Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ሰገነይቲ ኣብ ሰገነይቲ ብመሰረት ማስተር ፕላን ብመንገስቲ ኣብ ዝትዓደሉዎ መሬት ገዛ ሰሪሖም ዝውድኡ ዜጋታት ክሸጡዎ ከለዉ ምስ ገዝኣይ ኮይኖም ናብ ቤትፍርዲ ከይዶም ብምፍርራም ከምዝሸጠን ከምዝገዝአን ተወዓዒሎም ሕጊ ከምልብሱዎ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር እቲ ንሓያለ ዓመታት ነዚ መስርሕ’ዚ

ሰገነይቲ

ኣብ ሰገነይቲ ብመሰረት ማስተር ፕላን ብመንገስቲ ኣብ ዝትዓደሉዎ መሬት ገዛ ሰሪሖም ዝውድኡ ዜጋታት ክሸጡዎ ከለዉ ምስ ገዝኣይ ኮይኖም ናብ ቤትፍርዲ ከይዶም ብምፍርራም ከምዝሸጠን ከምዝገዝአን ተወዓዒሎም ሕጊ ከምልብሱዎ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እቲ ንሓያለ ዓመታት ነዚ መስርሕ’ዚ ስቕ ኢሉ ክዕዘብ ዝጸንሐ ሽፍታ ስርዓት ግን፣ ክንደይ ዓመትት ተጸብዩ ነቶም ገዛ ዝሸጡን ዝገዝኡን መቕጻዕቲ በይኑሎም ኣሎ።

እቲ መቕጻዕቲ፣ ንኣብነት ብሓደ ሚልዮን ንዝተሰርሐ ወይ ዝተግዝአ ገዛ፣ ብኽንዲ ‘ቲ ዝተሰርሓሉ ወይ ዝተሸጠሉ ዋጋ መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ተኣዚዞም ኣለዉ።

ንኣከፋፍላ ብዝምልከት ከኣ፣ ኩሉ ኣብ ሓደ ግዜ ካሽ ክኽፈል ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ግን፣ ን 100 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ወርሒ 10 ሽሕ ናቕፋ ወለድ ክትክፍ ትግደድ። እቲ መቕጻዕቲ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ እንትደኣ ኮይኑ ‘ሞ ኸኣ ብኡ ንብኡ እንተዘይከፊልካዮ ኣብ ወርሒ 100 ሽሕ ናቕፋ ወለድ ተወሳኺ ዕዳ ኣለካ ማለት እዩ።

ብዓይኒ እቲ ስግንጢራዊ መላኺ ስርዓት እዚ ከም መቕጻዕቲ ምሉእ ዋጋ ክኽፈል ዝእዝዝ መምርሒ ከም ሕድገት ተሓሲቡለይ ያኢ፣ ነቶም ቅድሚ 2 ዓመት ዝሰርሑን ዝገዝኡን ጥራይ ዝምልከት እዩ። እቶም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ዝሰርሑ ይኾኑ ዝሸጡን ዝገዝኡን ግን ኣባይቶም ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ክፈርስ እዩ ትኣዚዙዋም ዘሎ።

በዚ ምኽንያት ህዝቢ ሰገነይቲ ቍንቍኛ ናይቲ መትሓዚ ዘይብሉ ደንጽዩዎ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ይርከብ።

ዳዕሮ ቃውሎስ

ኣብ ዳዕሮ ቃውሎስ 400 ሚእቲ ኣባይቲ ድሕሪ ምፍራሱ፣ መራሒ ናይቲ ስርሒት ዕንወት ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ፣ ባሕቲ ሚያዝያ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ምሸት ናብ ዳዕሮ ቃውሎስ መጺኡ ነቲ ዝተፈጸመ ዕንወት ተዘዋዊሩ ምስረኣዮ፣ ሕጉስ ከዝነበረ ኣብ ገጹ ይንጸባረቕ ነይሩ። ነቲ ሓደ ሓደ ኣጸቢቑ ዘይፍረሰ ገዛውቲ ጽቡቕ ገይሮም ከፍርሱዎ ከምዘለዎም ከኣ ነቶም ዓጁቦሞ ነበሩ ሓለፍቲ ኣጥቢቑ ሓቢሩዎም።

እቲ ኣባይቱ ክፈርስ ምልክት ክግበረሉ ከሎ ኣብ ቅርዓት ታቦት ኣውጺኡ ዝጸለየ ህዝቢ ዳዕሮ ቃውሎስ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ህንጻታት ክዓኑ ምርኣዩ ድንጽዩዎ “መርገምና እዩ” እናበለ ከስተንትን ቀንዩ።

እተን ናይ ታንክ ሰንሰለት ዘለወን ኣባይቲ ከፍርሳ ዝወዓላ ሽዱሽተ ዶዘራት ካብ ዓሻ ጎልጎል ዝመጽኣ ክኾና ክለዋ፣ ኣባይቲ ኣፍርስ ውዒለን ምስ ወድኣ፣ ናብ ሰላዕዳዕሮ፣ ዓዲ ዃላን ወኪ ድባን ከምዝኸዳ ኣብቲ ስርሒት ዘሰነዩወን ኣባላት ፖሊስ ተዛሪቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Feday April 8, 2015

    The message PFDJ conveying is immigration is not lucrative anymore, you can not “escape” hell on earth known otherwise eritrea and build villas there at the same time. you can not have your cake and eat it too.

POST A COMMENT