Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ ሓላው ስጡሕ 3ይ ክፋል፡

ዝኽሪ ሓላው ስጡሕ 3ይ ክፋል፡                                        06.01.16፡ ድሕሪ ናጽነት ከመይ ቀኒኹም ደቂ’ዛ ከም ዓረ ዝተረረት ጽንዕቲ ሃገር። ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ብዛዕባ ሓላው ስጡሕነተይ ብዘቕረብኩዎ ጽሑፍ  ካብ ዝመጻኒ ክልተ መልእኽቲ እታ ሓንቲ ሓላው ስጡሕን ሓላው ወሰንን ሓደ ምዃኖም ተበስር

ዝኽሪ ሓላው ስጡሕ 3ይ ክፋል፡                                        06.01.16፡

ድሕሪ ናጽነት

ከመይ ቀኒኹም ደቂ’ዛ ከም ዓረ ዝተረረት ጽንዕቲ ሃገር። ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ብዛዕባ ሓላው ስጡሕነተይ ብዘቕረብኩዎ ጽሑፍ  ካብ ዝመጻኒ ክልተ መልእኽቲ እታ ሓንቲ ሓላው ስጡሕን ሓላው ወሰንን ሓደ ምዃኖም ተበስር ኣተባባዒት መልእኽቲ ኣንቢበ ሓጎሰ ይ ምጻር ስኢነዮ ክፍንጫሕ ደልየ ምቕናየይ  ክነግረኩም ደስ እብለኒ። እታ ሓንቲ ግና ቁልቁል ኣፋ “መን ‘ተሰጢሕና’ ኢልካ? መንከ ‘ሓልወና’ ኢልካ?” ትብል ነበረት። ርኢቶ እንተልይኩም ንዓኻትኩም ሓዲገያ ክቕጽል።

‘ተቛጺርኩም’ ግዲ ዘይበለና ኮይኑስ እንሆ ንሓዳስ ዓመት መርሒብናያን ድሮ’ኳ ሰሙን ኣቑጺርናን። ውንዙፍና ንምቕጻል እምባኣር ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፍና ከምዚ ኢልና ተፈላሊና ከምዝቐነና ንዝክር፦

“ኣውራ ‘እታ ግናይ’ ተጸንቢርዋ ከይኸውን ዝጠርጠረ ስግኣተይ ኣብ ውሽጠይ ቃቒረያ ጥራይ ትምክብል መረጽኩ። ሓንሳብ፡ ክልተ -ሳብ ጥራይ ዘይኮነ ደጋጊመ እንተዝረኽቦ’ውን ነቲ ኩሉ ግዜ ከም ማንጁስ ዝርእየኒ ኣነ ከኣ ብልቢ ዝኣመንኩዎ ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማርያም ከምቲ ካልእ ምህሮ ብዛዕባ’ታ ሰልፊ ፈጺመ ኣይመሓተትኩዎን። ክብሎ እናደለኹ ትም፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ትም ባ ቃ!” ኢለ ተሰናቢተኩም ምቕናየይ እንተዘኪርኩም ንቐጽል።

እንደገና ክንብል-ክንብል ዳግማይ ኲናት ወያኔ ምስዘሓለ (ካብ ናይጀሪያ’ዩ መጺኡ መስለኒ) ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ተራኸብና። ሰላምታ ከይተጻገብና ቀልጢፋ ዝመጸትኒ ሓሳብ ንሱ ኣብ ከባቢ 87 ኣብታ ገዳይም ተጋደልቲ ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ክኣትዉዋ ዝተገደዱ ሰል ፊ ክኣቱ ብኢሳይያስ ከምተነግሮን፡ ብዛዕባ ብወገኑ “ኢልዎ” ዝተባህለ ዘረባን ውክፍ ስለዝበለትኒ ሽዑ ክትኩሳ ዝተረፈኒ ኣይነበረን ። እንተኾነስ እቲ ዝሰማዕኩዎ ሓቂ ዲዩ? ኣብታ ሓዳስ ኣትዩ እንተሎኸ? እምበርከ ኣነ እንተደለኹዎስ ንርእሱ ብከመይ ከምዝጥም ተኒ እንታይ ይፈልጥ? ንሱ ብሓቂ ከምቲ እቲ እዋን ዝእዝዞ እንተነይሩ መቸም ጥራጥ ቀቀርቂርካዶ ክንጠር ይካኣል ኮይኑ!

ኣድሓኖም ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዝፈተኽዎምን ከም ብቑዕ ወተሃደር ከምዝተቐበልኩዎን ነብሰይ ኩሉ ግዜ ትነግረኒ ከምዝነበረት ነጊ ረኩም ነይረ። ሽዑ ግና ገዝኡ ክንኣቱ ንዘቕረበለይ ዕድመ ክቕበል ወይ’ውን ኣብቲ ድሙድሙ ሽዂልና ንድርገሞ ዝነበርና ባራት ሒ ዘዮ ክኸይድ ዝሓለነ ዊንታ ኣይነበረንን። ንሱ ናይ መስተ ሰብ ከምዘይነበረ እንተገሚትኩም ኣነውን ተኣሊኸ ክውዕል-ክሓድር ዝብ ህግ ዝነበርኩ ከይመስለኩም!

ድሙድሙ መርዚ ኢዩ! እንተዘይረሲዕኩሞ ብዛዕባኡ ገለ ታሪኽ ኣዕሊለኩም ነይረ። ግናስ በቲ ዝወረደና ጥልመትን ዝሰዓበ ቁጥዐን ኣልኮል ኣይኮነን ላምባ’ውን እንተንሰቲ እንታይ ነይርዎ። መቸም ንዕዑ ምስታይ ብርግጽ ሞት ምዕዳም ነበረ። ተገይሩ ድማ ኢዩ። ግዳስ ኣብቲ ሞት ሂወት’ውን ኣሎ። ሰብ እናመተ ሂወት ዘሪኡ ይሓልፍ ብምንባሩ። እሞ እቲ ትማሊ ምስጡር ዝነበረ ፍንጃል ድሙ ድሙ ምስተማዕጐት ቅልዕ፣ ግድል ዝነበር ፍትሕ፣ ርሑቕ’ውን ቅርብ ባቃ! እንተኾነ ደረት ዘስግር ሕዱር ፍቕሪ ድማ ኣለዎ ድሙ- ድሙ። ሓያለይ ብጾትና ከም ወዝቢ ምስ ጀመሩዎ ክላቐቑ ኣይተኻእሎምን። ነተን ንኢሳይያስ ክሳብ ሎሚ ዘይለከምኦ መርገም እና ደገሙ ሽኮ ኣብራኾም ተሰኒፈን እናንፈጥፈጣ ከምቶም ዝተቐዝፉ ንዝሓለፉ ብጾትና ሰማያዊት ደገ-ሰላም ኢዳ ዘርጊሓ ትቀበሎም!

ኣድሓኖም ግና ብነብሱ ጥንቁቕ ብምንባሩ ኣልኮል ዝለኽፋ’ውን ኣይመሰለንን። እሞ ኣብታ ማርሻቤዲ ገዝኡ ኴንና ዝሸርጠጥናያ ሽ ምዓ ዕላል ቃል-ቃል በለትልና። እቲ ኣርእስቲ ተጣዒሙ ዝውዳእ ኣይነበረን። ከመይሲ ኲናት ብከመይ ከምተጀመረን ሳዕቤኑ ድማ ክሳብ 1.5 ሚሊዮን ህዝብና ካብ መረበቱ ከምተዘናበለን፡ ኣብዚ ውግእ ተራ ባይቶ እንታይ ከምዝነበረን ሓላፍነቱ መን ከምዝስከም ን፡ ብቀንዱ’ምበር ብከመይ ከምተባርዐን፡ ቅዋምን መሰጋገሪት መንግስትን ኣበይ ከምተሸርባን ዝኣመሰለ ከነዕልል ጥሕል ኮነ። ናይ’ ቶም ናይ ሽዑ ተጋደልቲ ዕድሎትና ከምኡ ከምዝነበረ ከውግዓኩም ክብል ኢለ ኢየ’ምበር ካልእ ኣይኮነን። ግናስ ሽዑ’ ውን ነቲ ዝኣ ምኖ ወተሃደር ብዛዕባ’ታ ኣብ ከብዲ ሕብእቲ ተጠኒሳ ድሕራ ኣብ ናቕፋ ዝተወልደት ሰልፍን ተሓታትነታን ክብሎ እናደለኹ ቅንጣ ብ ከምዘየምለቑኩሉ እዝክር። ሓራይ’ንዶ ኣነስ እእመኖ ነሱኸ? ኣብ ግዜ ስዉራን ሰልፍታት መን ንመን ይኣምን? ብኡ ኣቢለ በቲ ዝ ረሰነ ስምዒቱ ናብ ናይጀርያ ከምዝምለስ ከይኣመንኩ ዓይኒ ኣባይ ክድፈነሉ እናሓሰብኩ ተፋነኹዎ። እቲ ዕላል ግን ኣይተፋነወንን።

ብዙሓት ሰባት ኣድሓኖም ድሕሪ ካድር ድርፎ ብከምቲ ዝተጎስጎሰሉ ክእሰር ወይ ክዋረድ ስለዘይረኣይዎ ብ’ተበላጺ’ እናተጎጠየ “ው ሽጢ-ውሽጢ ምስ ኢሳይያስ ተመሻጢሩ ንብርሃነ ኣፍሮ ክልክም ተሊሙዶ ይኸውን ትምህርቲ ከፊቱ?” ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ብወገ ነይ ኣይመስለንን። ንሱ ብዓንተቦኡ ግዱይ ስለዝነበረ ብኢድ ኣድሓኖም ዝስዕቦ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። ንነገሩ ብርሃነ መን’ዩ ግዲ?

እቲ መንነትና ከይንዕቅብ ዝተዓሰበ መራሒ ብዝፈጠሮ ናይ ታሪኽ ሃጓፍ ዝተሰናኸለ ታሪኽ ጀጋኑና ክሳብ ዝዕንብብ ብወገነይ ኪኖ ጥማዕ ዘንታ ብዛዕባ ስዉእ ብርሃነ ደበሳይ ክንዲ በዓል ተኽለ ልብሱ ጠሊቐ ክዛረብ ዝኽእል ኣይኮንኩን። ተመሃራይ ልዑል መኮነ ን ዝነበረ ኣፍሮ እንተዘይረሲዐ እናሳዕ’ውን ‘ወዲ ንጽህቲ’ ንብሎ ዝነበርና ይመስለኒ። ወላዲቱ ኣብ ቃኘው ይሰርሓ ብምንባረን ንሱ ድማ ስራሕ ኣዲኡ ከም ከብዲ ኢዱ ከምዝፈለጣ ይዝንቶ። ኣብ ሰውራ ‘መንኪዑ’ ተባሂሉ ከምተኣሰረን ክቱር ግፍዒ ተፈጺምዎ ም ስ ወጸ ድማ ዲል ከይረክብ እናተሓሰበ ክሳብ ብ’ፈራህ’ ዘሕሸኹሹኹሉ ካድረታት ከምዝነበሩ፡ ብግብሪ ኣዒንተይ ዝረኣየኦ ግን ፈቃ ር፡ ብቑዕ ወተሃደርን መምህርን ምንባሩ ክምስክር እኽእል ኢየ። ንሱ ኣብ ባጽዕ ኣብ ናይ ከተማ ስርሒት ተመዲቡ እንከሎ ጸላኢ  ብዝረኸቦ ሓበሬታ ከበቦ’ሞ፡ ምስጢር ስሩዓቱ ከይማረኽ ክብል ንዝዓቀበትሉ ቴንዳ ከንድድ ንርእሱ ምስኣ ብምንዳዱ ቃል-ቃል እ ናበለ ከምዘምለጠ እዝከረኒ። ኣብ ፍልፍል ብዝተገብረሉ ሕክምና ምስወድአ ድማ ናብቲ 9ይ ዙርያ ካድር ከምተላእከ ሰሚዐ። ከም ትዝክሩ 9ይ ዙርያ ካድር ብዘይካ ንጣር ብዝኸድዎ ብጀግንነት ኣብ ባጽዕ ጸኒቶም ኢዮም። እንተኾነስ ገለ ውሑዳት ተማሃሮ ‘ስንኩ ላት’ ተባሂሎም ተመምዮም ከምዝተረፉ ክስማዕ፡ ብርሃነ ዋላ’ኳ ነታ ብሓዊ ዝተመላለጠትን ዝተጨራረመትን ዝርካባ ኣካሉ ሒዙ ክኸትት እንተኣንቀደ ንምንታይ ከምተፈቕደሉ ከሕስበኩም ይኽእል ኢዩ። ሓቂ እንተኾይኑ “ኣብዩ” ዝብል ዜና ተፈንዩ ከምዝነበረ ሰሚዐ ነይረ። ግናስ ብወገነይ ንዝኣብዩ ኣባላትና ንምእላይ “ኲናት ኣይተወድእን” እናበልና ክሳብ ኣአዳዎም ኣሲርና ነትርፎም ኣባላ ት ከምዝነበሩ ስለዝዝክር፡ ንሱስ ነብሱ ጸሊኡ ይነብር፡ “ንምንታይ ሓለፍቱ ከይኣለይዎ ከምኡ መሪጾም?” ከብል ይኽእል።

ናይቲ  እዋን ሕቶይ ሎሚ ዝምልሰለይ ደልየ ዘይኮነ ዘሕረኽርኸኒ ከውግዓኩም ኢለ ኢየ። ኣውራ ነታ “ብሬን ሒዙ ንብጾቱ ክከላኸ ል ተወፍዩ” ክትብል ዝተፈነወት ምኽንያት ስለዘይዓገብኩላ ኢየ። ኢሳይያስ ብስም “ኣብ ዝተመደብካዮ ተወፈ” ብዙሓት ብቑዓት ኣ ብ ዘየፍርዩሉ ግጉይ ምደባ ወዚዑ ከምዘጥፍኦም ስለዝትረኽ፡ መስዋእቲ ብርሃነ’ውን ውሁብ’ኳ እንተኾነ ክፍኣት ግዳይነቱ ግና ዘደ ቅስ ኣይኮነን። ምናልባት’ውን ብርሃነ ካብ ውሽጢ ሰብ ገይሩ ይነብር። ከምኡ እንተኾይኑ ወዮም ድሒሮም ናብ ሰውራ ዝተጠርነፉ ወለዱኸ ብመስዋእቲ ወዶም ዕጉባትዶ ይነብሩ? ኣቦይ ደበሳይ ተዋዛይ ምንባሮም ፈለጥቶም የውግዑ። ምስ ዕብየቶም ኣብ ህንጻ ተ መዲቦም ዝወልዑዋ ሞቶረኦም ክሳብ ቦጥ ትመልእ ነቲ ጥዑም ዕላሎም ዝተቛደሰ ዘበለ ፈላጢ ታሪኽክ እንታይ ይሓስብ ይነብር?

ተወሳኺ ኣብነት ንምጥቃስ ሃይለ ወልደትንሳኤ “ፈዳኢን” ኢሉ ክምድቦ እንከሎ ንሱ ዘበርክተሉ ርጉጽ ቦታ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ው ዲት ኢሳይያስ ከምኡ ከምዘይነበረ ድሩዕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ መታን ከይጥጥዕ በቶም “ጅግና እንተነይሩ ዘይስዋእ ድ ኣ? ንምንታይ ተማሪኹ” እናበሉ ወሽጢ-ውሽጢ ንዝተፋሕሰ ውዲት ዝነዝሑ ተረዲእናዮ ጥበብ መራሒና። ንነገሩ ኢሳይያስ ጥይት ተኲሲዶ ይፈልጥ? ብዘይካ’ታ ተስፋይ ተምኖ ናበይነታ ከየረጋገጸ ንሱ ተጸጊዑ ይትኩስ ከምዝነበረ ጥራይ ዝመስከረላን ወዲ ሓጎስ ድማ ዝሰረዛን እንኮ ዛንታ ካልእ ብረታዊ ኣስተዋጽኦ ኢሳይያስ ሕርሚ! ዓሻ ዲዩ ወዲ ኣፎም ብሪ!

ናብ ዛንታይ ከመልሰኩም። ከምትፈልጥዎ ፖለቲካዊ ስራሓት ኩሉ ሳዕን ኣብ ኩሉ ሃገርን ምስጢራዊ ኢዩ። ነቲ ህዝቢ (ብፍላይ ን መንእሰያት) ብዛዕባ ዘየሎ ተስፋን ስግኣትን እናዘመርካ ከተሀውትቶም ቀንዲ ስራሕ ናይቶም ሰራሕቲ ፖሊሲ ኢዩ። “መለሳ እንተዘ ይብሉ ንምንታይ ስረዓት ምቕያር ኣድልይኩም?” ክብሉና ይኾኑ ሰላሕታ ወራራት። ሓቂ ኢዩ ፖለቲካ ገስረጥን ምስጢርን ምዃኑ። ግናስ እተን ደሞክራሲ ዘለወን ሃገራት ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓ ክበሃል ንዝስራሕ ሓጥያት ክሰርሑ ንዝተመርጹ መራሕቲ ዝቕይዳሉ ጥበብ ኣለወን። ሓደ ካብኡ ቅዋማውነት ምዃኑ ይእመን። ኣመሪካ ንኣብነት ንሰራሕቲ ሓጥያት በቢብረ’ያ ተስርሖም። ብምርጫ ን ዝተሸሙ መራሕቲ ዝእተወሎም ውሕስነት ድማ ኣሎ። ምዙዝ ኣብ ስራሕ መንግስቲ እንከሎ ብዝፍጽሞ ከይኽሰስ ወሑስ ኢዩ። ከ ም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ሸፋቱ ግና ንሰበ-ስልጣኑን ኣባላት ሕቡኣን ሰልፍታቱን ዘውሕስ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ጥራይ ኢዩ በቶም ለኣኽ ቱ ስለዝተዓሰበ ክሳብ ግዚኡ ውሑስ ዘሎ። ንሱ’ውን ስልጣን ክብሕት ዝተፈቕደሉ እናመሰሎ ሓንቲ መዓልቲ ምሕቃቑ ነይተርፎ።

ሃውቲተ! ምስ ኣድሓኖም ምርኻበይ ዝፈጠሮ ዝኽሪ እንታይሲ ዘየሀውትት ኣልይዎ! ሽዑ ንሱ ክነግረኒ ኣይደለየን’ምበር ናብቲ ውግ እ ከምተጸውዐ ኮይኑ ኢዩ ዝተሰማዓኒ። ከምቲ ናይ ኲናት መራሕትና ብኮፎም ባርካና ምስተማረኸት፡ ብዘይፍቓድ ኢሳይያስ መስ ፍን ብመንደፈራ፡ እኒ ጴጥሮስን ካልኦትን በቢዝጠዓሞም ሓጹር ጠጢሕሶም ሃገሮም ዘውሓሱ፡ ኣድሓኖም’ውን ብከምኡ ከምዝመ ጸ መሰለኒ። ሽዑ ኮይነ ንኣድሓኖም’ ክሓስቦ ንወጻኢ ከምልጥ ኢለ ፈጺመ ኣይሓሰብኩን። ኣሸበሸብ እንተዝሓስቦ’ውን ንሱ ህዝቡ ወዳዲቡ ንህግደፍ ጠፋዕ-ጠፋዕ ዘብላ እምበር፡ ኣብ ኢቲዮጲያ ኣትዩ መለስ ብዝሓንጸጸሉ ፖሊሲ ክለምስ ምዃኑ ወይ “ካብዚ ንላ ዕሊ ዝገብሮ የብለይን” ኢሉ ዘቕብጽ ፈጺሙ ኣይምመሰለንን። ግናስ ኩሉ ዘይሓሰበትሉ ኢያ ርእያ ወያ መስኪነይቲ ነብሰይ። ዕጽፍ ታት ናይቲ መስፍን ብሱዳን ምስተቐልቀለ ዝተተስፈወቶ ኢያ መደቡ ምስጠንጠኖ “እንታይ ወረዶ” ኢላ ቃዚና ዝተረፈት።

ፖለቲካና ብከምዚ ዝገለጽኩዎ ኣዝዩ ተመራሲሑ ኣብ ዝነበረሉ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብመሰረት ዘቕረብኩዎ ጥርዓን መጸዋዕ ታ መጺእኒ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ማሕሙድ ሸሪፎ ቀረብኩ። ንሱ ናይታ “ሓይሊ ዕማም” ትበሃል ኮሚተ ሓላፊ ብ ምንባሩ’የ ናብኡ ቀሪበ። ከምዝፍለጥ ኢሳይያስ ንምናልባት ምቛም ሰልፍታት ዘገድድ ኩነት ከይመጽእ ሰጊኡ ብምንባሩ ነቶም ‘ገራ ጫት’ ተጋደልቲ ዘምክነሉ “ምድስካል” ዝብል መበርዓኒ ጥበብ ተባላሒቱ ነበረ። ንሱ ብጉርሑ ማሕሙድ ብገርሁ ምንባሮም ስለዝ ፈልጥ ብዛዕባ ማሕሙድ ክብለኒ ዝተጸበኹዎ እናገመትኩ ክኣቱ ተፈቕደለይ’ሞ ንዝመጸኒ ዜና ድስክልናይ ገለጽኩሉ። ነሱ ደሞዘይ ስለዘይትንከፍ ንድስክልናይ ብጸጋ ክቕበሎ ከእምነኒ ፈተነ። ማሕሙድ ስምዒተይ ኣይተረድኣለይን’ምበር ሽዑስ ኣጽፋርና ከንድድ ዝጀመረ እሳት ንዝምሕሮ ከምዘይብሉ ከይተሰከፍኩ ነጊረዮ ኢየ። ንሱ ግና ወይ ተገሪሁ፡ ወይ ብሓሳቡ ምስቶም ላዕለዎት ፈቲሹ ግዲ ስኢንኒ ክሳማማዕ ጥራይ ነበረ ድርኺቱ። ብልበይ ደም እናነባዕኩ ድማ ተወሳኺ ቃል ሰንደኹሉ። ከምዚ ኢለ፦

“ኣንታ ማሕሙድ፡ እቲ ኣብ በረኻ ሜትሮ ዓለባ ኣንጺፍካ ምሳይ ዝሓደርካ ማሕሙድ መሲልካኒ’ምበር ክሳብ ክንድኡ ካብተፈላለ ናስ’ ቕብጸት ኢዩ’ሞ ኣኸለ” ኢሉዮ ብምብጋሰይ ደጊመ ኮፍ ክብል ብዘይተማሕጸነኒ ኣላህን ዲንን ኣይነበረን። ስራሕ ክረኽበለይን እንደገና ጽዊዑ ከዘራርበንን ንዝኣተወለይ መብጻዓ ከየማልኣለይ ንርእሱ ከሳብ ሎሚ ምሽራቡ ከም ሕማቕ ዕድል እሓዝነሉ።

ምስ ምኽፋት ጋዜጣታትን ‘ምኹራይ’ ላዕለዎት መራሕትን ሓድሽ ነገር ክትርኢ ዝተተስፈወት ነብሰይ ከምሓድሽ ውግእ ዝጀመረ ተ ልእኾ ጽንተት ህግደፍ ስለዝተጋህደን ዝዓንተረን ጥርዝነት ናይቲ ቅብጸት ኣዕናዊ ከምዝኸውን ኣይተጠራጠርኩሉን። ግናስ ሽዑ እቲ ምፍንጫል ኣባላት ናይታ ሽዑ’ውን ከምትህሉ ዝግምታ ስውርቲ ገለ ናብ ሓድሽ መድረኽ እንተበለና ምትስፋውሲ ኣይገደፍኩን። እ ሞ ምስ ገለ ካብቶም ኣብ ዓምዲ ድስክልና ዝተጸንበሩና ድሒሮም ብ’ጉጅለ’ ዝተጸውዑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምጭናው ኣይገደፍኩን።

ሓደ መዓልቲ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ክጓጀም ጀመርኩ። መቸም ሽዕስ ዝፈኾሰን ዝተመቕለለን ኮይኑ’ዩ ጸንሓኒ። ንሱ ሓላፊ ስለያ እ ንኮላይ ጸጥታ ምዃኑ እናዘከርኩ እሰግእ ግዲ ነይረ ብልበይ ንነብሰይ ”ሓቁ ዲዩ” ክብል ተወከስኩዋ። ዓለም ከይትኽዕበናስ ጎነጽ ከ ምዘየድሊ ከውጋዓኒ ምስጀመረ ይሓብኣለይ ከምዝነበረ መሲልኒ ቅጽበት ቅጭ ኣምጻኣለይ። ነታ “ኣብ ፖለቲካ ኣይሰርሕን ኢሉ ጴ ጥሮስ” ትብል ዜና ምስታ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ንኢሳይያስ ዘይምእላዩ ዝመረጽዎ ኣገባብ ቃልሲ ምስቲ ውዱዕ ፖለቲካ ሳልሳይ ዓ ለም ብምንንጻር “ንኢሳይያስ ምእላዩዶ ኣይኮነን ድሕነት ሃገር? ኣመሪካ’ውን’ኮ ንሃገር ዝጎድእ ነገር ከጋጥም መራሒኦም ብዝጠዓሞ ም’ዮም ዝውግኑ” እናበልኩ ንሱ እናፈለጡ ንምንታይ ተሃሚሎም ፈጺሙ ደንጸወኒ። ክሳብ ድማ ኣብ ገጹ መልክዕ ናይታ ክትህሉ ትኽእል ሓዳስ ሕብእቲ ሰልፊ ክፍትሻ ከምዘብሃገኒ ተዂረ እናጠመትኩዎ ኣብ ክንደይ ንሰይ “ዓለም ድላያ ትበል ዘዋጽኣና ምግባር ዶ ኣይመሓሸን” ክብል ኣይሕቶ ኣይርኢቶ ደርጓሕኩሉ። ዝኾነ ዝጨበጥኩዎ ነገር ከይሃለወ ድማ ካብታ ምዕርግቲ ቤት ወጺአ ከድ ኩ። ቤተይ ክሳብ ዝበጽሕ ከኣ ዕላል ቢተው ይደጋግመኒ ነበረ። “ክኣስሩኒ እንድዮም መመሊሰ እእሰር’’ ዝብል ናይቲ ግዜ መደርኡ።

ብዛዕባ ቢተው ካብ ዘከርኩ እንድየ፡ ንሱ መቸም ነቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ መሊቑካ ምውጻእ ኩሉሳዕ ይጥርጥሮ ከምዝነበረ እመስለ ኒ ነበረ። ከምኡ እንተኾይኑ ብወገነይ ሓቁ ኢዩ! ማእሰርቲ ሻዕብያ ዘዝፈለጠ ነቲ “ደፊኦም ወይ ብሰብ ተሓጊዞም ወጺኦም” ዝባሃል ዛንታ ክኣምኖ የጸግሞ ኢዩ። እዚ ወረ ቢተው ንርእሱ ከጋጥሞ ክኢሉ ይኸውን። ግናስ ንሱ ነቲ ብስም መሊቖም ከምዝወጹ ተጠቢ ቡ ዝጽወድ መሸንቆቛ ዝተሃመለሉ ኣይመስልን። ተዘንጊዕሉ እንተዝነብር ነቲ መህደሚ ከጣጥሓሉ ዝተነግረ ምኽሪ በዓል መዚ ጠን ጢኑ ከይሃደመ ዳግማይ ክእሰር ኣይምመረጸን። ተበጊሱ እንተዝነብር ከኣ ድብያ ምጸንሖ እብል ብወገነይሲ። ናይዚ ኣብነት ብዙሕ  ክጥቀስ ይከኣል። ሓደ ክልተ ንምባል ግና ንሰለሙን ወልደማርያም ዝተጻወዳሉ ክልተ መሓንቖታት ከምኣ ከምዝነበራ እዝክር። ቀዳ መይቲ መጻወድያ ኣብ ጀልሃንቲ ኣብ ድብያ ክላሽናት ደርጊማቶ። እታ ካብ ማእሰርቲ ከምዝመሎቐ ተመሲላ ዝተፈነወት ካልኣይቲ ዜና ግና ናይ ሕልፈቱ መወዳእታ ከምዝኾነት ፈሊጥኩማ ትኾኑ። ድሕሪታ ግዜ’ቲኣ እዞም ካብ ማእሰርቲ መሊቖም ዝባሃሉ ምእማ ኖም ዝከኣል ኣይኮነን። ብሓቂ መሊቖም እንተኾይኖም ድማ ከምቶም ቀዳሞት ከምእኒ ድሩዕ ዝኣመሰሉ ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡ ዝ ገበሩዎ ዳግማይ ትውፊት ኣይተራእየን። ስለኡ ንሳቶም ብተምሳል ሃዳምነት ንመንግስቶም ዝዓዩ ኣካል ስዉራን ሰልፍታት ምዃኖም ዝኣምን ኣይወሓደን። ብዙሕ ክብል እናከኣልኩ እንተኾነስ ናብ ልበይ ድኣ ተመለስኩ’ሞ ጽርግያ በቲኸ ንቃኘወይ ድማ መረሽኩ።

ኣራግጻይ እናኣቀላጥፍኩን ደድሕረይ መልኣከ-ሞት እስዕበኒ ከምዝነበረ መመሊሰ ንድሕሪ እናጠመትኩን ገዛይ በጻሕኩዋ። ቤተይ   ብቃና በዓልቲ ቤት ብድሓን ምምላሰይ እናኣሐጎሳ ግን ድማ ክንድኡ ብምምሳየይ ከምዘይግባእ ከምዝገንሓትኒ ተሰማዓኒ። ኣብቲ ካ ሕዳይ ግዜን እዋን እቶ-እቶን ክንድኡ ከምሲ ኣይነበረንን። ካብ ንቡር ወጻኢ ጎረሮይ ንጽሩይ ማይ’ውን ዘዝሩቕ ቀዳድ ኣይነበሮን። ኣብ ዓራተይ ተጋዲመ ከብቅዕ ድማ ኣዒንተይ ወይከ ሰለም!

በቲ መስኮት ገዛይ ንዝሓልፋ መካይን ክስከፈለን ጀመርኩ። ድሒረ ክሰምዖ’ውን ድሕሪ ማእሰርቲ ጉጅለ ሓለፍቲ ገዛይ ክልተ ሳዕ ከምዝተበጽሐት ሰሚዐዩ ነበርኩ። ግደፍ ሽዑ ብውዑዩ ነብሰይ ብቐደማ’ውን ኣብ ከምኡ ከውታ ከም ተሓናቒ ከልቢ ተተወጢጣ ክትዕፈን ዕድሎታ ካብዝኸውን መዓስ ውሒዱዋ። ሽዑ’ውን እቶም እሙናት ቀየድቲ ሰብ ብሓበሬታ ሓሽላዃት ኣባላት ሕብእቲ ሰ ልፎም ብዝተፈብረኸ ውዲት ክሓንቁኒ ሕጋውነት’ኳ ኣንተዘይንበሮም መን ከይከልኦምን ከይማጎቶምን?

ትሮፍ! ናይታ መዓልቲ’ቲኣ ምስቲ በዓል ስልጣን ምርኻበይ ብኻ ተረፈትኒ። ቅጽበት’ውን ወያ ንሜዳ ዝተሰለፍኩላ መዓልቲ ተዘከረ ትኒ። እታ ዕለት’ቲኣ “ኣቸናፊ ከበደ” ዝተባህለ ተጻባኢ ይሃድነኒ ምንባሩ ኣጸቢቐ ካብ ዝዝክሮ ታሪኸይ ነበረ። ኣብ ከባቢ እሰሮ፡ ሕ ፈሶኸ መን ዝበሃል ወዲ ከበደ ኮን ይስዕበኒ ይነብር? ነብሰይ ብኣስማታ ሓደ ወዲ ከበደ ዝተባህለ ህርኩት ሃዳኒ ሰብ ከምዝዕምጻ ገ መተት። እቶም ኣብታ ቶዮታ ዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም ዝመጹ ድፉናት ካብታ መኪናኦም ዘለግ-ዘለግ ኢሎም ክወርዱ ተራእዩኒ። በታ ግዜ’ቲኣስ በሉ ከመይ ኢሉ ከምዝኾነ ከይፈለጥኩዎ ዕላል ሰበይቲ ተኽላይ ዓደን ዝነበረት ተጋዳሊት ዝፋን ኣፈወርቂካ ተዘከረኒ። ንሳ ብመስዋእቲ ትሕለፍ’ምበር “እቶም ድጓና ተጋደልቲ ኣይኮኑን” ክትብል ዘዕለለትኒ ዛንታ ቃንዛኣ ንመዋእለይ ኣይክርስዖን ኢየ።

ድንገት ካብ ዝተጋደምኩሉ ዓራተይ ወሪደ ብፍጹም ጥንቃቐ ክውደን ንማእሰርቲ ዝሕሸኒ ክዳን መሪጸ ተኸደንኩ። ሳእነይ ከምዘው ጽእዎ እናፈለጥኩ ድማ ኣዲዳስ ጫማይ ለቢሰ ከረው ኣቢለ ኣሰርኩዎ። ዋላ እንተነፊጸ ዘተኣማምነኒ ኣተኣሳስራ። እንተኾነስ ጥንቃ ቐ ካብ እንታይ? ከምቲ ናይ እኒ ኣባዓረ ሽኹልል- ዕኹልል ኣቢሎም ኣብታ ማኪና ከይስንድዉኒ? ምናልባት ከምቲ ገሊኦም ዝገበር ዎ ከየእዊ’ሎም ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽረኒ ኣፈይ ገለ ኣእትዮም ከይስጉዱኒ? ወይ ገለ ነፍዮም ከየዕወንዉኑኒ? እንድዒ!

እወ እንድዒ! ተንሲአ በቲ ንምዕራብ ዝርኢ መስኮት ከፊተ ኣብ ሳሎነይ ተቐመጥኩ። እሞ መቐረት ኤርትራውነት ከምሓድሽ ክላለዮ በሃግኩ። ኤርትራዊ ምዃን ከምቲ ካልእ ሰብ ጥራይ ዲዩ? ብሓቂ ኤርትራውያን ክሳብ ክንድዚ ዕዩናት ዲና? ኢሳይያስ ጉቦን ስልጣንን ከምዘዕበድብደና ክምድረሉ ሰሚዐ ዝተሓሰምኩዎ ጸለመ ክርዕሞ ደለኹ። ብላሽ ታሕሪር!

ብላሽ እወ። ክሳብ ሽዑን ንምሉእ ዕምረይን ሳእነይ ዝፍታሕ፡ ልበይ’ውን ዝረግእ ኣይመሰለንን። ሳላ ውዲት ስውርቲ ሰልፍን ኣጓብዝ ኢደበይዛ ህግደፍን ከመይከ ክቕሰን! ንሳቶም ብቀሊል መቑሹሽን ዝናን ኣብቲ ብንጉህኡ መንነትና ክብርቁቑ ዝተለመ ፖለቲካ ተሰሊፎ ም ብደም ዝጠልቀዩ ገበነኛታት’ዮም። እሞኸ ንሕናስ ንኺደሎም፡ ጽንት ንበለሎም። ንሳቶምከ ብፍብሩኽ መንነት ብድሕሬና ይጥዕሞ ምዶ? ተመሊስካ ትረድኦስ ጎዲፍካዮ ኣይትኺድ!!

ቅድውቲ ዓመት ትኹነልና!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • mm January 7, 2016

    AMAZING. THANK YOU GODEFA.

  • k.tewolde January 8, 2016

    There you have it folks.First hand accounts form innocent combatants of life in an organization that was invented by a hired hand to destroy the Eritrean social fabric one thread at time.It is a culture of tyranny since it’s inception, it silenced ,maimed,murdered, terrorized,raped… it’s way to “liberation”,and still continues it’s relentless mission to annihilation.The irony is,there are so many people willing to take that final lethal dose of wine with him.It is a cult.Thanks Godefa.

  • Chrysostom January 9, 2016

    Awet ndeleyti fthi ymne abzi amet ezi

Post a Reply to mm Cancel Reply