Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳግማይ ፈንቅል ሓርነት የድልየና ‘ሎ?

ምፍራስ ‘ናደው እዝን” ሓርነት ከተማ ኣፍዓበትን፡ ህላወ ሰውራ ኤርትራ ካብ ምውሓስ ሓሊፉ፡ ንሓይልን ናይ ምግባር ተኽእሎን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ንህዝብና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘመስከረ ዕዉት ስርሒት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንከተማ ባጽዕ ሓራ

ምፍራስ ‘ናደው እዝን” ሓርነት ከተማ ኣፍዓበትን፡ ህላወ ሰውራ ኤርትራ ካብ ምውሓስ ሓሊፉ፡ ንሓይልን ናይ ምግባር ተኽእሎን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ንህዝብና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘመስከረ ዕዉት ስርሒት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንከተማ ባጽዕ ሓራ ዝገበረ ስርሒት ፈንቅል፡ ባና ሓርነት ኤርትራ ዘበሰረ በርቃዊ ስርሒት እዩ። ኣማን ብኣማን ከም ትእምርቲ ቅያ ጀጋኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ንሓዋሩ ክዝከር ዝግብኦ ዓወት!

ከምቲ ካብ ሓርነት ባጽዕ ንደሓር ዓመት ዓመት ዝተለምደ፡ ሎሚ ቕነ ‘ውን ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ባጽዕ ክጽንበል ቀንዩ’ሎ። እንተኾነ፡ እቶም ንጨዋም መሬት ምጽዋዕ ደም ዘስተዩዎ፡ ንገማግም ባሕራ ሬሳኦም ዝረግረጉዎ ሰማእታት ስርሒት ፈንቅል፡ ምጽእ ኢሎም ክጸባጸቡዋ ‘ኳ እንተዘይደፈሩ፡ ምስ ግዜ፡ ጻልጣ ዝኽርን ባዶ መብጽዓን ከም ዘየዐግሶም ፍሉጥ እዩ። ካብ ህይወት ክልተ ዓመት ቦዅሮም፡ ስጋኦምን ኣዕጽምቶምን ኣብ ዝተፈላለየሉ እዋን፡ ምጽዋዕ ከም ሰብ እግሪ ክተክል፡ ኣብ 18 ዓመታ ክትጉብዝ፡ ኣብ 22 ዓመታ ቁምነገር ክትገብር፡ ከም ዛንታኣ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ክትከውን እዮም ዝጽበዩዋ ነይሮም። ባጽዕ ግን፡ ተሸምቂቓ ደኣምበር፡ ከም ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራን ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ኣይዓበየትን።  እቶም ነቲ ዘይፍንቀል ዝመስል ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ፈንቂሎም፡ በሪ ሓርነት መላእ ኤርትራ ዝኸፈቱ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ግን፡ እንትርፎ ዓመት መጸ ዝደጋገም ባዶ መብጽዓ ሞሳኦም ኣይረኸቡን።

እቲ ኣውራ ጠላሚ ናይዚ መብጽዓ’ዚ ዝኾነ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ‘ውን ነዚ ክኽሕዶ ኣይከኣለን። ኣብዚ ትማሊ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ባጽዕ ዝቐነየ ጽምብል ሓርነት ባጽዕ 2012፡ ከምዚ ክብል ብፍሽለቱ ተኣሚኑ።

“ሓርነት ባጽዕ ቅድሚ 22 ዓመታት በሪ ምሉእ ሓርነት ኤርትራ ዘርሓወ ጥራይ ዘይኮነ፡ በሪ ጥሙር ሃገራዊ ልምዓት ስለዝኾነ፡ መለክዒኡ፡ ካብ ዝሓለናዮም ፍሉያት ልምዓታዊ ፕሮግራማት ባጽዕን ከባቢኣን ክንደይ ተግቢርና ዝብል እዩ? ሓደ ሓደ ክንጽብጽቦም እንኽእል ደቀቕቲ ፕሮጀክትታት ‘ኳ እንተለዉ ዘነይት ዝተተግበረ ዳርጋ የለን።”

ድርቅናኡ ዘየሰክፎ ኢሳይያስ፡ ፍሽለቱ ከይኣኽሎ፡ ነቲ ከተግብሮ ከምዘይክእል ንልዕሊ 20 ዓመታት ተመላሊሱ ብግብሪ ዘረጋገጾ መብጽዓ ካብ ምድጋም ‘ውን ኣይተቖጠበን።

“ኣብዞም ዝመጹ ዓመታት ንባጽዕ ከም ርእሰ-መዲና ሃገራዊ ልምዓት፡ ንኸባቢኣ ኸኣ ዲናሞ ዝተፈላለዩ ጽላታውን ዞባውን ቁጠባዊ ንጥፈታት፡ ዝቐየስናዮም ፕሮግራማት፡ ብኣተኩሮ ክንሰርሓሎም፡ ባህጊ ጥራይ  ዘይኮነ ግድነት ‘ውን እዩ” ድማ በለ።

ዓሚ ኣብ መበል 21 ዓመት ጽምብል ሓርነት ወደብ ባጽዕ፡ ኢሳይያስ ዘቕረቦ መደረ ‘ውን ብተመሳሳሊ፡ ንፍሽለቱን ናይ ሓሶት መብጽዕኡን ዘንጸባርቕ መስመራት እዩ ነይሩዎ።

“ንፈንቅልን ነቶም ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ንምፍንቃል ክዉን ዝገበሩ ጀጋኑ፡ ዛጊት ካሕስኦም ክንከፍል ‘ኳ እንተዘይበቓዕና፡ ዓመት ዓመት ነታ ዕለት ኣማዕሪግና ክንዝክሮም ምኽኣልና ከምመደበሲናን መጽንዒናን ፍሉይ ቃና ዝህብ ዓቢ ኣጋጣሚ እዩ። ምጽዋዕ ባብ ሓርነትን ናጽነትን ዘርሓወት መዲና ጥራይ ዘይኮነት፡ ናይ ሃገራዊ ልምዓት ማእከል ወፍሪ ናይ ዞባውን ዓለማውን ወፍርን ንግድን፡ ወደብን መስኮትን፡ መለክዒ መብጽዓናን ገስጋስናን እያ” ይብል ኢሳይያስ።

ኣብዛ ንእሽቶ ጥቕሱ፡ ኢሳይያስ፡ ኣኽብሮት መብጽዓ ሰማእታት፡ ካሕሳኦም ብስራሕ ንምኽፋሉ ብዘለዎ ብቕዓት ዘይኮነ፡ ምዕሩግ ዝኽሪ ብምግባር ከምዝዕቅኖ እዩ ገሊጹልና። ዝኽሪ ብዝኽሩ ‘ውን ንዓኣቶም ነቶም በጃ ሃገር ዝጠፍኡ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ነቲ ዘሎ፡ ነቲ መብጽዓኦም ዝጠለመ መደበስን መጸናንዕን ከምዝቆጽሮ ድማ ኣይከወሎን። ነቶም ደቆም ስኢኖም፡ ሞሳኦም ዝሰኣኑ ወለዲ ስዉኣት ደኣምበር፡ ንዝጠለሞም ደኣ ብዘይካ መቕጻዕቲ እንታይ ደበስን ምጽንናዕን ኣድልዩዎ!? ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ጥቕሲ ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮናን ንረኽቦ። ብግብሪ፡ ኣብቲ ዓመት ዓመት ኣብ ባጽዕ ዝጽንበል ብዓል ብሓለፋ ከውደኽድኹ ዝቕንዩ፡ ኢሳያስን እቶም ናብ መሳፍንቲ ኵናት ተቐይሮም ዘለዉ ጀነራላቱን፡ ካብ ወጻኢ ዝነግዱ መጋበርያታቶምን እምበር፡ እቶም ካብ ስዉኣት ፈንቅል ፍርቂ ኣካላቶም ሒዞም ዝተረፉ ስንኩላን ኮነ ስድራቤት ስዉኣት ኣይኮኑን።

ኢሳይያስ ኣብቲ ናይ ዓሚ 2011 መደረኡ ነቲ ኣብ 20 ዓመታት ከበግሶን ክፍጽሞን ዘይከኣለ ኣገደስቲ መደባት ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ከምዝፈሸለ ‘ውን ይእመን።

እቲ ዝገርም፡ እዚ ክልቲኡ ዘረባታት ኢሳይያስ፡ ካብቲ ን18 ዓመታት ኣብ ባጽዕ ዝተደጋገመ መደረታቱ ዝፍለ ትሕዝቶ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ነቲ ኣብ 1994 ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ባጽዕ፡ ወደብ ምጽዋዕ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ዞባና እተገልግል፡ ንዱባይ እትመሳሰል ወደብን ነጻ ናይ ቁጠባ ዞባን ክትከውን ‘ያ ክብል ዝሃቦ፡ ንብዙሓት ዘተስፈወ ቃሉ ክትዝክር ከለኻ፡ ብቦዶነት መብጽዕኡን ጥልመት እቶም ጀጋኑ ሰማእታትን ትቑጣዕ፡ ብግርህናኻ ድማ ርእስኻ ትሓክኽ።

ድሕሪ ዓወት ሰልፊ ቮልሾቪክ፡ ለኒን ናይ ሓሙሽተ ዓመት ቁጠባዊ ውጥን ኣውጺኡ፡ ብዝተፈላለየ ሕብሪ መብራህቲ ዝወቀበ ካርታ ራሻ ኣሰንዩ መደባቱ ክገለጽ ከሎ፡ ዘይዓገበ ተቐናቓኒኡ ትሮተስኪ፡ “ለኒን፡ ንሓረስቶት ራሻ፡ ብናይ ኤለትሪክ ጽውጽዋይ የዐሽዎም ኣሎ” ክብል ከምዝደኣለሉ ይንገር ‘ዩ’ሞ፡ ናይ ኢሳይያስስ ንበይኑ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን፡ ብኤለትሪክ ዘይኮነ ብጻልጣ ዘረባ፡ እሞ ኸኣ ሓንሳብ ዘይኮነ ን20 ዓመታት ከታልለና ይነብር ኣሎ።

ምናልባት ብግርህናኦምን ዕሽነቶምን ዘደንግጹ፡ ወይ ድማ ብተበላጽን ረሳዕን ባህርያቶም ዝያዳ ዘቖጥዑ ግን፡ እቶም ንጀጋኑ ስርሒት ፈንቅል ዝመርሑ፡ ዓመት ዓመት ተመሳሳሊ ባዶ ቓላት ጥልመት ምስማዕ ለሚዶም፡ ልኢሞምን ለዚቦምን፡ ‘ኣያይ’ እናበሉ ከጣቕዑ ዝነብሩ ዘለዉ ናይ ሎሚ ጀነራላት ህግደፍ እዮም። ናይ ብሓቂ መራሒ ጀጋኑ ክትከውን ንርእስኻ ጅግና ክትከውን ኣለካ። ናይ ሽዑ ጅግንነቶም ከኣ ዝኽሕዶ ሰብ የልቦን። ሕጂ ‘ውን፡ ዋላ ኢሳይያስ ኣይግዳዱ፡ ጎይቶት ናይቶም ብሓይሊ ገላዩ ዝገበሮም መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም መታን ክቆጻጸሩሉ፡ ቁጠባዊ መዝነት ሂቡዎም ‘ኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ መደባቱ ክራቐቑን ክማጎቱዎን ኣይንጽበዮምን ኢና። እንተኾነ፡ ኣብቲ ጽምብል፡ ነቲ ኢሳይያስ ዘቕረቦ ካብቲ ናይ 20 ዓመታት ዘይፍለ ኣሰልቻዊ ኣጕል መደረኡን፡ ነቲ ድምጻዊ ወዲ ትኹል፡ ብልክዕ ቃላትን ትዝታዊ ዜማን ዝገለጾ መቓልሕ ጅግንነት ሰራሕቲ ቕያ ፈንቅልን ሓርነት ኤርትራን፡ ከነጻጽሩዎ ዘይምኽኣሎም ወይ ድማ ምጽዋሮም፡ ከሕንኾም ይግብኦ። ከምቲ ቅድም ክንብል ዝጠቐስናዮ፡ ወዮ ደኣ ኣብ ጽንብል ፈንቅል፡ ካብቶም ዓይነ-ብርኮም ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዝኸፈሉ፡ ‘ኣሕ’ እናበሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብህይወት ዝሳቐዩ ዘለዉ መሳኪን ስንኩላን ተጋደልቲ፡ እቶም ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ዶላሮም ዝእክቡ ዝነበሩ መጣቓዕቲ ዝዕደሙ ኮይኖም እምበር፡ ኣብ መንጎ ቃንዛ ታሪኽ ወዲ ትኹልን፡ ብድዐ ዘበነ ኢሳይያስን ዘሎ ፍልልይ ንዓኣቶም ኣጸቢቑ ጎሊሑ ምተራእዮም፡ ስምዒት ‘ውን ምሃቦም ነይሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ዘገድሰና ዘሎ ግን፡ እቲ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ጥልመት ታሪኽ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሃለዋትን መጻእን ኤርትራ ሃገርና ብዓቢኡ እዩ። ኣብዚ ሰዓት’ዚ ብሰሪ እቲ ዓንዳሪ ስርዓት ህግደፍ ዘሳወሮ ሓዊ ኣብ ሰማያት ኤርትራ ተንጠልጢሉ ዘሎ መዓት ሓደጋኡ ንምግማቱ ዘሸግር እዩ። ብቐንዱ፡ ነታ ዞባዊት ወደብ ክትከውን ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃጋ ምጽዋዕ፡ ሸምቂቑ፡ ዘቤታዊት ጥራይ ክትከውን ዝሓጸራ ድማ ሕመቕ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ብቐንዱ፡ ዕንደራ ህግደፍ እዩ። እቲ ብፈጠራኡ ዘባርዖ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ዶባዊ ኵናት እንተዘይካየድ፡ ንባህጊ ባጽዕ ዝዓግት ኣይምሃለወን። ዕብየት ባጽዕ ጥራይ ግን ኣይኮነን ተደቝሱ፡ ካብቲ ጀጋኑ ፈንቅል ንሰራዊት ደርግ ዘዕደዩዎ ህይወት ዝዓቢ ቁጽሪ መንእሰይ ኤርትራ ሃሊቑ እዩ። እቲ መሬት ፈንቂሉ፡ ባሕሪ ሰንጢቑ መዳርግቲ ዘይብሉ ዓወት ዝሓፈሰ መንፈስ ኤርትራውያን ጀጋኑ ‘ውን፡ ብሰሪ እቲ ንሱ እንተዘይሃልዩ ቡቕሊ ኤርትራ ዘይግድሶ ስርዓት፡ ምስኡ ሃሊኹ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝዓበየ ሻቕሎት እምብኣር፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘጋጠመና ጥልመትን ህልቂትን ውድቀትን ተማሂርና ዲና ዝብል እዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ብቕንዕናን ብትብዓትን ክንምልሶ እንተዘይክኢልና፡ ካብ ናይ ትማሊ ዝኸፍአ ዕንወት ከየጋጥመና መድሕን ዝኸውን ውሕስነት የብልናን።

ኢሳይያስን ስርዓቱን፡ ኣብቲ ዝቐነየ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል፡ ነቲ ድሮ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ቀጻሊ ምትፍናን፡ ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብምኽንያት’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዞባ ዓፈር ዘጋጠመ ኩነታት ናብ ጥርዚ ደይቡ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ፈጺሞም ከልዕሉዎ ኣይደለዩን ዘለዉ። ኣዕሚቑ ንዝዕዘብ፡ ጭንቀቶም ዘይክወሎ ‘ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ንቡር ምህላዉ እዮም ንህዝቢ ከርእዩ ዝፍትኑ ዘለዉ። ንጽምብል ስርሒት ፈንቅልን ‘ውን ንእግረመንገዶም  ነዚ ዕላማ’ዚ ክጥቀሙሉ ፈቲኖም እዮም። ኣብ 1998፡ ብተመሳሳሊ ሜላ ንቐልቢ ህዝቢ ኤርትራ ኣደንቍሩሞ እዮም። ይትረፍ ዶ ነቲ ኩነታት ከይጀመሩዎ፡ ምስ ተባርዐ ‘ውን፡ ከመይሉ ካብ ዕንወትን ሞትን ከምዝድሕን ንህዝቢ ኤርትራ ኣየጠንቀቑዎን። በዚ ድማ፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዓድታቱ ተዘናቢሉ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ስደተኛ ኮይኑ፡ ህይወት ብዙሓት ‘ውን ሃሊቑ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ ብተደጋጋሚ ዝበልዖ ዘሎ ህልቂት ክድሕን ኮነ ምሉእ ብምሉእ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ለውጢ ከረጋገጽ፡ ነቲ ጠንቂ  ኩሉ ኣበራቱ ኮይኑ ብጎረባብትን ዓለምን ዘጠምቶ ዘሎ፡ ሞሽሚሹ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ በርቍቑ ዝድርቢ ካልኣይ ስርሒት ፈንቅል የድልዮ ‘ሎ። ኣታሕዛ መለኪኖ ዘንጊዑዎ እንተልዩ ኸኣ፡ ኣዋጅ ህግደፍ ከይተጸበየ፡ ብውሑዱ፡ ንዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኵናት ስነኣእሙራኣዊ ምድላዋት ገይሩ ክጸንሕ ኣለዎ። እቶም ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋ ኵናት ኣመልኪቱ ንዝቐርብ መጠንቀቕታ ከም ሕማቕ ትምኒት ክገልጹዎ ዝደልዩ፡ መድፍዕን ሚሳይልን ኣብ ዘየርክቦ ርሑቕ ወጻኢ ሃገር ዝቕመጡ፡ ሓልዮት ህዝቢ ዘይግድሶም፡ ነቲ ስርዓት የሐጕስ’ዩ ዝበሉዎ መደናገሪ ወረ ጥራይ ዝዛረቡ ተበለጽቲ ስለዝኾኑ ኣይትገርሃሎም። ዕንደራ ስርዓት ህግደፍ እምበር መጠንቀቕታ ምስማዕ ከቶ ኣይቀትልን እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

13 ለካቲት 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Samir February 14, 2012

    Meas nay Iseyas nay Mitilal zereba tray nisu dea bahriuu endyu —-Eta Sigereda nay Semenawi keybahri amahadaritke —Neti zikri geganu gedifa Bizaeba Egeda tizareb nera Yiweaya —bizaeba mintay tisinbil nera ayteredian——Maekenat zena Egeda Egeda kibila semia eya —Kemti Amanuel Mahdere zibeloentay teagidki tetibehalsi entaykon mimeleste wezerit amahadarit———–Wedi tikul gin Nay Bihaki netom kab 77 misuu zitesatefun zihalefun geganiuu zekiru bigibri abuu sile ziweale….Sigereda ke ab mintay wielki kem Ali tikoni ember mehayo.

  • HGDF February 14, 2012

    ኣየወ ክንደይ ምጠዓመ ብመልሓስካ ፈንቅል ምስ በልካ ኩሉ ፍንቅል ዝብለልካ እንተዝኸውን

  • lula luul February 14, 2012

    tsigereda merda ni halafnet kitibli sebiay mikiyar zeyehfereki( sigaki tisheti) resah kabaki seb entay kitsibe

  • lula luul February 14, 2012

    zig bel HGDF naka kemaka mitsiray eyu gize ziwesid enber mifinkal aykonen

  • ghezai February 14, 2012

    rahwa
    you say it all .some pepole are very ignorant .thay don`t want to know the turth.may be thay born that way I AM SORRY for them.

  • tesfaldet February 16, 2012

    haben ahemed saleh he dont have the gutts to do like fenkil he is waiting WEYANE or athers to do for him so way you ask him something he cant do the only thing he can do is TRY to connect eritrea with terorist ALSHEBAB thinking meybe USA will do somthing

  • tesfaldet February 16, 2012

    rahwa the song by WEDI TKUL & JENDE is for you & those idiots SEB SHARBA in AWSA ADISABEBA to remaind them this country is not going to be distroyed by people like you it is biulided by the blood of those JEGANU

  • senay May 8, 2013

    Dear Amanuel I would like to change the article of your all words and it should not be like the way it is , you must understand we are not going to pick Guns and shoot our brothers , by the way what you mean another Fenkil ? you need to spell what you can do unless do not be emotional , any mind at emotional state is really not capable of doing right things ,

    Again I do not support any violence against any thing , Amanuel you need to stop and think twice before psoting either writing any article , you need to ask your self if it is worth it ,

Post a Reply to lula luul Cancel Reply