Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዲጋስ ይህነጽ ኣሎ ገላሊ ማይ ግን ይጸንት ኣሎ

ዲጋስ ይህነጽ ኣሎ ገላሊ ማይ ግን ይጸንት ኣሎ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ተጋደልቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ እናቀሰሙ እንከለዉ፡ እቲ ትምህርቲ ዝህብ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ “ኤርትራ ብኢትዮጵያን ሓያላት ሃገራትን ተጠማቲት ዝገብራ ዘሎ፡ ባሕሪ ስለዘለዋን ኣብ እስትራተጅያዊ ቦታ ስለእትርከብን’ያ” ክብል መግለጺ

ዲጋስ ይህነጽ ኣሎ ገላሊ ማይ ግን ይጸንት ኣሎ

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ተጋደልቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ እናቀሰሙ እንከለዉ፡ እቲ ትምህርቲ ዝህብ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ ኤርትራ ብኢትዮጵያን ሓያላት ሃገራትን ተጠማቲት ዝገብራ ዘሎ፡ ባሕሪ ስለዘለዋን ኣብ እስትራተጅያዊ ቦታ ስለእትርከብን ክብል መግለጺ ሃበ። ሓደ ተዋዛያይ ተጋዳላይ ኢዱ ብምልዓል፡ብኻሞ ንዓመታት ካብ ምግዳልን መስዋእቲ ካብ ምኽፋልን ነዚ ቀይሕ ባሕርና ኣእማን መሊእናዮክብል ርእይቶ ሃበ። ርእይቶ ናይቲ ብህይወቱ ይሃሉ ይሰዋእ፡ ናብ ስደት የምርሕ፡ ኣብ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ይእቶ ዘየረጋገጽክዎ ተጋዳላይ፡ ሓደ ተመሳሳልን እዋናውን ጉዳይ ስለዝሰማዕኩ’የ ኣልዒለዮ። ብሓሙሽተ ጥሪ 2017፡ ወከልቲ ፖሊስ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ተራእምኒ ዝህነጽ ዘሎ ብ ገርገራ ወይ (Mai Measlam) ዝፍለጥ ዓርሞሽሽ ሓጽቢ ወይ ዲጋ ዑደት እናገበሩ እንከለዉ፡ ትማሊ ደረቕ፡ ጎልጎልን እምባን ዝነበረ ቦታ ሕጂ ፈጣናት ጀላቡ ይሕምበባሉ ኣለዋ ኢሎም ተመስጦኦም ከምዝገለጹ፡ እቲ ብሃገራዊ ድሕነት ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ስርዓት ህግደፍ ብስእሊ ዝተሰነየ መግለጺ ዘርጊሑ። ከምዚ ከማይ ነቲ ዲጋ ዝህነጸሉ ዘሎ ቦታ ወይ ከባቢ ኣጸቢቁ ዝፈልጥ ሰብ፡ ፈጣናት ጅላቡ ይሕንበባ እንተልየን ድኣ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዞባ ደቡብ ግዒዙ ከይከውን ኣብ ምጥርጣር ይኣቱ። ድሕሪ ሰሙን ካብቲ ሓጽቢ ዝህነጸሉ ዘሎ ከባቢ ብመገሻ ናብ ኣመሪካ ዝመጸ ሰብ፡ ብዛዕባ’ቲ ፈጣናት ጀላቡ ይሕምበባሉ ኣለዋ ዝተባህለ ሓጽቢ ከዕልለኒ ምስተወከስክዎ ግን፡ መስሓቅ ትመስል ግን ከኣ ዓባይ ቁምነገር ዝሓዘት መልሲ’ዩ ሂቡኒ። እቲ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ዜጋ፡ እንተ ማይ መሊኡ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ብጭርቃን ኣምሲሉ ስዑድያን ቀጠርን ቀይሕ ባሕሪ ንኢሱወን ማይና ደልየን ንዲጋ ገርገራ ዓይነን ከይውድቃሉን ጥሻ ወይ ቃጽዖ ይግባኣና ከይብላን ፈሪሑ ክብል መለለይ።

ንላባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ ንዓሻን ደርጓሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ ከምዝብሃል፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝሕረስ መሬት ወይ መጋሃጫ ናይ ሓደ ዓዲ ወይ ከባቢ ክትወስድ እንከለኻ፡ እቲ ንብረቱ ዝተወስዶ ውልቀሰብ ወይ ዓዲ፡ ካብቲ መደባት ልምዓት ወይ ፍርያት ቀዳማይ ተጠቃሚ ክኽወን ወይ ድማ ብዓይነት መተካእታ ወይ ካሕሳ ክረክብ ኣለዎ። ኣገዳስነት ሓጽቢ ወይ ዲጋ፡ ጠለብ ቀረብ ማይ ኣብ ምርግጋጽ፡ ኣብ ምምዕባል መስኖኣዊ ሕርሻ፡ ምንጪ ጽዓትን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍን ካድራቱን ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባታትን፡ ጸገማት ዝስተ ማይ ንምፍታሕን ሕጽረታት ኤለክትሪክ ንንምላእን ዝሕግዝ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ሚልዮናት ኣጋንእ ማይ ዝሕዝ ዘመናዊ ሓጽብታት ይስራሕ ኣሎ’’ ምባል ልሙድ’ዩ። እቲ ዓቢ ብድሆ ግን ዲጋታት ምስራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ሚልዮናት ገንዘብን ናጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝፈሰሶ ዲጋ፡ ድበት ከይመልእ፡ ዝዓቆረ ማይ ከይብከልን ልዕሊ ዓቀኑ ማይ ከይሕዝን ምርግጋጽ፡ ነቲ ዝውህለል ማይ ብኸመይ ትጥቀመሉን ናብ ዝግብኦ ቦታ ተብጽሖን’ዩ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ብዙሓት ዲጋታት ኣብ መስርሕ ምህናጽን ዝርከቡን ኣቀዲሞም ዝተሰርሑን ይሃልዉ’ምበር፡ ብሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ ምስቃይ ሕዱር ሕማም ናይ ብዙሓት ከባቢታ’ዩ። ንኣብነት ዓቢ ክፋል ኣስመራ፡ ከረንን ጊንዳዕን፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ብቦጣት ማይ ምዕዳል፡ መስርዕ ምሓዝን ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ምጥቃምን እቲ ካልእ ጭቆና’ዩ። ኣብ ኣስመራ ዘሎ መስመራት ሻምብቆታት ማይ ስለዝኣረገ፡ ቅድሚ ኣብ ተጠቃሚ ምብጽሑ ኣብ መሬት’ዩ ዝዘሩቕ። ዲጋታት ኣብ ዝስራሓሉ ዘሎ ከባቢታት፡ ልሙዕ ናይ ሕርሻ ቦታን መጓሰን ካብ ህዝቢ መንጢልካ ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ጀራዲን ከልምዕሉን ጥሪት ከራብሑሉን ዝካየድ ብልሹው ምምሕዳር’ውን መረረ ህዝብና ሰማዒ ዝሰኣነ ጉዳይ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ቀንዲ ጸገምን ማሕንቆን ኮይኑ ዘሎ፡ ፍትሒ፡ ሕጊ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ስርዓት ስለዘየለ’ዩ። ህዝቢ ጅሆ ሒዝካ፡ ምህናጽ ዲጋታትን ኣብያተ ትምህርትን ምምራቅ ኣሽሓት ተማሃሮን ንበይኑ ምዕባለን ዘምጽእ ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት በቲ ንሱ ዝውንኖ እንኮ ተለቪዥን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ እቶም መሰረታውያን ጠለባት ዝብሃሉ ከም ኣገልግሎት ጽዓት፡ መጓዓዝያ፡ ቀረብ ማይ፡ ትምህርቲ፡ ውሕስነት መግቢ ዝጭበጥ ውጽኢት ከምዘይተራእየ ምእማኑ’ውን ምልክት ውድቀቱ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ ፈተና ወሲዶም፡ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ መእተዊ ነጥቢ ኣይረኸቡን ተባሂሎም ብዘይ ስራሕ ቀንፈዘው ዝብሉን ወርቃዊ ዕድሚኦም ኣብ ውትህድርና ዘባኽንዎን መንእሰያት ማእለያ የብሎምን። መጻኢ ዕድሎም ተስፋ ምስስኣንሉ ናብ ስደት ሃጽ ዝብሉን ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረባዳ ሳህራን ህይወቶም ዝጠፍእ ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ቁጽሮም ብዙሕ’ዩ። ዋላ እቶም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘዳለዎ ሓውሲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ካብ ኮለጃት ዝምረቁ ዘለዉ ዜጋታት’ውን ብቅዓቱ ዝሓለወን ኣህጉራዊ መለክዒ ዘማልአን ትምህርቲ ይቀስሙ ስለዘየለዉ፡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ስራሕ ናይ ምርካቦም ዕድል ጸቢብ’ዩ። ኣብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ድኻማቱ ንምጉልባብ ንኻልኦት ካብ ምውንጃል፡ ዕባራ ምኽንያት ካብ ምቅራብን ስልጣን ካብ ምግባትን ኣቓሪጹ፡ ስለምንታይ እልቢ ዘይብሉ ኤርትራዊ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ፡ ስለምንታይ ኤርትራ ካብ ዓለምን ከባቢኣን ትንጸል ኣላ፡ ብቅንዕና ክሳብ ዘይመለሰን ህዝቢ ኤርትራ መራሕቱ ክመርጽን ዕድሉ ክውስንን ክሳብ ዘየፍቀደን፡ ኤርትራ ናብ ጎድና ጥፍኣት እምበር ልምዓትን ሰላምን ክሰፍነላ ማለት ዘበት’ዩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ተሃኒጹ ወይ ይህነጽ ኣሎ ዝብሃል ዘሎ ሓጽብታት ድማ፡ ዝተጸንዐን መለክዒታት ዘማልአን ድዩ ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ዓያዪ ጉልበት ኣብ ውትህድርና ተቆሪኑ እንከሎን ብስደት እናጸነተን፡ ሃገር ንምልማዕ ዲጋታት ንሃንጽ ኣለና ምባል ንነብስኻ ምቅሻሽ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 11 ለካቲት 2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT