Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይበሃላሎ ዕርቂ ምስ ህግደፍ ጸይቂ

  ይበሃላሎ ዕርቂ ምስ ህግደፍ ጸይቂ Tesfamariam W/giorgis 19/12/2013 Norway ህግደፍ ኣብ ዘብሎ ጠፊኡዎ ጸሓይ ከላ ብቐትሩ ጸልሚቱዎ ዓዕበድቢዲሎ ጭንቀት ሓዲሩዎ ለሚኑ ምስ ኢትዮጵያ ክዓርቅዎ   ተንኮለኛ ህግደፍ ውላድ ሻዕቢያ ካብ መዓስ ድኣዩ ንሰላም ዝደልያ ምስ ወደቐ ናተጓሕፈ ኣብ ጽርግያ ዓሻ ድዩ በራኺ ዓሻድያ ኢትዮጵያ   ልዕሊ 30ዓመት ዝኣኽለካ

 

ይበሃላሎ ዕርቂ ምስ ህግደፍ ጸይቂ

Tesfamariam W/giorgis

19/12/2013 Norway

ህግደፍ ኣብ ዘብሎ ጠፊኡዎ

ጸሓይ ከላ ብቐትሩ ጸልሚቱዎ

ዓዕበድቢዲሎ ጭንቀት ሓዲሩዎ

ለሚኑ ምስ ኢትዮጵያ ክዓርቅዎ

 

ተንኮለኛ ህግደፍ ውላድ ሻዕቢያ

ካብ መዓስ ድኣዩ ንሰላም ዝደልያ

ምስ ወደቐ ናተጓሕፈ ኣብ ጽርግያ

ዓሻ ድዩ በራኺ ዓሻድያ ኢትዮጵያ

 

ልዕሊ 30ዓመት ዝኣኽለካ ተጻሪፍካ

ብሓባር ምስ ናይ ስደት ኣኽላባትካ

ወያኔ ገርካያ መዓልታዊ በስምኣብካ

ኩሉ በደል ንወያኔ ዋላ ተተዓንቀፍካ

 

ሕጂ ጋቢ ሰላም ለቢስካ ከተምስል

ምስ ጠፍኣካ ናበይ ገጽካ ከምተብል

ናይ ዓቕሊ ጽበት ሽግርካ ከተቃልል

ቅንይልካ ንዘይተርፍ ሰብ ከተቃትል

 

ፓፓጋሎኻ ጀሚሮም የሕዋቲናክብሉ

ን20 ዓመት ወያኔ ጸላኢና ከምዘይበሉ

ንደላይ ፍትሒ ከዳሚ እናበሉ ከላግጽሉ

ወርሒ ከይጸንሑ ጽባሕ ግልብጥ ዝብሉ

 

መዐደግ ግዜ ትንፋስ እንተኾኖ መጻንሒ

ዘምልጥ መሲሉዎ ካብ ተንኮል ዓሻ ጉርሒ

ነብዑሩ ገይሩዎም ቀለስቲ ነዊት መሳርሒ

ንሳቶም ብዕሽነት ንሱ ግን ጆሪቑ ብፍርሒ

 

ብምዕባለ ኢትዮጵያ ቐኒኡ ዘዕለብጥ ዘሎ

ንኽዘርግ ብዙሕ ፈቲኑ የለን ዘይፈንቀሎ

ንኣልሸባብ ተዓንገለ ህዝቡ ጥሙይ ከሎ

ምዃን ምስ ኣበዮ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡሎ

 

ክንደይ ግዜ ብሕቡእ ዕርቂ ዘይሓተተ

ኢትዮጵያ ዓሰብባ.ሉ ክንደይ ዘይሃውተ

ንብረት ኢትዮጵያ ክንደይ ዘይተዘምተ

ብዘይ ብኣና ኣይነብሩ.ንሉ ሰብ ዘስሓተ

 

እንሆ ብዘይ ብኣኻ ኢትዮጵያ ማዕቢላ

ንስኻ ኣብ እግራ ወያኔ ሰማይ ተሰቒላ

ንኢትዮጵያ ዓለም ተደኒቑ ዝመስከረላ

ኣየሕፍርን ትሕዝቶ ዘይብልካ ከተቃልላ

 

ኣውራ ዘሕዝን ከኣ ናይቶም ኮራኹርካ

ዕምሪ ዘይብሉ ዕርቂ ሸቲቱዎም ካባኻ

ዘገርምዩ ኢትዮጵያ ኣሕዋትና ክብሉኻ

ነብሶም ዘይተኣማመኑ ግልብጥ ከማኻ

 

ሰላም ኣይጽላእን ሰላም ሓቂ ብቕንዕና

ንግዜ መሸመቲ ዘይኮነ ላግጺትንኩልና

ንንዓይ ይጥዓመኒ ንሕና ምስ ሽጣራና

ወያኔ ካባና ከም ዝበልሑ ንርስዕ ኣለና

ካባና ንላዕሊ ኣዚዮም ይፈልጡኻ

ዘልካዮ ንዕቀት ብድዐ ረሲዕካዮ ዲኻ

ኣይትሓፍርንዶ ክትልምን ተደቢርካ

ተካል ፍጥረት ክንደይ ከይሰምርልካ

 

ብድዐኛታት ህግደፍ ህግደፋውያን

ዝተመልመሉ ብጸርፍን ብደርፍን

ምሩዝ ፍጥረት ንበይኑ ዘዕወንውን

ክንዲ ዝልብም እናሓደረ ዝዕውን

ሕተቱባ በልዎ እንታይና ክንከውን

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Negga Yosif December 20, 2013

    WEDEN KYSERFAS SYTI WEDEN ,
    You guys pls don’t hate the truth .
    The murderer Isyas is the obsolete cause of all the damages, The people of Ethiopia and Eritrea are brothers and sisters and I am quite sure peace and prosperity Will come to the whole of Africa after the murderer.

  • semere December 21, 2013

    The hatred against Woyane and CIA is a tactic that was injected in our heads by HGDEF. Unfortunately when we were naïve we swallowed in everything. Good neighborhood is a sign of maturity. Even tensions and conflicts can always be mended and reconciled. Big enemies are now leaved in peace. Nobody denies we had problems with our neighbours, but we are ready to overcome it.
    Our priority is to dismantle the regime of HGDEF. Then we shall handle our issues. Any fool can run the country better than Isayas and his henchmen. Amin Dada of Uganda was ousted by the help of Nyerere. Menghistu was chased by the help of our gallant fighters. History cannot be deleted. Let us be far sighted and be ready to heal mutual wounds. We cannot continue ruminating grudges for ever. That is what Isayas wants us to do to prolong his stay in power.

    • Diana da Bologna December 21, 2013

      ኣየ ሰመረ!!
      ከመይ ከመይ ገርኩም ኢኹምሞ ንህግደፍ ክትኣልዩ? አንተቶም ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኽርሾም ደለዉ፡ ብአርጋን ተሰኒፎም መተንፈሲ ኣየር ካብ ወያነ አንዳተመጠወሎም ክልተ ሓሙስ ተሪፈነኦም ደለዋ ሽማግላታት ኢዮም። አንተ ካባኻትኩም ድማ፡ ኣብ ትግራይ ወሪድካ ብረት ተሓንጊጥካ ምቅላስ፡ ብውነኹምስ ይትረፍ፡ ብሕልምኹምውን ኣይትሓስብዎን ኢኹም። ብኣብ ትርፊ ግዘ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ዝተቐየረ መንግስቲ አንተሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ሰሚአና ኣይንፈልጥን። ብናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ ማለት ብሪሞት ኮንትሮል ዝቕየር መንግስቲ አንተሎ ኮይኑ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ፕላነትና ንመጀመሪያ ግዘ ኣብ ሃገርና ክትግበር ኢዩ ማለት`ዩ።
      ዲያና መብራህቱ
      ቦሎኛ ኢጣሊያ

      • semere December 21, 2013

        Diana,
        You did not get my focal point. My point is we need to make peace with our neighbors. You are living in Italy. The Italians and Germans are living in peace after decades of bloody war. When there is war everybody loses, while with peace we all gain.
        Communque rispetto la tua opinione. Pero’ Non mettere nella mia bocca cose che non ho mai detto.

        • Diana da Bologna December 23, 2013

          What does mean dismantle HGDEF? Io ti ho detto se vuoi eliminare HIGDEF devi andare tu per prima fratello mio!!

  • semere December 21, 2013

    Correction:
    Please read 4th line: “living in peace”

  • selam December 21, 2013

    U r right any fool can run a country better then isayas.. that is what the said about libiya.. iraq.. syria.. so make sure u can live up to ur wish…

  • መብራህቱ ተወልደ December 21, 2013

    ኣቦይ ተስፋማርያም!!
    ምስ ወያነ አርቂ ዝሓተተ የለነ። ወያነ ምስ ተሽገሩን ካብ ገለ ሃገራት ጸቕጥታት ክመጾም ምስ ጀመረን፡ ተሞኽለዮም ዝሽምግልዎም መራሕቲ ሃገራት ክደለዩ ኢዮም ጸኒሖም። ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ስርኣት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ወጻኢ ቀሪቡ `ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንምዝርራብ ክሳብ ኣስመራ ክኸይድ ይኽአል ኢየ። ክብል ከም ዝተዛረበ ኩላትና፡ አንተላይ ኢትዮጵያውን ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
    ካብ ኩሉ ዝገደደ ግን አቶም ብዋጋን ስቓይን ህዝቢ ኢርትራ ትረብሑ ሰባት፡ ካብ ወያን ንላአሊ ወየንቲ ኩንኩም ትቐርቡ ምህላውኩም ኢዩ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ ወያነ ደልይዎ ኣይደልይዎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ክህሉ ኢዩ። ካብዚ ሰላምዚ 100 ሚሊዮን ዝብጽሕ ህዝቢ ክኸስብ ኢዩ። ውሑዳት ወይጦታት ድማ ክኸስሩ ኢዮም።
    ልአሊ ኹሉ ግን፡ ንወያነ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ `የሕዋትና ኢሉ ዝጽውኦም ዘጋ የሎን። መመይሲ፡ ወያነ፡ ኣብ ልአሊ ኢርትራውያን ኣብ ደሙ ዝሰረጸ ጽልኢ ስለ ደለዎ።
    አንተ ንስኻትኩም ግን፡ ሃገርን ህዝብን ንምሕንካል ቀጽሉ ኢኹም፡ ንሕና ድማ ንቕድሚት ምግስጋስ ክንቅጽል ኢና!!
    መብራህቱ ተወልደ
    ጎተንበርግ ሽወደን

  • መብራህቱ ተወልደ December 21, 2013

    ኣቦይ ተስፋማርያም!!
    ምስ ወያነ አርቂ ዝሓተተ የለነ። ወያነ ምስ ተሽገሩን ካብ ገለ ሃገራት ጸቕጥታት ክመጾም ምስ ጀመረን፡ ተሞኽለዮም ዝሽምግልዎም መራሕቲ ሃገራት ክደለዩ ኢዮም ጸኒሖም። ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ስርኣት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ወጻኢ ቀሪቡ `ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንምዝርራብ ክሳብ ኣስመራ ክኸይድ ይኽአል ኢየ። ክብል ከም ዝተዛረበ ኩላትና፡ አንተላይ ኢትዮጵያውን ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
    ካብ ኩሉ ዝገደደ ግን አቶም ብዋጋን ስቓይን ህዝቢ ኢርትራ ትረብሑ ሰባት፡ ካብ ወያን ንላአሊ ወየንቲ ኩንኩም ትቐርቡ ምህላውኩም ኢዩ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ ወያነ ደልይዎ ኣይደልይዎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ክህሉ ኢዩ። ካብዚ ሰላምዚ 100 ሚሊዮን ዝብጽሕ ህዝቢ ክኸስብ ኢዩ። ውሑዳት ወይጦታት ድማ ክኸስሩ ኢዮም።
    ልአሊ ኹሉ ግን፡ ንወያነ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ `የሕዋትና ኢሉ ዝጽውኦም ዘጋ የሎን። መመይሲ፡ ወያነ፡ ኣብ ልአሊ ኢርትራውያን ኣብ ደሙ ዝሰረጸ ጽልኢ ስለ ደለዎ።
    አንተ ንስኻትኩም ግን፡ ሃገርን ህዝብን ንምሕንካል ቀጽሉ ኢኹም፡ ንሕና ድማ ንቕድሚት ምግስጋስ ክንቅጽል ኢና!!
    ወትሩ ኣወት ንሓሽ!!
    መብራህቱ ተወልደ
    ጎተንበርግ ሽወደን

POST A COMMENT