Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ ንሓበን ህዝብን ሃገርን መብራህቲ ምእመናን ኣባ ማሪኖ

ሎሚ ሰኑይ 09 መስከረም 2013 ሚላኖ፡ ነቶም ንዓመታት ብትሕትናን እምነትን ዘገልገሉዋ ፍቱው ካህን ኣባ ተኽለማርያም ሃይለ - ኣባ ማሪኖ (መልኣኽ ባሕሪ)   ርእሳ ኣድኒና ብኽብሪ  ኣፋንያቶም። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ስደትን ዓድን ዝነብር፡ ዓቕምን ክእለትን ሞያን

ሎሚ ሰኑይ 09 መስከረም 2013 ሚላኖ፡ ነቶም ንዓመታት ብትሕትናን እምነትን ዘገልገሉዋ ፍቱው ካህን ኣባ ተኽለማርያም ሃይለ – ኣባ ማሪኖ (መልኣኽ ባሕሪ)   ርእሳ ኣድኒና ብኽብሪ  ኣፋንያቶም። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ስደትን ዓድን ዝነብር፡ ዓቕምን ክእለትን ሞያን ኣበርክቶን ኣባቴ ዝፈልጥን ዝሰምዐን ዜጋ ከኣ፡ ሓደ ክቡር ሃገራዊ ኣቦ ብምስኣኑ ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑዎ፤ እቲ ኣብ ሓመድ ድበኦም ኪሳተፍ ዝኽኣለ ብኣካል እቲ ብሰንኪ ጂኦግራፊያዊ ራሕቂ  ከርክብ ዘይከኣለ ከኣ ብመንፈስ ተፋንዩዎም።

ኣባ ተኽለማርያም ሃይለ ኣባ ማሪኖ፡ ብ21 መጋቢት 1942  ካብ ኣቡኦም  ኣቶ ሃይለ ተስፋይን ኣደኦም ወይዘሮ ለተማርያም ብርሃነን ኣብ ዓዶም ዓዲ ፍኚዕ ወረዳ ጸንዓደግለ ተወሊዶም። ካብ ቁልዕነቶም ኣትሒዞም ነብሶም ንእግዚኣብሄር ብምውፋይ ኣብ ከተማታት ኤርትራን ወጻእን ኪሳዕ ዝለዓለ ደረጃ መንፈሳውን ዓለማውን ትምህርቲ ቐሲሞም። ከም ዝኾነ ሃገራዊ ዜጋ ብመግዛእታዊ ስርዓት ተሃዲኖም ካብ ሃገሮም ምስ ወጽኡ ከኣ፡ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ሚላኖ ንኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ምእመናን መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናሃቡ ዕድመኦም ብምውፋይ ብ03 መስከረም ብሃንደበታዊ ሓደጋ ዓሪፎም።

ኣባ ማሪኖ እግዚኣብሄር ጽላሉ ዘውደቐሎም ሕሩይ ጓሳን መንፈሳዊ ኣገልጋሊ ህዝቢን ኢዮም  ነይርም። ከምቲ ንቑሕ ጓሳ ጥሪቱ ኪጸግባሉ ኣብ ለሰ ኣውዒሉ ናብ ጽሩይ ወሓዚ ሩባ ኣውሪዱ ዘርውየን፤ ንሶም ከኣ ህዝቦም ኣብ ጎደና ጽድቂ ኪሕደስ ብፍቕርን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ኪመላለስ ዝመሃሩን ዝመዓዱን፡ ጓሳ መንፈስን እምነትን፡ ጓሳ ፍቕርን ሕውነትን ኢዮም ነይሮም።

ኣባቴ፡ ከምቲ ቅዱስ ወንጌል “ጸጋመይቲ ኢድካ እትገብሮስ የማነይትኻ’ኳ ኣይትፍለጦ!” ዝብሎ፡ ገይረ-ሰሪሐ፡ ኣበርኪተ-ዊዒለ፡ ዘይብሉ፡ ደኒኖም ትሒቶም መንፈሳውን ማሕበራውን እጃሞም ዘበርክቱ ዕጉስ ኣቦ ኢዮም ነይሮም። ከም ኣገልጋሊ ህዝቢ ብትሕትና፡ ከም ካህን ብጾም ብሕትውና፡ ከም ኣቦን መምህርን ብልቦና፡ ከም መራሒን ጓሳን ብቕንዕና ንህዝቢ ዘገልገሉን ዝተላእኩን ኣባት ኢዮም።

ወዲ ሰብ ብኽብሪ ሰብ ዝግደስ እንተኾይኑ ንባዕሉ ክቡር ኢዩ።ሰብ ብፍቕሪ ሰብ ዝሕጎስ እንተኾይኑ ፍቱው ኢዩ። ወዲ ሰብ ብትሕትናን ቅድስናን ዝመላለስ እንተኾይኑ ህቡብ ኢዩ። ህቡብነት ናይ ኣባቴ ከኣ ካብዚ ረዚን ክብሮም ኢዩ ዝምንጩ።

ኣባ ማሪኖ ገይሮሞ ዝበሃል ነገራት ኪጽብጸብ እንተኾይኑ፡ ከምቲ መንፈሳውያን ሊቃውንቲ  ንውዳሰ ማርያም ኪገልጹ እንከለዉ፡ “ሰማይ ክንዲ ወረቐት ዝናም ክረምቲ ከኣ ቀለም እንተዝኸውን እኳ..!” ዝበሉዎ ሞያን ግብርን ኣባቴ ኪትገልጽ እንተነቒልካ መጽሓፍ ዘይኮነ መጻሕፍቲ ኢኻ ኪትጽሕፍ ዘሎካ።

ኣባቴ ኩሉ እቲ ከመሓድርን ኪምርሕን እኽእል እየ ዝብል፡ ቀለም ዝጸገበን ፊደል ዝቖጸረን ዘይክእሎ፣ ትካል ዝሰረተን ንዋት ዝጓረተን ዘይገብሮ ዝገበሩ መንፈሳዊ ኣቦ ኢዮም። መልኣኽ ባሕሪ ኣባ ማሪኖ፡ ክንደይ ዝነብዓ አዕንቲ ዘይሓበሱ፤ ክንደይ ዝጎሃየ ሰብ ዘየረስረሱ፤ ክንደይ ዝተሸገራ ናእሽቱ ኣሓት ዝተጸገማ ኣዴታት ዘይሓገዙ ክንደይ ጽጉማት ናእሽቱን ዓበይትን መንእሰያት ዘይደገፉ፤ ተግባሮም ኪኖ እታ ዝነበሩላን ዘገልገሉላን ከተማ ሚላኖ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ሓርነት፡ ኣብ ሜዳን ዓድን፤ ሕጂ ኣብ እዋን ስደትን ፍልሰትን ከኣ ኣብ ሰሃራን ባሕርን ኣብ ሲናይን እውን ጉሉሕን ድሙቕን ኢዩ።

ኣባቴ ከም ሃይማኖታዊ መራሒ ጥራሕ ዘይኮኑ ከም ሃገራዊ ኣቦ፡ ልዕሊ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ስምዒታት ልዕሊ ፖለቲካውን ውድባውን ፍልልያት ኮይኖም፡ ደጋፍን ተቓዋምን ከይበሉ፡ ንኹሉ  ከም መርዓት ዓይኒ ብሓደ ብምርኣይ ብዝከኣሎም ንህዝቢ ዘገልገሉ እንሕበነሎም ኣቦና ኢዮም።

ሎሚ ኣባዛ ዕለተ ግብኣቶም ከኣ ኣባቴ  ምስ ማሕበሮም ኮይኖም ብኣገልግሎቶም ዝናበዮዎም ኣማኢት ዘኽታማት ዕሸላት፤ ብመንፈሳዊ ውህበቶም ዝጠወሩዎም ጽጉማንን ሕሙማንን ብመንፈስን ዝኽሪ ብዓቢ ኽብሪ ኪፋነውዎም ኢዮም።

ኣባ ማሪኖ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም፣ ኣጻምእ ሰሃራ ሰጊሮም ኣብ ሊብያ፣ ባሕሪ ሜዲተራንያን ጨዲዶም ኣብ ማልታን ጥልያንን ምስ ኣተዉ ንዘጋጠሞም ሽግራት ንምፍታሕ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ እተን ሃገራት ብምርኻብ፡ እዞም መንእሰያት ዓለማዊ ውዑልን ሕግን ብዘፍቅዶ መሰረት ግቡእ ኣተሓሕዛ ኪግበረሎም ዝተኸራኸሩን ዝሞጎቱን ተባዕ ኣቦ ኢዮም። ንሶምን መሳርሕቶምን ግዱሳት ዜጋታት ብዘገብሩዎ ዲፕሎማሲያ ጻዕሪ ከኣ ኣብ ባይታ ብዙሕ ነገራት ተቐይሩ ኢዩ።

ኣባቴ ግን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ጥራሕ ኣይኮኑን። ሞባይሎምን ስልኮምን ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ዝገበሩ ኣባል ቀዳማይ ረዲኤት  ባሕሪ እውን ኢዮም።ብሰንኪዚ ኣብ ሃገርና ዝተኸስተ ጸገማት ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ምስበዝሐ፤ ባሕሪ ሜዲተራንያንን እንኪሰግሩ ማዕበል ንዘጭነቖም ዜጋታት ኪረድኡ ኣውያት ርድኡና ኪምልሹ ምስ ዝምልከቶም ናይ ረዲኤት ኣካላትን መንስግታትን ኪደዋወወሉ ክንደይ ለይትታት ብኾፎም ዘይሓደሩ። ክንደይ ዕለታት ብጭንቂ ዜጋትቶም ዘይተኾምተሩ። ብሓጺሩ ኣበርክቶ ኣባቴ ቀዲሕካ ዘይውዳእ ባሕሪ ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ገድሊ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ዕለተ ቀብሮም፡ ነፍሲ ወከፍ እቶም ንኣባቴ ብቐረባ ዝፈልጡዎም ምኽሮምን ማዕዳኦምን ዝረኸቡ፡ ጸሎቶምን ቡራኬኦምን ዝተቐበሉ ምእመናን በብቲ ዝስመዖም ዘበለ ኪዝክሩዎም ኢዮም። ሎሚ እቶም  ብስጋን መንፈስን ተጨኒቕካ ዘተሃዳድኡን ዘረጋግኡን፡ ተጸጊምካን ተገዲዕካን ዝረድኡን ዝሕግዙን ኣቦ ኪፋነዉ እንከለዉ እቲ ዕድለኛ ኮይኑ ኣብ ቀብሮም ኪሳተፍ ዕድል ዝረኸበን እቲ ብሩሑቕ መርድኦም ዝሰምዐን ብፍቕሪ ይነብዓሎም ኣሎ።

ኣባቴ ግን፡ ጓሳ እምነትን መንፈስን  ኣገልጋሊ ካህን ጥራሕ ኣይነበሩን።  ኣባቴ ባርያ ህዝብን ሃገርን ተጋዳላይ እውን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ቓልሲ ሓርነት ብጸሎትን መንፈስን ጥራሕ ዘይኮነ ብስራሕን ግብርን ልዑል እጃም ዘበርከቱ ኣብ ዕድመ ህይወቶም ዘይተጸውየ ድሕሪ ሕልፈቶም ግን ኪዝንቶ ዘለዎ ዘይተኣደነ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሃገራዊ ኢዮም። ኣባቴ ከም ካህንን መንፈሳውን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኪሳተፉ ዘይግባእ እኳ እንተመሰለ ንሶም ግን ማዕረ እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ከም ተጋዳላይ ሃገራዊ እጃሞም ብልዑል ተወፋይነት ዘበርከቱ ሓርበኛ እውን ኢዮም።

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ሰውራ ኤርትራ ንኤርትራ ዓረባዊት ሃገር ንምግባራ ዝቃለስ ዘሎ ምንቅስቓስ ኢዩ ብምባል ካብ ምዕራባዊ ዓለም ንኺንጽሎ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣባቴ፡ ሰውራ ኤርትራ፡ ንመሰልን ናጽነትን ዝዋጋእ ሓይሊ እምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ጸግዒ ዘይብሉ ንጹህ ሃገራዊ ቓልሲ ህዝቢ ሙዃኑ ብምእማን፡ ምስ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ባቲካንን ሰበስልጣናት መንግስትን  ፖለቲከኛታትን እናተራኸቡ፡ ነቲ ተደዊኑ ዝነበረ ምስሊ ብምትዕርራይ ነቲ ቓልሲ ልዑል ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ኣብ ምብርካት ዕዙዝ ተራ ዝተጻወቱ ኣቦ ኢዮም።

ኣባቴ ማሕበረ ረዲኤት ኤርትራ ኪቐውም እንከሎ ኣትሒዞም ኪሳዕ እግሪ ተኺሉ ዝድልድልን ንህዝብን ቓልስን ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ኣበርክቶ ንኺገብር ካብቶም ፊተ-መሪሕ ኮይኖም ብኹለንትናኦም ብምቅላስ ነቲ ማሕበር ሚልዮናት ገንዘብ ብምእካብ ዘበርከቱ ኣቦ እውን ኢዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምዝላቕ ሓርነታዊ ቓልሲ፡ ድምጺ ተጋደልቲ ደቁ ንኺሰምዕ ኣብ ዝተገብረ ፕሮጀክት ምቛምን ምዕባይን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ፣ልዑል እጃም ዘበርከቱ ኤርትራና ዘፍረየቶም እንሕበነሎም ዜጋ ሙዃኖም ልዕሊ እቲ ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝተላእከሎም ናይ ምስጋናን ኣኽብሮትን ደብዳበን ምስክር ወረቐትን ኣብ ልቢ መሳርሕቲ ውዕሎኦም ንዘልኣለም ዝተርፍ ሓበን ኢዩ።

ኣባ ማሪኖ ነቲ ኣብ ግምባራት ዓሪዱ ምስ ጸላኢ ዝጠማጠም ዝነበረ ልኡኽ ህዝቢ ተጋዳላይ፡ ንዝነበሮ ሕጽረታት ንምምላእ፡ ነብሳኻ ምኽኣል ብዝብል ሕልና ኣብ ሜዳ ዝተተኽለ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ኢዶም ጸምቢሮሙሉ ኢዮም።

ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ተራን ኣበርክቶን ኣባ ማሪኖ ባሕሪ ስለዝኾነ ኣብዛ ሓጻር  ናይ ፋንዎ ዓንቀጽ  ኪዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን። ኣባ ማሪኖ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ካብ ሃገሮም ንእተሰዱ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ሶማሊያውያን አሕዋት፡ ሰብኣዊን መንፈሳውን ምኽርን ሓገዝን ብምብርካት ኣብ ሃገር ስደቶም  ኣቦ ኹሉ ዝነበሩ ሓብሓቢ ኢዮም። ኣባቴን ማሕበሮምን ዘካየዱዎ ዝተፈላልየ ማሕበራውን ሰብኣውን ማሕበራውን ፕሮጀክታት ኣብያተ ትምህርቲ ሆስፒታላትን ኪሊኒካትን ናብዮት ዘኽታማትን ተገልገልቱ ብኽብሪ ዝዝክሩዎ ዓቢ ስራሕ ኢዩ።

ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ምምሕዳር ከተማ ሚላኖ ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ኣምብሮሲ ከተማ ሚላኖ፡ ብ07 ታሕሳስ 2012፡  ጎልደን ኣምብሮጂኖ ዝበሃል ኣብ ሕብረተሰብ ብሉጽ ስራሕ ንዘበርከቱ ብኽብሪ ዝወሃብ ወርቂ መዳልያ ዝሸለሞም።

እቲ ብኣባ ማሪኖ ዝመሓደር ማሕበር CAPSE ኣብ 1989 ከምኡውን 2009  ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣገልግሎቱ ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ተመሳሳሊ መዳልያን ናይ ሰላም ሽልማትን ተሸሊሙ ነይሩ ኢዩ። ኣባ ማሪኖ ብመንፈሳዊ ኣበርክቶኦምን ሞያኦምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ውልቀ ሰብ እውን እንተኾነ ምስ ዓቢን ንእሽቶን፣ ምስ ምሁርን ዘይተማህረን  ብኣብነት ዝጥቀሱ ትሑትን ምቝሉልን፡ ለዋህን ቦቝባቑን  ኣቦ ኢዮም ነይሮም።

ኣባቴ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኪሳዕ ዝርህዎን ዝሓልፈሉን ገና፡ ብጾምን ጸሎትን ብሓሳብን ምኽርን፡ ብኣስተምህሮን ኪለኣኹዎን ከገልግሉዎን እናበሃጉ፡ ደኺመን ሓሚመን እንከይበሉ ኪሳዕ ሕልፈቶም ኩለንትናዊ ዓቕሞም እናበርከቱ ዝሓለፉ  እንሕበነሎም ዜጋን እንኾርዓሎምን ኣቦ ህዝቢ ኢዮም። ስለዝኾነ ከኣ፡ ዜና ዕረፍቶም ካብ ዝስማዕ ኪሳዕ ዕለተ ግብኣቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣኽበርቶም፡ ከምኡ ‘ውን ሞየኦምን ስርሖምን ዝፈልጡ ዜጋታት፡ መሕዘኒ ዳስ ተኺሎም  ብመንፈስ ብኽብሪ  ይፋነዉዎም ኣለዉ።

ሎም መዓልቲ ሰኑይ 09 መስከረም 2013 ከኣ ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉላን ዝዓረፉላን ከተማ ሚላኖ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝመጽኡ ኣማኢት ኣኽበርቶምን ፈተውቶም  ብኽብሪ ኣፋንዮሞም። ስነ ስርዓት ቀብሮም ከኣ ንታሪኽ ህይወቶምን ኣበርክቶኦምን  ብምሕቋፍ ብጸሎት ተፈጺሙ።

እዞም ዓብን ክቡርን ሕፉሩን ኣቦ፡ ኣባ ማሪኖ ብኣካል እኳ እንተተፈልዩና ብመንፈስን ዝኽርን ግን ወትሩ ምሳና ዝነብሩ ህያው ኢዮም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መንግስቱ ብኽብሪ ኪቕበሎም ኢዩ።

ንዐኦም ሰላምን ዕረፍትን ፤ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ክህቦም ንምነ!!

ኣኽበርቶም ግዱሳት ዜጋታት

09-09-2013

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Michael Tekie September 9, 2013

    Rest in peace, Reverendo Padre Marino. My deepest condolences to his family and his order.

  • weygud September 10, 2013

    May God rest his soul in peace. I learnt from the posted article that Rev. Fathet (Aba) Matino had been a righteous person, true setvant God and active messenger of Gospel.
    He dedicated his life to help out his people ( esp. the poor and refugees). He had been a committed hero in defending basic human rights. Eritrea lost a great samaritan person , however, his superb deeds are immortal.

  • abeba abraha September 10, 2013

    Rest in peace my beloved father your amazing deeds will allways remain in our heart .

  • Monica September 10, 2013

    Betaimi zehezen nay abba mot.

  • Monica September 10, 2013

    Mot-mot ayconen hentay dea nabti zehashe hiwet msegar hiyúmo,kuljum sedrabetnann,mahberun hezbi eritrean, xenaten tesfan hebreten,yimene. Abba Marino dema cab Amlaj yamaludelna ámen.

  • NEW HOPE ERITREA September 10, 2013

    ክቡር ኣባ ማሪኖ፣

    ኣይፈልጠኩምን።ግን ሕያውነትኩም ብብዙሕ ሰባት ክምስከር ምስምዔይ ድማ ኣሔጒሱኒ።ከምቲ እቲ መጽሓፍ ዝብሎ ብግብሮም ክትፈልጥዎም ኢኹም። ጸንዓ ድግለ ተወሊድኩምሲ፣ኣብቲ ጽጉማት ኤርትራውያን ምሕጋዝ፧(ማሕበር ካፑቺኒ ብዝኸፍሎ)ከምቶም ካልኦት ደቂ ዓድኹም ፓድረታት__እዚ ወደይ ኣበይ እዩ ዓድኻ፧እዛ ጓለይ ኣበዩ ዓድኺ፧ __ኢልኩም ኣዝማድኩምን ደቂ ከባቢኹምን ጥራይ ዘይምሕጋዝኩም ገሪሙኒ። ወይ እታ ኮምፕዩተር ተጋግያ ወዲ ጸንዓድግለ ጌራትኩም ኣላ__ወይ ክኣ ካብ ሚልዮን ሓደ ኢኹም።እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ተግባር ጌርኩም።ንጽጉማት ደቂ ቶርዓ ውን ከም ዝሓገዝኩም ጥርጥር የብለይን።

    እግዚኣብሄር ሰላም ይሃብኩም።

    ፈታዊኹም ነው ሆፕ ኤሪትረያ__ምሕረቱ ሃብተ።

  • sara gual eritra September 12, 2013

    NEW HOPE
    aye atahatita ! agerimkani
    eta compiuter aytegageyet eta million aygodelet
    (sei molto simpatico devi essere il vero asmarino)

    • NEW HOPE ERITREA September 12, 2013

      Grazie Tanto ,..No capisco Italiano bene ,…..pero entiendo español muy bien ,como si fuera mi idioma…!!! No es cierto estoy exajirando..pero si soy demasiado inteligente.

      Gracias a ti.

      ነቶም ፈገረግር ወገናውያን ደቂ ግራተይ ´ው ን ኣይንሕፎምንየ።ሓቂ እንድሕር ተመርኵስና እቲ ዓማጺ ይሓፍር።ብኡ እየ ናይ ብሓቂ ስመይ ወሲኸሉ___ምኽንያቱ ጽባሕ ንጉሆ ከም ኣህባይ ተኣኪቦም ከጥቅዑኒ ምስ መጹ_ዶኩሜንትድ ሓቅነት ኣለኒ።

      ብሓቅነት ተላዒልና ምስ እንፈርድ፣ንማንም ኣይነጕህዮን።ኣብዚ ሳንድያጎ ዘለዉ ኮሚኒቲ ዳርጋ ናይ ደቂ ኣርብዓ ሓማሴን ክትብሃል ትኽእልእያ፣ሓንሳእ ሓንሳእ ጥራይ እየ ዝኸይድ ድሃይ ክፈልጥ ሓሻኪ።

      ዘኽብረኪ ሓውኪ።

Post a Reply to Michael Tekie Cancel Reply