Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደማሒን ማሕለኻታቱን!

ደማሒን ማሕለኻታቱን! ካልኣይ ክፋል፥ ቀዳማይ ማሕለኻ ደማሒ (መላኺ)፥ ንኹሉ ድኻ ይኹን ሃብታም ኤርትራዊ ብኩፖን ምቁጽጻር’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ሃብታምን ድኻን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ኩፖን ብምዕዳል፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ በረኻታት ሳሕል ኮይኑ፡ በታ ሽዑ ልክዕ ከምቲ ዓዃይ ነቲ ኣብ ሰርቢ ደበና ዘሎ ዝናብ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ፡

ደማሒን ማሕለኻታቱን!
ካልኣይ ክፋል፥
ቀዳማይ ማሕለኻ ደማሒ (መላኺ)፥ ንኹሉ ድኻ ይኹን ሃብታም ኤርትራዊ ብኩፖን ምቁጽጻር’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ሃብታምን ድኻን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ኩፖን ብምዕዳል፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ በረኻታት ሳሕል ኮይኑ፡ በታ ሽዑ ልክዕ ከምቲ ዓዃይ ነቲ ኣብ ሰርቢ ደበና ዘሎ ዝናብ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ፡ ኤርትራውያንውን ናጽነት ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ከም ዝነበረት፡ ብሃረርታ እንጽበያ ዝነበርና ናይ ሽዑ ድምጺ ሓፋሽ ኣቢሉ፡ ከምዚ ዚስዕብ ምባሉስ ሎሚ ይዝክሮዶ ይኸውን!? “ስርዓት ደርጊ ንህዝቢ ኤርትራ ብኩፖን እናመጽወተ የጥምዮ ኣሎ…!” ብምባል፡ ብደርጊ ክዋራዘ’ወ ምስ’ዚ ሕጂ ንሱ ብዝለዓለ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኩፖንስ የዋዳድሮን የነጻጽሮንዶ ይኸውን!? ኣይመስለንን። ከምኡ እንተ ዝገብርስ ብውሑዱ፡ ብዛዕባ ኩፖን ክምድር’ኳ ምሓፈረ።
መቸም ኣብታ ኣብ ኤሪ ቲቪ ጥራይ ብምዕባለኣ ምስ ቀዳማይ ዓለም ዝተሰርዐት፡ ናይ ዓለምና ገነት ዝኾነት፡ ብህግደፍ እትማሓደር ሃገርና ኤርትራ፡ ህዝባ ብኩፖን’ዩ ዝቕለብ ዘሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣመና ስለ ዘሕፍር፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባኡ ኣብ መስኮት ተለቪዥኑ ተቐልቂሉ ክዛረብ ትብዓት ክገብር ኣይክእልን’ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ ዜጋ ግን ብኩፖንን ብቑራጽ ወረቐት ክልተ ሚእታዊትን ምሽጋሩ ኣየዕረፈን። ንኩፖን ህግደፍ ምስ ኩፖን ደርግ ብምውድዳር፡ ብዓይነትን ዓቐንን ናይ መግዛእቲ ደርግ ከም ዝበልጽ ምስክርነቶም ዝህቡ ሰባትውን ኣለዉ። ሓቃቶም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ምኽንይቱ ደርግ፡ ዋላ ደኣ ሕሱም ገዛኢ ይኹን’ምበር ፈያታይ (ሽፍታ) ዘይኮነስ ሕግን ስርዓትን ዝነበሮ መንግስቲ’ዩ ኔሩ። እቲ ዝገርም ግን ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ፥ “ሓጺር ሰብኣይሲ ኣቱም ከይተባህለ ይኣርግ!” ዚብሉዎ፡ ጃንዳ ህግደፍውን መንግስቲ ከይኮነ ክኣርግ’ዩ! መንግስቲ ማለት ከም ዘወግ (ወገን፡ ጉጅለ)ህግደፍ ከምዘይኮነ መቸም ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ኩሎም ንጃንዳ ህግደፍ መንግስቲ ኢሎም ዝጽውዕዎ ሰባትውን እንታይነትን መንነትን መንግስቲ ብግቡእ ክፈልጡ ከም ዘለዎም’የ ከተሓሳስብ ዝደሊ። ኣጽዋርን ሰራዊትን ዘሎዎ ኩሉ መንግስቲ ዝመስሎም የዋሃት ከይኮኑ ድማ እትስፎ።
ጉጅለ ደማሒ፡ ኩሉ ነገር ብመገዲ ኩፖን ኪሳለጥ ምስ ወሰነ፡ ገለ ሰብ ጸጋ ዝኾኑ ዜጋታትና፡ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርግ ኣብ ነዳያት ጥራይ ዝስረሓሉዝነበረ’ሞ ድሕሪ ናጽነት ግን ህግደፍ ሃብታምን ድኻን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ዝዓደሎ ኩፖን ነጺጐም፡ በቲ ዝጸንሐ ትካሎም ወይ ስራሖም ክነባበሩ ምስ ጀመሩ፡መላኺ ተቐላጢፉ ናብታ ማሕለኻ ንምምላሶም፡ ናይ ስራሕ ልቸንሳኦም ብዘይቅጥዕታት ኩፖን ከምዘየሕድሱ ገበሮም። በዚ ድማ ፈትዮም ከይፈተዉ ገሊኦምሃገር ለቒቖም ክስደዱ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ናብ ማሕለኻ ኩፖን ተመሊሶም ስለ ዝተቐፈዱ፡ ብጓሂን እህህታን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽር ምልኪ ይነብሩኣለዉ። ብሒም እንተ ኢሎም ድማ መቓርዕ (ሓለንጊ) መላኺ ኣብ ልዕሊኦም ትዋጣወጥ ከም ዘላ ይፈልጡ’ዮም። ስለምንታይ እዩ ግን ደማሒ ኤርትራ ሃብታምን ምሁርን ካብዛ ሃገር ከጽንት ተበጊሱ!? ወለድና ክምስሉ’ኳ “ፋህም (ለባም) ካብ ባይቶ፡ ሃብታም ካብ ዓዲ ኣይኽልኣና!” ዝበሉ። ምሁርን ተጃርንዶ (ሃብታም) ይጽላእ’ዩ!? ብግቡእ እንተተመዝሚዙ፡ ኣይንሱ’ንድዩ መሳልል ዕብየት!
ካልኣይ መቆጻጸሪ ኸኣ፥ መሬት ካብቲ ሓደ ዜጋ መንዚዕካ ነቲ ኻልእ ዜጋ ንመንበሪን ንትካልን ምዕዳል’ዩ። እዞም ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ጀሚርካ ክሳብ ተራ እሙናት ኣገልገልቲ ምልኪ፡ ብናጻ ገዛ ወይ መሬት ዝተዓደሎም ሰባት፡ እቲ ዝተዋህቦም ገዛ ክሳዕ ተማእዛዝነቶምን ዕሱቡነቶምን ንመላኺ ዘየብኮሩ፡ ብዘይጸገም ብናጻ ክቕመጡዎ ይኽእሉ’ዮም። ገለ ኣረኣእይኦም ይኹን ኣተሓሳስባኦም ብምቕያር፡ ኣንጻር ምልኪ እንተ ተላዒሎም ግን ጨርቆም ጠቕሊልካ ካብታ ቤት ናብ ግዳም’ዮም ዝጓሓፉ። ወረ ገሊኦምስ ዋላ’ቲ ኣብ ቤቶም ዘሎ ድስቲ ኩስኩስቲውን ከይተረፈ ህግደፍ ዝሃቦም ስለ ዚኾነ፡ ንሱውን ይምንዙዑ’ዮም። ነዚ ዕሽነት’ዚ ክገልጹ ድማ’ዮም ወለድና ከምዚ ክብሉ ዝመሰሉ፥ “ቊርዲድሲ ኣለኹ እናበለ ምስ ቈርበት ይሽየጥ!” ዝበሉዎ። ሰበ ስልጣን ህግደፍውን ኣለና እናበሉ፡ ዘላሚ (ረጋጺ፡ ጨቛኒ) በብሓደ ስሒቡ የሕቕቖም ኣሎ። ናይ ቀረባ ህያው መሳኻክርውን እዞም ሕጂ ሽታኦም ሽታ ማይ ኮይኑ ዘሎ ኣባላት ስርሒት ፎርቶ እዮም።
ገዛ ናይ ምምንጣል ስጉምቲ ዚውሰድ ግን ሓያል ተቓዉሞ እንተዘይኣርእዮም ጥራይ እዩ፤ እምበር ካብ ዘይምምእዛዝ ዝሓለፈ ናይ ቃል ወይ ናይ ግብሪ ስጉምቲ ኣንጻር ምልኪ እንተ ወሲዶምሲ፡ ኮንተይነርን ካፍሮት (ንእሽቶ ጉድጓድ) ዒራዒሮን ኣፈን ሃህ ኣቢለን ዝጽበያኦም ገብገቦ (መቕተሊ ቦታ) ኣለዋ። ስለዚ፡ እቶም እዚ ማሕለኻ’ዚ ከም ዘሎዎም ዘይንፈልጥ ሰባት፡ ‘ስለምንታይ ኣብ ጥፍኣት ሃገር ትም ኢሎም ይዋስኡ ኣለዉ?’ ኢልና ጥራይ ክንሓምዮም ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ነቲ ዘሎዎም ማሕለኻ ብኸመይ ከም ዝበትኩዎ ንምሕጋዞም ደኣ ብዓቕምና ንተሓባበሮም እምበር ብድፉኑ፡ እዚኣቶም ሰጊሃት (ሰነፋት) እዮም ኢልና ክንውንጅሎም ኣይንፈትን። ኣብዚ ግን እቶም ሓደ ሓደ ሽርዱዓት (ጽጋብ ዝሰንጠቖም) ከየጋግዩና ምጥንቃቕ ከድልየና’ዩ። እወ ምሽባብ (ንእኽሊ ካብ ጉርዲ ምፍላይ) ከድሊ’ዩ።
እቲ ሳልሳይ መቆጻጸሪ ማሕለኻ ድማ፥ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን’ዩ። እቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ሰዋቅ (ዳጌፋ) መታን ኪኾኑዎ፡ ብንዋይ ንምሓዞም ዚተኣነበ (ዚተፋሕሰ) ማሕለኻ’ዩ። ‘መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ’ ብዚብል ጉልባብ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብኢደ ወነኑ፡ ብዘይዚኾነ ማልት፡ መሬት ካብ ሓረስቶትን ደቂ ዓድን እናመንጠለ፡ ንሰብ ዶላር፡ ዩሮ፡ ወዘተ. ብምሻጥ’ዩ ኣተግቢሩዎ። በዚ ኸኣ ኣብቲ ዝነብሩዎ ዓዲ ፍትሕን ሕግን ኮይኖም፡ ብማዕዶ፡ ነቲ ብምልኪ፡ ሃገር ሰማእታት ዘጥፍእ ዘሎ ኣውቶክራት (ዉልቀ መላኺ) ብምውዳስ፡ ብድሕነት ሃገር እናኣመኽነዩ፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ተዓጽዩ ዘሎ ገዛውቶም ይኹን ዝተዓደሎም መሬት ክሕልዉ ክብሉ ኣብ ጥፍኣት ሃገሮም ይተሓባበሩ ኣለዉ! እወ። “ልኡኽ ከም ዝበሉዎ ይንገር፡ በቕሊ ከም ሕዛባ ትስገር!” ኮይኑዎም ንሱ ዘዝበሎም እናደገሙ ምስ ህግደፍ ዝዳናገጹ ዘለዉ ዜጋታት ውሑዳት ኣይኮኑን። “ደድሕሪ ህበይ ኣይትቀውዕ፡ ንጸማም ኣይትጸውዕ!” ኪብሃልዶ ሰሚዖም ኣይፈልጡን’ዮም ኣታ?
ገለ ውሑዳትውን ኣብ ዓመት ሓደ ክልተ ግዜ ናብ ሃገሮም እናኸዱ፡ ስድራኦምን ዓዶምን ርእዮም ናብ ስደቶም መታን ብሰላም ክመላለሱ ኢሎም፡ ልቦም ዘይኣምነሉ፡ ብኣፎም ጥራይ ንቀላዓለም፡ ‘ንበይኑ ኮይኑ’ምበር መንግስትና ሃገር ይሃንጽ ኣሎ፣ ዶብና ይሕሉ ኣሎ፣ ወዘተ. እዚ ይደግም ኣሎ ወዘተ.’ እናበሉ ንሕመቖም መመኽነይታ ክኾኖም ብምባል፡ ነዚ ዋስማ (እሾኽ መርገም) ዝኾነ ፈንጊ (ጉጅለ) ዝውድሱ፡ ንኣይ ይጥዓመኒ በሃልቲ እናፈለጡ፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝብድሉ ከም ዘለዉ ዚከሓድ ኣይኮነን። በዚ ኸኣ’ዮም “ኣደኻ ዘምጽኣትልካ ኣቦይ በል፡ ዕድልካ ዚሃበካ ናተይ በል!” ብምባል ንውልቃዊ ረብሓኦም ክብሉ፡ ነቲ መዘና ኣልቦ ዝገበናቱ ጉጅለ ከቀናጅውዎ ዝፍቱኑ ዘለዉ። ነዞም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ሰባት ግን ነዛ ትስዕብ ምስላ ወለድና ደጊመ ከዘኻክሮም እፈቱ፥ “ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ!” ስለ ዚኾነ፡ ኣብቲ ተተኺሉ ዚነብር ህዝብን ሕግን’ምበር ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ዝቕየር ወይ ዝዛወር ስርዓት ክዕቆቡ ከምዘይብሎ’የ ደጊመ ከዘኻኽሮም ዝደሊ። ብዓንተቦኡውን ከምቲ “ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር!” ዚብሃል፡ ምስ ህግደፍ ምጽጋዕ፡ ብዘይካ እልበት (ሓሳረ መከራ) ራህዋ ዚብሃል ከምዘይብሉ ኣቐዲሞም ክግንዘቡ ምተገብአ።
“ኣረጊት ፈከረ፡ ግንቦት ኣዝመረ ኢልካ ኣይትእመን!” ዚብሃል ምስላ ኣሎ። እንታይ ንምባል’ዩ፥ እዚ ኣብ ዙይን (ናብ መቓብር ዚወስድ ዓራት) ተሰቒሉ እንከሎ፡ በታ ሕልናኣ ዘይዓረበት ሓሳዊት መልሓሱ ጌሩ ግን ‘ኣለኹ ኣብ ኣፈርክቡ ኣይበጻሕኩን’ ዝብል ዘሎ ፍንፉን ጉጅለ ኣሚኖም፡ “ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ” ብምዃን ምስኡ ዝደናገጹ ዘለዉ ዜጋታት፡ ንስጉምቶም ኣብ እዋኑ ደጊሞም ደጋጊሞም ክሓስቡሉ ከዘኻክሮም እደሊ። ምኽንያቱ፡ እዚ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) እዚ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሃገርና ሕግን ፍትሕን ምስ ነገሰ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣበሳ ኮይኑ ኪቕጽል ስለ ዚኽእል፡ ተበለጽትን ንኣይ ይጥዓመኒ በሃልትን ንግዝያዊ ረብሓ ገዲፎም፡ ንህዝቦምን ሃገሮምን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን እጅገኦም ሰብሲቦም፡ ኣንጻር ምልኪን ሕሱም ግዝኣቱን ክቃለሱ’የ ዝላቦ። ምኽንያቱ፡ “ሓጥያት ተናሲሕካ፡ በደል ኪሒስካ፡ መዓት ተማህሊልካ ስለ ዚፍታሕ!” ካብ ጌጋታትኩም ተማሂርኩም ህዝብኹም ከሓሱ ክብሎም እፈቱ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን’ሞ ኸኣ ጅር (ጉጅለ) ህግደፍ፡ ዋላ ነቶም ኣብ ስደት ተወሊዶም ኣብኡ ዝዓበዩ ዜጋታት ከይተረፈ’ዩ ኣብ ክንዲ ዓዶም ክርእዩን ክላለዩን ዘተባብዕ፡ ብኣንጻሩ ‘ወለድኹም 2% ኣይከፈሉን!’ ብምባል፡ ናብ ሃገሮም ንምእታው ቪዛ ክኽልክሎም ጀሚሩ ዘሎ። በዚ ተግባር’ዚ ሓያለይ ደገፍቲ እቲ ፈንጊ (ጉጅለ) ክቕንዘው ሰሚዐ ኣለኹ። ህግደፍ ‘2% ብወለንታ’ዩ ዚኽፈል’ ኢሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ንዓለም ብሓሶት ክምጉት ይስማዕ’ዩ። ብወለንታ እንተ ኾይኑ ደኣ’ሞ ስለምንታይ እዩ ኤርትራዊ ‘ግቡእካ ኣማሊእካዶ ኣየማላእካን?’ እናተባህለ ኣብ ዘዝኣተዎ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ ዝዋጠር ዘሎ? ወለንታ’ኮ ሕቶ ኣየድልዮን’ዩ። ስለምንታይከ ወለዲ ካብ ወጻኢ ሃገር ደቆም ናብ ሃገሮም ንኸእትዉ ‘2% ኣይከፈልኩምን!’ ተባሂሎም ቪዛ ይኽልከሉ ኣለዉ!? ብመሰረቱ ግን ነዚ በሊዐ ኣሉ ዝኾነ ሽፍታ’ዚ ከምቲ “ኪመኽሩዎ ልቢ ዘይገብር፡ እናብልዑዎ ዚዓብር፡ ነቲ ምኽሪ፡ ነቲ እኽሊ ክላእ!” ዚብሃል፡ ነዚ ከፊልካ ኣይከፊልካ ዚኾነ ይኹን ለውጢ ዘይትርእየሉ ጉጅለ ሕሰም’ዚ ምድጋፍሲ እንታይ እዩ ፋይዳኡ!?
እዚ ነውራም ጅር (ጉጅለ) እዚ፡ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን እኮ’ዩ በተን ልጋብ ኣረጊት ክዳን ተከዲነን፡ ኣብ ዝባነን ህጻን ሓዚለን፡ ኣብ መንኩበን ድማ እምኒ ተሰኪመን ኣብ ፈቖዶ በረኻ ዛላ ክዛልያ ዝውዕላ ዘለዋ መሳኪን ኣደታትና ‘ረኣዩዎ እዚ ጻዕራም ህዝቢ ሃገሩ የልምዕ ኣሎ! ወዘተ.’ እናበለ ከይሓነኸ ከላግጸለን ዝረአ ዘሎ። እዚ ንመዋእል ዝተንከራተተ ውጹዕ ህዝቢ’ዚ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ከልበትበት ፈንኩ (ፍረ ጻማኡ) ንኽረክብ፡ በቲ ሳላ ግዜ ዘይተሳእነ ምዕቡል መሳርሒታት ተጠቒሙ፡ ሃገሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣልሚዑ፡ ንቡር ህይወት ብምንባር እፎይ እንተበለስ እዚ መላኺ ነታ ‘ብጽፍርና!’ እትብል ምስልይቲ ጭርሖኡ ከይትጥሓስ ንምሕላዋ ኢሉ ደኾን ይኸውን ብኣፍጾሙ ብድሑር ኣሰራርሓ ደም ድፋጫኡ ዘሰትዮ ዘሎ!?
ከምቲ “ሕሱም ሓዘን የልምድ ቁዝማ፡ ሕሱም ጥሜት የልምድ ጥልቆማ! ዚብሃል ከኣ ኤርትራዊ ሎሚ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ምቑዛምን ምጡልቋምን ዕለታዊ ናብራኡ ኮይኑ ኣሎ! ሃሴት (ተድላን ፍስሃን) ከም በርቂ በለጭ ኢለን ተሰዊረንኦ። ብሰንኪ ሕሱም መግዛእቲ መላኺ፡ “ስሙ ክንዲ ላዕላይ ሰማይ፡ ንሱ ወራዲ ማይ!” ናይ ዚብል ምስላ ኣብነት ጌሩዎ ኣሎ። ካብ ወትሩ ምዩቕ እናበልካ ከይረጋእካ ብስቅያት ምንባር ግን ብትብዓት ንሓርነት ተቓሊስካ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገሪፍ (መጻወድያ) ምልኪ ምልቓቕዶ ኣይምረጽን? እታ እንኮ ፈውሲ፡ ሕማም ህዝቢ ኤርትራውን ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ’ያ። ስለዚ፡ ሃየ ስረ ሓድነት ዓጢቕና ንሓርነት ንቃለስ እብል። ምኽንያቱ፡ “ትሕትና በኣሲ፡ በትሪ የውቅዕ፡ ትሕትና ምጒት፡ የርትዕ!” ስለ ዚኾነ፡ ነዚ ደመኛና ዝኾነ ፈንጊ ብዘይትሕትና ገጢምና ንምስዓሩ፡ ብዘይስልንስል (ክልተ ልቢ ብዘይምዃን) ብምሉእ ልብና ክንቃለሶ ኣለና። የቐንየለይ። 3ይ ክፋል ይቕጽል፥ ክሳዕ ሻቡ ሰናይ ቅነ።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 15-07-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you July 17, 2013

    Truly Truly i say to you on July 5, 2013 at 2:42 am said:

    In this opportunity in order you just self to analyze weather it will have influential impact or could possibility will affect Eritrean internal affairs politic or not to know, i leave you this week Ethiopian top news this:-
    “Over 987 new Ethiopian Intelligence officers that have been trained at the Tel-Arad Negev Training Station in Israel have been deployed….
    This news i brought it for two reasons. First Isayas in similar way as Haileslasie sent him to Eritrean front to indicate , second to ask, Could Woyanes also may will deploy these in Israel trained intelligence officers in our internal affairs so that to reverse the independence? I warn every Eritrean to watch out because most trained officers are speaking the same like us Tigrigna.! But if it is only for their nation security,( I mean as far as they not involve to influence or spy us) it is not our business, i even support and admire every their success i was said.

  • Truly Truly i say to you July 17, 2013

    part 3 and final
    Unfortunately most wicked instead the massage content, if written in poor English like i do, they don´t give regard or attention could be you wouldn´t understand me. But i tell because i trust with the source of higher knowledge gives my Lord and God Jesus Christ if it was not Internet , i have a lot secret to tell you which helps and rescues our nation and people. As about fear, thanks Lord Jesus he set me free from all kinds of fear, even death will come by today, i can´t sleep since my people are suffering. This is my belief not denomination! Anyway like always let me share you this God´s word. So that to encourage you or because you fear from not to be kept writing!
    “Don´t surprised when you see that the government oppresses the poor and denies them justice and their rights, every official is protected by the one over him, and both are protected by still higher officials. (Ecclesiastes 5; 8) and

    Since the children, as he calls them, are people of flesh and blood, Jesus himself became like them and shared their human nature. He did this so that through his death he might destroy the Devil, who has the power over death, and in this way set free those who were slaves all their lives because of their fear of death. (Hebrews 2; 14- 15)

  • ማሊሻ July 17, 2013

    ኣይተ New Hope ይብል :

    ” እምባሕ ጥራይ ንበል ወዲ ኤረና። ኣብ ኤርትራ ሉቸ የለን ዝብሉና ፣ ኤርትራዊ ንባዕሉ ሉቸ እንድዩ እንታይ ሉቸ ኣድልይዎ። ”

    ንስኻስ ኣይት ሳኣን፣ ኣንቢብናካ እኳ ንስሕቕ። ከም ገለ ዶ ንወዲ ገበያ፣ ወይ ኣቦኡ ወይ ዓጽመ ስግኡ ትኸውን ፧ በዚ ማይተመናይ እዩ ኔሩ ገዛውቱ።

    • belay nega July 18, 2013

      ማሊሻ

      You and New Hope Eritrea are two faces of one coin,so do not try to be smart.

  • Genet July 18, 2013

    I thank the writer, for his heart felt message to Eritreans who are still supporting the dictator. For what? for a piece of land.
    Keep writing and informing our people. GOD knows we need it.
    Genet

POST A COMMENT