Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ- ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምሳኹምን ኣብ ጎኒኹምን ኣለና።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ   ኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ሆላንድ! ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ- ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምሳኹምን ኣብ ጎኒኹምን ኣለና። ሃብሮማትን ጀጋኑን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ንዝወሰድኩምዎ ተባዕ ተበግሶ ነሞጉስ። ተዓዊትኩም የዐዊትኩምና። ብዙሕ

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ

 

ኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ሆላንድ!

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ- ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምሳኹምን ኣብ ጎኒኹምን ኣለና።

ሃብሮማትን ጀጋኑን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ንዝወሰድኩምዎ ተባዕ ተበግሶ ነሞጉስ። ተዓዊትኩም የዐዊትኩምና። ብዙሕ ምሽብሻብን ምድላውን ንዝተገብረሉ መደብ ህግደፍ፡  የውሃና ይብጻሓኩም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሆላንድ –  ኣብ ሓጺር ጊዜ ተንቀሳቒሶምን ወዲቦምን ከፍሽልዎ ምኽኣሎም፡ ንቓልሲ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝልለ እምነ-ኩርናዕ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ዓወት፡ ናይ ብዙሓት ናኣሽቱ ጅግነታዊ ፍጻሜታት ውህሉል ውጽኢት`ዩ። በብጊዜኡን ብቐጻልን ኣብ ልዕሊ ዓማጺ ህግደፍ ዝግበር መኸተታት፡ ተኣኪቡን ተደሚሩን፡ ናብ ግብኣተ-መሬቱ ግድን ክነቝቶ`ዩ።  ስለዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ በብቦታናን ከባቢናን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ንዘረጋገጽዎ ኣንጸባራቒ ዓወት ናህሪ ወሲኽና፡  ሽቶኡ መሊኡ ክወቅዕ ንያትና ክብ ኣቢልና ምንቅሳቓሳትና ከነሐይል ንጽዋዕ።

ከሓድን ኣጽናትን ተግባራት ህግደፍ- ሰኣን ዓቕሙን ቀልቡን ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ዘውርድ ዘሎ፣ ብመደብ ዝተዋደደ ስትራተጂ`ዩ።  ስለዝኾነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣና፡ ስም ውዳቤና ወይ ተመኩሮና ይኹን ስፍሓትና ብዘየገድስ፡  ንከሓዲ፡ በታኒን፡ ኣጽናትን ህግደፍ ክንስዕር ስሙር ጻዕሪታት ከነተግብር ዝለዓለ ሃገራዊ ክብርን ሞያን`ዩ።

ህዝብና፡ ሰብኣዊ ክብሩ ብሕጊን ቅዋምን ውሑስ ገይሩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላምን ራህዋን ክነብር፡ ኩሉ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና፡  ህግደፍን ወይጦታቱን ከም ስርዓትን ባህልን ክሰዓሩ- ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዕላማን ተግባርን ተጊሁ ክሰርሕ ቅሩብ እዩ።

ምስጋና ንጅግንነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ!

ምስጋና ንመንግስትን ህዝብን ሆላንድ!

ዓወትንሓድነትን ስኒትን ህዝቢ ኤርትራ!!

ሚያዝያ 15 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde April 16, 2017

    Let the solidarity of the justice seeker bloom like the Spring cherry blossom everywhere,We will fend off and defeat the evil.Blessed Easter my good hearted fellow Eritreans.He have risen for the pure souls today!

  • Eritreawit April 16, 2017

    Dear Amanuel Eyassu , Thank you for supporting the heroes of Holland who confronted the Dictator messenger and the brain washed youth of Ypfdj, saying that on your interview you mentioned that confronting them was not needed would you clarify your stand on this please, because the regime’s puppets are using your words to accuse our brothers and sisters from Holland as they are doing wrong. Hgdf not long ago in Asmara killed 3 young Eritreans because they tried to run away when they pass by their homes in Asmara city , these goons HGDF supporters did not say a word , so please they are trying to accuse the Delyti Fithi as violent provocateurs , can you give quick answer on this, Thank you again . We all are defenders of our oppressed people. We should fight injustice by any means.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply