Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይመስለኪ ዶ ሓስና ሓፍተይ

ሰላም ኩቡራት ኣንበብቲ እዚ ዝስዕብ ሓቀኛ ተረኽቦ ታሪኽ፡ ባዓል ኣነ ከይተወለድና፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝተፈጸመ ኮይኑ። ኣደይ ግምጃን ኣቦይ ባሻይ ሓሰንን ዝባሃሉ ሰብ ሓዳር ነበሩ፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም፡ ኣቦይ ባሻይ ሃንደበት ኣብ ልዕሊ ኣደይ ግምጃ ሰበይቶም

ሰላም ኩቡራት ኣንበብቲ

እዚ ዝስዕብ ሓቀኛ ተረኽቦ ታሪኽ፡ ባዓል ኣነ ከይተወለድና፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝተፈጸመ ኮይኑ። ኣደይ ግምጃን ኣቦይ ባሻይ ሓሰንን ዝባሃሉ ሰብ ሓዳር ነበሩ፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም፡ ኣቦይ ባሻይ ሃንደበት ኣብ ልዕሊ ኣደይ ግምጃ ሰበይቶም ካልእ ሓዳስ ሰበይቲ ተመርዓው፡ ኮምኡ መግበሪኦም ድማ ቡቑዕ ምኽንያት ነይሩዎም’ዩ ዝብሉ ውን ነበሩ። እዚ ፍጻመ እዚ ድማ ናብ እዝኒ ወለደንን ኣሕዋተንን ጎዶቦታትን ከተማን ከም ባርዕ ሓዊ ብምስፍሕፋሕ ተሰምዐ።

ከይደንጎየ፡ ወዮ ወረ ግዜኡ ሓሊዩ ናብ እዝኒ ኣደይ ግምጃን፡ ናብተን ኣማኒተንን ጎረቤተንን ዝነበራ ኣደይ ሓስና ውን በጽሐ። ኣይትርኣይዎ፡ ካብተን ዋና ጉዳይ ኣደይ ግምጃ፡ ነደይ ሓስና ኢዩ ከፊኡወን ዝነበረ። ምኽንያቱ ድማ፡ ኣደይ ግምጃ ሰሚዐን ክንሰን ንኣማኒተንን ጎረቤተንን ነደይ ሓስና ስለ ዘየካፈላ ነበረ። ኣደይ ሓስና ግና ህድእትን ለባምን በላሕን ስለ ዝነበራ፡ ኣማኒተን ኣደይ ግምጃ ባዕለን ክሳብ ዝነግረአን ንነገራት ብትዕግስቲ እንዳ ተጸበያ፡ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ወረ ንምጽራይ ተታሓሓዘኦ።

ይኹን እምበር ኣደይ ግምጃ ከምዝሰምዓስ ነደይ ሓስና ቅሉዕ ነበረ፡ ምኽንያቱ ኣብ ባህርያት ኣደይ ግምጃ ዘይነበረ፡ ዘልዕሎኦን ዘንብሮኦን ጠፊኡወን፡ እቲ ብሩህ ገጸን ተደዊኑ መግቢ ምብላዕ ተሓሲመን፡ ለይትን ማዓልትን ክበኽያን ምስ ነብሰን ክዛረባን ክዕዘባ ስለ ዝጀመራ፡ ኣደይ ሓስና ካብኡ ንላዕሊ ክጽበያ ስለ ዘይደለያ ግና፡ ባዕለን ከተንፍሳለን ወሰና።

ሽዑ ኣንትን ግምጃ ሓፍተይ፡ እንታይ ስሙዑ ኢዩ ዝስማዕ ዘሎ በለአን፡ ኣደይ ግምጃ ትቕብል ኣቢለን፡ እምባኣር ኩሉ ድማ ሰሚዑዎ’ዩ ብምባል ዓው ኢለን ኡይይይ ኢለን በኸያ። ኣደይ ሓስና ሽዑ ኣንትን ግምጃ ሓፍተይ፡ እዞም ባሻይ ኣይውዕልዎን ግዲ ብምባል ክእብደአን ፈተና።

ኣደይ ግምጃ ግና ኣረጋጊጸን ስለ ዝነበራ፡ ናብ ኣነስ እንታይ ይጎድለኒ ዘስምዕ፡ ነቦይ ባሻይ ብቁንጅነአን፡ ብውሕልነተን ኮታ ነቦይ ባሻይ ዘዕግብ ኣኺሉ ዝተርፍ ከምዘለወን ድሕሪ ምትንታን፡ እታ ሓንቲ እንታ ብዓይኒ ኣቦይ ባሻይ ኣላ ኢለን ዝኣምናላ ግና፡ ወላዲት ኣዋልድ ብምዃነን ጥራይ ኢዩ ኢለን ብኸምዚ ነደይ ሓስና ገለጻለን።

እመስለኪ’ዶ ሓስና ሓፍተይ፡ ኣደ ፋጥማን ኣደ ራሕማን ኮይነ ኢየ እምበር ኣነ እንዶግዳየ ደላይት ሃይ ሃይ በለተን ንብለኩም።

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ነዚ ምስላ ዝመስል ታሪኽ ክጽሕፍ ዝደለኹ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ወርሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ኤርትራ ጥሒሱ ኪሎ ሜተራት ሰንጢቑ ድልየቱ ፈጺሙ ናብ ቦቱኡ ከምዝተመለሰ ዓለም ዝፈልጦ ጉዳይ ኢዩ።

ሃገር ናይቶም ዝበለጹ በላሕቲ ስውኣትን ስንኩላትን፡ ሃገር ናይቲ ምእንቲ ሃገሩ ዝደመየን ዝኸርተተን ሕቡን ህዝቢ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ።

እንተኾነ፡ ንምንታይ ኢና ካብ ሕቡን ብፍቕሪ ሃገሩ ዝቃጸል ህዝቢ፡ ኣብ ከምዚ ዝታሓተ ሕስረትን ድኽመትን ስዕረትን፡ ዝተበታተነን ንዶባቱን ሃገሩን ክከላኸል ዘይክእል፡ መስተማሰልን ክኸውን ክኢሉ ኢልና እስከ ነነብስና ንሕተት እሞ፡ እቲ ጠንቂ’ኸ መን’ዩ ኢልና ነለልዮ።

ብወገነይ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ድኽመትን ውድቀትን ስዕረትን፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። ብኸመይ ህግደፍ ንዝብል ሓታታይ፡

  1. ኢሳይያስ ነቲ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘለዎ ሸውሃትን ኣርሓ ኣፍሪቃ ንሙዃን ዘለዎ ሕልምን ኩዉን ንምግባር ዝኽተሎ ግጉይ መንገዲ።
  2. ንህዝቢ ኤርትራ ኣድኪዩን ኣጥሚዩን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምእታው፡ ንቡቑዓትን ኣፍረይትን ደቂ ሃገር ካብ ሂወት ሃገር ስለ ዘግለለን ዝቐተለን። ብቕዓት ዘይብሎም ንኢሳይያስ ዝእዘዙን ዝምብርከኹን ሰባት መሪጹ ስማዊ ሽመት ብምሃብ ሃገር ስለ ዘማሓድር።
  3. ህዝብን ሰራዊትን ከይታሓባበርን ኢሂን ሚሂን ንኸይባሃሃልን፡ ብሃይማኖትን፡  ብኣውራጃን ተበታቲኑ ፋሕ ብትን ንኽብል ብዝላዓለ ስለ ዝሰርሕ።
  4. ሰራዊት ኣድማ ንኸየልዕል፡ ብጹኑዕ ወታሃደራዊ ሕግን፡ ብራዕድን፡ ብምርሻንን ድሂሉ ብሓይሊ ስለ ዝሕዝን ወ.ዘ.ተ.ን።
  5. ሃገር ብዘይ ቁዋምን ሕግን ስለ ዘማሓድር፡ ፍትሕን መሰልን ስለ ዘየለ። መንእሰይ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሉ ስለ ዝተሰደደ፡ ኤርትራ ብሓደ ውልቀ ሰብ መላኺ ስለ ትማሓደር፡ ህዝቢ ድማ በዚ መላኺ’ዚ ኣዝዩ ቡዱልን ቅዩምን ስለ ዝኾነ።

ስለ’ዚ እዚ ህዝቢ ዘይመረጾ መላኺ’ዚ፡ ንህዝቢ፡ ድሕነት ባህሉን፡ ሃይማኖቱን፡ ሓድነቱን መሰሉን፡ ዘይሕሉ፡ ሃገር ክሕሉን ከድሕንን ማለት ዘበት ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ዝተቐየመን ዝተገፍዐን ዝተበደለን ህዝብን፡ ዝተቐየመን ዝተገፍዐን ዝተበደለን ሰራዊቱን፡ ንዶባቱን ሃገሩን ክከላኸልን ከውሕስን ዓቕምን ብቕዓትን የብሉን።

እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ሓቂ ኢዩ እምባኣር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሙሉእ ነብሰ ተኣማንነት 18 ኪሎሜተራት ዶብ ጥሒሱ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው፡ ንዝመረጾ ቦታን ሓይልን ኣጥቂዑ፡ ንዓለም ብኣዋጅ ዘፍለጠ።

ካብዚ ከምዚ የድሕነና ኢዩ ዘብል፡ ኣቶ ኢሳይያስ ብራዕድን ስንባደን ፍርህን መልኣከ ሞት ክራኣይዎ ምስ ቀነዩ፡  ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣስመራ ከምዘይመረሹ ምስ ኣረጋገጸ፡  ነቲ መጥቃዕቲ ድማ ዓለም ምስ ፈለጠቶ፡ ከይፈተወ ከም ኣደይ ግምጃ ኩሉ ምስ ፈለጠ፡  ኣብ ቅድሚ ኤረ ቲ.ቪ. ተኾዲሙ፡ ከም ዛርቲ ሃተፍተፍ ክብል ንዝራኣዮ፡ እዚ ሓሳዊ ኢዩ ክብል ቀንዩ ህዝቢ። ትም መሪጽና ይብል ኣስዒቡ ድማ ኣመሪካ ኢያ ተህርመና ዘላ ክብል ዝኸሰሰ። ሕጂ ውን ፈቲና ጸሊእና፡ ሓቂ ዳኣ መራር ኢያ እምበር፡ ብኢሳይያስ ትምራሕ ኤርትራ፡ ነብሳ ክትከላኸል ዘይትኽእል ሃገር ኢያ።

ንኣብነት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ን ህግደፍ ሓግሒጉ ንሓዋሩ ንሙግሓፍ ነስመራ እንተዝምርሽ፡ እቲ ግዳይ ዓመጽን መሰል ምግሃስን ምርሻንን ዝኾነ ዝተቐየመ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ፍርቂ ሳዓት ምጅማር ኲናት፡ ኢዱ ብማሃብ ንሰራዊት ኢትዮጵያ መንገዲ ከፊቱ ነስመራ ምስ መርሖም።

ኣቶ ኢሳይያስ ውን ነዚኣ ኣጸቢቑ ፈሊጡዋ ስለ ዘሎ፡ ወላ ማዓልቲ ማዓልቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰንዓፈ ወይ ዓዲ ዃላ በበጺሖም እንተዝምለሱ፡ መልሰ ግብሪ ኣይምሃበን፡ ምኽንያቱ፡ ብሕጂ ትግበር ወታሃደራዊ ግጥም ምስ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዓዲ ኩላትና መስገሪቱ ምዃና ኣረጋጊጹ ስለ ዝፈልጥ።

እዚ ኩሉ ሓፍ ሓፍ እዚ ኩሉ ቦኾኽ ቦኾኽ ዳኣ ኣበይ ሃጠመ ከም ኣብ ሓተላ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮንካ ህጥም። ክልተ ግዜ ምርኣይ ዝብሉኹም  ከምዚ ኢዩ። በሉ ኩሉ ክንርእስ ዕድመ ጥራይ ይሃበና።

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

Hiyabu@netzero.com

ዕለት 1-4-2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Mehari Worede April 1, 2012

    Ajowjow mai haqone koinu negaratkum

  • ተወልደመድህን April 1, 2012

    ” እንተኾነ፡ ንምንታይ ኢና ካብ ሕቡን ብፍቕሪ ሃገሩ ዝቃጸል ህዝቢ፡ ኣብ ከምዚ ዝታሓተ ሕስረትን ድኽመትን ስዕረትን፡ ዝተበታተነን ንዶባቱን ሃገሩን ክከላኸል ዘይክእል፡ መስተማሰልን ክኸውን ክኢሉ ኢልና እስከ ነነብስና ንሕተት እሞ፡ እቲ ጠንቂ’ኸ መን’ዩ ኢልና ነለልዮ።”

    ዝከበርካ ሳልሕ
    እቲ ቀንዲ ጸገም ብዙሓት ጉዳይ ሃገር ገዲፎም ጉዳይ ዓሌትን፡ጉዳይ ሃይማኖት ዝግደሱ ስለዝበዝሑ።ገለ ከኣ፡ናይ ሕነን ቅሬታን ኣለዎም።ገለ ከኣ ህርፋን ናይ ስልጣን ኣለዎም። ንብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ፡ለውጢ ከምጽ ኡ ዝኽእሉ ኣብ ጥርጥር ኣውዲቑ ኢዩ።ህግደፍ ኣውዲቕና ምስ ኡ ዝመሳሰል እንተመጸ በሃልቲ ኢዮም።ስለዚ ኩሉ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ፡ብዓይኒ ህዝብን ሃገርን እንተጠሚትናዮ ጥራሕ ኢዩ ዝፍታሕ። ኣብዚ እዋን’ዚ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣድላይ ኣይኮነን፡ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ናይ ኢዶሎጂያ ጸገም ኣይኮነን፡ጉዳይ ፍትሒ፡ጉዳይ ሃገር ካብ ምብራስ ምድሓን፡ጉዳይ ልዕላውነት ሃገር ስለዝኾነ፡ብዘይ እትን ከምዝን ቂምታን ኩላትና ምስ ንሃብር ጥራሕ ኢዩ።እቲ ብውሽጢ ዘሎ ዝንቀሳቀስ።ብዘይካዚ ናይ ውሽጢ ብደገ ኣኼባ እንተገብርና፡እንተጨራሕና፡ኣንተተዛረብና ጸሃፍና ዋጋ የብሉን።ስለዚ ንሳካውን ምእንቲ ኦኣሌትን ሃይማኖትን ዘይኮነ ብሓፈሻ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክከውን ይላበወካ።ይኹን

    • ahmed saleh April 1, 2012

      Teweldemedhin
      After I read your comment, I re-read the article again but you response looks
      out of its context. I didn’t see any form of ethnicity or religious argument on
      his side. Expressing his point of view to some of the reason our Military Defence
      Force short comings is HGDF’s policy of devide and rule has favourable respond
      to his idea. Critisizing the regime openly to it’s faults can not blame him for
      bringing the subject. Our problem is when we see regional, Ethnic and religious
      tendencies in our surroundings, we do not have a courage to aknowledge on
      fighting it rather watch silently. Like they say ” HABA’e KUSLU’s HABA’e FOSSU “.

  • shinti ghemel April 2, 2012

    ኣቦይ ሳኽራም ስለ ዝኾነስ ገዛና ክቃጸል ሱቕ ኢለ ክርእዮ እየ።ምኽንያቱ ናተይ ጌጋ ኣይኮነን ። ኣብዚ ኢደይ ዘሎ ዓበቕ መሔከሚ ኣቦይ ከይሃበኒ ነደይ ክትጸድፍ ከላ ሱቕ ኢለ ክርእያ እየ።ወያነ ወርቂን ፖታሽን ካብ መሬት ኤርትራ (ኣብ ዓፋር) ንምስራቕ ዘምጽኦ ዕባራ ምኽንያት ተጠቒምና ፣ ገዛና ብወያነ እናተቓጸለ ከሎስ ፣ በቲ ሕብሪ ናይ ቦያ/ቀለም ናይቲ መንደቕ ክንከራኸር፣ ነቲ ቦያ ዝገዝኤ ኣብ ፍርዲ ከነቕርቦ ንጓየ? እንታይ ኢኹም ተስምዑና ዘለኹም ፧ መጀመርያ ወያነ ጥሜት ወሪድዎ ከሎ ሕጂ ኢና ወቒዕና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣውጺእና ንገዳርፍ ነሳፍረሉ ግዜ ።መንግስቱ ሃይለማርያም ጦርነት ከፈታው ፣ ወሬ የፈታው ይበዛል፣ ፣በለ ፣፣ ፣ ካብ ብውግእ ዝተሳዕረስ ብወረ ዝተሳዕረ ይበዝሕ በለ።ህዝብና ንወያነ ንካልኣይ ጊዜ ዘይሓልፍ ትምህርቲ ንኸይምህሮ፣ መንእሰያትና ካብዚ ከይዶም ከይዋግኡ ሓጹር ምፍጣር እዩ።ንትዕግስቲ ከም ፍርሒ ዝቖጽርዎ ወየንቲ ዘይሓልፍ ትምህርቲ ክረኽቡ እዮም። ንሕና ንውግእ ኣይንህንደድን ።

    • Baraee April 2, 2012

      Shinti Gemel.
      DIA is the shakhram who beats people with a bottle in bars and goes unchecked.
      Stop being too sadist.

      • Anti Woyane invasion April 2, 2012

        That was exactly ,I meant ,just because pfdj is “abusive” ,one does not stop defending the fatherland ,Eritrea.

  • Senait April 2, 2012

    The same stuff over and over hatowtow nothing good it will come from baseless story

  • Semhar April 2, 2012

    Salih Abdella,
    Thank you for the commentary.

    After thirty years in 1991, we the Eritrean people liberated our land and our people.
    We raised our liberation flag allover Eritrea.
    Freedom rang allover Eritrea’s provinces.
    Our people danced with joy and pride!!!!!!!!!!!
    In 1991 the EPLF, ELF, Eritreans allover the world liberated Eritrea. The Ethiopians whom we helped to over through their dictator Mengistu were first to recognize Eritrea as a free nation.
    Unfortunately the freedom in Eritrea didn’t last long.
    The dictator took over and dismantled our laws, (HIGHI INDABA), our culture, our flag, our provinces, interfered in our religions, schools etc.

  • Semhar April 2, 2012

    The time is now to liberate our land and our people!
    The time is now! The UN, the OAU, all our neighbor’s countries are on our side!
    Let’s get rid the mad dog! Like the Libyans did to their mad dog Gadafi.

    It’s your choice, to be on the side of your people, or on the side of the tyrant dictator.
    It’s your choice, to liberate our land and our people now!

    Eritrea needs a man like IDRIS AWATE to get rid the mad dog and his followers!!!!!!!!!!!!!!!

    Shame on us to let the mad dog destroy our land and our people!

    We should implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    The time is now!
    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

    • Cambo April 2, 2012

      ኣንቲ ሰምሃር ሓብተይ፤
      ነዚ ጽውጽዋይ ናይ “ሰውራ” ገና ኣይምነወክን ድዩ? ገለ ሓድሽ ንለውጢ: ዋላ መማቐሪ ዝኸውን ሓድሽ ቦለቲካ የብልክን?
      እምበር እዚኣስ ብዘይ መማቕርቲ ኣይትቕረብን እያ። ቁሩብ ከምዛ ዝቐነየት ስዋ መጺጻትኒ። ቁሩብ ዋላ ካብ ናይ ሳዋ ጌሶ ሕውስ ኣቢልኪ: ሓድሽ መዅባዕቲ ጌርኪ ድሙድሙ ግበሪያ።
      ንስርዓት ኣስመራ ስለምንታይ ከምቲቃወምዮ ትፈልጢ ዲኺ? በቃ እዚኣ ካን ኣኺላታ?
      “ጨርቂ እድያት ተወሲኻታ፣ ስእሊ ኤርትራ ሓሙሽተ ዶ ሸሞንተ ሕንጻጽ ኣለዋ፣
      ክርስትያናዊ መንግስቲ ዶ ምንታይዶስ፣ ሳዕሲዕኩም ዶ ደሪፍኩምዶ፣” ኣይበዝሐን ዶ? መእተዊ እኮ ጨኒቑና።
      ወዲ ሻውል ድዩ: “ኣንትን መምህረይ ሱሳስ ኣላታ፤” ዝበሊ።
      እዛ መጽሓፍክንሲ ገለ ኣላታ?

  • girmay April 2, 2012

    really appreciate zat salih abedela.z eritrean deffence forces really losing moral hearing 2 z regime and u will c if any challenge comes from inside eritrea definately it is from z deffence forces.all i said u need make history.

  • Cambo April 2, 2012

    It looks the Ethiopians are abandoning the Awassa group or Kidan to focus on young Eritreans, as many had predicted before. Read …
    The Eritrean Movement for Democracy and Justice (EMDJ), a new political organization founded by Eritreans exiled to Ethiopian refugee camps, is convening its first congress in a camp near Shire, Ethiopia, close to the Eritrea-Ethiopia border.

    The organization, which claims it has an armed wing operating inside Eritrea was founded in April 2011.

    The members of the organization are drawn from the Eritrean refugee camps in Ethiopia and they are mostly escapees from Eritrea’s forced labor and indefinite conscription.

    The organization’s political programme calls for the removal of Eritrea’s ruling party, the People’s front for Democracy and Justice (PFDJ) and the establishment of a “popular, democratic, federal government” which respects the rights of Eritrea’s “nations and nationalities.” One of these rights is the right to “self-autonomy without restriction.” The similarity between the name of the organization and that of the ruling party carries to slogans: EMDJ’s is “Victory to the masses—in practice!”

    EMDJ came to the attention of the Eritrean opposition for the first time in November 2011 when its representatives introduced their organization to the conferees of the Eritrean National Conference for Democratic change (ENCDC) in Hawassa, Ethiopia.

    In an emotionally charged evening, a few attendees celebrated the introduction of…

  • SINGAPO-ERITREAN April 3, 2012

    Cambo ,wedi Adi
    If you were trying to help have a friendly neighbour to trade goods & services with you ,would n´t you embrace the young & fresh ideas instead of Hawassians ,that complain, there are too many moslem organizations ,it is not balanced . When you want a lawyer ,you can call an ex – jebha tegadalay. Smart ,yet ,does not compromise ,if you want the ones that are affected by this regime & want to change it…whether it is Saleh or Gheremariam ,who would replace it, then for the sake of Eritrea & Ethiopia, better EMDJ °°°

    • Cambo April 3, 2012

      aya Singapo,
      The Ethiopians have clearly defined needs which will not be available to anyone soon. They know who will deliver them; sooner or later they will throw all their resources on the young Eritrean refugees in Ethiopia.
      You are likely right, the Ethiopians will “embrace the young & fresh ideas instead of Hawassians” however, they will need the experiences and organizations of the old guard until the young are ready.

  • Gebre April 3, 2012

    Shnti Gemel,
    “ንትዕግስቲ ከም ፍርሒ ዝቖጽርዎ ወየንቲ ዘይሓልፍ ትምህርቲ ክረኽቡ እዮም”
    Your words remind me 1991; when the Dergue supporters used to say ” Yleyal zendro; yewoyane nuro” enjoy your ‘tahdid’ as a pain killer

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply