Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ – 17 ሕዳር 2015

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝኽሰስ ንድሓርን ብገበን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ ፍርሒ ስለዝሓደሮን፡ መዕቆቢኡ የጣጥሕ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ልዕሊ

  1. ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝኽሰስ ንድሓርን ብገበን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ ፍርሒ ስለዝሓደሮን፡ መዕቆቢኡ የጣጥሕ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን ትካላት’ቲ ስርዓትን ዘንጸላሉ ዘሎ ክሲ ግብራዊ ኣንተኾይኑ ኢሳያስ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ኣብ ዓዲ ሃሎ ክሕክል ከምዘይክእል ኣዳዕዲዑ ስለዝግንዘብ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ክጠፍእ ኣለዎ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ንስርዓት ህግደፍ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተዕቁቦ ትኽእል ሃገር መን ክትከውን ትኽእል ኣፎም መሊኦም ክዛረቡ’ኳ እንተዘይክኣሉ፡ ኢሳያስ ብጸገም ጥዕና ኣመኽንዩ፡ከም በዓል ቻይና፡ ጣልያን፡ ኩባ፡ ከምኡ’ውን ገለ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብጥቅሚ ክደናገጻሉ ከምዝኽእላ ይእምቱ። ገለ ተንትንቲ ፖለቲካ ግን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣይሰማምዑሉን። ብኣጠማምታ ናይቶም ተንተንቲ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ እንተተረጋጊጹን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቀርብ እንተተወዲኡን፡ ኣብተን ኣንጻር ምዕራባውያን ሃገራት መርገጺ ዘለወን ስርዓታት ከም በዓል ሱዳን፡ ዙምባብወን ኢራንን መጸግዒ ክህብኦ ከምዝኽእላ ይገልጹ። ዚምባብወ ንኢሳያስ መሐከሊ እንተሂባቶ ድማ  መንግስቱ ሃይለማርያም ብኹሩምቱ ክስሕቕ እንከሉ ንኢሳያስ ግን ውርደትን ሕማም ርእስን ክኾኖ’ዩ። እንተድኣ ኣብ  ኤርትራ ስርዓተ ኣልቦ ኩነታትን ሕንፍሽፍሽን ከይፍጠር  ተሰጊኡ ግን፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ቅድሚ ምሃቡ ኢሳያስ ብሰላም ስልጣኑ ከምዝገድፍን ብገበን ከምዘይሕተትን ንምግባር ከም በዓል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ እስራኤል፡ ስዑድ ዓረብን ርዋንዳን መተዓረቂ ሓሳብ ከቅርባ ይኽእላ’የን። እቶም ምንጭታት ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ወሳኒን እንኮ ፍታሕን ግን፡ ነዚ ብዓቅሊ ጽበት ሰንደልደል ዝብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ብስሙር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምውጋድን ኣብ ቦታኡ ንሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል’ዩ።

 

  1. ኢሳያስን ውሑዳት ኮራኩሩን በቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ድጉል ምንቅስቃስ፡ ተቃውሞታት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ጸቅጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ጸልማት ተርክቦም ከምዘላ ስለዝተገንዘቡ፡ ማዕበል ህዝቢ ንምህዳእ፡ ብሕቡሕ ተቃውሞ ህዝቢ ንምጭፍላቅ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ሓገዝ ንምርካብን፡ ነቲ ማሕበረሰብ ዓለም ትጠልቦ ዘላ ሕቶታት ዕረ እናጥዓሞ ጽገናውን መታለልን ለውጥታት  ንምግባር ይበላሓት ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብላዕለዎት ካድራት ህግደፍ፡ ሓለፍቲ ዞባታትን ጸጥታን ኣብ ወጻኢ ድማ ብኤምባሲታት፡ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ቆንስላትን ተደናገጽቲ ምሁራትን ኣቢሉ ጽዑቕ ጎስጓስ ከምዘካይድን ብመራኸቢ ብዙሓኑ ልዑል ጥመት ከምዝግበረሉን ተፈሊጡ’ሎ ። ነቲ ኣብ ወጻኢ እናሓየሉ ዝመጽእ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ ንምግታእ ድማ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሃሱሳት ይልእኽን ገንዘብ የዋፍርን ከምዘሎን እዚ ስጉምቲ’ዚ ድማ ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ድሮ ውድቀቶም ዝጥቀምሉ ሕሱር ሜላ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

 

  1. ስርዓት ህግደፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብህዝቢ ኤርትራ እናተጸልአን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም እናተነጸለን ይመጽእ ስለዘሎ፡ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎቶ’ም እሙናተይ ዝብሎምን፡ ብጥቅሚ ምትፍናን፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም፡ ተስፋ ምቁራጽን ሓድሕድ ምውንጃልን ይገንን ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም። ላዕለዎት እዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ብምስጢር ዶላራት ምእካብን ኣብ ደገ ምሕባእን፡ ናይ ዜሮ ሰዓት ምስ ኣኸለ ስድራቤቶምን ንነብሶምን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ክነብሩ ባይታ የጣጥሑ ከምዘለዉ ብሰፊሑ ይዕለል። ኣብዚ ንነብሰይ ይጥዓመኒ ዕማም ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ዝያዳ ተጸሚዶም ዘለዉ ድማ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ጽገረዳ ወልደገርግስ፡ የማነ ገብረመስቀልን ኣብ ሱዳን ከባቢ ከሰላ ብሓላፍነት ኣብ ጸጥታውን ቁጠባውን ትካላት ተመዲቦም ዝሰርሑ ሰባትን ይርከብዎም። ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ነጥቢ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እቶም ቀንዲ ኣመንተይ ዝብሎም’ውን ስለዘይኣምኖም፡ ተወዲቦም ኣንጻሩ ዝኾነ ስጉምቲ ከይወስዱን ኣብ መንጎኦም ምጥርጣር ከምዝሰፍን ንምግባርን፡ ብተናጸል ምእካብን ርክባት ምክያድን ከምኡ’ውን ንሓደ ምምጓስን ነቲ ካልእ ድማ ምድሃልን ልሙድ ስርሑ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። ኣብዚ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክጥዕሞ ምምጓስ ክኸፍኦ ምዝላፍ ዝያዳግዳይ ኮይኖም ዘለዉ እሙናቱ ድማ፡ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ኣብርሃ ካሳን የማነ ገብረመስቀልን’ዮም።

 

  1. ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተመሓለለፈን ብኻልኦት መርበባት ሓበሬታ ኣቃልቦ ዝተገብረሉን ኣርእስቲ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገማትን መፍትሒኡን ዘጉልሕ መደረ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ሃይለ ድሩዕን ካልኦትን ምስተቃልሐን ተሓቢኡ ዝነበረ ምስጢር ቃልዕ ስለዝወጸን፡ ንኢሳያስን ነቶም ካብ ጉጅለ 15 ዝጠለሙን ክሳብ ሎሚ በዞም ብዘይ ፍርዲ  ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉን ብስቃይ ዝተቀትሉን፡ ጉጅለ 15፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ብፍርሕን በለጽን ምስቃጦም ጭንቀት ከምዝፈጠረሎምን ብመስተ ተደሪኾም “ዓዲ ትጠፍእ ኣላ፡ ብኻ ምስቶም ዝተኣስሩ ጅግንነት ፈጺምና” ኢሎም ምስ ቤተሰቦምን ኣመና ዝኣምንዎምን ከምዘዕሉ ይግለጽ። ህዝቢ ብወገኑ፡ ነቶም መቃልስቲ ጉጅለ 15 ዝነበሩ ብጾቶም ካልኦትን  ምጥላሞምን ክሳብ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ዘይፍትሑን ፍርዲ ዘይወሃቦምን ኢሎም ዘይምሕታቶምን፡ “ኤርትራዊት ኣደ ዘይወለደቶም ኤርትራውያን’’  ኢሉ ከምዘባጭወሎም ዋና መዕለሊ ኮይኑ’ሎ። ብተወሳኺ ህዝቢ፡ “ኣደ ወሊዳ ትምከን፡ ኣሽሓት ከም ቢተወደድ ኣብርሃ ይወለዱ’’ ኢሉ ነቶም ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብስቅታ ደቂሶም ዘለዉ ከም በዓል ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ኣስካሉ መንቀርዮስ፡ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ፎዝያ ሃሽም፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ሮሞዳን መሓመድኑርን ካልኦት ሰበስልጣንን፡ ኣብ ህይወቶም ዘኹርዕ ታሪኽ ክፍጽሙ፡ ኣብ ጎደናታት ይሓምዮም ኣሎ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Nsane November 20, 2015

    abzen netbtat hsabat aleni
    Frhi bzaeba ICC zhbuwo frdi:
    b ICC zdle ember zteasre merahi yelen. Iseyas sala werki Eritrea zseno neger yelen nay bhaki ezi kbhal zkeneye hamimu endhir alo koynu sigab ti ztsenhalu ametat gezeb alewo … b kelilu aykonen kinebir buzuh wetsaeitat eyu kedlyo.
    Hikmnawi Rediet: Sala tsega Eritrean Eritrawyann ab bankitat zekemeto genzeb eta tinfasu hizu tiray mulue nay akalatu kfalt mikyiyar kigebir ykiel eyu…. ezi gin eti kemzi hiji zelewo nay hager michflakin migzaein zeketslo tiena khlwo aykielin.
    Eilwa mengsti: Ezom alowu nblom azezti serawit nenhdhdom b tkimn asasiru nenhidhdom kem zeysaneyu geru eyu nedikuwom Eseyas silezi tekielo nay mengsti mglbat azyu rhuk eyu.

  • Nsane November 20, 2015

    Tekawemti: eziomwn kabto generalat zeyhaysh n keysemameu zmehalu eyom zmeslu endegena ane ab 2007 13 selfitat neyre hiji 30tat bexihen eye zsemie Eritrea neshto hager kinesa kndzien selfitat nmntay adleyele. men ke fetiruwen gelien baelu Iseyas. kabzien zrkeb awet azyu zmahmene eyu unless they are united in two two or three. Democratic, Republic,zbhal babeyti catogory tezeykoynen habten bhansab geren tezeytekalisen n Hgdef lkie kem mesrie Ahadu eyu zhasben. N mtfien wey n mbttanen kelil eyu.

    Wulue tfie zbil selamawi selfitat; eziwn b remote control mengsti zglbit zeykones n alem mezekakeri ykona.

    Solution zblo ezom hiji znkesakesu zelewu tekewmti bbret kab zhalfa mekayn mktsaln had hade mesakin agelglot wey tegadelti yehbirka mitfae. Ab wushti ketema atika nay fedayn sirah msrah azyu wtseitawi ykewn. Iseyas, Monkey, Kasha, Kasa, Philpos… kalotin bebihade mkntsal kes b kes abti HGDEF abeyti kuluwlaw fetirka paralyze mgbar eyu zmrets

Post a Reply to Nsane Cancel Reply