Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደም ኤርትራውያን መባድልቲ ነዳዲን ዶላርን ክኸውን’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ክብሩን ልኡላውነቱን ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ፡ ዝሕለፎ ሓሳረ-መከራ፡ ዝባኸነ ገንዘብን ዝዓነወ ንብረትን ብገንዘብ ዝትመን ኣይኮነን። ህዝብና ናጽነቱ ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ ነቲ ብሰንኪ ኩናት ዝዓነወ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽላታቱ ክሃንጽ፡ ዝተሰደን ዝተመዛበለን ህዝቢ ናብ መንበሪኡ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ክብሩን ልኡላውነቱን ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ፡ ዝሕለፎ ሓሳረ-መከራ፡ ዝባኸነ ገንዘብን ዝዓነወ ንብረትን ብገንዘብ ዝትመን ኣይኮነን። ህዝብና ናጽነቱ ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ ነቲ ብሰንኪ ኩናት ዝዓነወ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽላታቱ ክሃንጽ፡ ዝተሰደን ዝተመዛበለን ህዝቢ ናብ መንበሪኡ ክምለስን ክጣየስን፡ ትካላውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ከማዕብልን ምስ ከባቢኡን ዓለምን ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዝምድናታት ክምስርትን ሕልሚ ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ስጊንጥር ፖሊሲታት፡ ኩሉ ባህግታትና ኣንጻር ሃንቀውታናን ረብሓታትናን ተቀይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ቀሲኑ ከይደቀሰ በብተራ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ልቦና ስርዓት ህግደፍ ዝጎደሎ ኩናት ተጸሚዱ፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓያዪ ጉልበት ተሸሪቡ፡ ህዝብና ብሓለንጊ ጥሜትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ተሳቕዩ፡ መንእሰያት ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን ኮይኖም። ስም ኤርትራ፡ ተናኻሲት፡ ሓብሓቢት ኣልሸባብ፡ ረጋጺት ሰብኣዊ መሰልን ከምኡ’ውን መለለዪን ኣብነትን ናይ ኩሉ ሕማቅን ድሕረትን ኮይኑ። ስርዓት ህግደፍ ግን በቲ ካብ ናጽነት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝፈጸሞ እከይ ተግባራት ከይተማህረ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይረብሓሉን ኣብ ዘይምልከቶን ኩናት የመን ጠቢሱ ህይወት ንጹሃት ደቁን ገንዘቡን ክዘቁቕ፡ ብሕጓ ሰንካም ዝርርባት ከካይድ ጸኒሑ። ከም መቀጸልታ ናይቲ ብታሕቲታሕቲ ንኣዋርሕ ክሰላሰል ዝጸንሐ መርገጺኡ ኣብ ጉዳይ የመን፡ ወልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምስ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣብ ርያድ ብምርካብ፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣብ ጉዳይ የመን ብዕሊ ጣልቃ ከምዝኣቱ ገሊጹ። እቲ መግለጺ፡ ከም ኣካል ናይ ሰፊሕ ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ኣንጻር ግብረሽበራን ስርዓትኣልቦነትን ብምህናጽሰላምን ጸጥታን ዞባና ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝወሰደቶ ተበግሶ ምቛም ኪዳን ኣንጻር ግብረሽበራ፡ ኣገዳሲ ስጒምቲ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምን ምዃኑ ስለዝኣምን፡ ብዘይ ዕቃበ ከምዝድግፎን ምስኡ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑን የረጋግጽይብል።

ኤርትራ ኣብ ተኣፋፊ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ስለዘላ፡ ኣብ የመንን ካልእ ከባብን ዝፍጠር ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ከምዝጸልዋ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝኽሰት ንቡርን ዘይንቡርን ተርእዮታት ብኸመይ ትምክቶን እንታይ ግብረመልሲ ትህበሉን ትኩርነትን ተዓጻጻፍነትን የድሊ። ብቀንዱ ድማ ትወስዶ ምርጫ ንረብሓን ድሕነትን ሃገርካን ህዝብኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሉ ግጭት፡ ንየመናውያን ዝምልከትን ብዘተ ክፍታሕ ዘለዎን’ዩ። እቲ ጸገም ግን ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተደጎለን ፈኸም ክብል ዝጸንሐን ድኣምበር ሓድሽን ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝተፈጥረን ኣይኮነን። ብኣውራኡ ድማ ኣብ መዋእል ፕረሲደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ምምቅራሕ ጸጋታት፡ ድሩት ምዝርጋሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ውድድር ስልጣንን ከምኡ’ውን ናይ ቀቢላታትን ሃይማኖትን ምትፍናን ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ቁሩቁስን ሕዱር ሕማምን’ዩ። ኩነታት የመን ካብ ኢድ ዋናታቱ ስለዝወጸ ከኣ፡ ስዑድ ዓረብያ ትመርሖ ልዕሊ 30 ኣባላት ሃገራት ዓረብን ባርኾት ኣመሪካን፡ ንተኸተልቲ ሱኒ ዝድግፍ በቲ ሓደ፡ ንኣመንቲ ሃይማኖት ሽዓ ዝውክል ኢራን ትመርሖ ግንባር ድማ በቲ ካልእ፡ ጽልዋታትን ረብሓታትን ንግስነት ስዑድያን ኢራንን ንምሕላው፡ ህዝቢ የመን መዕንደሪ ዓውደ ኩናት፡ ተሰካሚ ኣደራዕን ኮይኑ’ሎ። እዚ ዝግበር ዘሎ ዘይቅዱስ ኪዳናትን ወተሃደራዊ ምትእትታውን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሓደ ሃገር ኣቲኻ ንሓደ ኣብ ስልጣን ምድያብ ነቲ ካልእ ድማ ምጥፋእ ስለዝኾነ፡ ውጽኢቱ ዘየድሊ ሓድሕድ ኩናትን ዘይምትእምማንን ዝፈጥር እምበር ዘላቂ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ዛጊት ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣጋር፡ ደብዳባት ነፈርትን ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ግደ ሞት፡ መቁሰልትን ምምዝባልን ኮይኖም ትሕተ ቅርጽን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዓንዩ’ሎ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ኩነታት’ዩ ኢዱ ክሕውስን ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሓዊ ክጠብሶምን ክሊ መሬቱን ማያቱን ኣብ ዕዳጋ ከውርዶ ዝህቅን ዘሎን።

ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተወከለ ቅዋማዊ ስርዓት እንተዝህሉ፡ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሰራዊታ ክትልእኽ፡ ሕግታታ ብዝእዝዞ ወይ’ውን ህዝቢ ዝወከሎ ኣካል ክውስን እምበር ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ኤርትራ ከም ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም መጠን፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን መድረኻትን ሕጊ ብዘፍቅዶን ምስ ረብሓታታ ዘይቃረንን ተሳታፍነት ከተካይድ ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነት ኣለዋ። ንግስነት ስዑድያ ከም ሃብታምን ጎረቤትን ሃገር መጠን፡ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኤርትራ ትርጉም ዘለዎ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ፖለቲካን ምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ክህልዋ ትጽቢት ዝግበረላ’ኳ እንተነበረ፡ እንተስ ብባህርያት ህግደፍ ዘይምሕጓስ ወይ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ምርጫ፡ ብዘይካ’ቲ ሃይማኖታዊ ጽልዋታታ ንምስፋሕ ትምጥዎ ገንዘብ፡ ኣብ ትሕቲ ሃብታማትን ነገስታትን ስዑዳውያን ኣብ ጊልያዊ ናይ ገዛ ስራሕን መርወይ ጾታዊ ስምዒታትን ንምዃን ብመልክዐን ዝተመርጻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስዑድያ ክኣትዋ ፍቃድ ምሃብ፡ ኢሳያስ ክሓምም እንከሎ እትህቦ መደቀሲ ዓራትን ብዘይሓታቲ ካብ ማያት፡ ደሴታትን ጎላጉል ምብራቃውን ሰሜናውን ዞባታትና፡ ምሩጻት እንስስ ዘገዳም ምህዳንን ናብ ዓዶም ምውሳድን ዝሓልፍ ሚዛን ዝወሃቦ ምትእስሳር የብላን።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ንግስነት ስዑድያን ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ዝግበር ዘሎ ዘይቅዱስ ኮሸምሸም ድማ፡ ረብሓታት ስዑድያ ንምሕላው፡ ንኤርትራውያን መዝሓል ጥይት ንምግባሮም፡ ወደባትን ደሴታትን ኤርትራ ኣብቲ ኣብ የመን ዝግበር ዘሎ ኩናት ንወተሃደራዊ መዓላ ከገልግል ፍቃድ ምሃብን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ከም ዓስቢ ናይዚ ድማ ስዑድ ዓረብያ ነቲ ኣብ ሰላም እዋን ንልምዓታዊ መደባት ህዝቢ ኤርትራ ኣእዳዋ ዘይዘርግሓቶን ነቲ ኣብ ዓለምን ከባቢናን ብተግባራቱ ተነጺሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ነዳዲ፡ ገንዘብን ካልእ ንዋትን ከተሕቁፎን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ድማ ህግደፍ ግዝያዊ ትንፋስ ክረክብ ክፍትን’ዩ። ንግስነት ስዑድ ዓረብያ፡ ግብረ-ሽበራ ንምምካትን ሰላም ከባቢና ንምውሓስን ናይ ኣማን ድሌት እንተዝነብራ፡ ነቲ ኣብ ሊብያ፡ ፍልስጤም፡ ሶርያን ዒራቅን ዝካየድ ዘሎ ህልቂትን ናይ ግዳም ምትእትታውን ንምህዳእ ዕቱብ ተራ ክትጻወት ነይርዋ። እቲ ሓቂ፡ ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፍ ሓይልታት ሑቱ ኣብ ስልጣን ምምጻእ፡ ነገስታት ስዑድያ ምብቃዕ ንግስነቶም ኮይኑ ስለዝተሰመዖም፡ ንሑቱ “ግብረ ሽበራ” ብዝብል ስም ብምጥማቅ ኣንጻሮም ዘመተ ተኻይዱ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ቀንዲ ንኤርትራውያን ዘገድሰና ጉዳይ ምፍዋስ ናይ ባዕልና ሕማም’ዩ። ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግብረ ሽበራ ንላዕሊ ስለዝኾነ፡ ህግደፍ ኣብ ዓይኑ ዘሎ በሰር ከይኣለየ ብዛዕባ ኣበራት ግብረሽበራ ክዛረብ እንከሎ ምጥቃው’ዩ። ህግደፍ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ምምሕዳሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎምን ንነጋዶ ሰብ ተሓሪጦም ገንዘብ ከፊሎምን ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝጠሓሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሲናይን ካልእ ቦታታትን ብጥሜትን ጽምእን ዝሞቱን ብኣራዊት ዝተበልዑን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ዝተኸላበቱን ሰብኣዊ መሰላቶም ዝተጋህሰን፡ ከድሕኖምን ክጠባቀሎምን ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰደን ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ባሕሪ ዝጠሓሉን ብግብረ ሽበራ ዝተቀትሉን’ውን ከም ዜጋታቱ ክፈልጦም ኣይክኣለን ንስድራቤቶም ጽንዓት ይሃብኩም ኣይበለን። ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘሳወሮ ኩናትን ኣብ ሶማልያ፡ ዓበይቲ ቀላያትን ሱዳንን ብምስጢር ተላኢኾም ዝሞቱ ኤርትራውያን ዝግባእ ክብሪ ክህቦምን ነቶም ዝተማረኹ ክፈልጦምን ንምፍትሖም ክጣበቀሎምን ፋዕራ ኣይገበረን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይረብሓሉን ከም ቀዳምነታቱ ዘይሰርዖን ኣብ ውራይ እንዳማቱ ምሩጻት ደቁ ክኸፍል፡ መሬቱ፡ ክሊ ኣየሩን ባሕሩን መዋፈሪ ኩናት ክኸውንን የመናውያን ከድምን ምሕሳብ፡ ብዘይካ ጽልእን ዕንወትን ረብሓ የብሉን። እታ ድሮ ብህግደፍ ተሓሚሳን ደኽያን ዘላ ሃገርና ድማ፡ ዕላማ ግዳማዊ ግብረ-ሽበራን ሕነ-ምፍዳይን ክትከውን’ያ። ሽዑ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ኣመሉ ኣብ ባይታ ዘየለ “ብደገ ተደፊርና” ኢሉ ንህዝብና ከለዓዕል ክጽዕር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንሰራም ተንኮላት ብኣጋ ክጎርሓሉን ኣንጻር ኩሉ ማእለማ ህግደፍ ብትብዓት ክምክቶን ይጥለብ። እንተ ህግደፍ ግን ስልጣኑ ንኸናውሕን ህብዝና ክረግጽን መባድልቲ ደም ኤርትራውያን ካብ ንግስነት ስዑድያ ማእእለያ ዘይብሉ ገንዘብ፡ ነዳድን ካልእ ጉንዖን ክግሕጥ’ዩ።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ታሕሳስ 23, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • osman December 24, 2015

    ኣሰና ናይ መረረን አሉታዊ ኣረኣእያ እምበር ኣወንታ ናይ ኤርትራ ዘይቃላሓሉ ዘይ ሚዛናዊ
    ማሕበራዊ መራኸቢ ኮይኑ። ስለዚ ተኣማኒ ኣየኮነን። ወዲ መምህር። መልሰሉ!!!!!

  • AHMED SALEH !!! December 24, 2015

    We must be untrustworthy if we react surprised if Issayas decided to
    send Eritrean troops along the coalition in Yemen . After independence
    he sent young SAWA recruits to fight unjust wars and nobody questioned
    him publicly for explanation but now when everybody felt the blow of his arm fist started to speak not from inside but from outside the country.
    That shows Eritrean lives are under mercy of one man vision worst than
    Mubarak , Saddam and other in our region .
    I think he want follow Weyane steps to send their troops for financial
    gain .

POST A COMMENT