Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደርዘናት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

ደርዘናት ስደተኛታት ደቡብ ካብ ሲችልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ትካል ህጻናት ኣድሕን ገሊጹ::እቲ ትካል ካብቶም ዝደሓኑ ብዝረኸቦ ሓበሬታ:እታ ዝሓለፈ ሰንበት 3 ግንቦት ዝጠሓለት ጃልባ 137 ሰባት ተሳፊሮማ ከምዝነበሩን: 40 ሰባት ከምዝጠሓሉን ገሊጹ:: ወኪል ህጻናት ኣድሕን

ደርዘናት ስደተኛታት ደቡብ ካብ ሲችልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ትካል ህጻናት ኣድሕን ገሊጹ::እቲ ትካል ካብቶም ዝደሓኑ ብዝረኸቦ ሓበሬታ:እታ ዝሓለፈ ሰንበት 3 ግንቦት ዝጠሓለት ጃልባ 137 ሰባት ተሳፊሮማ ከምዝነበሩን: 40 ሰባት ከምዝጠሓሉን ገሊጹ:: ወኪል ህጻናት ኣድሕን ኣብ ካታንያ ሚስ ጂዮቫና ቤኒዴቶ: እታ ናይ ፕላስቲክ ጃልባ ተተኩሳ ትኹን ነፊሳ

ዝተፈልጠ ከምዘየልቦን ብዝሒ ዝጠሓሉ እውን ብንጹር ከምዘይተረጋገጸ ሓቢራ:: ንሳ ገለ 40 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ከለው ካልኦት ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ከምዝሞቱ ምግላጾም ኣፍሊጣ::ዛጊት ካብቶም ዝጠሓሉ 5 ሬሳ ብመርከብ ንግዲ ማልታ ወጺኡ ኣሎ::

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 350 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 900 ስደተኛታት  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይፍለጥ::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • fthawi May 7, 2015

    ሃብተ
    አነ ምስ ሪኢቶካ እሳማማዕ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝወርደና ዘሎ መርገም እዩ እንዳልካ ንስንፍናና መሸፈኒ እዩ

POST A COMMENT