Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምና ከይሓተካ!

ደምና ከይሓተካ!   ዕዳኻ'ባ ኪፈል ባሕሪ ከሓሰና ስለኻን ንኣኻን ከምዛ ዘይደመና ከምዘን ደቂ ዛግራ እናተበትንና ዓይንኻ ዓሚትካ እትጥምተና እንታይ እዩ እቲ ጸገም እስከ ንገረና!?   ንስኻ እንከለኻ ደምና ዘስብሓካ *ብጻኦት ክንስደድ ድሕሪት ገዲፍናካ   *ብብዝሒ ትም ኢልካ ትዕዘብ ከምዘይምልከተካ ነቲ መጥፍኢና ዓገብ ዘይምባልካ ግደፍ'ባ ባሕሪ ደምና ከይሓተካ!   ንሃልሃልታ ሓዊ

ደምና ከይሓተካ!
 
ዕዳኻ’ባ ኪፈል ባሕሪ ከሓሰና
ስለኻን ንኣኻን ከምዛ ዘይደመና
ከምዘን ደቂ ዛግራ እናተበትንና
ዓይንኻ ዓሚትካ እትጥምተና
እንታይ እዩ እቲ ጸገም እስከ ንገረና!?
 
ንስኻ እንከለኻ ደምና ዘስብሓካ
*ብጻኦት ክንስደድ ድሕሪት ገዲፍናካ   *ብብዝሒ
ትም ኢልካ ትዕዘብ ከምዘይምልከተካ
ነቲ መጥፍኢና ዓገብ ዘይምባልካ
ግደፍ’ባ ባሕሪ ደምና ከይሓተካ!
 
ንሃልሃልታ ሓዊ ብዓረር ገጺብና
ህይወት ዝበጀና ንኣኻ ዓቂብና
ምልኣትካ ዘውሓስና ንጹህ ደምና ኣፍሲስና
እናተሰደድና ምልኪ ቀሲቡና
ትም ኢልካ ትዕዘብ ዓገብ ዘይትብለና!?
 
ካብ ማዕዶ ከም ኣልማዝ እናኣብረቕረቕካ
ከም ምልክዕቲ ጐርዞ ልቢ እናሰለብካ
ጓኖት ብስሰዐ ፍንጥራዕ ክብሉልካ
ልዕሊ ርብዒ ዘበን ተዋጊኦሙልካ
መስዋእቲ ከፊልና ስለ ዘድሓንናካ
ዓስብና ኪትከፍል ባሕሪ ዕዳ ኣሎካ!
 
ለጋዕ እንከለኻ መኻን ካብ ትኸውን
መሶብካ ብምሉኡ ደቅኻ ክንልምን
ንኣኻ ኣውሒስና ብዓጽምን ብደምን
ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ኴንናልካ ምናምን!
 
ንሕና ዋናታትካ ዘይተጠቐምናልካ
እቶም ጓኖት ብማዕዶ እንተ ኣምበሃቑልካ
ህዝቢ እናጠፍአ ድሕሪት ገዲፉካ
ዋጋ የብሉን ባሕሪ ቀምበይበይ ምባልካ
ኣብ ክንዲ ንኾርዕ ፍጹም ሓፊርናልካ!
 
እቲ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ጥፍኣት ገሃነም
ሰብካ ቀቀዚፉ ህይወቶም እናኣስኣኖም
ዘይትነግሮ ባሕሪ ደቅኻ ሙዃኖም
ምሳኡ መኺርካ ካብ ጥፍኣት ኣድሕኖም!
 
ትም ኣይትበል ባሕሪ ሕማቕ እናረኣኻ
እቶም ናይ ትማሊ ደሞም ዘስተዩኻ
ጀጋኑ ሰማእታት ከይቕየሙኻ
ኣድሕኖ ንህዝቦም ፈጽሞ ሕድርኻ!
 
ትም ኣይትበል’ወ ባሕሪ ከምዛ ዘይሰማዕካ
ብንብዓት ኣደታት ወሓይዝ ፈጢርካ
ከም ሰብዶ ሰሲዕካ ክትዕቅብ ምልኣትካ
ኣንታ ቀይሕ ባሕሪ ከመይ ኢልካ ጨኪንካ
ንማእከላይ ባሕሪ ሂብካና ኣሕሊፍካ
ገለ ግበር ባሕርና ስለ ዜጋታትካ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 27/04/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hahu April 27, 2015

    Weyo, thank you for posing the link to the song – BaHri:

    “Weyo on April 27, 2015 at 12:42 pm said:

    ትማሊ ህልቂት ላምፔዱሳ፤ ሎሚ ድማ ህልቂት ካታንያ።

    ወየ ወየ ወየ

    ሕቶ ኣለኒ ኣነ ፣
    ዝምልሶ እንድዒ ፣

    ኣማኑኤል ዮውሃንስ፣ ፒኤችዲ ”

    https://www.youtube.com/watch?v=e6iHPpgjDLU

    !!!!!

Post a Reply to Hahu Cancel Reply