Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪታትና እንኪጻወተልና

ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ ተቐቲሉ። ኣብ ምዝታይን ምርድዳእን ዚተመስረተ ሓድነትን ድሕነትን ተሓኤ ንምርግጋጽ ተሓሊኑ፡ራሳይ፡ ብመቕተልትን ማእሰርትን ተደምዲሙ። ተሓኤ፡ ከም’ቲ ክሳብ ሽዑ ንፈልጣ ከኣ ኣብ ራሳይ ወግዓዊ ሞት ሞይታ ኣብኡ ተቐቢራ።  እቲ

ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ ተቐቲሉ። ኣብ ምዝታይን ምርድዳእን ዚተመስረተ ሓድነትን ድሕነትን ተሓኤ ንምርግጋጽ ተሓሊኑ፡ራሳይ፡ ብመቕተልትን ማእሰርትን ተደምዲሙ። ተሓኤ፡ ከም’ቲ ክሳብ ሽዑ ንፈልጣ ከኣ ኣብ ራሳይ ወግዓዊ ሞት ሞይታ ኣብኡ ተቐቢራ።  እቲ መልኣከ እንኪቕተል ገለ 150 ሜትሮ ካብ’ቲ ቦታ ቕትለት ርሒቐ  ኣብኡ ነቢረ። ክልኢታት ድሕሪ ተዅሲ ካብ’ታ ዝነበርኩዋ ኣጕዶ ወጺእ ነቲ ኣብ ማዕዶይ ዚኸውን ዚነበረ ተመልኪተ። ገለ ተጋደልቲ ላዕልን ታሕትን ኪብሉን ሓንቲ መኪናን ከም ዝረኣኹ እዝክር።  ናብ’ቲ  መልኣከ ዚተቐትሎ ከይደ ከኣ ኣብ ሓንቲ ኣጕዶ ጂንስ ዚለበሰ መልኣኸ ብዘይካ ሽዳኡን ቀሚሱን ኣብ ንእድኒ መሰል ወይ ዓራት በጥ ኢሉ ርእየ። ኣብየናይ ሸነኽ ኣካሉ ከም ዝተወግኣ ርእየ’ዶ ኣይረኣኹን ኣይዝክርን። ብድሕሪ’ዚ ኵሉ ነናብ ኣጕዶኡ ኪኣቱን ክሳብ ተወሳኺ መምርሒ ከኣ ኣብ ኣጕዶኡ ኪጸንሕን ክንገረና እዝክር። መልኣከ ከመይ ተቐቢሩ፡ መን ቀቢርዎ፡ መዓስ ተቐቢሩ ኣይዝከረንን ሕጂ። ነቲ መቓብር ክንበጽሕ ኬድና ክብሮም መሓሪ ስእሊ ናይ’ቲ መቓብር ኪወስድ ግን ይዝከረኒ። ማሕሙድ ሓሰብ ኣብ’ቲ ቦታ መቕተልቲ ከም ዝነበረን ንስዒድ ሳልሕ ከኣ ብኣካል ዚኣሰሮ ንሱ ምዃኑን ድማ ድሓር ኣብ ዕላል ሰሚዐ። ብዛዕባ’ታ መዓልቲ እቲኣ ዝዝከረኒ እዚ ጥራሕ እዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ክጽሕፍ ሓሲበ ከኣ ብኣካል ናብ’ቲ ፍጻመ ዚቐረቡ ካብ ዝነበሩ፡ ክሳብ’ውን ብላኼማ ዚተወግኡ፡ ብዛዕባ ደቓይቕ‘ቲ ፍጻሜ ሓተትኩ።  ተኽለ መለኪን ንባዕሉ ኣብ’ቲ መስርሕ ዚተወግአ፡ ምስኡ ምስ ዚነበሩ ተዛሪቡ’ስ፡ ሽሕ’ኳ እቲ ኣገላልጻ ሕመረት’ቲ ፍጻሜ ሓደ እንተኾነ፡ ኣብ ደቂቓቱ ግን ካብ’ቲ ንሱ ዚረኣዮ  ዚፍለዩን ኣብ ሕድሕዶም ዚፈላለዩን  ገለጻ ፍጻሜ ከም ዚሰምዐ ሓቢሩኒ። እምበኣር እቲ ብ25 መጋቢት ኣብ ራሳይ ዚኾነ ሓደ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ፍጻሜታት ኣብ ጀብሃ እዩ። እቲ ስዉእ እውን፡ መልኣከ ተኽለ፡ ኣባል’ቲ ዚለዓለ መሪሕነትን፡ ዘየካትዕ ጅግናን ውፉይን ገዲምን ተጋዳላይ ነበረ’ሞ ዝርዝራት እቲ ፍጻሜ ኣብ ሓንጎል’ቶም ብቐረባ ዝረኣእዩ  ተሓቲሙ ንወርትግ ኪነብር ይግብኦ ነበረ ቢለ እሓስብ። እንተኾነ ኣይኮነን። ንምዃኑ ስለ ምንታይ ንርስዕ ወይ ከኣ ብጌጋ ንዝክር?

ፈለማ፡ ሰባት፡ ንሓደ ፍጻሜ በብዓይናቶምን ብክርእይዎ ዝደለዪዎን ይርእዩ’ሞ ንዕኡ ድማ ከም ሓቂ ኣብ ኣእምርኦም ይሓትምዎ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ንሓደ ተዋስኦ ወይ መጽሓፍ በብመገድና ንትርጕሞምን ዝተፈላለዩ ስምዒታት ድማ ዘሕድሩልናን። ስለምንታይ ነዚ ንርኢ ነቲ ኣይንርእን? ስለምንታይ’ከ ንዘይነበረ ንርኢን ንዝክርን? ኣብ ክንዲ ተቐዳዲምና ኵስቶ ሓሳዊ እዩ፡ ኵስቶ ሓቀኛ እዩ ቢልና ኣብ ህዉኽ ቅድመፍርዲ ምእታው ነቲ መስርሕ ኣዘኻኽራ  ኣዕሚቝና ክንምርምሮ ይግብኣና።

ዝኽርናን መስርሕ ኣዘኻኽራናን ናይ ገዛእ ርእሶም ስነሞገት ይኽተሉ። ዝኽርታትና ድማ ግድን ዘተኣማምኑ ምንጪ ሓበሬታ እዮም ኢልና ክንምሕለሎም ኣይግብኣና ን። ዝኽሪ ሓበሬታታት ክንክዝንን ኣብ ዝደለናዮ እዋን ከኣ ከነቃልዖም፡ ማለት- ክንዝክሮም ናይ ምኽኣል ክእለት እዩ። ስነፍልጠት መትንታትና (neurology) ዚተፈላለዩ ዓይነታት ዝካሬታት ይትንትን።

ኣዋጃዊ ዝኽሪ (declarative memory) ብንጹር ዚዝከርን ብቃላት ከኣ ኪግለጽን መደምደታ ከኣ ኪስርሓሉን  ዝኽእል ዓይነት ዝኽሪ እዩ። እዚ ዝኽሪ ዚ ቃላውን ፍጻሜኣውን ዝኽሪ እዩ። ሽሕ’ኳ ነቲ ብንጹር እንዝክሮ ፍሉይ ፍጻሜ ከም ሳልሳይ ሰብ እንተተመኵርናዮ ጭቡጥ ወድዓዊ ሓቂ እዩ እውን ክንብል ኣይንኽእል ምስ በዓል ቤታዊ ኣረኣእያና ተኣሳሲሩ፡ ብኡኡ ተተርጕሙ ኣብ ዝካሬና ካልእ ስእሊ ኪፈጥር ስለዝኽእል።

ኣሜሪካዊ ስነኣእምሮኣዊ ዳንኤል ሻክተር፡ ሸውዓተ ሓጢኣታት ዝኽሪ ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ ንምርሳዕን፡ ጌጋ ምዝካርን፡ ክትርስዕ ዘይምኽኣልን ኢሉ ናብ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኸፍሎም።

ቀዳማይ፣ ጊዝያውነት ዝካሬ – ኣብ ኣእምሮ ዚተኸዘዘ ኵሉ ኣብ ጊዜ ይሃስስ፡ ይቈራረጽ ክሳብ እውን ንመጠረስትኡ ፈጺሙ  ይድምሰስ።  ጊዜ ንዘየእርጎን ዘይቀትሎን ነገር የብሉን ኣንተላይ ንዝኽርታትና። ንነዊሕ ዝተኸዘኑ ዝኽሪታት ዝርዝራቶም ንኽትዝክሮም ኣጸጋሚ እዩ ኵላትና ንፈልጦ። ዝኽርታት ይሃሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ዕድመ ክእለተ ዝካሬና እንዳተዳኸመ ከም ዝይኸይድ  ሓሙሳ ዚረገጸ ኵሉ ድሮ ተገንዚቡዎ ከም ዘሎ እፈልጥ።  ድሕሪ 30 ዓመታት ክሳብ ክንደይ ክንዝርክር ንኽእል? ኣእምሮና ብዘይ ምቍራጽ ሓበሬታት ስለዚእክብ ኣብ ጊዜ ኣብ ሰለዳ ዝካሬኡ ኣብ ዘቐምጦም ሓበሬታታት መራጺን ኣብ ዝርዝራቶም ከኣ ቈጣብን  እንዳኾነ ይኸይድ እሞ ንትሕዝቶ ዝካሬና ብዘይካ ንቑሕ ተሳትፎና ይቕይሮም። ኣረጎውቶት ከኣ ካብ ንኣሉታዊ ንኣዎንታዊ  ፍጻሜታት ዝያዳ ከም ዝዝክሩ ብመጽናዕቲ ተረጋገጊጹ ኣሎ። ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ዝተኣሳሰሩ ዝካሬታት ከኣ ባህረት ነፍሰምክልኻልናን ስረትናን  ባዕሉ ይድምስሶም እዩ።

ካልኣይ፣ ዘረዋ ዝኽሪ፡ መንፈሳዊ ብኵራት – እዚ እቲ  ንሓበሬታት ብምልኣትን ቅንዑነትን ከም ዘይንኽዝን ዚገብረና ኣእምሮኣዊ ኵነት እዩ። መፍትሕ መኪና ኣበይ ከም ዘቐመጥናዮ ኣይንፈልጥን በብመዓልቱ ዘጓንፈና ዓይነት ምርሳዕ እዩ። እዚ፡ ብጊዝያውን(ጭንቀት፡ ጸቕጢ …) ዘላቕን (ሕማማት)ጠንቅታት ኣተኵሮና ተዘሪዉ ኣብ ሔዚን ኣብ’ቲ ብጭቡጥ እንገብሮን ከነተኵር ዘይምኽኣል እዩ።

ሳልሳይ፣ ምዕጋት ሓበሬታ – ንሓደ ፍጻሜ  ወይ ዝኾነ ባእታ ዝኽሪ፡ ኣብ ብቐሊሉ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ቦታ ከም  ምኽዛን እዩ። እዚ እቲ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ጫፍ መልሓሰይ ኣላ ከውጻ ጥራሕ ኣይከኣልኩን ንብለሉ ኵነት’ዩ። እቲ ውድዒ ዝኽሪ ሓደ ፍጻሜ እንተኾነ ድሮ ኣንጻሩ ኣቛም ስለዝሓዝና፣ ስም ሰብ እንተኾነ ከኣ ነቲ ሰብ ስለ  ዘይንፈትዎ፣ ዝኻሬና ነቲ ሓበሬታ ፍጹም ኪዓግቶን ወይ ከኣ ኣብ ብቐሊሉ ዘይንረኽቦ ኵርናዕ ሓንጎልና ክንድርብዮን ይኽእል።

ኣብ መስርሕ ምርሳዕ፡  ፈለማ፡ ግጉይ ምጥንቋር ሓበሬታን ምንጩን (wrong labelling) ይመጽእ። ኣብ ካልእ ኵነታት ዝረኣናዮ ሰብ እቲ ካልእ መዓልቲ ኣብ ካልእ ኵነታት ዝረኣናዮ ሰብ ኴይኑ ክስምዓና ይኽእል። ክሳብ እውን ኣብ ሕልምናን ፋንጣዝያናን ዝረኣኻዮ ከም  ክዉን ዝኽሪ ኣብ ኣእምሮና ኪኽዘን ይኽእል። እቲ ኣብ መስርሕ ምርሳዕ ቀንዲ ሃሳዪ ምርሳዕ ዘይኮነስ ንዓርሱ  ንዘይኮነ  ፍጻሜ ከም  ዝኾነ ምዝካር እዩ። እዚ ተረክቦ’ዚ ምስ ምውሳኽ ዕድመ እንዳገነነ ዚኸይድ እዩ። ካልኣይ ዓይነት ናይ’ዚ ምርሳዕ’ዚ፡ ማለት ዘይነበረ ምዝካር፡ ክሳብ ናብ ምሕጻብ ሓንጎል ዚበጽሕ ብወጻእተኛዊ ኣመተታት (outside suggestions) ዚስራሕ ፈጠራዊ ዝኽሪ እዩ። ምሩጻት ሕቶታት፡ ጽዑቕ ኣመተታት ጉጉይ ዝኽሪ ይፈጥሩ እዮም። ነዚ ሜላ’ዚ መርመርቲ ፖሊስ ንዘይገበነኛ ገበነኛ ኪገብሩ ይጥቀምሉ። ንዘይወዓሉዎ ገበን ውዒልናዮ ኢሎም ኣንጻር ነፍሳቶም ዚምክሩ ክሱሳት ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ሳልሳይ ዓይነት ግጉይ ዝኽሪ ካብ ቅድመ ፍርዳዊ ምጥምዛዝ ሓበሬታ ይመጽእ። እዚ ካብ ሔዚኣዊ ሓበሬታ ተበጊስካ ንሕሉፍ ዝካሬ ምቕያርn ምስ ሔዚኣዊ ኵነታት ከም ዚሰማማዕ  ምግባሩን እዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ ንታሪኽ ደጊምካ  ንዓኻ (ንኣነነትካን ካልኦት ጥቕምታትካን)  ከም ዝሰማማዕን ዘገልግልን ገቢርካ ዳግመ ምጽሓፋ እዩ። ነፍሲ ወከፍና፡ ነቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበርናሉ ሕሉፍ ድራማ ንዝክሮ ኢና። ኣነነትና ግን ከም ሓደ ፍጹም ዲክታቶር ይለዓል እሞ፡ ኣብ ዝካሬና፡ ንነፍስና ከም’ቲ ኪትረኣዮ ንደልዮ ደጊምና ክንደርሳ ይቕስበና። ምርሳዕን ምዝካርን ምስ ውልቀ ጠባይና ብጸቢብ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ብዛዕባ ነፍሳትና እንክንዝክር ከኣ ካብ ዝሁምን ጭቡጥን ሓበሬታ ብዛዕባትናና፡ ነቲ ባዕላትና ብዛዕባትና ዝጸወናዮን ዝሰናዕናዮን ኣነነትና ንዝክር። ኣነነታዊ ምጥምዛዝ ዝኽሪ፡ ግጉይ ዝኽሪ፡  ምስ ዕድሜኣዊ  ምዕባይ ነፍሲ ወከፍና እውን ዝተሓሓዝ እዩ። እቲ  ገፋፍ ዓሳ ሓንቲ መዓልቲ ዝገፈፎ ዓሳ በብዓመቱ እንዳገዘፈ ከም ዝኸይድ ኵላትና ንፈልጥ። ካብ’ቲ ወድዕታት ዝኽርታትና ዝተፈጸምሉ ማሕበራዊ ኣከባቢ ምርሓቕ እውን ንምጥምዛዝ ሓበሬታት ዘተባብዕ ይመስል። ዝብኢ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ ምባሉ ኣብ ጻልጣ መሬት ከምዝቕመጥ ስለዝረስዖ ኣይመስለንን።

ምርሳዕ ሕማቕ’ዩ። ብጌጋ ምዝካር ካብኡ ይኸፍእ። እቲ ዚኸፍአ ግን ክትርስዕ ዘይምኽኣል እዩ። ዘይሕለል ዝካሬ (permanent memory) ይበሃል። ዝካሬታት ውግእን ቅትለትን፡ ኣብ ሓደ ዝወረደ ጭካኔን ስቅያትን (ማህረምቲ፡ ስእነት ድቃስ፡ ለይታዊ ምርመራታት፡ ምዅናን ሓበሬታ፡ ናይ ሓሶት ቅትለት … )፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ስጋዊ ዓመጻ ካብ መንፈስ ዘይሕከኹ ዝካሬታት እዮም። ደጊሞም ደጋጊሞም ከኣ ብንቁሓትናን ኣብ ሕልምናን ከም ሓጸርቲ ዝኽርታት (flashbachs) ይመላለሱና።  ምኽንያትት ጽዑቕ ነፍሳዊ ፍርሕን ጽቕጠትን ድቃስ ኣልቦነት ከኣ እዮም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ተጋደልቲ ህግሓኤ/ህግደፍን ነበር ዝካሬታቶም ክድርጉሕልናን ክእምቱልናን ጀሚሮም ኪተባባዕ ዚግብኦ ዓቢዪ ቁም ነገር እዩ። እንተኾነ ፍጻሜታት ብዝተፈላለዩ ዝርዝራትን መደምደምታታትን ይቐርቡሞ ኣንባቢ/ሰማዒ  መንኦም ሓቀኛ ይደናገር። ብጻይ ተስፋይ ተምኖ ድዩ ሓቂ ዝተዛረበ’ስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም? ኢሉ ይጭነጭ።

ናይ ክልቲኦም ዝካሬታት ኣብ ጊዜ ከም ገለ ሃሲሶም ክኾኑ ይኽእሉ። ካብ ፈለምኡ፡ ክልቲኣቶም፡ ብቦታ መጠመቲኦምን ጥቕሞምን(ብክጥምትዎ ዝመረጽዎ) ዝተተንኴየ ሓበረታ ከዚኖም ይነብሩ። እሞ’ዚ ሓበሬታ’ዚ  እቲ ሔዚ ብንጽህና ዝዝክርዎ ‘ሓቀኛ’ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል።

ክልቲኣቶም ነቶም ዘኻትዑ ዝርዝራት ፍጻሜታት ብልክዕ ዝዝክሩ እንተኾኑ’ኸ? ከም’ዚ እንተዄይኑ ሓዲኦም ንድሕሪት ተመሊሱ ንፍጻሜታት ኮነ ኢሉ ንዝሓለፉ ኣቛማቱን ሔዛዊ ጥቕሙን ብዘገልግሉ መልክዕ ጠምዚዙዎም ኣሎ ማለት ኪኸውን እዩ። መንኦም’ዩ ግን እቲ ሓቐኛ?

ካብ’ቲ ምሉእ ሰነሞገታዊ ኣቀራርባን መደምደምታን ጭብጥታት እቲ ሓቐኛ  ኪኸውን ዝኽእል ክንግምት ንኽእል። ኣጠቓቕማ ቋንቋ’ውን ብዛዕባ ቅኑዕነትን ሓሶትን ሓበሬታ ክእምተልና ይኽእል። እቲ ሓባሪ’ኸ በዓል ርጡብ ጠባይን ዝእመንን ድዩ? ቅድመ ፍርዲ’ኸ ኣሎዎ ድዩ? ኣብ ምጽጣሕ ሓበሬታታት ’ከኣ እንታይ ረብሓ ኣሎዎ? ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል’ውን ንሓቕነትን ሓሶትን ሓበሬታ ከነጽሩልና ይኽእሉ። እቲ ዝበለጸን ዝተኣምነን መረጋገጺ ሓቅነት ጭብጥታት ግን ካልኦት ኣብ’ቲ ዚተባህለ ፍጻሜ  ዓይነ ምስክራዊ ገለጻ ምስዝህቡ ጥራሕ እዩ። ኣብ ህግሓኤ/ህግደፍ ሓቂ ዓሚቝ እያ ተቐቢራ።  ነፍሲ ወከፍ ኣባል ነበር ከኣ፡ ሓቅነት ብርሃን መዓልቲ ኪትርኢ ዓሚቝ ኪፍሕትር ንጽበ።

ሓቂ ትንገስ!

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

29.07.2013

ጀርመን

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Facts-ain't-Pretenders! July 30, 2013

    Dear Ato Daniel S. Tesfai,
    Another excruciatingly briliiant writing that is nested in a philosophical analytical narration to the most painful history of Gedli and the way Eritreans (in particular) comprehend or want to comprehend of the most intricated Gedli history.

    I just wish that
    (a) you Ato Daniel with this amazing penetrative mind & higher elevation of writing, expressing gift, would have ended up in America instead of Germany, as you could have even extracted your amazing individual mental power at the institutions of the likes of Harvard, MIT, Stanford, UC Berkeley, Oxford….where not. too sad how wasted our minds have become.

    b) I just wish that you also instead think about writing a Tigrina German English Dictionary for future generation of Eritreans as their futre is bleak in even reading their own and so leaving something critical that will remember your contribution of Gedli & individual legacy. You have too much in your brain that benefits the young who are thirsty of knowledge. Your beautiful writings remind me of our Addis kids hero the Ethiopian -oromai- author BeAlu Girma who met the fate of all those youngsters before him.

    May God give you long healthy life, inner peace, and more rich mental power.
    keep up the beautiful writing!

    • Romay July 30, 2013

      What kind of dictionary? Are you out of mind? With his poor Tgrgna dialect “HIZI”. Who would buy his dictionary?

      • Asmerom July 30, 2013

        Romai, what a waste of oxygen you are. Before you dare to criticize Daniel’s knowledge of language, i suggest you read a book or two.I am sure you will laugh at your ignorance and learn a little. “Hizi” is the original Geez word for “hiji”. Daniel’s knowledge of language is way above your level of comprehension.

      • samuel July 31, 2013

        ሰላም ‘ዚ ሓወይ!
        ንካልኣይ ግዜኻ፡ ንጽሑፍ ዳንኤል ንኣወዳድቓ ቃላት ከተቋናጽቦ ይዕዘበካ ኣሎኹ። ምናልባት ካልኦት እውን፡ ይዕዘቡኻ ይህልዉ። ብመሰረቱ፡ ዳንኤል ካብ’ቲ ቦርቢርካ ዘይውዳእ ለዛ መልሓስ ትግርኛ ንሓንቲ እዩ ኣርኢዩካ። ንቋንቋ ትግርኛ ከም ዘይትፈልጦ፡ ምናልባት እውን፡ መዕበዪኻ፡ ሹቕ ስለ ዝኾነ፡ ምናልባት እውን፡ ዓሌታዊ ስለ ዝኾንካ፡ ምናልባት እውን፡ ካብ’ቲ ጽሑፍ ዳንኤል ክትመሃር ዘይምድላይካ፡ ወይ ከኣ፡ ብሱሩ፡ ቅልውላው መንነት ዘጥቅዓካ ዘመናዊ ኤርትራዊ ብዓል ቋንቋ ጽርግያ ትኸውን። ንውሽጥኻ ተመለስ። ንነብስኻ መርምር። ስኩኒስ ወይ ከኣ፡ ወዲኒ ኣይትኹነልና።
        ብዝተረፈ፡ ሓው ዳንኤል፡ ጽሑፍካ ጥዑም፡ ትሕዝቶኡ መሃሪ እዩ። ኣኃዱ ኣምላኽ ጽንዓትን ሓቦን ኣይኽላካ።
        ሰላም

      • hawika July 31, 2013

        certain places in eritrea have same dialect as the agames. i hope that answer your Q

        • Elsa July 31, 2013

          Dear Hawka,
          Certain places in America have the same dialect as the British. I hope you got my message.

          Haftka Elsa

      • Mussie July 31, 2013

        @Romay:
        Just remember that Motzart’s Symphony is not for ALL!
        Otherwise, I believe this person is one of the annointed few who put Tigrigna in-par with other world languages in d

      • Mussie July 31, 2013

        @Romay:
        Just remember that Motzart’s Symphony is not for ALL!
        Otherwise, I believe this person is one of the annointed few who put Tigrigna at par with other modern world languages in describing the 21st century’s lofty concepts with such an exquisite elegance, and yet fully understandable way.
        May we (your admirers) be blessed with the gift of your long, healthy and prodctive years ahead!
        Eagerly awaiting your next piece of art!

    • romay July 31, 2013

      ጠበቓታት ኣስመሮምን ሳሚኤልን፡

      ኣነ ዝበልኩሲ፡ ጽሬት ትግርኛ ኣይተ ዳኒኤል ንመዛረቢ’ምበር ንመጽሓፍ ወይ ዲክሸነሪ ንምሕታም ኣይበውዕን’ዩ። ከምዚ ክብል ከለኹ ድማ ናይ ምዝራብን ናይ ምጽሓፍን መሰለይ ተጠቒመ ኢየ። ከምዚ ዝሪኦ ዘሎኹ ግን ኣብ ዓዲ ህግደፍ ምዝራብን ምጽሓፍን ነፊጉና። ኣብ ደገ ድማ ከማኻትኩም ሓደ ክልተ ፍጮታት ሓሳባትና ከይንገልጽ በትርኹም ተዋጣውጡልና ኣለኹም’ሞ ምሕረት ይኣዝዘልኩም።

      • samuel July 31, 2013

        ሓወይ፡ ብዓል ፍጮ!
        ሓሳብካ ምግላጽ ‘ምበኣር ከም’ዚያ ‘ያ!?
        ትግርኛ ዳንኤል ዘይዓጀበካ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብድፉኑ ዘይኮነስ፡ ዝርዝር ኣቢልካ ከተረድኣና ምፈተንካ። ንስኻ ግና፡ ጽልኢ ዘለካ ክትመስል፡ ኩሉ ሓይልኻ ኣብ ምቁንጻብ ከተውዕሎ ምዕዛብ፡ ዘስገድግድ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ስለ ምንታይ ኢኻ፡ ኣብ ትሕዝቶ ጽሑፍ-ዳንኤል ዘይተቃልብ?
        ሰላም

      • ghenet July 31, 2013

        Romay,
        what linguistic standards are you using to say ‘aibekin’?
        all languages and dialects are equal and good enough as long as they express the speaker’s/writer’s messege. A speaker/writer has listeners/readers in mind they should have the knowledge and linguistic proficiency enough to understand him/her or to level up to him/her. NO one can say this language/dialect is good or bad but we can say this language can develop more to express evolving idea and concepts.

  • Facts-ain't-Pretenders! July 30, 2013

    IMHO (In my humble opinion)the interpretation may be off on this one:
    “ዘይሕለል ዝካሬ (permanent memory) ይበሃል ”

    Permanent memory is something that is static, dormant, traumatized in forms & contents as ዘይሕለል ዝካሬ on the other hand is due to the strong characteristics nature of the word “ዘይሕለል” , its naturalistic forms and drives are very dynamic in contents.

    so I’d say ዘይሕለል ዝካሬ (driven=zealot=restless memory)

    just my 2 cents! 🙂

  • Kombishtato July 30, 2013

    ግሩምን እጹቡን ኣወዳድቓ ቓላት፣ ወሓዚ ጽሑፍን ሃናጺ ርኢቶን ።

  • ባሻይ July 31, 2013

    ሓው ዳኒኤል የቀንየልና ኣብ ዓሚቑን፡ ርሑቅን ተዘኽሮታት የእቲካና። መስዋኣቲ ብጻይና መልኣከ ተኽለ 31 ዓመታት የሕሊፉሎ። እታ ናብ ራሳይ ዝተበገሰላ ረፍዲ፡ ኣብ ምምሕዳር ብርጌድ 44 ዝነበረቶ ሓዲሩ፡ ገለ ብጾት ካብ ኣባላትና፡ ንራሳይ ምኻድ ናቱ ቁኑም ከምዘይኮነ ኣሚተምሉ ንከይከይድ ኣውን ተማሕጺኖሞ። መልኣከ ግና ፈሪሑ ንከይበሃል ድዩ ሰጊኡ ዋላስ ካልእ መደብ ኔርዎ፡ ሽጉጠይ ክሳደይ ረጊጾም ጥራይ እዮም ዝወስድዋ፡ ከም ዝበለ ናይ ሽዑ ኣዋን ብጾትና ከዘንትዉ ይዝከረኒ ኣብ ታህዳይ ኮሎና። ብዛዕባ ምርሳዕ ዝበልካዮ ግና። ኣነ’ኳ ኣብ ራሳይ ኣይነበርኩን ካብቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ዘዕለሉና ከይተረፈ ብምሉኡ ተረሲዑስ ተድምሲሱ ካብ ኣእሙሮና። ብሓቂ የሕዝን። የግዳስ ዳግመ ርክብ ናይ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ነበር ኣብ ኣትላንታ ብሓቂ ነዚ እናሃሰሰ ዝከይድ ዘሎ ታሪኽ ቃልስና እንደገና በርቢሮም ከሔድሱና ተስፋ ይገብር። መሓሪ ተኽለ ባሻይ ሳንፍራንሲስኮ ስመርርርርርርርርርርርርርርርርርር

  • Kidan21 July 31, 2013

    I am inviting you to tell us what happened in ELF, how things went wrong? Why Melake killed? who was behind the atrocities? could you please share us your experience? we would like to learn more? This is history we need to learn from the past. some people are trying to use it for their personal gain rather than passing history, I am sure Tesfay Temnwo taught us what was happening in EPLF. he is a great man and orator. You could pass what you know even if it is not sure say that I am not sure but I heard this and that. stress on what you know.

  • maluque July 31, 2013

    i want know what was the stand of melake tekle in the ”jebha-sha’ebia” reconciliation attempts? and i wander people like Mahmud Haseb after assassinating melake were living in Kassala. though at last mahmud Hasseb was also killed there. but i was wandering how come some body who killed people like melake with that great charisma were breathing

  • Ghenet July 31, 2013

    Dear Daniel.
    What a great coherent text! It is reflects an objective way of looking at the past. But I have one serious question for you. You wrote
    እቲ ስዉእ እውን፡ መልኣከ ተኽለ፡ ኣባል’ቲ ዚለዓለ መሪሕነትን፡ ዘየካትዕ ጅግናን ውፉይን ገዲምን ተጋዳላይ ነበረ’ሞ ዝርዝራት እቲ ፍጻሜ ኣብ ሓንጎል’ቶም ብቐረባ ዝረኣእዩ ተሓቲሙ ንወርትግ ኪነብር ይግብኦ ነበረ ቢለ እሓስብ።
    Why do you want to seal what happened to a great and brave Tegadalay? Because he was killed by another tegadalay? Would you still want it to be sealed if he had been killed by Ethiopian soldiers? Don’t you think Melake deserves justice? Don’t you think that Eritrean people deserve to know what happened to their children and how they died?
    I believe that learning more about the past would help us understand the present and how to solve our existing sad problems. The youth are lost and divided because of cover ups and scandals and misunderstanding of what a monster GV t we have and how it came about. And most of all we are all baffled by why the tegadelty in Eritrea are not responding to the situation and those few who do are supporting and covering up for the GVT. Do you think that it is because the GVT is made up of tegadelty? If so do you think Eritrea will be divided for some time to come between?

    Daniel, I loved what you wrote. I am just appealing to your knowledge and wisdom. I believe taht someone has to be honest so taht we can fill teh gaps.

  • yonas kidane July 31, 2013

    ዳንኤል፦
    ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ፡ብጣዕሚ ንጽሩን ገላጽን ጽሑፍ ካብ ኹሉ እቲ ከም መእተዊ ተጠቂምካሉ ዘለካ ጅግና ወዲ ኤረትራ መላከ ተክለ ታሪክ መስዋእቲ ቦትኡ ብምጽሓፍካ ክብሪ ይግባካ’ዩ ጀጋኑና ክርስዑ የብሎምን፡መዓልታዊ እውን እንተኮነ ናይዞም ብፍላይ ብቃጻ ዝተቀንጸሉ ደቂ ኤረትራ ክጽሓፍ ኣለዎ ስለምንታይ እቶም ገበርቲ ኩፉእ ድቃስ ለይቲ ክረክቡ የብሎምን።እንተ ናይ ኣድሓኖም’ዶ ናይ ተስፋይ ተመነዎ ድዩ ሓቂ ንትብል ሕቶካ ግና ሳላ ስደት ኩሉ ሕጊ ዓለማት ንሪኦ እንዲና ዘለና ኣብ መሪሕነት ውድባት ኣብ ክልቲኡ ዝነበሩ ደኣ ከምዚ ኣመሪካ ዝብልዎ እንተኮይኑስ ወይ ኣብ ቀዳማይ ዲግሪ ወይ ኣብ ካለአይ ዲግሪ (ቅትለት) ኣለዉ ስለዚ ኣይጥጠራጠር ከም ጸሓፋይ ግና ጽቡቕ ኣለካ ከም ምልክት ሕቶ ኣቐሚጥካያ ምሕላፍካ፡ ዳኒ ደጊመ ኣጆካ በርትዕ።

  • wedi zibolo July 31, 2013

    How brilliant fighter Daniel he tells us about the past history especially about Melake Tekile. Most of us the young generation we lost from misunderstand past history. Could you guys tells us, write a book, address to people. Because most the fighters getting old the time is running please do not kill a time to book for next generation.

  • Hzbi July 31, 2013

    The important thing is not the writer’s dialetct or method of writing. Writing methods depends with more practice. Anyway here it is not all important.
    The important thing he brought to light is, the historical event of the hero Melake Tekla. Mr Daniel, i want to ask you, when you saw him in his home hat, where did you go after ? When you were told to stay in your home hat, where did you go after ? Where did you arrive after and who was with you ? Who asked you to stay in your hat home ? where the leader to tell you to stay in your hat ? I think that you should be also give more information. your writing is good but you will still need to give more information and leave about what people says.

POST A COMMENT