Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ንኣዘዝቲ ናይ ኣማውቱኒ መዓርግ ይውስኽ፣ ፍሊጶስ ቦዲጋርድስ የብዝሕ፣ ንስክላ ካብ ሞት ዝተረፈ ሓሊባይ ምሉእ ሕክምና ከይረኸበ ካብ ዓዲ ጥልያን ይምለስ

ውድቀት ዘንጸላልዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ስልጣኑ ዝሕልዉሉ እሙናት እንተረኸበ ብስልጣን ንምትላሎም ካብ ለተናል ኮለኔል ንላዕሊ ንዝነበሩ ኣዘዝቲ ምክልኻል ብዘይእዉጅ መንገዲ መዓርግ ወሲኹዎም። እቶም ብሓባር ንጥፋእ ኢሉ  ናይ ኣማውቱኒ መዓርግ ወሲኹዎም ዘሎ ዕሱባት ውልቀምልኪ ብዙሓት ‘ኳ

ውድቀት ዘንጸላልዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ስልጣኑ ዝሕልዉሉ እሙናት እንተረኸበ ብስልጣን ንምትላሎም ካብ ለተናል ኮለኔል ንላዕሊ ንዝነበሩ ኣዘዝቲ ምክልኻል ብዘይእዉጅ መንገዲ መዓርግ ወሲኹዎም።

እቶም ብሓባር ንጥፋእ ኢሉ  ናይ ኣማውቱኒ መዓርግ ወሲኹዎም ዘሎ ዕሱባት ውልቀምልኪ ብዙሓት ‘ኳ እንተኾኑ፣ ብዘይካ ‘ቲ ምሉእ ጀነራል ከም ዝኾነ ኣብ ቀብሪ ናይቶም ዝጠፍኡ ብሪጋደር ጀነራላት ዝተወርየሉ ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ፣ ተኽላይ ሃብተስላሰ፣ ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ‘ውን መዓርጎም ናብ ምሉእ ጀነራል ክብ ኢሉ ኣሎ።

ኣብርሃም ዓንዶም፣ ወዲ ሊቀ ዝርከቡዎም ብሪጋደር ጀነራላት ነበር፣ መዓርጎም ናብ ሜጀር ጀነራል ክብ ክብል ከሎ፣ ኮለኔል ወዲ ፍርዙን፣ ኮለኔል ወልደማርያም ኣዛዚ ክፍለሰራዊት 84 ነበር ዝርከቡዎም ካልኦት ድማ ናይ ብሪጋደር ጀነራል ማዕርግ ተዋሂቡዎም። እዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣብነታት እዮም፣ እምበር እቲ ወሰኽ መዓርግ ንብዙሓት ኣዘዝቲ ዝዓመመ እዩ።

እቲ ኣብ ርእሲ ምሉእ መዓርግ ጀነራል ሓለቓ ስታፍ ኮይኑ ብኢሳይያስ ዝተሾመ ፍሊጶስ፣ ኩሉ እዝታት ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ እንተላይ እቲ ብተኽለ ማንጁስ ዝቖመ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ኮይኑ ‘ሎ። ፍሊጶስ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ብኽልተ ናይ ቦዲጋርድስ መካይን ተዓጂቡ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ብኻልእ ወገን፣ ካብቶም ስርዓት ኢሳይያስ ብሓደጋ መኪና ከምዝሞቱ ዘውረየሎም ምኽንያት ንጹር ዘይኮነ ብሓባር ዝጠፍኡ ብሪጋደር ጀነራላት ቫይናክን ሃንጀማን፣ ከምኡ ‘ውን ደሱ ሰንኪሉ ዝተረፈ ሓሊባይ፣  ኣብዓዲጥልያንክሕከምድሕሪምጽናሕኣስመራኣትዩኣሎ፡፡ኣብዓዲጥልያንህግደፍእቲዝድለሕክምናክግበረሉ ኣይጸዓረሉን። ፍጹም ሰንኪሉ፣ብሰብተደጊፉኢዩ ዝንቀሳቐስዘሎ፡፡ሞራሉወዲቑወጅሃቱሃዲሙከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • THE COWARD HERO August 30, 2014

    Quote…”ውድቀት ዘንጸላልዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ……”End Of Quote…

    መኖም እዩ ቀዲሙ ዝወድቕ ፧ ህግደፍ ወይ እታ ሃገር፧ንኢሳያስ ሚልዮንን ፈረቓን dollars ዝደለየ ሰብ እንተቐተሎኸ መን ይትክኦ ፧ ሕንፍሽፍሽ ኣይፍጠርን ዶ፧ እቶም $ 1.5 million dollars ሽልማት ዝተማባጽዑ Popular front for the salvation of Eritrea ክምልስዎ ተስፋ እገብር።

  • samuel August 30, 2014

    Where are those previous SAWA graduates? what is for them after SAWA? something I don’t understand why the they don’t try to topple the Dictator instead go to exile? Eritrea suffer a lot and beyond,it’s time for change Now!

  • HIT PFDJ August 31, 2014

    the coward hero:- izi hiji atiyu zelo hinfichfich ab eritra, intay ilka ke timilis nisika?
    ni isseyas men kitikio tibil intekonka imo isseyas mis zimewut bamlak eritra kitkiber alewa mis isseyas malet iyu. iti tselai ab risika zelo intetelgiso iti zihashe yimesleni.

    • THE COWARD HERO September 1, 2014

      HIT PFDJ ,

      If you had solution for my qiestion ,I would have appreciated it.

  • ትንሳኤ ጊላይ August 31, 2014

    ናይ መወዳእታ ፈተነታት ናይ ሃደሽደሽ ዝበለ ስርዓት፡፡ ከም ናይ ደርግ ናይ መወዳእታ ኩነታት፡፡ ግን ሰብ በዚ ክዛነ የብሉን ሕማም ሓውዩ እናበልካዮ ክደግሰካ ይኽእል እዩ፡፡ ሕብረት ዘድልየሉ ጊዜ ኢዩ ሕጂ፡፡

  • HELLA August 31, 2014

    Rank yhabom ayhabom si naakum entaykum eyu xibuk geru aygeru msgana yelen slezi naakum kulu hade sle zkone tim elkum teazebu tray, teberktwo sle zeyele tim tuum eyu,,,

  • solomon Eritrean September 4, 2014

    anta etom kalotsi wekaru koinom eti Filips ke entay rekebo?

  • solomon Eritrean September 4, 2014

    what happen to filipos.isayas is about to fall this year see

  • hayelom September 9, 2014

    Tedeskelu tiharku mairig teweseku teharku bimntay kem nehugsekum tefiuna iski habruna

Post a Reply to HELLA Cancel Reply