Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ዓቕሉ ጸቡቡዎ ዘለወሉ በዳሂ እዋን፣ ካብ ሞት ንምድንጓይ ናይ ኮን’ዶ’ኾን ተግባራት በጋሚንዶ ናብ ምትግባር ካብ ዝኣቱ ኣይወሓደን። እዚ ብዘይካ ብስርዓተ-መሮርን ኣራዊታዊ ሕጊን  ብሕጊ ሕብረተ-ሰብ ዘይቅየድ ፋሉል ስርዓት፣ ሎሚ ኣብ ኣጋ ሞቱ ዶላራት

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ዓቕሉ ጸቡቡዎ ዘለወሉ በዳሂ እዋን፣ ካብ ሞት ንምድንጓይ ናይ ኮን’ዶ’ኾን ተግባራት በጋሚንዶ ናብ ምትግባር ካብ ዝኣቱ ኣይወሓደን። እዚ ብዘይካ ብስርዓተ-መሮርን ኣራዊታዊ ሕጊን  ብሕጊ ሕብረተ-ሰብ ዘይቅየድ ፋሉል ስርዓት፣ ሎሚ ኣብ ኣጋ ሞቱ ዶላራት ንምምእራር ሰፊሕ ናይ ኮንትራባንድ ስራሓት የካይድ ኣሎ።

ኣብ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ስራሕ ኮንትራባንድን ቅንጸላ ንጹሃት አርትራውያንን ንነዊሕ ዓመታት ዝተሞከረ፣ ቅድም ኮሎኔል ዝነበረ ቀጺሉ ግን በቲ ዘመስከሮ ተኣማንነቱ ንኢሳይያስ፣ ናይ ብሪጋደር ጀነራል ማዕረግ ዝተቐበለ፣ ጠዓመ ጎይትኦም /መቐለ/ ምስጢራዊ መገሻታት ካብ ዝተሓሓዞ ነዊሕ ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ። ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ /መቐለ/ ብመንገዲ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ኣቢሉን ካብ ቤት ጽሕፈታት ኤምባሲ ኤርትራ ከይተረፈ ተሓቢኡን ናብ ዲ. ረፑብሊክ ኮንጎ ይመላለስ ኣሎ።

ኣብዚ ስራሕ ኮንትራባንድ ኣልማዝን ወርቂን ዝተሓባበሩዎ ድማ ብብዙሕ መዳያቶም ዝተሓርዩን ብደቂቕ መንፊት ዝሓለፉን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢዮም። ብሪጋደር ጀነራል መቐለ፣ ኣብቲ ካብ ኤርትራ ተበጊሱ ብመንገዲ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝመላለሰሉ ዘሎ ናይ ውራ-ውራ ግዜ፣ እታ ብስም ናስ-ኣየር እትፍለጥ ዋንነታ ንጹር ዘይኮነ ኣየር ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ።

ካብቶም ብደቂቕ መንፊት ዝተመመዩ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር፣ ናብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት እናተሳሕቡ ናብ ዝለዓለ ስለያዊ ተግባራት ተመዲቦም ከም ዘለዉ ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ንጹር ሓበሬታ የመልክት። ኣብዚ ናይ ሞትን ሕየትን ህግደፍ፣ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣዝዮም እሙናት ንዝተባህሉ ኣብ ሜዳ ኣብ ክፍሊ ምልክትን ክፍሊ ስለያን ጸጥትን ናይ ቀደም ኦፐረተራት ዝነበሩ ተጋደልቲ’ውን ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኮሎኔል ስምእን ገብረድንግል ይጥርነፉ ኣለዉ።

ካብቶም ናብ ዲ. ረፑብሊክ ኮንጎ ኣልማዝን ወርቂን ንምእራይ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ /መቐለ/ ዝገሹ ዘለዉን፤ እቶም ናብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ተሳሒቦም ኣብ ትሕቲ ኮሎኔል ስምኦን ዝተጠርነፉን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር፣ ናይ ዝበዝሑ ኣስማት ዱሮ በጺሑና ‘ሎ። ስለዚ ንኩሉኹም ማይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ሰቲኹም ዝዓበኹም፣ ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነቱን ሓርነቱን ፈታኒ ኲናት ዘካይደሉ  ዝነበረ ግዜ ቃልሲ ብሕማም “ቃታ” ትፍለጡ ዝነበርኩም ሰራሕቲ ቅያ፣ ሎሚ ንዝመውት ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን ኣብ ጽላሎት ኢሳይያስ ካብ ምኹላል ተቖጠቡ። እቲ ኣቦ ቤት ትምርቲ ሰውራ፣ እቲ ኣያ ፊተውራሪ ንዝነበረ ቢትወደድ ኣብርሃ ዝበልዐ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ብዘይካ ሞት ካልእ ዝግበኦ ፍዳ የለን’ሞ ኣብቲ ዕምሪ ኢሳይያስ ንምሕጻር ሪጋ ሒዝናሉ ዘሎና ፈለግ ቃልሲ ንክትጽንበሩ ምሕጽንታና ነመሓላልፍ።

ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዝንግሪር ግዜ፣ ህላውነቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣስጋኢ ኩነት ይወድቕ ስለዘሎ፣ ንኣዝዮም ኣስጋእቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ንዝበሎም ንንዊሕ ዓመታት ደስኪሎም ካብ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ‘ውን ይኣስር ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • HGDF December 9, 2011

    Hahahaha. Kulu ezi tsuhuf equa meshaq ente kone hanti neger gin mara ashikatni. “ኣብቲ ዕምሪ ኢሳይያስ ንምሕጻር ሪጋ ሒዝናሉ ዘሎና ፈለግ ቃልሲ ንክትጽንበሩ ምሕጽንታና ነመሓላልፍ”
    Emri Isaias kehtsuru zidelyu silezibezhu dyu riga tetahizuley? Emo eti ab Riga qedamay zelo dea zeyehtsira eta emri. Nisukum kab ab riga mitsibay midehankum. Wey kea ayhlifena riga beluwo.

  • tsere higdef December 9, 2011

    Riga malet mesrie malet eyu. Ab kalsi dima teserieka eyu hawuna higdef. Bikanka tilyan riga malet mesmer malet eyu

  • Sam December 9, 2011

    HGDF is the word Gadafi mean any thing to you? please check on YOU tube & enjoy the seen Klashinkof up his ass what a beuitifull seen which is what is waiting for Issayas, he was loughing till the last minuit & now your buddy Issayas’s turn as a people we had enough of him as we put him on the chaire we will put him in the grave when the time is right, people like you will be going to Barke for a labore job to pay back to the people, if you beleave on Issayas use your real name will be easer for us to pick you up.

  • henok December 10, 2011

    hahahahah nea dea ezi arkey abey koinka eyu eti riga

  • aster dawit December 11, 2011

    AB AWASSA EYU ETI RIGA,{MIS MELLES AGAMME@TULKIYAT ERITRAWIAN,}

POST A COMMENT