Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሞርክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ – ኣብ ለንደን

ደሞርክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ  ሰላማዊ ሰልፊ ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ! ዕለት፥ 24 ግንቦት 2013 ካብ ሰዓት 1.00  ክሳብ ሰዓት 5.00 ድሕሪ ቀትሪ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ ቤት መራሕ መንግሥቲ ዓባይ ብሪጣንያ፥ ጎደና ‘ዳውኒንግ ስትሪት’ ቍ. 10 ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ

ደሞርክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ  ሰላማዊ ሰልፊ ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ!

ዕለት፥ 24 ግንቦት 2013 ካብ ሰዓት 1.00  ክሳብ ሰዓት 5.00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ ቤት መራሕ መንግሥቲ ዓባይ ብሪጣንያ፥ ጎደና ‘ዳውኒንግ ስትሪት’ ቍ. 10

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገርና:- ኣዋሃሃድቲ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ፥ ነተን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ: ኣብ ስደት ዝርከባ:  ዝተፈላለያ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ወኪልና፥ ንኹላቶም ኤርትራውያንን: ፈተውቲ ሃገርና ዝኾንኩም ኣካላትን ናብዚ ኣዳሊናዮ ዘለና ሰላማዊ ሰርልፊ ክትሳተፉ፥ ብትሕትና: ግን ከኣ ኣትሪርና: ንዕድመኩም።

ካባና ደኣ ኣይትደልዩዎን ትኾኑ እምበር፥ ንሕዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ መዓት ከቢድ ክንዲ ዝኾነ፥ ሃገርና ኣብ ኣፈርክቡ እያ ትርከብ ዘላ። ኣብ ሕዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መዓት ክነቃልልን ደሞክራስያዊ ልውጢ ክንረክብን፥ ኩላትና ሃገራውያን ተኣኪብና ድምጽና ክነስምዕ፥ ናይ ኣፈርክቡ ኣውያት ነቃልሓልኩም ኣለና።

ኩላትና ከም አንፈልጦ፥ ሃገርና ድሕሪ መሪርን ዝተሓላለኸን ብረታዊ ቃልሲ፥ ብግብሪ ናጽነታ ዝረኸበትሉ 24 ግንቦት 1991 ክኸውን ከሎ፥ ብዕሊ ልዑልነታ ዝረኸበትሉ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብ1993 እዩ። እቲ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ብዋጋ ዘይትመን ትንፋስ ደቂ ሃገር በሊዑ፤ ማእለያ ዘይብሉ ነብረትን ጥሪትን በሪሱ፤  ብሰንኪቲ ሕልኽላኻት ቃልስናውን ብዙሕ ዕድላት ኣምሊጡና እዩ።

ድሕሪቲ ኩሉ ህልቂትን ስቅያትን ዝተረኽበ ዓወት፥ ንሕዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆናን ካብ ስቅያትን፡ ናብ  ናጽነትን ቅሳነትን፡ ከሳግሮ እዩ ቢልና ዝተጸበና፥ ንሕና ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮና፥ እንተላይ  እቶም ፈተውትናን፥ ገለ ብማዕዶ ዘቋምቱ ዝነበሩን እውን ልዑል ተስፋ ጌሮም ኔሮም እዮም።

የግዳስ ግልባጥ ናይቲ ዝተጸበናዮ፥  ኣብ ሃገርና ፍጹም ምልካዊ ሥርዓት ተተኺሉ፥ ኣብ ሃገርና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጭቆናን፡ ሕሰምን፡ ስቓይን ይወርድ ኣሎ። ሕይወት ኤርትራውያን ዝሓሰረ ኮይኑ፣ ክብርና ተቐንጢጡ፣ ባህልና ተበሊሉ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ባርያ ተቐዪሩ ኣብ ጎቦታት ኤርትራ ከርተት ምስ በዝሖ፥ ንቕድሚኡ ይጠፍእ ኣሎ።

እግረይ ኣውጽእኒ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፥ ገሊኡ ብብረት ኣሕዋቱ ሞይቱ፤ ገሊኡ ብጽምእን በትማንን ሞይቱ፤ ገሊኡ ኣብ ምድረበዳ ገሊኡ ኣብ ባሕሪ ጠፊኡ፤ ገሊኡ ከኣ ኣብ ኢድ ሕሱማት ወዲቑ ኣካላቱ ተመቲሩ ናብ መሸጣ ይወርድ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኤርትራውያት ዝወርድ ዘሎ ዝቓይን መከራን ብቓላት ክትገልጾ ከቢድ እዩ!

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግሥቲ ኣብ 1993 ክቐውም ከሎ፦ መሰጋገሪ ኢሉ ርእሱ ጸዊዑ፥ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመት ሥልጣኑ ናብ ሕዝቢ ከረክብ፥ ቅዋማዊ ሥርዓት ክተክል ምዃኑ ብዕሊ ኣዊጁ እዩ ፈሊሙዎ። ሕዝቢ ኤርትራ ግን ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍኤ፡ ናብ ህልቂት፡ ደኣ ይሳገር ኣሎምበር፥ ቅዋማዊ መንግሥቲስ ኣይረኸበን።

ድሕሪ 22 ዓመት ኣብ ሥልጣን ምጽንሑ: እዚ መሳግሪ እየ ዝበለ መንግሥቲ፥ ነዛ ሃገር ካብ ክሃንጻስ ከፍርሳን ከብርሳን ዝቐሎ እዩ ዝመስል። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ጠፊኡ እዩ:: ሰብኣዊ መሰለ ዜጋታት ኣይሕሎን፡ ይገሃስ፤ ንመንግሥቲ ኤርትራ ዝጽልኦ ሓሳብ ዘለዎ ወይውን ዝተቓወመ ሰብ ‘ከዳዕ’ ይብሉዎሞ ሰብ ኣብዘይጾሮ ምድረ ገሃነም ይኣስሩዎ። ብዘይ ክሲ ብዘይፍርዲ።

ናጽነት ዝብሃል የልቦን፦ ሓሳብካን ርእቶኻን ምግላጽ ኣይፍቀድን፤ እትፈልጦ ምጽሓፍ ክልኩል እዩ:: ጥሪትን ንብረትን ክትውንን ኣይፈቱን፤ ዜጋታት ሰላማዊ ናብራኦም ክመርሑ ኣይፈቅድን፤ ኤርትራውያን ክመሃሩን ክምዕብሉን ዝብል ድላይ ስለዘይብሉ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣሥመራ ተዓጽያ ትርከብ።

ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝሃልቁን ዝሳቐዩን ዘለዉ ዜጋታት: ግዝያዊ መንግሥቲ ኤርትራ ኣይግደሰሎም ኣይዛረበሎም። ኤርትራውያን ዝጣበቐሎም ስኢኖም ይሳቐዩ ኣሎዉሞ፥ ኩላትና ተኣኪብና ድምጺ ንኹኖም፥ ኡይ! ንበለሎም::

ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ በልማማ ወተሃደራት ኮይኖም ከገልግሉ ግዱዳት እዮም። እዚ ኣገልግሎት እዚ ንዓመትን መንፍቕን ኢሉኳ እንተጀመረ፥ ካብ 2002 ንደሓር ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝዕስከር እምበር ዝፍደስ ኣይተራእየን። ወላኳ ንደቂ 18-40 ኢሉ እንተጀመረ፥ ሎሚ ክሳብ 47 ዝዕድመኤን ደቀንስትዮን ክሳብ 56 ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ግዱዳት እዮም። ኣብ ዘመን ግዝያዊ መንግሥቲ ኤርትራ፥ መዋእል ዜጋታት ኣዝዩ ትሒቱ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን መብዛሕትኦም እዞም ተገልግሉ ኣሎምኹም ዝተባህሉ ባራዩ ግዝያዊ መንግሥቲ ኤርትራ፥ ስድራቤቶምን ርእሶምን ክጥውሩ ከይበቕዑ ካብዚ ዓለም ክሓልፉ ይኽእሉ እዮም።

ንሱ ከይኣክል ድማ፥ ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ ኤርትራ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ካብ ጭቆናን መወዳእታ ዘይብሉ ሕሰምን ክሃድሙ ከለዉ፦ ሃባ ተቐበላ፥ ኣብ ኢድ ጨወይትን ኣብ ኢድ ርጉማት ዝኾኑ ሰብ ዝነግዱን ይወድቁ ኣለዉ። ኣብ ኢድ እዞም ሕሱማት ሰባት ዝኣተዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተቐቲሉም፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ከም እንስሳ ተጠቢሖም ክፍሊ ኣካላቶም ዝተሸጡን ሬሳታቶም ዝተድርበዩን ንርእን ንሰምዕን ኣለና። እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኤርትራ ንዜጋታታ ኣዝያ ምድረ ገሃነም ክንዲ ዝኾነቶምን ተስፋ ስለዝሰኣኑላን እዩምበር ፈትዮም ኣይኮኑ።

እዚ እንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ዋሕዚ መንእሰያትን ስቅያትን እንተቐጺሉ፥ ህላወን ቀጻልነትን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ክወድቕ እዩ ዝብል ገምጋም፥ ብዙሓት ዝሰማምዑሉ እዩ።

ሕይወት መንእሰያትና ክነድሕንን፥ ሃገርና ካብ ጥፍኣት ክነድሕንን እንተደሊና፥ ኩላትና ተኣኪብና፡ ሓቢርና ብምሥራሕ፥ ሓደ ለውጢ ኽነምጽእ የድልይና። ብቕዋም ዝምራሕን ብሕጊ ዝቕየድን፥ ሕዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግሥቲ ክንተክል የልየናሎ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ሃገራውያን ደቂ ኤርትርራ! ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ዝኸፍእ መርገምን ሕሰምን የልቦን። ከምዚ ኢልና ተጸሚምና ዲና ወይስ ፈሪህና ክንቅጽል ስለ ዘይንኽእል፥ ተሓጋጊዝና ሕዝብናን ሃገርናን ነድሕን። ሎሚ ዓዓቕምና እንተ ዘይጌርና፥ ከም ዜጋታት መጠን ግቡእና ንዝንግዕ ኣለና ማለትዩ።

ሃገርና ኣብ ኣፈርክቡ ስለዘላ፥ ሕዝብና ክነድሕን ብዝብል መንፈስ ኢና ናብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ብዓቢ ኣኽብሮትን፥ ብረዚን ሃገራዊ ሓላፍነትን ንጽውዓኩም ዘሎና።  ከም ንቡርስ ኣብ መዓልቲ ናጽነት፦ በዓል ክግበር እዩ ዝግባእ ዝነበረ። ሃገር ኣብ ገምገም ጸድፊ ከላሞ ከምይ ጌርካ በዓል ክትገብር ትኽእል፣

ወለዲ መዓንጣኦም ሓሪሮም ብጓሂ አንዳ ተሓመሱን አንዳ ሞቱን፥ ሞይቶም ድማ ዝቐብሮም ዘይረኽቡ!

ኤርትራዊት ጓል ኣንስተትይቲ አንዳተዓመጸት!

ሃገርና ካብ ቤት ትምህርትን ቤት ሕክምናን ቤት ማእሰርቲ መሊኣ፥ ካብ ኩላተን ሃገራት ዝኸፍአት ሃገረ ጭቆና ተባሂላ!

ሕሰምና ንኽሓጽር እምብኣር፦ ኩላትና ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ሃገራውያን፥ ብብዝሒ ተኣኪብና ድምጽና ዓው ኣቢልና፥ ጭቆናን ማእሰርትን፤ መጭወይትን መቕተልትን፤ ስደትን ከርተትን፤ የብቅዕ፥ ይኣክል! ይኣክል! ይኣክል! እንዳበልና፥ ሕጋውን ቅዋማውን መንግሥቲ ኢና ንደሊ ንበል።

ኣብ ክንዲ ውጹዕ ሕዝብና ኡይ! ንበል።

ብሰላም ምጽኡ

ኣወሃሃዲት ሽማግለ

ሎንዶን 10 ግንቦት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA May 23, 2013

    ንሕዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ መዓት ከቢድ ክንዲ ዝኾነ፥ ሃገርና ኣብ ኣፈርክቡ እያ ትርከብ ዘላ።
    That is no exaggeration at all ,I share your feeling that is why I am trying to provoke people in to thinking…..I have the best wish for our people.

    We have been warned..while hoping for the best…we have to prepare for the worst.

  • milena May 24, 2013

    Dear Reader
    I admire with the back ward sentiments of some Eritrean just saying that the dictator leader uses and calls the name as WEYANE for the opposition part of an Eritrean.Similarly the opposition uses and calls for the dictator leadership as AGAME.
    Do you know the meaning and connotation of both names Agame is the leader of Eritrean starting from 18 century until now. Weyane or agame by default is the genuine leader of horn Africa. So way don’t believe and prey to be agame we are, we were and we shall live under the agame dynasty for ever.
    WE CAN’T HAVE RULE OF LAW
    WE CAN’T HAVE FREEDOM FO MOVEMENT IN SIDE OUR COUNTRY
    WE CAN’T CHANGE LEADERSHIP
    Being an Eritrea during the Ethiopian administration is the best one in any parameters. the only Eritrean can live with modern life style in the world is seen only when we are with Haileslasei. The respection and proud of the citizen was assured when we are getting with our Ethiopian brothers and sister. This is the truth history of Eritrean who couldn’t deny any body of the past and the present generation.
    During the colonies of Turkish, Italy, Britain is better than the worst life after independence. the only point what we have seen is flag for nothing.
    WE CAN’T ALLOW A DO PROCESS
    WE CAN’T ASK, WHY ARE ERITREAN PUT IN PRISON WITHOUT A DAY IN COURT?
    DO WE NEED THAT MANY PRISON FACILITY?
    WE CAN’T HAVE ANY INDEPENDENT PRESS
    HOW IS IT HELPFUL TO THE BOREDER ISSUE AND ETHIOPIAN THREAT, TO MAKE SURE ERITREAN ARE BEATEN TO SUMMATION, RATHER THAN EMPOWERING US?
    God bless agame Eritrean with beloved Ethiopia
    Reply ↓

POST A COMMENT