Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቂ ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ባይቶ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንለውጥን ፍትሕን ኣብ ኮሎራዶ በጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ምሕያል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘተኮረ ዕዉት ዓወደ መጽንዕቲ ኣካይዶም።

ደቂ ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ባይቶ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንለውጥን ፍትሕን ኣብ ኮሎራዶ ትማሊ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ምሕያል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘተኮረ፣ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ንስዓታት  ብነፈርቲ ተጓዒዞም ዝመጽኡ ኣጋይሽ ዝተሳተፉዎ

ደቂ ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ባይቶ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንለውጥን ፍትሕን ኣብ ኮሎራዶ ትማሊ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ምሕያል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘተኮረ፣ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ንስዓታት  ብነፈርቲ ተጓዒዞም ዝመጽኡ ኣጋይሽ ዝተሳተፉዎ ዕዉት ዓወደ መጽንዕቲ ኣካይዶም።

ኣብቲ ድሕሪ ቀትሪ ተሳታፍነት ደቂ ኣስንትዮ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዛዝ ደቂ ኣስንትዮ ብዘካየዳኦ ሰፊሕ ዘተ ዝጀመረ ዓወደ መጽናዕቲ፣ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ንተራ ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነት ጾታን ዝምልከት መእተዊ፣ ኣሊሻ ተስፋኣለም ብዛዕባ ምትብባዕ ኤርትራውያን ኣመሪካውን መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ዋልታ ክፍለዝጊ ከኣ ብዛዕባ ምጥርናፍ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንለውጥን ተጻዋርነትን ዘተኮሩ መግለጺታት ኣቕሪበን።

Denver_Women

ካብዚ ቀጺለን፣ ተጋደልቲ ነበር ነበርቲ ደንቨር ወሮ ብሪ የውሃንስ ከምኡ ‘ውን ኤልሳ በርሀ ንህይወት ደቂ ኣስንትዮ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝምልከት ምይይጥ ኣካይደን። ካብኡ ቀጺላ ፋና ተስፋልደት ብዛዕባ ርእይቶ ደቂ ኣስንትዮ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ‘ሃገራዊ ጊላነት’ን ተመክሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ (ሽምብልያ) መብርሂ ሂባ።

ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሓባራዊ መደብ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽን መንእሰይ ዳዊት ተኽለን ንኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ናብ መድረኽ ድሕሪ ምዕዳሞም ከኣ፣ ንምሕያል ናይቲ በበኸተምኡ ዝውደብ ዘሎ ህዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ከምኡ ፣ውን ተራ ማዕከናት ዜና ብፍላይ ድማ ኣሰና ኣብ ምሕያል ናይዞም ምንቅስቓሳት ዘተኮረ ሰፊሕ ምግለጺ ኣቕሪቡ። ካብ ተሳተፍቲ ዝቐርቡ ሕቶታት ‘ውን መብርሂ ሂቡ።

እቲ ምሉእ መዓልቲ ዝተኻየደ ጽምብል ምስ ተዛዘመ፣ ውሩይ ድምጻዊ ዮሃንስ ትካቦን ንያት ኪዳነን ሙዚቀኛታትን ንተሳተፍቲ ከጻውቱዎም ሓዲሮም።

እቲ ደቂ ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ባይቶ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንለውጥን ፍትሕን ኣብ ኮሎራዶ ዝወደቡዎ ዝኽሪ 8 መጋቢትን ዓውደመጽናዕትን፣ ብርክት ዝበለ ተሳታፍነት ደቂ ኣስንትዮን ምዉቕ ማሕበረኮማዊ ሃዋህው ዝሰፈኖ ጽምብል  እዩ ነይሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Armon March 10, 2014

    ኣማኒኤልን ወዲ ትካቦን ሲ ጀጋኑ ጥራይ ክገልጾም ኣይክእልን አዩ ። ኣጀኩም ጥራሕ

  • rahwa March 10, 2014

    well done sisters and brothers! collective effort will get us where we want to go. thank you for organizing this meeting, and i am also grateful to Wedi Tukabo and his band as well as Amanuel Eyasu. keep up the great work. and i look forward to hearing the radio program.

  • nahome March 10, 2014

    Well done women for change in Eritrea in bato Eritrea in Colorado and you did a great job nice:> hi I am 10 years old I am going to follow your step to fight dictator the Eritrean president to my people to be free.

  • Said March 11, 2014

    Great job to everyone up up assenna.united against dictator.

Post a Reply to Said Cancel Reply