Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የሎናን ዲና ?

ኣብዚ አዋን’ዚ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቅላላ  ዕድመኡ ንመርዓ፡ ንካልኣይ ደረጃ ትምህርትን  ስድራቤት ንምሕጋዝ ን ዝበጽሐ ኤርትራዊ መንእሰይ  ድማ ብፍላይ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተሰናኺሉ ዕጫኡ ንግዱድ ዕስክርና፡ ስደትን ሕሰም መነባብሮን ኮይኑ’ሎ ።  እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን፡

ኣብዚ አዋን’ዚ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቅላላ  ዕድመኡ ንመርዓ፡ ንካልኣይ ደረጃ ትምህርትን  ስድራቤት ንምሕጋዝ ን ዝበጽሐ ኤርትራዊ መንእሰይ  ድማ ብፍላይ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተሰናኺሉ ዕጫኡ ንግዱድ ዕስክርና፡ ስደትን ሕሰም መነባብሮን ኮይኑ’ሎ ።  እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፡ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ መሬቶም ጓኖት እቶም  ብስም ደምህት ዝፍለጡ  ዕሱባት ሓለውቲ ስርዓት ኢሳያስ ድማ ከም ደቂ ዓዲ ተኣሚኖም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስውርን ሓድሽን መግዛኣቲ ይፍጽሙ ኣለዉ። እዚ ተርእዮ’ዚ ከኣ፡ ውልቀ- መላኺ ኢሳያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ኢሉ ዝፍሓሶ ተንኮል ኢዩ። ብግልባጡ ግን፡ ስርዓተ ኣልቦ ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ከምዘሎን ብኤርትራዊ ከምዘይተኣማመንን መረጋገጺ እዩ።

  • ዕላማን መንነትን ደምሒት ብዘየገድስ፡ ህዝብና ብጥሜት ሓለንጊ እናተገርፈን ብሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ፡ ኤለክትሪክ፡ ዝስተ ማይ እናተሳቐየን እንከሎ፡ ኣባላት ደምህት ጮማ ክበልዑ፡ ኣብ ዝወቀበ ኣባይቲ ክቅመጡን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ጉንዖታት ክግበረሎምን ከጋይጹን ምርኣይ፡ ሕድሪ ስውኣት ከም ምጥላም’ዩ ዝቁጸር። ኤርትራዊ፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ጸሪጉ ብሰላምን ክብረትን ክነብር እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ሓድሽ ኣደራዕን ከጋጥሞን ብባዕዳውያን ክሰራጠን ድሌቱ ኣይኮነን፡
  • ኣባላት ደምህት፡ ነቲ ካብ ሕሱም ኣገዛዝኣ ስርዓት ኢሳያስ ንምንጋፍ ዝፈትዋ ሃገሩ ሕቆኡ ሂቡ ክስደድ ዝቅሰብ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ብሎኮታትን ዶባትን ኤርትራ መንነት ወረቀት ክሓቱ፡ ከሰራጥዩን ክኣስሩን እንከለዉ ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ ጥራይ ዘይኮነ ክልተ ሞት እዩ።
  • ዓድኻ ክዝመት ዓይንኻ ኣይትተዓመት ከምዝብሃል፡ እቲ ብኣረሜናዊ ኢሳያስን ኤርትራውያን ሃወርያታቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ይቅረ ዘይብሃሎን  መዳርግቲ ዘይርከቦን ገበን ከይኣክል፡ ብመወቀፎም ዘይፍለጥ ባንዳታት ክርገጽን ክብሩ ክግሃስን እንከሎ፡ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ደቂ ስውኣትን “ስውኣትና ኣይስምዑን ኣይርኣዩን” ኢሎም ከማርሩን ጥርዓኖም ናብ ስውኣቶም ከቅርቡ እንክለዉን፡ እቶም ሕድሪ ስውኣት ዝተቀበልና የለናን ዲና? ዋላስ ሃገር ትጥፋእ፡ መቃብር ስውኣትና ይረገጽን መዐንደሪ ጓኖት ትኹን እዩ ምርጫና?

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • tamrat tamrat February 10, 2015

    Since the Denmark report and the killing of those 13 who tried to cross border the number of eritreans comming to norway is reduced dramatically. Norway was planning to send some fact finder group but for the time being there is no need.

  • Truly Truly i say to you February 11, 2015

    ክብርቲ ኤርትራዊት ይትረፍ ማይቲ እምባሶይራ ይትረፍ ሰዬ ኣካ ዩጎዝላቮ፣ ካብ ሞንጎና ንግዚኡ ስለዝተፈለዩና ክሕጎስ፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽኵዎ በዚ ዝስእብ ቃል እግዚኣብሔር ስለዝኣምን
    “ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፧ ፍታወይሲ ኻብ መግዱ ኺምለስ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፧” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። (ትንቢተ ሕዝቅኤል 18፣ 23) ኢሳያስ እኳ ካብቲ እከይ ተግባሩ ተመሊሱ ሰናይ ምግባርን ምሕሳብን እንተዝጅምር እቲ ብሰዓን ሕያዋይ ጓሳ ምስዓን ብከንቱ ዝጠፍእ ዘሎ ሕዝብና ናይ ድህነት ቅሳነትን ሰላምን ናይ ምንባር ውሕስነት ከምዝረክብ ስለዝኣምን ጥራይ ደይኮነ፣ ብድሕሪኡ ኢሳያስ ተናሲሁ ብሕይወት ክነብር ምኻሉ እንበር ብናቱ ሞት ኮነ ስቃይ ክነረኽበሉ ንኽእል መክሰብ ብዙሕ ስለዘይረኣየኒውን እዩ።
    ኣብ መወዳእታ ብወገነይ ብፍላይ ንማይቲ ክቃወሞ ዝከኣልኩ፣ ንኣይ ክጸርፍ ወይ ከነኣእስ ብምፍታኑ ደይኮነ፣ ኣብቲ ብዕለት 24 ጃንዋሪ ኣብ ኣሰና ኣብትሕቲ “ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣስታት ፮ ዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ከምዝፈተሐ ተፈሊጡ።” ዝብል ርዕስ ኣብዘካየድናዮ ክትእ ኮነ ኢሉ ናይቲ ጽሑፈይ ሓምረት ብዛእባ ኣሽማት ከምደይኮነ እናፈለጠ፣ ናብ ጓል መገዲ ብምእታው ናይቲ ቀንዲ መልዕክተይ ካልእ ትርጉም ብምትሓዝ ብተዘዋዋሪ ነቲ እኩይ ስርዓት ንዝክተሎ ፖሊሲ ዝድግፍ መርገጽ ሒዙ ዝሟገት ኮይኑ ስለዝተሰመኣኒ እንበር ስለዘካፋኣኒ ወይ ስለዝጸረፈኒ ኣይነበረን
    ዝተቃወምኩዎ። ብሓጽሩ ሰብ ብመንፈሱ ኣንጻር ሓገርን ሕዝብን ዝጉድእ ነገር ገሩ ክስሕት ከሎ እንበር ዘይወሓጠለይን ምሕረት ክገብረሉ ዘይደልይ ንውልቀይ ስለዘናሸወኒስ ፈጺመ ክጸልዖን ምሕረት ክከልዖን ነፍሰይ ኣይገብረለይን እዩ። ስለዝኾነ ክቡር ሓዉ ማይቲ ተስፋ ይገብር ነቲ ሪኢቶይ ከምተክብር፣ ብዝተረፈ ግን በቲ ዘለካ ስራህ ኣሳልጦን ሰናይ ነገር ክኾነልካ ካብልበይ እምነየልካ።

POST A COMMENT