Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቂ ሕድርትና ውሽጠይ

ደቂ ሕድርትና  ውሽጠይ መኪና ክዕድግ ኣድልዩኒ ትሰማማዓኒ  ክሳብ ዝረክብ ነዊሕ ደልየ። ሓንቲ ከኣ ኣብ ልበይ ሓዲራ። ብኵሉ ሸነኻታ ካብ’ታ ዝጸንሓትኒ መኪና ትፍርዝን። ክሳብ ሽዑ ዝሓዝኩወን መኪናታት ‘ኣቲ’ ተባሂለን ዝጽዋዓ ንኣሽቱ እየን። የዕሩዅተይ ኵዕሶ ተኒስ ኢሎም ዝጸርፉዋ

ደቂ ሕድርትና  ውሽጠይ

መኪና ክዕድግ ኣድልዩኒ ትሰማማዓኒ  ክሳብ ዝረክብ ነዊሕ ደልየ። ሓንቲ ከኣ ኣብ ልበይ ሓዲራ። ብኵሉ ሸነኻታ ካብ’ታ ዝጸንሓትኒ መኪና ትፍርዝን። ክሳብ ሽዑ ዝሓዝኩወን መኪናታት ‘ኣቲ’ ተባሂለን ዝጽዋዓ ንኣሽቱ እየን። የዕሩዅተይ ኵዕሶ ተኒስ ኢሎም ዝጸርፉዋ ሚክራ ነይራትኒ። ብድሕሪኡ ኣነ ከይተረፍኩ’ውን ጠበቕ ኢለ ዘጠመቝኩዋ ኣብ መሬት ዝተለጠፈት እንትመስል ንእሽቶይ ሆንዳ ኔራትኒ። ብድሕሪ ንእሽቶይ ቶዮታ ስታርለትን ንእሽቶይ ጎልፍንእውን ዘዊረ። እዘን ኵለን ንኣሽቱ  መካይን ጽቡቕ ኣገልጊለናኒ ዕድመ ዝፈጠሮ ባህርያዊ ሞት ድማ ሞይተን። ዓሚ ከም’ዚ ሎሚ ከኣ ሓንቲ ካልእ መኪና ኣድልያትኒ። ንኽንደይ ዓመታት ኣብ ንኣሽቱ መካይን ተጨቢጠ ሎሚ ተባዕታይ መኪና ክዕድግ ኣሎኒ ኢለ ክሓስብ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኴይኑ። እንተኾነ ተግባራውነት ማሕፉዳ ገዚኡኒ ንመጠረስቱ ኣብ ንእሽቶይ መኪና ከም ዝወድቕ ከኣ እፈልጥ። ሓንቲ  መዓልቲ ካብተን ልሙዳት መኪናታተይ ዝዓበየትን ዝበረኸትን ጸላም መኪና ንኽትሽየጥ ኣብ ኣፍቤት ሓደ ነጋዳይ ጥቓ ቤተይ ተቐሚጣ እርኢ። ወግሐ ጸብሐ ንቤት ክኣቱን ካብ ቤት ክወጽእን እርእያ። ኣፍልባ ነፊሓ ካብ ዱር ዝወጸ ኣንበሳ ትመስል። ካብ መሬት ኣልዒሉ ከም ንፋስ ዝሕንብባ 120 ሓይሊ ፈረስ ድማ ነበራ። ብሓይላ፡ መልክዓ፡  ሕብራ፡ ጣዕማ ተሃነንኩ። በብመዓልቱ  ናብ ልበይ ኣትያ ክትቈጻጸረኒ ጀመረት። ምሸት ምሸት ንዙረት ኣመኽኔ፡ ከይተሸጠት ክትጸንሓኒ እንዳጸለኹ፡ ክርእያ እኸይድ። ሽሕ’ኳ ከም በዓል መርሰደስ ‘ኣቱም’ እንተዘይተባህለት ‘ኣታ’ስ ፍትሓዊ ‘ምነበረ። ነታ መኪና ‘ምዓደግኩ’ሞ ‘ምዓረፍኩ። እንተኾነ ኣብ ውሽጠይ ካልኦት  ድምጽታት ላእ! ኢሎም ሓንጊዶም ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ ግን ዓይነይ ሰም ኣቢለ ንፈተነ ዘወርኩዋ። ሽዑ ብክሳደይ ሓኒቓ ሓዛትኒ። ሽዑ ከኣ ዓይነይ ሰም ኣቢለ ዓደግኩዋ።  ገና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክከታኸት’ዬ። ኣብ ሓንጎለይ ግን ዓዲገያ እዬ። ነታ መኪና ክዕድግ ክውስን ገለ ሓደ ወርሒ ወሲዱለይ። ድምጽታት ውሽጠይ ከኣ ሓደ ወርሒ ምሉእ ሕድሕዶም ብዙሕ ተኻቲዖምን ክሳብ ተነዳዲሮምን እዮም። ሓደ ስድራ ቤት ኢና። መዓስ ተፈጢሮም ብልክዕ ኣይፈልጥን። ገለ ምሳይ ዝተፈጥሩ ምዃኖም እጥርጥር። ገለ ከኣ ኣነ ባዕለይ  ኣብ መገዲ ህይወተይ ዝፈጠርኩዎም ይኾኑ። ንምንታይ ተፈጢሮም ግን ብርግጽ እፈልጥ። ብዘይካ ንዓይ ምሕላውን፡ ምክልኻልን ምግልጋልን ካልእ ምኽንያተ ህልውና የብሎምን። ብዙሕ ሻዕ ግን ኣብ ሽግር እውን የእትዉኒ እዮም። ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር ነቢርና ድማ ክሳብ በበስማትና ጽቡቕ ተፋሊጥና ኢና። ደድኽመታትና ከኣ ንፈልጥ።

ድሕሪ ብዙሕ ምምታእ ከኣ ነታ መኪና ክዕድጋ ወሰንኩ። እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝተፈጥረ ዕግርግር ድማ ክትግምቱ ትኽእሉ። ደግያት ዶሮናን ኣቤቶ ዕንዱን ልበይ ክነቱጕ ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ውሽጠይ ተሰራሰሩ። ነታ መኪና ክዕድግ ብዙሕ ተኸራኺሮምን ሸሪሖምን እዮም። ደጊምስ’ሲ ኣብራኽ ክዝርግሐ’የን ርእሲ ድማ ክትቐንዕ’ያ! በለ ደግያት ኣብ ሶፋ ተቐሚጡ፡ ኣእጋሩ ዘራጊሑ። ነተን ቀዳሞት መካይነይ ‘መውስቦ ዘኸልክላ’ ኢሉ ይጻረፈን ነቢሩ እዩ። ኣቤቶ ዕንዱ’ውን “ደጊም’ሲ ኣብ ጽርግያ መኪና ጎሰስ የሎን! ነቶም ረጊጾሙና ዝሓልፉ ረጊጽናዮም ክንሓልፍ ኢና!” ኢሉ ከም’ዚ ቈልዓ ተሰራሰረ እቲ ጎሳሳት መካይን ዝፈጠራሉ ትሑት ግምገማ ነፍሱ እንታይ ሻቡ በኒኑ። ንሱ’ውን ተባዕታይ መኪና! በለ።  ክልቲኦም ከኣ ናብ ኣውቶ ባን ! ኢሎም ጨደሩ። ዘይተመደበ፡ ዘይተደላዪ መገሻ ከኣ መሃዙ። ኣነ’ውን ተመሳጥነቶም ክሰብር ኣይደለኹን።

ሶቕራጠስ ሓንቲ’ኳ ከይበለ ነታ መኪና ሰለስተ ጊዜ ኮለላ። “በዓልቲ ክልተ ማዕጾ … እምም … ናይ’ቶም ኣብ ድሕሪት ንቕመጥ ዘይትሓሊ ጨካን መኪና” በለ ምስ’ታ መኪና ተዛሪቡ። ናባይ ተጠውዩ ከኣ ነታ ፍልጥቲ ፍሽኽታ ላግጹ ፍሽኽ በለ። ተወሳኺ ከይበለ ከኣ ኣእዳዉ ንድሕሪት ጠውዩ ከደ። እንታይ? ስለምንታይ? ከመይ? … ኢሉ ስለሸግሮምን፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ከኣ ስለዝረትዖምን ክልቲኦም ኣይፈትውዎን እሞ ቀልጢፉ ስለዝሓደጎም ክልቲኦም ደስ በሎም።   ግደ ሓዊ ንምዝራብ፡ ሓሓደ እዋን ኣነ’ውን ብሕቶታት ስለዘትክኸኒ እኽወሎ እዬ። እንተኾነ ደግያትን ኣቤቶን ብዓወቶም ግዲ ሰኺሮም ክልቲኦም ተጋገዩ። “ኣብ ድሕሪት ዝቕመጥ ግድን ክሽገር ኣሎዎ!” ጨደረ ድግያት  ብድሕሬኡ። ‘’ኪድ ግዳ ጸሓይካ ተጸሎ ብዛዕባ መካይን እንታይ ኣፍሊጡካ! ብላይ!” ተጻረፈ ኣቤቶ። ሶቕራጠስ ተወሳኺ ሰበብ ከይመሃዘ መኪናይ ሒዘ ክዕዘር ኮርኮሩ። ሶቕራተስ ንድሕሪት ተመልሰ። ፍሽኽ ኢሉ ከኣ “ንምኻኑ ቤንዚን ክንደይ ትሽየጥ ኣላ?” ተወከሰ። ካብ’ቲ ዝፈርሕዎ ኣይወጹን ደግያትን ኣቤቶን ንሶቕራተስ እንዳተራገሙ ተኸወሉ። ብድሕር’ዚ ምስ ሶቕራተስ ብዛዕባ ዋጋ መኪናን ቤንዚንን፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ክብረት ናብራን፡ ብዛIባ ምብልሻው ዓለም … እንታይ ስለምንታይ ኢልና ብጽሞና ነዊሕ ኣዕለልና። እንተኾነ ነታ መኪና ከይዕድጋ ኣየዕገበንን። ማለት’ሲ ክዓግብ ኣይደለኹን። ስምዒት ኣብ ዝነገሰሉ ፍልስፍናን ስነሞገትን ኣየዕግቡን።

ሳባ ጠበቕ ንእግረ መገዳ ክትመስል ቅልቅል ኢላ “ክልተ መዓጹ ጥራሕ! እዛ መኪና እዚኣ  ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑትን ዘይተኽብር ንተባዕታዊ ኣነነት ከተርዊ ዝተሰርሐት ዘይዲሞክራስያዊት መኪና እያ” በለት ሽምጣ ገቲራ። ጠበቕ መበሊኣ ከኣ እንተድኣ ኣብ ሓደ ሓሳብ ረጊጻ ሓሳባታ ከየዐወተት ስለዘይትዓኣርፍን ዘይተዕርፍን እዩ። እንተኾነ ግዳ ብቐሊሉ ተቐሻሺት እያ።

“ርአዪያ’ሞ … ምሳሕ ዓይኒ እኮ’ያ!” – ኣነ’ዬ ናብ’ታ መኪና ኣመልኪተ።

“ብዓይኒ በሊዕካ ዝጽገብ እንተዄይኑ እስከ ንሓንቲ መዓልቲ ፈትኖ” ቀርቀረት ጠበቕ። ኣይመለስኩን።

“ኣብ ውሽጢ ምስተቐመጥካ’ዶ ነቲ ደጋዊ መልክዓ ክትርእዎ ኴይካ … !” ኣጥበቐት ወሲኻ።

“ንዓይ ጥራሕ’ኮ ኣይኮንኩን ዝዕድጋ እንተላይ ነቲ ረኣዪ ድኣ! “ ኢለ ኣቋረጽኩዎም። ናይ ነፍስኻ’ምበር ናይ ራኣዪ እንታይ ገዲሹኳ! ኢላ ኣንጸርጸረት። እቲ ዘየድልየኒ ክዳውንቲ ክዕድግን ግን ቃል’ኳ ኣይተውጽእን ፈታዊት ጭርቂ እያ።

መኪናን ባህሊ መኪናን ኣብ ዝተፈጥርሉ ኣብ ዓዲ መካይን’ዬ ዝቕመጥ። ኣብ’ዚ፡ መኪና መንቀሳቐሲት ጥራሕ ኣይኮነትን ህያውን ኣባል ቤተሰብ’ያ። ንገለ ከኣ ካብ ኣባላት ቤተሰብ’ውን ንሳ ትምረጽ ንሳ ትሕንቅቕ። መኪና ናይ ገዛእ ርእሳ ስነጥበብን ባህልን እያ። ታሪኽ’ውን ኣሎዋ። ምንጪ ብዙሕ ወግዕታትን ብሂላትን ሓበንን ከኣ እያ። መኪና መንጸብረቕታ ጠባይን ሓይልን ዋንኣ እያ። ደጋዊ መራእዮኡ፡ ቀስተ ምልክቱ፡ መቐጸልታ ኣካሉን  መንነቱንን እያ። ‘እንሆ እቲ ዕዉት ኣይተ … ! ትእውጅ። ሰብ ዓበይቲ መርሰደስ ንሕጊ ትራፊክ ብምጥሓስ’ውን ቀዳምነት ክወሃቦም ከምዝጽበዩ ይንገረሎም። ሓንቲ ጽብቕቲ ድኳን ከባብ ዝተኸለ ቱርኪ ዓባይ BMV ይዕድግ። መዕገርገርቲ ጽርግያታት፡ መብዛሕትኦም መንእሰያትን ኣብ ቅልውላው ሂወት ዝኣተዉ ኣረግቶት መንእሰያትን፡ ጎየይቲ ገላሃት መካይን ይገልጽኦም። ቁጡዓት። ገዘፍትን ጸለምትን መካይን ይመርጹ ይበሃል። ኣነ’ኸ?

ንገለ ዕስራ ዓመታት ንኣሽቱ መካይን ዘዊረ ዝኾነ ሽግር ኣጓኑፉኒ ኣይፈልጥን። ናብ ክበጽሖ ዝደለኹዎ እበጽሕ። ብዝሓሰረ ድማ። ከምቲ  ሶቕራጠስ ዝመኸረኒ ከኣ እታ ተዋጽኣኒ መኪና ንእሽቶይ መኪና ምዃና እፈልጥ። ካብ ኵሉ ድማ ኤለክትሮኒክስ  ዘይበዝሓ መኪና። ኔረ። ነዛ ሓንቲ መኪና’ዚ እንተዘይርኢ ከኣ ንእሽቶም መኪና ምዓደግኩ። ኣንጻር ምሉእ ስነሞገት ከኣ ዓደገያ። ደግያት ከኣ ኣስፋሕፊሑ ተቐመጠ። ኣቤቶ ከኣ ከምቲ ተሓንቢብዎ ዘይፈልጥ ተሓንበበ። ክልቲኦም ከኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ። ድሕሪ ጊዜ ግን ነታ መኪና ለሚደያ ኵሉ ኵልንትናኣ ንቡር ኮነትኒ። እቲ ንሳ ዘላዓለቶ ስምዒት ሃሰሰ። እቲ እታ መኪና እትበልዖ ቤንዚን ግን ክበልዓኒ ጀመረ። እቲ ነቲ ፈርሳዕ ነብሳ ተሸኪማ ንኽትጎይን፡ ንድግያት ከተመውቝን መዓጹን መሳዅትን ክትከፍትን ዝጠፍእ ሓይልን ኣብ ማሕፉዳይ  ተሰመዓኒ። ደግያትን ኣቤቶን ከኣ መኪና ማለት’ስ ‘ፈራሪ’ እያ’ምበር እንዳበሉ ነቲ ቅድሚ ወርሒ ዝዘመሩላ መኪና ከናዕቑዋ ጀመሩ።  ካብ ኵሉ ድማ ሳባ ኣብ ክሳደይ ጠቢቓ “ኣይበልናን’ዶ ኣይበልናን’ዬ … “ ትዝምር። እቲ ግናይ ኣረጊት ሶቕራጠስ ከኣ የኹድድ፡ ኣይበልናን’ዶ! ይቍጸ የላጋጽ። ከም’ቲ ልሙድ ከኣ፡ ኣነ፡ ዒሕ ኢለ ምሉእ ሓላፍነት ናይ’ቲ ዝኾነ ወሲደ። ብዝወሓደ፡ ነቲ ዝለዓለ ብመኪና ክጎዮ ዝኽእል ጎየ መጠነይ ፈሊጠ። ንሱ ዝፈጠረለይ ክትነብሮ’ምበር ክግለጽ ዘይከኣል ኣካላውን መንፈሳውን ደስታ ተሞኵረ።  ንወርትግ ክዝክሮን፡  ደጊመ ደጋጊመ እንዳዘከርኩዎ ከኣ ክድሰተሉን ክስሕቀሉን’ዬ።

ውሽጣዊ ድምጽታትና፡ ኣብ ውሽጥና ዝተሓብኡ ደቂ ሕድርትና፡ ሃነጽትን (mentors) ዓንቀፍትን (saboteurs) ተባሂሎም ብሓፈሽኡ ክኽፈሉ ይኽእሉ። እቶም ዓንቀፍቲ ከም ዝበዝሑ ድማ ይፍለጥ። ኣቲ ዘረባ ብዛዕባ መንታ-ሰብነት (schizophrenie) ወይ ከኣ ኣብዝሓ-ሰብነት (multiple personality) ኣይኮነን። ብዛዕባ ክፋላት ሓደ ንቡር፡ ጥዑይ ሰብነት’ዬ ዝጸዊ ዘሎኹ። ኣብ ኵሉ ሸነኻዊ ህይወቱ ንሰብ ምስ ካልኦት ዘዛምዱን፡ ነቲ ዝምድና ከኣ ንስረቱን ዓወቱን ዝሰርዑን ውሽጣዊ ኣማኸርቲ’ዮም። ጠባያቶምን ድልዬታቶምን ዝተፈላለየን ተጋራጫውን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ሕድሕዶም ብዙሕ ይጨቓጨቑ ገሊኦም ክሳብ ይስርስሩን የቈጥዑን። እቲ ትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ከኣ ይሰምዖም እዩ።  ብዘይካ ግርጭታቶምን ምዕዶታቶምን ከኣ ኵሉ’ቲ ህይወታዊ ዕማማትና ከነማልእ ከምዘይምብኸኣልናን ስነኣእምሮኣውያን ይብሉ። ብዛዕባኣቶም ጠቒሱ፡ ሲግሞንድ ፍሮይድ፡ “ኣብ ገዛእ ቤትና እቶም ጎይቶይ ንሕና ኣይኮንናን” ይብል።

ንዓርከይ ብዛዕባኣ ዘሎኒ ርእይቶ ገሊጸ’ዶ ክነግራ? ነዚ ስራሕ’ዚ እንተሓደግኩዎ ካልእ ስራሕ እረክብ’ዶ? ስርሐይ መጠነ ብቕዓተይ ድዩ? ሃገር ክትጭፍለቕን ክትጸነትን እንታይ እገብር ኣሎኹ?  … ዝብሉ ሕቶታት እንተልዒለ እቲ ኣብ  ውሽጠይ ዝፍጠር ኵናት ሕድሕድ ኣሽንኳይ’ዶ ንፈታዊኻ’ስ ንጸላኢኻ’ኳ ኣይትምነዮ። ሳባ ከኣ ኣብ ክሳደይ ጠቢቓ … ። እቲ መጣንን ኣማሓዳርን ናይ መወዳእታ ወሳንን ግን ኣነ እዬ። ንምዃኑ’ኸ ኣነ መን’ዬ? ኣነ እቲ እኩብ ድምር ኵሎም ክፋላተይን ዝያድኦምን እዬ።

ንውሽጣዊ ድምጽታትና ክንሰምዖም ይግብኣና። ገሊኦም ጠቐምቲ ገሊኦም ከኣ ጎዳእቲ እዮም። እኳ’ድኣ እቶም ጎዳእቲ ይበዝሑ። እንተኾነ ንዅሎም ክንሰምዖም ኣሎና። ንዅሎም መጣጢን’ና ኣወሃሂድና  ከኣ ሚዛንነት’ቲ ርትዓውን ተግባራውን ድምጺ ክንሰምዕ ንኽእል። ካብ ክልተ ድምጽታት  ግን ፈጺምና ክንጥንቀቕ ይግባእ። ቀዳማይ፣ ገለ ድምጽታት ነቶም ካልኦት ድምጽታት ጨፍሊቖም ናብ ፍጹም ዲክታቶራት ይቕየሩ እዮም። ክሳብ’ውን ነቲ ኣማሓዳሪ ይቈጻጸሩዎ። ይዕወቱ፡ ይዕወቱ፡ ይዕወቱ። ንመጠረስትኡ ከኣ ናብ ተዓዊቶም ዘይዓግቡ፡ ስለ’ዚ ከኣ ዘይተዓወቱን ክዕወቱ ዘይክእሉን ብመሰረቱ ፍሹላት ፍጥረት ይቕየሩ። ንመጠረስትኡ እቲ ዓወት ይዕወተሎም። ብዋጋ ጥዕንኦም ፍቕሪ ቤተሰቦምን ወርቂ ኣብ ልዕሊ ወርቂ ይድልቡ እሞ ንመጠረስትኡ ብሕማም ልቢ ይሞቱ። ገለ ናብ ዘይፍጸም ፍጹምነት የንቃዕርሩ። ናብ ‘ዘይፍጹም’ እውን ክፈጥሩ ዘይክእሉ ዝሮምሮ ይቕየሩ። እታ ክትርአ ዝተኣርየት፡ እታ መዓኮራ ከይሸፈነት መሬት እትኸድን ጽንብላሊዕ- እዚኣቶም ኵሎም ግዳያት ግጉይ ድምጺ እያቶም። ካልኣይ፣ ካብ ሕዩራት ድምጽታት ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እዚኣቶም እቶም ቀደም ዝኾን’ናዮም፡ ካብ ግናይ ክሳብ ኣስካሕካሕቲ ዝዝርግሑ- ኣብ ዝካሬና ዓሚቝ ዝፈሓሩ እሞ ግን ክንዝክሮም ዘይንደሊ ተረክቦታት እዮም። ንሳቶም እቶም መብዛሕትኡ ጊዜ እንጥምዝዞምን ናብ’ቲ መዓሙቝ ትሕተንቕሓትና እንሕይሮምን ድምጽታት እዮም። እንሓንሳብ፡ ኣብ መስርሕ ኣገዳሲ ውሳኔታትና ካብ’ቲ ዝተሓየርዎ ጉድጓድ ቦሎቝ ይብሉ’ሞ መብዛሕቲ ጊዜ ናብ ጉጉይ ውሳኔታት ይመርሑና።  ካብ ድምጽን ምዕዶን  ኣይተ ፈዳይሕነ ከኣ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

በዝን በትን ምስ ደቂ ሕድርትና ውሽጠይ ተላዚበ እነብር እዬ። ደግያትን ኣቤቶን ብዙሕ  ዘጋግዩኒ እኳ እንተኾኑ፡ ነፍሰ ክብረተይን ነፍሰ እምነተይን ክብ ኣብ ምባል ድማ ይሕጉዝኒ እዮም። ሶቕራጠስ ካብ ርሑቕ ዓዲ ፍልስፍናን ስነሞገትን፡ ጠበቕ ከኣ ካብ ቀረባ ዓዲ ተግባራውነትን ክውንነትን ካብ ጽልዋ’ዞም ክልተ ይሕልዉኒ  እዮም። ከም ሳባ ዝኣመሰልዎ ጥቡቕ ዓርኪ ምህላው  ምርቓን መርገምን እዩ። ጠበቕ ኣብ እዝነይ ጠቢቓ ጌጋታተይ ኣይተረስዓንን። እቲ ኣነ ብዋጋ በንዚን ንቑጽ ንብዓት ክነብዕ፡ ንሳ፡ ንሕና’ስ  መኺርና ኢና! ኢላ ተላግጽ። ሽዑ ሓኒቀ ክቐትላ ኣይጸልእን። ግን ከኣ ብዓልቲ ሓቂ እያ! ደጊማ ነገር ክትኵርኵር፡ ኣደይ ኣስሊ ያኢ ሓሚመን ብመኪና ናብ ሓኪም ውሰደኒ ኢለን ትሕብረኒ። ኣብ ሰጥ ዝበለ ገፊሕ ጽርግያ ኣትየ ክሕንበብ። ኣብ ምዝዋር ዘተኮርኩ መሲለ ኣይምልስን። ምዅርኳር ኣብየ ድማ፡ “ናብ ድሕሪት መቐመጢ ክሳብ ዝስቀላ ከኣ ሓደ ሰሙን ክወስደለን እዩ!” ኢላ ዝተሰከፈት መሰለት ንዓይ ከተሰክፍ። “እሞ ንስኺ ኣብ ድሕሪት ትቕመጢ!” ኢለ ከኣ ኪር ኪር ሰሕቕኩ። ኣብ ቅድሚት ኣብ ጉንዲ እዝነይ ድኣ’ምበር ኣብ ድሕሪት ምቕማጥ ኣይትፈቱን። ወይ ዓለም ግርቢጥ! ኢላ ድማ ኣጽቀጠት። ኣነ ከኣ ዓረፍኩ።

ብደረጃ ሃገርን ህዝብን  ውሽጣዊ ድምጽታት ኣሎውና።  ኣብ ትሕቲ ዓማጺ መንግስቲ ኢሳያስ ከም ህዝቢ ብዙሕ ተዋሪድናን ሓሲርናን ኢና። ንውርደትና ኣኾምሲዕና ንውሕጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ እውን ንመሕሰሪና ነኽብሮን  ንንእዶን ንዝምረሉን። ስለምንታይ? ድምጽታት ፍርሕን በለጽን ውልቃዊ ጥቕምታትን ነቲ ድምጺ ‘ካብ ንዘልኣለም ኣንጭዋ ኴይንካ ኣብ ትሕቲ መሬት ምንባር ንሓንቲ መዓልቲ ኣንበሳ ኴንካ እንዳጨደርካ ምሟት ይበልጽ’ ዝበለ ድምጺ ነፍሳውን ሃገራውን ኵርዓት ቀቲሎምዎ። ጉድጓድ ኣንጭዋ ንቡርን ጥዑምን ከይኮነና ካብ’ቲ ጉድጓድ ክንወጽእ ይግብኣና። ዶስ ድሮ ንቡር ኴይኑና እዩ?

ዳንኤል ተስፋይ

01.06. 2014

ጀርመን

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Haqi tezareb June 2, 2014

    ኣቶ ዳንኤል በቲ ውሕሉል ቃላቱ ይብል፥
    ” ጉድጓድ ኣንጭዋ ንቡርን ጥዑምን ከይኮነና ካብ’ቲ ጉድጓድ ክንወጽእ ይግብኣና። ዶስ ድሮ ንቡር ኴይኑና እዩ ? ”

    ዝኸበርካ ዳንኤል፣
    ከም ወትሩ ሕልና ዝኹርኩሕ፣ እምሮ ዝኹሕኩሕ ጽሑፍ እዩ።

    እወ ቋንቋታትና ኣብ መጋርያ ሓዊ ካብ ሃሞኽና፤
    ታሪኻዊ መንነትና ካብ ጠለምና፤
    ኣሕዋትናን ደቂ ሓብትናን ናብ ባርነት ባዕዲ ካብ ሸጥና፤
    ንነብስና ንዕቕ ኣቢልና፣ ቋንቋን መንነትን ካብ ተኻረና፤
    ንሕና ደኣ እሞ፣ ድሮ ንቡር ኴይኑና፤
    ቀደም ብዓንተብኡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት እንዲና፣
    ጉድጓድ ኣንጭዋ ንቡርን ጥዑምን መሲልና፤
    ናብ’ቲ ጉድጓድ ተዓሚትና ዝተደርገምና።

  • Hagherawi June 2, 2014

    “ቀደም ብዓንተብኡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት እንዲና፣
    ጉድጓድ ኣንጭዋ ንቡርን ጥዑምን መሲልና፤
    ናብ’ቲ ጉድጓድ ተዓሚትና ዝተደርገምና።”

    Haqi tezareb aka Teclay, Kombishtato, Bokre (15 nicknames)

    You rootless !! you use every occasion to tell us that we were better under you ‘Mama’.
    Shame on you !!

    • Geja June 2, 2014

      al hagherawi accuses haqitezareb, “you rootless !!” Meaning: Adi Zeyblu

      Who is “rootless” or Adi Zeyblu and trying to borrow alien Arabic language by burning Eritrea’s proud Tigre or by abandoning his own Tigrinya as the likes of Salah Gadi did to his Tigrayan-Ethiopian language?

      Read below what some inferiority laced “rootless” people like al Hagherawi did:

      The burning of Tigre books – Saleh Ghadi’s account

      If there is one human being that would never be suspected of ignorance in matters big and small regarding Jebha, it would be Ghadi. So the idea that somehow he was not in the know regarding the burning of Tigre books in mieda would be a joke. Only he didn’t claim ignorance, but came up with an utterly benign version of it.

      Here is the strategy the Awate duo employ in their anesthetizing mission: if any damaging evidence surfaces, deny it; but if the chances of counter-evidence seems to be real, trivialize it.

      Here is how Ghadi handled the claim that I made in this article – that Jebha burned all Tigre books:

      “Saay, this is sounding as if a library was burned. The ‘books’ are actually handwritten, a few pages typed, copies for use as a teaching aid–sort of a curriculum of a few pages. Some of those who wrote it didn’t even speak Tigayet and all those who were pushing Tigrayet in place of Arabic were Tigrinya speakers, including Zemehret. I am not sure but I doubt if few pages reached the duplicator stage. But exaggeration has been the hallmark on such issues.”

      His first reaction was: how do I attribute the burning of the Tigre books to Kebessa elite? This is a brilliant move, because if he could do that, the Tigre elites would be absolved of that horrendous sin of burning their language – for that is what the burning of the books symbolized. First, he claimed that it was written by Tigrignas who don’t speak Tigre (or Tigayet, as he calls it)! The idea is to make it seem a preposterous idea from the very beginning. And in doing that, Ghadi found a perfect scapegoat: Zemhret Yohannes! This is a smart move since it would make many of the Kebessa zombies happy, that being part of the ongoing anesthesiology.

      Ghadi’s second strategy is to trivialize the incident to an inconsequential point: that it is a matter of few handwritten pages. Think of Jebha that has been printing countless pamphlets suddenly preferring to do it the medieval way, with hand-writing scribes toiling in the candle light, when it comes to books!

      Enter Amnuel Hidrat, who spoils this damage control by spilling the beans, telling the Awate duo that the burning concerns 1,500 printed books written by none other than Kerenites (which means that Gadi had heard it before over and over one thousand and one times, as a bed-time story).

      Since the spilling of the beans, we have yet to hear from Gadi on this matter.

      • abdu June 2, 2014

        Geja
        You are really sick obviously psychopath. So; what i can recommend you generously if you can be honest within yourself to admit you have disability and seek professional help or you can dicuss your issue with your loved one and they might help you out .

  • rezen June 2, 2014

    2 June 2014
    Greetings! Daniel
    I just posted the following at your previous interesting article about “Obsession for Power”. I am repeating here to make sure that it is not overlooked. Good luck with your intellectual curiosity. Here it is.

    “In connection with your interest on a complex but interesting subject of the ” mind and soul of Dictators”, please read Dr. James Fallon’s article on the subject. Just go into Google, type his name, and you will find it. It was published on November 2011 in “The Psychopath Inside” under the title “My journey into the Dark Side of the Brain” I found it interesting but I admit the obvious…….”

    • daniel s. tesfai June 3, 2014

      thank you rezen.

  • wahazit amahazion June 3, 2014

    I love your comments Daniel,keep it.

  • Teclay June 4, 2014

    Who is to blame?

    The writer said ” ኣብ ትሕቲ ዓማጺ መንግስቲ ኢሳያስ ከም ህዝቢ ብዙሕ ተዋሪድናን ሓሲርናን ኢና። ”

    Who can not agree with the above statement? NO one . Our humiliation is too big and every where it is difficult not to see it or not to feel it.In fact we have started to accustom and tolerate it.
    The main question is who is to blame? why do every one points his finger towards the individual Isaias or the Gov.
    -Why don`t you point your finger to your self first?
    -How could one in his right mind support this unjustifiable the most idiotic Ghedli in the world?
    Ok! the damage have been done by none than ourselves. The humiliation become our mantel we can not run away.
    As for me the only chance at hand now is “Damage limitation ” ie stopping or minimizing the the refugees by reaching the Tigray religious leaders,intellectuals and the Woyane by it self.
    Do you know how many underage Eritreans have been pouring to the west? even age 10 -12 every body must know what will the fate of these innocent village kids in the wild western culture. Let me repeat it in the wild western world.

    For those of you who feel in love with Eritrean mountains,stones and deserts,Pilot Dejen gave you a good answer if you have any mind at all to entertain.Pilot Dejen said “NAXINET IKO AB HANGOLKA IYU ” But i doubt if you can understand that as it seems your brain also has become fatty as your belly.

  • Shem Albo June 4, 2014

    Thanks dear brother, I enjoy reading your wonderful tigrinia articles.

  • Kombishtato June 4, 2014

    Teclay said, “Dejen Andhishel said ‘NAXINET IKO AB HANGOLKA IYU ‘ But i doubt if you can understand that as it seems your brain also has become fatty as your belly.”

    Brother Teclay, don’t expect a person who chose himself to become an Arab Abeed to understand the brilliant statement made by Dejen. These elite Abeeds and their elite kebesa counterparts hardly believe in themselves, history and identity. These are the cause of Eritrea’s current crisis whom the elites want us to see the effects only but not the cause because they hate to see themselves in the mirror.

    What do you expect from people who burned their own languages only to borrow alien language?

    • Teclay June 5, 2014

      Combishtato

      Brother,as you may know fat is a poor conductor,once you cover by fat like polar animals you don`t fell anything.What can i call them then if they are so stubborn ?
      In fact the useful Kebessa idiots, deep inside they know that Ghedli was wrong but they don`t want to be proved wrong.May be it is something to do with our culture also ,normally we do not ask apology , we do not say ” i make a mistake ” even though it is simple and easy. Otherwise how could on sick in this empty ideology called Eritreanism (Talibanism) .They can not bring a single prove to support this idiotism.

POST A COMMENT