Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምዳሚ መግለጺ ዋዕላ «ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን» – ፍራንክፈርት

  ዋዕላ «ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን» ካብ ዕለት 23.08-25.08.2019ኣብ ከተማም ፍራንክፈርት ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተገበረ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ዋዕላ ውልቀሰባትን፣ ኣባላትን መራሕትን ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፣ናይ ኩለን ላዕለዎት መራሕቲ ውድባትን ዝተፈላለዩ ሙያውያንን ናይ ዜና

 

ዋዕላ «ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን» ካብ ዕለት 23.08-25.08.2019ኣብ ከተማም ፍራንክፈርት ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተገበረ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ዋዕላ ውልቀሰባትን፣ ኣባላትን መራሕትን ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፣ናይ ኩለን ላዕለዎት መራሕቲ ውድባትን ዝተፈላለዩ ሙያውያንን ናይ ዜና ማዕከናትን  ዝተሳተፍዎ ኣገዳሲ ዋዕላ ከምዝነበረ ተራእዩ። ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ካብ ኣውስትራልያን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተወከሉ ዜጋታት ምስታፎም ንኣደለውቲ ኮነ ንተካፈልቲ ዋዕላ ፍሉይ ስምዒት ከምዘሕደረ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።

ዓርቢ ዕለት 23.08.2019 ኣባላት ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ናይ ጀርመን ንኣጋይሸ ድሙቕ ኣቀባብላ ብምግባር ፈሊመንኦ፡

ድሕሪዚ ብሓርበኛታት ኣዴታት ንተሳተፍቲ ዋዕላ መሰረታዊ ናይ ኤርትራዊት ኣደ ምሕጽናታ ኣቕሪበን። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ፍልልያት ኣመሓዲሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብሓባር ኮይኖም ክቃለሱ ግቡኦም ከም ዝኾነ ኣትሪረን ኣተሓሳሲበን።

ብምቕጻል ብኣፈኛ ኮሚቴ ንቕሎ ኣዴታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰላምታ ቀሪቡ። ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ውድባት፣ ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ድማ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ተነቢቡ።

ቀዳም ዕለት 24.08.2019 ናይ ዎርክሾፕ መዓልቲ ኮይኑዩ ውዒሉ። ብሰለስተ ምሁራት ዝቐረበ ንመሪሕነት፣ንዕርቅን ንዲፕሎማሲን ዝምልከት ትምህርታዊ ኣርእስትታት ቀሪቡ። ቀጺሉ ብኮሚቴ «ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን» ዝቐረበ ንድፊ፣ ዕማም፣ ኣቃውማን መጻኢ ኣሰራርሓን ናይታ ክትቀውም ትድለ ኮሚተ ዝምልከት ሰነድ ቀሪቡ። ድሕሪ’ዚ

መደብ’ዚ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተመቒሎም ነቲ ኣርእስታት ብሰፊሕ ድሕሪ ምምይያጥ ጽሟቕ ናይቲ ኣብ ጉጅለታት ዝተካየደ ክትዓት ናብ ኩሉ ተሳታፊ ቀርቡ። እቲ በቶም ምሁራት ዝቐረበ ሰለስተ ጽሑፋት ኣብቲ ዕለት   ክዛዘም እንከሎ፣ እቲ ብኮሚቴ ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝቐረበ ንድፊ ዝግበር ክትዕ ግን ንጽባሒቱ’ውን ክቕጽል ኣገዳሲ ኮይኑ ተራእዩ። ከምቲ ዝተመደቦ ድማ ሰንበት ዕለት 25.08.2019 ብዛዕባቲ ቀዳም ዘይተዛዘመ ኣርእስቲ ዝርርብ ቀጺሉ።

እዚ ዋዕላ’ዚ መራሕቲ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ህዝባዊ ማሕበራት፣ ሙያውያንን ህዝቢን ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢሎም ዝዘተይሉን ብዘይ ምንሕሓፍ ዝተነቓቐፍሉን ምንባሩ  ኣብ መጻኢ ሓባራዊ ቃልስና ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ዝእመነሉ ዕድል ኢዩ።

ፖለቲካውያን ውድባት እቲ ኣብ ሚኖሶታ ዝፈርምኦ ስምምዕን ጀሚረንኦ ዘለዋ ኣፈናዊ ርክባትን ክቕጽልኦን ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ መደምደምታ ከብጽሕኦን ተማባጺዐን ምህላወን፣

እተን ብጽላል መልክዕ ይኹን ብተነጸል ዝቃለሳን ተመሰሳሊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለወን ውድባት ኣብ ሓድነት ንምምጻእ  ዘለዋ ናይ ሓድነት መስርሕ ኣብ ዝሓጸረ እዋን  ከሳልጠኦ ምትስፋወን፣

እተን ብሃገር ደርጃ ክጥርነፋ ተበጋጊሰን ዘለዋ ህዝባዊ ማሕበራት ንዘካይደኦ ጻዕሪ ምሉእ ተሓባበርነት ናይ ኩሉ ተሳታፊ ዋዕላ ክህልወን ምኳኑ ምርግጋጽ፣

ሲቪክ ማሕበራት መንእሰያትን ካልኦት ናይ ሙያ ማሕበራትን’ውን ኣብዚ ናይ ሓባር ስራሕ’ዚ ክጽንበሩ ኣብ ጉዕዞ ምህላዎም ኣገዳሲ ስጉምቲ ኮይኑ ተራእዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ  ኣብቲ ንድፊ ቀሪቡ ዝነበረ ነጥብታት ኣብ ዕማምን ኣቃውማን ናይቲ ዝቐውም ኣመራርሓ  ሰፊሕ  ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለል ዝኽእል መደምደምታ ተበጺሑ።

  • «ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን» ጀሚረንኦ ዘለዋ ናይ ተጽዕኖ ቃልሲ ዝምጎስን ኣድማዕን ምኳኑ ድሕሪ ምእማን በርቲዑ ክቕጽል ኣድላዪ ምኳኑ ተኣሚኑሉ።

–  እተን ውድባት ጀሚርናዮ ኣሎና ዝብልኦ ናይ ምጥርናፍ መደባት ቀጻሊ ምክትታል ክትገብርን፣ ውጽኢቱ በብእዋኑ ክትሕብርን ሓላፍነት ኮሚተ ንቅሎ ኣዴታት ክትስከም፣

  • ኩሎም እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ መራሕትን ኣባላት ውድባትን፣ ወከልትን ኣባላትን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ማሕበራትን ምስቲ ዝቐውም ኮሚቴ ሙሉእ ምትሕብባር ክገብሩን፣ኮሚተ ንቅሎ ኣዴታት ድማ ሙሉእ ምትሕብባርን ማንቅስቓስን ከተካይድ፣

 

 

  • ውድባት ኣብ ከከተምኡ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት ክድግፉን ኣባላቶም ንጡፍ ተሳትፎ ክገብሩን ቃል ኣትዮም። ኮሚተ ንቕሎ ኣዴታት ድማ ክትከታተሎን ሓላፍነት ተዋሂቡዋ።
  • ዓቕሚ ኮሚቴ ንቕሎ ኣዴታት ንምዕባይ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝጎደሉ ዝትክኡ ዓሰርተ ሓደስቲ ሰባት ካብቲ ዋዕላ ገለ ብወለንታ ገለ ድማ ካብቲ ገዛ ተረቝሖም ብሙሉእ ድምጺ ከምዝምረጹ ድሕሪ ምግባር፣ ቁጽሪ ኮሚተ ንቕሎ ናብ 25 ከምዝድይብ ተወሲኑ።
  • ኣብ መወዳእታ ድማ ዝጽንሑን ሓድሽትን ኣባላት ንቕሎ ኣብ ቅድሚ ተሳታፋይ ቀሪቦም ሙሉእ ተሳታፋይ ደገፉ ብድምጺ ገሊጹ።
  • ዕድመ ናይዛ ሓዳስ ኮሚቴ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክኸውን ብድምጺ ተውሲኑ፣ ኣብ እዋኑ ምሉእ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ከተቕርብ ምኳና ድማ ተሪር ለበዋ ተዋሂቡ።

 

ተሓባቢርና ህዝብናን ሃገርናን ነድሕን!

 

ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን

ፍራንክፈርት ጀርመን

25.08.2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT