Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ዕግርግር ኣብ ሳዋ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብቲ ዝተጸበዮ ንታሕቲ ብትሑት ቁጽሪ ዝወረዱ ኣባላት መበል 27 መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ድሕሪ ምእታውም ኣብ ሳዋ ዕግርግር ተኸሲቱ 'ሎ። ነቶም ኣብ መበል 26 ዙርያ ካብቲ

ዕግርግር ኣብ ሳዋ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብቲ ዝተጸበዮ ንታሕቲ ብትሑት ቁጽሪ ዝወረዱ ኣባላት መበል 27 መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ድሕሪ ምእታውም ኣብ ሳዋ ዕግርግር ተኸሲቱ ‘ሎ።

ነቶም ኣብ መበል 26 ዙርያ ካብቲ ኣክዳምያዊ ፈተና ዝተረፉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብእግሮም ናብቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መደበር ደምሒት ገይሩዎ ዘሎ ኣፍዓበት ከምዝጓዓዙ ድሕሪ ምግባሩ እቲ ስርዓት ኣብ ከርፋሕ ኩነታት ኣውዲቑዎም ከምዝርከብ ይፍለጥ። ብፍላይ ስድራቤታት ናይተን ኣዋልድ ተማሃሮን ተዓለምትን፣ ‘ደቅና ንዝብኢ ሂቦመን እናበሉ’ ቁጥዐኦም ገሊጾም እዮም።

መበል 27 ዙርያ ውጽኢት መርመራኹም ኣብ ሳዋ ኢኹም ትንገሩ ድሕሪ ወርሒ ናብ ሳዋ ተመለሱ ዝብል መምርሒ ምስተዋህቦም ኣብ ተማሃሮን ወለድን ምዕዝምዛምን ኣብያን ዝተኸስተ ድማ፣ ናይቶም ዝቐደሙ ዕጫ ክወርዶም ምዃኑ ስለዝተረደኦም እዩ።

ኣብያ ህዝባዊ ሰራዊት

ናብ ክፍለሰራዊት 63 ተመለሱ ተባሂሎም ዝተኣሰዘ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፣ ንትእዛዝ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነጺጎም፣ ነተን ተዳልየናሎም ዝነበራ መካይን ራሕሪሖመን ተበቲኖም።

ቅድሚ ሓያለ ሰሙናት፣ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ መንደፈራ ድሕሪ ምእካቦም ተመሳሳሊ መምርሒ ዝተዋህቦም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ‘ኣይንኸይድን ኢና’ ኢሎም ተሪር ተቓውሞ ገይሮም ክበታተኑ ምስ ጅመሩ፣ ሓለውቲ ናይቲ ማዕጾ ጥይት ንላዕሊ ተኵሶም ከፈራርሑዎም ‘ኳ እንተፈተኑ፣ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ ክገድፍዎም መምርሒ ስለዝህበ ገገዝኦም ከይዶም ከምዝኸዱ ይፍለጥ።

ህዝባዊ ስራዊት ገጠራት ብረት ምርካብ ኣብዮም

ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ክኾኑ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተመልመሉ ሓረስቶት፣ ተዋፊሮምሉ ዝነበረ ናይ ሓለዋ ዕማም ብኢደወነኖም ድሕሪ ምቍራጾም ብረቶም ከረክቡዎ ኳ እንተተሓተቱ ብረቶም ምምላስ ኣብዮም ኣለዉ።

ኣቐዲሞም ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ብኣኼባ መምርሒ ዝተዋህቦም ዕጡቓት ካርኔሽም ነቲ መምርሒ ድሕሪ ምንጻጎም ብረቶም ከረክቡ ንዝቐረበሎም ትእዛዝ ‘ዓድና ክንሕልወሉ ኢና’ ኢሎም ብተመሳሳሊ ነጺጎሞ እዮም።

ቶኮር

ኣብ ቶኮር ዝርከብ ሓደ ካብ ምንጭታት ማይ ከተማ ኣስመራ መጨንጕዒ ማዩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ተክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠሞ ተበላሽዩ ‘ሎ። ብግቡእ ክዕረ ኣዋርሕ ከምዘድልዮ ከኣ ተፈሊጡ። ክራማት ስለዝጸንሐ እቲ ብልሽት ንህዝቢ ከተማ ኣስመራ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኳ እንተዘይተፈለጦ፣ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ዝስተ ማይ ከየስዕበሉ የስግእ።

ነዳቓይ ፕረዚደንት

ኢሳይያስ ናብቲ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝብሃል ከባቢ ዝስራሕ ዘሎ ዲጋ መዓልታዊ ብምኻድ ቴንዳ ዘርጊሑ ይውዕል ምህላው ዘስደመሞ ህዝቢ፣ ‘ኣመሓዳሪ ተሳኢኑ ኩሉ ነገር ፋሕ ክብለና ደኣ ሓቁ እንድዩ፣ ፕረዚደንትና ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ ነዳቓይ ተቐይሩ’ እናበለ ይጨርቕ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ግብጺ ገይሽሉ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ እዩ ካብ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ዘይተራእየ። ኢሳይያስ ፣ ‘ሓጋዚ ስኢኑ እምበር ንሱ ደኣ ይሰርሕ ኣሎ’ ተባሂሉ ሓላዪ ህዝቢ ተመሲሉ ሰብ ከደናግር ዝገብሮ ፈተነ ”ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ኣረጊት ሽጣራ ኢሳይያስ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ‘ሎ።

የማነ ተስፋይ ካብ ንግዳዊ ባንክ ተሰጕጉ

ኢሳይያስ ንሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ዝነበረ የማነ ተስፋይ ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ስራሕ ብምብራር፣ ካብቲ ተወጊኑሉ ዝነበረ ገዛ መንግስቲ ‘ውን ብወተሃደራት ከምዝወጽእ ገይሩዎ።

ኢሳይያስ ንየማነ፣ ‘ጠፍሽና ኢልካ ነቲ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሕሳባት ዓጺኻ ዶላራት ንሓጎስ ክሻ ኣረክቦ’ ኢሉ ንዝሃቦ ትእዛዝ የማነ ስለዘይተቐበሎ ክምዝተሰሓሓቡ ይዕለል።

ካብቲ ዝንበረሉ ዝነበረ ገዛ መንግስቲ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዓዲ ንፋስ ኣብ ዝርከብ ገዛ ስድራቤቱ ይቕመጥ ኣሎ።

የማነ ካብ ፈለማ እዋናት ናጽነት ክሳብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣካያዲ ንግዳዊ ባንክ  ድሕሪ ምዃኑ ከይተቐየረ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • samuel September 11, 2014

    “ኣቐዲሞም ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ብኣኼባ መምርሒ ዝተዋህቦም ዕጡቓት ካርኔሽም ነቲ መምርሒ ድሕሪ ምንጻጎም ብረቶም ከረክቡ ንዝቐረበሎም ትእዛዝ ‘ዓድና ክንሕልወሉ ኢና’ ኢሎም ብተመሳሳሊ ነጺጎሞ እዮም።”
    Bravo Karneshim!
    Senay Hadish Amet

  • yonas kidane September 11, 2014

    Karnishm….Anabs

  • Wedi_Hagher September 11, 2014

    “ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ግብጺ ገይሽሉ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ እዩ ካብ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ዘይተራእየ። ኢሳይያስ ፣”

    They know where he is and what he does. People wait their unfortunate fate as if God sent and unstoppable.

  • afro September 11, 2014

    Solomon on: demht wahid.hangolka asrehayo!

  • Mike September 11, 2014

    Slowly but surly it is ticking. Issayas and his junta working their remaining time – looking for some kind of Miracle from above…. That miracle was shut off a while back on their own making. Until then poor Eritrean young will still suffer.

    Yemane Tesfay removed. Well, this person was useless anyway. Truly useless.

  • tediboy September 11, 2014

    I knew Yemane from the first days of independence. He is one of few remaining honest, hard working, ethical patriots remaining. Isaias firing him is a suicide for PFDJ, and it will serve to show Isaias doesn’t want honest, ethical officials but only greedy and cowardly ones.

  • ahmed saleh September 11, 2014

    Harassment , maltreatment and to leave them
    in miserable life is the main issues which force
    our young flee the country.
    The residue of Ghedli mentality continues to
    play destructive role in our current realities .
    The late P.M. M. Zenawi once said ;
    “You can’t administer this kids who grew with
    lekalika and coca-cola by using the style of
    Sahel era ” . Isn’t it sound logically true ?

  • Simon G. September 11, 2014

    96409

  • Kombishtato September 13, 2014

    I can’t confirm it yet but I heard Issaias is building the largest water reservoir, AKA, dam in Eritrea in Adi Halo (I don’t where it might be)? However, this info is not available in the state media. Is this another bado-seleste rumour, or something else?
    Why is he spending a lot money and time on this single reservoir?

    “ኢሳይያስ ናብቲ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝብሃል ከባቢ ዝስራሕ ዘሎ ዲጋ መዓልታዊ ብምኻድ ቴንዳ ዘርጊሑ ይውዕል ምህላው ዘስደመሞ ህዝቢ፣ ‘ኣመሓዳሪ ተሳኢኑ ኩሉ ነገር ፋሕ ክብለና ደኣ ሓቁ እንድዩ፣ ፕረዚደንትና ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ ነዳቓይ ተቐይሩ’ እናበለ ይጨርቕ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ግብጺ ገይሽሉ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ እዩ ካብ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ዘይተራእየ። ኢሳይያስ ፣ ‘ሓጋዚ ስኢኑ እምበር ንሱ ደኣ ይሰርሕ ኣሎ’ ተባሂሉ ሓላዪ ህዝቢ ተመሲሉ ሰብ ከደናግር ዝገብሮ ፈተነ ”ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ኣረጊት ሽጣራ ኢሳይያስ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ‘ሎ።”

  • ERITRAWIT September 14, 2014

    Dehaykum aytfana gen Atum yehwat gele endo gberew.

POST A COMMENT