Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዲክታቶራውያን ካብ ዝሓለፉ መሰልቶም አይማሃሩን ኢዮም!

አብዚ ዝሓለፈ ወርሒ አብ ኤረ ቲቪ ሓደ ሰብ ክህውትት ተሰሚዑ አነ ሓቂ ይሓይሽ ጥዕና ዘይብሉ ዘረባ ስለዝዛረብ ካብኡ ዝጽበዮ ቁምነገር ስለ ዘይብለይ አይሰምዖን ኢየ፡፡ ብሓቂ ድማ ክትሰምዖ ዝዕድም አይኮነን ናይ ቃላት ኩምራ እንተዘይኮይኑ ሚዛን ዘለዎ

አብዚ ዝሓለፈ ወርሒ አብ ኤረ ቲቪ ሓደ ሰብ ክህውትት ተሰሚዑ አነ ሓቂ ይሓይሽ ጥዕና ዘይብሉ ዘረባ ስለዝዛረብ ካብኡ ዝጽበዮ ቁምነገር ስለ ዘይብለይ አይሰምዖን ኢየ፡፡ ብሓቂ ድማ ክትሰምዖ ዝዕድም አይኮነን ናይ ቃላት ኩምራ እንተዘይኮይኑ ሚዛን ዘለዎ ዘረባ ሰሚዔሉ አይፈልጥን፡፡ ብመጀመርያ እዚ ሰብ እዚ እታ ሓንቲ ጭንቀቱ ንምፉዃስ ዝጥቀመላ ሜላ አብ ቲቪ ቀሪቡ ንሕዝቢ ካብቲ ጭንቀቱ ምክፋል ኢዩ፡፡

ስለዚ ነዚ ሰብ እዚ ክትሰምዖ አይኮነን ሽሙ ከተልዕሎ ሓራም ኢዩ ምክንያቱ ንሓደ ሰብ ሽሙ ምልዓል ንባዕሉ ክብሪ ስለዝኮነ እዚ ሰብ ድማ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ክብሪ ክሳብ ዘይሃለዎ ክብሪ ዝግባኦ አይኮነን ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ ዘይኮነ ቃለ ምልልስ ምባል ይሓይሽ፡፡ አጋጣሚ አነ አብ ራድዮ አሰና ዝቀረበ ማለት “ Voice of Assenna: ሰኽራምሲ ናይ ልቡ ይዛረብ …. ብዝብል ዝቀረበ መደብ (አብ ዩቲዩብ) ኢየ ሰምዔዮ፡፡ አጋጣሚ ካብ ሰማዕክዎ ግን ሱቅ ክብል አይደለኩን፡፡ ኮይኑ ግን ዝበሎ ክደግም አይኮንኩን ምክንያቱ ዝበሎ ምድጋም ንዕዑ ምምሳል ኢዩ፡፡ ስለዚ አነ ግን ብዛዕብኡ ኢየ ገለ ክብል ደልየ እቲ ረሳሕን ዕሸልነት ዝተሓወሶ ዘይውርዙይ ቃላቱ ኩልና ተዓዝብናዮ ኢና እዚ ሰብ እዚ አብ ልዕሊ ሕዝቢ የሽካዕልል ኢዩ ዘሎ ካብ ስልጣን ዝሓዘሉ ግዜ አትሒዙ አዘራርብኡ አብ ልዕሊ ዜጋታት ዘለዎ ትዕቢትን ንዕቀትን ዘርኢ አብ ልዕሊ ሙዃኑ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ኢየ ኢሉ ዝአምን ሰብ ዘይትጽበዮ መስመሩ ዝሰሓተ ዕሽላዊ አዘራርባ ከምዘዘውትር ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ፈሊጥዎ ኢዩ ናይዚ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ፍልይ ዝበለን ገደቡ ዝሓለፈ ኢዩ እዚ ድማ ውልቀመለክቲ ናይ ዓቅሊ ጽበትን ናይ መጨረሽታ ሰዓቶም ዘርኢ ናይ ቀቢጸ ተስፋ አዘራርባ ኢዩ እቲ ዘሕዝነካ መን ሙዃኑ ዘይምፍላጡን እቲ ካብ አፉ ዝወጽእ ቃላት ኩሉ ብትዕቢትን ትምክሕትን ዝተላዕበጠ እዚ ድማ ትዕቢተኛ ወዳቂ ሙዃኑ ካብ ዘይምፍላጥ ኢዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ ሕልናዊ ሳንሱር ዘይብሉ ዝብሎ ዘይፈልጥ ደንቆሮን ድሑሩን ሰብ ምዃኑ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ “ ሓደ ሰብ ናይ ዘረባ ክእለት አለዎ ክባሃል እንተኮይኑ እንታይ ይባሃል ጥራይ ዘይኮነ እንታይ ክባሃል የብሉን’ውን ክፈልጥ ክኽእል አለዎ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ግን ካብ ሓደ ህጻን ዘይትጽበዮ ቃላት ኢዩ ዘዘውትር እቲ ዝገርም ድማ ሓደ ርእሲ ሓምሓም ክነሱ ንነብሱ ከም ሓደ አብ ኩሉ ዓውዲ አፍልጦ ዘለዎን በቃ ዘበለን ምቁጻሩ ኢዩ፡፡

 

ደቂ ሳባት አምላክ ብዝዓደለና ኣእምሮ ናይ ምሕሳብ ናይ ምስልሳልን ሓይሊ አለና፡፡ ናይ ኩላትና ሕይወት ዝውሰነሉ ብደጋዊ ኩነታትና ዘይኮነ አብ ውሽጢ ኣእምሮና ብዝፍጠር አመለካክታ ኢዩ፡፡ ናይ ገዛእ ርእስና ዓለም ንፈጥር ኩሉ ግዜ በቲ ናይ ገዛእ ርእስና አመለካክታ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ “ወዲ ሰብ ንአተሓሳስብኡ ኢዩ ዝመስል” ክባሃል ይካአል ወዲ ሰብ ብንቁሕን ንቁሕ ብዘይኮነ ኣእምርኡ ዝሓሰቦ ኢዩ ዝከውን፡፡ እቲ ናይ ሮም በሊሕ ሰብ ዝነበረ ማርከስ አውሪሊየስ “ ሕይወትና ናይ አመለካክታና ውጽኢት ኢያ ” ይብል፡፡

ስለዚ ሓደ ሰብ ጥዕና ዘይብሉ ሓሳብ ወይ እከይ ዝሓሰብ እንተኮይኑ እከይ ጥራይ ኢዩ ክፍጽም ዝነብር፡፡ በንጻሩ ድማ ጥዕና ዘለዎ ሓሳብ ንጥዕና ዘይብሉ ሓሳብ ስዒሩ ይወጽእ ፡፡ ሎሚ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘለና መን ከማይ ዝዓብለሎ ትምክሕቲ ወይ ኩርዓት ዝሓደሮም ሰባት ዝሓስብዎ ጥዕና ዘይብሉ ናይ ደናቁር ሓሳብ ንነብሶም ልዕሊ ማንም ፈላጣትን ፤ ንኩሉ ነገር ገበርትን ሓደግትን ገይሮም ዝቆጽሩ ነብሰ ፍተወት ዘለዎም ብካልእ ግዲ ዘይብሎም ንካልእ ዝንዕቁን አትሒቶም ዝርእዩን ብማዕርነት ደቂ ሰባት ዘይአምኑን ኢዮም፡፡

እዚ ድማ እቲ ድኩምን ድሑርን ባህርያቶም መን ከማይ ዝብል ሰይጣናዊ መንፈስ ዝሓደሮም እቲ ከንቱ ትምክሕቲ ስምዒቶምን ተግባራቶምን ብምቁጽጻር እምሮኦም ብጉብእ ንከይሓስብን ናይ ምውሳን ደረጅኦምን ንክጋረድን አክኢልዎም ኢዩ አብዚ ሰዓት እዚ ሓቂ ካብ ሓሶት ምፍላይ ይሳአኖም ሓቂ ኢዩ ኢሎም ዝአመኑሉን ዝቅበልዎን እቲ ዝተጋረደ ወይ ዝጸልመተ አተሓሳስባኦም ጥራይ ዝነግሮም ኢዩ በዚ ድማ ንሶም ንኩሉ ነገር ዝፈልጡ ንኩሉ ነገር ዝምልሱ ገይሮም ኢዮም ንነብሶም ዝቆጽሩዋ ሓሳቦም ኩውን ንምግባር ዕንቅፋት ክኮነና ኢዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ሰብ ኩሉ ከም ጸላኢኦም ይርእይዎ ይአስርዎን በዚ ድማ ልዕሊ ሕጊ ይከዱ ሕጊ ይጥሕሱ የፍርሱ በንጻሩ ይሕግዘኒ’ዩ ይጠቅመኒ ኢዩ ዝበልዎ ናይ ግሎም ጎደሎ ሕጊ ይነድፉን የተግብሩን መሊሶም ባዕሎም ዘውጽእዎ ሕጊ ከይተረፈ ይጥሕሱን የፍርሱን፡፡ ስለዚ እዚ አባሃህላ ነቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ አብ ቲቪ ኤረ ዝህውትት ነበረ ሰብ ከም መግለጺ ክከውን ይክእል ኢዩ። ካብዚ ሰብ እዚ ካብቲ አዘራርብኡ ትርድኦ ነገር እንተለካ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሱ ድንቁርና ዶብ ዝሓለፎ ምዃኑ ኢካ ትግንዘብ ፡፡

ካብዚ ሓጺር ግዜ ብፍላይ ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ዘርእዮ ዘሎ ናይ ውልቀመላኪ ባህሪ ግን ናብ ውድቀት ከምዘምርሕ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሰዓት ናይ ተስፋ ሙቁራጽ ጉዑዞ ጥራይ ዘይኮነ እዚ ናይ ትማሊ ብንዕቀት ዝተሰነየ ወይ ዝተደርደረ ቃላቱ አብ ናይ ኣእምሮኡ ጥዕና ከምንጠራጠር ገይሩና ኢዩ። ብርግጽ እዚ ድማ ሕማም ኢዩ  ምክንያቱ  ሓደ ሰብ ዘይሓስብ ዘየመዛዝን ዝገብሮ ዘይፈልጥ ተኮይኑ ሕሙም ኢዩ ምክንያቱ ሓደ ሰብ ጥዑይ ኢዩ ክንብሎ እንተኾይና ካብ ልምዳዊ ኣጸዋውዓ ማለት ንቡር ሕማማት ወጻኢ እቲ ቀንዲ ከም ሰብ ዝሓሰብን ዘመዛዝንን ብኣካላውን ብስነ-ልቦናውን ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ሙሉእ ምስ ዝከውን ኢዩ ሓደ ሰብ ሙሉእ ጥዕና ኣሎዎ ክንብል ንክእል ምክንያቱ ኣብ ካልእ ጥዕናኡ ወላሓንቲ ሕማም ወይ ጸገም ዘይብሉ ግን ከም ሰብ ዘይሓሰብ ዘየመዛዝን ዝገብሮ ዘይፈልጥ ተኮይኑ እዚ ሰብ ሙሉእ ጥዕና ኣሎዎ ክንብሎ ኣጸጋሚ ኢዩ።

በሓጺሩ እዚ ቃለ ምልልስ እዚ ስርዓት ገደብ ብዘይብሉ ቅጥዒ ዝሳአነ አመራርሔኦም ብህዝቢ ፎእ ከምዝተባሃሉ አጸቢቆም ስለዝተፈለጡ ናይ መንፈስ ሰላም ስለዘይብሎም በዚ ድማ አብ ቃለ መጠየቅ መጺኡ ወይ ቀሪቡ ነቲ ሕዝቢ’ውን ሰላም ንከይረክብ ዝግበር ድራማዊ ቃለ ምልልስ ኢዩ፡፡

እዚ ናይዚ ሰብ ቃለ ምልልስ ሓደ ነገር ዝሓበረና ተሎ ወይ ከም ቁምነገር ኮይኑ ነዓና ክሕግዘና ዝክአል ንስርዓት ህግደፍ አብ ዝሓጸረ ግዜ ሰሚርና ከነጥፍኦን ክንጽዕር ከመዘለና ኢዩ ተገንዚብና ዘለና፡፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ዶብ ዝሓለፎ ንዕቀቱን እቲ ሑሱር ቃለቱን ክንሕንሕንን ክንላዓልን ድርኪት ክፈጥረልና ይግባእ፡፡ ምክንያቱ አብ ልዕሌካ ንዕቀት ዘርኢ ሰብ ሓሲብካዮ ጥራይ ዘይኮነ ከይሓሰብካዮ’ውን ግብረ መልሲ ክትህቦ ስለዘገድደካ፡፡

 

ከምዚ ዓይነት ሑሱር ቃላት ካብ ሓደ ሰብ ዝጽዋዕ ምውጽኡ ናይ ብሓቂ ንባሃሊኡ ጥራይ ዘይኮነ ንሰማዒኡ’ውን ዘሕፍር ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ካብ ሓደ ካብ ስነ ምግባር ዝረሓቀን ካብ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ዝኮነ ውርደተኛ ሰብ ጥራይ ኢካ ትጽበዮ፡፡ ስለዝኮነ ክትቅበሎ ዘገድደካ ተሎ ካብ ሓደ ስብእና ይኩን ሕልና ዘይብሉ ድኩም ሰብ ምውጽኡ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እዚ ሰብ እዚ ስብእንኡ ዝከሰራ ወይ ስብእንኡ ንስልጣን ዝሸጠ በዚ ድማ ብስልጣን ዝሰከረ ንበይኑ ዝጎይ ዕቡድ ሰብ ኢዩ፡፡

ካብ አዘራርብኡ ከምንዕዘቦ በቲ ተግባራቱ ኩሩዕ ምኻኑን “ድላይና ክንገብር ኢና አበይ ክትበጽሑ ኢኩም “ ዘስምዕ አጉል ትዕቢት ዝተሓወሶ ኢዩ፡፡ እቲ ዝገርም ድማ ደፋር ሓሳዊ ምዃኑ ኢዩ መጀመርያ ይሕሱ እሞ ጸኒሑ ድማ ነቲ ሑሰቱ ብዕጽፊ ይውስከሉ፡፡ ኮይኑ ግን ናይ ሓሶት ኩምራ ግዜኡ አኪሉ ክፈርስ ኮሎ ዝገትኦ የለን፡፡

ካብ ሰብ ጌጋ ካብ ውልቀመለክቲ ሓሶት አይጠፍእን ኢዩ፡፡ ሓደ ሰብ ናይ ምንባር ህላዌኡ እንዳሓሰወ መንነቱ እንዳካሓደ ናይ ስልጣን ዕድሜኡ ምንዋሕ ጥራይ እንተኮይኑ ሓሳቡ ናይ ብሓቂ እዚ ሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልዮ ነገር የብሉን፡፡

 

ብመሰረቱ ሕልና ዘይብሉ ሰብ ሕልናዊ ሰላም ክህልዎ አይከእልን ኢዩ፡፡ ስለዚ ውሽጡ ሰላም ዘይቡሉ ሰብ ድማ ብጭካኔ ዝተቀብኤት ልቢ ክህልዎ ግድን ኢዩ፡፡

 

ስለዚ ሃገርና ኤርትራ በዚ ሰብ እዚ ክትምራሕ ምፍቃድ ሕምቀት ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እዚ ሰብ አብ ሰልጣን ክሳብ ዝሃለወ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ትኩን ደቂቃ ብኩሉ መዳይ ንኤርትራና ዓቢ ክሳራ ምዃኑ አሚና ተሓባቢርና ክንአልዮ ከምዘለና ክንግንዘብን  ይግባእ፡፡ ስለዚ እዚ ሰብ እዚ ካብዚ ከምልጠሉ ዘይክእል ውድቀት ንከምልጥ ክብል አለኩ ብምባል ተወሳኪ እዃ ዳአ ብዝዓበየ መልክዑ ግፍዕን በደልን ካብ ምፍጻም ዓዲ ከምዘይውዕል ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ምክንያቱ እዚ ሰብ እዚ ንኤርትራ ንምትፋእ ዝተላዓለ ወይ ድግድጊት ዝተዓጠቀ ሓሳድ ሰብ ኢዩ፡፡

እዚ ሰብ እዚ አብ መስኮት ቲቪ ቅልቅል እንዳበለ ድክመቱ ንምሽፋን ንሕዝቢ ብምፍርራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍርሒ ንምሕባእ ዝጥቀመሉ ሜላ ኢዩ፡፡ ናይዚ ሰብ እዚ አብ ቲቪ መመጺካ ምህውታት ዘርእየና ሓቂ ተሎ መተንፈሲ ብኮ ንከይሳአን ዝግበር ምፍጭርጫር ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ አብ ሃገርና ዝርከብ ናይ መራከቢ ቡዙሃን ሙሉእ ብሙሉእ አብ ትሕቲ ናይቲ ስርዓት ቁጽጽር ስለዘሎ ናይቲ ስርዓት ሑሱር ፓለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ዝጥቀመሎም ልሳን ደናቁር ምዃኑ ስለንፈልጥ ዝገርመና አይኮነን፡፡ እዚ ድማ ተግባርን ባህርያት ናይ ዲክታቶራውያን ስርዓታት ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን በዚ ሑሱሩን ግዜ ዝሓለፎን ፕሮፓጋንዳ ዝታለል ሰብ የለን፡፡

ናይ ቀደም ናይ አሜሪካ ፕሬዚደንት አብርሃም ሊንከን አብ ሓደ አዋን ከምዚ ኢሉ ነይሩ

“ንኩሎም ሰባት ንውሑድ ግዜ ወይ ንውሑዳት ሰባት ንኩሉ ግዜ ከተታልሉ ትክእሉ ኢኩም ፤ ንኩሉ ሰብ ግን ንኩሉ ግዜ ከተታልሉ አይትክአሉን ኢኩም።” ኢሉ ነይሩ።

 

ስለዚ እቲ ሕዝቢ አብ ልዕሊኡ እምነት እዃ እንተዘይብሉ እዚ ሰብ እዚ ግን አብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝነዝሖ ዘሎ ፍርሒ ሓይሊ ዘይብሉ ክነሱ ሓይልን ክእለትን ከመዘለዎ ኮይኑ ንክርኤ አክኢልዎ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ አብ ሕዝቢ ፍርሒ ምእታው ወይ ምንጋሰ ናይ ውልቀመለክቲ መሳርያ ኢዩ፡፡

 

ልክዕ ኢዩ ፍርሒ ንውሱን ግዜ ዜጋታት ተገፊዖም ተዋሪዶምን ተጸቂጦምን ንክከዱ ወይ ንክግዝኡ  ናይ ምግባር ዓቅሚ ክህልዎ ይክእል ይከውን ኮይኑ ግን ታሪክ ከምዝማሃረና ግን አብ ልዕሊ ሕዝቢ ፍርሒ ብምንጋስ ዝቆሙ ስርዓታት ዕድመ ከምዘይብሎምን ብኩፉእ ከምዝጠፍኡ ርኢና ኢና፡፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ናይ ሰርዓት ህግደፍ ዕጫ’ውን ካብዚ ዝዘለለ አይክኸውንን ኢዩ፡፡

 

እዚ ድማ ውልቀመለክቲ ናይ ዕርበቶም ሰዓት ክትቀርብ ኮላ ኩሉ ነገር አብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዘሎ ንምምሳል ዝተለመደ ተግባሮም ኢዩ፡፡ ናይዚ ሰብ እዚ ምህትፍታፍ’ውን ነዚ ሓቂ ኢዩ ዝእንፍተልና ዘሎ፡፡ ኮይኑ ግን ወላ እዃ እዚ ሰብ እዚ እንዳወደቀን እንዳንቆልቆለን ይከይድ እንተሎ ማለት ወላ ትልክ እንዳበለ ከም መሰልቱ ውለቀመለክቲ ኩሉ ነገር አብ ትሕቲ ቁጹጽሩ ከምዘሎን ምስ ሓይሉ ከምዘሎን ንምምሳል ኢዩ ዝጽዕር፡፡

 

እዚ ዘርእየና ውልቀመለክቲ አዚሩ ዝሓስብ ኣእምሮ ስለዘይተዓደሎም ካብ ዝሓለፉ መሰልቶም ብፍጹም አይማሃሩን ኢዮም፡፡ ብፍላይ ብትዕቢት ዝተወጠሩ ውልቀመለክቲ ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብሎም ነገር እንተሎ ድፉን ሓንጎል ዘለዎም ካብ ታሪክ ዘይማሃሩ ምዃኖም ኢዩ፡፡

 

ታሪክ ከም ዘርእየና ድማ ናይ ሕዝቢ ቃልሲ ምስ ዝብርትዖም ወተሃደራዊ ሓይሎም ደሊቦም ካብ ውድቀት ዝደሓኑ ወይ ዝተረፉ ውልቀመለክቲ አይራአናን፡፡ ከምኡ’ውን ሃገር ኩላ ስለያ ብምቅያር መርበባቶም ብምስፋሕ ንዘልአለም ሕዝቢ ክዕፉኑ ዝካአሉ ውልቀመለክቲ’ውን አይረአናን፡፡

 

ስለዚ ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንድኦም ዓይንካ ዓሚትካ እመነና ዝበልዎ ሕዝቢ አብ መወዳእታ ዝበሉ እንተበሉ ሰማዒ ዘይብሎምን ብሕዝቢ ፎእ ዝተባሃሉን ብከፉእ ዝመቱ ኢዮም፡፡ ሰለዚ እዚ ሰብ’ውን ውልቀመላኪ ክሳብ ዝኮነ ዕጭኡ ካብ አብ ታሪክ ዝተራአዩ ውድቀት ውልቀመለክቲ ዝፍለ አይክኸውንን ኢዩ፡፡

 

ስለዚ ሕዝቢ ኤርትራ እዚ ናይዚ ሰብ ባህሪ መን ከማይ ፡ ብጀካይ ካልእ የለን ፡ አነ ኢየ ፈላጥ ፡ አነ… አነ … አነ …. ናይዚ ሰብ ጸገም ካብ ድንቁርና ዝብገስ አነነት አለዎ ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ክዛረብ ኮሎ ንነብሱ ወኪሉ ኢዩ ዝዛረብ እቲ ሓቂ ግን ሓደ መራሒ ሃገር ዝባሃል ንመንግስትን ሕዝብን ወኪሉ ኢዩ ዝዛረብ ንፈልጥ፡፡ እዞም ንሕና ንሱ ዝብሉ ሰባት’ውን ንሃገሮም ዘይኮነ ንውልቀሰብ ከምዘፍቅሩ ኢካ ትርዳእ፡፡

እዚ ሰብ እዚ ግን አነ ገባርን ሓዳግን እንዳበለ ዝጃሃርን ብአጉል ትዕቢት ዝተወጠረ ምዃኑ ሕዝቢ አጸቢቁ ሰስዝፈልጥ በዚ ሑሱርን ዘይተሓዝን ዘይጭበጥን ቃለቱ ዝደናገር ሰብ የለን፡፡ እዚ ሰብ እዚ ብዝሓመመ ሕልና ኢዩ ዝምራሕ ዘሎ፡፡ ስለዚ ክሳብ ሎሚ አብ ሃገርን አብ ልዕሌና ዝፈጸሞ ግፍዕን በደልን ተወሳኪ ግፍዕን በደልን ከየስዓበልና ኮሎ ዕድሜኡ ንምሕጻር ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜግነታዊ ሓላፍነት አለና፡፡

 

ስለዚ እዚ ሰብ እዚ ሓቅነት ስለዘይብሉ ኩሉ ግዜ ካብቲ ዝህቦ መልሲ ከምንዕዘቦ ብቀጥታ ናብቲ ሕቶ ዘይኮነ ዘተኩር ኮለል ብምባል ናብ ምውርዛይን ጸርፍን ኢዩ ዝአቱ እምበር እቲ ጉቡእን ልክዕን መልሲ አይህብን ኢዩ፡፡ አቲ ሓቂ ግን እቲ ቁኑዕ ሰብ ዝኮነ ወይ ብሓቅነቱ ዝተአማመን ሰብ ናብ ጸርፊ ዘይኮነ ብጭብጥታት አሰንዩ ኢዩ ዝምልሰልካ ብዓቢኡ ድማ ከረድኤካ ወይ ክሙጉተካ ዝፍትን እምበር ናይ ደናቁር ስራሕ አይሰርሕን ኢዩ፡፡

 

እዚ ሰብ እዚ ናይ ስነ-ልቦና ሽግር ዘለዎ ኢዩ፡፡ አብ ነብሱ ስለዘይተአማመን ዝኮነ ብአተሓሳስባ ይኩን ብትምህርቲ ወይ ብሞያ ዝበልጽዎ ሰባት ምውራድን አብ ልዕሊኦም ምውርዛይን ብዓቢኡ ድማ ካብ ቅድሚኡ ምእላይ እቲ ቀንድን ልዕሊ ጉዳይ ሃገር ዝሰርዖ መዓልታዊ ተግባሩ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እሱ ካብ ስልጣኑ አይጽደፍ እምበር ሃገር ወላ ናብ ገደል ትጽደፍ ዘገድሶ አይኮነን እዚ ዘርእየና እዚ ሰበ እዚ ብአካል እምበር ብመንፈስ ገና አይዓበየን ንነብሱ ምስ ካልኦት ሰባት ማዕረ ገይሩ ናይ ምርአይ ብቅዓት ንከማዕብል አይካአለን፡፡ ምክንያቱ እቲ ካብ ቅድም ዘማዕበሎ ህርፋን ስልጣን አብ ሰባትን አብ ነብሱን እምነት ንከይሕድር አክኢልዎ ኢዩ፡፡ በዚ ድማ ኩሉ አከያይድኡ ብተንኮልን ክፍአትን ዝተበዓጠ ኢዩ፡፡

 

ንናይ ሓንቲ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን ናይ ፓለቲካ ልምዲ ወሳኒ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ስርዓት ህግደፍ ገና ነጻነት ከይተረከበት ከላ ንሰልጣን ዝምነዩን ዘቋሙቱን ነበሩ ሰባት ኢዮም፡፡ ስለዚ ገና ካብ መሰረቱ ብሓሶት ዝተቀበኤ ብናይ ፓለቲካ ተልመዴን ዝተደርሰ ልበ-ወለድ ታሪክ ህግደፋውያን ዕዳጋ ክስእን እንተኮይኑ እዚ ሓሶቶም ንምክሻፍ እቲ አብ ሓቀኛ ታሪክ ዝተመስረተ ታሪክ ሕዝቢ ኤርትራ ዳግማይ አብ ተግባር ምስ ነውዕሎ ጥራይ ኢዩ፡፡ ታረክ ከምዝነግረና ንገዛእ ነጻነቱ ዝሰንፍ ህዝቢ አብ ታሪክ ተራእዩ አይፈልጥን ኢዩ፡፡

 

ከም ዝዝከር 21 ጥሪ 2013 ኩቡራት የሕዋትና ስውእ ወዲ ዓሊን ብጾቱን ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻነትን ናይ ሃገሮምን ነጻነት ንዝዓፈነ ሰርዓት ህግደፍ ብምቅዋም አብ ልዕሊ ሕዝቦምን ሃገሮምን ዘለዎም ፍቅርን ሓልዮትን ብተግባር አመስኪሮም ኢዮም፡፡ አብነታውያን ደቂ ሃገር ኢዮም፡፡ ተግባሮም ድማ ክንስዕቦን አብ መዕለቢኡ ከነብጽሖን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ኢዩ፡፡ ፈተንኦም እንተዘይተዓወተ ነጻ ዝኮኑ ሰባት ከም ምዃኖም ግን አመስኪሮም ኢዮም፡፡ ምክንያቱ ነጻነት ምስ ውጽኢት ብዙሕ አይራከብን ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እዚ ዘለናዮ ህልው ኩነታት ምስ ንርኢ ናይ ቃልሲ ውጽኢት አብ 1991 ናጽነት መጺአ ተባሂሉ ገና ግን አብ ተግባር ዝራአናዮ ነገር ግን የለን፡፡ ስለዚ ነጻነት ብደገ ወይ ብግዳም ዝርከብ ነገር አይኮነን፡፡ ነጻነት ውሽጣዊ ኢዩ፡፡ ነጻነት ብተግባር ዝግለጽ ወይ አብ ባይታ ኩውን ኮይኑ ክርከብ ዝግባኦ ኢዩ፡፡ ብቃላት ወይ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ብዜማ ወይ ብምውጣይ ዝግለጽ አይኮነን፡፡

 

ስለዚ ልዕሊ ኩልና ወዲ ዓሊን ብጾቱን ነጻ ሰባት ኢዮም፡፡ ንናይ ገዛእ ሕልናኦም እሙናት ኮይኖም ተረኪቦም፡፡ ስለዚ ንሕና’ውን ነጻ ሰባት ንኩን ምስ ሕልናና ድማ ክንዕረቅ ይግባእ፡፡ ልክዕ ኢዩ ናይ ሰባት ነጻነት አብ ዘይክበረላ ሃገር ናይ ነጻ ሰብ ወይ ደላይ ፍትሒ ዝኮነ ሰብ ናብራ እስርቤት ወይ ሞት ኢዩ ዕጭኡ፡፡ ንነጻነት ክትብል ትገብሮ ቃልሲ ፡ መእሰርቲ ፡ ስቃይን ፡ ክሳብ ሞት ምክፋልን … ካብ ብምቾት ተሕልፎ ናይ ባርነት ህይወት ብዕጽፊ ናይ ነጻነት ስምዒት ኢዩ ዝህበካ፡፡ እቲ ፍርኡ’ውን ዝዓዘዘ ኢዩ፡፡

 

እዚ ድማ ብፍልጠትን ገንዘብን ብዓቢኡ ብናይ ሃገር ፍቅርን ዝተመስረተ አብ ሓልዮትን ክእለትን ዝተሃነጸ ናብ ውጽኢት ከብጸሓና ዝክእል ራእይን ንጹር ዕላማን ዘለዎ ሓደ ውዱብ ምስዝህልወና ኢዩ ክንዕወት ንክእል፡፡

 

ስለዚ ንሕና እንታይ ንገብር አለና ? ክንሰርሖም ዝግባና ጉዳያት ንሰርሕ አለና ዲና ? ክሳብ መዓስ ኢና ናይ ስርዓት ህግደፍ ገደብ ዘይብሉ ግፍዕን መከራን አብ ልዕሊ ሕዝብና ንክቅጽል ንፈቅድ ወይ  ተዓዘብቲ ጥራይ ክንከውን ? ስለዚ ሰርዓት ህግደፍ ምእላይ ናይ ሞራልን ተፈጥራውን ግዴታና ሙዃኑ አሚና ብልቢ ክንላዓል ይግባእ፡፡ ሓቂ ኩሉ ግዜ ታዓዋቲት ኢያ ፡፡ ንሕና ድማ ሓቂ  ስለዝሓዝና ናይ ግድን ሎሚ ድዩ ጽባሕ ክንዕወት ኢና፡፡ ነጻ ሰብ ብዘይ ፍርሒ ንሓቂ ዝቃለስ ኢዩ፡፡ ሓቂ ድማ ሓቂ ዝኮነሉ ግዜን ኩነታትን ክመዓራረን ኮሎ ጥራይ አየኮነን፡፡ ሓቂ ኩሉ ግዜ ሓቂ ኢያ፡፡ ንሓቂ ኩሉ ግዜ ክንቃለስ አለና፡፡ ሓደ አተኩርና ክንግንዘቦ ዝግባና ነገር አሎ እሱ ድማ ናይ ወዲ ሰብ እቲ ቀንዲ ቃልሱ ኩሉ ግዜ ምስ ሓቂ ምዃኑ ሰባት ድማ እቲ አዚና ንፈርሖ ነገር ሓቂ ምዃኑ’ዩ … ስለዚ ተስፋ ዘይቆርጽ ወይ ተስፋ ንዘይሙቅራጽ ተስፋ ዝገብር ሕዝቢ ኤርትራ ውልቀመላኪ ወዳቂ ምዃኑ አሚኑ ካልእ ተስፋ ዝገብረሉ ሰበብ ካብ ምንዳይ ዓዲ ክውዕል የብሉን፡፡

 

ውልቀመለክቲ መንነቶም ንምፍላጥ ብዙሕ ምምርማር አይመድለዮምን እንተገደደ አብ ዓለም ካብ ዝተራአዩ ውልቀመለክቲ ታሪክ ትገልጽ ናይ ሓደ ውልቀመላኪ መጽሓፍ ምንባብ አካሊ ነይሩ፡፡

ኮይኑ ግን ውልቀመለክቲ ካብ ታሪከ ክማሃሩ ይክእሉ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ኢዩ፡፡

እቲ ዘሕዝን ዲክታቶራውያን ካብ ዝሓለፉ መሰልቶም አይማሃሩን ኢዮም ታሪክ ከምዝገልጸልና መብዛሕትኦም ዲክታቶራውያን ሑሱር ሞት ኢዮም መይቶም ብዘይ ክብሪ ድማ ሓመድ ተደፊኖም ቡዙሓት እንድዮም ግዜ ንምቁጣብ ንመዘካከሪ ገለ ናይ ክልተ ዲክታቶራውያን ከም አብነት ክጠቅስ፡-

ቀዳማይ አብ ድሮ ናጽነታ እታ ናይ ቀደም ኮንጎ ንምምራሕ ስልጣን ዝሓዘ ሞቡቱ ሴሴኮ እቲ ዝሓለፎ ዲክታቶር ምኻኑ ዘርእየካ ከምዚ ናትና ሕዝቢ አብ ሜድያ ወላሓንቲ መሰል አይነበሮን ስለዚ ምሸት ዜና ቅድሚ ምጅማሩ ስእሊ ናይ ሞቡቶ ወይ ምስሉ ብደበና ተዓጂቡ ካብ ሰማይ እንዳወረደ ዘርኢ ምስሊ አብ ቲቪ ንሕዝቡ ብምርአይ ብመለኮታዊ ዝተቀብኤ ስልጣን ከምዘለዎ ንምምሳል ይጽዕር ነይሩ ከመኡ’ውን ብቢሊዮናት ዝቁጸር (5-6 ቢሊዮንስ ዶላር) ናይ ድካ ሕዝቡ ገንዘብ ናብ ናይ ደገ ባንክታት ዘግዓዘ ሰይጣን ከምዝነበረ ይፍለጥ አብ መወዳእታ ግን ብሓይሊ ካብ ስልጣኑ ተአልዩ እቲ ናይ ሓሶት ሰይጣናዊ መለኮታዊ መንፈሱ አይጠቆሞን አብ ስደት ተዋሪዱ ዘይተርፍ ሞት ግን ሑሱር ሞት መይቱ።

እቲ ካልአይ ድማ ነዚ ናትና…ዓርኩ ነበረ መዓመር አልቀዛፊ ናይ ሊበያ መራሒ ኢዩ ንንጉስ ገልቢጡ ስልጣን አብ ዝሓዘሉ ግዜ እቲ ድፍረቱን ሑሉፍ ውልቀመላኪ ምዃኑ ዘርአየሉ ከም በዓል ዑመር ሙከታር ዝአመሰሉ ንናይ ሊቢያ ናጽነት ምስ ወራሪ ፋሺሽቲ ጥልያን ክቃለሱ ከለዉ ናይ ሓድነት ምሳሌ ዝነበረ ባንዴራ ሕብሪ ክሳብ ምቅያር ዝብጽሔ ትዕቢተኛ ኢዩ ነይሩ፡፡ ብተወሳኪ ሃብቲ ሃገር አብ ናይ ግሉ ጥቅምን አብ ፈንጠዝያን አበየ ሃገራት ኤውሮፓ ደቁን ፤ ቤተሰቡን ፤ አዝማዱን ፤ ናይ ቀረባ እሙናት ፈተውቱን ከምድላዮም ዝዕንድሩሉ እንተደልዩ ንዝፈተዎም ናይ ገንዘብ ሽልማት ዝህበሉ ከምኡ’ውን አብ አፍሪቃ ከማይ የለን ብዝብል ትዕቢት ንገለ ሃገራት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይገብር ነይሩ’ዩ፡፡ ብዝበለጸ ምስ ናትና ዘመሳስሎ ድማ እቲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ ጥልያን ሃገሩ ናጻ ከውጽእ ዝተቃለሰ ዝተሰውኤን ህዝቢ ሊቢያ ብድክነት ክጨማለቅ አብ እስርቤታት ክበልን ክመውትን ዝተፈርደ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ ኮይኑ ግን ግዜን ሓቅን ይአክለካ ኢሎሞ ዳግማይ ሊቢያ ናጽነታ ብናይ ደቃ መስዋእቲ ዓወት ረኪባ  ውልቀመለክቲ ሃብቶምን ዝናኦምን ግዜያዊ ምዃኑን ዝሰርሕዎ ኩለ ባዶ ምዃኑን አርእዮሙና፡፡ ንነብሱን ንሳዓብቱን ንልዕሊ አርባዓ ዓመታት ሓቂ ዝመሰሎም ሃብትን ስልጣንን ከዲዕዎም ምስ ሃደመ አብ ምሕባእ በጺሖም እቲ ዘሕፍር ካብቲ ተሓቢኡላ ዝነበረ ቱቦ ወይ ጉድጎድ ተጎቲቱ ከምዝወጽእን ሕይወቱ ብጥይት ከምትሓልፍ ኮይና ሬስኡ’ውን ከም ዝራአናዮ መጻወቲ ኮይኑ ተንከራቲቱ ኢዩ። አብ መወዳእታ እቲ አበሳ ውልቀመለክቲ ንነብሶም ጥራይ ዘይኮነ ንቤተሰቦምን ነቶም አዳከርቶም ነበሩን’ውን ከምዘይንሕፍ ተዓዚብና እዚ ድማ ሊቢያ ንአልቀዛፊ ደቁ ፤ በዓልቲ ቤቱ ፤ አዝማዱን ፈተውቱን ክነብሩላ ወይ ክቅመጡላ ዝክእሉ ሃገር ክትከውን አይካአለትን እዚ ድማ ሃገር ከምዘይብሎም አብ ስደት ክበልዩ ኢዮም ማለት ኢዩ ካብዚ ዝከፍእ እንታይ አሎ?

 

ሎሚ’ውን ንሕና ካብዚ ናትና ዕቡድ ሰብ ምስ ናይ መዓመር አልቀዛፊ ተመሳሳሊ ዝኮኑ ነገራት ንዕዘብ አለና ልክዕ ከምቲ አልቀዛፊ እቲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ ጥልያን ሃገሩ ናጻ ከውጽእ ዝተቃለሰ ዝተሰውኤን ህዝቢ ሊቢያ ብድክነት ክጨማለቅ አብ እስርቤታት ክበልን ክመውትን ዝፈረዶ ናትና’ውን ከምኡ እቲ ንነጻነት ኢሉ ዝተቃለሰን ዝተሰውኤን ሕዝቢ ኤርትራ ብሕሰም ናብራ ከም ዝግረፍን አብ ሃገሩ ናይ ነጻነቱ ወይ ናይ ቃልሱ ፍረ ተጠቃሚ ንከይከውንን አብ እስርቤታት ክሳቀይን አደዳ ሞትን ስደትን ከምዝከውን ገይርዎ ኢዩ፡፡

ብዛዕባ ባንዴራ’ውን እንተሪኢና ልክዕ ከም ቀዛፊ ዝገበሮ ንናይ ሊቢያ ናጽነት ምስ ወራሪ ፋሺሽቲ ጥልያን ክቃለሱ ከለዉ ናይ ሓድነት ምሳሌ ዝነበረ ባንዴራ ሕብሪ ክሳብ ምቅያር ዝብጽሔ ናትና’ውን ብዝገደደ ሰውአትና ዝተሰውኡላ ሰመያዊ ዝሕብራ ንክልተ ወደባትና ትገልጽ ብትእምርቲ ምልክት ዝኮነት ርግቢ አውሊዕ ዘጌጸት ባንዴራና ጠቅላላ ከምትቅየር ኢዩ ገይሩ፡፡ እዛ ባንዴራ አብ ግዜ ቃልሲ ከይተረፈ ከም መለለይት ባንዴራ ኤርትራ ክሳብ 1993 ከምዝነበረት ይፍለጥ፡፡

እዛ ሎሚ ዘላ ባንዴራ አርማ ዝነበረት መበቆላ ናይ ህግ ኮይና አብ 77 ዝተቀልቀለት ኢያ አርማ ውዱብ ነበረ ሃገራዊ ባንዴራ ክትቅይሮ ድማ ድፍረት ወይ ንዕቀት ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ባንዴራ ናይ ሐደ ሕዝቢ መልክዕን መንነትን ዚገልጽ ምልክት ብምዃኑ ኩሉ ግዜ ድማ ዝኮነ ናይ ሃገር ጉዳይ ብሕዝቢ ኢዩ ዝምረጽን ዝውሰንን እምበር ብውድብ ወይ ብውልቀሰባት አይኮነን፡፡

አብ ሓቂ እንተመጺና’ውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባሃለ ባህርያዊ ሕብሪ ሓደ ቆጽሊ ቀጠልያ ኢዩ፡፡ አብዛ ናይ ሕጂ ባንዴራ ዘሎ ብጫ ቆጽሊ ቦትኡ አይኮነን ምክንያቱ ብጫ ቆጽሊ ናይ ዝሓረረ ፡ ናይ ዝሓመመ ፡ ናይ ዝአረገ ወይ ክመውት ናይ ዝቀረበ ተኽሊ ምልክት ኢዩ፡፡ እዚ ሕማቅ ፋል ከይኮነ አይተርፍን ኢዩ መጻኢ ሃገርና ከም ዝሓረረን ዝሓመመን … ተኽሊ ዝከውን ዘሎ፡፡

ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ንመጻኢ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ብዙሕ ግዜ ተዘሪቡሉን ተካቲዑሉን ኢዩ ምክንያቱ ዝሓረረን ዝቀምሰለን ቆጽሊ ዘለዎ ባንዴራ ሒዝና ክንጎዓዝ አይራየካን ኢዩ፡፡ካብ ንሕና ንሱ ዝብሉ ሰባት ወጻኢ አብዛ ናይ ባንዴራ ርእይቶይ ተቃውሞ ዘለዎም ሰባት ክህለዉ ይኽእሉ ኢዮም እዚ ማለት ድማ እዛ አውሊዕ ናይ UN ዝሃበና ኢያ ገለ ዝብሉ አለዉ እቲ ቀንዲ ግን መን ሂቡና ዘይኮነ አየነይቲ ኢያ መለለይትናን ዝተቃለስናላን ባንዴራ ምባል ኢዩ፡፡

ብዝኮነ ናብ ዛዕባና ክንምለስ ሐደ ውልቀመላኪ አብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ብዘውረዶ ግፍዕን በደልን አብ ልዕሊ ሕዝቢ ንዘልአለም ፍንፉኑን ብሕማቅ ጥራይ ኢዩ ዝላዓል እዚ እከይ …. መንግስተ ሰማይ አየዋርሶ ዝብል መርገም ኢዩ ቅድሚኡ ሐሊፉ ዝጸንሖ እቶም አብቲ ናይ ኢ-ሞራላዊ ዝኮነ ስርዓቱ ነበሩ ትውልዲ እንተሓለፉ’ውን እቲ ቀጻሊ ወለዶ አብ ታሪክ ተጻሒፉ ዝረክቦ’ውን ናይዚ መርገም አካል ኮይኑ ኢዩ ዝቅጽል፡፡

 

ውልቀመለክቲ እቲ ጸገሞም ካብ ናይ ካልእ ውድቀት አይማሃሩን ኢዮም እዚ ድማ ከምዝተባሃለ ናይ ኣእምሮኦም ናይ ምሕሳብን ምምዝዛንን ጀረጃ ትሕቲ ዜሮ ስለዝከይድ ከም ባህሪ ሒዞሞ ኢዮም እምበር ካብ መዛንኦም ውልቀመለክቲ ክማሃሩ ምተገብኦም፡፡

 

ስለዚ ሃገርና ዘድልያ ዘሎ ሰላም ኢዩ ሰላም ድማ ዝግለጽ ፍትሓዊ ሰላም ቀጻልነት ዘለዎ አብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ተፈጥራዊ መሰሉን ክብሩን ዝተሃነጸ ምስ ዝከውን ኢዩ፡፡ ሰላም ዝግለጸሉ ዕግርግር ስለዘየለ አይኮንን፡፡ ንአብነት ህግደፍ ከም ፕሮፓጋንዳ ዝጥቀመሉ እንተሎ ሃገር ሰላም ኢያ ዝኮነ ዕግርግር የለን ሕዝቢ ከም ድላዩ ዝንቀሳቀሰላ ሃገር ኢያ ኢሉ ኢዩ ዝጃሃር፡፡ ኮይነ ግን አብ ኤርትራ ሰላም አሎ ድዩ ? ብፍጹም የለን አብ ገዛእ ሃገርካ ብወረቀት ክትንቀሳቀስ ካብዚ ዝዓቢ ውርደትን ሕፍረትን እንታይ አሎ ? ስለዚ እቲ ናይ ብሓቂ ሰላም ብተፈጥሮ ዝተዓደለና ውሽጣዊ ሰላምና ምስ ዘይዝረግ ቀሲና ምስንነብር ብሰላም ወጺና ብሰላም ምስንምለስ ጥራይ ኢዩ፡፡

 

እቲ ዕግርግር ዘይምህላው እቲ ስርዓት ህግደፍ ዘምጽኦ ወይ ዝፈጠሮ ዘይኮነ እቲ ሕዝቢ ባዕሉ ሰለማዊ ስለዝኮነ ዓቅልን ትዕግስትን ተጸዋርነትን ስለዘለዎ ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ዕግርግር ዘይምህላው ሰላም አሎ ማለት ግን አይኮነን፡፡ ምክንያቱ ሓደ ሰብ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ብሰላም ይምለስ ድዩ አይምለሰን አብ ዘይፍለጠሉ ሃገር ብከመይ ሰላም አሎ ክባሃል ይካአል ?

እዚ ስርዓት እዚ ባዕሉ ዝፈጠሮ ነብሱ ጋሪድዎ ካብ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን ወጺኡ ምስ ደቂ ሰባት ብሓባር ናይ ምንባር ዘክእሎ ባህሪ ብሙሉኡ መሊሱ ከምዘይረክቦ አጥፊእዎ ኢዩ እዚ ስርዓት እዚ ናይ ሰላም ዋጋ አይፈልጥን ኢዩ ፤ እዚ ስርዓት እዚ ናጽነት ማለት ብልክዕ እንታይ ሙዃኑ ገና አይተረድኦን አሎ ፤ እዚ ስርዓት ምሰካልኦት ሓቢርካ ብከመይ ከም ዝንበር አይፈልጥን ኢዩ ካብዚ ዘለዎ ናይ ጉሪላ አከያይዳ ንምግልጋል ወይ ንምውጻእ ናይ አእምሮ ብስለት የብሉን ሰለዚ እዚ ካብ በረካ ጀሚሮም ዝሰርሕሉ ናይ አነነት መንፈስን ትዕቢትን ብዓቢኡ ድማ መን ከማና ሳላና ምባል ናይ ትዕብተኛታት እክብካብ ዝኮነ ጉጅለ ህግደፍ መለለይ ባህሪኡ ኢዩ፡፡ ስለዚ ብዘይ ናይ ሕዝቢ ፍቃድን ድሌትን ኮፍ ኢሉሉ ዘሎ ናይ ስልጣን መንበር ክወርድ ክኽእል አለዎ ኤርትራና በዚኦም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ክትምራሕ ከነፍቅድን ዕድል ክንህቦምን አይግባአን፡፡

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ ናይ ዘመና ደናቁር እቲ ተግባራት ወይ ግፍዒ ህግደፍ አብ ቅድሚ ዓይኖም እንዳተፈጸመ ህግደፍ ኢ-ሰብአዊን ኢ-ፍትሓውን ምዃኑ እንዳፈለጡ ወይ እንዳአመኑ አነ አይተተንከፈኩን ብምባል ብስቅታ ምንባር ከም ብናጽነት ናይ ምንባር ጥበብ ዝፈጠሩ ገይሮም ዝወስድዎ ወይ ዝመሰሎም ሰባት አሎዉ፡፡ ብተወሳኪ ድማ እቲ ካብ ኩሉ ዘንብዓካ ገለ ገለ ብድሌቶም ምስ ህግደፍ ዝደናገጹ ሰባት እቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ሕዝቢ ይበደል አይበደል ብዘየገድስ ነቲ ዝረክብዎ ግዜያዊ ሰላምን ገለ ጥቅምን ብምርአይ ጥራይ ንነብሶም ከም ጎራሓትን ለባማትን ወይ ዝተዓጻጸፉ ሰባት ምቁጻር እንተዘይኮይኑ አብ ባርነት ከም ዘለዉ ብፍጹም ዘይስቆሮም አዲኦም ትቁጸሮም፡፡ እዚ ማለት ድማ እዚ ሰብ እዚ ሱቅ ኢሉ አብ ትሕቲ ሰብ ተጸቂጡ ክነብር ተመሪጹ ናይ ገዛእ ርእሱ መሰልን ሓቅን ረጊጹ ንካልኦት አብ ልዕሊኡ ክእዝዙን ክውሰኑን አፍቂዱ አሎ ማለት ኢዩ ስለዚ እዚ ሰብ ባርያ ኢዩ፡፡

ምክንያቱ ባርነት መግለጺኡ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ባርነት ማለት ሓደ ሰብ ድሌቱን ክብሩን መሰሉን ተገፊፉ ብናይ ካልእ ሰብ ፍቃድን ድሌትን ትእዛዝ ምስ ዝጎዓዝ ወይ አገልጋልን ተግባርን ጥራይ ምስ ዝኸውን ባርያ ይባሃል፡፡

እቲ ዝርመኒ ናይዞም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝብሉ ሰባት አብ ልዕሊ እዚ ሰብ ዘለዎም ርድኢት ብከመይ መልክዕ ወይ መምዘኒ ኢዮም ዝርእይዎ ግርም ኢዩ ዝብለኒ ህላውነት ኤርትራ ምስዚ ሰብ ዘተሓሕዝዎ ማለት እሱ እንተዘየለ ህላውነት ኤርትራ አብ ናይ ሕቶ ምልክት ክአቱ ኢዩ ዝብል እምነት አለዎም፡፡ ኮይኑ ግን ንባዕሉ መን ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ መን መን ምዃኑ ዘይምፍላጡ ዝገርም አይኮነን፡፡

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ ድማ ከም ሓደ በሊሕን ኩሉ ዝክእል ፍጹም ሰብ ዘይተፈጠረ ክነሱ ከም ሓደ ፍጹም ወይ ብጹእ ሰብ ዝርእይዎ ሕጊ አምላኮም ዝረስዑ ድኩማት ፍጥረት ኢዮም፡፡ ክሓቶም ዝደሊ እዚ ሰብ በሊሕን መስተውዓልን እንተተባሂሉ ከም በዓል ማንዴላን ጋንድን ዝአመሰሉ ንናይ ሕዝቦም ሰላምን ነጻነትን ዝተቃለሱ ሰባት እንታይ ክባሃሉ ኢዮም ?

 

ስለዚ ኩሉ ፍጡር ወዲ ሰብ ካብ ፈጣሪ ዝተዓደሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኮነ ማንም ሰብ ክምንዝዖ ዘይክእል ነጻነት አለዎ፡፡ ስለዝኮነ ድማ ከም ድላዩ ንክከውን ናይ ማንም ፍቃድ ዘድልዮ አይኮነን፡፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ናይ ምፍጣር ክእለትን ብቅዓትን አለዎ፡፡ ስለዚ ካብዚ ክውንነት እዚ ብምብጋስ ናይ ነጻነት ራእይ ይኩን ትርጉም ምስንርኢ አብ ናይ ግለሰብ ፍጹም ነጻነት ዝተመስረተ ኢዩ፡፡ ዲሞክራሲ ድማ ናይ ዜግነት መሰል ኢዩ፡፡

 

ከምዚ ክባሃል ከሎ ግን ዝኮነ ሰብ ናይ ገዛእ ነብሱ ነጻነት አለዎ እሞ ከምድላዩ ፋሉል ይኪድ ማለት ግን አይኮነን እንታይ ዳአ ነጻነት ካብ መንግስቲ ዝምጠወልና ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእስና ውህብቶ ኢዩ ንምባል ኢየ፡፡ ስለዚ ሓደ መንግስቲ ክቀውም ከሎ ድማ ነዚ ነጻነትና ብጉቡእ ንምጥቃም ናይ ግድን ስርዓትን ሕግን ንምቛም እምበር ባዕሎም ዝጸሓፍዎ ጎደሎ ሕጊ ከይተረፈ ብምጥሓስ ተፈጥራዊ ነጻነትናን መሰልናን ንምግፋፍ አይኮነን፡፡ ነጻነትና ተፈጥሮ ዝዓደልና እምበር ብማንም ተራ ውልቀመላኪ ዝምጽውተልና አይኮነን፡፡

 

ናይ ተፈጥሮ መሰላትና ሰባት ናይ ምዃንና ጸጋታተ ኢዮም፡፡ ንስርዓት ህግደፍ ንቃለሶ ዘለና ነጻነትና ንክህበና አይኮነን፡፡ ቃልስና ብተፈጥሮ ዝተዓደለና ነጻነትናን መሰላትናን ንክኸበሩ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ነጻነትና ዘልአለማዊ’ዩ ቅድሚ ሰርዓት ህግደፍ ዝነበረነ ዘሎን ድሕሪ ጥፍአት ህግደፍ‘ውን ዝነብርን ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን እዚ ተፈጥሮ ዝዓደለና ነጻነትና ከነክብር እንተዘይኪኢልና ከምዚ ንርእዮ ዘለና ተጸቂጥና አብ ባርነት ክንነብር ሙዃና ክንግንዘብ ይግባእ፡፡

 

ስውአትና ዝሓለፉ ብዲሞክራስን ፍትሕን ናይ ዜጋታታ ክብሪ ይኩን መሰል ትሕሉ ሃገር ንክትምስረት ኢዮም ሓሊፎም እምበር ብውልቀመለክቲ ንክንግዛእ አይኮነን፡፡ ሎሚ ንሕና ልዕሊ ሃብትን ንብረትን ሰላምን ቅሳነትነ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ ወላ ካብቲ ዘጠፋፍእዎ ዘለዉ ወርቂ ብሻ ብክሻ ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ እንተዝዕደል ንናጽነትናን ክብረትና ዝምጥን ወይ ዝትክእ አይኮነን፡፡

ስርዓት ህግደፍ ዘይተጻሕፈ ነገር ልዕሊ እቲ ዝተጻሕፈ አብ ተግባር ዝሰርሕ/ዘውዕል ስርዓት ኢዩ፡፡ ስለዚ ሃገር ንክመርሕ ይኩን ወይ መንግስቲ ንምዃን ሞራል ይኩን ናይ ፍልጠት ብቅዓት ከምዘይብሉ አብ ዝሓለፍ 23 ዓመት ዝተራአየ ሓቂ ኢዩ እዚ ድማ አብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ዝፈጸሞ በደል ህያው ምስክር ኢዩ።

 

ንአብነት ዜጋታት አብ ሃገሮም መሰሎምን ክብሮምን ተሓልዩ ብሞይኦም ክሰርሕሉ ዝክእሉሉ ባይታ ብምዕጻው ዝተማሃረ አካል ተገዲዱ ሃገር ከምዝገድፍ ብምግባር ናብ ስደት ከምዘምርሕ ገይርዎ ኢዩ፡፡ ናይዚ ሳዕቤን ድማ እዚ ንርእዮ ዘለና ሃገርና አብ ፍልጠት ዝተመስረተ ናይ ምዕባለ ለውጢ ንከይትረክብ ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ፡፡ ብተወሳኪ አብ ደገ ዝርከቡ ሰብ ሃብቲ አብ ዓዶም አትዮም ወይ ተመሊሶም በቲ ዘለዎም ፍልጠትን ሞያን ንህዝብን ሃገርን ንከይጠቅሙ ተስፋኦም ብምምህማን እቲ ባብ ዓጽይዎ ይርከብ፡፡ እዚ ድማ ንሕዝብን ሃገርን ናይ ክሕደት ወንጀለ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ህዝቢ ከፍርየሉን ሃገር ንከማዕብል ዝኽእለሉ ወርቃዊ ግዜኡ ብከንቱ ይባክን አሎ፡፡

ብዝኮነ መለክዒ ካብ ስርዓት ህግደፍ ጥዑይ ነገር ወይ ብቅንዕና ምሕሳብ ይኩን ምስራሕ እዚ ብፍጹም አይናቶምን ኢዩ ከምዚ’ውን ሙዃኖም ክንዝንግዕ የብለናን ምክንያቱ ኮነ ኢሎም ታረክ ከጥፍኡ ዝተበገሱ አድማዒ ስራሕ ካብ ምስራሕ አዕናዊ ስራሕ ንምሰራሕ ዝወዳደሮም ዘይብሎም አረሜን ሰባት ምዃኖም ክንርስዕ የብልናን ስለዚ ካብዚኦም ፍትሕን ዲሞክራሰን ምጽባይ አድጊ ቀርኒ ከውጽእ ምጽባይ ይቀልል። ስለዚ እቲ ወሳንን ናብ ውጽኢት ከበጽሓና ዝክእል ሓድነት ፈጢርካ ነዚ ስርዓት ካብ ሱሩ ምቡንቋስ ጥራይ ኢዩ፡፡

ሓደ መልእክቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ እዞም ዘለዉ አባላት ሚኒስትሪ ምክልካል ብዕድመ ይኩን ብስልጣን ዝዓበዩን ዝነአሱን ኩሎም እዚ ሰብ አዚ ዝገበሮ ዘሎን አብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን በደልን ንምግታእ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ይምልከቶ እንተኮነ እቲ ቀንዲ ዓቢ ተራ ዘለዎ ግን ካብ ተራ ሰራዊት አትሒዝካ ኩሉ አባል ሓይልታት ምክልካል ነዚ ስርዓት ህግደፍ ዓንዲ ሕቆ ኮይኑ ነዚ እከይ ተግባራቱን ግፍዕን ዓመጽን ዘሰሲ ዘሎ አካል ኢዩ፡ ስለዚ ካብዚ ጌጋኡ ተአሪሙ ናይዚ ስርዓት መሳርሒ አይከውንን ኢየ ብምባል ምስ ሕዝቡ ብምውጋን ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ግዜ ዝጠልቦ ዘሎ ዕማም ኢዩ፡፡ እዚ ስቅታ ናይ ሓይልታት ምክልካል እቲ አበስኡ አብ ልዕሊ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ንባዕሉ እቲ ሰራዊት መጻኢ ሕይወቱ የጸልምት ከምዘሎ ክርዳእ ይግቦኦ፡፡ ብዓቢኡ’ውን ሓይልታት ምክልካል ብፍታው ድዩ ብግዲ ብዘየገድስ አዚ ስርዓት አብ ሃገርን ሕዝብን ዝገብሮ ዘሎ ወንጀል ናቱ ተሓባባሪ ክሳብ ዝኮነ ንናይ ገዛእ ነብሱ ህልውና አብ ናይ ሓደጋ ምልክት ዘእቱ ኢዩ፡፡ ስለዚ ሓይልታት ምክልካልና ክብሎን ክገብሮን ዝግቦኦ ካብ ሕዝብናን ወገናን አይትፈላልዩና ንሕና ንሕዝብናን ንሃገርናን እምበር ንማንም ተራ ሰብ አይኮናን ጠጠው ኢልና ዘለና ክብልን ተቃውሞኡ ከርእን ይግባእ፡፡

 

ስለዚ እዚ ሰራዊት አካል ናይዚ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ነፍሲ ወከፍ ሰራዊት ድማ አቦ ፤ ሓው ፤ሓፍቲ ፤ ዘመድ ዘይብሉ የለን፡፡ ስለዚ እዚ ግፍዕን በደልን አብ ልዕሊ ሰቦም ዝወርድ ዘሎ ክቅበሉሉ አብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሖም ከምዘለው ንማንም ቡሩህ ኢዩ፡፡ አሰር ወዲ ዓሊን ብጸቱን ዝሰዕብሉን ናይ ሕዝብና ስቃይን መከራን ይአኽል ዝብሉሉ ግዜ’ውን ርሑቅ አይክኸውንን ኢዩ፡፡

 

ካብ ናይ ደርጊ ሓለንጊ ገላጊልናኩም ኢና ዝበሉና ናይ ትማሊ ተቃለስቲ አብዚ ልዕሊ 23 ዓመት ዘርአዩና ተሎ ንነጻነቱ ፡ ንመሰሉ ፡ ቅዋም አብ ተግባር ይውዓል…. ዝብል ሕቶ ዘልዓለ ሰብ ኩሉ ከም ሓደ ጸረ ሃገር ብምቁጻር አንጻር እቲ ዝተቃለሱሉ ዕላማ ማለት “ ንሕዝቢ ኤርትራ ረጊጽካ ኢካ ትገዝኦ “ ዝብል መፈክር ባዕዳውያን ገዛእቲ ሎሚ’ውን አብ ተግባር ብምውዓል ነዚ ሓላል ህዝቢ ካብ ናይ ደርጊ ብዝከፍኤ ሓለንጊ ኢዮም ዝገርፉዎ ዘለዉ፡፡

 

እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ አብ መግዛእቲ ደርግ ይኩን ካልእ ዝነበረ ኩነታት ከቢድን ጭኮናን ዝተሓወሶ እኮ አንተነበረ ከምዚ ናይ ሎሚ ግን ዘስካሕክሕ አይነበረን ሓቂ ክንዛረብ እንተኮይና’ውን ናይ ደርጊ ኮረኔላት ርእሲ ነይርዎም’ዩ አብ አተሓሕዛ ሰባት በዚ ድማ አብ ዓበይቲ ሰባት ክብሪ ነይርዎም ብፍላይ አብ አዴታት እዚ ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ አብ ሓቂ ንእመን ጸላእየይ ኢልካ ንሓደ ሰብ ዘይናቱ አይትህቦን ኢካ፡፡ ናይ ሎሚ ዘለዉ ናትና ንብሎም ሰባት ክገልጾም ቃላት ይሓጽረኒ …. አዴታትና ሎሚ እንታይ ዓይነት ሕይወት የሕልፋ አለዋ ንማንም ብሩህ ኢዩ፡፡ ስለዚ ትማሊ ብመጠኑ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝሓሸ ነይሩ ኢልካ አፍካ መሊእካ ክዝረብ ይካአል፡፡ እቲ ዓቢ ምክንያት ድማ ጸላኢ ዝበልካዮን ናተይ ዝብልካዮን ምስ ዝብዱሉካ በደሎም ብፍጹም ማዕረ ሚዛን ክትህቦ አይትክእልን ኢካ፡፡

ብዝኮነ ክብሎ ዝደሊ ፈቲና ጸሊእና ነዚ ስርዓት ነቲ አከያይድኡ ባዕልና ቀለስትን ፈጸምቱን ምዃና ክንርስዕ የብልናን እዚ ማለት ድማ ሓድነት ፈጢርና ክንአልዮ ከምንክእል ክንአምን አለና፡፡በንጻሩ ድማ ኢድናን እግርናን ሒዝና ኮፍ እንተኢልና ወይ ሕድሕድ ክንበላላዕን ክንወነጃጀልን መሬት ተዓሪቡና ሓገዝቲ ህግደፍ ምዃናን ዕድሜኡ ከምነንውሓሉ ክንርስእ የብልናን ስለዚ ተሓባቢርና ሓደ ሓይሊ ፈጢርና ክንቃለስ አለና ምክንያቱ ሎሚ ሕዝቢ ካብ መግዛአቲ ንላዕሊ ከፊእዎ ብፍላይ መንእሰያት አደዳ ስደትን ሞትን ኮይኖም ሕዝቢ ይሃልቅ አሎ ስለዚ ናይ ሰብ ዘርኢ ፈጺሙ ካብ መሬት ኤርትራ ከይጠፈኤ ኮሎ ሃየ ሕጂ ንተስእ፡፡

 

አብ መወዳእታ ነዞም አብ ደገ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ገለ ገለ ተጋደልቲ ነበር ሓጻር መልእክቲ አላትኒ፡፡እዚኦም’ውን  ተቃወምትን ደገፍትን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ዝተከፈሉ ኢዮም ኣብ ጎኒ ሕዝቦም ደው ዝበሉን ገለ ድማ ገና ምስ ህግደፋዊያን ዝደናገጹ ኣለው እዞም ኣብ ጎኒ ሕዝብኩም ኮንኩም ተቃውሞኩም ተስምዑ ዘለኩም ኣብ ቃልኩምን ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ ምትግባር ስለዘልኩም ክብርን መጎስን ይብጻሕኩም  ክብለኩም እፈቱ እንተ እቶም ምስ ህግደፍ ትደናገጹን ተጣቅዑን ዘለኩም ብመጀመርያ ክሓተኩም ንምንታይ ተጋዲልኩም ንክትስደዱ ዲኩም ተጋዲልኩም ? ኣይኮነን ሓቀይ ኣብ ዓድኩም ናጽነት ኣምጺእኩም ብፍቕርን ስኒትን ብዲሞክራስን ፍትሕን ትነብሩላ ሃገር ንምምስራት ዶ ኣይኮነን ተጋዲልኩም እሞ ሕጂ ዳኣ ሕዝቢ እዚ ኩሉ ሲኢኑ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀሲኑ ክነብር ዘይክእለሉ ግዜ መጺኡ እንሆ ንስኩም ውን ክትስደዱ በቂዕኩም ስለዚ ሕልና ግበሩ ትማሊ ትማሊ ኣብ ጎንኩም ዝወደቀ ሓውኩም ኣብ ጥቃኩም ዝወደቀት ሓፍትኩም ዘክሩ እንታይ ድዩ ኔሩ ለበዎኦም እንታይ ኢሎምኩም ድዮም ሓሊፎም ሕድሪ እዞም ጀጋኑ ስዋኣትና ዶ ኣይኮነን ዝጥለም ዘሎ ከመይ ገይሩ ሕልናኩም ይገብረልኩም ሕድሮም ኣይከብደኩምን ምስ ሕድሮም ዝረገጸ ተዳኩሩን ተጣቅዑን እዚ ኣብቲ ጥልመት ኢድኩም ምጭምላቅ ዶ ኣይኮነን ስለዚ ካብ ምስ ሕድሮም ዝጠለመ ስርዓት ተጣቅዑን ትስዕስዑን ወይ ምስቶም ሓንቲ ዘይፈልጡ ንሕና ንሱ ዝብሉ ዝንቡዓት ሰባት ሓቢርኩም ተዳኩሩ በጃኩም ሕልናኩም ዘቅስንን ዕረፍቲ ዝህብኩም ምስ ሕዝብኩም ጠጠው በሉ ዕድመ ሓጻር ኢያ ታሪክኩም ኣሓድሱ ትፈልጡ ኢኩም ደቂ እዞም ጀጋኑ ስዋኣትና ኣበይ ኣሎዉ ፈቀዶ ስደት ከርተት ይብሉ ኣሎዉ ስድርኦም ድማ ከምዛ እንዳጠሓኒት ምስ ኣጥሓንካ ትህቦ ትካቦ ካብ ባኒ ዘይትሓልፍ እንዳተተከበሎም ሕማቕ ሕይወት የሕልፉ ኣሎው፡፡

ስለዚ ኣነ ንምንታይ ንህግደፍ ትድግፉ ኣይኮንኩን ዝበል ዘለኩ ኩሉ ዝመሰሎ ዝደለዮ ክድግፍ መሰሉ ኢዩ ግን ኣምላክ ንምንታይ ሓንጎል ዓዲሉና ክንፈልጥ ኣለና ፈሊጥና ድማ ክንጥቀመሉ ኣለና ስለዚ ንምንታይ ንሓቂ ንዕፍና ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ርኢና ከምዘይራኣና እንዳሰማዕና ንምንታይ ንድቅስ ኣምላክ ሓንጎል ሂቡና ኢዩ መስለኒ ጽቡቅን ሕማቅን ዝመሚ ስለዚ ንምንታይ ንሕዝብኩም ጠጠው ዘይትብሉ ቃልስኩም ንመን ድዩ ኔሩ ንሕዝቢ ዶ ኣይኮነን ንጉጀለ ህግደፍ ድዩ ኔሩ ? ኣይመስለንን ስለዚ በጃኩም የሕዋት ሕልናኩም ዘቅስን ስራሕ ስርሑ ሕዝቢ ነባሪ ኢዩ ስርዓት ግን ተቀያሪ ኢዩ ጥራይ ኢየ ክብለኩም ዝደሊ ።

 

ዓወት ንደለይቲ ለውጢ !

 

ባቲሞ – ካርቱም

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ሜሮን March 24, 2014

    ሰፍ ዘይብል ትምህርቲ!!!!!

  • Tesfu Kidane March 24, 2014

    Kemaka ybzhu batimo bravo! ajoka kinewet ina!!

  • Suleiman Salim March 24, 2014

    ነታ ናይ ጀጋኑ ቅያ ተቃልሕ ቲቪ ኤረ ኣይውቀስን እዩ። ምስ ህዝባዊ ግንባር ድማ ተታረኽካ ኣይትወጾን ኢኻ። ህዝባዊ ግንባር ማለት ህዝቢ ኤርትራ ማለት ስለ ዝኾነ።

    ባቲሞ ባቲሞ በጃኻ ኣይትኹን ዝቐዓነ ናይ ጸላኢ ትምትሞ!!!!!

    ካብ ሓውኻ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

    • Sala March 24, 2014

      sulieman…ንወያኔ ናብ ጸሃይ ኪዲ ምስ በልኩማ ቀጣቂጣ ሽንትኹም ተስትየኩም ኣላ። ሕጂ ድማ ንሕዝቢ ኤርትራ ናብ ወርሒ ኪድ ትብልዎ’ለኹም። ኣመለኛታት…ክትርእይዋ ኢኹም

    • Abu degen March 25, 2014

      መን ይብሉካ Sell man ALL of u dump supporters and blind followers of DIA u have got busy admiring the fabricated role of the dictator & you forget Allah and praise his name day & night like God u spent your spare time insulting & belittling people we know u people have been suffering from personality cult & thus created personality cult of the dictator has hypnotized u not to realize the real situation & it is unimaginable that u are not expected to care about the sufferings of innocent people who have been in harsh conditions & languished in prison as well.it is not surprising that to have seen such kind of people who always try to muzzle the thought of people b/e we learn a lesson that their minds do not allow them to see a nation ruled by constitution & justice…
      Facts do not cease to exist because they are ignored….

  • Tesfom March 24, 2014

    ሱለማን መንዩ ህዝባዊ ግንባር ?ኢሳያስ ጥራይ ህዝባዊ ግንባር 1993 ከምተጋድሎ ሓርነት ፈርሱ ህግደፍ ማፍያ በል እምበር መንዮም እቶም ሰብቕያ ሻዕብያ እቶም ዘይከማካ ኣምለክቲ ታሪክ ዝሰርሑ እቲ ጋነን ክሓኮ ዝፍትን ዘሎ ኣብልቢ ኩሉ ተጻሂፉ ዘሎ፡፡

  • rti March 24, 2014

    suleman, please wake up! Or, are you the conscripted watch dog whose job is to defend the devil dictator? I guess, you have no choice but to defend the devil as it is your job!

  • Hidat March 25, 2014

    “”””NAY DERGI CORNELAT RESI NEIROM EYU BHLFI AB ADETAT KIBRI.”””…………AI? ENTAY EYU MELEKTKA?
    BNAY MEN TEZAZ ADTAT NEDIDU ABZI ADETAT AYNEBERAN DEYAN?
    BNAY MEN TEZAZ ADETAT ATUBATEN TEXERIXU
    BNAY MEN TEZAZ BEAL UNA AGURDET WEKIDUBA………HIZBI TEFUU BTANKTAT TEREGEXU
    BNAY MEN TEZAZ HIZBI AB FEKEDO KARSHELTAT TEDAGUNUN TERESHINUN………ETI ZERZER MEWEDETA YEBELUN
    BATIMO KES ILKA KITEMAHAR FETEN.ZEITEFELTWO BZEBA KAZAFI HATEFEF MEBAL DIMA ZEGEDEDE .MENEYU KAZAFI NEMENTAY KETFEWO DELYOM KES ILKA KETEXENO FETEN ABEITI NAY TARIK TEMARAMERTI TEWEKES.

    • Abu degen March 25, 2014

      ክብርቲ ሓፍቲ ህድአት ከም ሽምኪ ህድእ ኢልኪ ተትሓስቢ ጽቡቅ ነይሩ ካብ ብሃውሪ ወይ ብስምዒት ምዝራብ እዚ እንተንገድፎ ክንደይ ምጸበቀ መስለኪ ከም አብዚ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ሰባት ንሓቂ ማራ ኢና ንፈርሓ ንምንታይ ግን … አብዚ ጽሑፍ ናይ ደርጊ ኮረኔላት ርእሲ ነይርዎም ክባሃል ኮሎ ግፍዒ አይፍጽሙን ነይሮም ማለት ግን አይኮነን እፈልጥ ኢየ ብዙሕ ግፍዒ ተፈጺሙ ኢዩ ከም ናይ ሎሚ ግን ዘስካሕክሕ ግን አይነበረን ንምንታይ ነዚ ሓቂ ምቁባል ይከብደና ? ? ?
      ልክዕ ሰብ ይእሰር ነይሩ ኮይኑ ግን አብ ግዜ መግዛእቲ ወላ ናይ ፓለቲካ እሱራት ምስ ስድሮኦም ይራከቡ ነይሮም መግቢ ይአትዎም ነይሩ ዘለውዎ ቦታ ድማ ፍሉጥ ነይሩ ምእሳሮም ቁኑዕ እዃ እንተዘይነበረ ኮይኑ ግን ፍርዲ ይቀርቡ ነይሮም ቤት ፍርዲ ድማ በቲ ሕጊ መሰረት ዝበልዎ ውሳኔ ወይ ፍርዲ ይህቡ ነይሮም ስለዚ ክሓተኪ ክብርቲ ሓፍቲ አየናዮም ርእሲ ዘለዎ ወይ ሕጊ ዘክብር ኢልኪ ትግምቲ ?
      ትፍልጢ ኢኪ እዚ ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ጡኑሳት እስርቤት ከምዝዳጎነ በዚ ድማ አብ እስርቤት ዝሓረሳ ከም ዘለዋ ናይ ኩልና ዘይሃስስ ሕማቅ ተዘክሮ ኢዩ፡፡ሕልና ዘለዎ ወይ ርእሲ ዘለዎ ሰብ ከምዚ ይገብር ኢዩ ኢልኪ ትሓስቢ በዚ ኢዩ ድማ አብዚ ጽሑፍ ናይ ደርጊ ኮረኔላት አብ አዴታት ክብረት ነይርዎም ዝተባሃለ፡፡
      ብዛዕባ ዓድታት ምንዳድ ሕዝቢ ምርሻን እዚ ነብሲ ዝካአለ አርእስቲ ኢዩ… አይነበረን ኢሉ ዝአምን ሰብ ድማ የለን ኮይኑ ግን አብዛ ጽሑፍ ክግለጽ ዝተደለየ ካብዞም ናይ ሎሚ የሕዋትና ንብሎም እቶም ናይ ደርጊ ሓለፍቲ ዝሓሹ ነይሮም ብዙሕ’ውን ምተባሃለ ግን ከም ምምጎስ ከይመስል… ምናልባት ዕድሜኪ ንእሽተይ ክከውን ይክእል ኢዩ በዚ ድማ ክትፈልጥዮም አይትክእልን ኢኪ፡፡
      በጃኪ ሓንቲ ክብለኪ ዝደሊ ሓቂ ንፍቶ አብዚ ጽሑፍ ንናይ ደርጊ ኮረኔላት ንሙሙጎስ አይኮነን ተደልዩ እንታይ ዳአ ሓቂ ንምግላጽን ምስዞመ ናትና የሕዋትና ንብሎምን ንምውድዳር ኢዩ አብዚ ጽሑፍ አብ መወዳእታ ከምተገለጸ ድማ ጸላኢ ዝበልካዮን ናተይ ዝብልካዮን ምስ ዝብዱሉካ በደሎም ብፍጹም ማዕረ ሚዛን ክትህቦ አይትክእልን ኢካ፡፡

      ብዛዕባ ናይ ቀዛፊ ድማ ይቅሬታ ናይ ታሪክ ተመራማሪት እንተኮነኪ እሞ ባዕልኪ ዘይትምህርና …ፍሉጥ ኢዩ ሕጂ ንቀዛፊ ንምንታይ ከትፍእዎ ደልዮም ቀስ ኢልካ ከተጽንዖም ፈትን ኢልኪ መን ኢዮም ከጥፍእዎ ደልዮም ደሓን አይትንገርና አሜሪካ ኢዮም ሓቀይ ሃሃሃ ብዝኮነ ካብቶም ናይ ታሪክ ተመራመርቲ እንተተወኪስኪ በጃኪ ሓብርና፡፡

POST A COMMENT