Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የመን ኣብ መጋርያ – ካልኣይ ክፋል

ኣዒንትና ብደም ዝተዓለሱ ሰባት ብቓረዛ ተጸይሮም ክወጽኡን:ኣብ ልዕሊ ዝዓነወ ኣባይቲ ሰባት ዘወን ክብሉን ዘሰክሕ ምርኢት ካብ ዝከታተላ ሰሙን ኮይኑ:: እታ ብፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ትእምርቲ  ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት  ዝተባህለላ ሃገረ የመን: ኣብ

ኣዒንትና ብደም ዝተዓለሱ ሰባት ብቓረዛ ተጸይሮም ክወጽኡን:ኣብ ልዕሊ ዝዓነወ ኣባይቲ ሰባት ዘወን ክብሉን ዘሰክሕ ምርኢት ካብ ዝከታተላ ሰሙን ኮይኑ:: እታ ብፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ትእምርቲ  ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት  ዝተባህለላ ሃገረ የመን: ኣብ ከቢድ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ወጥሪ ተኣሊኻ: ዓውደ ኩናት ዞባውያን ሓይልታት ኮይና::

100 ነፈርቲ ኩናት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊ ደሊቦም ዝግስግሱ ዘለው ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ሑቲ ሽዓ ከቢድ ደብዳብ የካይዳ ኣለዋ::ኣብቲ ድሮ ዞባውን ዓለማውን ጽልዋታት ኣሕዲሩ ዘሎ ኩናት : ስዑዲን ምስርን ኣጋር ሰራዊተን ንምውፋር ዘትየን::መራሕቲ ስዑዲ ንሓይልታት ሑቲ ከየዳኸሙ ከምዘይለቁ ምግላጾምን እቲ መደብ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ክትግብረኦ ትጽቢት ከምዘለዎን  ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ርያድ ያሲን ገሊጹ::

ስርሒት ወሳኒ ማዕበል-እቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝካየድ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ ስዑዲ ዓረብ.ምስሪ:ቐጠር:ክወየት:ባሕረይን:ሕቡራት ኢማራት:ሱዳን:ሞሮኮ:ጆርዳን ኣብ ሻርማልሸኽ ግብጺ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ ዝተሃንደሰ ኮይኑ :ፓኪስታን እውን ከምእትጽንበሮ ገሊጻ:: ኣሜሪካ ዒላማታት ንምውቃዕ ሓበሬታ ብምምጣው ትሳተፍ ከምዘላ ጸብጻባት የመልክቱ::ነፈርቲ ኩናት ንሰማያት የመን ብሒተን ኣብ ልዕሊ ጸረ ነፈርቲን መኽዘን ኣጽዋርን ሑቲ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረዳን:ኣብ መዓስከር ዑቕባት 40 ሰባት ከምዝቐተላን 250 ከምዘቑሰላን ማዕከናት ዜና ሓቢረን::ማዕረ እዚ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ: ኣኼባ ሻርማልሸኽ ሓይልታት ሑቲ ካብ ትካላት መንግስቲ ብህጹጽ ክወጽኡን ኣጽዋሮም ነቶም ”ሕጋውያን ሰበስልጣን” ከረክቡን ጸዊዖም::

መራኽብ ኩናት ምስሪ ንወደብ ዚንጅባር ምስ ዓደን ኣብ ዘራኽባ መስመር ከምዝደብደባ ሓደ በዓል ስልጣን ምንቅስቓስ ደቡብ የመን ሓቢሩ::እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ብምብራቕ ናብ ዓደን ዘእቱ ኣገዳሲ መስመር ንምብታኽን  ንግስጋሰ ሑቲ ንምግታእን ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ምንጪ ጠቒሱ: ነቲ ካብ መትረብ ስወጽ ናብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ዝሓልፍ ማያዊ መራኸቢታት ንምሕላው መራኽብ ኩናት ምስሪ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዘንሳፈፋ ሓቢሩ::ሑቲ; ነፋሪት ኩናት ሱዳን ወቒዖም ብምውዳቕ ኣብራሪኣ ከምዝማረኹ ንዝፈነውዎ ሓበሬታ ተኣማኒ ንምግባሩ ብስእሊ ኣሰንዮም ዘርጊሖም::

ሑቲ ሽዓ-እንተደኣ ሓይልታት ልፍንቲ ብኣጋር ኣትየን ካብ ሑቲ ዘጋጥሞም ግብረ መልሲ ከቢድ ከምዝኸውን ወተሃደራውያን ክኢላታት የጠንቅቑ:: ሑቲ ብኩናት ዝላደዩ ደባይ ተዋጋእቲ ኢዮም:: ኣኽራናዊ ቅርጻ መሬት የመን ንረብሓኦም ከምዝውዕልን መቓብር ወረርቲ ከምዝገብርዎን ብምግላጽ:መራሕቲ ሑቲ እቲ እሳት ንስዑድያ ከምዝልብልባ ብርእሰ ቅትለት ዝካየድ መጥቃዕቲ ከምዝፍንው ይፍክሩ ኣለው::

ድሕረ ባይታ- ሑቲ ካብ ፖለቲካዊን:ቁጠባውን መሳርዓት የመን ተገሊሎም ዝጸንሑ ኣብ ሰሜን የመን ዝነብሩ ክፋል ሽዓ ኢዮም::እቲ ን 33 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ 2011 ብህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተኣልየ: ቦታኡ ብፕረዚደንት ዓብዱረቦ መንሱር ሃዲ ተተኪኡ:: ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብብልሽውና ዘቆማጥዖ ቁጠባዊ ትካላትን ወተሃደራዊ መሳርዓትን ሱር ሰዲዱ ብምጽንሑ ፕረዚደንት ሃዲ ብኣጋ ክኣልዮ ዓቕሚ  ብምስኣኑ: ሽዓ ሑቲ ኣንጻር ብልሽውና ብምብጋስ ንዝተነፍገ መሰሎም ኣብ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥረዩ::

ኣብ ውሽጢ ሰራዊትን ስለያን ዝነበሮ ጽልዋ ተጠቒሙ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብዝገበረሎም ምትሕብባር ድማ ኣብ መስከረም 2014 ሰፊሕን ቅልጡፍን ወተሃደራዊ ገስጋስ ኣካይዶም ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጸሩ::ፕረዚደንት ሃዲ ንተግባራት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ  ”ጸላእትና ሕነ ክፈድዩ ብውሽጢ የዳኽሙና ኣለው” ብምባል ገሊጽዎ ምንባሩ ይዝከር::እቲ ብጽድያ ዓረብ ዝተሰምየ ምንቅስቓስ ንለውጢ ድማ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ማለት ግርጭት ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ሱናን ውሑዳን ሽዓ ሑቲ ኮነ ::ሽዓ ሑቲ ንፕረሲደንት መንሱር ሃዲ ኣብ ማሕዩር ኣእትዮም: ኣንጻሮም ንዝተኻየደ ናዕቢ ብሓይሊ ንምምካን ኣብ ዝፈተኑሉ ዓሰርተታት ሰባት ተጎዲኦም እቲ ፕረዚደንት ድማ ናብ ደቡብ የመን ሃዲሙ::ዓደን እውን ካብ ሑቲ ከምዘይተድሕኖ ምስ ኣረጋገጸ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሰንኮፍ ስልጣን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ርያድ ሃደመ::

ኢራን- ሑቲ ምስ ኢራን ኪዳን ገይሮም ካብታ ሃገር ኣጽዋር :ብመንገዲ ሂዝቡላህ ናይ ሊባኖን ድማ  ወተሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሃቦም ስለያ ሃገራት ምዕራብ ይገልጹ:: ንሰንዓ ምስ ተቖጻጸሩ ውድቀት ንእስራኤልን ኣሜሪካን ብምጭራሕ ዘከየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንመርገጺኦም ዘነጽር ኣብ ርእሲ ምንባሩ: ኢራን ንምትእትታው ስዑድያ ብትሪ ምኹናና ጽልዋኣ ከይትንከፍ ስግኣት ከምዝሓደራ ዘረጋግጽዩ::ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢራን መጀር ጀነራል ሰይድ ሓሳን ፊሮዛባዲ ንዝምድንኦም ኣብ ምግላጽ”ጸሎት ጥራይ ነብጽሓሎም” ንዝበሎ ኣማኻሪ ኣህጉራዊ ጉዳያት ንላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላ ዓሊ ኽመይኒ: ዓሊ ኣኽባር ቫላይቲ ”ከምቲ ኣብ ሊባኖን ሂዝቡላህ ንግብረ ሽበራ ዝደምሰሰ ኣንሳሩ ኣላህ ድማ ኣብ የመን ተመሳሳሊ ግደ ክህልዎ ተስፋ ንገብር”ኢሉ::

ኢራን ኣቐዲማ ኣብ ሶርያ:ዒራቕን ሊባኖንን:ሕጂ ድማ ኣብ ኣፍደገ ገዝአን ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ብፍላይ ንስዑድያን ምስርን ከቢድ ፈተነ ኢዩ::እቲ ጸገም ግን ካብዚ ናይ ሱናን ሽዓን: ኢራንን ስዑድያን ዝዓመቖ ኢዩ::

እቲ ኣሜሪካ ዝዓበየ ስግኣት ግብረ ሽበራ እትብሎ ኣልቃዒዳ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ የመን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣለዎ::እስላማዊ ሃገር ዒራቕን ሶርያ(ISIS) እውን ነዚ ዕግርግር ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ድሮ ኣብ ሰንዓ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብያተ መሳጊድ ብዝወሰዶ ሂወት 140 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ተራእዩ::ኣብ ደቡብ የመን እውን ካብ ማእከላይ መንግስት ንምፍላይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ኣሎ::ኣብቲ ውድብ ገለ ወገን ፈደራላዊ ምምሕዳር ክጠልብ ከሎ ዝተረፈ ወገን ድማ ንምፍላይ ዝቃለስ ኢዩ::

ሓደ ዲፕሎማት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ናይ የመን ኩነታት ብኸምዚ ገሊጽዎ ”ሓድሕድ ውግእ ኣሎ:ዞባዊ ውግእ ምስኡ” ቀጺሉ ንሱ ” ብዙሕ ንመጋርያ ዝተቐረበ ኣጉናድ: እቲ ይነድድ: ይነድድ ንነዊሕ ጊዜ ዝቕጽል መጋርያ” ኢሉ::

ንሓበሬታ- ባብ ኤል መንደብ ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዘሰጋግር ዝሓጸረ መስመር ባሕሪ ኢዩ::

ኣብ መዓልቲ ኣስታት 3.8 ሚልዮን በራሚል ነዳዲ ዝጸዓና ብገምጋም 55 መራኽብ በዚ መጻብቦ ይሓልፋ::

ኣብ ዓመት ኣስታት 20ሽሕ መራኽብ የስግር::

ቅድሚ መትረብ ስወጽ ምኽፋቱ ካብ እስያ ናብ ኢውሮፓ ዝግበር ዝነበረ ብደቡብ ኣፍሪቃ ነበረ ::ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስወጽ ብ1869 ግን እቲ ካብ ኤውሮጳ ናብ እስያ ዝግበር ነዊሕ ጉዕዞ ብባብ ኢል መንደብ ብምብታኽ ብፍርቂ ነክዩ::

ንኣብነት ካብ ክወየት ናብ ሊቨርፑል(እንግሊዝ)ብደቡብ ኣፍሪቃ 13,500ማይል ዝነበረ: ብቀይሕ ባሕሪ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ናብ 7,000ማይል ተበቲኹ::

ደጎል ድራር

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Saba April 2, 2015

    Ahmed Salah and others: people like ‘keleta’ are enemies of Eritreans and always try to divide us using our diversity. Don’t give them attention they really don’t deserve.

    • AHMED SALEH April 2, 2015

      Saba
      Assenna forum and asmarino became easy targets to these JUJMAJUJ with hidden agenda .
      And I do not consider them Eritreans even if indeed they are , who knows they might
      be paid agents of HGDF or Weyane to succed at dirty political performances .

  • soli April 2, 2015

    keleta please amend your mind…….. you are writing something out of the topic…. ” wise people speak coz they have something to say, but fools speak coz they have to say something….”

  • Wedi Shire Indasellasie April 2, 2015

    Aya Keleta

    What you are doing there, Aiga is better for you brother. There is no place like home.

  • lemlem April 2, 2015

    This is the beginning of great wars. it is not about religion,it is about who is powerful in the region. It is shameful to see countries allied to eradicate poor people. I think there won’t be winners and for years to come It looks like, it will take years of bloody war in the region.At the end we shouldn’t be enthusiastic about what is going in Yemen. We Eritreans knew what the consequences more than any country in Middle East.

  • wahazit amahazion April 2, 2015

    MiddleEast cold wars!

  • AHMED SALEH April 2, 2015

    I didn’t read comments of that retarded anti-Eritrean tendency who seems not from our
    own type . But it is a learning lesson to stay alerted from falling victims on those
    JEWASIS (KARMATAT) tactics to bring division and suspicion among each other .
    We blame HGDF for their role in creating disunited society and we should also must
    look on other foreign forces mainly from our southern border who interfere in our
    internal affairs . Be aware not to give them opportunity to say one word in regard
    our national issues because history thought us otherwise .
    Again it is our obligation to silence anyone who try to promote regional or religious
    contradictions at Eritrean communities . We were fooled before but nowadays no more .
    NB ; Thank you all to stand in solidarity DEKI EREY DELEYTI FITHI , God bless .
    The question of Eritreans UNITY is their worst enemy which we should consider in
    first place .

  • uncle sye April 2, 2015

    we need to prey

  • Seraw April 2, 2015

    I don’t care if the rich and hubris-laden and petro dollar drenched Arabs finish each other; they are good for nothing, sources of all evil to the region. But I feel very sorry to the poor people of Yemen.
    The Saudis and their Wahabists have been doing all the dirty jobs all over the world; they turned Afghanistan and Somalia into a stone age; they were the ones who advised the retard Jaafar Numieri to dismantle his British inherited fantastic educational system to Arabic memorization; they were the ones who told Sudan introduce the savage laws of women stoning and cutting limbs in exchange of few millions of dollars but helped create the Republic of South Sudan; it was the savage Saudis that helped create the savage Jihadists of Taliban, al Shabab and then the savage dogs of ISIL in Syria and Iraq.
    It is my hope that the Yemenis learn to drive out the Saudi devils who are living mentally in the deep shit caves of the second half of the first millennium.
    Thanks God and to my ancestors, I live across the Red Sea in the African section which is better with my hunger and tyrants. When I see the savages of ISIL, Talibans, al Shababs, Boko Harams, I truly miss the tyrant dictator Mouamar Gadafi, Ziad Bare, Naji Bullah (Afghanistan), Hafez al Assad and Mengistu Hailemariam.
    There is nothing worse animal than Jihadists and their supporters. May God help for peace to reign to my my poor brothers and sisters in Yemen.

  • Saba April 4, 2015

    Ahmed Salah,
    You said it well! I agree with you 100%.

Post a Reply to lemlem Cancel Reply