ኣብ መዕጸዊ ሓሳባቶም ድማ ከምገለ ክውሰኽ ወይ ክመዓራረ ንዝደልዪዎ ወስ ኣቢሎም ኢዮም ሓሳቦም ዝዓጽዉ’ሞ ኣነ’ውን ፈሊጠ ዘይኮነ ከም ተራ ተሳታፊ ተወሳኺ ይልቅብ ከምዘለኹ እናሓሰብኪ ኪኖ ጽባቐ ብትሕዝቶኡ ጥራይ ብትዕግስቲ ከተተኣናግድኒ እትስፎ።

ነታ “ኢሳይያስ መን ኢዩ?” ትብል ቀንዲ ዛዕባ ንምብራሕ ሰለስተ ወሰንቲ ክሳውዲ፡ ማለት ሃገራውነት፣ ትሕተ ሃገራውነ ትን ሕሉፍ ሃገራውነትን ዝብሉ ኣምራት ከምዝዳህሰስኪ ተረዲአ። እዚ ድማ ሃገርና በየን መጺኣን ኣበይከ ኣላን ንክንፈል ጥ ኣዚዩ ጽቡቕ ዛዕባ እብሎ ብወገነይ።

ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ መዳያቱ በቲ “ሃገር” ዝብል ምስእንጅምር ሕብረተ-ሰብ ካብ መስፍናዊ መድረኽ ናብ ርእሰ-ማልነት ኣ ብዝደየበሉ እዋን ዝመጸ ጥርናፈ ህዝቢ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ። ማለት ሃገርነት ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ተርእዮ ካርታ ዓለም ምዃኑ ንምጥቃሱ ክብል ኢለ’የ። ሃገር ብሓንቲ ቢሄር ወይ ድማ ብጥርናፈ ቡዙሓት ቢሄራት ይኹ ና ብካልእ መልክዓት ክትቀውም ትኽእል። እተን ብምምሳሕ ገዛእቲ ዝቖማ ሃገራት’ውን ኣይውሑዳትን። ገዛእቲ ሃገራዊ ዶባት ከመልክቱ እንከለዉ ብመንነት ህዝቢ ዘይኮኑስ ከምዚ ናይ ኣመሪካ ነቲ መሬት ብሓይሎም ሒዞም’ዮም ነቲ ትሕዞ ኦም መሬት ከምሃገር ጠሪሮሞ። ሃገርና ድማ ብ1890 ዝቖመት ውጽኢቲ መግዛእታዊ ሃገርነት ምዃና ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ስ ክሳብ ሎሚ’ውን ‘ሃገር’ እናተሰመና ብመጋበሪያነት ውሽጣዊያን ደቂ ሃገር ካብ መግዛእቲ ኣይተናገፍናን።

ብዛዕባ ትሕተ ሃገርነት ዝመጸ ድማ ዘካትዕ ነገር የብሉን። ካብ መንፈስ ጎበጣ ብምብጋስ ነቲ ጭቡጥ ሮቛሒታት ሃገርነት ጎሲዩ ከምቲ ሕሉፍ ሎሚ’ውን ዳግማይ መግዛእቲ ኢቲዪጲያ ይዝምብየና ኣሎ። ከከም ኣመጻጽኣኡን መልክዑን ዝልለ‘ኳ  እንተኾነ፡ ኣብ 20-21 ክፍለ-ዘመን እናነበርና ብስም መሰል እናተጨርሐ ዝጥለብ ዘይብቑዕ ሕቶ ሃገርነት ኮነ መሰል’ውን ኣሎ። እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘስደምም ናፍቖት ኢቲዮጲያዊ መንነትን ዝበርዓነ ሕልሚ ትግራይ-ትግርኚን ብመልክዕ ኣግኣዚነ ት ክርአ ምፍታኑ’ዩ። ግናኸ ንዓይሲ ክልቲኡ’ዚ ዳሕረዋይ መርኣያ ሕሉፍ ትሕተ-ሃገርነት (የማንነት) ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ።

እቲ ሳልሳይን ወሳንን ዛዕባ ጉዳይ ሕሉፍ ሃገራውነት (Ultranationalism) ኢዩ። መቸም እቲ ዉሁብ ስምዒት ሃገርነ ት ደረቱ ምስዝሓልፍ’ዩ “ሕሉፍ” ዝስመ። ከምቲ ዘውጋዕኩሙሉ ድማ ገለ መራሕቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ልዕሊ ካልኦት መስሪሖም ህዝቦም ብምስካር ኣብዘይተደልየ ገደል ክጸድፉ ተራእዮም’ዮም። ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ከምዝተራእየ መራ ሕቲ ናይ ቀልስ ሃገራት ስለዝተሳዕሩ ብሕሉፍ ሃገራውነት ተወቒሶምን ኣብ ዓለማዊ ቤትፍርዲ ተፈሪዶምን’ዮም።

ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። “ንሳቶም ተዓዊቶም እንተዝነብሩኸ ዓለም ካብዚ ዘሎናዮ ምኸፍኣ ዲዩ?” ዝብል ሕቶ።

ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም ዝምድና ናይተን ብመልክዕ ወታደራዊ ግምባር ጥራይ ሰሚረን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ማለት ናይ ቀልስ ሓይልታት ዝተዓወታ ናይ ኪዳን ሓይልታት፡ ብኣብ ውሽጠን ተደጒሉ ዝነበረ ስነ-ሓሳባዊ እምነት ኣብ ክልተ ጉጅለ ክግማዓ ተራእያ። ብኡ ዝነቐለ’ውን ካልኦት ሃገራት ነናብ ዝረብሓሉ ዓለማዊ ጉጅለ ክጠራነፋ ጀመራ። እዚ ብወገ ኑ መድረኽ ምጅማር ዝሑል ኲናት ከምዘስዓበ ዓለማዊ ታሪኽ ይምህረና።

ኣብዚ ክጠቕሶ ዝግባእ ብፍላይ ድሕሪ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን፡ ዕጥቃዊ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልስታት ብስነ-ሓሳብ ኣህጉራውነት እናተመርሓ ምሒር ኣብ ዝጠጥዓሉ እዋን ጸግዐን ምስ’ቲ ሓገዝ ዝረኽባሉ ማሕበረ-ዴስነት ብምውጋን ነቲ ምብራቓዊ ደምበ ተወሳኺ ድርዒ ስለዝፈጠራሉ ወዮ መልክዕ ዝሑል ኲናት ጥርዚ በጽሐ’ሞ ዓለም ብግህዶ ኣብ ክልተ ወገን ማለት እቲ ሓደ ብኣመሪካ ዝምራሕ ርእሰ-ማላዊ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ብሶቬት ዝምራሕ ማሕበረ-ዴሳዊ ደምበታት ተገምዐት።

ኣመሪካ ማሕበርነት ኮነ ዴስነት ከየስፋሕፍሕ ብዝነበራ ስግኣት ብመንጽር ናይ’ቶም ከምእኒ ሂትለር፣ ሞሶሊዮኒን። ሂሮሂ ቶን ዝኣመሰሉ ጠንቂ 2ይ ኲናት ዓለም ዝነበሩ መራሕቲ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ነቶም ከም’ኒ ስታሊን፣ ማኦ፣ ካስትሮ፣ ቸጉ ቬራ፣ ጋንዲ፣ ሆቺሚንን ማንዴላን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃገራትን ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን ናይ’ቲ ሓድሽ ዓለም’ውን ብ ሕሉፍ ሃገራውነት ወንጀለቶም። ነቲ ንናጽነቱ ብዕጥቂ ብረትን ስነ-ሓሳብ ሸቃላይን ዝቃለስ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ድማ እ ንተኾነላ ብዘየዳግም ምድምሳሱ፣ እንተዘይኮነላ ድማ ክብርዕን ምእንቲ ኣብ ውሽጡ ስዉራን ሰለይቲ እናለኣኸትን ብከ ም “ማዕቐበ-እገዳ” ዝኣመሰለ ዓለማዊ ናይ ማሕንቖ ፖሊሲታታ እናሸንቆቘትን ተጻብኦታታ ተተሓሒዛቶ ነይራን ኣላን።

ተሳተፍቲ ንኤደን  “ኣመሪካ ንሰውራ ኤርትራ ብከመይ ትጥምቶ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪብኩሙላ እንተኔርኩም ግምጣል ና ይ’ቲ “ኢሳይያስ መን ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ስለዝመስለኒ ሕጂ መጺኣ’ቀንዲ ዛዕባይ። ብወገነይ ንሕቶኹም ባዕልኹም ከም ዝመለስኩሞ ሰሚዐዮ’የ። ምናልባሽ ካብ’ቲ ዝዘተኹሙሉ ክውስኽ ይዕደም እንተሊየ ግና ዝመስለኒ ኣሕጺረ ክምልስ።

ኣመሪካ ነቲ ብረታዊ ተጋድሎና እንተደሊያ ናይ ኣዕራብ፣ እንተደሊያ ናይ ኮሙኒስታ እናጠመተት ከምተቖጻጸረትና ከግህ ዶ እደሊ። ናብኡ ዘብጻሓ ምኽንያት ኣይረኣየትን ይብል የለኹን። ንሱ ዝመዘዙ ንሳ ግደፍ ሎሚስ ኣብ ቃልሲ እንከለና’ ውን ካብ ቁጽጽራ እንተወጺና መታን ክንብርዕን ዘየጻወደቶ መፈንጠራ ኣይነበረን። ሓደን ቀንድን ድማ ኣብ ውሽጢ ው ድባት ዘሪቖም ዝኣትዉ ሰለይቲ ከምዝነበሩ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ገና ብእግሪ ተኽለይ ዝተማሃርኩዎ ፖለቲካ ኢዩ። “መ ን’ዮም’ቶም ሰለይቲ?” ንዝምልከት’ሞ ዝተባህሉ ዘይኮኑስ ንዝኾኑ በቢውዕሎናን ግምታትናን ንምልሶ ሕቶ ጥራይ ኢዩ።

ምናልባሽ “ጭብጢ ኣብዘይብሉ ሰባት ከይነጸልም” ዝብል ስኽፍታ እንተልይኩም፡ ቃል እምነት ዝበለጸ ምስክር ምኾነ። እንተዘይተረኺቡ ብፍላይ ኣብ ቃልሲ ንምጭባጥ ዝበቅዕ ሞዛይክ ፖለቲካ ብከመይ ይገጣጠሞ’ዩ’ቲ ወሳኒ። ምግጥጣም ማለት እቲ ዝተፈናጥሐ ኣካላት ካብ ኣበቛቑላኡ ክሳብ ኣተሃላልውኡ ዝምልከት ሙሉእ ስእሊ ድሕሪ ምውሳድ ዝህብ ም ስሊ ማለት ኢዩ። ብልክዕ እንተተሰዂዑ ድማ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ስእሊ ስለዝህብ ኣብ ብዓለሙ ክስራሓሉ ይርአ። ዝተገ ጣጠመ ፖለቲካዊ ሞዛይክ ዝዓበየ ምስክርነት ክንሱ ምስዘይኣምኑዎ ምልምላም ዝገደደ ስንፈት ምዃኑ ምርዳእ ይሓይሽ ። እንሆ’ንዶ ሎሚድኣ መንነት ኢሳይያስ ከምጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ። ንምጥቃሱ እንተተደሊዩ’ውን ክብሎ ኣይጽገመሉን።

ኣስተውዕሉ’ሞ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ዝተሰለፈ ኢሳይያስ ንበረኻ ክወፍር እንከሎ ተሓኤ ጀሃዳዊ ዓላማ ከምዝነበራ ኣጸቢቑ ተመልሚልሉ ምንባሩ መጋድልቱ ዝፈልጡዎ ሓቂ ኢዩ። ኣሰልጠንቱ ርእሲ ኣቦሓጉኡ ሃጸይ ዮሃንስ ዝቆረጸ ‘ጂሃድ’ ብዝ ስመ እስላማዊ ምንቅስቓስ ምንባሩ ከምዘንቆርቆሩሉ ትጠራጠሩ ዲኹም? እሞ እቲ ወዲ ክርስቲያን ኢሳይያስ ብሃንደበት ነቶም ደቂ ዋህዮኡ ነይሮም ክጋደሉ ገዲፎሞ ዝወጹ ድሩዕን ሙሴን ከርክቦም ምንፋጹስ ብሓቂ ንናጽነት ናይታ ዘይእን ታዩ ሃገር ኤርትራዶ ወይስ ብውሑዱ ንስልጣንን ሕነ ኣቦሓጎኡ ክፈድን? እዚ’ዩ’ቲ ክገጣጠም ዘለዎ ሞዛይክ ፖለቲካ።

ኣብ ተሓኤ ምስኣተወ፡ ደቂ ክርስቲያን እናተሃድኑ በየናይ ምስጢረ-ካህናት ይነብር ንዕዑ ብክብሪ ተቐቢሎም ክሳብ ንት ምህርቲ ንቻይናኡ ዝለኣኹዎ? ምስተመልሰ እቶም ብካልኣይ ወገን ዝፍለጡ ተጋደልቲ ድሮ ተፈሊዮም’ዮም ጸኒሖሞ። እ ናተሃንፈፈ ምሰርከቦም ድማ ተቐቢሎሞን ክሳብ ድማ ነቲ ናብ ቃኘው ብምእታዉ ምስ መራሕቲ ኣመሪካን ኢቲዮጲያን

ምርኻቡ ብክንደይ ዋዳ-ዕዳጋ ካብ ክቱር ሃገራውነቱ ከምዝነቐለ ሓሰቡሉ። ክሳብ ድማ ኣብቲ ዘተስያኢ ኣርካናት ገዛእቲ ንኢሳይያስ ፈደረሽን ክቕበል ደሪኾሞስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ሕቕፎኦም ዝኣተወ ሕንጫል ናጽነት እንተዘይኮይኑ ዕጭ ከምዝነቖ ተ ኢልካ ዛንታ ተጻሒፉ ኣሎ። መቸም ኩሉ ሰነዳት በቢዝጥዕሞም ይምስርሕዎ ከምዘለዉ ልዕለይ ፈሊጥኩሞ ከምዘለ ኹም ጠቒሰ ብምቕጽል ኣመሪካ ኣብዛ ክንዲ ሰለፍ ብዕራይ እትግመት ዘይተጻዓዲትን ኣዚያ ኣገዳሲትን ሃገር ዘለዋ ጠመ ተ ኣዚዩ ልዑል ብምዃኑ ክሳብ ነቲ ናጽነት’ውን ብዘይፍቓዳ ብምምጽኡ ከይተኣወጀ ከምዝኾነነቶ ክንትንትኖ ኣይጸገመና ን። ድሕሪ ናጽነት ህዝባዊ መንግስቲ ንከይትከልን ቁጠባ ከይሓውን ብኢድ ልኡኻታ ዝካኣላ ገይራ። ንካብ ዓዱ ተጎራፊ ጡ ዑቕባ ዝሓታ ሻዕቢያ ካብ በረኻኡ ስለዝተኾነነ፡ እቲ ልኡኽ ብዓል ውዕለታ ወይ ብመውስቦን ካልእ ጥበብን እንተዘ ይኮይኑ ዜግነት ከምዘይትህብ ዝዛረቡሉ ኣለዉ።

“እንታይ’ዩ ሓጢያታ ኤርትራ?” ትብሉ እንተሊኹም እታ ብባህላ ዴሳን ጽልምን ውነና መሬት ትፈልጥ ኤርትራናስ ያኢ ቻይናዊት ከይትኸውን! ብመንጽር ናይታ ብረዲኤት ኣመሪካ ትነብር ኢቲዮጲያ፡ እቲ “ነብስኻ ምኽኣል” ካብ ዝብል ዘይ ተጸጋዒ ባህሉ ኣብ በረኻኡ መንግስትነት ዝፈጠረ ህዝብስ ያኢ ዓጣሪ ዓረባዊ ፔትሮ-ዶላር ከይኸውን ተሰጊኡ። እቲ “ን ጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ” እናለ ሃገሩ ዝጨበጠ ኤርትራውስ ያኢ መሳርሒ ማሕበረ-ዴስነት ከይኸውን ተሰጊኡ! እቲ ብክ ልተ ምዕጉርቱ እናተለኽዐ ናጽነቱ ዝዓተረ ህዝቢ እምባኣር ክዳሃኽ፣ ክብተን፣ ባህሉ ክድኳዕ ኣለዎ። ብሓጺሩስ ብጠመተ ኣመሪካ ረብሓ ሃገሩ ንዘቐደመ በዒንቲ ዴስነት’ዩ ዝጥመት። እቶም ምእንቲ ሃገሮም ዝተሰየፉ ላዕለዎት መራሕትና ድማ ረብሓ ሃገሮም ስለዘቐደሙ ከም ሰዓብቲ ዴስነት ተጸብጺቦም ከምተሓንቁ ተሞኩሮና ዝዛረቦ ሓቂ ኢዩ።

ኣመሪካ “ነቲ ኣብ ሃገርና ትግበሮ ኣተሓሕዛ ብመን ትፍጽሞ?” ዝብል ሕቶ እንተሊዩ፡ ከምቲ ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ ዝለፋለ ፍ ኢሳይያስ’ኮ ዕስበቱ ክሽፍን ክብል ብሰንኪ ኣመሪካን ከዳሚት ወያነን ከምተረመስና ክገልጽ ወሪሑ’ዩ። ብግብሪ ግን መን ‘ዩ ከዳሚ ኣመሪካ? ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነ ገሊኡ ኣብ ምብራቕ ዝተማህረን ንፋሶም ዝነፈሶን ዘበለ ብስግኣት ካብ ብከላ ኮሙኒስታ ሓራ ክመስል ምእንቲ ህዝቡ ክድህኽ፣ ተጋደልቱ እናቓሕለለ ምስጢራቱ ክቐብር ዝቃለስ ተራእዩ’ዩ።

እቲ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ምውዳቕን ምትንሳእን፣ እቲ ስዉር ጥበባትን ንዝተቓወሙ ዝተዋህበ ኣስማትን’ውን ሎምስ ኣፍ ኣውጺኡ’ዩ። ብኢሳይያስ ዝእለ ጉዕዞ ሰውራ እምባኣር ንጹህ ተጋዳላይ ክጸሮ ዘጸግም ፈተና ነበረ። ብፍላይ ነታ ካብ ውሻጠ ከም ዝወጸት ዝተወርየላ ሄዋነይቲ ዘጓነፋ’ሞ ንምግላጹ በየናይ ዓቕመይ! ንምጥቃሱ ኪኖ’ቲ መግዛእታዊ ቃልሲ፡ ብቀንዱ ኣንጻር ድሑር መስፍናዊ ባህሊ ከምንቃለስ እናተመኽነየ ብስም ማዕርነት ዝተዋረደት ክንደይ ክንብላ።

“ሓራይ በሊዩ ንሱ ካድር’ዩ” እናተባህላ ጓል ቀሺ ብዘይፍታዋ ምስ ወዲሸኽ ክትዋሰብ ርኢናያ። ንጽፍቲ ዓራት ነጋውስ ከምተቐየረት’ውን ርኢና። ግናስ ኩለን ደቀንስትዮ ማለተይ ኣይኮነን። ብኣምዛኒ እንክርአ፡ እተን ደቂ እስልምና ውሑዳ ገዲፍካ ባህለን ኣየጥፋኣን። ከምኡ ጓል ኮተሊኽ ዘዕበያ ባህሊ ኣይበረዘትን። ኳል ከኒሻ ዘይንሳ ኣይመሰለትን። ገደደ ናይ ጓል ኦርቶዶክስ! ህግደፍ ንቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ምስ ኣመራስሖ ደቀንስትዮኣ ኣይክበልዓ ኣይክብላዓ ግዳም ወጼን ተ ሪፈን። ጓለንስተይቲ ንንፋስ ተቓሊዓ፣ ቆሪራ ሓዲራ ማለት ድማ ሃገር ፈሪሳ ማለት’ዩ። እዚ ነገር ክሳብ ሎሚ ከምኡ ኢ ሉ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ህግደፋዊ ጉዳያት ተዓጢቐን ዘውደኽድኻ’ውን ንሳተን’ተን ደቂ ኦርቶዶክስ ምዃነን ዓይኒ ምስክር ኢ ያ። ተስፋ ምስቆረጻ ከም ኣማራጺ ዝኣትዎኦ “ቸርች” ዝባሃል ቤት መቕደስ ምእመናን ጴንጠቆስታ ምዃኑ ተዓዚቡ ዘይፈ ግዖ ኣማኒ ኦርቶዶክስ የለን። ስለኡ እቲ ወግዓዊ ፍትሕ ደቂ ኦርቶዶክስ ብርስሓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ይሳለጥ ኣሎ።

ኢሳይያስ ብሃገራውነቱ ንናጽነት ከምተሰለፈን ብቅልጽሙ ናጽነት ዓቲሩ ከምዝኣተወን ብዝመስል ልዕሊ ንቡር ከም ኣን በሳን ወዲ ወርቂ ማህጸንን ከምተወደሰ መብዛሕትና ኣርኪብናሉ። ግናስ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዝሰጋገረሉ እዋን ምስ ኣኸለ ንእለቱ ናብ ዘይምኽኑይ ኲናት’ዩ ኣትዩ። ስለኡ ነቲ ኣብ በረኻ ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ‘ዝሃነጾ’ ሃገራውነት፡ መሓል ፎ ኣብዚ ዕስራን ሸሞንተን ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ጥራይ’ኳ ንሃገርና ልዕሊ ኩሉ ገዛኢ ኣጸቢቑ መድሚድዋ እንሀ።

ንነገሩ ምምድማድ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጡዎዶ? ብዛዕባ ምዕባለን መጻኢ ህንጸት ሃገርን ክዛረብ እንከሎ፡ ክሃንጽ እንተኾይኑ ያኢ ኣቐዲሙ ክምድምድ ከምዘለዎ ደጋጊሙ ነጊርና ኢዩ። ምምድማድ ማለት ድማ ንቡር ካብ ቦታኡ ምእላ ይ፣ ምግልባጥ፣ ምስጣጥ ማለት ኢዩ። ኣዕኒዩ ዝተክኦ እንተንርኢሲ ኣይምጸላእናዮን። ንሱ እምባኣር ልዕሊ’ቶም መማህ ራኑ ንሃገርና ብዘይንሕስያ ንሓምሳን ክልተን ዓመታት መመላእታ መድሚዱዋ ኣሎ።

መርኣያኡ ቀሊል ኢኡ። ንበል ብዶብ ኣሳቢቡ ንዕስራ ዓመታት ኣብ ኲናት ሸኺሉ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ዝግመት ሰብናን ሃ ብትናን ክምድምደና ከምዘይጸንሐ፣ ብዘይሕጋዊ ምልክታን ዘተን ብምስጢረ-ፍቕሪ ጥራይ ዶብ ምኽፋቱ ነቲ ቅንጣብ ና ይ ለውጢ ተስፋ ከይተዋህበ ኣብ መአጎሪ ዜጋታት (Concentration camps) ተቐፊዱ ዝጸንሐ ሓይሊ መንእሰይ ከ ምዘይጸንቀቐ፣ ከምስል ኣብ መዓልቲ 48 ሰዓታት ክሰርሕ ከምተበገሰ ምምዳሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራን ኢቲዮጲያን ሓደ ምዃኑ ኣእሚኑ ክንድመር ዝኣወጆ ክሕደት ተቓውሞ ከይገጥሞ ዝዓለመ ምዃኑ እናተቐልዐ ምስመጸ፡ ነገራት ኣስጊእዎ ንወዮም ባሌህ ክብሉ ዝፈተኑ ተረፍ-መረፍ ግዳያቱ መራሕቲ እንተ ብመልክዕ ድራማ፡ እንተ ብግህዶ ክሳሃሎም ንዕዘብ ። እዚ ማለት ገና ብሕጂ’ውን ወያ ርህርህቲ ልቡ ብፍቕሪ ደቂ ኢቲዮጲያ ቀምሲላስ፡ “ጎረቤትና እናነደደ ኢድና ኣይነጣ ምርን ኣይንሃንጽን” ብዝብል ሽሕጣን ንካልእ 30 ዓመታት ክምድምደና ይቀራረብ ኣሎ። እሱ’ዩ በሉ ኢሳይያስ ማለት።

እዚ ይኹን እቲ ሃገርና ጥራሓ ምትራፋ’ሞ ንመን ተሰዊርዎ! ድሮ’ኳ ብሸቃጦን ብመልክዕ መጋቦ ሰራዊትን ተመሲለን ብ ዝተኸትባ ተጋሩ ከምተወረርና ንዕዘቦ እነና። እዚ ኢዩ ድማ ገለ መርኣያ ድሕሪ ምምድማድ ዘሎ መጻኢ። ካብዚ ንላዕሊ ምምድማድ ኣሎ ዲዩ? ዝተሰርሐ ግዛስ ክምድመድ፣ ዝተወልደ ውሉድስ ክምድመድ፣ ኢሳይያስ’ኮ ካብ ቅድሙ ምእንቲ ብበዓል ሞላታት ትምራሕ ደምህት ኣቢሉ ስልጣን ትግራይ-ትግርኚ ክጭብጥ ክብል’ዩ ሃገርና ን52 ዓመት መድሚዱዋ።

ክብርቲ ኤደን፡ ብዛዕባ መንነት ኢሳይያስ ዝመጸ ክጥዕሞ’ምበር ተንቲነ ስለዘይውድኦ ኣገጣጢመዮ ዘለኹ ሞዛይክ መንነ ቱ እኹል መወከሲ ከምዝኾነለይ እትስፎ። እዚ በዒንትና ንሪኦ ተግባራቱ ኢዩ’ውን መርኣያ መንነቱ። መንነቱ እንተፈሊ ጥና ግድን ኣይኮነን ናይ ስለያዊ ተልእኾኡ ምስክር ወረቐት ክህልወና። እንተልዩና ድማ ከምቲ ንሱ ቃኘው ዝኣተወሉ፣ ከምቲ ድማ ወዲ ጆርጆ ሰኒዱ ዝገደፈልና ምስክር እናረኣየ ዘይኣምን ሰብ’ውን ኣሎ’ኮ። ገለ’ውን እንተ ብገርሂ ወይ’ውን ብጉርሒ ከም ዲክታቶር ከቕርቡዎ ትዒቦም። ንኣፍልጦ ጥራይ ዲክታቶርነት’ኮ ካብ ሕሉፍ ሃገራውነት’ዩ ዝበቁል። ዲክ ታቶር ዝባሃል ሃገሩ እናኣማዕበለ ኣብ ጥርዚ ስልጣን ዝኹደጭ’ምበር ሃገሩ ዝድኩዕ ኣይኮነን። ብኡ መለክዒ ክምዘን ኢሳ ይያስ ሕሉፍ ሃገርነትሲ ይትረፎ ሃገራዊ ዲዩኸ? ብዛዕባ ስልጣን ዝመጸ’ውን ንዕዑ ካብ ስልጣን ዝተጻብኦ ኣይተራእየን።

እቶም ኢቲዮጲያዊ ብምዃኑ ምስ ሓለፈልና ያኢ ከምዝወገንናዮ ኣምሲሎም ዝውንጁሉና’ሞ ዓቕሊ እንተዝሽምቱ ክንደይ ምጸበቐሎም። ኩሉ እናፈለጠ ካብ ህዝብናን ተጋደልትናን ንዕዑ ዝወገኖ ስለዘይተራእየ፡ ገሊኡ ከምስኑፋት ክምስለና እን ከሎ ዝበዝሐ ግና ከም መርኣያ ሓያል ባህሪያት ከምዝምስለና ዓለም ትፈልጦ ሓቀኛ መግለጺና ኮይኑ ኣሎ።

ምናልባሽ ከምተወሳኺ ንሱ ሓንሳብ ካብ ኤርትራን ኢቲዮጲያን ስለዝተወልደ ከም ድቓላ ከምዝጽብጸብ ዘውርዩ ድማ ኣ ለዉ። ኣይንዓሹ ኢሳይያስ ብመንነቱ ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ኣቐዲመ ግና መንነት መበቆላውን ዜግነታውን ኣብ ዝብል ክል ተ ክፋላት ከምዝኽፈል ክጠቅስ። መበቆላዊ ማለት መፈጠራዊ መንነት ክኸውን እንከሎ ዜግነት ግና ብፖለቲካ ኾነ ከም ብቦታ ልደት ዝኣመሰለ ማሕበራዊ መልክዕ ዝዕደል መንነት ኢዩ። ሃገራት ንርእሰን ብመበቆል ክካለና ተፈቲኑ ስለዘይተ ኻእለ ብፖለቲካ ዜግነታዊ መንነት ክጥረራ ግዲ ከምዝኾነ ድሮ ጠቒሰዮ ኣለኹ። ብዛዕባ’ዚ እታ ዝተዋህበትና ግዜያዊት ኤርትራዊት መንነት /ታሴራ/ ‘ውን ሃገርን ቦታ ልደትን እምበር መበቆል ዓዲ ኣይሓተተትን። ስለኡ ኩልና ዜጋታት ብዛዕ ባ ትሕዝቶ ናይታ ብግዚያውነት ዝሓረረት ታሴራና ናይሓባር መረዳእታ ዘለና ኣይመስለንን። ስለዚ ግደፍ ተጋዳላይን ው ሉድን ኢሳይያስን መሰልቱንሲ ኣብ ዘይምልከተና ሃገር ተሰዲድና’ውን’ኮ ዜግነት ይዋሃበና ኢዩ። ዕሱብነትከ መንነትዲዩ?

ሓቅነቱ ከየድለየ ጥራይ ነገር ‘ድቓላ’ ካብተላዕለ፡ ማለት “ፍንጫሕ መሰንገለኡ ድቓላ ኢቲዮጲያ ስለዝኾነ ተነዊሩ” ኢል ካ ዘረባ’ውን ሰሚዕና። ንሱ ብክልተ ጎድኑ ትግራዋይ እንተኾነኸ ብምንታዩ ድቓላ ከምዝባሃል ኣይተረዳእኩዎን። ምናል ባሽ መበቆሉ ትግራዋይ፡ ብዜግነት ኤርትራዊ ማለት እንተኾይኑ ንቡር ነገር ኢዩ። ግደፍ ተጋዳላይ ኢሳይያስ’ሲ ተጋዳላይ ቸጉቬራ’ውን ኩባዊ ኮይኑ’ዩ ክሳብ ዓወት ተጋዲሉ። እንተ’ቲ ምድቓል’ሞ ንዝያዳ ውጽኢት ብመደብ ከምዝግበር ኣይንስ ሕቶን። ንበል ኣብ ሃገርና ባሶ-ሉንጎን ኩርቶን ዝባሃላ ኤነትረ ናይ ጽዕነት መካይን ትዝክሩወን ኢኹም። ሉንጎ ኣብ ጎልጎ ል ክትነፍጽ እንከላ ኣብ ዓቐብ ትለምም። ኩርቶ በንጻር ሉንጎ ኣብ ዓቐብ ጥሒሻ፡ ኣብ ጎልጎል ግና ጎብየ ኢያ። ጣሊያን ጐራሕ “ባሳርዶ” ትባሃል ኤነትረ ሰርሐትልኩም። ባሳርዶ ድቓላ ማለት’ዩ። ባቃ ድቓላ (ባሶ ሚዲዮ ዝብሉዋ’ውን ትኸ ውን) መገዲ ባጽዕ ምስጀመረቶ ኣብ ዓቐበ-ጎልጎሉ መን ክወዳደራ! ከምኡ ድማ እቲ ምድቓልሲ ከልምዕን ከጥፍእን ዝ ኽእል በዓል ልዑል ዓቕሚ ከምዝኸውን ዘይምዝንጋዕ። ንበል ኢሳይያስ ልዑል ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎስ ድቓላ ስለ ዝኾነ እንተኾይኑ እንኳዕ ፈጠረሉ። መብዛሕትኦም መሳርሕቱ’ውን ከምኡ ምዃኖም’ዩ ዝዝንቶ። ካብ ስግር’ውን ከምእኒ ነፍሲሄር መለስ ዜናዊን ቡዙሓት ካልኦት መራሕቲ ሃገርን ካብ ክልተ ከምዝውለዱ ወይ’ውን ብዜግነት ጥራይ ሰብ ልዑ ል ውዕለት ናይ’ታ ሃገሮም ከምዝኾኑ ይፍለጥ ። ኢሳይያስ ንሃገርና ዝቐትላ ዘሎ ድቓላ ስለዝኾነ ማለት ግን ኣይኮነን።

ንነገሩ ሓደ ካብ ኤርትራን ትግራይን ዝተወልደ ከመይቢሉ ብትውልዲ ድቓላ ይባሃል? እንተ ብዜግነት ግና ትግራዋይ ኢ ቲዮጲያዊ’ምበር ፈጺሙ ኤርትራዊ ኣይኮነን። ንሳ ስለዝጸገመቶም’ዮም’ውን እኒ ተስፋጼን ንእምባ ኤርትራ ደምሲሶም ኩ ርቢት ኣግኣዚያን ክምስርቱ ዝሃልኩ ዘለዉ። እቲ ከበሳዊ ክርስቲያንሲ በቶም ደቂ ሃገሩ ኣስላም ከይሳዓር ፈሪሁ ብመልዕ ኣግኣዝነት ምስ ትግራይ ክሰምር ከምዝመርጽ ጌርካ ምቕራቡኸ እንታይ ኣምጽኦ? ክርስቲያን ኤርትራ ከይሳዓር ፈሪሁ ዕቕ ባ ሓቲቱ ማለትዲዩ? ዙሑል ኣብሊዕና ትርጉም ኣግኣዝነት እንተንሓቶም ኪኖ’ቲ ኢሳይያስ ዘዕጠቖም ገዓ-ገልጠም ምንም ዝጭበጥ መልሲ የብሎምን። ኣግኣዚያን ማለት ንማንም ወዲ ቤት ትምህርቲ ዕዳጋ ሓሙስ ኣይምተመስጠሮን። ስዉእ ሓየሎም’ውን ንስርሒት መቐለ “ኣግኣዚ” ስለዝሰመያ መጸውዒ ሃገረ ትግራይ-ትግርኚ ክትኾነሉ ሓሲብዎ’ኳ ነይፈልጥ።

እንተ ሃገረ ኤርትራ ካብ ካልእ ቦታ ተናጢሩ ንዝመጻ ሰብን ዘርእን ‘ኣየብቁልን’ ኣይበለትን። ‘ኣየብቁልን’ ኣይበለትን ንካ ብ ኣውስትራሊያ ዝመጸ ቀላሚጦስን ካብ ብዓለሙ ዝጋዓዘ ካልእ ሰብን ቡቕልን። ‘ኣየብቁልን’ ኣይወጻን’ውን ነቲ ካብ ጥ ልያን ዝመጸ ዘርኢ በለስ። እቲ ሰጊሩ ዝመጸ ዘይናታ’ውን ንሃገርና ክገናዘየላ’ምበር ክጽይና ኣይተራእየን። ግናኸ ድሕሪ ደ ጊም ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብባንዴራኡ ኣራጢጡ ዝነብር ጣሊያን፣ ብባንዴራ ኢቲዮ-እንግሊዝ ዝሕበን ሰፋሪ ኣይዜጋኣን። ብባንዴራ ኢስራኤል ተኸቢቡ ክነብር ብምምናይ ዝፍክርን ዘውደልድልን’ውን ኣይወለደትን ሃገርና።

ኣለኺዶ ኤደን? እቶም “ትሕቲ ሃገር” እናሉ ዝጻረፉ ዝበልኪዮም በየናይ ቀልቦም ከይርድኦም’ምበር ኣብውሽጢ’ቶም ን ዚያዳ ተወፋይነት ዝተሓሪዩ ግሩሃት ሰልፋዊያን ውድባት ዝተሰኹዑ ንሓለዋ ኢሳይያስ ዝሰልጠኑ ትዃዓት ደቂ ህግደፍ ዲዮም ትሕቲ ሃገር ወይስ ደቂ’ቲ ሰፊሕ ህዝቢ? ሓቂ’ዩ እቶም ኢደቤዛኡስ ፍንቱራትን ገበነኛታትን ብንዃኖም ንዐዖምሲ ካብ ሃገሮም ሰልፎም’ያ ትዓብዮም። ኢሳይያስ’ውን ንቡዙሕ ካብ ህዝብና ኣብታ ሰልፉ ደርጊሙ ኣምሒሉዎ ከምዘሎ ጭ ሩ’ኳ ትፈልጦ። እቶም ሕሉፋት ደቂ ዕቁቡ ድማ ክሳብ ሕልፈቶም ፍጹም ብመልሓሱ ጥራይ’ዮም ዝዛረቡ። ተመን ጫሌ ዳ መልሓስ ጥራይ እንተልይዎ ጫሌዳታት ኢሳይያስ ግና ኣብ ብዓለሙ ተዘሪኦም ከምዘለዉ ክንደየናይ ከይስወረኪ። ግ ናድማ ንከም ናይ በዓል መምህር ተስፋጼን ኣግኣዚያን ንዝኣመሰለ ጉዳይ ብፍሉይነት ክንሪኦ ዝምሕጸኑ ኣይተሳእኑን።

“ሓራይ” ምበልናዮምን ኢልናዮም’ውን። ተስፋጼን ድማ ክም ንኡስ ዕድመ ሕውነት ተጋሩ ከይትመልቆ ኣጽኒዑ ብምሓ ዝ መታን ዝምድናና ጢው-ጢው ኢላ ክትሰጥመልና ክሳብ ነተን ተጋሩ ክንዋሰበን ከምሕሱም ጐስጒስና። ኣብ ቅድሚኡ ከምዝጸንሖ ብምትእምማን ደጊምና “ሓራይ” ኢልናዮ። ንሱ ድማ መውስቦ ሸውዓተ ወሎዶ ወሪቕዎ ክዋሰብ ንዞባ ደቡ ብ ሰጊሩ ትግራዩ ከምተደርገመ ሰሚዕና። ተደርጊሙ ጥራይ ዘይኮነ ቀለቤት ኣሲሩ ከብቅዕ “ኣየዋጽኣንን” ክብል ከምዝጠ ንጠኖ’ውን ሰሚዕና። ዕድልና ዶኾን ሓውሊላ’ምበር ዘይ ንሕናስ ምስ ተጋሩ ዝግበር ፍቕርን ሕውነትን ዓቂንካ ክግበር ከ ምዘለዎ ኢና ዝበልና። ዓድዋ ከምዘይትመጸናን ዘይንኸዳን’ኮ ብቀዳሞት ወለድና ተነጊርና ኢና። ግናኸ መታን ከይጠራጠ ሩ ኣኣብዘለናዮ ኴንና ንእንገብሮ ሕውነት ከልካሊ ከምዘይብሉን ከምዓረ ከምዝጸንዕን ኣጸቢቕና ከነረጋግጸሎም ንፈቱ።

ሃውቲተዶ ኤደን? በሊ ናብ ኢሱ ክምለኣ። በዓል ኢንታ መስቆርቆሪ ብምዃኑ እንተድኣ እምነትና ብንጹሩ መራሒና ነብ ሱ ከምድቓላ ብምሕሳብ ይንጽላ ሃሊዩ ድቓላታት ክስሕል ከምዝነብር ዘይምርሳዕ። ነብሱ ዘዕበረ ሰብ ኣብዘይፍታሕ መ በቆላዊ ታኼላ ተሸሚሙ ከናፍሩ ክረማጥጥ ከምዝነብር’ውን ፍሉጥ’ዩ። ብከምኡ ዝኸሓነ ሰብ ክልተ ሸውዓተ ኣይጠቕ ሞ ማዕዳ ሰማያት! እንተ ህዝብና ንመራሒኡ ብድቓላ መንነቱ ዘይኮነ ካብ ጸረ ኤርትራውነቱን ዕሱብነቱን ተበጊሱ የጽን ቶ ከምዘሎ ጥራይ’ዩ ዝርዳእ። ስለኡ ኢዩ’ውን ከም ልኡኽ ባዕዳዊያን ዝጥቀስ። ንከምኡ ሰብኩምከ እንታይከ ትፈርዱዎ?

ሓሳባት ኩልና ተወሃሂዱ ክኸውን እናተተስፈኹ፡ ብወገነይ ነታ “ኢሳይያስ መን’ዩ” ትብል ሕቶ ንስኺ “ሕሉፍ ሃገራዊ ዝ መስል ዘይሃገራዊ” ክትብሊ ዝገለጽኪያ ከምዘላታ ወሲደ ደሪዐያ ክህሉ እትስፎ። ንዝያዳ መብርሂ ድማ ቅድሚ ሎሚ ድ ማ ኢሳይያስ ሓድሽ “ጅር-ገደላ” ክብል ጽሒፈሉ ምንባረይ’ውን ንኣፍልጦ ክሕብር እፈቱ።

ብተወሳኺ፡ ኩልና ዜጋታት እቲ ንክመስለናን ክንሻቐለሉን ተባሂሉ ብኢሳይያስ ዝፍኖ ወረታት ኣይንቕነነሉ። ንበል “ከም ቲ ናይ ንየማነ እኪት፡ ጀነራል ስብሓት’ውን ተጀፊዑ” ዝብል ወረ ኣልሒኹ ልብና ብምስራቕ ሃለዋቱ ክንፈልጥ ንዓዲ ኣ ዕራብ ኣንፊጹ ንሱ ኣብ ማእከል ኣስመራ ስርሑ ይሰርሕ ከምዘሎን፣ እታ ሃገር’ውን ፈጺማ ተመድሚዳ ኣይካብ ሰብ፣ ኣ ይ ካብ እንስሳ ኮነ ገረብ ጻልጣ ተሪፋ ተእዊ ከምዘላን ክንዝንግዖ ዘይብልና እዋናዊ ጉዳይ ምኳኑ እንተታት ዘየድሊዮ ሓ ቂ ክንሱ፡ “መን’ሞ ኣልዩ” ብዝብል ተስፋ ከቑርጹና ዝጋደሉ ልኡኻቱ ፈቐዶኡ ክቀላቐሉ’ኳ ኣንተተራእዩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይንኣቱ እናተማሕጸንኩ ዝፍለየኪ/ኩም ዓዲ ውዕል ኣቶ ወዲጥሮታ ኢየ።

ንኩሉኹም ድማ እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረኩም። ትማልን ሎምን ካብ ሃለኹምሲ ጽባሕን ድሕሪኡን’ውን ትህ ልዉ ግዲ!   

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde December 28, 2018

    “ሓቂ’ዩ እቶም ኢደቤዛኡስ ፍንቱራትን ገበነኛታትን ብንዃኖም ንዐዖምሲ ካብ ሃገሮም ሰልፎም’ያ ትዓብዮም።” No excuse ,it is written in tigrigna >>>>>>>thanks a million Eden.

  • Simon G. December 28, 2018

    ዓዲ ውዕል ኣቶ ወዲጥሮታ?
    ኤእ! ዓዲ’ባ ኣይትውዓል።
    ————
    መቸም ቅድሚ ሕጂ ውን ኢለካ ኔረ ግን ተደገምኩዎ ‘ታይ ከይሃሲ!
    ጽሑፋትካ ከንብብ ከለኹ: ሙቪ ዝርኢ ዘለኹ ኮይኑ ይስመዓኒ።
    ብናተይ ሓሳብ: መጽሓፍ ‘ተትፍትንሲ ዝጸሓፍካዮ ዘበለ ናብ ሙቪ ምተገምጠለ ኔሩ።
    ወይ እንግሊዝ ወይ ዓረብ ኔሩ ተዝኸውን ቋንቋይ ዓለም ውሃ ዘበለ
    መጻሕፍቲ መፍረኹላ ኔረ ነዛ ዓለም ትብል ዘለኻ ኮይኑ ይስመዓኒ (ጋቢ ተጎልቢብካ ማለት ዩ)።
    ———-
    Tom Clancy ናይ ኤርትራ ኢለካ ኣለኹ።

  • ወዲ ጥሮታ December 29, 2018

    ስምኦን፡ ተሃዊኸ እንተዘየሊየስ እንኳዕ’ሞ ኣብጻሓካ! ነገር ጋቢ ካብኣልዓልከ እንድየ፡ ቡዙሓት ሰባት ንስእሊ ኣርማ ቃልሰይ ማለት ናይ ኣቦይ ወልወል ረሪኦም ኣፍደገ መቓብር ተገምገምኩ እናመሰሎም “ኦይ! ቀሪቡ’ዩ፡ እዚ ዝጻሓፎድኣ እንታይ ክጠቅም፡ ኒየውበሎ!” ዝብሉ ከምዘለዉ እሰምዕ’የ። ቡሉሲያ ፍራንክፉርት’ውን’ኮ ኣነስ ልክዕ እቲ ስእሊ ኮይነ ስለዝስማዓ ኣብ መገዲ ክትረኽበኒ እንከላ ስለትደናገር ኣድሚቓ ከይረኣ የትኒ ኣይትሓልፍን’ያ። እንተ ደቂ ዓድና ዋላቶም ኣጸቢቖም ዝፈልጡኒ “ክልክመና’ዩ” ኢሎም ብምሕሳብ ከምዓባቕ ማንቲለ ነዛ ኢደይ ሰላም ክብላ ዘይደሊ መሊኡ!
    ብሓፈሽኡ ብዛዕባ’ቶም ባሃልቲ ክሪኦ እንከለኹ መቐረትት ቁምነገርን ጽሕፈት ኣብ መልሓስ ከምዘይረኽቡዋ እናሓዘንኩሎም ድማ ክሳብ ቦታ መቐረት ዝረኽቡዋ ሸለል እብሎም። ጽሓፋይ ኢየ እብል ከምዘለኹ ተረዲእካ ኣሎ። እንተድኣ ጽሕፈተይ ተበሪህካ ግና ፍቶትካ ምግላጽካ ንርእሱ ቆራጽነት እንዲዩ፡ ኣነ ግና ሰብ ከከም ዓቕሙ ክማሃረሉ ካብዝብል ዓቕመይ ናብ መጽሓፍ ዘቕናዓሉ እዋን ከምዘይበጽሐ እመስለኒ። እንተ’ቲ ጥፍሒ ጹሑፋት ንርእሱ መጻሕፍቲ’ዩ። እሞ ኤርትራዊያን ንመሳገነሉ እዋን’ኳ እንተዘይበጽሐ ንስኻ ደጋጊምካ ስለዘተባባዕካኒ ከም ሓምባቢየይ ባሩድ እናሓሰብኩኻ ኣኽቢደ አመስግነካ።

POST A COMMENT