Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደማሒን ማሕለኻታቱን! – ሳልሳይ ክፋል፥

ደማሒን ማሕለኻታቱን! ሳልሳይ ክፋል፥ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ነዛ ወትሩ ዝሽቅጠላ፡ ኣፍ ብዙሓት ንምዕባስ ዘገልገለቶ ኣወናዋኒት ሓረግ፡ ማለት፥ ‘ዕላማና ኣውታርኪ (ርእስኻ ምኽኣል) እዩ!’ እትብል ስነ ሓሳብ ብምጉልባብ፡ ‘ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ምጽባብን፡ ኣብ

ደማሒን ማሕለኻታቱን!
ሳልሳይ ክፋል፥
እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ነዛ ወትሩ ዝሽቅጠላ፡ ኣፍ ብዙሓት ንምዕባስ ዘገልገለቶ ኣወናዋኒት ሓረግ፡ ማለት፥ ‘ዕላማና ኣውታርኪ (ርእስኻ ምኽኣል) እዩ!’ እትብል ስነ ሓሳብ ብምጉልባብ፡ ‘ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ምጽባብን፡ ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ፍልልይ ምምዕርራይን’ዩ ሓገራና (ትልምና፡ ውጥንና)!’ እኳ እንተበለ፡ ብግብሪ ግን ኣብ ኤርትራ፡ ፍልልይ ሃብታምን ድኻን፡ ከተማን ገጠርን ከም ሎሚ ጌሩ ርሒቡ ኣይፈልጥን’ዩ።
እዚ ውጽኢት’ዚ ኸኣ ምስቲ ኣውቶክራት ኤርትራ ኣብ 2011 ምስ ጉጅለ 15 ኣብ ግርጭት ዘእተዎ ማለት፥ ኤርትራ ሃገርና ብመገዲ ደሞክራሲ ተጓዒዛ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ መታን ንኸየማሓድራ ኢሉ፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣተሓሳስባ ወገንነትን ሃይማኖትን ካልእ ድሑር ኣተሓሳስባን ወጺኡ ዝግባእ ንቕሓት ስለ ዘይወነነ፡ ሕጂ ግዜ ደሞክራሲ እዩ’ሞ ንዓ መራሕትኻ ምረጽ!’ ምባል ንሓድሕድካ ተናቖት ማለት ስለ ዝኾነ፡ ንቕሓቱ ክሳዕ ክብ ዘብል ምርጫ ኣይንገብርን ኢና!’ ኢሉ ዝመጎቶ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምጒት’ዩ ዝመሳሰል። ምናልባት’ዚ ትንቢት ውልቀ መላኺ’ዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኪፍጸም ይኽእል’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት እንተልዮም ግን ከምቲ ኣቦዋት ዝበሉዎ፥ “ንመሸላ ዋላ፡ ንዓደቦ ዋዕላ!” ስለ ዝኾነ፡ ብህጹጽ ሃገራውን ሓድነታውን ዋዕላ ምግባር ናይ ግድን ከም ዘድሊ ክግንዘቡ ኣለዎም።
ምኽንያቱ፡ ደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ‘ኣይነቐሐን’ ዚብሎ ዘሎ ህዝቢ ንምንቃሕ፡ ኣብዚ ውሽጢ 22 ዓመት ዝኾነ ይኹን ዚገበሮ ነገር ስለ ዘየለ፡ ‘ኣይነቐሐን!’ እናበልካ ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ ይኣክል ኪብሃል ይግባእ። ብኣንጻሩ ግን ነቲ ዘየለ’ሞ ኣሎ ዚበሎ ትሕተ ሃገራውነት ክውን ንምግባር፡ ብውሽጢ ውሽጢ ከሳውሮን ከናኽሶን’ዩ ጸኒሑን ዘሎን። ኩሉ ከም ዚፈልጦ ከኣ እዚ ጉጅለ’ዚ ፍጥር ካብ ዝብል ኣትሒዙ፡ ርእሱ ክኢሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ ግዜ ሰውራ፡ እቲ ለዋህ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዘይብሉ ጾሙ እናሓደረ፡ ካብታ ዝርካባ ድራር ዕለቱ እናመቐለ’ዩ ቀሊቡዎ፤ ብድሕሪ ናጽነት ከኣ ዝተፈላለየ ሓገዝ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ገበርቲ ሰናይን እናረኸበ’ዩ ትልኽ ዝብል ዘሎ! እንተኾነ እዚ ጨካን መላኺ፡ ብንዋት ንዝሓገዙዎ ለጋሳትስ ይትረፍ፡ ነቶም ብህይወት ዝተበጀውሉ ጀጋኑ ሰማእታትውን ከይተረፈ ብምኽሓድን ብምጥላምን ነታ መስዋእቲ ዝኸፈሉላ ሃገር ብምልእታ ናብ መዓሙቕ ጸላም እናእተዋዶ ንገበርቲ ሰናይ ከመስግኖም ኢሉ!
ጃንዳ ህግደፍ ምስቲ ኩሉ ግዜ ኣብታ ናይ ብሕቲ ኣልቡሙ ዝኾነት፡ ንሱ ዝመረጾ ስእሊ ጥራይ ገንጺሉ ዘርእየላ ኤሪ ቲቪ ቀሪቡ፡ ደጋጊሙ ‘ብጽፍርና ንስርሕ ኣለና!’ ብምባል፡ ህዝቢ ንምትላል ዚሕሱዎ ቃል፡ መታን ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከይጋራጮዎ፡ ይዕበ ይንኣስ ነቲ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዚወሃቦ ሓገዛት ገበርቲ ሰናይ፡ ንህዝቢ ገሊጹሉ ኣይፈልጥን’ምበር ማእለያ ዘይብሉ ሓገዝ’ዩ ካብ ደገ ዚረክብ። ከምቲ “እንዳባ ከይሲ እንተ ነፍዑ ብነፍጢ፡ እንተ ሓመቑ ብሸፍጢ!” ዝብሉዎ ግን ገንዚ ህግደፍውን ብሓይሊ ብረትን ብሸፈጥን’ዩ ንዝርኣያ ኣዒንቲ ክሽፍነን ዝፍትን። ግን ከምቲ፥ “ዓገብ ዘይብል ንጎይታኡ፡ መከራ ይረክብ ምሳኡ!” ዚብሃል፡ ኣንቱም ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾንኩም ዜጋታት፡ ጽባሕ ንግሆ ለኻኺምኩም ከይጠፍእ፡ ኣብ እዋኑ ዓገብ ክትብሉዎ እምሕጸን።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጥራይ’ኳ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወፍሪ ምውሓስ መግቢ ዚውዕል፡ ንሕርሻ ሃገርና ዘገልግል፡ ብሚልዮናት ዚቑጸር ገንዘብ ንጃንዳ ህግደፍ ሓገዝ ከም ዘበርከተ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ግን ከምቲ ልሙድ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይተገልጸሉን። ምኽንያቱ፡ ‘ዓለም ብምልእታ ጸላኢትካ’ያ!’ እናበሎ፡ ተገምጢሉ ‘ሓገዝ ሂባትካ’ ክብሎ ስለ ዘሸግሮ። በዚ ድማ ህዝቢ ሓቂ ከይፈለጠ፡ ‘መንግስትና’ኮ ንበይኑ ብጽፍሩ’ዩ ሃገር ክሃንጽ ሒዂ ዚብል ዘሎ!’ ብምባል፡ ምስኡ እናተደናገጸ ዕድመ ስልጣን መላኽን ሕሰሙን የናውሕ ኣሎ። ሎሚ ደኣ ከም ቀደሙ የለን’ምበር ሓገዝ ናይ ቀዛፊ፣ ንግስነት ቀጠር፣ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ልምዓት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃንውን ከምኡ በብግዜኡ ሓገዛቶም ኣበርኪቶሙሉ’ዮም። ናይዚ ህያው ጭብጥታት ስለ ዘሎ ከኣ ነቲ ዚጠራጠር ሰብ መረጋገጺ ክሕበሮ ይከኣል’ዩ።
ከም ዚፍለጥ ጉጅለ ደማሒ፡ ክሳዕ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ብጉልባብ ምኽዛን ውሕስነት መግቢ፡ ነቲ ኣብ ህዝብና ዘሎ ንሓድሕድካ ናይ ምትሕግጋዝ ጭዋ ባህሊ፡ ኣብ ፈቖዶ መገድታት ማእገት (ፈታሽ፡ ኬላ) እናደኮነ ክሳብ ሓሩጭን ቢሑቕን ከይተረፈ ካብ ህዝቢ ብምምንዛዕ፡ ንብዙሓት ብኣሕዋቶም ክርድኡ ዝግብኦም ድኻታት ከም ዘጥመየ በሰላኡን ዘኸተሎ ጸገምን ጌና ካብ ዝኽርና ስለ ዘይሃሰሰ ብቐሊሉ ዚርሳዕ ኣይኮነን። ካብ ዓውዲ ዓዃይ እናቀመዐ (እናመንዘዐ) ዝኣከቦ እኽሊ ኸኣ እቲ ዝበዝሕ ኣብ ጥቕሚ ከይወዓለ ሰኣን ግቡእ ኣተሓሕዛ ብነቐዝ ከም ዝባኸነ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ።
ጃንዳ ህግደፍ ዘይበለሎ ውርዙይ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ኣሎ!? ነቲ መሰረት ምዕባለ ዚኾነ ምምሃር ምስትምሃር’ኳ ፍጹም በሊሉዎ ዘሎ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ዓውደ ፍልጠት (subject) ቅሳነት ስለ ዘየለ እቲ ካልእውን ኪህሉ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ መሰረት ከይሃነጽካ ቤት ክትሃንጽ ስለ ዘይከኣል! መሰረት ትምህርቲ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ቅሳነት’ዩ። ቀዳማይ ዓውደ ፍልጠት (subject) ቅሳነት ሙኻኑ እናተፈልጠ ግን ጃንዳ ህግደፍ ብሃብቲ’ዛ ሃገር ዋላ እንኮውን ይኹን ቀሲኑ ዝመሃር ዜጋ ኣይፈጠረን። ኩሉ ሰረቱ ኣብ ሑጻ’ዩ። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግደፍ ትምህርቲ ንሃልኪን ንምድንጋርን እንተዘይኮይኑ ከምቲ ቀደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃይለስላሴ ተፍርዮ ዝነበረት ዘተኣማምኑ ምሁራት ከተፍሪ ከም ዘይከኣለት ንኹሉ ብሩህ’ዩ። እዚ ኸኣ ሓንጎል ኤርትራዊ ካብ ናይ ሎሚ ናይ ሽዑ በሊጹ ዘይኮነስ  መነባብሮን ቅሳነትን ኤርትራዊ ካብ ናይ ሎሚ ናይ ሽዑ ኣዝዩ ዝሓሸ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ።
ሓደ ካብቲ ፈንጊ ህግደፍ ዝፈሸለሉ ወፍሪታት ወፍሪ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ምጽባብ’ዩ። እቲ ቃል ብሓቂ ኪስረሓሉ ዚግብኦ ቅዱስ ቃል’ኳ እንተኾነ፡ ዘውጊ (ጭፍራ) ህግደፍ ግን ንኻልእ መደብ ኢሉ’ዩ ሓንጺጹዎ። እቲ ዕላማ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣግኒስካ (ኣድኪኻ) ኣብ ትሕቲኡ ከም ዝምብርከኽ ምግባር’ዩ ነይሩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ንነዳይ (ንድኻ) ብኩፖን፡ ንተጃር (ንሃብታም) ከኣ ዝተፈላለዩ ቀይዲታት እናምጻእካ ስራሑ ብምዕንቃፍ፡ ከም ዚደኪ ብምግባር ኣብ ማሕለኻ ኩፖን ምእታው’ዩ ኔሩ። እንተኾነ እዚ ስጉምቲ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይሰረሐን። ምኽንያቱ ሎሚ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ቅርበት፡ ናይ ሰማይን መሬትን ርሕቀት’ዩ ፈጢሩ ዘሎ።
ገለ ሰባት ኣዝዮም ባእልዮም (ሃብቲሞም) ውሉድ ሰብ ብዝመስላ፡ ማይ ዘይጠዓማ መኻይን እናቀያየሩ፡ ኣብ መርጡል (ቪላ) እናተቐመጡ፡ መቊዓል (ጮማ ስጋ) ክሳዕ ኮራርምቶም ዘሕሞም እናሓየኹ ብዊስኪ ክጉጽጎጹ ከለዉ፡ ገለ ድማ ፌቴሌኔ (ድኻ መደኽደኽ) ኮይኖም፡ ኣብ ኣግነት ተኾርሚዮም፡ ጳኲሲማ (ዚነቐጸ ሕብስቲ፡ ባኒ) ኣብ ውጩ (ብማይን ብበርበረን ዝተሰርሐ ጸብሒ ድኻታት) ኣጥሊቖም ክሓይኩ፡ ኮራርምቶም ዝስበሩ ዘለዉ ቁጽሪ የብሎምን! ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት ንምርካብ፡ ናብዛ ሎሚ ብምልኪ ትሕመስ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ኬድካ፡ ብዓይንኻ ብምርኣይ ከተረጋግጾ ትኽእል ሓቂ’ዩ። “ኣሓ ሕማቕ ጓሳስ ኩሉ ይሃርመን!” ከም ዚብሃል ከኣ ኤርትራዊ ሎሚ ብሰንኪ ህግደፍ ኩሉ ዘጓጥጠሉን ዘጋፍዖን ሕሱር ዜጋ ኮይኑ ኣሎ። ሕፍ ሓሊፉ ከም እንስሳ፡ ብህይወቱ፡ ኣካላቱ ጠቢሕካ ኮላሊቱ እናውጻእካ ክሽየጥን ክልወጥን ጀሚሩ ኣሎ! እዚ ሕስረትን ውርደትን ኤርትራዊ ግን ካብቲ ኣብ ሃገሩ ልክዕ ከም እንስሳ ቈጺሩ ብንዕቀት ዝዝልሞ (ዝረግጾ) ዘሎ ስርዓት ምልኪ’ዩ ዚጅምር።
እቲ ቀጺሉ ዚጥቀስ ዛዕባ፡ ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ፍልልይ ምጽባብ’ዩ። ጋላ (ጭፍራ) ህግደፍ ኣብዚኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ’ዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ሎሚ፡ ካብታ ካብ ከተማታት ዓለም ብመልክዓን ቅዲ ህንጻታታን ኣብ ራባዓይ ደረጃ ዝተሰርዐት ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ጀሚርካ፡ ብዘይካ ሓደ ክልተ ከተማታት፡ እተን ዝተረፋ ብምሉአን ብኹሉ ምሉ ማለት፡ ብትሕተን ልዕለን ቅርጺ፡ ፍጹም ገጠር’የን መሲለን ዘለዋ። እቲ ካብ ገጠር ዝፈልየን ምልክታት ማለት፡ ኣፍላጢስ (ቅጥራን)፣ ቡምባ ማይን መብራህትን ነበረ ኪብሃል ቀሪቡ ኣሎ። ዕንወት ዲማታት (ጥንታዊ ህንጻታት) ኣብ ኩሉ ይረአ ኣሎ። ኣብ ገጠራትውን እንተኾነ ብዘይካ’ተን ካብ ክልተ ሰለስተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ዘየገልግላ ብገበርቲ ሰናይ ዝተዃዕታ ቂሪናት (ዒላታት) ካልእ እንታይ ዝገበሮ ነገር ኣሎ እዩ’ሞ ምስ ከተማ ኪማዓራረ!? ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ንሃብታም ብምሕላኽ ማዕረ ድኻ ዝሰርዖ ከምኡውን ነቲ ገጠር ናብ ደረጃ ከተማ ክብ ብምባል ዘይኮነስ፡ ነቲ ከተማ ናብ ደረጃ ገጠር ለጠቕ ብምባል’ዩ ኣማዓራሪዩዎ ዘሎ።
ክንደይ ዓድታትድየን ካብ ክልተ ሰለስተ ኪሎ ሜተራት ካብ ከተማ ዘይርሕቓ ክንሰን እሞ ኸኣ ንኤለትሪክ ዚኸውን ገንዘብ ካብ ውሽጥን ደገን ዝቕመጡ ደቀን ገንዘብ ብምውጻእ፡ ወጻኢታተን ክሽፍና እናኸኣላ ከለዋ፡ ‘“transmitter” (ኣተሓላለፊ፡ ዘርጋሒ) የለን!’ ብምባል፡ ካብ ብርሃን ሓሙወን ዘሎ! ካልእ ይትረፍ ከምቲ ቀደም ደርግ ዝገብሮ ዝነበረ ማለት፡ ብምጽወታ ስርናይ፡ ዓዓዶም ከልምዑ’ኳ ዕድል ኣይፈጠረሎምን። ኣባጽሕ ዓዲ ቀቀሚዑ (መመንዚዑ) እናወሰደ፡ ነዚ ከም ቃህም (ጻጸ) ሓዀተ ዝኾነ ህዝቢ ኣደንቊሩ፡ ተስፋ ዝቖረጸ ዓዲ ውዒል ጌሩዎ ኣሎ። ‘ቅድሚ ጉዕዞ ህንጸት ምጅማርና ጽዕነትና ንወድን?’ ኢሎም ንዝመኸሩዎ ፋህማት (መስተውዓልቲ) ኸኣ መልሱ ቅንጸላ ኮይኑ። “ንሓርማዝ ኣይትምከል (ሳዕሪ ኣይትዕጸድ) ንዘይጸግበልካ፡ ንዓሻ ኣይትምከር ንዘይሰምዓካ!” ዝበሉ ወለድና ከምዚ ምስ ረኸቡ’ዮም።
ኣየነይቲ ብገረብ ዝተሸፈነት፡ መገድታታ ዝጸረገት፡ ህንጻታታ ዘሐደሰትን ዝለመዐትን ዓዲ ኣላ ኣብ ኤርትራ? ኣብ ህግደፍ ብዘይካ ሓይሊ፡ ስያሳ (ብልሓት ኣመሓዳድራ) ዚብሃል የለን! ካልእ ይትረፍ እዚ ንልዕሊ 10 ዓመት ካብ ኩሉ ነገር ተሓሪሙ፡ ብኸንቱ ዝኣርግ ዘሎ ኣስታት 400,000 ዝኸውን ኣብ በረኻ ኣስፊሩዎ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ’ኳ ብውሕዱ፡ ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ገረብ ተኺሉ እንተዘጽድቕስ እዛ 124,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝፍሓታ፡ ብኲናት ዝዓነወት ሓዳስ ሃገርና ነቲ ናይ ቀደም ምስላ ብምምላስ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ጡና (ብኣግራብ ዝጸልመተ ቦታ፡ ጸሓይ ዘይኣትዎ ገራብ ቦታ) ንሙዃን ምበቐዐት ኔራ። እንተኾነ እዚ ብዓል ምሉእ ዓቕሚ ዝኾነ መንእሰይ’ዚ ብዘይካ እግሪ ጉዕዞ እናበልካ ብሸንኮለል ምድካሙን ቅስሙ ምስባርን እንተዘይኮይኑ ካልእ ዚኾነ ዚረአን ዚጭበጥን ልምዓት ንኽፍጽም ዕድል ኣይሃቡዎን።
“ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን፡ ከም እሾኽ ዳንዴር መትሓዚ ዘይብልክን!” ከም ዚብሃል፡እቶም ‘መንግስታና’ እናበሉ ዘይናቱ ምስሊ ብምሃብ ምሳኡ ዝደናገጹ ዘለዉ ዜጋታትና ንኣዕናዊ ተግባራቶም ደጊሞም ክሓስብሉን ሕሉፍ ክግምግሙን ከም ዘለዎም ከዘኻክር ዝደሊ። “ሓዊ ሓደው ኣንዲድካ ሙማቑ፡ ሓደው ኣጥፊእካ ምርሓቑ!” ስለ ዚኾነ፡ ነዚ ጉጅለ ሕሰም’ዚ ቀልጢፍኩም ሓዲኡ ክትገብሩዎ ክትክእሉ ኣለኩም። ምስዚ ጨካን በላዒ ሰብ ጉጅለ ተጸጊዕካ ንህዝቢ ካብ ምብዳል ክትቁጠቡ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ “ምስ መሰረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዚኾነካ፡ ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይሰብረካ!” ስለ ዚኾነ፡ ምስቲ መሰረትኩም ዚኾነ ህዝብኹም ተጸግዑ! ከምኡውን ባዕልና ዋናታት ከለና ካልእ ሰብ ንመሰልና ክጣበቐልናን ክቃለሰልናን ክንሓስብ የብልናን። ምኽንያቱ፡ “ሰብ ኣሓን ይሃድሙ፡ ሰብ ቈራብቲን ይዋግኡ!” ከም ዝብሃል፡ ዋናታት ሃገር ከለና ጓኖት ክቃለሱልና ኣይንጸበ’የ ክብል ደልየ።
ከምዚ ከማይ ተስተውዕሉ እንተሊኹም፡ ሎሚ ፈንጊ ህግደፍ ነታ ሰባት ንምህማል ኢሉ ዕረ ኣብ 1994 ዝተጠመቓ ህግደፍ ትብል ስሙ ኣመና ፈንፊኑዋ ኣሎ። ምኽንያቱ ሎሚ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝሸፈተ ልቢ ኤርትራዊ ንምምላስ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ተሰኪሙ ካብ በረኻ ናብ ቤት ዘእተዎ ሓርበኛ ዳግም ምድንጋጹ ንምኽሳብ ኢሉ፡ ኣብ ኩሉ ሰሚናራቱ ኣብ ክንዲ ህግደፍ ‘ህዝባዊ ግንባር’ እናበለ’ዩ ንነብሱ ዝጽውዕ ዘሎ። ከምዚ ምስ ረኸቡ’ዮም ድማ ወለድና፥ “ነብሪ ዓይኑ ሓመመ፡ ማሕስእ ክትመርሖ ለመነ!” ኢሎም ዝመሰሉ።
ኣቱም ሰባት፡ ክንደይ ኢለ እየ’ሞ ጉድ ናይዚ ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) ክገልጽ! ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ፥ “ስሙ ኣጥፊኡ ስም ኣቦኡ ዘጥፍእ፡ ይሃቦ ኲናት ዚደፍእ!” ዝበሉዎ ነዚ እኩይ ጽቡቕ ስምና ዘጥፍእ ዘሎ ሰብ ከኣ ገለ ዘጥፍእ ይፍጠረሉ እናበልኩ ንሎሚ በዚ ክሰናበተኩም፡ እዚ ኣነ ዝገለጽኩዎ ክፍኣት ህግደፍ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ዩ። እስከ በሉ ንስኻትኩም ከኣ ትፈልጡዎ እናመላእኩም ብምንባብ፡ ነዚ፡ ነዛ ኣይሂ ደም ኣፍሲስና፡ ተሰዊእና፡ ሰንኪልናን ተንከራቲትናን ዝረኸብናያ ሃገርና ንምጥፋእ ዚቃለስ ዘሎ ብዓል ሸነብ (ኣብ ላዕላይ ከንፈር ዚበቘለ ዕሙር ጭሕሚ) ዚኾነ ሂትለር መኪትና፡ ካብ ምጥፋእ ነድሕና። ነዛ ኣብ ክሳድ መላኺ ኣትያ ዘላ ጊንታሮ (መሽቀቕ) ኸኣ ብሓባር እናሰሓብና ኣጸቢቕና ነጽብባ። ከም ገሪስ (ሰንሰለት) መግዛእቲ፡ ገሪስ ምልኪውን ኪብተኽ’ዩ! ፌዋ (ዝቦኽበዀ ገረብ) ሩሕ የብሉን! ዓወትና ዳርዩ (ቀሪቡ) እዩ! ሓቅን ርትዕን ንሓሶትን ሸርሕን ስዒረን ክዕወታ ምዃነን ዚጠራጠር ሰብ እንተሎ ኸኣ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊሙ ከንብብ ጥራይ እየ ክላበዎ ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ዳይቅ (ድፋዕ) ሓቂ ይሸራረፍ’ምበር ፈሪሱ ስለ ዘይፈርስ፡ ውዒላ ሓዲራ ነቲ እንምነዮ መሰልን ክብርን ኪውን ንምግባር ንኹሉ ፈንጢሳ ክትዕወት ሙዃና ጥርጥር የለን!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ተ     ፈ     ጸ     መ።
ካብ ሓውኹም መሲናስ 22-07-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Harnetna2013 July 23, 2013

    your language knowledge is amazing !! thanks for giving us such great article.

  • Yemane Johar July 24, 2013

    Keep them coming! Thanks Mesinas!

  • Truly truly i say to you July 25, 2013

    The truth is Eritrea was the best beautiful city in Africa for more than 100 years, thanks for Italian colonization and for builted our nation beautifully. As well Eritrea was the leading democratic Africans state with multi parties system tradition since federation time 1952- 1962 even before. Even all provinces was ruling with very traditional but modern own rule of law. In a short the people consciousness in relativing with African nations it was very high. But unfortunately in the 21 century while most African start developing and building their nation, contrarily Eritrea since felt in the hand of the diablos Isayas instead going forward because the nation goes backward like as stone age, and at the result in all side the nation facing destruction, our nation stands one of the backwardest country in the world. It is ameasing! When Isayas calling we are working to equalized all provinces. please after hold power which industry, energy water supply or any residential area because significantly constructed is Isayas telling us we are busy on building nation? You are brother Mesinas this saying only to fool meek people? And so that the little conscious Asmara residential people not to confront him is saying that to cover up his distraction agenda.

  • Truly truly i say to you July 25, 2013

    Ameasing! since Woyane hold power let alone to their own nation Tigray and other provinces alone to city of Addis Abeba every concious Ertrawi know, how Woyane beautifully builted 5 times greater than before as it was Addis Abeba before in 20 years. Imagine! The population of Addis Abeba that was around 1, 5 million before Woyane hold power but now the residents of Addis is more than 5, million which means now it is more than of the whole Eritrean population. About they builted residential areas , highest and lowest industries, Universalities, hospitals as infra structure roads or any other energy or water supply construction etc..all to express i have no time, in general the least builted Ethiopian any one of province, it is by much bigger number is greater from that isayas calling we built road or dam. I belive all isayas that calling i built, if 50 successful Eritrea businessmen get opportunity with in less than 5 years were be able double to achive than Isayas that couldn´t done in 22 years as regime. The devil like Isayas by no means could able to construct or could think positive things, but for negative and to destruct is only. Brother Mesinas i can understand your frustration, but have a hope!Eritrea will be constructed as much as it needed and its real citzens will lead it Eritrea to its former leading position in all areas with in 5 years time after destroyed this diablos regime. Thanks for our nation loving people Eritreans!

  • Truly truly i say to you July 25, 2013

    Please read at first comment at the end sentence like this:-
    You are right brother Mesinas. I forgot the word “right “to write.

  • Truly truly i say to you July 25, 2013

    By preaching poverty you can not feed other poor people or make make them rich. This is the fallen communism ideology. but by thinking and doing positive, by lathing people everything to do they likes to do and by preaching and following wealth ideology it is possible to feed others poor people and even to enable them make rich as well. Isayas preaching poorness not because like some meek as thinks he has a communist idiology . No! isayas because by nature born negative and grown up by doing negative, it is impossible to think for such person positive or anything constructive. All what he can do is only destructive. Because he doesn´t experience what better life is ! Evil wicked ruler if he and his family lives in comfort and peace , he thinks others citzens also living in comfort and peace like him, even sees when dying because of hunger or luck of justice when leaving their country it doesn´t bother him. Isayas in his word approved that. This is why Diablos Isayas responded to Jane Daton of Aljazira, When she asked him also, did the nation of this country everybody can leave peacefully? He answered, did you see the show yesterday! Did you see the show yesterday! He means those once in a year gathered 200 citizens in festival to glorifying him because was dancing all Eritreans are living in peace! Typical devil!