Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሓን ኩን ብጻይ ኣማረ

ድሓን ኩን ብጻይ ኣማረ 05/12/2013 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ደቂ ሰብ ነበርቲ ከምዘይኰንናስ ኩሉሳዕ ብሞት ክንዝመት ከለና ከይጠቐስና ሓሊፍና ኣይንፈልጥን። ኣብ ሂወትና ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘጋጥመና ናይ ኣነባባር ወጥርታት ብውልቀ ይኹን ብሓባር ተቓሊስና ክንዕወት ከም እንኽእል ንዝቲ ኢና። ኣብ

ድሓን ኩን ብጻይ ኣማረ

05/12/2013

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ደቂ ሰብ ነበርቲ ከምዘይኰንናስ ኩሉሳዕ ብሞት ክንዝመት ከለና ከይጠቐስና ሓሊፍና ኣይንፈልጥን። ኣብ ሂወትና ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘጋጥመና ናይ ኣነባባር ወጥርታት ብውልቀ ይኹን ብሓባር ተቓሊስና ክንዕወት ከም እንኽእል ንዝቲ ኢና። ኣብ ዓለም ክሳዕ ዝሃለና ክኣ ተመኩሮና ንሱ ኢዩ።

ብታሪኻዊ ዓይኒ፡ ሌላና ምስ ሞት ዳርጋ ክንዲ ምፍጣር ወዲ ሰብ ክኸውን ከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ሞት ተቓሊስና ዘይምዕዋትናን ክንለምዳ ዘይምኽኣልናንሲ እንታይ ኮን ይኸውን? ዓቕምና ድሩት ኢዩ ዶ ክብል? ብጻይ ኣማረ ናብቲ ኩሎም ቀዳሞት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወለድናን መቃልስትናን ዝኸድዎ ትኸይድ ኣለኻ። ነዚ መገሻ’ዚ ሕጂ’ውን ክንቅበሎ’ምበር ክንለምዶስ ትብዓት ኣየጥረናን።

ሞት መሪር ኢዩ። ረብሓ መዋቲ መስ ጎደለካ ክኣ ትርድኦ። ብድሕሪኡ ከምቶም ዝሓለፉ ነታ ዘይትተርፍን ክትዓግታ ዘይትኽእልን ውሕጅ ትጽበ። ብጻይ ኣማረ፡ ትኸይድሲ ኣለኻ፡ ታሪኽካ ግን ንዘለና ዓቢ ህያብ ምዃኑ ፈሊጥካ ግዲ ትኸውን! ተማሂርካን ሰሪሕካን ሰዲርካን ተቓሊስካን፡ ተዓዊትካ ኢኻሞ፡ ዝተረፈ እንተሊዩስ ብሓላፍነት እንሕተት እቶም ንግዚኡ ዘለና ብምዃንናስ ዘጣዕስ የብልካን። ውርሻ ናይ ኩለንተናዊ ተውህቦኻ ናብ ስድራኻ ዘመሓላለፍካ ሃብታም ኢኻ’ሞ፡ ዕድመን ጽንዓትን ይሃቦም። ንዓኻ ድማ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ነጻሉተልካ።

ንህዝባዊ ግንባር መኪትካሉ

ንተ.ሓ.ኤ ድማ ምሂርካሉ

ለካ ጅግናስ ኩሉ የርክበሉ

 

ብቓልሲ ዓቢኻ ብቓልሲ ትሽምግል

መዋእልካ ብመሰል ተዕልል

እምበር መምህር ታሪኽ ንዘዋህልል

 

እንተተማሃርካ ዕዉት ተመራቒ

እንተተቓለስካ ጅግና ተዓጣቒ

ወኪል ናይ ውጹዓት ተሓላቒ

 

ሜዳ እንተወረድካ ምስ ተብዓት

ዶብ እንተሰገርካ ምስ ውጹዓት

ደው ልማዱ ንሕጊ ንስርዓት

 

እንተለኻ ዕዳ ትኸፍለልና

እንተኸድካ ታሪኽ ትገድፈልና

ንስኻ’ምበር ንሕናስ ድሓን ኢና

 

ካብ ሞት ዝተርፍስ ሓደ የለን

ሓያል ገመድ ናይ ፍጡራት መምረን

ተሃዊኽካ ሕጅስ ኣይነበረን

 

ሓያልዶ ’ይነበርካን በሎ-በሎ

ካብ ሞት’ሞ መን ሃዲሙ ’ኽእሎ

ዐጋቲ የብላን ሞት ሰለሎ

 

ኣብ ዓዲ እንተዀንካ ጎረቤትካ

ርሑቕ እንተገሽካ ተርክበካ

ኣማረ’ውን ተራ በጺሑካ

 

ናይ ብዙሓት ከፊልካዮ ውዕለት

ነቕ እኳ ዘይትብል ሓንቲ ዕለት

መምህር ጽንዓት ናይ ቃልሲ ሰንሰለት

 

ተቓላሳይ ፉሕ-ፉሕ ዝትንፋሱ

ተሰዲዶም ካብቶም ዘይተመልሱ

ክሳብ ጒድጓድ ቅንጣብ ዘይክሰሱ

 

ንምርጭኡ ድላዩ ዝገብር

ምውልዋል ቅድሚኡ ዝቐብር

ታሪኽ’ምበር ወዲ ሰብ ነይነብር

 

ውሰዳ በል ’ታ ናትካ ብጽሒት

ንግዚኡ ገዲፍካና ድሕሪት

ክሳዕ ተርክበና ’ታ ምሪሒት

 

ኣርክቦም በል ቀዳሞት ስዉኣት

ዝገደፉ ናይ ቃልሲ ፊደላት

ብደም ዝተጻሕፈ ረዚን ቃላት

 

በል ድሓን ኩን ብጻይና ኣማረ

ተወሊዱ መንከ ዘይተቐብረ

ክሳዕ ነርክበካ ማዕረ-ማዕረ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT